ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧

ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧

ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧

“ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ: ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ።”—⁠1 ቈረንቶስ 11:23

1, 2. የሱስ ምሸት ኣብ እዋን ፋስጋ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ እዩ ዝገበረ፧

 ሰሉስ ምሸት 31 መጋቢት ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ ኣብ የሩሳሌም ምልእቲ ወርሒ ወጺኣ ነበረት። ሽዑ እቲ ሓደ ወዲ የሆዋ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ምስቶም ‘ብፈተንኡ ምስኡ እተዓገሱ’ 11 ሃዋርያቱ ተቐሚጡ ነበረ። (ሉቃስ 22:28) ፋስጋ ኣብዒሎም ምስ ወድኡ: እቲ ከዳዕ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ተሰጐ: እቶም ካልኦት ግን ኣብኡ ተረፉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሱስ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ክገብር ደልዩ ነበረ። እቲ ነገር እንታይ እዩ ነይሩ፧

2 ማቴዎስ: ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል: ኣብኡ ስለ ዝነበረ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “የሱስ እንጌራ ኣልዐለ: ባሪኹ ቘሪሱ: ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፤ እዚ ስጋይ እዩ: ውሰዱ: ብልዑ: በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፤ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ: ካብዚ ዅልኹም ስተዩ።” (ማቴዎስ 26:26-28) እዚ ሓንሳእ ጥራይ ዘጋጠመ ነገር ድዩ፧ ትርጕምከ ነይርዎዶ፧ ንዓናኸ ትርጕም ኣለዎዶ፧

“ንመዘከርታይ ግበርዎ”

3. እቲ የሱስ ምሸት 14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝገበሮ ነገር ትርጕም ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

3 እቲ የሱስ ምሸት 14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝፈጸሞ ተግባር ኣብ ናብራ ህይወቱ በጋጣሚ ዝገበሮ ተራ ነገር ኣይነበረን። ሃዋርያ ጳውሎስ: ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኽጽሕፈሎም ከሎ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝኣክል ነቲ የሱስ ዝገደፈሎም ኣርኣያ ኽስዕብዎ ጸኒሖም እዮም። ሽሕ እኳ ጳውሎስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ምስ የሱስን ምስቶም 11 ሃዋርያትን እንተ ዘይነበረ: ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠመ ነገር ገለ ኻብቶም ሃዋርያት ነጊሮምዎ ከም ዝነበሩ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ብዛዕባ ገለ መዳያት ናይቲ በዓል ብራእይ ተገሊጹሉ እዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ: ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ: ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዐለ: ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ: ውሰዱ: ብልዑ: እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ: እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ: በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዐለ እሞ: እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ: በለ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 11:23-25

4. ክርስትያናት ድራር ጐይታ ኸብዕሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

4 ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝነበረ ሉቃስ: የሱስ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ከም ዝበለ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ሉቃስ 22:19) እዘን ቃላት እዚኣተን “እዚ ንዝኽረይ ግበርዎ” ብዝብል እውን ተተርጒመን ኣለዋ። (ዘ ጀሩሳሌም ባይብል) አረ: እዚ በዓል እዝስ መብዛሕትኡ ግዜ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተባሂሉ እዩ ዝጥቀስ። ምሸት ስለ ዝበዓል ከኣ ጳውሎስ ድራር ጐይታ ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 11:20) ክርስትያናት ድራር ጐይታ ከብዕሉ ተኣዚዞም እዮም። ይኹን እምበር: እዚ በዓል እዚ እተሰርዐ ስለምንታይ እዩ፧

እተሰርዓሉ ምኽንያት

5, 6. (ሀ) የሱስ ነዚ ዝኽሪ እዚ ዝሰርዓሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ድራር ጐይታ እተሰርዓሉ ኻልእ ምኽንያት ግለጽ።

5 ሓደ ኻብቲ ድራር ጐይታ እተሰርዓሉ ምኽንያት ምስቲ የሱስ ብሞቱ ዝፈጸሞ ዕላማ እተተሓሓዘ እዩ። ንሉዓላውነት ሰማያዊ ኣቦኡ ብምጥባቕ እዩ ሞይቱ። ክርስቶስ በዚ ኸምዚ ነቲ ደቅሰብ ንኣምላኽ ዘገልግልዎ ብስሱዕ ድራኸ ተለዓዒሎም እዮም ብምባል ብሓሶት ዝኸሰሶም ሰይጣን ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ኣረጋገጸ። (እዮብ 2:1-5) የሱስ ብተኣማንነቱ ነዚ ኽሲ እዚ ሓሶት ገበሮ: ንልቢ የሆዋ ኸኣ ኣሐጐሶ።​—⁠ምሳሌ 27:11

6 ድራር ጐይታ እተሰርዓሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ: የሱስ ፍጹም: ሓጢኣት ዘይብሉ ሰብ ኰይኑ ብሙማቱ ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ከም ዘሕለፈ’ ምእንቲ ኸዘኻኽረና እዩ። (ማቴዎስ 20:28) እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ: ፍጹም ሰብኣዊ ህይወትን ዘሐጕስ ተስፋን ኣጥፍአ። ይኹን እምበር: የሱስ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ። (ዮሃንስ 3:16) አረ: “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ: ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።” (ሮሜ 6:23) ድራር ጐይታ ምብዓልና እምበኣር ነቲ የሆዋን ወዱን ምስቲ መስዋእታዊ ሞት የሱስ እተተሓሓዘ ዘርኣይዎ ዝዓበየ ፍቕሪ ዘዘኻኽረና እዩ። ነዛ ፍቕሪ እዚኣስ ከነማስወላ ዝግብኣናዶ ኸይኰነ!

መዓስ እዩ ክበዓል ዘለዎ፧

7. ቅቡኣት ክርስትያናት ኻብቲ ቕጫን ወይንን ብዝወሰዱ መጠን ሞት የሱስ ዝነግሩ ብኸመይ እዮም፧

7 ጳውሎስ ብዛዕባ ድራር ጐይታ ከምዚ በለ:- “እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ: እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን: ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ: ሞቱ ትነግሩ ኢኹም።” (1 ቈረንቶስ 11:26) ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ክርስትያን ክሳዕ ግዜ ሞቱ ካብቲ ቅጫን ወይንን ክወስድ ነበሮ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ በጅነት የሱስ ዝገበሮ ምድላው ዘለዎም እምነት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽን ዓለምን ብተደጋጋሚ ይእውጁ።

8. ቅቡኣት ክርስትያናት ብጕጅለ ደረጃ ድራር ጐይታ ክሳዕ መዓስ እዮም ከብዕሉ ዘለዎም፧

8 ቅቡኣት ክርስትያናት ብጕጅለ ደረጃ ንዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዘብዕሉ ክሳዕ መዓስ እዮም፧ ጳውሎስ “ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ” ኢሉ ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ ክሳዕ እቲ የሱስ ንቕቡኣት ሰዓብቱ ኣብ ግዜ ‘ምጽኣቱ’ ብትንሳኤ ናብ ሰማይ ክወስዶም ኢሉ ክሳዕ ዝመጽእ ክቕጽል ነበሮ። (1 ተሰሎንቄ 4:14-17) እዚ ኸኣ ምስቲ የሱስ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ከምዚ ብምባል እተዛረቦም ቃላት ዝሰማማዕ እዩ:- “ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም: ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ: ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።”​—⁠ዮሃንስ 14:3

9. እተን ኣብ ማርቆስ 14:25 ተመዝጊበን ዘለዋ ቓላት ከመይ ዝበለ ትርጕም እዩ ዘለወን፧

9 የሱስ ዝኽሪ ሞቱ ኽሰርዕ ከሎ: ነታ ጽዋእ ወይኒ ኣመልኪቱ ነቶም እሙናት ሃዋርያት ከምዚ ብምባል ነገሮም:- “ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ: ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ።” (ማርቆስ 14:25) የሱስ ኣብ ሰማይ ቃል ብቓሉ ወይኒ ኸም ዘይሰቲ ፍሉጥ እዩ: ስለዚ እምበኣር ከምዚ ኽብል ከሎ ነቲ ሓድሓደ ግዜ ብወይኒ ዝምሰል ሓጐስ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። (መዝሙር 104:15፣ መክብብ 10:19) ንሱን እቶም ኣስኣሰሩ ዝስዕቡ ብጾቱን ኣብታ መንግስቲ ብሓባር ክጥርነፉ ብሃረርታ ይጽበይዎ ስለ ዝነበሩ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ እዩ ዝዀኖም።​—⁠ሮሜ 8:23፣ 2 ቈረንቶስ 5:2

10. ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ መዓስ መዓስ እዩ ኽበዓል ዘለዎ፧

10 ሞት የሱስ ወርሒ ወርሒ: ሰሙን ሰሙን: ወይ እውን መዓልቲ መዓልቲ ድዩ ክኽበር ነይርዎ፧ ኣይፋሉን። የሱስ ድራር ጐይታ ምስ ሰርዐ በታ “መዘከርታ” ናይታ እስራኤላውያን ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዝወጹላ መዓልቲ ፋስጋ ተቐትለ። (ዘጸኣት 12:14) ፋስጋ ሓንሳእ ኣብ ዓመት: ብናይ ኣይሁድ ኣቈጻጽራ ኣብ መበል 14 ወርሒ ኒሳን እዩ ዝኽበር ነይሩ። (ዘጸኣት 12:1-6፣ ዘሌዋውያን 23:5) እዚ ኸኣ ሞት የሱስ ወርሒ ወርሒ: ሰሙን ሰሙን: ወይ መዓልቲ መዓልቲ ዘይኰነስ ዓመት ዓመት ኣብቲ ፋስጋ ዝበዓለሉ ዝነበረ መዓልቲ ጥራይ ክኽበር ከም ዘለዎ እዩ ዝሕብረና።

11, 12. ታሪኽ ብዛዕባ እቲ ቐደም ዝግበር ዝነበረ ኣከባብራ በዓል ዝኽሪ እንታይ እዩ ዝገልጸልና፧

11 ስለዚ እምበኣር: ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዓመት ዓመት 14 ኒሳን ክኽበር ግቡእ እዩ። ሓደ ናይ መወከሲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል:- “እቶም ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ክርስትያናት ወትሩ 14 ኒሳን ፓስቻ [ድራር ጐይታ] ናይ ምብዓል ልምዲ ስለ ዝነበሮም ኳርቶደሲማኑስ [ዓሰርተ ኣርባዕታውያን] ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ . . . እታ ዕለት ዓርቢ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰሙን ክትውዕል ትኽእል እያ።”​—⁠ዘ ኒው ስካፍ-ሄርዞግ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጀስ ኖውለጅ 4ይ ጥራዝ ገጽ 44

12 ጸሓፍ ታሪኽ ጀይ. ኤል. ፎን ሞሸይም ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ልምዲ ኽጽሕፍ ከሎ ኳርቶደሲማኑስ “ንኣብነት ክርስቶስ ልክዕ ከም ሕጊ ገይሮም ይምልከትዎ” ስለ ዝነበሩ ን14 ኒሳን የኽብርዋ ነይሮም እዮም። ካልእ ጸሓፍ ታሪኽ እውን ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣብ እስያ ዝርከባ ኣብያተ⁠-​ክርስትያንን ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ⁠-​ክርስትያንን ኣብ ሓደ እዋን እየን ኳርቶደሲማን [14 ኒሳን] ዘብዕላ ነይረን። ኣብ 2ይ ዘመን እዘን ኣብያተ⁠-​ክርስትያን እዚኣተን ነቲ ብሞት ክርስቶስ እተረኽበ ድሕነት ኣብቲ 14 ኒሳን ዝውዕል ፓስቻ ኣብዓላኦ።”​—⁠ስቱድያ ፓትሪስቲካ ጥራዝ V 1962 ገጽ 8

ናይቲ ቕጫ ትርጕም

13. የሱስ ድራር ጐይታ ክሰርዕ ከሎ እንታይ ዓይነት ቅጫ እዩ ተጠቒሙ፧

13 የሱስ በዓል ዝኽሪ ክሰርዕ ከሎ “እንጌራ ኣልዒሉ: ባሪኹ ቘረሰ: ንኣታቶም [ነቶም ሃዋርያት] ከኣ . . . ሀቦም።” (ማርቆስ 14:22) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝነበረ ቕጫ እቲ ንፋስጋ እተጠቕሙሉ ቕጫ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 13:6-10) ብዘይ​ መባዅዕቲ እተሰንከተ ብምንባሩ ረቂቕን ብቐሊሉ ዝቝረስን እዩ ነይሩ: ንዅሎም ምእንቲ ኽባጻሕ ከኣ ክቈራረስ ነበሮ። እቲ የሱስ ብተኣምራታዊ መገዲ ንኣሽሓት ሰባት ዝዓደሎ ቕጫ እውን ረቂቕን ድርቕ ዝበለን እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 14:19፣ 15:36) ስለዚ እምበኣር: ምቍርራስ ናይቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዝቐርብ ቅጫ ካልእ ሃይማኖታዊ ትርጕም የብሉን።

14. (ሀ) እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝቐርብ ቅጫ ዘይበዅዐ ክኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንድራር ጐይታ እንታይ ዓይነት ቅጫ እዩ ክዳሎ ወይ ክስንከት ዘለዎ፧

14 የሱስ ድራር ጐይታ ክሰርዕ ከሎ ብዛዕባ እቲ ቕጫ “እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ” በለ። (1 ቈረንቶስ 11:24፣ ማርቆስ 14:22) እቲ ቕጫ ዘይበዅዐ ምንባሩ ዝበቅዕ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ መባዅዕቲ ወይ ማይ ብሒቝ ንኽፍኣት: እከይ: ወይ ሓጢኣት ከመልክት ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:6-8) እቲ ቕጫ ነቲ መስዋእታዊ በጅነት ዝቐረበ ዀይኑ ፍጹም ወይ ሓጢኣት ዘይብሉ ሰብኣዊ ኣካል የሱስ እዩ ዘመልክት። (እብራውያን 7:26፣ 10:5-10) ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ዝኽሪ ከኽብሩ ኸለዉ ነዚ ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝን ኣብነት የሱስ ብምስዓብን ዘይበዅዐ ቅጫ እዮም ዝጥቀሙ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ነቲ ኸም እኒ ሽጕርቲ ወይ እንቋቝሖ ዝኣመሰለ መመቀሪ ዘይተሓወሶ ኣይሁድ ኣብ ግዜ ፋስጋ ዝጥቀምሉ ዓይነት ቅጫ ይጥቀሙ እዮም። እዚ ዓይነት ቕጫ እዚ እንተ ዘየልዩ ግን ዘይበዅዐ ቕጫ ብሒደት ሓርጭ እኽሊ (እንተ ተረኺቡ: ሓርጭ ስርናይ) ብሒደት ማይ ኣቘምጢዕካ ክስንከት ይከኣል እዩ። እቲ ብሒቝ ሒደት ዘይቲ ኣብ ዘለዎ መቝሎ ኣርቂቕካ ብምስንካት ብቐሊሉ ምእንቲ ኽቈራረስ ክሳዕ ድርቕ ዝብል ክጸንሕ ኣለዎ።

ናይቲ ወይኒ ትርጕም

15. ኣብታ የሱስ ዝኽሪ ሞቱ ኽሰርዕ ከሎ ዘዞራ ጽዋእ እንታይ እዩ ነይሩ፧

15 የሱስ ነቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ምስ ሃቦም: ጽዋእ ኣልዓለ እሞ “ኣመስጊኑ [ነቶም ሃዋርያት] ሀቦም: ኵሎምውን ካብኣ ሰተዩ።” የሱስ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ” ብምባል ገለጸ። (ማርቆስ 14:23, 24) እቲ ጽዋእ እቲ እንታይ እዩ ሒዙ ነይሩ፧ ሓድሽ ጽማቝ ወይኒ ዘይኰነስ እተጠጅአ ወይኒ እዩ ነይሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ወይኒ ኽብል ከሎ ተቐንጢቡ እተጸምቈ ሓድሽ ወይኒ ማለቱ ኣይኰነን። ንኣብነት: ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ኣረገውቲ ኣሕርብቲ” ክቐድድ ዝኽእል ወይኒ እተጠጅአ ወይኒ ደኣ እምበር: ሓድሽ ጽማቝ ወይኒ ኣይኰነን። ጸላእቱውን ‘ሰታይ ወይኒ’ ኢሎም እዮም ከሲሶምዎ። እቲ ወይኒ እቲ ተራ ጽማቝ ወይኒ እንተ ዝኸውን ነይሩ: ትርጕም ዘይብሉ ኽሲ ምዀነ። (ማቴዎስ 9:17፣ 11:19) ፋስጋ ክበዓል ከሎ እተጠጅአ ወይኒ እዩ ዝስተ ነይሩ: ክርስቶስ ከኣ ዝኽሪ ሞቱ ኽሰርዕ ከሎ ከምዚ ዓይነት ወይኒ እዩ ተጠቒሙ።

16, 17. ዝኽሪ በዓል ክኽበር ከሎ እንታይ ዓይነት ወይኒ እዩ ብቑዕ ዝኸውን: ስለምንታይከ፧

16 ብቑዕ ተምሳል ናይቲ ነቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ከመልክት ዝኽእል ቀይሕ ወይኒ ጥራይ እዩ። የሱስ ባዕሉ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ” ኢሉ ኣሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ንቕቡኣት ክርስትያናት “ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም: ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል: ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር: ብጠፋኢ ነገር: ብብሩር ወይስ ወርቂ: ከም ዘይደሐንኩም: ትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 1:18, 19

17 እቲ የሱስ ዝኽሪ ሞቱ ኽሰርዕ ከሎ እተጠቐመሉ ቐይሕ ወይኒ ኸም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። ይኹን እምበር: ገሊኡ ሎሚ ዘሎ ቐይሕ ወይኒ ካልእ ኣልኮላዊ ፈሳስን ቀመማትን ስለ ዝሕወሰሉ ተቐባልነት የብሉን። ደም የሱስ ፍጹም ስለ ዝዀነ ምንም ክሕወሰሉ ኣየድልዮን እዩ። ስለዚ ከም እኒ ፖርት: ሸሪ: ቬርሙጥ ዝኣመሰለ ተወሳኺ ቕመማት ዘለዎ ወይኒ ብቑዕ ኣይኰነን። ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝቐርብ ወይኒ መመቀሪ ይኹን ካልእ መሐወስታ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ቤት እተዳወለ መመቀርታ ዘይተሓወሶ ቐይሕ ወይኒ ወይ ከኣ ከም በርጋንዲ ወይ ክላረት ዝኣመሰለ ናይ ፈረንሳ ወይኒ ምጥቃም ይከኣል እዩ።

18. የሱስ ምስቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዘቕረቦ ቕጫን ወይንን እተተሓሓዘ ተኣምራት ዘይፈጸመ ስለምንታይ እዩ፧

18 የሱስ ነዚ መኣዲ እዚ ክሰርዕ ከሎ: ነቲ ቕጫን ወይንን ናብቲ ዝርአ ስጋኡን ደሙን ብምቕያር ተኣምራት ኣይፈጸመን። ስጋ ሰብ ምብላዕን ደሙ ምስታይን ሕጊ ኣምላኽ ዝጥሕስ እዩ። (ዘፍጥረት 9:3, 4፣ ዘሌዋውያን 17:10) የሱስ ኣብታ ምሸት እቲኣ ምስ ምሉእ ስጋኡን ደሙን እዩ ነይሩ። ስጋኡ ፍጹም መስዋእቲ ዀይኑ ዝቐረበን ደሙ ዝፈሰሰን ንጽባሒቱ ናይ ኣጋ ምሸት ብናይ ኣይሁድ ኣቈጻጽራ 14 ኒሳን ከይተወድአት ከላ እዩ። ስለዚ እቲ ንስጋን ደምን ክርስቶስ ዘመልክት ኣብ ዝኽሪ በዓል ዝቐርብ ቅጫን ወይንን ምሳልያዊ ትርጕም ጥራይ እዩ ዘለዎ። a

በዓል ዝኽሪ​—⁠ናይ ሓባር መኣዲ

19. ድራር ጐይታ ክበዓል ከሎ ክልተ ሰለስተ ብያትታት ወይ ጽዋኣት ክትጥቀም ዝከኣል ስለምንታይ እዩ፧

19 የሱስ በዓል ዝኽሪ ኽሰርዕ ከሎ: ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ካብታ ናይ ሓባር ጽዋእ ክሰትዩ እዩ ዓዲምዎም። ወንጌል ማቴዎስ ከምዚ ትብለና:- “[የሱስ] ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፤ . . . ካብዚ ዅልኹም ስተዩ።” (ማቴዎስ 26:27) ኣብ ክንዲ ሓያሎ ጽዋኣት ሓንቲ “ጽዋእ” ጥራይ ምጥቃሙ ጸገም ኣይነበሮን: ከመይሲ ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣብ ሓደ መኣዲ እተቐመጡ 11 ተኻፈልቲ ጥራይ ስለ ዝነበሩ ነታ ጽዋእ ከይተጸገሙ ናብ ኵሎም ከዙርዋ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ልዕሊ 94,000 ዝዀና ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክእከቡ እዮም። ስለዚ ኣብዛ ኣብ ሓንቲ ምሸት ብዙሓት ተኣከብቲ ኣብ ዘለዉዋ በዓል ንዅሎም ሓንቲ ጽዋእ ጥራይ ክትኣክል ኣይትኽእልን እያ። ይኹን እምበር: ዓበይቲ ጉባኤታት ነቲ መሰረታዊ ስርዓት እናሓለዋ ኣብ ሕጽር ዝበለ ግዜ ኣብ ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ምእንቲ ኽዘውር ካብ ሓደ ንላዕሊ ጽዋኣት ይጥቀማ እየን። ነቲ ቕጫ እውን እንተዀነ ኣብ ብዝሕ ዝበለ ብያትታት ጌርካ ኸተዙሮ ይከኣል እዩ። እቲ ጽዋእ ወይ እቲ ብያቲ እንታይ ዓይነት ቅርጺ ኽህልዎ ከም ዘለዎ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ጽዋእ ይኹን እቲ ብያቲ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ። እቲ ጽዋእ ክዘውር ከሎ እቲ ወይኒ ምእንቲ ከይፈስስ ክሳዕ ኣፉ ክመልእ የብሉን።

20, 21. በዓል ዝኽሪ ናይ ሓባር መኣዲ እዩ ኽንብሎ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

20 ቅጫ ዝሓዘ ብዝሕ ዝበለ ብያትታትን ወይኒ ዝሓዘ ብዙሕ ጽዋኣትን ዝቐርብ እኳ እንተዀነ በዓል ዝኽሪ ናይ ሓባር መኣዲ እዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንስሳ ሒዙ ብምምጻእ መስዋእቲ ምስጋና ወይ ናይ ሓባር መኣዲ ኸዳሉ ይኽእል ነበረ። ገለ ኽፋል ናይቲ እንስሳ ኣብ መሰውኢ ይሓርር: ገለ ክፋሉ ኸኣ ነቲ ዝስውእ ካህን: ካልእ ኸኣ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ይወሃብ: እቲ ነቲ መስዋእቲ ዘቕረበን ስድራ​ቤቱን ከኣ ካብቲ መኣዲ ይካፈሉ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 3:1-16፣ 7:28-36) በዓል ዝኽሪ እውን ንብዙሓት ዘካፍል ስለ ዝዀነ ናይ ሓባር መኣዲ ክበሃል ይከኣል እዩ።

21 የሆዋ ናይዚ ምድላው እዚ ሓላፊ ብምዃኑ ኣብዚ ናይ ሓባር መኣዲ ይካፈል እዩ። የሱስ እቲ መስዋእቲ ክኸውን ከሎ: ቅቡኣት ክርስትያናት ከኣ ሓቢሮም ካብቲ ቕጫን ወይንን ይካፈሉ። እቶም ተኻፈልቲ ኣብ መኣዲ የሆዋ ዀይኖም ምብልዖም ምስኡ ሰላም ከም ዘለዎም ዘመልክት እዩ። ጳውሎስ በዚ መሰረት እዚ እዩ ኸምዚ ኢሉ ዝጸሓፈ:- “እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ: ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ: ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና።”​—⁠1 ቈረንቶስ 10:16, 17

22. ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ንኸመይ ዝበለ ሕቶታት ኢና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧

22 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓመት ዓመት ዘብዕልዎ ሃይማኖታዊ በዓል: ድራር ጐይታ ጥራይ እዩ። ከምኡ ምግባሮም ከኣ ግቡእ እዩ: ከመይሲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ብምባል ኣዚዝዎም እዩ። ኣብ በዓል ዝኽሪ ነቲ ንሉዓላውነት የሆዋ ዘኽበረ ሞት ክርስቶስ ኢና እንዝክር። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ኣብዚ ናይ ሓባር መኣዲ እዚ እቲ ቕጫ ነቲ እተሰውአ ስጋ ክርስቶስ ከመልክት ከሎ: እቲ ወይኒ ኸኣ ነቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ እዩ ዘመልክት። ይኹን እምበር: ካብቲ ቕጫን ወይንን ዝወስዱ ኣዝዮም ሒደት እዮም። ሒደት ጥራይ ዝዀኑ ግን ስለምንታይ እዮም፧ እቲ ዝኽሪ ነቶም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዘይወስዱ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተኣከብቲኸ ናይ ሓቂ ትርጕም ኣለዎ ድዩ፧ እወ: ድራር ጐይታ ንዓኻ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 2ይ ጥራዝ ገጽ 271 ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሱስ ድራር ጐይታ ዝሰርዐ ስለምንታይ እዩ፧

• ድራር ጐይታ መዓስ መዓስ እዩ ክበዓል ዘለዎ፧

• እቲ ኣብ ዝኽሪ በዓል ዝቐርብ ዘይበዅዐ ቕጫ ንምንታይ እዩ ዘመልክት፧

• እቲ ኣብ ዝኽሪ በዓል ዝቐርብ ወይኒ ንምንታይ እዩ ዘመልክት፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ድራር ጐይታ ሰርዐ