ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰባት ብሰንኪ ሃይማኖቶም መስጐጕቲ ዝወርዶም ስለምንታይ እዩ፧

ሰባት ብሰንኪ ሃይማኖቶም መስጐጕቲ ዝወርዶም ስለምንታይ እዩ፧

ሰባት ብሰንኪ ሃይማኖቶም መስጐጕቲ ዝወርዶም ስለምንታይ እዩ፧

ሰባት ብሰንኪ ሃይማኖቶም መስጐጕቲ ኽወርዶም ግቡእ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ነዚ ኣይትሰማምዓሉን ትኸውን: ብፍላይ ከኣ ንመሰላት ካልኦት ክሳዕ ዘይጠሓሱ ኸምዚ ምግባር ግቡእ ኣይኰነን ትብል ትኸውን። ይኹን እምበር: ብሰንኪ ሃይማኖት ዝወርድ መስጐጕቲ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። ንኣብነት: ኣብ መበል 20 ዘመን ኣብ ኣውሮጳን ካልኦት ክፍልታት ዓለምን ዝርከቡ መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሰሎም ተገፊፉን ተገፊዖምን እዮም።

ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ኣውሮጳ ሰፊኑ ዝነበረ ምልካዊ ስርዓታት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ደይ መደይ ኢልካ ዘስካሕክሕ መስጐጕቲ ወሪድዎም እዩ። ተመክሮኦም ብዛዕባ ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ እንታይ እዩ ዝምህረና፧ ካብቲ ነቲ ዝወረዶም ሓሳረ መከራ እተጻወሩሉ መገዲኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

“ካብ ዓለም ኣይኰኑን”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኽበርቲ ሕግን ሰላማውያንን ቅኑዓትን ሰባት ክዀኑ እዮም ዝጽዕሩ። ንመንግስታት ኣይጻረሩን ወይ ምስ ገዛእቲ ኽጋጨዉ ኣይደልዩን እዮም: ሰማእታት ምእንቲ ኽንከውን ኢሎም እውን መስጐጕቲ ንኽወርዶም ኣይተዃትኹን እዮም። ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት እዮም። እዚ ኸኣ ምስቲ የሱስ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: [ሰዓብተይ እውን] ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ብምባል እተዛረቦ ዝሰማማዕ እዩ። (ዮሃንስ 17:16) ዝበዝሓ መንግስታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለልተኛታት ምዃኖም ይቕበልኦ እየን። ውልቀ⁠-​መለኽቲ ግን ነቲ ክርስትያናት ካብ ዓለም ንኸይኰኑ ዝገልጽ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት የብሎምን።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2000 ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሄድልበርግ እተገብረ ዘተ ተገሊጹ ነይሩ። እቲ ዘተ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ናዝን ምልካዊ ስርዓት ኮምዩኒስትን ዝወረዶም ጸቕጥን ብኸመይ መሰሎም ከም ዘረጋገጹን” ዘርእስቱ ነበረ። ኣብቲ ብዛዕባ ምልካውነት መጽናዕቲ ዝገብር ብሃና ኣረንት እተሰየመ ትካል ዝዓዪ ዶ/ር ክሌመንስ ፎልንሃልስ “ምልካዊ ስርዓታት ኣብ ፖለቲካ ጥራይ ኣይኰኑን ተሓጺሮም ዝተርፉ። የግዳስ ንሓደ ሰብ ኵለንተናኡ እዮም ዝደልይዎ” በለ።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ክዀኑ ምዃኖም መብጽዓ ስለ ዝኣተዉ: ንሓደ ሰብኣዊ መንግስቲ ‘ኵለንተናኦም’ ክውፍዩ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ትሕቲ ውልቀ⁠-​ምልካዊ ስርዓታት ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሓደ ግዜ መንግስቲ ዝጠልቦ ነገራት ምስ እምነቶም ዝጋጮ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንታይ እዮም ገይሮም፧ ታሪኽ ከም ዝምስክሮ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ብምባል እተዛረብዎ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎ እዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:29

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽትገልጾ ዘሰቅቕ መስጐጕቲ እኳ እንተ ወረዶም: ኣብ እምነቶም ብምጽናዕ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ኰይኖም እዮም። ነቲ መስጐጕቲ ግን ብኸመይ እዮም ክጻወርዎ ኽኢሎም፧ ከምዚ ንምግባርከ ካበይ እዮም ሓይሊ ረኺቦም፧ ባዕላቶም መልሲ ኽህቡ እስኪ ዕድል ንሃቦም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ ኻልኦት ሰባት ካብዚ ተመክሮታት እዚ እንታይ ትምህርቲ ኽወስዱ ኸም ዝኽእሉ እውን ንርአ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብ መበል 20 ዘመን ዝነበሩ ኽልተ ምልካዊ ስርዓታት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዘስካሕክሕ መስጐጕቲ ወሪድዎም እዩ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ምልካዊ ስርዓታት ኣብ ፖለቲካ ጥራይ ኣይኰኑን ተሓጺሮም ዝተርፉ። የግዳስ ንሓደ ሰብ ኵለንተናኡ እዮም ዝደልይዎ።”--ዶ/ር ክሌመንስ ፎልንሃልስ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣባላት ስድራ​ቤት ኩሰሮ ኣብ እምነቶም ብዘይምልምማጦም ናጽነቶም ተነፍጉ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ዮሃንስ ሃርምስ ብሰንኪ እምነቱ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ተቐትለ