ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ—ቅሳነትን ሓጐስን ዝመልኦ ህይወት

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ—ቅሳነትን ሓጐስን ዝመልኦ ህይወት

ታሪኽ ህይወት

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ​—⁠ቅሳነትን ሓጐስን ዝመልኦ ህይወት

ጀታ ሱነል ዘዘንተወቶ

ድሕሪ ቝርሲ ኣብ ረድዮ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋውያን ኣይኰኑን: ዕዮኦም ድማ ተኣጊዱ እዩ” ዝብል ምልክታ ሰማዕና።

እዋኑ 1950 እዩ ነይሩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኣብ 20ታት ዕድመ እንርከብ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ነገልግል ነበርና። ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓመት ኢና ናብታ ዓዲ ኼድና።

ካብ ቀደም ኣትሒዘ ኣይኰንኩን ሚስዮናዊት ንምዃን ሸቶ ዝነበረኒ። ልክዕ እዩ: ቘልዓ ከለኹ ቤተ⁠-​ክርስትያን እኸይድ ነይረ። ኣቦይ ግን ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ምኻድ ገዲፍዎ ነበረ። ብ1933 ኣባል ኤጲስቆጶሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ዝዀንኩሉ ዕለት: እቲ ኣቡን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ጥቕሲ ጥራይ ድሕሪ ምንባብ ነቲ ዝተረፈ ግዜ ፖለቲካዊ መደረ ኣብ ምምዳር ኣሕለፎ። ኣደይ በዚ ኣዝያ ስለ ዝጐሃየት ድሕሪ እታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ከይዳ ኣይትፈልጥን እያ።

ኣነባብራና ተቐየረ

ነቲ ዊልያም ካርል ዝበሃል ኣቦይን ነታ ሜሪ ኣዳምስ እትበሃል ኣደይን ሓሙሽተ ደቂ ነበርናዮም። እቶም ኣወዳት ዶን: ጆኤል: ከምኡውን ካርል ይበሃሉ። ሓብተይ ከኣ ጆይ ትበሃል: ንሳ ሕሳስ⁠-​ልደ ገዛና ኽትከውን ከላ: ኣነ ድማ በዅሪ እየ። ሓደ መዓልቲ ጓል 13 ዓመት ኣቢለ ኸለኹ: ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛ ምስ መጻእኩ: ኣደይ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ጽሕፍቲ ኸተንብብ ጸንሓትኒ። ኣርእስቲ እታ ጽሕፍቲ ዘ ኪንግደም: ዘ ሆፕ ኦቭ ዘ ዎርልድ (እንግሊዝኛ) ዝብል ነበረ። “እታ ሓቂ እዚኣ እያ” ድማ በለትኒ።

ኣደይ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህረቶ ነገር ንዅላትና ነገረትና። ብዘረባ ዀነ ብግብሪ ነቲ የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኣገዳሲ ምዃኑ ቀረጸትልና።​—⁠ማቴዎስ 6:33

ይኹን እምበር: ወትሩ ኣይኰንኩን ክሰምዓ ዝደሊ ነይረ። ሓደ ግዜ እሞ ኸኣ “ኣደይ ብዛዕባዚ ኣይትዛረብኒ: እንተ ዘይኰይኑ ነዚ ብያትታት ኣይከንቅጸልክን እየ” በልክዋ። ንሳ ግን ብሜላ ካብ ምንጋርና ኣየቋረጸትን። ንዅላትና ደቃ ኣዘውቲራ ናብቲ ኣብ ኢልምሀርስት: ኢልዮንስ: ሕ.መ.ኣ.: ኣብ ጥቓ ገዛና እትርከብ ቤት እንዳ ክላራ ራያን ዝግበር ኣኼባ ትወስደና ነበረት።

ክላራ ፕያኖ እውን ትምህር ነበረት። ተመሃሮኣ ኣብ ዓዓመት ትርኢት ከቕርቡ ኸለዉ: ነቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ተስፋ ትንሳኤን ንምንጋር ትጥቀመሉ ነበረት። ሙዚቃ እፈቱ ብምንባረይን ጓል ሸውዓተ ዓመት ካብ ዝኸውን ኣትሒዘ ቫዮሊን እመሃር ስለ ዝነበርኩን: ነቲ ክላራ እትብሎ ሰማዕክዎ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ኣነን ኣሕዋተይን ምስ ኣዴና ናብታ ኣብ ምብራቓዊ ጫፍ ቺካጎ እትርከብ ጉባኤ እናኸድና ኣኼባታት ክንካፈል ጀመርና። እቲ ቦታ ርሑቕ ብምንባሩ ብኣውቶቡስ ወይ ብሎተሪና ንኸይድ ነበርና: እንተዀነ ግን ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ እንታይ ማለት ምዃኑ ንፈለማ እተመኰርናሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ብ1938 ማለት ኣደይ ካብ እትጥመቕ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት: ምስኣ ናብቲ ኣብ ቺካጎ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከድኩ። እታ ኸተማ ሓንቲ ኻብተን ነቲ ኣኼባ ንምክትታል ብረድዮ ዝመሓላለፈለን ዝነበረ 50 ከተማታት እያ ነይራ። እቲ ኣብኡ ዝሰማዕኽዎ ከኣ ልበይ ተንከፈኒ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ንሙዚቃ ዝነበረኒ ፍቕሪ እውን ቀሊል ኣይነበረን። ብ1938 ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተመረቕኩ: ኣቦይ ከኣ ኣብቲ ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ንኽመሃር ምድላው ገበረለይ። ስለዚ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኽልተ ዓመታት ሙዚቃ ተማሃርኩ: ምስ ክልተ ኦርኬስትራታት ዓየኹ: ዕድመይ ምሉእ በዚ ሞያ እዚ ንምቕጻል ድማ ሓሰብኩ።

ሀርበርት ባትለር ዝበሃል ናይ ቫዮሊን መምህረይ ካብ ኣውሮጳ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝገዓዘ ብምንባሩ: የንብባ ይኸውን እዩ ብምባል ስደተኛታት a ዘርእስታ ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ሃብክዎ። ነታ ጽሕፍቲ ኣንበባ እሞ ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ድሕሪ ትምህርቲ ጸዊዑ “ጀታ: ሙዚቃ ጽቡቕ ጌርኪ ኢኺ ትጻወቲ: በዚ እንተ ቐጺልኪ ኸኣ ኣብ ናይ ረድዮ ኦርኬስትራ ወይ ከም መምህር ሙዚቃ ስራሕ ንምርካብ ኣይከጸግመክን እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን ናብታ ጽሕፍቲ እናኣመልከተ “ግናኸ ልብኺ ኣብዚ እዩ ዘሎ። ነዚ ንምንታይ ናይ ህይወትኪ ቐንዲ ዕዮ ዘይትገብርዮ፧” በለኒ።

ነቲ ዝበለኒ ኣርዚነ ሓሰብኩሉ። ኣብቲ ናይ ሙዚቃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዝቕጽል: ኣደይ ናብቲ ሓምለ 1940 ኣብ ዲትሮይት: ሚሽጋን: እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስኣ ንክኸይድ ዘቕረበትለይ ዕድመ ተቐበልኩ። ኣብቲ ግዝያዊ መሕደሪ ዝነበረሉ ቦታ ኣብ ድንኳን ንሓድር ነበርና። ቫዮሊነይ ተማሊአያ ነበርኩ: ምስቶም ናይቲ ኣኼባ ኦርኬስትራ እውን ተጻዊተ እየ። ኣብቲ ንሓድረሉ ዝነበርና ቦታ ድማ ምስ ብዙሓት ፓይነራት (ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን) ተራኸብኩ። ኵላቶም ኣዝዮም ሕጕሳት እዮም ነይሮም። ስለዚ: ክጥመቕን ፓይነር ንምዃን ከመልክትን ወሰንኩ። ምሉእ ህይወተይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ክቕጽል የሆዋ ንኽሕግዘኒ ብጸሎት ለመንክዎ።

ድሕርዚ ኣብታ ዝዓበኹላ ኸተማ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ጸኒሐ ኣብ ቺካጎ ኣገልገልኩ። ብ1943 ናብ ከንቱኪ ገዓዝኩ። በታ ዓመት እቲኣ ኣብ ክረምቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ቅድሚ ምግባርና: ናብ ካልኣይ ክፍሊ ናይቲ ሚስዮናውያን ዝስልጥኑሉ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክኣቱ ጻውዒት ቀረበለይ። እቲ ስልጠና መስከረም 1943 ክጅምር ተመደበ።

ኣብቲ ኽረምቲ እቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ እተገብረሉ ግዜ: ሓንቲ ኣብ ቤታ እተቐበለትኒ ሓብቲ: ካብቲ ኣርማድዮ ጓላ ዝደለኽዎ ክወስድ ፈቐደትለይ። ጓላ ወተሃደር ስለ ዝዀነት: ኵሉ ንብረታ ኽትዕድሎ ነዲኣ ነጊራታ ነይራ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንዓይ ከም መፈጸምታ ናይቲ የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ብምባል እተዛረቦ መብጽዓ እዩ ዀይኑለይ። (ማቴዎስ 6:33) ኣብ ጊልዓድ ዘሕለፍክወን ሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀልጢፈን ሓለፋ: 31 ጥሪ 1944 ክንምረቕ ከሎና ኸኣ ሚስዮናዊ ኣገልግሎተይ ዝጅምረሉ ግዜ ብሃንቀውታ ተጸበኹ።

ንሳቶም እውን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ምዃን መረጹ

ብ1942 ኣደይ ፓይነር ኰነት። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰለስተ ኣሕዋተይን እታ ሓንቲ ሓብተይን ገና ትምህርቲ ኣይወድኡን ነይሮም። ብዙሕ ግዜ ኻብ ትምህርቲ ምስ ተፈደሱ: ኣደይ ሒዛቶም ኣገልግሎት ትኸይድ ነበረት። ኣብ ገዛ እተፈላለየ ነገራት ንኽዓዩ ድማ ኣሰልጠነቶም። መብዛሕትኡ ግዜ ቐትሪ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽትከይድ ምሸት ኵላትና ድሕሪ ምድቃስና ክዳውንቲ ተስታርር: ካልእ ኣድላዪ ዕዮ እውን ትዓዪ ነበረት።

ኣብ ጥሪ 1943 ኣብ ከንቱኪ ፓይነር ኰይነ እናኣገልገልኩ ኸለኹ: ዶን ሓወይ እውን ፓይነር ኰነ። ኣቦይ ልክዕ ከምኡን ከም ኣዴናን ኵላትና ደቁ ኮለጅ ክንኣቱ ይደሊ ስለ ዝነበረ በዚ ጐሃየ። ዶን ንኽልተ ዓመት ዝኸውን ፓይነር ኰይኑ ምስ ኣገልገለ: ኣባል ናይቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎቱ ክቕጽል ጻውዒት ቀረበሉ።

ጆኤል ገና ምስ ወለድና ኸሎ: ካብ ሰነ 1943 ኣትሒዙ ፓይነር ኰይኑ ኸገልግል ጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቦና ናብ ዓብዪ ኣኼባ ኽወስዶ ፈቲኑ ኣይሰለጦን። ጆኤል ኣብቲ ኸባቢ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዝደሊ ሰብ ኣናድዩ ምስ ሰኣነ ግን: ኣቦይ በታ “ዘ ትሩዝ ሻል ሜክ ዩ ፍሪ ” ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገይሩ ኸጽንዕ ፍቓደኛ ዀነ። ነቲ ሕቶታት ብቐሊሉ ዝምልሶ እኳ እንተ ነበረ: ንጆኤል ግን ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ሓሳባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖ ንኸቕርበሉ የፋጥጦ ነበረ። እዚ ኸኣ ንጆኤል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓቂ ናቱ ንኽገብራ ሓገዞ።

ጆኤል እቲ ንዶን ናይ ሃይማኖት ኣገልጋሊ ብምዃኑ ኻብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ዝገበሮ ቦርድ ንዕኡ እውን ናጻ ኽገብሮ ተስፋ ገይሩ ነበረ። እቶም ኣባላት እቲ ቦርድ ግና ጆኤል ገና ለይለይ ዝብል መንእሰይ ምዃኑ ምስ ረኣዩ: ምስ ናይ ሃይማኖት ኣገልገልቲ ኽምድብዎ ኣይደለዩን: ወተሃደር ንምዃን ክምዝገብ ድማ ኣዘዝዎ። ጆኤል ምስ ኣበየ ግን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኽኣቱ ተወሰነ። ኤፍ.ቢ.ኣይ. ምስ ረኸብዎ: ኣብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኩክ ካውንቲ ሰለስተ መዓልቲ ተኣስረ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቦይ ብመንበሪ ገዛና ተዋሕሶ። ድሕሪዚ እውን ተመሳሳሊ ጸገም ንዘጋጠሞም ካልኦት መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዋሒሱ እዩ። እዚ ምጕዳል ፍትሒ ነቦይ ስለ ዘሕረቖ: ነቲ ይግባይ ንምስማዕ ምስ ጆኤል ናብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ኸደ። ኣብ መወዳእታ: ጆኤል ናይ ሃይማኖት ኣገልጋሊ ምዃኑ ተኣምነሉ: ስለዚ እቲ ጕዳይ ደቀሰ። ኣቦይ ናብቲ ሚስዮናዊት ኰይነ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ ዓዲ “ነዚ ዓወት እዚ ብምርካብና የሆዋ ውዳሰ ይግብኦ!” ኢሉ ደብዳበ ጸሓፈለይ። ኣብ መወዳእታ ነሓሰ 1946 ጆኤል እውን ኣባል ናይቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ክኸውን ጻውዒት ቀረበሉ።

ካርል ብ1947 ትምህርቱ ወዲኡ ስርዓታዊ ፓይነር ኰይኑ ኸገልግል ቅድሚ ምጅማሩ: ካብ ቤት ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣብ ዝረኽበሉ ዝነበረ እዋን ብተደጋጋሚ ሓጋዚ ፓይነር ኰይኑ የገልግል ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቦይ ጥዕና ኽስእን ስለ ዝጀመረ: ካርል ናብ ካልእ ቦታ ግዒዙ ቕድሚ ምግልጋሉ ኣብ ዕዮኡ ይድግፎ ነበረ። ኣብ መወዳእታ 1947 ካርል ምስ ዶንን ጆኤልን ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣባል ስድራ ቤትኤል ኰይኑ ኸገልግል ጀመረ።

ጆይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስ ወድአት: ፓይነር ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ድሕሪኡ ብ1951 ከም ኣሕዋታ ቤትኤል ኣተወት። ኣብ ክፍሊ ጽሬት ኣባይትን ክፍሊ ኵንትራትን ድማ ትዓዪ ነበረት። ብ1955 ሮጀር ሞርጋን ዝበሃል ቤትኤላዊ ተመርዓወት። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ኣቢሎም ክወልዱ ስለ ዝደለዩ: ካብ ቤትኤል ወጹ። ክልተ ውሉዳት ወለዱ: ንሳቶም እውን ንየሆዋ የገልግሉ ኣለዉ።

ኣነን ኣሕዋተይን ሓብተይን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከሎና: ኣደይ ነቦይ ተተባብዖ ስለ ዝነበረት: ብ1952 ህይወቱ ንየሆዋ ወፍዩ ተጠምቀ። ኣቦይ ብሰንኪ ሕማሙ ጸገማት እኳ እንተ ነበሮ: ክሳዕ ዕለተ⁠-​ሞቱ ን15 ዓመታት ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ዘካፍለሉ መገድታት ብምርካብ ዝመጸ በሊሕ ነበረ።

ኣደይ ብሰንኪ ሕማም ኣቦይ ንእተወሰነ ግዜ ፓይነር ምዃን ኣቋሪጻ ድሕሪ ምጽናሕ: ድሕሪ ሞቱ ፓይነር ኰይና ምግልጋል ቀጸለት። ማኪና ዝበሃል ኣይነበራን: ብሽክለታ እውን ተወጢሓ ኣይትፈልጥን እያ። ሓጻር እኳ እንተ ነበረት: ወትሩ ብእግራ እያ ትጐዓዝ ነይራ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትምህር ናብ ርሑቕ ገጠራት ብእግራ ትኸይድ ነበረት።

ሚስዮናዊት ኰይነ ዘገልገልኩሉ ዞባ

ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምስ ተመረቕኩ: ንጕዕዞ ዘድሊ ወረቐት ክሳዕ እነማልእ ንሓደ ዓመት ምስተን መማህርተይ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ከተማ ኒው ዮርክ ኣገልገልና። ኣብ መወዳእታኡ ብ1945 ናብ ኩባ ተመደብና: ኣብኡ ኸኣ በብቝሩብ ነቲ ሓድሽ ናብራ ለመድናዮ። ስብከትና ጽቡቕ ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ ነዊሕ ከይጸናሕና ኵላትና ንሓያሎ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ኽንሕግዞም ጀመርና። ንእተወሰነ ዓመታት ኣብኡ ኣገልገልና። ድሕሪኡ ናብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ተመደብና። ሓደ መዓልቲ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ተራኸብኩ እሞ ንሳውን ምስ ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክርድኣ እትደሊ ሱዛን ኢንፍርዋ እትበሃል ፈረንሳዊት ዓሚላ ኽዘራረብ ተማሕጸነትኒ።

ሱዛን ኣይሁዳዊት እያ ነይራ: ሂትለር ንፈረንሳ ምስ ወረራ: በዓል ቤታ ንዓኣን ንኽልተ ደቆምን ናብ ካልእ ዓዲ ለኣኾም። ሱዛን እቲ እትመሃሮ ዝነበረት ነገር ብኡንብኡ ንኻልኦት ትነግሮም ነበረት። ፈለማ ነታ ኸዘራርባ ዝለኣኸትኒ ሰበይቲ: ድሕሪኡ ንሓንቲ ብላንሽ እትበሃል ካብ ፈረንሳ ዝመጸት መሓዝኣ ነገረተን። ክልቲኣተን ከኣ ብመንፈስ ዕቤት ብምግባር ተጠምቃ።

ሓደ መዓልቲ ሱዛን “ንደቀይ ንምሕጋዝ እንታይ እንተ ገበርኩ ይሓይሽ፧” ኢላ ሓተተትኒ። ወዳ ሕክምና ይመሃር ነበረ: ጓላ ኸኣ ሳዕሳዒት ናይ ሓደ ረድዮ ሲቲ ሚዩዚክ ሆል ዝበሃል ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ውሩይ ኣደራሽ ክትከውን ተስፋ ብምግባር ባለት ዝበሃል ሳዕስዒት ትመሃር ነበረት። ሱዛን ንኽልቲኦም ኵንትራት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣተወትሎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ወዳን በዓልቲ ቤቱን ንበዓልቲ ቤቱ ፍላይ ማንታኣን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ልዊ በዓል ቤታ ንሱዛን: ዕዮና ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ተኣጊዱ ስለ ዝነበረ ሰበይቱ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዋ ምቅርራብ ኣፍርሆ። ብምልእታ እታ ስድራ​ቤት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ገዓዘት ግን ንሱውን ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ።

ኣብ ትሕቲ እገዳ እውን ኣገልገልና

ብ1949 ናብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ካብ እንምደብ ነዊሕ ከይጸናሕና ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ተኣገደ: ካብ ንሰብ ንኣምላኽ ክንእዘዝ ቈራጽነት ጌርና ነበርና። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ከምቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝኣዘዞም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋር: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ ኣየቋረጽናን። (ማቴዎስ 24:14) ይኹን እምበር: ክንሰብኽ ከሎና “ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ” ኽንከውን ተማሂርና ኢና። (ማቴዎስ 10:16) ንኣብነት: ቫዮሊነይ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ሓጊዛትኒ እያ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ከለኹ እማልኣ ነበርኩ። ተማሃሮይ ወቓዕቲ ቫዮሊን እኳ እንተ ዘይኰኑ: ገሊአን ስድራ​ቤታት ግን ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይነን እየን!

ድሕሪ እቲ እገዳ ኣርባዕቴና ማለት ኣነ: ሜሪ ኣንዮል: ሶፊያ ሶቪያክ: ከምኡውን ኢዲት ሞርጋን ካብቲ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ዲ ማኮሪስ ዝርከብ መንበሪ ሚስዮናውያን ናብቲ ኣብ ርእሲ ኸተማ ናይታ ሃገር ዝዀነት ሳንቶ ዶሚንጎ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ገዓዝና። እንተዀነ ግን: ኣብ ወወርሒ ሙዚቃ ንምምሃር ናብቲ ኣቐዲምና እተመደብናሉ ቦታ እኸይድ ነበርኩ። እዚ ኸኣ ኣብታ ቫዮሊነይ ዘቐምጠላ ቦርሳ ንክርስትያን ኣሕዋትና መንፈሳዊ መግቢ ሒዘ ንክኸይድ ኣኽኣለኒ: ክምለስ ከለኹ ድማ ጸብጻብ ኣገልግሎቶም እማላእ ነበርኩ።

ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ዲ ማኮሪስ ዝነበሩ ኣሕዋት ብሰንኪ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ኣብ ሳንቲያጎ ምስ ተኣስሩ: ገንዘብ ከምኡውን እንተ ተኻኢሉ መጽሓፍ ቅዱስ ክወስደሎም: ንስድራኦም ድማ ደሃይ ከምጽእ ተለኣኽኩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳንቲያጎ እቶም ሓለውቲ እሱራት ነታ ቫዮሊነይ ዘቐምጠላ ቦርሳ ምስ ራኣይዋ: “እዚ ንምንታይ ኣምጺእክዮ፧” ኢሎም ሓተቱኒ። ኣነ ድማ “ንኸዘናግዖም እየ” ኢለ መለስኩሎም።

ሓንቲ ካብተን ዝወቕዓሎም ዝነበርኩ መዝሙራት: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ኸሎ ዝደረሳ እያ ነይራ። እታ መዝሙር ሕጂ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ መዝሙር መጽሓፍ ቍጽሪ 29 እያ። እቶም እሱራት ኣሕዋትና ምእንቲ ኽመልክዋ እወቕዓሎም ነበርኩ።

ሓያሎ ኻብቶም ኣብኡ እተፋለጥክዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ትሩሂዮ ዝበሃል መራሒ ናይታ ሃገር ዝውንኖ ሕርሻ ተላእኩ። እዚ ሕርሻ እዚ ኻብ መስመር ኣውቶቡስ ቍሩብ ውጽእ ኢልካ ኸም ዝርከብ ተነግረኒ። ስለዚ ፋዱስ ኣቢሉ ኻብታ ኣውቶቡስ ወሪደ ናበይ ገጹ ኸም ዝርከብ ሓተትኩ። ወናኒ ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ድኳን ብድሕሪ እቲ ብማዕዶ ዝርአ ኣኽራን ምዃኑ ሓበረኒ: ቫዮሊነይ ትሕጃ ኽትኰኖ እንተ ገዲፈሉ ፈረስን ሓደ ዝመርሓኒ ቘልዓን ክህበኒ ፍቓደኛ ምዃኑ ገለጸለይ።

ነቲ ኣኽራን ምስ ሓለፍና ሓደ ርባ ክንሰግር ነበረና: ክልቴና ኣብቲ ፈረስ ተወጢሕና ኸሎና እቲ ፈረስ እናሓምበሰ ነቲ ርባ ሰገሮ። ኣብቲ ቦታ ብዙሓት ቀጠልያን ሰማያውን ዝሕብረን ሕንጻይ ወይ ፓፓጋሎ ዝበሃላ ዓይነት ዑፍ ረኣና። ብሓቂ ባህ ዘብል ትርኢት እዩ ነይሩ! ነዚ ምስ ረኣኹ “የሆዋ: ባህ ዘብል ፍጥረታት ብምፍጣርካ ምስጋና ይብጻሕካ” ኢለ ጸለኹ። ኣብ መወዳእታ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ምሸት ኣብቲ ሕርሻ በጻሕና። እቲ ኣብኡ ዝጸንሐ ወተሃደር ነቶም ኣሕዋት ከዘራርቦም ፈቐደለይ: ኵሉ እቲ ዘምጻእክሎም ነገራት: እንተላይ ሓንቲ ንእሽቶ መጽሓፍ ቅዱስ ክህቦም ድማ ፈቐደለይ።

ክምለስ ከለኹ ግን እናጸለኹ እየ ተመሊሰ: ከመይሲ ጸልሚቱ እዩ ነይሩ። ኣብታ ድኳን ክንበጽሕ ከሎና ብዝናም ጠስጢስና ነበርና። እታ ናይ መወዳእታ ኣውቶቡስ እውን ስለ ዘምለጠትኒ: ነቲ በዓል ድኳን እትሓልፍ ማኪና ደው ከብለለይ ሓተትክዎ። እንተዀነ ግን: ኣብታ ደው ዘበለለይ ማኪና ኽልተ ሰብኡት ጥራይ ስለ ዝነበሩ ሰጋእኩ። ሓደ ኻባታቶም “ሶፊ ትፈልጥያዶ፧ ንሓብተይ [መጽሓፍ ቅዱስ] ንኸተጽንዕ ትሕግዛ ነይራ” በለኒ። በዚ የሆዋ ንጸሎተይ ከም ዝመለሶ ፈለጥኩ! ብሰላም ድማ ናብ ሳንቶ ዶሚንጎ ኣብጹሑኒ።

ብ1953 ካብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ተወኪለ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ያንኪ ስታድዩም እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኻፊለ ነይረ። ኵላቶም ኣባላት ስድራ​ቤትና እንተላይ ኣቦይ ኣብኡ ነበሩ። ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ይካየድ ከም ዘሎ ጸብጻብ ምስ ቀረበ: ኣነን እታ መገላግልተይ ዝነበረት ሜሪ ኣንዮልን ኣብ ትሕቲ እገዳ ብኸመይ ከም እንሰብኽ ዘርኢ ንእሽቶ ኽፍሊ ኣቕረብና።

ኣብ ናይ መገሻ ኣገልግሎት ዝረኽብክዎ ፍሉይ ሓጐስ

ኣብቲ እዋን እቲ ምስ ሩዶልፍ ሱነል ተራኸብና: ንዓመታኣ ኸኣ በዓል ቤተይ ኰነ። ስድራ​ቤቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ነዊሕ ከይጸንሑ ኣብ ኣሊጌኒ: ፐንሲልቫንያ: እዩ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብሰንኪ ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ማእሰርቱ ምስ ወድአ: ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ቤትኤላዊ ዀይኑ ኸገልግል ጀመረ። ምስ ተመርዓና ነዊሕ ከይጸናሕና ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ንጉባኤታት ክበጽሕ ጻውዒት ቀረበሉ። ን18 ዓመታት ኣብዚ ዕዮ እዚ ኣሰነኽዎ።

ኣብ ፐንሲልቫንያ: ዌስት ቨርጂንያ: ኒው ሃምፕሻየር: ማሳቹሰትስ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ኣገልጊልና ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ክርስትያናት ኣሕዋትና ኣብ ቤቶም ይቕበሉና ነበሩ። ምሳታቶም ኣጸቢቕና ምፍላጥናን ሓቢርና ንየሆዋ ምግልጋልናን ፍሉይ ሓጐስ እዩ ኣምጺኡልና። እቲ ዘርእዩና ዝነበሩ ፍቕርን እንግዶትን ወትሩ ልባዊ እዩ ነይሩ። ጆኤል ነታ ሚስዮናዊት ከለኹ መገላግልተይ ዝነበረት ሜሪ ኣንዮል ምስ ተመርዓዋ: ገያሺ ተዓዛቢ ብምዃን ንሰለስተ ዓመት ኣብ ፐንሲልቫንያን ሚሽጋንን ዝርከባ ጉባኤታት በጽሐ። ድሕርዚ ብ1958 ጆኤል ኣባል ስድራ ቤትኤል ክኸውን እንደገና ጻውዒት ቀረበሉ: ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ንበይኑ ዘይኰነስ ምስ ሜሪ እዩ ናብ ቤትኤል ኣትዩ።

ካርል ተመክሮ ምእንቲ ኸጥሪ ተባሂሉ ንእተወሰነ ኣዋርሕ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ ኸገልግል ኣብ እተመደበሉ ግዜ ንሸውዓተ ዓመት ዝኸውን ኣብ ቤትኤል ኣገልጊሉ ነይሩ። ድሕርዚ ናይ ጊልዓድ መምህር ኰነ። ብ1963 ንባቢ ተመርዓዋ: ንሳውን ኣብ ጥቅምቲ 2002 ክሳዕ እትመውት ብተኣማንነት ኣብ ቤትኤል ተገልግል ነበረት።

ዶን ኣብ ቤትኤል ኣብ ዝጸንሓሉ ነዊሕ ዓመታት ነቶም ኣብ ጨንፈራት ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ዝዓዩን ንሚስዮናውያንን ንምግልጋል ብተደጋጋሚ ናብ ካልኦት ሃገራት ይገይሽ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ሃገራት ምብራቕ: ኣብ ኣፍሪቃ: ኣብ ኣውሮጳ: ከምኡውን ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ኣመሪካ በጽሐ። እታ ደሎሪስ እትበሃል እምንቲ በዓልቲ ቤቱ መብዛሕትኡ ግዜ ምስኡ ትገይሽ ነበረት።

ኵነታትና ተቐየረ

ኣቦይ ንነዊሕ እዋን ሓሚሙ ድሕሪ ምጽናሕ ሞተ: ቅድሚ ሙማቱ ግን ንየሆዋ ኸነገልግል ምውሳንና ኣዝዩ ኸም ዘሐጕሶ ነጊሩኒ እዩ። ከምቲ ዝሓሰቦ ኣብ ኮለጅ ኣቲና ኽንረኽቦ ኻብ እንኽእል በረኸት ዝዛይድ ምርካብና ገለጸለይ። ኣደይ ናብ ጥቓ እቲ ጆይ ሓብተይ እተገልግለሉ ቦታ ንኽትግዕዝ ዘድልያ ነገራት ኣብ ምጥርናፍ ምስ ሓገዝክዋ: ነታ ደገፍና ኣድልይዋ ዝነበረት ሓማተይ ኣብ ቀረባ ዄንና ምእንቲ ኽንከናኸና ኣነን በዓል ቤተይን ኣብ ኒው ኢንግላንድ ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ተመደብና። ሓማተይ ምስ ሞተት ኣደይ ምሳና 13 ዓመት ተቐመጠት። ድሕርዚ ኣደይ ብ18 ጥሪ 1987 ኣብ 93 ዕድሚኣ ምድራዊ ኣገልግሎታ ወድአት።

ፈተውትና ንዅሎም ደቃ ንየሆዋ ኸም ዘፍቅሩን ከም ዘገልግልዎን ገይራ ብምዕባያ ኽንእድዋ ኸለዉ: ኣደይ ብትሕትና “ጽቡቕ ‘ምድሪ’ ስለ ዝረኸብኩ ጥራይ እዩ” ብምባል ትምልሰሎም ነበረት። (ማቴዎስ 13:23) ብቕንእን ትሕትናን ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ዝዀኑና ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ምርካብናስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

ሕጂውን ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት እየ ዝህብ

ኣብ ህይወትና ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ምሃብ ኣየቋረጽናን: የሱስ ንኻልኦት ብዛዕባ ምሃብ እተዛረቦ ማዕዳ እውን ክንዓየሉ ንጽዕር ኢና። (ሉቃስ 6:38፣ 14:12-14) የሆዋ እውን ብግዲኡ ዘድልየና ነገራት ብልግሲ ሂቡና እዩ። ህይወትና ቅሳነትን ሓጐስን ዝመልኦ እዩ።

ኣነን በዓል ቤተይ ሩዲን ንሙዚቃ ዝነበረና ፍቕሪ ኣይሃሰሰን። ፍቕሪ ሙዚቃ ዘለዎም ካልኦት ሰባት ሓድሓደ ግዜ ምሸት ገዛና መጺኦም ምሳና ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ኽወቕዑ ኸለዉ ዘሐጕስ ግዜ ነሕልፍ ኢና። ሙዚቃ ግን ቀንዲ ዕዮይ ኣይኰነን። ኣብ ህይወተይ መማቕርቲ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣነን በዓል ቤተይን ፍረ ናይቲ ፓይነር ኴንና ዘገልገልናሉ ዓመታት ንርኢ ኣሎና: እዚ ፍረ እዚ ኸኣ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ብዙሕ ዓመታት ዝሓገዝናዮም ሰባት እዮም።

ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ጥዕና ጸገም እኳ እንተሎና: እቲ ኣብ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍናዮ ልዕሊ 60 ዓመታት ሓጐስን ቅሳነትን ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ኵሉ ሳዕ ንግሆ ኽትስእ ከለኹ: ነቲ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክጅምር ከለኹ ዝጸለኹዎ ጸሎት: የሆዋ መልሲ ስለ ዝሃበኒ አመስግኖ: ‘ሎሚ መዓልቲኸ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ዝደሊ ብኸመይ እየ፧’ ኢለ ኸኣ እሓስብ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም ዝነበረት: ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ስድራ​ቤትና ብ1948 (ካብ ጸጋም ናብ የማን ):- ጆይ: ዶን: ኣደይ: ጆኤል: ካርል: ኣነ: ኣቦይ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣደይ ኣብ ኣገልግሎት ቀናእ ብምንባራ ኣብነት ገዲፋትልና እያ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ድሕሪ 50 ዓመታት ኣቢሉ እተሳእለ:- ካርል: ዶን: ጆኤል: ጆይ: ኣነ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ጸጋም ናብ የማን:- ኣነ: ሜሪ ኣንዮል: ሶፊያ ሶቪያክ: ከምኡውን ኢዲት ሞርጋን ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ሚስያናውያን ከሎና

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ብ1953 ኣብ ያንኪ ስታድዩም ምስ ሜሪ (ጸጋም )

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

በዓል ቤተይ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስኡ እተሰኣልክዎ