ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን

ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን

ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን

“እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም።”​—⁠መዝሙር 9:10

1, 2. ገሊኣቶም ሰባት ኣብ እንታይ ከንቱ ነገራት እዮም ዝውከሉ፧

 ኣብዚ ግዜና ንድሕንነትና ዘስግእ ብዙሕ ነገራት ስለ ዘሎ: እንምዕቈቦ ነገር ምድላይና ኣየገርምን እዩ። ገሊኣቶም ብዙሕ ገንዘብ ምጥራይ ድሕንነቶም ዘረጋግጸሎም ኰይኑ ይስምዖም: ከም ሓቂ ግን ገንዘብ ክትተኣማመነሉ ዘይትኽእል መዕቈቢ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ” ይብለና። (ምሳሌ 11:28) ገሊኣቶም ከኣ ተስፋኦም ኣብ ሰብኣውያን መራሕቲ ይገብሩ: እንተዀነ ግን እቶም ብሉጻት ዝበሃሉ መራሕቲ እውን ከይተረፉ ይጋገዩ እዮም። ውዒሎም ሓዲሮም ከኣ ሙማቶም ዘይተርፍ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ” ብምባል ጥበባዊ ምኽሪ ይህበና። (መዝሙር 146:3) እዘን መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት እዚኣተን ኣብ ገዛእ ርእስና ኸይንውከል እውን የጠንቅቓና እየን። ከመይሲ ንሕና እውን ‘ደቅሰብ’ ኢና።

2 እቶም ብግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ መራሕቲ እስራኤል ኣብ “ጸግዒ ሓሶት” ስለ እተወከሉ: ነብዪ ኢሳይያስ ነቐፎም። (ኢሳይያስ 28:15-17) ዕቝባ ንኽረኽቡ ኢሎም ምስ ጐረባብቶም ህዝብታት ፖለቲካዊ ኪዳን ተኣታተዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኪዳን ትውክልቲ ዘይግበሮ ወይ ሓሶት እዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ: ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ፖለቲካውያን መራሕቲ ይቀራረቡ እዮም። እዚ ቕርርቦም እዚ እውን “ሓሶት” ክኸውን እዩ። (ራእይ 17:16, 17) እወ: ነባሪ ዕቝባ ኣይክዀንዎምን እዮም።

እያሱን ካሌብን ዝገደፍዎ ሰናይ ኣብነት

3, 4. እያሱን ካሌብን ዘምጽእዎ ወረ ኻብቲ እቶም ዓሰርተ ኻልኦት ሰለይቲ ዘምጽእዎ ወረ እተፈልየ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

3 ስለዚ ኣብ መን ደኣ ኢና ኽንምዕቈብ ዘሎና፧ ኣብቲ ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ እያሱን ካሌብን እተወከልዎ ኣምላኽ ኢና ኽንምዕቈብ ዝግባእ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም ነዊሕ ከይጸንሑ ናብ ምድሪ ከነኣን ማለት ናብታ ምድሪ ተስፋ ኽኣትዉ ቐሪቦም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ተላእኩ: ድሕሪ 40 መዓልትታት ከኣ ዝረኣይዎ ኽነግሩ ተመልሱ። ካብዚኣቶም ግን ክልተ ሰባት ማለት እያሱን ካሌብን ጥራይ እዮም እስራኤላውያን ንከነኣን ክወርስዋ ኸም ዝኽእሉ እተዛረቡ። እቶም ካልኦት እታ ምድሪ ጽብቕቲ ምዃና እኳ እንተ ገለጹ “ኣብታ ሃገር ዚነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ: እተን ከተማታት ከኣ እተዐርዳን ኣዝየን ዓበይትን እየን: . . . ንሱ ኻባና ዚሕይል እዩ እሞ: ናብቲ ህዝቢ እቲ ኽንድይብ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።​—⁠ዘሁልቍ 13:27, 28, 31

4 እስራኤላውያን ነቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ስለ ዝሰምዕዎም ፈርሁ: አረ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንሙሴ ኣጕረምረሙሉ። ኣብ መወዳእታ እያሱን ካሌብን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣርዚኖም ተዛረብዎም:- “እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ ኣዝያ: ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ። እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ: ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ: ናብታ ምድሪ እቲኣ ኼእትወና: ንሳውን ኪህበና እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹ: . . . ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣይትፍርህዎም።” (ዘሁልቍ 14:6-9) ይኹን እምበር: እስራኤላውያን ክሰምዕዎም ኣይፈተዉን: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኽኣትዉ ኣይተፈቕደሎምን።

5. እያሱን ካሌብን ጽቡቕ ወረ ዘምጽኡ ስለምንታይ እዮም፧

5 እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ሕማቕ እናኣውረዩ ኸለዉ እያሱን ካሌብን ጽቡቕ ወረ ዘምጽኡ ስለምንታይ እዮም፧ ዓሰርተ ክልቲኦም እተን ከተማታት ጽኑዓትን ሓያላት መንግስታትን ምዃነን ርእዮም እዮም። እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ንኽቈጻጸርዋ ሓይሊ ኸም ዘይብሎም ምዝራቦም እውን ኣይተጋገዩን። እያሱን ካሌብን እውን ነዚ ኣይሰሓትዎን። ይኹን እምበር: እቶም ዓሰርተ ነቲ ጕዳይ ብስጋዊ ዓይኒ ጥራይ እዮም ርእዮምዎ። እያሱን ካሌብን ግን ኣብ የሆዋ ተወከሉ። ኣብ ግብጺ: ኣብ ቀይሕ ባሕሪ: ከምኡውን ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ንሓይሉ ርእዮምዎ እዮም። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ረሃብ ብዓልቲ ያሪኮ ብዛዕባ ተግባራት የሆዋ ብዝሰምዓቶ ወረ ጥራይ ምእንቲ ህዝቢ የሆዋ ኽትብል ህይወታ ኣብ ሓደጋ ንኸተእቱ ተደሪኻ እያ! (እያሱ 2:1-24፣ 6:22-25) እቶም ግብርታት የሆዋ ብዓይኖም ዝረኣዩ እያሱን ካሌብን: ኣምላኽ ንህዝቡ ኸም ዝዋግኣሎም ምሉእ እምንቶ ነበሮም። ድሕሪ 40 ዓመት ሓድሽ ወለዶ እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እያሱ ናብ ከነኣን ኣትዮም ነታ ምድሪ ምስ ወረስዋ እቲ ዝነበሮም ምትእምማን ከንቱ ዘይምንባሩ ተራእዩ እዩ።

ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ኽንገብር ዘድልየሉ ምኽንያት

6. ክርስትያናት ኣብዚ ግዜ እዚ ጸቕጢ ዝወርዶም ዘሎ ስለምንታይ እዩ: ኣብ መንከ እዮም ክውከሉ ዘለዎም፧

6 ንሕናውን ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” ልክዕ ከም እስራኤላውያን ካባና ዝሕይሉ ጸላእቲ ኣለዉና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ስነ⁠-​ምግባራዊ: መንፈሳዊ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣካላዊ ጸቕጢ ይወርደና እዩ። እዚ ጸቕጥታት እዚ ኻብቲ ልዕለ⁠-​ባህርያዊ ኣካል ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ስለ ዝመጽእ: በይንና ኽንጻወሮ ኣይንኽእልን ኢና። (ኤፌሶን 6:12፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ኣብ መን ደኣ ኢና እሞ ኽንጽጋዕ ዘሎና፧ ጥንቲ ዝነበረ ሓደ እሙን ሰብኣይ ናብ የሆዋ “እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም” ብምባል ጸለየ። (መዝሙር 9:10) ንየሆዋ ከምኡውን ንትርጕም ስሙ ኣጸቢቕና እንተ ፈሊጥናዮ: ልክዕ ከም እያሱን ካሌብን ኣብኡ ትውክልቲ ኸነሕድር ንኽእል ኢና።​—⁠ዮሃንስ 17:3

7, 8. (ሀ) ፍጥረት ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ምኽንያታት ዝህበና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ የሆዋ ንኽንውከል እንታይ ምኽንያታት ይህበና፧

7 ኣብ የሆዋ ኽንውከል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እያሱን ካሌብን ኣብ የሆዋ ኻብ እተወከሉሉ ምኽንያታት ሓደ ሓይሉ ስለ ዝረኣዩ እዮም። ንሕና እውን መግለጺ ሓይሊ የሆዋ ንርኢ ኢና። ንኣብነት: ንፍጥረታት የሆዋ እንተላይ ነቲ ብቢልዮናት ዝቝጸር ከዋኽብቲ ዘለዎ ጠፈር እሞ ተዓዘብ። እቲ የሆዋ ዝቈጻጸሮ እዚ ዘይበሃል ሓይልታት ብሓቂ ዅሉ ዝኽእል ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍጥረት እንርእዮ ዘደንቕ ነገራት ከነስተንትን ከሎና: ምስቲ እዮብ ብዛዕባ የሆዋ “መን ይኽልክሎ፧ መንከ፤ እንታይ እዩ እትገብሮ ዘሎኻ: ኪብሎ ይኽእል፧” ብምባል እተዛረቦ ንሰማማዕ ኢና። (እዮብ 9:12) ብሓቂ እምበኣር የሆዋ ምሳና ኻብ ኰነ: ኣብ ምሉእ ኣድማስ ንዋላ ሓደ ኽንፈርህ የብልናን።​—⁠ሮሜ 8:31

8 ነቲ ቓል የሆዋ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣብ ግምት ኣእትዎ። እዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ምንጪ ጥበብ ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ግጉይ ተግባራት ሓዲግና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ንኽንከይድ ዘኽእል ሓይሊ ኣለዎ። (እብራውያን 4:12) ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ኢና ስም የሆዋን ትርጕም ስሙን ክንፈልጥ ዝኸኣልና። (ዘጸኣት 3:14 NW ) የሆዋ ዕላምኡ ንምፍጻም ዝደለዮ ክኸውን ከም ዝኽእል ማለት እንተ ደልዩ ፈቃር ኣቦ: እንተ ደልዩ ጻድቕ ዳኛ: እንተ ደልዩ ዓወት ዝልማዱ ተዋጋኢ ክኸውን ከም ዝኽእል ንፈልጥ ኢና። ቃሉ ወትሩ ባይታ ኸም ዘይወድቕ ድማ ንርኢ ኣሎና። ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ከሎና: ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ “ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ” ንኽንብል ድራኸ ይሓድረና እዩ።​—⁠መዝሙር 119:42፣ ኢሳይያስ 40:8

9. በጅነትን ትንሳኤ የሱስን ኣብ የሆዋ ንዘሎና ትውክልቲ ዘደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

9 የሆዋ ዘዳለዎ በጅነት እውን ኣብኡ ንኽንውከል ዘኽእለና ኻልእ ምኽንያት እዩ። (ማቴዎስ 20:28) ኣምላኽ ንወዱ ኣብ ክንዳና በጃ ክኸውን ምፍቃዱ ኽሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ኰን እዩ! እቲ በጅነት ብሓቂ ጠቓሚ እዩ። ንሓጢኣት እቶም ብቕኑዕ ልቢ ተነሲሖም ናብ የሆዋ እተመልሱ ዅሎም ደቅሰብ ክሽፍን ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ እብራውያን 6:10፣ 1 ዮሃንስ 4:16, 19) ሓደ ኻብቲ እቲ በጅነት ኣብ እተኸፍለሉ መስርሕ እተፈጸመ ነገር ትንሳኤ የሱስ እዩ። እዚ ብኣማእታት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እተረጋገጸ ተኣምር እዚ ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ዘኽእለና ተወሳኺ ምኽንያት እዩ። ተስፋና ፍጻሜኡ ኸም ዝረክብ ከኣ ዘረጋግጸልና እዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:31፣ ሮሜ 5:5፣ 1 ቈረንቶስ 15:3-8

10. ኣብ የሆዋ ንኽንውከል እንታይ ብብሕትና እተመኰርናዮ ነገራት እዩ ዘሎና፧

10 እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ነጥብታት: ገለ ኻብቲ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ኸነሕድረሉ እንኽእል ምኽንያታት እዩ። ካልእ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ: ገለ ኻብኡ እውን ብብሕትና እተመኰርናዮ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት: ሓሓሊፉ ንዅላትና ኣብ ህይወትና ጸገማት የጋጥመና እዩ። ነቲ ዘጋጥመና ጸገማት ንምፍትሑ መምርሒ የሆዋ ምስ እንደሊ: እቲ ዝህበና መምርሒ ኽሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ንርኢ። (ያእቆብ 1:5-8) ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ የሆዋ ብዝያዳ ብእተወከልናን እዚ ዘምጽኦ ጽቡቕ ፍረ ብዝረኣናን መጠን: ኣብኡ ዘሎና እምንቶ እናደልደለ እዩ ዝኸይድ።

ዳዊት ኣብ የሆዋ ተወከለ

11. ዳዊት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እውን ከይተረፈ እዩ ኣብ የሆዋ እተወከለ፧

11 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነብር ዝነበረ ዳዊት ኣብ የሆዋ ኻብ እተወከሉ ሰባት ሓደ እዩ። ዳዊት ብንጉስ ሳኦል ክቕተል ስለ እተደልየን ንእስራኤል ክወርር ዝመጸ ሓያል ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ስለ ዘጋጠሞን ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ካብ ሞት ድሒኑ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ዅነታት ብዓወት ተዋጽኣሉ። ስለምንታይ፧ ዳዊት ባዕሉ ኽገልጽ ከሎ “እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ: ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፧ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ: ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧” በለ። (መዝሙር 27:1) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና ኣሳልጦ ኽንረክብ ኢና።

12, 13. ተጻረርትና ንመላሕሶም ከም ኣጽዋር ክጥቀሙሉ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም ዘሎና ዳዊት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

12 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ዎ ኣምላኽ: ክምህለል ከሎኹ: ድምጸይ ስማዕ: ንህይወተይ ካብ ፍርሃት ጸላኢ ሐልዋ። ካብ ሕቡእ ምኽሪ ሕሱማት: ካብ ህውከት ገበርቲ እከይ ሰውረኒ። ካብቶም ኣብ ሕቡእ ቦታ ንንጹህ ኪወግኡስ: መላሕሶም ከም ሰይፊ ዚስሕሉ: ፍላጻታቶም: መሪር ቃላት: ዜዝግቡ ሰውረኒ።” (መዝሙር 64:1-4) ዳዊት ነዚ ቓላት እዚ ንኽጽሕፍ ዝደረኾ ነገር ብርግጽ ዘይንፈልጦ እኳ እንተ ዀንና: ኣብዚ ግዜና ተጻረርቲ ንዘረባ ኸም ኣጽዋር ብምጥቃም ‘መላሕሶም ከም ዝስሕሉ’ ግን ንፈልጥ ኢና። ብዘረባኦም ኰነ ብጽሑፋቶም ነቶም ንጹሃት ክርስትያናት ዘይስሞም ብምሃብ “ፍላጻታቶም” ይውርውሩ ኣለዉ። ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ እንተደኣ ጌርና ግን እንታይ ውጽኢት እዩ ዝህልዎ፧

13 ዳዊት ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ኣምላኽ ይወግኦም: ድንገት ብፍላጻ ይቘስሉ። ይወድቁ: መላሕሶም ዝበሎ ናብኦም ይምለስ: . . . ጻድቕ ብእግዚ​ኣብሄር ኪሕጐስ: ኣብኡ ኸኣ ኪውከል [እዩ]።” (መዝሙር 64:7-10) እወ: ጸላእትና መላሕሶም እኳ እንተ ሰሓሉልና: ኣማስያኡ ግን “መላሕሶም ዝበሎ ናብኦም ይምለስ።” ኣብ መወዳእታኡ እቶም ኣብ የሆዋ ዝውከሉ ብእኡ ምእንቲ ኽሕጐሱ: ንዝዀነ ይኹን ነገር ንጥቕሞም ከም ዝኸውን እዩ ዝገብሮ።

ህዝቅያስ ዝተኣማመነሉ ነገር ከንቱ ኣይነበረን

14. (ሀ) ኣብ ከመይ ዝበለ ኣስጋኢ ዅነታት እዩ ህዝቅያስ ኣብ የሆዋ እተወከለ፧ (ለ) ህዝቅያስ እቲ ኣሶራዊ ንእተዛረቦ ሓሶት ከም ዘይኣምነሉ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

14 ንጉስ ህዝቅያስ ኣብ የሆዋ ዘሕደሮ እምንቶ ከንቱ ዘይምንባሩ ዝረኣየ ሰብ እዩ። ንጉስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: እቶም ሓያላት ሰራዊት ኣሶር ንየሩሳሌም ክጐብጥዋ ደለዩ። እቲ ሰራዊት ንብዙሓት ሃገራት ስዒሩ ነይሩ። አረ የሩሳሌም ጥራይ ክሳዕ እትተርፍ ንዅለን ከተማታት ይሁዳ እውን ስዒርወን እዩ: ስለዚ ድማ ሰናክሬብ ነዛ ኸተማ እዚኣ እውን ከም ዝስዕራ ተጃህረ። ብራብሳቀ ኣቢሉ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኣብ ግብጺ ምውካል ከንቱ ምዃኑ ገለጸ። ሓቁ ኸኣ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣስዕብ ኣቢሉ “እቲ እትውከሎ ዘሎኻ ኣምላኽካ፤ የሩሳሌም ናብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሀብን እያ ብምባሉ ኣየስሕትካ” በለ። (ኢሳይያስ 37:10) ህዝቅያስ ግን የሆዋ መስሓቲ ኸም ዘይኰነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና: ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ምዃንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ: ካብ ኢዱ [ካብ ኢድ እቲ ኣሶራዊ] ኣድሕነና” ኢሉ ጸለየ። (ኢሳይያስ 37:20) የሆዋ ጸሎት ህዝቅያስ ሰምዖ። ኣብ ሓንቲ ለይቲ ኸኣ ሓደ መልኣኽ 185,000 ወተሃደራት ኣሶር ቀተለ። የሩሳሌም ደሓነት: ሰናክሬብ ከኣ ምድሪ ይሁዳ ለቒቑ ኸደ። ኵሎም እቶም ነዚ ዝሰምዑ የሆዋ ዓብዪ ምዃኑ ፈለጡ።

15. እንታይ ጥራይ እዩ ኣብዛ ምርግጋእ ዘይብላ ዓለም ንዝመጽእ ጸገማት ኵሉ ንኽንዳሎ ዝሕግዘና፧

15 ኣብዚ ግዜና ልክዕ ከም ህዝቅያስ ኣብ ውግእ ኢና ዘሎና። ውግእና ግን መንፈሳዊ እዩ። ከም መንፈሳውያን ተዋጋእቲ መጠን ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ብህይወት ንኽንቅጽል ዝሕግዘና ኽእለት ከነጥሪ ኣሎና። ንዝመጸና መጥቃዕቲ ምእንቲ ኸነበርዕኖ ዝመጸሉ ሸነኻት ክንፈልጦን ክንዳሎን ኣሎና። (ኤፌሶን 6:11, 12, 17) ኣብዛ ምርግጋእ ዘይብላ ዓለም: ኵነታት ብሃንደበት ክቕየር ይኽእል እዩ። ሃንደበት ህዝባዊ ናዕቢ ኽለዓል ይኽእል። ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት ዝነበረን ሃገራት መስጐጕቲ ኸውርዳ ይኽእላ። ኣብዚ መዳይ እዚ ልክዕ ከም ህዝቅያስ ኣብ የሆዋ ነቕ ዘይብል ትውክልቲ እንተ ኣማዕቢልና ጥራይ ኢና ንዝመጽእ ዅሉ ድሉዋት ክንከውን እንኽእል።

ኣብ የሆዋ ምውካል እንታይ የጠቓልል፧

16, 17. ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ብኸመይ ኢና እነርኢ፧

16 ኣብ የሆዋ ምውካል ብኣፍካ ጥራይ እትገልጾ ነገር ኣይኰነን። ልባዊ ክኸውንን ብግብሪ ኽርአን ኣለዎ። ኣብ የሆዋ እንውከል እንተደኣ ዄንና: ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ምሉእ ብምሉእ ንውከል ኢና። መዓልታዊ ነንብቦ: ነስተንትነሉ: ንኽመርሓና ኸኣ ንፈቕደሉ። (መዝሙር 119:105) ብዘይ​ዚውን ኣብ የሆዋ ምውካል ክበሃል ከሎ ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ሓይሊ ምውካል እውን ዘጠቓልል እዩ። ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ንየሆዋ ዘሐጕስ ፍረ ኸነፍሪ: ሱር ዝሰደደ ሕማቕ ልማዳት ድማ ኸነጥፍእ ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 6:11፣ ገላትያ 5:22-24) ብዙሓት ሰባት ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝረኸብዎ ሓይሊ ሽጋራ ምትካኽ ወይ ሓሽሽ ምውሳድ ገዲፎምዎ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ኣነባብርኦም ሓዲጎም እዮም። እወ: ኣብ የሆዋ እንተደኣ ተወኪልና: ብሓይልና ዘይኰነስ በቲ ዝህበና ሓይሊ ኢና እንንቀሳቐስ።​—⁠ኤፌሶን 3:14-18

17 ብዘይ​ካዚ: ኣብ የሆዋ ምውካል ክበሃል ከሎ ኣብቶም ንሱ ዝኣምኖም እውን እምንቶ ምሕዳር ዘጠቓልል እዩ። ንኣብነት: የሆዋ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ነቲ ኣብ ምድሪ ዝግበር ረብሓታት መንግስቱ ንኽኣሊ መዚዝዎ እዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) ነቲ የሆዋ ዝገብሮ ምድላው ንተኣማመነሉ እንተደኣ ዄንና: በይንና ኽንፍለ ወይ ነቲ የሆዋ ዝመዘዞ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንፍትንን ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ: ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘገልግሉ ሽማግለታት ብመንፈስ ቅዱስ እዮም ተሸይሞም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) እምበኣር ምስቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ሽማግለታት ብምትሕብባር እውን ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ነርኢ ኢና።​—⁠እብራውያን 13:17

ኣብነት ጳውሎስ ስዓቡ

18. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብነት ጳውሎስ ዝስዕቡ ብኸመይ እዮም: ኣብ ምንታይ ግን እዮም እምንቶ ዘየሕድሩ፧

18 ሃዋርያ ጳውሎስ ልክዕ ከምዚ ንዓና ዘጋጥመና ዘሎ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዙሕ ጸገማት ኣጋጢምዎ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰበ⁠-​ስልጣን ብዛዕባ ክርስትና ግጉይ ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮም: ሓድሓደ ግዜ ነዚ ግጉይ ኣረኣእያ ንምዕራይ ወይ ንዕዮ ስብከት ሕጋዊ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ንምግባር ይጽዕር ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:19-22፣ ፊልጲ 1:7) ኣብዚ ግዜና ክርስትያናት ኣብነቱ ይስዕቡ እዮም። ብእተኻእለና ዘበለ በቲ ዘሎ ኣጋጣሚታት ጌርና ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ዕዮና ኸነፍልጦም ንጽዕር ኢና። ነቲ ብስራት ንጣበቐሉ: ብሕጊ ተቐባልነት ክረክብ ከኣ ንጽዕር ኢና። ይኹን እምበር: ምሉእ እሙንቶና ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ኣይኰነን፣ ማለት ኣሳልጦና ወይ ውድቀትና ኣብቲ ኣብ ቤት ፍርዲ እንረኽቦ ዓወት ወይ ካልኦት ብዛዕባና ኣብ ዝዛረብዎ ዘረባ ኸም ዘይምርኰስ ንኣምን ኢና። የግዳስ: ኣብ የሆዋ ኢና እንውከል። የሆዋ ንጥንታዎት እስራኤላውያን “ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ኪኸውን እዩ” ብምባል ዝሃቦ መተባብዒ ንዝክሮ ኢና።​—⁠ኢሳይያስ 30:15

19. ነሕዋትና መስጐጕቲ ኽወርዶም ከሎ እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮም ትውክልቲ ኸንቱ ዘይምዃኑ እተረጋገጸ ብኸመይ እዩ፧

19 ኣብዚ ግዜና እውን ዕዮና ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ኣውሮጳ: ኣብ ገሊኡ ክፋላት እስያን ኣፍሪቃን: ከምኡውን ኣብ ሃገራት ደቡብን ሰሜንን ኣመሪካ እተኣገደሉ ወይ ቀይዲ እተገብረሉ እዋናት ነይሩ። እዚ ግን ኣብ የሆዋ ዝገበርናዮ ትውክልቲ ንኸንቱ እዩ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ጽቡቕ ዕላማ ኢሉ ኸቢድ መስጐጕቲ ኽወርድ እኳ እንተ ኣፍቀደ: ነቶም መስጐጕቲ ዝወረዶም ግን ብፍቕሪ ኣበራቲዕዎም እዩ። ብዙሓት ክርስትያናት መስጐጕቲ ምስ ኣሕለፉ ብዛዕባ እምነቶምን ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ትውክልትን ጽቡቕ ስም ኣጥርዮም እዮም።

20. ሕጋዊ ተፈላጥነት ብምርካብና ንጥቀም እኳ እንተ ዀንና: ኣብ ምንታይ መዳያት ኢና ፈጺምና ዘይንለማመጥ፧

20 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ሕጋዊ ተፈላጥነት ኣሎና: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባና ጽቡቕ ነገር ይገልጽ እዩ። ነዚ ነማስወሉ ኢና: ንዕላማ የሆዋ ኸም ዘገልግል ድማ ንፈልጦ ኢና። ነቲ ዝወሃበና ዝያዳ ሓርነት ናብራና ንምምሕያሽ ዘይኰነስ: ንየሆዋ ብጋህድን ምሉእ ብምሉእን ንምግልጋል ኢና እንጥቀመሉ። እንተዀነ ግን ኣብ ቅድሚ ሰበ⁠-​ስልጣን ንኽንክበር ኢልና ኣብ ገለልትነትና ኣይንለማመጥን: ንንጥፈታት ስብከትና ኣይንንክይን: ወይ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣይነዳኽሞን ኢና። ተገዛእቲ መሲሓዊት መንግስቲ ኢና: ምሉእ ብምሉእ ከኣ ኣብ ጐድኒ ሉዓላውነት የሆዋ ኢና እንቐውም። ተስፋና ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘይኰነስ ኣብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መሲሓዊት መንግስቲ ንምድሪ እትገዝኣላ ሓዳስ ዓለም እዩ። ቦምባታት: ሚሳይላት: ከምኡውን ኑክሌር ነዛ መንግስቲ እዚኣ ኸነቓንቓ ወይ ካብ ሰማይ ከውድቓ ኣይክእልን እዩ። ፈጺማ ዘይትሰዓር መንግስቲ እያ: ዕላማ የሆዋ ድማ ክትፍጽም እያ።​— ዳንኤል 2:44፣ እብራውያን 12:28፣ ራእይ 6:2

21. ኣየናይ መገዲ ንምስዓብ ኢና ቘሪጽና ዘሎና፧

21 ጳውሎስ “ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ እምበር: ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን” በለ። (እብራውያን 10:39) እምበኣር ኵላትና ኽሳዕ መወዳእታ ንየሆዋ ነገልግሎ። ሕጅን ንሓዋሩን ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ንምግባር እኹል ምኽንያታት ኣሎና።​—⁠መዝሙር 37:3፣ 125:1

እንታይ ተማሂርካ፧

• እያሱን ካሌብን ጽቡቕ ወረ ዘምጽኡ ስለምንታይ እዮም፧

• ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንውከለሉ ዘሎና ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

• ኣብ የሆዋ ምውካል ክበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

• ኣብ የሆዋ ብምውካል እንታይ ኣቕዋም ክንወስድ ኢና ቈሪጽና ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እያሱን ካሌብን ጽቡቕ ዘውረዩ ስለምንታይ እዮም፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

All three images: Courtesy of Anglo-Australian Observatory, photograph by David Malin

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ፍጥረት ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ብቑዕ ምኽንያት ይህበና

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ የሆዋ ምውካል ክበሃል ከሎ ኣብቶም ንሱ ዝኣምኖም እምንቶ ምሕዳር የጠቓልል