ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንናይ ኵነታት ለውጢ ብግቡእ ተጠቐመሉ

ንናይ ኵነታት ለውጢ ብግቡእ ተጠቐመሉ

ንናይ ኵነታት ለውጢ ብግቡእ ተጠቐመሉ

ፐም: ያን: ድሪስ: ከምኡውን ኦቶ ዝበሃሉ ኣርባዕተ ክርስትያን ሽማግለታት ኣብ ነዘርላንድ እዮም ዝነብሩ። ነርባዕቲኦም ብዙሕ ዘመሳስሎም ነገራት ኣሎ። ኵላቶም ሰብ ሓዳር እዮም: ውሉዳት ድማ ኣለዉዎም። ብተወሳኺውን: ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣርባዕቲኦም ምሉእ መዓልቲ ዝወስድ ዓለማዊ ስራሕን ምቹእ ኣባይትን ነይርዎም። ይኹን እምበር: ሕጂ ዓለማዊ ስራሕ ገዲፎም ምሉእ ግዜኦምን ጕልበቶምን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድንፋዕ እዮም ዘውዕልዎ ዘለዉ። ነዚ ለውጢ እዚ ኽገብሩ ዘኽኣሎም እንታይ እዩ፧ ኣርባዕቲኦም ንናይ ኵነታት ለውጢ ብግቡእ ተጠቒሞሙሉ እዮም።

ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ኵነታት ለውጢ ዘይትንክፎ ሰብ ዳርጋ የለን። ከም ሓዳር ምግባር: ቈልዑ ምውላድ: ወይ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ ምድጋፍ ዝኣመሰለ ለውጥታት ተወሳኺ ሓላፍነት የምጽእ እዩ። ገሊኡ ለውጥታት ግን ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ንኸነስፍሕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። (ማቴዎስ 9:37, 38) ንኣብነት: ውሉዳትና ዓብዮም ርእሶም ይኽእሉ ይዀኑ ወይ ካብ ስራሕ ጡረታ ንወጽእ ንኸውን።

ብዘይ​ካዚ: ፈቲና ኸይፈተና ዅነታትና ዝቕየር እኳ እንተዀነ: ገሊኣቶም ክርስትያናት ግን ባዕላቶም ኣብ ኵነታቶም ለውጢ ብምግባር ኣብ ኣገልግሎት ዝገብርዎ ተሳትፎ ንኸስፍሑ ኣጋጣሚ ኸፊቶም እዮም። ፐም: ያን: ድሪስ: ኦቶ ከምኡ እዮም ገይሮም። ብኸመይ፧

ውሉዳት ርእሶም ክኢሎም ምስ ወጹ

ፐም ኣብ ሓደ መድሃኒት ዘፍሪ ትካል ናይ ሕሳብ ሰራሕተኛ ነበረ። ንሱን ኣኒ ሰበይቱን ክልተ ደቆምን ብዙሕ ግዜ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። እተፈላለየ ምድላዋት ብምግባር እውን ምስ ካልኦት ፓይነራት ይዘናግዑ ነበሩ። “እዚ ኸኣ ካብቲ ኻልእ ዓይነት ምሕዝነት ከምጽኦ ዝኽእል ዝነበረ ጸገማት ዕቝባ ዀይኑና እዩ” ብምባል ዝረኸብዎ ጥቕሚ ገለጹ። እተን ክልተ ደቆም እውን በቲ ናይ ወለደን ኣብነት ተደሪኸን ካልኣይ ደረጃ ትምህርተን ምስ ወድኣ ስርዓታውያን ፓይነራት ኰና።

ፐምን ኣኒን እተን ደቆም ርእሰን ክኢለን ምስ ወጻ: እዚ ናይ ኵነታት ለውጢ ናብ ዝፈትዉዎ ቦታታት ከይዶም ክዛወሩ ወይ ብኻልእ መገዲ ንኽዘናግዑ ዝያዳ ሓርነትን ገንዘብን ከም ዝፈጠረሎም ተገንዘቡ። ይኹን እምበር: እዞም ሰብ ሓዳር ነዚ ዅነታት እዚ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ክጥቀሙሉ ወሰኑ። ስለዚ ፐም ንኣስራሒኡ ኣብ ሰሙን ሓንቲ ተወሳኺት መዓልቲ ዕረፍቲ ኽህቦ ሓተተ። ጸኒሑ ኻብ ሰዓት 7:00 ቅ.ቐ. ክሳዕ ሰዓት 2:00 ድ.ቐ. ክሰርሓሉ ዝኽእል ምድላው ገበረ። ልክዕ እዩ: ዝወሓደ ሰዓታት ምስራሕ ማለት ብዝወሓደ ኣታዊ ምንባር ማለት እዩ። እዚ ግን ነዞም ሰብ ሓዳር ካብ ሸቶኦም ኣይዓገቶምን: ብ1991 ከኣ ፐም ስርዓታዊ ፓይነር ብምዃን ምስ ሰበይቱ ሓበረ።

ድሕርዚ ንሓደ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝውነን ናይ ዓበይቲ ኣኼባታት መአከቢ ኣደራሽ ኣብ ምክንኻን ሓጋዚ ዀይኑ ኽዓዪ ጻውዒት ቀረበሉ። ነዚ ጻውዒት እዚ እንተ ተቐቢልዎ: እቶም ሰብ ሓዳር ነቲ ን30 ዓመት ዝነበሩሉ ቤቶም ገዲፎም ናብቲ ኣብ ቀጽሪ እቲ ኣደራሽ ዝርከብ ኣፓርታማ ኽግዕዙ ነበሮም። ስለዚ ኸኣ ናብቲ ኣፓርታማ ገዓዙ። እዚ ኣጸጋሚዶ ነይሩ፧ ኣኒ ገዝኣ ኽትናፍቕ ከላ ‘ከም ሰበይቲ ሎጥ ድየ ዀይነ፧’ ብምባል ርእሳ ኸም እትሓትት ገለጸት። በዚ ኸምዚ ኸኣ ‘ንድሕሪት ኣይረኣየትን።’​—⁠ዘፍጥረት 19:26፣ ሉቃስ 17:32

ፐምን ኣኒን እዚ ዝገበርዎ ውሳነ ብዙሕ በረኸታት ከም ዘምጽኣሎም እዮም ዝኣምኑ። ገለ ኻብዚ ኸኣ ኣብቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝግበረሉ መአከቢ ብምግልጋሎም: ንኣውራጃዊ ኣኼባ ዘድሊ ምድላዋት ኣብ ምግባር ብምስታፎም: ከምኡውን ምስቶም ኣብቲ ኣደራሽ ዝርርባት ዝህቡ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ (ገየሽቲ ኣገልገልቲ) ዝያዳ ርክብ ብምግባሮም ተሓጒሶም እዮም። ፐም ተተካኢ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ስለ ዝዀነ ድማ ሳሕቲ ንጉባኤታት ምብጻሕ ይገብሩ እዮም።

እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ኣገልግሎቶም ኣብ ምስፋሕ ኣሳልጦ ኽረኽቡ ዝኸኣሉ ስለምንታይ እዮም፧ ፐም “ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ለውጢ ኸጋጥም ከሎ: ነቲ ሓድሽ እተፈጥረ ዅነታት ብዝበለጸ ንኽትጥቀመሉ ቈራጽነት ክትገብር ኣሎካ” ብምባል መልሲ ሃበ።

ናብራኻ ቐሊል ምግባር

ያንን ዎት ሰበይቱን ሰለስተ ውሉዳት ኣለዉዎም። ያን ልክዕ ከም ፐምን ስድራ​ቤቱን ንናይ ኵነታት ለውጢ ብጥበብ ተጠቒሙሉ እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሓደ ባንክ ጽቡቕ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ነበሮ: ስድራ​ቤቱ ኸኣ ጥጡሕ ናብራ ነበሮም። ይኹን እምበር: ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ዘለዎ ድሌት እናወሰኸ ኸደ። “ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ንሓቂ ዝነበረኒ ሞሳ እናዓመቘ: ንየሆዋ ዘሎኒ ፍቕሪ ኸኣ እናወሰኸ ኸደ” በለ። ስለዚ ብ1986 ኣብ ኵነታቱ ለውጢ ገበረ። ነቲ ዝገበሮ ለውጢ ባዕሉ ኸምዚ ብምባል ገለጾ:- “ኣብ ቤት ጽሕፈትና ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ ተጠቒመ ዝወሓደ ሰዓታት ክሰርሕ ጀመርኩ። ንስዳኽ [ሰሉስ]: ንስዳኽ [ረቡዕ]: ከምኡውን ንደርዳኽ [ሓሙስ] ጥራይ እሰርሕ ስለ ዝነበረኩ: እቶም በዚ እተገረሙ መሳርሕተይ ዲዎዶ ዝብል ሳጓ ኣውጽኡለይ። መሃያይ ብ40 ሚእታዊት ነከየ። ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘድልዩሉ ቦታ ንምግልጋል ቤተይ ሸይጠ መንበሪ ዘለዋ ጃልባ ዓደግኩ። ደሓር ኣቐዲመ ጡረታ ክኽበረለይ ሓተትኩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣታውየይ እንደገና ብ20 ሚእታዊት ነከየ: ኰይኑ ግን ብ1993 ስርዓታዊ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ።”

ኣብዚ ግዜ እዚ ያን ኣባል ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ እዩ: ብተደጋጋሚ እውን ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተዓዛቢ ዀይኑ የገልግል እዩ። ዎት ሰበይቱ ጥዕና እኳ እንተ ዘይብላ: ሓሓሊፋ ሓጋዚት ፓይነር ኰይና ተገልግል ኣላ። ሰለስቲኦም ደቆም ሕጂ ተመርዕዮም እዮም: መምስ በዓል ኪዳኖም ከኣ ብቕንኣት ንመንግስቲ ኣምላኽ የገልግሉ ኣለዉ።

ያንን ዎትን ብዝወሓደ ገንዘብ ብኸመይ እዮም ኽናበሩ ኽኢሎም፧ ያን ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “ርኹባት ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ ንስጋዊ ነገራት ዓብዪ ግምት ንኸይንህቦ ንጥንቀቕ ኔርና። ኣብዚ እዋን እዚ: እቲ ቕድም ብቐሊሉ እንዕድጎ ዝነበርና ነገር ንምርካብ እተወሰነ ግዜ ምጽባይና ቝሩብ ምቾትና ዝቕንሰልና እኳ እንተዀነ: እቲ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ በረኸትን ፍሉይ መሰላትን ግን ዓብዪ ኻሕሳ ዀይኑና እዩ።”

ድሪስን የኒ ሰበይቱን እውን ልክዕ ከም ያንን ዎትን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽረኽቡ ናብርኦም ቀሊል ክገብሩ ወሲኖም እዮም። ድሪስን የኒን ውሉዳት ክሳዕ ዝወልዱ ፓይነራት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። ውሉዳት ምስ ወለዱ ግን ድሪስ ንስድራ​ቤቱ ዘድሊ ንምምእራር ኣመሓዳሪ ናይ ሓደ ዓብዪ ትካል ኰይኑ ኽሰርሕ ጀመረ። እቶም ኣስራሕቱ ብስርሑ ስለ እተሓጐሱ ኣብ ስርሑ ኸዕብይዎ ደለዩ። ንሱ ግን ነቲ ናይ ስራሕ ዕቤት እንተ ተቐቢሉ ክርስትያናዊ ንጥፈታቱ ስለ ዝንኪ ኣይተቐበሎን።

እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ስድራ​ቤቶም ንምንባይን ነታ ሕማም ዘጥቅዓ ኣደ የኒ ንምክንኻንን ብዙሕ ግዜን ጕልበትን የድልዮም ነበረ። እንተዀነ ግን: ናይ ፓይነር መንፈስ ካብ ምምዕባል ዓዲ ኣይወዓሉን። ነዚ ንኽገብሩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ የኒ “ምሳና ዝነብሩ ፓይነራት ነይሮም: ንፓይነራት ምሳሕ ወይ ድራር ንዕድሞም ኔርና: ከምኡውን ገየሽቲ ተዓዘብቲ ምሳና ንኽሓድሩ ንዕድሞም ነበርና” ብምባል ገለጸት። ድሪስ ከኣ “ናብራና ቐሊል እዩ ነይሩ: ኣብ ዕዳ ኸኣ ኣይንኣቱን ኢና ኔርና። ኣብ ዝመጽእ ግዜያት ስጋዊ ነገራት ዕንቅፋት ምእንቲ ኸይኰነና ኣብ ዓብዪ ንግዲ ንኸይንካፈል ወይ ቤት ንኸይንዕድግ ወሰንና” በለ።

ድሪስን የኒን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም ባዕላቶም ኵነታቶም ንምልዋጥ ዝገበርዎ ውሳነ ዘሐጕስ ፍረ ኣፍርይሎም እዩ። ክልቲኦም ደቆም ሽማግለታት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ: ሓደ ኻብዞም ደቆም ከኣ ምስ ሰበይቱ ፓይነር ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ድሪስን የኒን እውን ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም: ጸኒሑ ኸኣ ድሪስ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀነ። ኣብዚ ግዜ እዚ ወለንተኛታት ኰይኖም ኣብ ቤትኤል የገልግሉ ኣለዉ: ድሪስ ድማ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እዩ።

ኣቐዲምካ ጡረታ ምውጻእ

ኦቶን ጁዲ ሰበይቱን ክልተ ኣዋልድ ቅድሚ ምውላዶም: ልክዕ ከም ድሪስን የኒን ፓይነራት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። ጁዲ ነታ በዅሪ ጓሎም ምስ ጠነሰት: ኦቶ መምህር ኰይኑ ኽዓዪ ጀመረ።

እተን ደቆም ክዓብያ ኸለዋ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሐጕስ ምዃኑ ምእንቲ ኽዕዘባ ብዙሕ ግዜ ፓይነራት ይዕድሙ ነበሩ። ደሓር እታ በዅሪ ጓሎም ፓይነር ኰነት። ጸኒሓ ምስ በዓል ቤታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተኻፈለት: ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ ሚስዮናዊት ኰይና ኣብ ኣፍሪቃ ተገልግል ኣላ። እታ ሕሳስ⁠-​ልደ ጓሎም ብ1987 ፓይነር ኰነት: ጁዲ እውን ምስኣ ሓቢራ ፓይነር ኰነት።

እቲ ናይ ኵነታት ለውጢ ንኦቶ ዝወሓደ ሰዓታት ክዓዪ ኣጋጣሚ ምስ ከፈተሉ: ነዚ ዝተረፎ ግዜ ፓይነር ኰይኑ ንምግልጋል ተጠቕመሉ። ኣብ መወዳእታ ስርሑ ኣቋረጸ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኦቶ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ብምግልጋል ነቲ ኸም መምህር መጠን ዘጥረዮ ኽእለት ንጉባኤታት ብመንፈሳዊ ንምብርታዕ ይጥቀመሉ ኣሎ።

ኦቶ ነቶም ኣቐዲሞም ኻብ ዓለማዊ ስርሖም ጡረታ ዝወጹ ሰባት: እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሂብዎም ኣሎ:- “ጡረታ ኽትወጹ ኸለኹም ንሓደ ዓመት ዝኸውን ከዕርፍ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ዕረፍቲ ብቐሊሉ ኢኻ እትለምዶ። ነዊሕ ከይጸናሕኩም ፓይነር ምዃን ክትርስዕዎ ኢኹም። ኣብ ክንድኡስ ብኡንብኡ ኣገልግሎትኩም ኣስፍሑ።”

ዝደለብዎ ተመክሮ ዓዮምሉ

ፐም: ያን: ድሪስ: ከምኡውን ኦቶ መንእሰያት ከለዉ ዝነበሮም ዓይነት ብርታዐን ሓቦን የብሎምን። ዝያዳ ብስለትን ተመክሮን ጥበብን ግን ደሊቦም እዮም። (ምሳሌ 20:29) ኣቦ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ይፈልጥዎ እዮም: ካብ ኣንስቶም ከም ዝረኣይዎ ኸኣ ኣደ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ስራሕ ምዃኑ ኣይስሕትዎን እዮም። ምስ ኣንስቶም ኰይኖም ናይ ስድራ​ቤት ጸገማት ሰጊሮምን ንደቆም መንፈሳዊ ሸቶ ኣውጺኦምን እዮም። ኦቶ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ “ከም ገያሺ ተዓዛቢ መጠን ንስድራ​ቤት ዝምልከት ምኽሪ ኽህብ ከለኹ: ናይ ርእሰይ ስድራ​ቤት ስለ ዝነበረኒ ይጠቕመኒ እዩ” በለ። ድሪስ እውን ብተመሳሳሊ ከም ኣቦ መጠን ዘጥረዮ ተመክሮ ኣብቲ ብዙሓት መንእሰያት ዘለዉዎ ስድራ ቤትኤል ኣገዳሲ እጃም ንኽፍጽም የኽእሎ ኣሎ።

እወ: እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ነዚ ተመክሮ እዚ ዝኣከቡ ብምዃኖም: ነቲ ኣብ ጉባኤታት ዘድሊ እተፈላለየ ነገራት ንኸማልኡ ሓጊዝዎም እዩ። እቲ ዝደለብዎ ተመክሮ ንጕልበቶም ብዝበለጸ ንምጥቃም ሓጊዝዎም: ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንመሳርሒታቶም ስሒልዎ እዩ። (መክብብ 10:10) አረ መብዛሕትኡ ግዜስ ካብቶም ዝያዳ ጕልበት ዘለዎም ግን ከኣ ተመክሮ ዘይብሎም ሰባት ዝሓይሽ ዕማም እዮም ዝዓሙ።

ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣሕዋትን ኣንስቶምን ንመንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰናይ ኣብነት እዮም ዝዀንዎም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብ ሓዳር ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋትና እተጠቕሰ ብዙሕ ጸገማትን በረኸታትን ከም ዘጋጠሞም መንእሰያት ይዕዘብዎ እዮም። ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ከምቲ ብዕድመ ደፊኡ ኸሎ ኸቢድ ዕዮ ኽወሃቦ ዝሓተተ ካሌብ ዝነበሮ ዓይነት መንፈስ ከንጸባርቑ ምርኣይ ዘተባብዕ እዩ።​—⁠እያሱ 14:10-12

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓቡ

ኣስኣሰር እምነት እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሱ ሰብ ሓዳር ክትስዕብ ትኽእልዶ፧ ኣብ ህይወቶም ንሓቂ ቐዳምነት ከም ዝሃቡ ኣይትረስዕ። ኣብ ደቆም ፓይነር ናይ ምዃን ባህጊ ኣሕደሩ። ነዚ ድማ ከምቲ ያን ዝገለጾ “ንየሆዋን ማሕበሩን ብምፍቃር ዝመጸ ኣብነት ብምዃን: ጽቡቕ ዕርክነት ንምጥራይ ምድላዋት ብምግባር: ከምኡውን ደቆም ርእሶም ዝኽእሉ ንክዀኑ ብምምሃር” እዮም ገይሮምዎ። ከም ስድራ​ቤት መጠን ብሓባር ኰይኖም ይዓዩን ይዘናግዑን እውን ነይሮም። ፐም ብዛዕባዚ ተዘክሮኡ ኽገልጽ ከሎ: “ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ስድራ​ቤትና ንግሆ ንግሆ ናብ ስብከት ናይ ምኻድ: ድሕሪ ቐትሪ ድማ ናይ ምዝንጋዕ ልማድ ነይርዋ” በለ።

ብዘይ​ካዚ: እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ኵነታቶም ክቕየር ከሎ ነቲ ሓድሽ እተፈጥረ ዅነታት ክጥቀሙሉ ምእንቲ ክኽእሉ ኣቐዲሞም መደብ ገይሮም እዮም። ሸቶታት ኣውጺኦምን ሸቶታቶም ንምውቃዕ ዘቀላጥፈሎም ውሳነታት ገይሮምን እዮም። ዓለማዊ ስርሖም ዝንክዩሉ መገድታት ኣናድዮም: ብዝወሓደ ኣታዊ ንኽነብሩ ድማ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። (ፊልጲ 1:10) ኣንስቶም ድማ ንሰብኡተን ደገፈን ሂበን እየን። ኵላቶም ሓቢሮም ናብቲ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ንምእታው ባህጊ ነበሮም: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ የሆዋ ኣብዚሑ ባረኾም።​—⁠1 ቈረንቶስ 16:9፣ ምሳሌ 10:22

ንስኻኸ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ግደ ንምስፋሕ ባህጊዶ ኣሎካ፧ እንተልዩካ: ንናይ ኵነታት ለውጢ ብግቡእ ምስ እትጥቀመሉ ባህጊ ልብኻ ኽሰምረልካ ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ፐምን ኣኒን ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ ዝግበረሉ ኣደራሽ ክዓዩ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ያንን ዎትን ኣብ ዕዮ ስብከት ከለዉ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ድሪስን የኒን ኣብ ቤትኤል ከገልግሉ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኦቶን ጁዲን ናብ እትቕጽል ጉባኤ ንምብጻሕ ክዳለዉ ኸለዉ