ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ዘደንቕ ኣብነት እምነት

ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ዘደንቕ ኣብነት እምነት

ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ዘደንቕ ኣብነት እምነት

ሓድሓደ ግዜ ኣብ እምነት ዝወርድ ፈተና ንኣዋርሕ: ንዓመታት: ወይ ከኣ ንዓሰርተታት ዓመታት እውን ከይተረፈ ይቕጽል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ዩሪ ኮፖስ ካብታ ኹስት እትበሃል ኣብ ትራንስካርፓትያ እትርከብ ምልክዕቲ ኸተማ ብዙሕ ርሒቕካ ኣብ ዘይርከብ ቦታ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ብ1938 ወዲ 25 ዓመት ከሎ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ። ብ1940 ኣብ ግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም: ኣባል ናይቲ ንስርዓት ናዚ ዝድግፍ ዝነበረ ሰራዊት ሃንጋሪ ክኸውን ፍቓደኛ ብዘይ​ምዃኑ ንሸሞንተ ወርሒ ማእሰርቲ ተፈርደ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ትራንስካርፓትያ ዝነበረ ሕጊ ብእምነቶም ንእተኣስሩ ሰባት ምቕታል ዘየፍቅድ ብምንባሩ: ነቶም ኣሕዋት ናብቲ ግንባር ወሰድዎም: ኣብኡ ኸኣ ብመሰረት ሕጊ ናዚ ሞት ክፍረዶም ይከኣል ነይሩ እዩ። ብ1942 ሓው ኮፖስን 21 ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርከብዎም እሱራትን ብወተሃደራት እናተሓለዉ ናብቲ ኣብ ጥቓ ስታሊንግራድ: ሩስያ ዝነበረ ግንባር ተላእኩ። ኣብኡ ንኽቅተሉ እዩ ተሓሲቡ ነይሩ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ሰራዊት ሶቭየት መጥቃዕቲ ኸፈቱ: ነቶም ወተሃደራት ጀርመንን ነቶም ኣሕዋትን ከኣ ሓዝዎም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ኣብ ሶቭየት ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተላእኩ: ብ1946 ክሳዕ ዝፍትሑ ኸኣ ኣብኡ ጸንሑ።

ድሕርዚ ሓው ኮፖስ ናብ ዓዱ ተመልሰ: ኣብ ዕዮ ስብከት ከኣ ብንጥፈት ክካፈል ጀመረ። በዚ ምኽንያት እዚ ብ1950 ሰበ⁠-​ስልጣን ሶቭየት ን25 ዓመት ማእሰርቲ ፈረድዎ። ይኹን እምበር: መንግስቲ ብዝገበሮ ምሕረት ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ተፈትሐ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 44 ዓመት ዝነበረ ሓው ኮፖስ ምስ ተፈትሐ: ንሃና ሺሽኮ ክምርዓዋ መደብ ገበረ። ንሳውን ናይ የሆዋ ምስክር እያ: ንዓሰርተ ዓመት ተኣሲራ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ እትፍታሕ ነዊሕ ኣይገበረትን ነይራ። መርዓኦም ሕጋዊ ንምግባር ኣመልከቱ። ድሮ መርዓኦም ኣብ ዝነበረት ምሸት ግን ክልቲኦም እንደገና ተኣስሩ: ንዓሰርተ ዓመት ድማ ተፈርዱ። ይኹን እምበር: ነዚ ዅሉ መከራ ተጻወርዎ: መርዓኦም ንዓሰርተ ዓመት እኳ እንተ ተደናጐየ: እቲ ዝነበሮም ፍቕሪ ግን ኣይሃሰሰን። (1 ቈረ. 13:7) ኣብ መወዳእታ: ብ1967 ምስ ተፈትሑ ተመርዓዉ።

እቲ ታሪኽ ግን በዚ ኣየብቅዐን። ብ1973 ሓው ኮፖስ ወዲ 60 ዓመት ኣቢሉ ኸሎ ንሓሙሽተ ዓመት ክእሰርን ንሓሙሽተ ዓመት ክሕየርን ተፈርዶ። ነቲ እተሓየረሉ ዓመታት ካብ ኹስት ዓዱ 5,000 ኪሎ ሜትር ርሒቕካ ኣብ ዝርከብ ሳይበርያ ምስ በዓልቲ ቤቱ ሃና ኣሕለፎ። እቲ ቦታ እቲ ብኣውሮፕላን እንተ ዘይኰይኑ ብማኪና ኰነ ብባቡር ክኽየድ ኣይከኣልን እዩ ነይሩ። ብ1983 ሓው ኮፖስ ምስ ሰበይቱ ናብ ኹስት ዓዱ ተመልሰ። ሃና ብ1989 ሞተት: ንሱ ድማ ብ1997 ክሳዕ ዝመውት ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል ቀጸለ። ኵሉምሉ: ሓው ኮፖስ ኣብ እተፈላለየ ቤት ማእሰርቲ 27 ዓመት: ኣብ ማሕዩር ከኣ 5 ዓመት: ብድምር 32 ዓመት ኣሕለፈ።

እዚ ትሑት ሰብኣይ እዚ ዳርጋ ሲሶ ዘመን ኣብ ናይ ሶቭየት ኣብያተ⁠-​ማእሰርትን ናይ ሸቕሊ ደምበታትን እዩ ኣሕሊፍዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ኣብነት እምነት: ጸላእቲ ንንጽህና ናይቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከበላሽዉ ኸም ዘይክእሉ ብንጹር የርኢ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]

ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ብ1958 ዝለኣኾ ጸብጻብ

“ዓሰርተ ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ኮምዩኒስት ንዅላቶም ኣሕዋት ክከታተልዎም ስለ ዝውዕሉ: ነሕዋትና ኽሳዕ ክንደይ ከቢድዎም ከም ዘሎ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ ጠለምቲ ጐረባብቲ፣ ናይ ሓሶት ኣሕዋት፣ ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ፣ ክሳዕ 25 ዓመት ዝበጽሕ ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበ ወይ ቤት ማእሰርቲ ንኽትዳጐን ዝውስን ፍርዲ፣ ኣብ ሳይበርያ ምሕያር፣ ዕድሜኻ ምሉእ ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበ ምድጓን፣ ማእሰርቲ ሓድሓደ ግዜ እውን ኣብ ጸልማት ክፍሊ ንነዊሕ እዋን ምሕባስ ኣሎ​—⁠እዚ ዅሉ ኸኣ ንሓደ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሒደት ቃላት ጥራይ ዘውስአ ሰብ ከጋጥሞ ዝኽእል እዩ።

“ይኹን እምበር: እቶም ኣስፋሕቲ በዚ ድምብርጽ ኣይበሎምን። ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ዓሚቝ እዩ: ኣረኣእያኦም ልክዕ ከም መላእኽቲ እዩ: እምነቶም ክሓድጉ ዝብል ሓሳብ ድማ የብሎምን። እቲ ዕዮ ናይ የሆዋ ምዃኑን ክሳዕ ብዓወት ዝዛዘም ክቕጽል ከም ዝግባእን ይፈልጡ እዮም። ንመን ንጽህናኦም ከም ዝሕልዉ እውን ኣይሰሓትዎን። ምእንቲ የሆዋ ሓሳረ መከራ ክወርዶም ሕጕሳት እዮም።”

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]

ንማሪያ ፖፖቪች እተገብረላ ቓለ⁠-​መጠይቕ

እተወልደትሉ:- 1932

እተጠምቀትሉ:- 1948

ሓጺር ታሪኻ:- ኣብ ቤት ማእሰርትን ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበን ንሽዱሽተ ዓመት ተዳጒና። ንልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ሓቂ ኽፈልጡ ሓጊዛ።

ብ27 ሚያዝያ 1950 ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኽኣቱ ኸለኹ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሰ⁠-​ጾር ነበርኩ። ብ18 ሓምለ ንዓሰርተ ዓመት ተፈረድኩ። ስለ ዝሰበኽኩ ማለት ንሰባት ሓቂ ስለ ዝነገርኩ እየ ተፈሪደ። ንኣርባዕተ ኣሕዋትን ሰለስተ ኣሓትን ብጠቕላላ ንሸውዓቴና እዮም ዓዓሰርተ ዓመት ፈሪዶሙና። ወደይ ከኣ ብ13 ነሓሰ ተወልደ።

ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተኹ ሕልናይ ኣየዕረብኩን። ብቕትለት ወይ ስርቂ ዘይኰነስ ክርስትያን ብምዃንካ መከራ ምስ ዝወርደካ ሕጉስ ከም እትኸውን ካብ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ እፈልጥ ነይረ። ስለዚ ድማ ሕጕስቲ ነበርኩ። ውሽጣዊ ሓጐስ እውን ነበረኒ። ንበይነይ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ምስ ዓጸዉኒ: ኣብታ ኽፍሊ ናብዝን ናብትን እናተመላለስኩ ይዝምር ነበርኩ።

ሓደ ወተሃደር ነታ ንእሽቶ መስኮት ከፊቱ “ኣብዚ ዅነታት እዚ ኸለኺ ትዝምሪ ኣሎኺ፧” በለኒ።

ኣነ ድማ “ንዋላ ሓደ ሰብ ዝበደልክዎ ስለ ዘይብለይ ሕጕስቲ እየ” ኢለ መለስኩሉ። ነታ መስኮት ዓጽይዋ ኸደ። እንተዀነ ግን ኣይሃረሙንን።

“እምነትኪ ሕደግዮ። ነዚ ዘለኽዮ ዅነታት እሞ ተመልከቲ” በሉኒ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽወልድ ምዃነይ እዮም ዝሕብሩኒ ነይሮም። እንተዀነ ግን: ብምኽንያት እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎኒ እምነት ስለ ዝፈረዱኒ ሕጕስቲ እየ ነይረ። ባህ ኢሉኒ ነበረ። ገበነኛ ከም ዘይኰንኩ እፈልጥ ነይረ። ብሰንኪ እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምነት መከራ የሕልፍ ምህላወይ ኣይሰሓትክዎን። እዚ ወትሩ ሕጕስቲ ንክኸውን ኣኽኢሉኒ እዩ። እቲ ዅነታት ከምዚ እዩ ዝመስል ነይሩ።

ጸኒሑ ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበ እናዓየኹ ኸለኹ: ኣእዳወይ ብኽቱር ቍሪ ደንዘዘ። ስለዚ ናብ ሆስፒታል ከድኩ። እታ ኣብኡ ዝነበረት ሓኪም ከኣ ፈተወትኒ። “ጥዕና ስለ ዘይብልኪ: ንምንታይ ኣብዚ ምሳይ ዘይትዓዪ፧” በለትኒ።

እቲ ናይቲ ደምበ ሓላፊ ግን ነዚ ሓሳብ ኣይፈተዎን። “ስለምንታይ ኢኺ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ምሳኺ ኽትዓዪ ዝደለኽያ፧ ካብተን ካልኦት ምረጺ” በላ።

ንሳ ድማ “ካልእ ሰብ ኣይደልን እየ: ጥዑያትን ሓቀኛታትን ሰባት እየ ኣብዚ ሆስፒታል ክሰርሑ ዝደልዮም። ንሳ ድማ ኣብዚ ኽትዓዪ እያ። ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘይትሰርቕን መድሃኒት ብዘይ​ግቡእ ክትወስድ ከም ዘይትደልን እፈልጥ እየ” በለቶ።

በዚ ዝመጸ ይኣምኑና እዮም ነይሮም። እምነቶም ኣጽኒዖም ንዝሓዙ ሰባት ፍሉይ ኣኽብሮት ነበሮም። እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃንና ይፈልጡ ነበሩ። እዚ ኸኣ ጠቒሙና እዩ።

ኣብ መወዳእታ: እታ ሓኪም ነቲ ሓላፊ ኣእመነቶ። ዕንጸይቲ ኣብ ምቝራጽ ንፍዕቲ ብምንባረይ እዩ ናብኣ ኽሰደኒ ዘይደለየ። ህዝቢ የሆዋ ኣብ እንሰርሓሉ ዅሉ ሓቀኛታትን ጻዕራማትን ኢና ኔርና።

ወዲ ማሪያ ኣብ ቪኒትስያ: ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተወልደ። ኣብተን ቐጺለን ዝነበራ ኽልተ ዓመታት: ኣብቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ መዕበይ ዘኽታማት ነበረ። ድሕሪኡ ገሊኣቶም ኣዝማድ ናብቲ ኣብ ሳይበርያ እተሓየረ ኣቦኡ ለኣኽዎ። ሓብትና ፖፖቪች ምስ ተፈትሐት: ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኰይኑ ነበረ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]

ንፍዮደር ከሊን እተገብረሉ ቓለ⁠-​መጠይቕ

እተወልደሉ:- 1931

እተጠምቀሉ:- 1950

ሓጺር ታሪኹ:- ካብ 1951-65 ተሓዪሩ። ካብ 1962-5 ተኣሲሩ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምርመራ ኽግበረለይ ከሎ: የሆዋ ንዓይ ተኣምር ክብሎ ዝኽእል ነገር ገይሩለይ እዩ። እቲ ናይ ኬ.ጂ.ቢ. (ኮሚተ ጸጥታ መንግስቲ) ሓላፊ ወረቐት ሒዙ መጸ። እቲ መርማሪ ኮፍ ኢሉ ነበረ: እቲ ኣኽባር ሕጊ እውን ኣብ ጐድኑ ነበረ። እቲ ናይ ኬ.ጂ.ቢ. ሓላፊ ነቲ መርማሪ “ነዛ ወረቐት ሃቦ። ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኣሕዋቱ ጥዑያት ዘይምዃኖም የንብብ!” በሎ።

ድሕርዚ ነታ ወረቐት ሃቡኒ። ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ እተገብረ መግለጺ ኣቕዋም ዝሓዘት ነበረት። ሓንሳእ ኣንበብክዋ: ድሕሪኡ እንደገና ቐስ ኢለ ኽደግማ ጀመርኩ። እቲ ኣኽባር ሕጊ ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ: “ሚስተር ከሊን! ትሽምድዶ ዲኻ ዘሎኻ፧” በለኒ።

ኣነ ድማ “ፈለማ ቕልጥፍ ቅልጥፍ ኢለ ኣንበብክዋ። ሕጂ ግን ነቲ መልእኽቲ ኽርድኦ እደሊ እየ” በልክዎ። ውሽጠይ ግን ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢለ እየ ነይረ። ነቲ መግለጺ ኣቕዋም ኣንቢበ ምስ ወዳእኩ: ነታ ወረቐት መለስኩሎም: ድሕሪኡ ኸምዚ በልክዎም:- “ብሓቂ እየ ዘመስግነኩም: ልዕሊ ዅሉ ግን ነቲ ኸምዚ ኽትገብሩ ዝደረኸኩም የሆዋ ኣምላኽ አመስግኖ። ሎሚ ነዚ መግለጺ ኣቕዋም ብምንባበይ እምነተይ ኣዝያ ደልዲላ እያ! ነዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘውጽእዎ መግለጺ ኣቕዋም እሰማምዓሉ እየ: ንስም ኣምላኽ ከኣ ብጋህዲ ኽውድስ እየ። ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበ: ኣብ ቤት ማእሰርቲ: ከምኡውን ኣብ ኵሉ ቦታታት ብዛዕባኡ ንሰባት ክነግር እየ። ተልእኾይ እዚ እዩ!

“እተውርዱለይ ስቓይ ብዘየገድስ: ኣፈይ ኣይክትዓጽዉንን ኢኹም። ኣብዚ መግለጺ ኣቕዋም እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናዕቢ ኸነለዓዕል ኢና ኣይበሉን: የግዳስ ዝወረደ እኳ እንተ ወረዶም ዋላ እውን ከቢድ መስጐጕቲ እንተ ኣጋጠሞም የሆዋ ብተኣማንነት ንኽጸንዑ ከም ዝሕግዞም ስለ ዝፈለጡ ንዕኡ ኸም ዘገልግሉ እዮም ኣቕዋሞም ገሊጾም! ኣብዚ ጽንኩር እዋን ኣብ እምነተይ ንኽጸንዕ ምእንቲ ኽሕግዘኒ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ክጽሊ እየ።

“ካብ ኣቕዋመይ ፈልከት ኣይክብልን እየ! እዚ መግለጺ ኣቕዋም እዚ ብዙሕ እዩ ኣበራቲዑኒ። ሕጂ ኽትርሽኑኒ እኳ እንተ ደለኹም: ድምብርጽ ኣይብለንን እዩ። የሆዋ ብትንሳኤ ኣቢሉ እውን የድሕን እዩ!”

እቶም መርመርቲ በዚ ኸም ዝሓረቑ ኣብ ገጾም ይርአ ነበረ። ዓብዪ ጌጋ ኸም ዝገበሩ ፈለጡ። እቲ መግለጺ ኣቕዋም ንእምነተይ ከዳኽማ እዩ ተሓሲቡ ነይሩ: እንተዀነ ግን ኣበርትዓኒ ደኣ።