ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ጽንዑ: ትብዑ!’

‘ጽንዑ: ትብዑ!’

‘ጽንዑ: ትብዑ!’

“ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ።”​—⁠ዮሃንስ 16:33

1. ንእስራኤላውያን ኣብ ከነኣን ሓያላት ጸላእቲ ይጽበይዎም ስለ ዝነበሩ: እንታይ ምትብባዕ እዩ እተዋህቦም፧

 እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ንምእታው ንርባ ዮርዳኖስ ቀቅድሚ ምስጋሮም: ሙሴ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ: . . . ጽንዑ: ትብዑ: ኣይትፍርሁ: ብኣታቶም ኣይትሸበሩ” በሎም። ድሕሪኡ ሙሴ ነቲ ንእስራኤላውያን ናብ ከነኣን መሪሑ ዘእትዎም እያሱ ጸዊዑ: ተባዕ ንክኸውን ተመሳሳሊ ማዕዳ ሃቦ። (ዘዳግም 31:6, 7) ጸኒሑ የሆዋ ባዕሉ ንእያሱ “ጽናዕ: ትባዕ። . . . ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን” ብምባል ኣተባብዖ። (እያሱ 1:6, 7, 9) እዚ ቓላት እዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘድሊ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘጋጥምዎም ሓያላት ጸላእቲ ጸኒዖም ንምቛም ክተብዑ የድልዮም ነበረ።

2. ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢና ዘሎና: እንታይከ እዩ ዘድልየና፧

2 ኣብዚ ግዜና ናይ ሓቂ ክርስትያናት ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብ ሓዳስ ዓለም ክሰግሩ ስለ ዝዀኑ: ልክዕ ከም እያሱ ተባዓት ክዀኑ የድልዮም። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 7:14) ኵነታትና ግን ካብ ናይ እያሱ እተፈልየ እዩ። እያሱ ብኣስያፍን ኲናውትን እዩ ተዋጊኡ። ንሕና ግን መንፈሳዊ ውግእ ኢና እንዋጋእ: ስለዚ ድማ ቃል ብቓሉ ኣጽዋር ፈጺምና ኣይነልዕልን ኢና። (ኢሳይያስ 2:2-4፣ ኤፌሶን 6:11-17) ብዘይ​ካዚ: እያሱ ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተወ እውን ሓያሎ ኸበድቲ ውግኣት ክዋጋእ ነበሮ። ንሕና ግን እቲ ዝኸበደ ቓልሲ ሕጂ ናብ ሓዳስ ዓለም ቅድሚ ምስጋርና እዩ ዘጋጥመና። እምበኣር ክንተብዓሉ ዘሎና ገለ ዅነታት እስከ ንርአ።

ንምንታይ ኢና ኽንቃለስ ዘሎና፧

3. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ቐንዲ መጻርርትና እንታይ እዩ ዝገልጽ፧

3 ሃዋርያ ዮሃንስ “ካብ ኣምላኽ ምዃንና: ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 5:19) እዘን ቃላት እዚኣተን ክርስትያናት እምነቶም ንምሕላው ዝቃለሱሉ ቐንዲ ምኽንያት ይገልጻልና እየን። ሓደ ክርስትያን ንጽህናኡ ኽሕሉ ኸሎ: ብእተወሰነ ደረጃ ንሰይጣን ድያብሎስ ስዕረት እዩ ዝዀኖ። ስለዚ: ሰይጣን ንእሙናት ክርስትያናት ንምፍርራህን ንምውሓጥን ከም “ዚጓዝም ኣንበሳ” ዀይኑ ይዘውር ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:8) እወ: ምስቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ምስ ብጾቶምን ይዋጋእ ኣሎ። (ራእይ 12:17) ኣብዚ ውግእ እዚ ሰባት ብፍላጥ ኰነ ብዘይ​ፍላጥ መሳርሒኡ ይዀኑ እዮም። ስለዚ ድማ ንሰይጣንን ሰዓብቱን ንምጽራር ትብዓት የድልየና እዩ።

4. የሱስ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃበ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን እንታይ ባህሪ እዮም ዘርኣዩ፧

4 ሰይጣንን ሰዓብቱን ከይተሓለሉ ነቲ ብስራት ከም ዝጻረሩ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ንሰዓብቱ “ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትልኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” ብምባል ኣጠንቀቖም። (ማቴዎስ 24:9) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ፍጻሜአን ተራእዩ እዩ: ኣብዚ ግዜና እውን ክፍጸማ ንርእየን ኣሎና። ገሊኣቶም ዘመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሕለፍዎ መስጐጕቲ ልክዕ ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ እንረኽቦ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጥታት ተባዓት እዮም። ‘ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ ኸም ዘእቱ’ ይፈልጡ እዮም: ስለዚ ኣብ መፈንጠራ ኽኣትዉ ኣይደልዩን እዮም።​—⁠ምሳሌ 29:25

5, 6. (ሀ) ትብዓት ክህልወና ዘድልየሉ እንታይ ኵነታት ኣሎ፧ (ለ) እሙናት ክርስትያናት ትብዓቶም ክፍተን ከሎ እንታይ እዮም ዝገብሩ፧

5 ይኹን እምበር: መስጐጕቲ ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ትብዓት ክህልወና ዘድልየሉ ኣጋጣሚታት እውን ኣሎ። ገሊኣቶም ብዛዕባ እቲ ብስራት ንዘይፈልጥዎ ሰብ ምዝራብ ይኸብዶም እዩ። ገሊኣቶም ተማሃሮ ኸኣ ንሃገሮም ወይ ንሰንደቕ ዕላማኦም ውፉያት ምዃኖም ዘርኢ ነገራት ክገብሩ ምስ ተሓትቱ ትብዓት ኣድልይዎም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምግባር ካብ ሃይማኖታዊ ተግባር ተፈልዩ ስለ ዘይርአ: ክርስትያናት ቈልዑ ንኣምላኽ ዘሐጕስ ነገር ክገብሩ ብትብዓት ቈሪጾም እዮም: እዚ ሰናይ ተግባሮም ከኣ ባህ ዘብል እዩ።

6 ተጻረርትና ብመራኸቢ ብዙሓን ገይሮም ብዛዕባ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሕማቕ ወረ ኽነዝሑ ኸለዉ ወይ “ከም ሕጊ ኢና: እናበሉ” ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምትዕንቓፍ ክጽዕሩ ኸለዉ እውን ትብዓት የድልየና እዩ። (መዝሙር 94:20) ንኣብነት: ጋዜጣ: ረድዮ: ወይ ተለቪዥን ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጠዋይ ሓበሬታ ወይ ዓይኒ ዘይብሉ ሓሶት ክነዝሕ ከሎ ኸመይ ክስምዓና ኣለዎ፧ ክንስንብድዶ ይግብኣና፧ ኣይፋልናን። እንጽበዮ ነገራት እዩ። (መዝሙር 109:2) ‘ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ስለ ዝኣምን:’ ገሊኣቶም ሰባት ነቲ ሓሶት ወይ ጠዋይ ወረ እንተ ኣመንዎ እውን ክገርመና የብሉን። (ምሳሌ 14:15) እሙናት ክርስትያናት ግን ነቲ ብዛዕባ ኣሕዋቶም ዝበሃል ኵሉ ኣይኣምንዎን እዮም። ዝሰምዕዎ ሕማቕ ወረ ኻብ ክርስትያናዊ ኣኼባታቶም ከም ዘብኵሩ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከም ዝዝሕትሉ: ወይ ኣብ እምነቶም ከም ዝወላወሉ ንኽገብሮም ፈጺሞም ኣየፍቅዱን እዮም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ‘ብኽብርን ሕስራንን: ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን: [ከምቲ ተጻረርቲ ዝብልዎ] ከም መስሓትቲ: ግናኸ ሰብ ሓቂ ብምዃን ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእሶም የርእዩ ኣለዉ።’​—⁠2 ቈረንቶስ 6:4, 8

7. እንታይ ልቢ ዝምርምር ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧

7 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ኸሎ ‘ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይሊ እምበር መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን። ስለዚ ብምስክር ጐይታና ኣይትሕፈር’ በሎ። (2 ጢሞቴዎስ 1:7, 8፣ ማርቆስ 8:38) ነዚ ቓላት እዚ ኸነንብብ ከሎና ንርእስና ‘ብእምነተይ እሓፍር ድየ: ወይስ ተባዕ እየ፧ ኣብ ስራሕ (ወይ ትምህርቲ) ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ንኻልኦት አፍልጥ ድየ: ወይስ ነዚ ኽሓብኦ እየ ዝጽዕር፧ ካብ ካልኦት ፍሉይ ብምዃነይ እሓፍር ድየ: ወይስ ብምኽንያት እቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ፍሉይ ብምዃነይ እሕበን እየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ሓደ ክርስትያን ንኻልኦት ክሰብኽ ወይ ፍልይ ዝበለ ኣቕዋም ክሕዝ ዝስከፍ እንተ ዀይኑ: ነቲ የሆዋ ንእያሱ “ጽናዕ: ትባዕ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ይዘክር። እቲ መሳርሕትና ወይ መማህርትና ብዛዕባና ዘለዎም ኣረኣእያ ዘይኰነስ: እቲ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባና ዘለዎም ኣረኣእያ ዝያዳ ኸም ዘገድስ ኣይትረስዕ።​—⁠ገላትያ 1:10

ብኸመይ ዝያዳ ተባዓት ከም እንኸውን

8, 9. (ሀ) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ትብዓት ቀዳሞት ክርስትያናት እተፈተነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጴጥሮስን ዮሃንስን ምፍርራህ እኳ እንተ ኣጋጠሞም ብኸመይ መለሱ: ንሳቶምን ኣሕዋትንከ እንታይ ረኸቡ፧

8 ኣብዚ ጽንኩር እዋን ንጽህናና ኽንሕሉ ዘኽእለና ትብዓት ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነዛ ሕቶ ንምምላስ: ቀዳሞት ክርስትያናት ብኸመይ ትብዓት ከም ዘጥረዩ ክንፈልጥ የድልየና። ሊቀ ኻህናትን ዓበይትን የሩሳሌም ንጴጥሮስን ዮሃንስን ብስም የሱስ ከይሰብኩ ምስ ኣዘዝዎም እንታይ ኰነ፧ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሕራይ ምባል ምስ ኣበዩ: ኣፈራሪሆም ሓደግዎም። ድሕርዚ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ኣሕዋት ብሓባር ኰይኖም “ጐይታይ: ናብ ምፍርራሆም ርኤ: . . . ንባሮትካ ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም” ኢሎም ጸለዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13-29) የሆዋ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ኣበራትዖም: ከምቲ መራሕቲ ኣይሁድ ጸኒሖም ዝመስከርዎ ኸኣ ‘ንየሩሳሌም ብትምህርቶም መልእዋ።’​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:28

9 ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንመርምር። እቶም ኣይሁድ መራሕቲ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ኣፈራርህዎም: ብሰንኪ እቲ ዝወረዶም ጸቕጢ ስብከቶም ኣየቋረጹን። ኣብ ክንድኡስ: ስብከቶም ንክቕጽሉ ትብዓት ክወሃቦም ጸለዩ። ድሕሪኡ ነቲ ዝጸለዩሉ ነገር ክገብሩ ጸዓሩ: የሆዋ ኸኣ ብመንፈሱ ኣበራትዖም። ካብቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኸም እንዕዘቦ: እቲ ጳውሎስ ድሕሪ ገለ ዓመታት “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ብምባል ዝጸሓፎ ሓሳባት: ኣብቶም ዝስጐጉ ዝነበሩ ክርስትያናት ከም ዝወዓለ ኢና እንርኢ።​—⁠ፊልጲ 4:13

10. ኤርምያስ ዘሕለፎ ተመክሮ ነቶም ብባህሪኦም ሓናኻት ዝዀኑ ዝሕግዞም ብኸመይ እዩ፧

10 እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ብተፈጥሮኡ ሓናኽ እንተ ዀነኸ፧ ምጽራር እናኣጋጠሞ ንየሆዋ ኸገልግል ይኽእልዶ፧ እሂናይ ደኣ! የሆዋ ንኤርምያስ ነብዪ ክኸውን ክሸሞ ኸሎ: ኤርምያስ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ዘክር። እቲ መንእሰይ “ገና ቘልዓ እየ” በለ። ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ኸም እተሰምዖ ኣየጠራጥርን እዩ። የሆዋ ግን “ናብ ዝልእከካ ዅሉ ኺድ: እቲ ዝእዝዘካ ዅሉ ድማ ተዛረብ እምበር: ቈልዓ እየ ኣይትበል። ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍርሃዮም” ብምባል ኣበራትዖ። (ኤርምያስ 1:6-10) ኤርምያስ ትውክልቱ ኣብ የሆዋ ገበረ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ በቲ የሆዋ ዝሃቦ ሓይሊ ነቲ ዝነበሮ ሽግር ብምእላይ ኣብ እስራኤል ብትብዓቱ ዝድነቕ ምስክር ኰነ።

11. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከም ኤርምያስ ክዀኑ ዝሕግዞም እንታይ እዩ፧

11 ሎሚ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት ምስቲ ናይ ኤርምያስ ዝመሳሰል መዝነት ኣለዎም: በቶም ክፍሊ ናይቶም “ኻልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” እናተሓገዙ ዘይምግዳስ: ላግጺ: ከምኡውን መስጐጕቲ እኳ እናኣጋጠሞም ዕላማታት የሆዋ ኻብ ምእዋጅ ኣየቋረጹን። (ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:9) በቲ የሆዋ ንኤርምያስ “ኣይትፍርሃዮም” ብምባል እተዛረቦ ቓል ይተባብዑ እዮም። ኣምላኽ ከም ዝመዘዞምን መልእኽቱ ይሰብኩ ምህላዎምን ፈጺሞም ኣይርስዑን እዮም።​—⁠2 ቈረንቶስ 2:17

ክንመስሎም ዘሎና ኣብነታት ትብዓት

12. የሱስ እንታይ ብሉጽ ኣብነት ትብዓት እዩ ዝሓደገልና: ንሰዓብቱኸ ብኸመይ ኣተባብዖም፧

12 ካልኦት ከም ኤርምያስ ብትብዓት እተመላለሱ ሰባት ዝገበርዎ ነገራት ምስ እነስተንትነሉ: ትብዓት ንምጥራይ ኣብ እንገብሮ ጻዕርታት ክሕግዘና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 77:12) ንኣብነት: ነቲ የሱስ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ምስ እንምርምሮ: ብሰይጣን ክፍተን ከሎን ካብ መራሕቲ ኣይሁድ ምጽራር ከጋጥሞ ኸሎን ዘርኣዮ ትብዓት ዘደንቕ እዩ። (ሉቃስ 4:1-13፣ 20:19-47) የሱስ በቲ የሆዋ ዝሃቦ ሓይሊ ተጠቒሙ ኻብ መትከሉ ፈልከት ስለ ዘይበለ: ቀቅድሚ ሙማቱ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኩም። ግናኸ ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ኽብሎም ከኣለ። (ዮሃንስ 16:33፣ 17:16) ደቀ መዛሙርቱ ኣብነቱ ምስ ዝስዕቡ: ንሳቶም እውን ሰዓርቲ እዮም ዝዀኑ። (1 ዮሃንስ 2:6፣ ራእይ 2:7, 11, 26) ከምኡ ንክዀኑ ግን የሱስ “ኣጆኹም” ብምባል ክተብዑ ኸም ዘድልዮም ጠቒሱሎም እዩ።

13. ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ እንታይ ምትብባዕ እዩ ዝሃቦም፧

13 የሱስ ምስ ሞተ ድሕሪ ገለ ዓመታት ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጲ ተኣሲሮም ነበሩ። ጸኒሑ: ጳውሎስ ንኣባላት ጉባኤ ፊልጲ ‘ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይስምብዱ: ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምስኡ እናተጋደሉ: ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢሎም ክቘሙ’ ኣተባብዖም። ኣብዚ መዳይ እዚ ብርታዐ ምእንቲ ኽረኽቡ ኸኣ “እዚ [ንክርስትያናት ዝወርዶም መስጐጕቲ] ንኣታቶም [ነቶም ሰጐጕቲ] ንጥፍኣት: ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ: እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ: . . . ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግቡ እምበር: ብእኡ ኽትአምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተውሂቡኩም ዘሎ” በሎም።​—⁠ፊልጲ 1:27-29

14. ትብዓት ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋት ብኸመይ ተንከፎም፧

14 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ፊልጲ ዝነበሩ ኽጽሕፈሎም ከሎ: እንደገና ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ንሰባት ብትብዓት ካብ ምስባኽ ኣየቋረጸን። እንታይ ፍረኸ ረኸበ፧ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ። ዚበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም: ብዘይ​ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ።”​—⁠ፊልጲ 1:13, 14

15. ተባዓት ንምዃን ቈራጽነት ንኽንገብር መተባብዒ ዝዀኑና ሰናይ ኣብነታት እምነት ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧

15 ኣብነት ጳውሎስ የተባብዓና እዩ። ኣብተን ብውልቀ⁠-​መለኽቲ ወይ ብኣቕሽሽቲ ዝመሓደራ ሃገራት ዝነበሩ መስጐጕቲ ዘሕለፉ ክርስትያናት ዘርኣይዎ ሰናይ ኣብነት እውን የተባብዓና እዩ። ተመክሮ ናይ ሓያሎ ኻብዚኣቶም ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ: ንቕሑ!: ከምኡውን ኣብ ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይወጽእ እዩ። ነዚ ታሪኻት ከተንብብ ከሎኻ እቶም ውልቀ⁠-​ሰባት ከማና ተራ ሰባት ምንባሮም ክንርስዕ የብልናን፣ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት ምስ ኣተዉ ግን የሆዋ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ሃቦም: ብእኡ ከኣ ክጸንዑ ኸኣሉ። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋናት ንዓናውን ተመሳሳሊ ሓይሊ ኸም ዝህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ትብዓትና ንየሆዋ የሐጕሶን የኽብሮን

16, 17. ትብዓት ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ሓደ ክርስትያን ንሓቅን ጽድቅን ጸኒዑ ዝቐውም እንተ ዀይኑ ተባዕ እዩ። ውሽጡ ፍርሂ እናተሰምዖ ኸምኡ ዝገብር እንተ ዀይኑ እውን ብዝያዳ ተባዕ እዩ። እወ: ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ብሓቂ ፍቓድ የሆዋ ኽገብር ዝደሊ: ብተኣማንነት ክነብር ዝጽዕር: ወትሩ ኣብ ኣምላኽ ዝውከል: ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈ እዋን የሆዋ ንብዙሓት ውልቀ⁠-​ሰባት ከም ዝሓገዞም ኵሉ ሳዕ ዝዝክር እንተ ዀይኑ: ተባዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ትብዓትና ንየሆዋ ኸም ዘሐጕሶን ከም ዘኽብሮን ምስ እነስተውዕል: ንኸይንደክም ዝያዳ ኢና ቘራጽነት እንገብር። ካብ ልቢ ስለ እነፍቅሮ: ላግጺ ዀነ ኻብኡ ዝገድድ ነገራት ንኽንጻወር ድሉዋት ንኸውን።​—⁠1 ዮሃንስ 2:5፣ 4:18

17 ምእንቲ እምነትና ሓሳረ መከራ ኽወርደና ኸሎ: ጌጋ ጌርና ማለት ኣይኰነን። (1 ጴጥሮስ 3:17) ንሉዓላውነት የሆዋ ብምድጋፍና: ሰናይ ብምግባርና: ከምኡውን ካብ ዓለም ብዘይ​ምዃንና እዩ መከራ ዝወርደና። ኣብዚ መዳይ እዚ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና: እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም ሓሳረ መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ: ሰናይ እናገበሩ ንነፍሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ደኣ የማሕጽንዋ” በለ። (1 ጴጥሮስ 2:20፣ 4:19) እወ: እምነትና ነቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ የሐጕሶን ክብሪ የምጽኣሉን እዩ። እዝስ ተባዓት ንኽንከውን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ምኽንያት ኰን እዩ ዝዀነና!

ምስ ሰበ⁠-​ስልጣን ክንዘራረብ ከሎና

18, 19. ኣብ ቅድሚ ደያኑ ብትብዓት ኣቕዋምና ምስ እንገልጽ: እንታይ መልእኽቲ ኢና ኣመሓላሊፍናሎም ክበሃል ዝከኣል፧

18 የሱስ ንሰዓብቱ ኽስጐጉ ምዃኖም ክነግሮም ከሎ “ናብ ዋዕላ ኺወስዱኹም: ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፉኹም እዮም: ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን: ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 10:17, 18) ብሰንኪ ናይ ሓሶት ክሲ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ወይ መራሒ ንምቕራብ ትብዓት የድሊ እዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ነቶም ውልቀ⁠-​ሰባት ንምምስካር ብትብዓት ምስ እንጥቀመሉ: ነቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ናብ ሓደ ጠቓሚ ነገር ንቕይሮ ኣሎና ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ነቶም ዝፈርዱና እቲ ኣብ 2ይ መዝሙር ዝርከብ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃላት የሆዋ ኢና ንነግሮም ዘሎና:- “እምበኣርሲ ኣቱም ነገስታት: ለብሙ: ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን: ተአረሙ። ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ።” (መዝሙር 2:10, 11) መብዛሕትኡ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናይ ሓሶት ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ዝቐርቡ: ደያኑ ንናይ ኣምልኾ ናጽነት የኽብሩ እዮም: ነዚ ድማ ነማስወሉ ኢና። ይኹን እምበር ገሊኣቶም ደያኑ ብተጻረርቲ ተጸልዮም እዮም። ነዚኣቶም ከኣ እዛ ጥቕሲ “ተአረሙ” እያ እትብሎም ዘላ።

19 ደያኑ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዘውጽኦ ሕጊ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ ኽፈልጡ ይግባእ። ኵላቶም ደቅሰብ እንተላይ ደያኑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ተሓተትቲ ምዃኖም ክርስዑ የብሎምን። (ሮሜ 14:10) ንሕና ግን ሰብኣውያን ደያኑ ፍትሒ የውጽኡ ኣየውጽኡ ብዘየገድስ: የሆዋ ስለ ዝሕግዘና ተባዓት ንኽንከውን እኹል ምኽንያት ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም” እዩ ዝብለና።​—⁠መዝሙር 2:12

20. መስጐጕትን ጸለመን እናኣጋጠመና ኽነሱ ሕጉሳት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

20 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዎም እዮም እሞ: ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ: ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም” በለ። (ማቴዎስ 5:11, 12) ልክዕ እዩ: መስጐጕቲ ፈሊና ምስ እንርእዮ ዘሐጕስ ኣይኰነን: እንተዀነ ግን መስጐጕቲ እናወረደና ወይ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እናኣጸለሙና ኽነሱ ጸኒዕና ምቛምና ባህ ይብለና እዩ። እዚ ንየሆዋ ስለ ዘሐጕሶ ዓስብና ንረክብ ኢና። ትብዓትና ናይ ሓቂ እምነትን ሞገስ ኣምላኽን ከም ዘሎና ድማ የርኢ። እወ: ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ኸም ዘሎና እዩ ዘርኢ። ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እንርእዮ: ከምዚ ዝኣመሰለ ትውክልቲ ንክርስትያናት ኣገዳሲ እዩ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• እንታይ ኵነታት ስለ ዘሎ እዩ ትብዓት ዘድልየና፧

• ትብዓት ብኸመይ ከነጥሪ ንኽእል፧

• ሰናይ ኣብነታት ትብዓት ዝዀኑ ገለ ሰባት ጥቐስ።

• ብትብዓት ክንመላለስ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ሲሞን ኣርኖልድ (ሕጂ ሲሞን ሊብስተር ) ኣብ ጀርመን: ዊዳስ ማዶና ኣብ ማላዊ: ሊዲያ ኩርዳስን ኦለክሲ ኩርዳስን ኣብ ዩክረይን ትብዓት ኣርእዮም: ነቲ እኩይ ድማ ተጻሪሮምዎ እዮም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ብወንጌል ኣይንሓፍርን ኢና

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘርኣዮ ትብዓት ነቲ ብስራት ኣብ ምዝርጋሕ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ኣቕዋምና ንደያኑ ብትብዓት እንተ ገሊጽናሎም: ኣገዳሲ መልእኽቲ ኢና እነመሓላልፈሎም