ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቀዳሞት ክርስትያናትን ሕጊ ሙሴን

ቀዳሞት ክርስትያናትን ሕጊ ሙሴን

ቀዳሞት ክርስትያናትን ሕጊ ሙሴን

“ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ሓላዊ ኾነና።”​—⁠ገላትያ 3:24 ትርጕም 1990

1, 2. እቶም ንሕጊ ሙሴ ዝሓለዉ እስራኤላውያን ክረኽብዎ ኻብ ዝኽእሉ ዝነበሩ ጥቕምታት ገለ እንታይ እዩ ነይሩ፧

 ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ንእስራኤላውያን ሕግታት ሃቦም። ንቓሉ እንተ ተኣዚዞም: ከም ዝባርኾምን ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ከም ዝነብሩን ነገሮም።​—⁠ዘጸኣት 19:5, 6

2 እቲ ሕጊ ሙሴ ወይ ብሓጺሩ “እቲ ሕጊ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ሕግታት “ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ” ነይሩ። (ሮሜ 7:12) ከም ሕያውነት: ቅንዕና: ስነ⁠-​ምግባር: ከምኡውን ሓልዮት ዝኣመሰለ ዝነኣድ ባህርያት ዘተባብዕ ነበረ። (ዘጸኣት 23:4, 5፣ ዘሌዋውያን 19:14፣ ዘዳግም 15:13-15፣ 22:10, 22) እቲ ሕጊ ንኣይሁድ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ እውን ዝድርኾም ነበረ። (ዘሌዋውያን 19:18) እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን ምስ ኣህዛብ ክሓብሩ ወይ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዘይኰና ኣንስቲ ኻብ ኣህዛብ ከእትዉ ይኽልክል ነበረ። (ዘዳግም 7:3, 4) ሕጊ ሙሴ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ልክዕ ከም ከልካሊ “ቐጽሪ” ዀይኑ ብምግልጋል: ንህዝቢ ኣምላኽ ብኣረማዊ ኣተሓሳስባን ልምድታትን ንኸይብከሉ ሓለዎም።​—⁠ኤፌሶን 2:14, 15፣ ዮሃንስ 18:28

3. ነቲ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ከኽብሮ ዝኽእል ሰብ ዘይምንባሩ: እንታይ መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፍ፧

3 ይኹን እምበር: እቲ ኣዝዩ ጥንቁቕ ኣይሁዳዊ እውን ከይተረፈ ንሕጊ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከኽብሮ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት የሆዋ ልዕሊ ዓቕሞም ይጽበዮም ብምንባሩ ድዩ፧ ኣይፋልን። ሓደ ኻብቲ እቲ ሕጊ ንእስራኤላውያን እተዋህበሉ ምኽንያት ‘ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽገልጽ እዩ።’ (ገላትያ 3:19) እቲ ሕጊ ነቶም ቅኑዓት ኣይሁድ ካብቲ ዝነበርዎ ዅነታት መድሓኒ ኸም ዘድልዮም ኣነጸረሎም። እቲ መድሓኒ ምስ መጸ ኸኣ እቶም እሙናት ኣይሁድ ተሓጐሱ። ካብ ኵነኔ ሓጢኣትን ሞትን ዝድሕኑሉ ግዜ ቐረበ!​—⁠ዮሃንስ 1:29

4. እቲ ሕጊ ‘ናብ ክርስቶስ ዘብጽሕ ሓላዊ’ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

4 ሕጊ ሙሴ ንግዜኡ እተዋህበ እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ ኽጽሕፈሎም ከሎ ‘ናብ ክርስቶስ ዘብጽሕ ሓላዊ’ ምዃኑ ገለጸሎም። (ገላትያ 3:24 ትርጕም 1990 ) ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ሓላዊ ንቘልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ የብጽሖምን ካብኡ ይመልሶምን ነበረ። ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ሓላፍነቱ ምምሃር ኣይነበረን: የግዳስ ነቶም ቈልዑ ናብ መምህሮም ይመርሖም ጥራይ እዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ሕጊ ሙሴ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ኣይሁድ ናብ ክርስቶስ ክመርሖም እዩ ተዋሂቡ። የሱስ “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ” ምስ ሰዓብቱ ክኸውን ምዃኑ ተመባጺዑ እዩ። (ማቴዎስ 28:20) ስለዚ እምበኣር እታ ክርስትያናዊት ማሕበር ሓንሳእ ምስ ቈመት እቲ “ሓላዊ” ወይ ሕጊ ኣድላይነት ኣይነበሮን። (ሮሜ 10:4፣ ገላትያ 3:25 1990 ትርጕም ) ገሊኣቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ግን ነዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ቐልጢፎም ኣይተቐበልዎን። ከም ውጽኢት ናይዚ: ድሕሪ ትንሳኤ የሱስ እውን ከይተረፈ ነቲ ሕጊ ምሕላው ኣየቋረጹን። ገሊኣቶም ግን ኣረኣእያኦም ኣዐረዩ። ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ንኣና ሰናይ ኣብነት እዮም ገዲፎሙልና። እምበኣር ብኸመይ ኣረኣእያኦም ከም ዘዐረዩ ንርአ።

ኣብ ሰረተ⁠-​እምነት ክርስትና ዝመጸ ሓድሽ ምዕባለ

5. ጴጥሮስ ብራእይ ኣቢሉ እንታይ መምርሒታት እዩ እተቐበለ: ንምንታይከ እዩ ዝሰምበደ፧

5 ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ጴጥሮስ ዘደንቕ ራእይ ረኣየ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ርኹስ ጌርካ ዝረኣዩ ዝነበሩ ኣዕዋፍን እንስሳታትን ሓሪዱ ኽበልዕ ካብ ሰማይ ድምጺ መጾ። ጴጥሮስ በዚ ሰምበደ! “ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለን” በሊዑ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ: ንስኻ ኣይተርክሶ” ዝብል ድምጺ ግን መጾ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:9-15) ጴጥሮስ ብድርቅና ነቲ ሕጊ ጠቢቑ ኣብ ክንዲ ዝስዕብ: ኣረኣእያኡ ኣዐረየ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ዘደንቕ ነገር ንኸስተውዕል ሓገዞ።

6, 7. ጴጥሮስ ንኣህዛብ ክሰብከሎም ከም ዝኽእል ንኸስተውዕል ዝሓገዞ እንታይ እዩ: ኣብ ምንታይ ካልእ መደምደምታ እዩኸ በጺሑ ክኸውን ዝኽእል፧

6 ድሕርዚ ሰለስተ ሰብኡት ንጴጥሮስ ምሳታቶም ናብ ቤት ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ቆርኔሌዎስ ዝበሃል ዘይተገዝረን ኣይሁዳዊ ዘይኰነን ሰብኣይ ንክኸይድ ክሓትዎ ናብታ ዝነበረላ ቤት መጹ። ጴጥሮስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ምስኡ ኣሕደሮም። ትርጕም ናይቲ ራእይ ስለ እተረድኦ: ንጽብሒቱ ምሳታቶም ናብ ቤት ቆርኔሌዎስ ከደ። ኣብኡ ኸኣ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ሰፊሕ ምስክርነት ሃበ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጴጥሮስ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” በለ። ቆርኔሌዎስ ጥራይ ዘይኰነስ ኣዝማዱን ዝቐርብዎ ፈተውቱን ብየሱስ ኣመኑ: “ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዅላቶም [ከኣ] መንፈስ ቅዱስ ወረደ።” ጴጥሮስ ነዚ የሆዋ ኸም ዝገበሮ ስለ ዘስተውዓለ: “ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ . . . አዘዘ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:17-48

7 ሕጊ ሙሴ ዘይተቐበሉ ኣይሁድ: ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ክዀኑ ኸም ዝኽእሉ ጴጥሮስ ክድምድም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ መንፈሳዊ ምስትውዓል እዩ ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኣብጺሕዎ። ኣምላኽ ንመንፈስ ቅዱሱ ኣብቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ብምፍሳስ ከም እተቐበሎም ስለ ዘርኣየ: ንጥምቀት ብቑዓት ምዃኖም ጴጥሮስ ኣስተውዓለ። ብዘይ​ካዚ: ኣህዛብ ክርስትያናት ቅድሚ ምጥማቖም ሕጊ ሙሴ ክሕልዉ ትጽቢት ከም ዘይግበረሎም ኣስተውዒሉ ክኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ እንተ ትነብር: ልክዕ ከም ጴጥሮስ ኣረኣእያኻ ቐልጢፍካዶ መዐረኻ፧

ገሊኣቶም ነቲ “ሓላዊ” ምስዓብ ኣየቋረጹን

8. ገሊኣቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ግዝረት ዝመጸ እንታይ ካብቲ ናይ ጴጥሮስ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዝነበሮም: ስለምንታይከ፧

8 ጴጥሮስ ካብ ቤት ቆርኔሌዎስ ወጺኡ ናብ የሩሳሌም ከደ። ዘይተገዝሩ ኣህዛብ “ቃል ኣምላኽ ከም እተቐበሉ” ዝሕብር ወረ ድሮ ኣብኡ በጺሑ ጸንሖ: ሓያሎ ኣይሁድ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ በዚ ተረቢሾም ጸንሑ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:1-3) “ካብ ግዝረት ዝዀኑ” ክርስትያናት: ኣህዛብ ሰዓብቲ የሱስ ክዀኑ ኸም ዝኽእሉ እኳ እንተ ተቐበልዎ: እቶም ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ሰባት ንኽድሕኑ ነቲ ሕጊ ከኽብሩ ኣለዎም ኢሎም ተማጐቱ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣብቲ ብዙሓት ኣህዛብን ሒደት ኣይሁድ ክርስትያናትን ዝርከብዎ ኸባቢ: ግዝረት ኣገዳሲ ጕዳይ ኣይነበረን። እዚ ኽልተ ኣረኣእያታት ን13 ዓመታት ቀጸለ። (1 ቈረንቶስ 1:10) እዝስ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብቲ ኣይሁድ ብብዝሒ ዝርከቡሉ ኸባቢ ዝነብሩ ኣህዛብ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ፈተና ዀን ኰይንዎም ክኸውን ኣለዎ!

9. እቲ ብዛዕባ ግዝረት እተላዕለ ጕዳይ መዕለቢ ኽግበረሉ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

9 ኣብ መወዳእታ ብ49 ከ.ኣ.ዘ. ገሊኣቶም ክርስትያናት ካብ የሩሳሌም ናብታ ጳውሎስ ዝሰብከላ ዝነበረ ኣብ ሶርያ እትርከብ ኣንጾክያ ምስ ከዱ እቲ ጕዳይ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጽሐ። ነቶም ካብ ኣህዛብ ክርስትያናት ዝዀኑ ብመሰረት እቲ ሕጊ ኽግዘሩ ኽምህርዎም ጀመሩ። ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ኰነ። እቲ ጕዳይ መዕለቢ እንተ ዘይተገይሩሉ: ገለ ኻብቶም ኣይሁድ ወይ ካብ ኣህዛብ ክርስትያናት ምዕንቃፎም ዘይተርፍ ኰነ። በዚ ምኽንያት እዚ ጳውሎስን እተወሰኑ ኻልኦትን እቲ ጕዳይ ሓንሳእን ንሓዋሩን መዕለቢ ምእንቲ ኽግበረሉ ኢሎም ንናይ ክርስትያናት ኣመሓዳሪ ኣካል ንምሕታት ናብ የሩሳሌም መጹ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2, 24

እተፈላለየ ኣረኣእያ ሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ ብሓደ ሰመሩ!

10. እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ ኣህዛብ ዝምልከት ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ እንታይ ነጥብታት እዩ ኣብ ግምት ዘእተወ፧

10 ኣብቲ ኣኼባ እቲ ገሊኣቶም ግዝረት ግቡእ ምዃኑ ኽማጐቱ ኸለዉ: ገሊኣቶም ግን ምስዚ ዝጻረር ሓሳብ ኣቕረቡ። እንተዀነ ግን: ስምዒታዊ ዘረባታት ኣይኰነን ሰፊኑ ነይሩ። ብዙሕ ክትዕ ምስ ኰነ: ሃዋርያ ጴጥሮስን ጳውሎስን ነቲ የሆዋ ኣብቶም ዘይተገዝሩ ዝገበሮ ተኣምራት ገለጹ። ኣምላኽ ኣብቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ መንፈስ ቅዱሱ ኸም ዘፍሰሰ ገለጹ። ብኻልእ ኣበሃህላ ‘ክርስትያናዊት ማሕበር ነቶም ኣምላኽ እተቐበሎም ክትነጽግ ትኽእል ድያ፧’ ኢሎም እዮም ሓቲቶም። ድሕሪኡ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕሲ ኣንበበ: እዚ ኸኣ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዅላቶም የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ንኸስተውዕሉ ኣኽኣሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:4-17

11. ብዛዕባ ግዝረት ዝምልከት ውሳነ ኽግበር ከሎ እንታይ ረቛሒታት እዩ ነቲ ውሳነ ዘይጸለዎ: የሆዋ ነቲ ውሳነ ኸም ዝባረኾ ዘርኢኸ እንታይ እዩ፧

11 ድሕርዚ ዅላቶም ኣብቶም ኣባላት እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣተኰሩ። ኣይሁዳውያን ብምዃኖም ነቲ ውሳነኦም ናብ ግዝረት ከም ዝዘዙ ይገብሮዶ ዀን ይኸውን፧ ኣይፋልን። እዞም እሙናት ሰብኡት ንቕዱሳት ጽሑፋትን ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ንምስዓብ ቈሪጾም እዮም ነይሮም። ንዅሉ እቲ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እተባህለ ነገራት ምስ ሰምዑ: እቶም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ንኣህዛብ ክርስትያናት ክግዘሩን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ክዀኑን ከም ዘየድልዮም ብሓደ ድምጺ ወሰኑ። እዚ ውሳነ እዚ ነሕዋት ምስ ተነግሮም ተሓጐሱ: እተን ጉባኤታት ከኣ ‘ቍጽረን ኣብ ጸጽባሕ ክውስኽ’ ጀመረ። እቶም ነቲ ንጹር ቲኦክራሲያዊ መምርሒ ዝሰዓቡ ክርስትያናት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ንጹር መልሲ ተዋህቦም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:19-23, 28, 29፣ 16:1-5) ገና ግን ሓንቲ ዘይተመለሰት ኣገዳሲት ሕቶ ነበረት።

ኣይሁድ ክርስትያናት ደኣኸ፧

12. ኣየነይቲ ሕቶ እያ መልሲ ኸይረኸበት ዝተረፈት፧

12 እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣህዛብ ክርስትያናት ክግዘሩ ኸም ዘየድልዮም ብንጹር ሓቢሩ እዩ። ነቶም ኣይሁድ ክርስትያናትከ እዚ ይምልከቶም ድዩ፧ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝገበሮ ውሳነ ነዛ ሕቶ እዚኣ ብፍላይ ዝምልስ ኣይነበረን።

13. ሕጊ ሙሴ ምሕላው ንድሕነት ኣድላዪ እዩ ዝብል ሓሳብ ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 “ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት” ዘለዎም ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት ንደቆም ምግዛርን እተወሰነ ኽፋል እቲ ሕጊ ምሕላውን ቀጸሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:20) አረ ገሊኣቶምስ ሕሉፍ ሓሊፎም እቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ነቲ ሕጊ እንተ ዘይሓልዮም ከም ዘይድሕኑ ኣትሪሮም ክዛረቡ ጀመሩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ እዮም ተጋግዮም። ንኣብነት: ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ሓጢኣቱ ምእንቲ ኽሕደገሉ ኢሉ ኸመይ ገይሩ እዩ ናይ እንስሳ መስዋእቲ ከቕርብ ዝኽእል፧ መስዋእቲ ክርስቶስ ድሮ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ኣትሪፍዎ እዩ። እቲ ኣይሁድ ምስ ኣህዛብ ክቀራረቡ ኸም ዘይብሎም ዝሕብር ክፋል እቲ ሕጊኸ ክሕሎዶ ይግባእ እዩ፧ ቀናኣት ወንጌላውያን ነዚ ቐይድታት እዚ እናሓለዉ ንኣህዛብ ኵሉ እቲ የሱስ ዝመሃሮም ንኽምህርዎም እተዋህቦም መዝነት ክፍጽሙ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዀኖም ነይሩ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 10:28) a እዚ ጕዳይ እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል ብዝገበሮ ኣኼባ መዕለቢ ኸም ዝረኸበ ዝሕብር መርትዖ የብልናን። ይኹን እምበር: እተን ጉባኤታት ብዘይ​ ሓገዝ ኣይተረፋን።

14. እተን ጳውሎስ ዝጸሓፈን መንፈስ ዝነፈሰን መልእኽትታት ብዛዕባ ሕጊ እንታይ መምርሒ እየን ሂበን፧

14 ኣብቲ ግዜ እቲ ግን መምርሒ ኻብ ኣመሓዳሪ ኣካል ብደብዳበ ዘይኰነስ: ብሃዋርያት ካብ እተጻሕፈ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽትታት እዩ መጺኡ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድን ኣህዛብን ሓያል መልእኽቲ ጸሓፈሎም። ኣብታ መልእኽቱ ሓደ ናይ ሓቂ ኣይሁዳዊ “እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝዀነ” ምዃኑ: “እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ” ምዃና ገለጸ። (ሮሜ 2:28, 29) ጳውሎስ ኣብታ መልእኽቱ ክርስትያናት ደጊም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኸም ዘይኰኑ መርትዖ ንምቕራብ ሓደ መብርሂ ተጠቕመ። ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሓደ እዋን ንኽልተ ሰብኡት ክትምርዖ ኸም ዘይትኽእል ገለጸ። በዓል ቤታ እንተ ሞይቱ ግን ካልእ ንኽትምርዖ ሓራ እያ። ድሕርዚ ጳውሎስ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እውን ንሕጊ ሙሴ እናተገዝኡ ናይ ክርስቶስ ክዀኑ ኸም ዘይክእሉ ብምግላጽ ኣወዓዕላ ናይቲ መብርሂ ኣነጸሮ። ምስ ክርስቶስ ንምሕባር ‘ካብ ሕጊ ሞይቶም’ እዮም።​—⁠ሮሜ 7:1-5

ቀልጢፉ ኣይተረድኦምን

15, 16. ገሊኣቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ሕጊ ዝምልከት ነገራት ክርድኦም ዘይከኣለ ስለምንታይ እዩ: እዚኸ ብመንፈሳዊ ንቑሓት ብዛዕባ ምዃን እንታይ እዩ ዝሕብረና፧

15 ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ዘቕረቦ መረድኢ የማነ ጸጋም ዘየብል እዩ ነይሩ። ገሊኣቶም ኣይሁድ ክርስትያናት እቲ ነገር ቀልጢፉ ዘይተረድኦም ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት መንፈሳዊ ምስትውዓል ይጐድሎም ነበረ። ንኣብነት: ዕጹም መንፈሳዊ ብልዒ ኻብ ምምጋብ ዕሽሽ ይብሉ ነበሩ። (እብራውያን 5:11-14) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ኣዘውቲሮም ኣይእከቡን ነበሩ። (እብራውያን 10:23-25) ካልእ ቀልጢፉ ንኸይርድኦም ምኽንያት ዝዀነ ኸኣ እቲ ባህሪ ናይቲ ሕጊ እዩ። እቲ ሕጊ ኣብ ከም ቤተ መቕደስን ክህነትን ዝኣመሰለ ኽርአን ክተሓዝን ኣብ ዝኽእል ነገራት ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ንሓደ መንፈሳውነት ዝጐደሎ ሰብ ነቲ ኣብ ዘይርአ ነገራት ዘተኰረ ዓሚቝ ስርዓታት ክርስትና ኻብ ምቕባል ነቲ ሕጊ ክቕበሎ ይቐሎ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:18

16 ገሊኣቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ሰባት ነቲ ሕጊ ንምሕላው ቀናኣት ዝነበሩሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ ኣብቲ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ዝለኣኾ መልእኽቲ ተገሊጹ ኣሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ማዕረ እቲ ብሓፋሽ ተቐባልነት ዝነበሮ ዓይነት ሃይማኖት ዝረኽቦ ኣኽብሮት ደለዩ። ካብቲ ሕብረተሰብ ፍልይ ዝበሉ ኣብ ክንዲ ምዃን: ምስኡ ንኽሕወሱ ዝዀነ ይኹን ምልምማጥ ይገብሩ ነበሩ። ስምረት ኣምላኽ ካብ ምርካብ ንላዕሊ ስምረት ሰባት ኣብ ምርካብ የተኵሩሉ ነበሩ።​—⁠ገላትያ 6:12

17. ነቲ ሕጊ ምሕላው ብዝምልከት እቲ ግቡእ ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ ዝነጸረ መዓስ እዩ፧

17 እቶም ነቲ ጳውሎስን ካልኦትን ዝጸሓፍዎ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፋት ተጠንቂቖም ዘጽንዑ መስተውዓልቲ ክርስትያናት ግን ብዛዕባ እቲ ሕጊ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ እዮም በጺሖም። ይኹን እምበር: ብዛዕባ ሕጊ ሙሴ ኽህሉ ዝነበሮ ኣረኣእያ ንዅሎም ኣይሁድ ክርስትያናት ብዘየማትእ መገዲ ዝነጸረሎም ድሕሪ 70 ከ.ኣ.ዘ. እዩ። ኣምላኽ ንየሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ኣብኡ ዝነበረ ብዛዕባ ኽህነት ዝምልከት መዛግብትን ክጠፍእ ምስ ኣፍቀደ እዩ እዚ ተፈጺሙ። በዚ ምኽንያት እዚ ንዅሉ እቲ ሕጊ ምሕላዉ ዘይከኣል ኰነ።

ነዚ ትምህርቲ ብኸመይ ከም እንዓየሉ

18, 19. (ሀ) ብመንፈስ ጥዑያት ንምዃን እንታይ ኣረኣእያታት ኢና ኸነሕድር ዘሎና: እንታይ ኣረኣእያታትከ ኢና ኸነርሕቕ ዘሎና፧ (ለ) ጳውሎስ ዝገደፎ ኣብነት ካብ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት መምርሒ ብዛዕባ ምቕባል ዝመጸ እንታይ ትምህርቲ ይህበና፧ (ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን ርአ።)

18 ነዚ ጥንቲ እተፈጸመ ጕዳያት ምስ መርመርካ ምናልባት ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ትሓስብ ትህሉ ትኸውን:- ‘ኣብቲ ግዜ እቲ እንተ ዝህሉ ነይረ: ፍቓድ ኣምላኽ በብቝሩብ ክንጽር ከሎ ብኸመይ ምተቐበልክዎ፧ ነቲ ዝጸንሐ ኣረኣእያታት ድርቕ ኢለ ምሰዓብክዎዶ: ወይስ እቲ ግቡእ ምርዳእ ክሳዕ ዝንጽር ብዓቕሊ ምተጸበኹ፧ ምስ ነጸረኸ ብምሉእ ልበይዶ ምደገፍክዎ፧’

19 ልክዕ እዩ: ኣብቲ ግዜ እቲ እንተ ንነብር: እንታይ ባህሪ ኸም እነንጸባርቕ ብርግጽ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። እንተዀነ ግን: ንገዛእ ርእስና ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ኣብዚ ግዜና ኣብቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ ሓድሽ መብርሂ ክቐርብ ከሎ ብኸመይ እቕበሎ፧ (ማቴዎስ 24:45) ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ኽወሃብ ከሎ: ንቓላት ናይቲ መምርሒ ጥራይ ዘይኰነስ ንመንፈሱ እውን ክዓየሉ እጽዕር ድየ፧ (1 ቈረንቶስ 14:20) ገሊኡ ሕቶታት መልሲ ምስ ዘይረክብ ብዓቕሊ ንየሆዋ እጽበዮ ድየ፧’ እምበኣር “ምእንቲ ኸይንጠፍእ:” ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ መንፈሳዊ መግቢ ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኣሎና። (እብራውያን 2:1) የሆዋ ብቓሉ: ብመንፈስ ቅዱሱ: ከምኡውን ብምድራዊት ማሕበሩ ኣቢሉ መምርሒ ኽህብ ከሎ: ተጠንቂቕና ንስማዕ። ከምኡ እንተ ጌርና: የሆዋ ዘሐጕስ ዘለኣለማዊ ህይወት ብምሃብ ክባርኸና እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ጴጥሮስ ናብታ ኣብ ሶርያ ዝነበረት ኣንጾክያ ምስ ከደ: ምስ ኣህዛብ ክርስትያናት ጽቡቕ ርክብ ነበሮ። ይኹን እምበር: ኣይሁድ ክርስትያናት ካብ የሩሳሌም ምስ መጹ ግን “ንሰብ ግዝረት ፈሪሁ ኣግለሰ: ርእሱውን ፈለየ።” እዞም ኣህዛብ ክርስትያናት እዚኣቶም እቲ ሕፉር ሃዋርያ ምሳታቶም ምብላዕ ምስ ኣበየ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተጐድኡ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና።​—⁠ገላትያ 2:11-13

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሕጊ ሙሴ ‘ናብ ክርስቶስ ዘብጽሕ ሓላዊ’ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

• ጴጥሮስን እቶም “ካብ ግዝረት ዝዀኑ” ሰባትን ነቲ ብዛዕባ ሓቂ ኣብ ዝነበሮም ምርዳእ እተገብረ ምትዕርራያት ዘርኣይዎ ኣቀባብላ እተፈላለየ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

• ኣብዚ ግዜና የሆዋ ንሓቂ ብዛዕባ ዝገልጸሉ መገዲ እንታይ ተማሂርካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ጳውሎስ ንዘጋጠሞ ፈተና ብትሕትና ተዋጽኣሉ

ጳውሎስ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ብዓወት ድሕሪ ምዝዛም ብ56 ከ.ኣ.ዘ. ናብ የሩሳሌም ከደ። ኣብኡ ኸኣ ሓደ ፈተና ኣጋጠሞ። እቲ ሕጊ ኸም ዝተረፈ ይምህር ምንባሩ ዝገልጽ ወረ ናብታ ጉባኤ በጺሑ ነይሩ። እቶም ሽማግለታት እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ብጋህዲ ዝዛረቦ ነገራት ንሓደስቲ ኣይሁድ ክርስትያናት ከይዕንቅፎም: ክርስትያናት ነቲ የሆዋ ዝገብሮ ምድላው ኣኽብሮት የብሎምን ናብ ዝብል መደምደምታ ኸኣ ኸይበጽሑ ፈርሁ። ኣብታ ጉባኤ መብጽዓ እተመባጽዑ​—⁠ምናልባት ናይ ናዝራዊ መብጽዓ እዩ ዝኸውን​—⁠ኣርባዕተ ኣይሁድ ክርስትያናት ነበሩ። ነቲ መብጽዓኦም ንምፍጻም ናብ ቤተ መቕደስ ክኸዱ ነበሮም።

እቶም ሽማግለታት ንጳውሎስ ምስቶም ኣርባዕተ ሰብኡት ናብ ቤተ መቕደስ ክኸይድን ንወጻኢታቶም ክሽፍንን ሓተትዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጳውሎስ ነቲ ሕጊ ምሕላው ንድሕነት ኣድላዪ ኸም ዘይኰነ ዝገልጽ እንተ ወሓደ ኽልተ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽትታት ጽሒፉ ነይሩ። ይኹን እምበር: ንሕልና ኻልኦት እውን ይሓሊ ነበረ። ኣቐድም ኣቢሉ “እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ . . . ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 9:20-23) ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ብዝምልከት ከይተለማመጠ: ነቲ ሽማግለታት ዝሃብዎ ሓሳባት ክገብሮ ፍቓደኛ ዀነ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:15-26) ከምዚ ምግባሩ ጌጋ ኣይነበረን። መብጽዓ ብዛዕባ ምምብጻዕ እተገብረ ምድላው ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ምዃኑ ዝገልጽ ነገር ኣይነበረን: እታ ቤተ መቕደስ እውን ንጽሩይ ኣምልኾ ደኣ እምበር ንኣምልኾ ጣኦት ኣይኰነትን እተገልግል ነይራ። ስለዚ ጳውሎስ መዐንቀፊ ምእንቲ ኸይከውን ኢሉ ኸምቲ እተባህሎ ገበረ። (1 ቈረንቶስ 8:13) ነዚ ንምግባር ትሕትና ኸም ዘድለየቶ ኣየጠራጥርን እዩ: እዚ ድማ ነቲ ንዕኡ ዘሎና ኣኽብሮት ክብ የብሎ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንእተወሰነ ዓመታት ኣብ ክርስትያናት ብዛዕባ ሕጊ ሙሴ እተፈላለየ ኣረኣእያታት ነበረ