ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ጌርካ ኽትርእዮም ጽዓር

ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ጌርካ ኽትርእዮም ጽዓር

ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ጌርካ ኽትርእዮም ጽዓር

“እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን።”​—⁠1 ሳሙኤል 16:7

1, 2. የሆዋ ብዛዕባ ኤልያብ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኻብቲ ሳሙኤል ዝነበሮ ኣረኣእያ እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ: ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

 ኣብ መበል 11 ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ንነብዪ ሳሙኤል ሓደ ምስጢራዊ ተልእኾ ሃቦ። ናብ ቤት እሴይ ዝበሃል ሰብኣይ ከይዱ ንሓደ ኻብቶም ደቂ እሴይ ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ክኸውን ክቐብኦ ኣዘዞ። ሳሙኤል ንኤልያብ እቲ በዅሪ ወዲ እሴይ ምስ ረኣዮ: ብርግጽ ነቲ ኣምላኽ ዝመረጾ ሰብ ዝረኸበ መሰሎ። የሆዋ ግን “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ: ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን: ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” በሎ። (1 ሳሙኤል 16:6, 7) ሳሙኤል ንኤልያብ ከምቲ የሆዋ ዝርእዮ ገይሩ ኣይኰነን ርእይዎ። a

2 ደቅሰብ ብዛዕባ ኻልኦት ኣብ ዝገብርዎ ግምገማ ብቐሊሉ እዮም ዝጋገዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ በቶም ብደጋዊ ትርኢቶም ጥዑያት ዝመስሉ ውሽጦም ግን ብዙሕ ዝጐድሎም ሰባት ክንታለል ንኽእል ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ነቶም ውልቃዊ ባህርያቶም ዘይፍተወና ቕኑዓት ሰባት ጽቡቕ ኣረኣእያ ኸይህልወና ይኽእል እዩ።

3, 4. (ሀ) ኣብ መንጎ ኽልተ ክርስትያናት ሽግር እንተ ተላዒሉ: ነፍሲ ወከፎም እንታይ ክገብሩ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ምስ ኣማኒ ብጻይና ኸቢድ ዘይምቅዳው ምስ ዝፍጠር: እንታይ ሕቶታት ኢና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧

3 ንኻልኦት ሰባት​—⁠ዋላ እውን ነቶም ንብዙሕ ዓመታት እንፈልጦም​—⁠ብታህዋኽ ክንመዝኖም ምስ እንፍትን ጸገማት ክፍጠር ይኽእል እዩ። ምናልባት ምስ ሓደ እትቐርቦ ዝነበርካ ክርስትያን ፈታዊኻ ተቛይቝኩም ትዀኑ። ነቲ ዕርክነትኩም ናብ ቀደሙ ኽትመልሶ ትደሊዶ፧ ከምዚ ንምግባር እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል፧

4 ብዛዕባ እቲ ክርስትያን ሓውካ ወይ ሓብትኻ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣወንታዊ ነጥብታት እሞ ሕሰብ። ነዚ ኽትሓስብ ከሎኻ ኸኣ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” ዝብል ቃላት የሱስ ኣብ ኣእምሮኻ ሓዝ። (ዮሃንስ 6:44) ድሕሪኡ ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘የሆዋ ነዚ ሰብ እዚ ናብ ወዱ ዝሰሓቦ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ውልቀ⁠-​ሰብ እዚ እንታይ ባህ ዘብል ባህርያት ኣለዎ፧ ነዚ ባህርያት እዚ ዕሽሽ ክብሎ ወይ ትሑት ግምት ክህቦዶ ጸኒሐ እየ፧ ፈለማ ኣዕሩኽ ዝዀንና ብኸመይ ኢና፧ ነዚ ሰብ እዚ ክቐርቦ ዘኽኣለኒ እንታይ እዩ፧’ ኣብ መጀመርታ ኣወንታዊ ጐድንታቱ ምርኣይ የጸግመካ ይኸውን: ብሕልፊ ድማ ንእተወሰነ እዋን በቲ ሰብ ተሃሲኻ እንተ ጸኒሕካ እዚ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ዝኸውን። ይኹን እምበር: ነቲ ኣብ መንጎኹም ተፈጢሩ ዝነበረ ሃጓፍ ንምዕባስ እዚ ስጕምቲ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ኸም እትኽእል ኣብነት ምእንቲ ክዀነካ: ኣወንታዊ ጐድንታት ናይቶም ሓድሓደ ግዜ ብኣሉታዊ ጐድንታቶም ዝረኣዩ ኽልተ ሰብኡት ንመርምር። እዚኣቶም ነብዪ ዮናስን ሃዋርያ ጴጥሮስን እዮም።

ንዮናስ ብቕኑዕ ዓይኒ ኽንርእዮ ኸሎና

5. ዮናስ እንታይ ተልእኾ እዩ እተዋህቦ: ንሱኸ እንታይ ገበረ፧

5 ዮናስ ብግዜ ዳግማይ ንጉስ የሮብዓም ወዲ ዮኣስ ኣብ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ነብዪ ኰይኑ የገልግል ነበረ። (2 ነገስት 14:23-25) ሓደ መዓልቲ ግን ንእስራኤል ሓዲጉ ናብታ ርእሲ ኸተማ ናይታ ሓያል ሃጸያዊት ግዝኣት ኣሶር ዝነበረት ነነዌ ክኸይድ የሆዋ ኣዘዞ። ተልእኾኡኸ እንታይ ነበረ፧ ንተቐማጦ እታ ኸተማ እታ ዓባይ ከተማኦም ከም እትጠፍእ መጠንቀቕታ ምሃብ እዩ ነይሩ። (ዮናስ 1:1, 2) ዮናስ ግን መምርሒ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝስዕብ ሃደመ! ናብታ ኻብ ነነዌ ኣዝያ እትርሕቕ ተርሲስ እትኸይድ መርከብ ተሰቕለ።​—⁠ዮናስ 1:3

6. የሆዋ ንዮናስ ናብ ነነዌ ክኸይድ ዝመረጾ ስለምንታይ እዩ፧

6 ብዛዕባ ዮናስ ክትሓስብ ከሎኻ ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጸካ እንታይ እዩ፧ ከም ሓደ ዘይእዙዝ ነብዪ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧ ብዛዕባኡ ኣዕሚቝካ እንተ ዘይሓሲብካ: ዘይእዙዝ እዩ ነይሩ ናብ ዝብል መደምደምታ ኽትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን ኣምላኽ ነብዪ ክኸውን ዝመዘዞ ዘይእዙዝ ብምዃኑ ድዩ፧ እዚ ፈጺሙ ዘይከውን እዩ! ዮናስ ባህ ዘብል ባህርያት ነይርዎ ክኸውን ኣለዎ። እምበኣር ነብዪ ኰይኑ ብዛዕባ ዘሕለፎ ነገራት እስከ ንመርምር።

7. ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ዮናስ ንየሆዋ ኣብ እስራኤል ዘገልገሎ: ነዚ ምፍላጥካኸ ነቲ ብዛዕባኡ ዘሎካ ኣረኣእያ ዝጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

7 ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ዮናስ ኣብቲ ብዙሕ ዝሰምዖ ሰብ ኣብ ዘይነበሮ ምድሪ እስራኤል ብተኣማንነት ኣገልጊሉ እዩ። ኣብቲ ዮናስ ዝነበረሉ እዋን ኣቢሉ ዝነበረ ነብዪ ኣሞጽ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ፍቕረ⁠-​ንዋይ ዝሓደሮም ሰባት ምንባሮም ገሊጹ ኣሎ። b ኣብታ ሃገር እከይ ይፍጸም ነበረ: እስራኤላውያን ግን ነዚ ኸም ዘይረኣይዎ ዀይኖም ይመላለሱ ነበሩ። (ኣሞጽ 3:13-15፣ 4:4፣ 6:4-6) ይኹን እምበር: ዮናስ ንኽሰብኽ እተዋህቦ መዝነት ኣብ ጸጽባሕ ብተኣማንነት ይፍጽሞ ነበረ። ንስኻውን ሰባኺ እቲ ብስራት እንተ ዄንካ: ክሰምዑ ንዘይደልዩን ንዘይግዱሳትን ሰባት ምዝራብ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዚ እምበኣር ዮናስ ድኻም ከም ዝነበሮ ዘይከሓድ እኳ እንተዀነ: ነቶም እምነት ዘይነበሮም እስራኤላውያን ክሰብኽ ከሎ ዘርኣዮ ተኣማንነትን ዓቕልን ግን ኣይንረስዓዮ።

8. ንሓደ እስራኤላዊ ነብዪ ኣብ ነነዌ እንታይ ጸገማት ከጋጥሞ ምኸኣለ፧

8 ንዮናስ ናብ ነነዌ ክኸይድ እተዋህቦ ተልእኾ ዝያዳ ጸገማት ነይርዎ እዩ። ናብታ ኸተማ ንኽበጽሕ 800 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ርሕቀት ብእግሩ ኽጐዓዝ ነበሮ። እዚ እውን ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ዝወስድ ኣድካሚ ጕዕዞ እዩ ነይሩ። ኣብኡ ምስ በጽሐ: ነቶም ብጭካነኦም ዕሉላት ዝነበሩ ኣሶራውያን ክሰብከሎም ነበሮ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ውግእ ንሰባት ብምስቓይ ዝሕጐሱ እዮም ነይሮም። አረ በቲ ኣረመናዊ ተግባራቶምሲ ይጀሃሩ እዮም ነይሮም። እምበኣር ነነዌ “ከተማ ደም” እንተ ተባህለት ዘገርም ኣይኰነን!​—⁠ናሆም 3:1, 7

9. ማዕበል ነቶም ባሕረኛታት ኣብ ሓደጋ ምስ ኣእተዎም: ዮናስ እንታይ ባህርያት እዩ ዘንጸባረቐ፧

9 ዮናስ ንትእዛዝ የሆዋ ኣብ ግብሪ ኻብ ምውዓል ስለ ዝፈርሀ: ካብቲ እተላእከሉ ቦታ ኣርሒቓ ናብ እትወስዶ መርከብ ተሰቕለ። ይኹን እምበር: የሆዋ ኣብዚ ነብዪ እዚ ተስፋ ኣይቈረጸን ወይ ብኻልእ ክትክኦ ኣይሓሰበን። ኣብ ክንድኡስ ክብደት እቲ መዝነት ከም ዝርዳእ ገበሮ። ኣምላኽ ብርቱዕ ማዕበል ከም ዝኸውን ገበረ። እታ ዮናስ ተሰቒልዋ ዝነበረ መርከብ በቲ ማዕበል ናብዝን ናብትን ተላኽዐት። ብሰሩ ንጹሃት ሰባት ዳርጋ ኣብ ሞት በጽሑ! (ዮናስ 1:4) ዮናስ እንታይ ገበረ፧ እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ብሰንኩ ኽሞቱ ስለ ዘይደለየ: “ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ: እቲ ባሕሪ ኸኣ ኪሀድኣልኩም እዩ” በሎም። (ዮናስ 1:12) እቶም ባሕረኛታት ንዮናስ ናብ ባሕሪ ምስ ደርበይዎ: የሆዋ ንኸድሕኖ ትጽቢት ንኸሕድር ምኽንያት ኣይነበሮን። (ዮናስ 1:15) ይኹን እምበር: እቶም ባሕረኛታት ምእንቲ ኸይጠፍኡ ኢሉ ኽመውት እውን ፍቓደኛ ዀነ። ዮናስ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ትብዓትን ትሕትናን ፍቕርን ደይኰነን ኣንጸባሪቑ፧

10. የሆዋ ነቲ ዮናስ ፈለማ እተዋህቦ መዝነት እንደገና ድሕሪ ምሃቡ እንታይ ኰነ፧

10 ዝዀነ ዀይኑ የሆዋ ንዮናስ ኣድሓኖ። እቲ ዮናስ ዝገበሮ ነገራት ግን ንየሆዋ ወኪሉ ንምግልጋል ብቑዕ ከም ዘይኸውን ገይርዎ ድዩ፧ ኣይፋልን: የሆዋ ብምሕረቱን ብፍቕሩን ተደሪኹ ነቲ ነብዪ ንሰብ ነነዌ ኽሰብኽ እንደገና መዝነት ሃቦ። ዮናስ ኣብ ነነዌ ምስ በጽሐ: ነቶም ተቐማጦኣ ኣምላኽ ክፍኣቶም ከም እተዓዘቦን እታ ኸተማኦም ኣብ ውሽጢ 40 መዓልቲ ኽትዓኑ ምዃናን ብትብዓት ኣወጀ። (ዮናስ 1:2፣ 3:4) እቶም ሰብ ነነዌ ነቲ ንጹር መልእኽቲ ዮናስ ምስ ሰምዑ ተነስሑ: እታ ኸተማኦም ከኣ ተናሕፈት።

11. ዮናስ ዓብዪ ትምህርቲ ኸም እተማህረ ዝሕብረና እንታይ እዩ፧

11 ዮናስ ግን ገና ቕኑዕ ኣረኣእያ ኣይነበሮን። ይኹን እምበር: የሆዋ ብኣብነት ገይሩ ደጋዊ ትርኢት ጥራይ ዘይኰነስ ልቢ እውን ከም ዝምርምር ብትዕግስቲ መሃሮ። (ዮናስ 4:5-11) ዮናስ ዓብዪ ትምህርቲ ኸም እተማህረ ኻብቲ ባዕሉ ኸይሓብአ ዝጸሓፎ ንጹር ዛንታ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ነቲ ዘሕፍር ዝርዝር ጕድለታቱ ኽጽሕፍ ፍቓደኛ ምዃኑ ትሕትናኡ እዩ ዘርእየና። ብዘይ​ካዚ ጌጋኻ ምእማን ትብዓት ዝሓትት እዩ።

12. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ ኸም ናይ የሆዋ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ብዛዕባ እቶም ብስራት እንሰብከሎም ሰባት እንታይ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ኢና እንተባባዕ፧ (ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን ርአ።)

12 ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ህይወት ዮናስ እተፈጸመ ነገር ብኣወንታዊ መገዲ ኣልዓሎ። “ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ: ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ” በለ። (ማቴዎስ 12:40) ዮናስ ምስ ተንስአ: የሱስ ነቲ ኣብ መቓብር ዘሕለፎ እዋን ምስቲ ንሱ ኣብ ህይወቱ ዘሕለፎ ጸልማት እዋን ከም ዘመሳሰሎ ኽፈልጥ እዩ። ነቲ ኣገልገልቱ ኽጋገዩ ኸለዉ ዘይነጽጎም ኣምላኽ ነገልግል ምህላውናስ ኣየሐጕሰናንዶ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም: ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 103:13, 14) እወ: እዚ “ሓመድ” እዝን ካልኦት ሎሚ ዘለዉ ዘይፍጹማት ሰባትን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ብዙሕ ነገር ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም!

ንጴጥሮስ ብሚዛናዊ ዓይኒ ኽንርእዮ ኸሎና

13. ኣየናይ ባህርያት ጴጥሮስ እዩ ትዝ ዝብለካ: የሱስ ሃዋርያ ክኸውን ዝመረጾ ግን ስለምንታይ እዩ፧

13 ሕጂ ድማ ብዛዕባ እቲ ኻልኣይ ኣብነት ማለት ብዛዕባ ሃዋርያ ጴጥሮስ እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንመርምር። ንጴጥሮስ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ግለጾ እንተ ትበሃል: መጀመርታ ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጽእ ህዉኽን ኣብ ዘይቦትኡ ዝኣቱን ከም ዝነበረ ዲኻ እትዝክር፧ ልክዕ እዩ: ጴጥሮስ ነዚ ባህርያት እዚ ዘንጸባረቐሉ እዋን ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግን: ጴጥሮስ ብሓቂ ህዉኽን ኣብ ዘይቦትኡ ዝኣቱን እንተ ዝኸውን: የሱስ ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያቱ ክኸውን ምመረጾዶ፧ (ሉቃስ 6:12-14) ኣይፋሉን! የሱስ ነቲ ጕድለታት ጴጥሮስ ብምሽፋን ኣብ ኣወንታዊ ባህርያቱ ኸም ዘተኰረ ንጹር እዩ።

14. (ሀ) ጴጥሮስ ተዛራቢ ሰብ ዝመስል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ ክኸውን ዝኽእል፧ (ለ) ጴጥሮስ ብተደጋጋሚ ሕቶታት ምሕታቱ ኸነማስወሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ጴጥሮስ ኣፈኛ ናይቶም ካልኦት ሃዋርያት ዝዀነሉ እዋን ነይሩ። ገሊኣቶም ሰባት ትሕትና ስለ ዝጐደሎ ከምዚ ኸም ዝገበረ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ብሓቂ ግን ከምኡ ድዩ ነይሩ፧ ጴጥሮስ ካብቶም ካልኦት ሃዋርያት ምናልባት ካብ የሱስ እውን ከይተረፈ ብዕድመ ዝዓቢ እዩ ነይሩ ይበሃል። ዝዓበየ እንተ ነይሩ ኸኣ ወትሩ ፈለማ ዝዛረበሉ ዝነበረ ምኽንያት ክርድኣና ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 16:22) ካልእ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ረቛሒ እውን ኣሎ። ጴጥሮስ መንፈሳዊ ሰብ እዩ ነይሩ። ንምፍላጥ ዘለዎ ጽምኢ ሕቶታት ንኽሓትት ይድርኾ ነይሩ። እዚ ኸኣ ንዓና ጠቒሙና እዩ። የሱስ ንጴጥሮስ ክምልሰሉ ኸሎ ብዙሕ ጠቓሚ ሓሳባት ሂቡ እዩ: እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዓቂቡ ንረኽቦ። ንኣብነት: የሱስ ብዛዕባ ‘እቲ እሙን መጋቢ’ እተዛረበ: ንጴጥሮስ መልሲ ኽህቦ ኢሉ እዩ። (ሉቃስ 12:41-44) ብዛዕባ እታ “ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” ብምባል ጴጥሮስ ዘበገሳ ሕቶ እሞ ሕስብ ኣብል። ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽምልስ ከሎ እዩ የሱስ እዚ ዝስዕብ ዘተባብዕ መብጽዓ እተዛረበ:- “ስለ ስመይ ኢሉ: ኣባይቲ ዀነ: ወይስ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ: ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ: ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ።”​—⁠ማቴዎስ 15:15፣ 18:21, 22፣ 19:27-29

15. ጴጥሮስ ብሓቂ እሙን እዩ ነይሩ ኽበሃል ዝከኣል ስለምንታይ እዩ፧

15 ጴጥሮስ ካልእ ጽቡቕ ባህሪ እውን ነይርዎ እዩ። እዚ ኸኣ እሙን ምንባሩ እዩ። ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንትምህርትታቱ ምርዳእ ስለ ዝሰኣንዎ ሓዲጎምዎ ክኸዱ ኸለዉ: “ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” ብምባል ነቶም 12 ሃዋርያት ወኪሉ እተዛረበ ጴጥሮስ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 6:66-68) እዘን ቃላት እዚኣተን ክሳዕ ክንደይ ኰን ንልቢ የሱስ ኣረስሪሰንኦ ክዀና ኣለወን! ጸኒሑ: ብዙሓት ሰባት ንጐይታ ኽኣስርዎ ምስ መጹ: ዝበዝሑ ኻብቶም ሃዋርያት ሃደሙ። ጴጥሮስ ግን ነቶም ጭፍራ ርሕቕ ኢሉ ሰዓቦም: ናብ ቀጽሪ እቲ ሊቀ ኻህናት እውን ኣተወ። ከምዚ ኽገብር ዝደረኾ ትብዓት ደኣ እምበር ፍርሂ ኣይነበረን። ንየሱስ ክምርምርዎ ኸለዉ: ጴጥሮስ ምስቶም ሓዊ ዝስሕኑ ዝነበሩ ኣይሁድ ሓቢሩ ይስሕን ነበረ። ሓደ ኻብቶም ባሮት ሊቀ ኻህናት ኣለለዮ እሞ ምስ የሱስ ከም ዝነበረ ኸሰሶ። ኣብዚ ግዜ እዚ ጴጥሮስ ንጐይታኡ እኳ እንተ ኸሓደ: ኣብቲ ኻልኦት ሃዋርያት ክደፍርዎ ዘይከኣሉ ሓደገኛ ዅነታት ክኣቱ ዝደረኾ ግን ንየሱስ ዝነበሮ ተኣማንነትን ሓልዮትን ምዃኑ ኣይንረስዕ።​—⁠ዮሃንስ 18:15-27

16. ኣወንታዊ ባህርያት ዮናስን ጴጥሮስን ዝመርመርና ስለምንታይ ኢና፧

16 ጴጥሮስ ዝነበሮ ኣወንታዊ ጐድንታት ካብቲ ጕድለታቱ ኣመና ዝዛይድ እዩ ነይሩ። ዮናስ እውን ከምኡ እዩ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ብዛዕባ ዮናስን ጴጥሮስን ካብቲ ኣቐዲምና እንሓስቦ ዝበልጽ ኣወንታዊ ጐድንታት ክንርኢ ዝኸኣልና: ነቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብመንፈስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝዀኑ እውን ብኣወንታዊ መዳይ ንኽንርእዮም ርእስና ኸነለማምድ ኣሎና። ከምዚ ምግባርና ናብ ዝሓሸ ርክብ ክመርሓና ይኽእል እዩ። ከምዚ ኽንገብር ኣድላዪ ዝዀነ ግን ስለምንታይ እዩ፧

ነዚ ትምህርቲ ብኸመይ ከም እንዓየሉ

17, 18. (ሀ) ኣብ መንጎ ክርስትያናት ምፍሕፋሕ ከጋጥም ዝኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ምስ ኣመንቲ ብጾትና ዘጋጥም ዘይምቅዳው ንምፍታሕ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምኽሪ ኽሕግዘና ይኽእል፧

17 ኣብዚ ግዜና እተፈላለየ ደረጃ ናብራን ትምህርትን ዘለዎም: ካብ በበይኑ ዓሌታት ከኣ እተኣከቡ ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ ንየሆዋ ብሓድነት የገልግልዎ ኣለዉ። (ራእይ 7:9, 10) ኣብ ክርስትያናዊት ማሕበር እተፈላለየ ባህርያት ዘለዎም ሰባት ኢና እንረክብ። ንኣምላኽ ከነገልግል ከሎና ስለ እንቀራረብ: ምፍሕፋሕ ዘጋጥመሉ እዋን ናይ ግድን ኣሎ።​—⁠ሮሜ 12:10፣ ፊልጲ 2:3

18 ንጕድለታት ኣሕዋትና እንርእዮ እኳ እንተ ዀንና: ኣብኡ ግን ኣይነተኵርን ኢና። ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ብምባል ዝዘመረሉ የሆዋ ኽንመስሎ ኢና እንጽዕር። (መዝሙር 130:3) ኣብቲ ዝኸፋፍለና ባህርያት ኣብ ክንዲ እነተኵር: “ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ።” (ሮሜ 14:19) ንሰባት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ጌርና ኽንርእዮም: ማለት ንኣበሮም ዘይኰነስ ንሰናይ ባህርያቶም ከነተኵረሉ ኢና እንጽዕር። ከምዚ ኽንገብር ከሎና: ‘ንሓድሕድና ንኽንጻወር’ ይሕግዘና እዩ።​—⁠ቈሎሴ 3:13

19. ሓደ ክርስትያን ንዘጋጥሞ ኸቢድ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክወስድ ከም ዘለዎ ግለጽ።

19 ዕሽሽ ክንብሎ ዘይንኽእል ዘይምርድዳእ እንተ ተፈጥረኸ፧ (መዝሙር 4:4) ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ኣማኒ ብጻይካን እዚ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ንምንታይ ነቲ ጕዳይ ከተደቅሶ ዘይትፍትን፧ (ዘፍጥረት 32:13-15) ፈለማ: የሆዋ መምርሒ ንኽህበካ ናብኡ ጸሊ። ድሕሪኡ ነቲ ሰናይ ባህርያት ናይቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: “ብለውሃት ጥበብ” ቅረቦ። (ያእቆብ 3:13) ሰላም ክትገብር ከም እትደሊ ንገሮ። ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ ኹን’ ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ኣይትረስዕ። (ያእቆብ 1:19) እቲ “ንዅራ ደንጓዪ” ዝብል ማዕዳ: እቲ ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ከሕርቐካ ዝኽእል ነገር ክገብር ወይ ክዛረብ ከም ዝኽእል እዩ ዝእምት። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙ: ርእስኻ ምእንቲ ኽትገትእ የሆዋ ንኽሕግዘካ ለምኖ። (ገላትያ 5:22, 23 ትርጕም 1990 ) ነቲ ሓውካ ሓሳቡ ኸፍስሰልካ ኣፍቅደሉ: ጽን ኢልካ ስምዓዮ። ዋላ እውን ምስ ኵሉ እቲ ዝብሎ ነገራት እንተ ዘይተሰማማዕካ ኣይትዅለፎ። ኣረኣእያኡ ጌጋ ክኸውን ይኽእል እዩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ዘለዎ ኣረኣእያ እዚ ምዃኑ ግን ክትቅበሎ ኣሎካ። ነቲ ጸገም ብዓይኑ ኽትርእዮ ጽዓር። እዚ ኸኣ ንገዛእ ርእስኻ ብዓይኑ ጌርካ ምርኣያ እውን ዘጠቓልል እዩ።​—⁠ምሳሌ 18:17

20. ንእተፈጥረ ዘይምርድዳእ ክትፈትሖ ከሎኻ መልሲ ቕድሚ ምሃብካ: ነቲ ብጻይካ ዝብለካ ምስማዕ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

20 ብግዴኻ ኽትዛረብ ከሎኻ ዘረባኻ ብጸጋ ይኹን። (ቈሎሴ 4:6) ንሓውካ እቲ እትፈትዎ ባህሪኡ ንገሮ። ነቲ ዘይምርድዳእ ንኽፍጠር ዝገብርካዮ ዝዀነ ይኹን ጕድለት ይቕረታ ሕተት። እቲ ብትሕትና ዝገበርካዮ ጻዕሪ ፍረ እንተ ረኺቡ: ንየሆዋ ኣመስግኖ። ፍረ እንተ ዘይረኺብካ ግን ሰላም ንምግባር ተወሳኺ ኣጋጣሚታት እናኣናደኻ: የሆዋ መምርሒ ንኽህበካ ኻብ ምልማን ኣይተብኵር።​—⁠ሮሜ 12:18

21. እዚ ምይይጥ እዚ ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ጌርካ ንኽትርእዮም ዝሓገዘካ ብኸመይ እዩ፧

21 የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ የፍቅሮም እዩ። ዘይፍጽምና እኳ እንተሎና: ንዅላትና ኣብ ኣገልግሎቱ ዝጥቀመልና ምዃኑ የሐጕሶ እዩ። ንኻልኦት ብዛዕባ ዘለዎ ኣረኣእያ ዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን: ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ፍቕሪ ኽዓቢ እዩ። ንክርስትያናት ብጾትና ዘላትና ፍቕሪ እንተ ዝሒላ: እንደገና ሃልሃል ክትብል ትኽእል እያ። ንኻልኦት ብኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንርእዮም እንተ ጽዒርና: ማለት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ጌርና ኽንርእዮም እንተ ጽዒርና ብዙሕ በረኸት ክንረክብ ኢና!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ድሕሪ ግዜ እቲ ውቁብ ትርኢት ዝነበሮ ኤልያብ ንጉስ እስራኤል ንክኸውን ብቑዕ ዘይምንባሩ ንጹር ኰነ። እቲ ጎልያድ ዝስሙ ገዚፍ ፍልስጥኤማዊ ንእስራኤላውያን ክገጥሙሉ ምስ ተዛረቦም: ኤልያብን ካልኦት እስራኤላውያን ሰብኡትን ጃጀዉ።​—⁠1 ሳሙኤል 17:11, 28-30

b ዳግማይ የሮብዓም ዓበይቲ ወራራት ብምግባር ነቲ እተወስዶ ግዝኣት ስለ ዘምለሰ በዚ ድማ ብዙሕ ግብሪ ኣኪቡ ክኸውን ስለ ዝኽእል: ነታ ሰሜናዊት መንግስቲ ኣሀብቲምዋ ክኸውን ኣለዎ።​—⁠2 ሳሙኤል 8:6፣ 2 ነገስት 14:23-28፣ 2 ዜና መዋእል 8:3, 4፣ ኣሞጽ 6:2

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሆዋ ንጕድለታት እሙናት ኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዝርእዮ፧

• ብዛዕባ ዮናስን ጴጥሮስን እንታይ ኣወንታዊ ባህርያት ክትጠቅስ ትኽእል፧

• ብዛዕባ ክርስትያናት ኣሕዋት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ሒዝካ ኽትቅጽል ኢኻ ቘሪጽካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን]

ኣምላኽ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዝርእዮም ሕሰብ

ብዛዕባ ዮናስ ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዛንታ ኸተስተንትነሉ ኸሎኻ: ነቶም ኣዘውቲርካ ብስራት እትሰብከሎም ሰባት ዘሎካ ኣረኣእያ ኸተዐሪ ኸም ዝግብኣካ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ልክዕ ከም እስራኤላውያን ዘይሰምዑን ዘይግደሱን ክመስሉና ይኽእሉ እዮም: ወይ እውን ንመልእኽቲ ኣምላኽ ይጻረርዎ ይዀኑ። የሆዋ ኣምላኽ ግን ብኸመይ እዩ ዝርእዮም፧ ከምቲ ንጉስ ነነዌ ነቲ ዮናስ ዝበሎ ሰሚዑ እተነስሐ: ኣብዚ ኣገባብ እዚ ውሩያት ዝዀኑ ሰባት እውን ከይተረፉ ናብ የሆዋ ኽምለሱ ይኽእሉ እዮም።​—⁠ዮናስ 3:6, 7

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ብዛዕባ ዮናስ ኣወንታዊ ነገር ጠቐሰ