ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”

“ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”

“ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”

እታ የሱስ ዝሞተላ ዕለት ማለት ብኣቈጻጽራ ኣይሁድ መበል 14 መዓልቲ ናይ ወርሒ ኒሳን: ሓሙስ 31 መጋቢት 33 ከ.ኣ.ዘ. ጸሓይ ክትዓርብ ከላ እያ ጀሚራ። በታ ምሸት እቲኣ የሱስን ሃዋርያቱን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ሓደ ደርቢ ፋስጋ ኸብዕሉ ተኣከቡ። የሱስ “ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ” ግዜ ስለ ዝኣኸለት: ንሃዋርያቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸም ዘፍቅሮም ኣርኣዮም። (ዮሃንስ 13:1) ብኸመይ እዩ ግን ኸምዚ ዝገበረ፧ ብዛዕባ እቲ ብድሕሪኡ ዘጋጥሞም ነገራት ንኸዳልዎም ኢሉ ብሉጽ ትምህርትታት ብምምሃር እዩ ነዚ ዝገበሮ።

በታ ምሸት እቲኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” በሎም። (ዮሃንስ 16:33) ብትብዓት ከምዚ ኽብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ብሓደ ሸነኽ ክንርእዮ ኸሎና ‘እቲ ኣብ ዓለም ዝርከብ እከይ ቂመኛ ወይ ፈዳይ ሕነ ኣይገበረንን። ዓለም ክትቐርጸኒ ኣይፈቐድኩላን። ንስኻትኩም እውን ከምኡ ኽትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም’ ማለቱ እዩ ነይሩ። ኣብተን ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፈን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ንእሙናት ሃዋርያቱ ዝመሃሮም ነገር: ንሳቶም እውን ብተመሳሳሊ ንዓለም ንኽስዕርዋ ዝሕግዞም እዩ ነይሩ።

ኣብ ዓለም ክፍኣት በዚሑ ኸም ዘሎ ኣሉ ዝብል እሞ መን እዩ፧ ምጕዳል ፍትሕን ዓመጻን ክንርኢ ኸሎና እንታይ እዩ ዝስምዓና፧ ጽልኢ ኸም እነሕድር ወይ ሕነ ኸም እንፈዲ ድዩ ዝገብረና፧ በቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ስነ⁠-​ምግባራዊ ውድቀት ክሳዕ ክንደይ ኢና ተጸሊና፧ ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ዘይፍጽምናን ሓጥእ ዝንባለን ስለ ዘሎና ብኽልተ ወገን ንኽንዋጋእ ንግደድ ኣሎና። እዚ ድማ እቲ ሓደ ምስታ እከይ ዝመልኣ ዓለም ክኸውን ከሎ: እቲ ሓደ ምስቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ክፉእ ዝንባለታት እዩ። ብዘይ​ ሓገዝ ኣምላኽ ዕዉታት ክንከውን ንኽእልዶ ኢና፧ ብኸመይ ኢና ሓገዙ ኽንረክብ እንኽእል፧ ስጋዊ ዝንባለታትና ንኽንጻረር እንታይ ባህርያት ከነማዕብል ኣሎና፧ መልሲ ናይዚ ሕቶታት ንምርካብ: የሱስ ነቶም ዘፍቅሮም ደቀ መዛሙርቱ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምድራዊ ህይወቱ እንታይ ኢሉ ኸም ዝመሃሮም እስከ ንርአ።

ንትዕቢት ብትሕትና ስዓራ

ንኣብነት: ትዕቢት ወይ ኵርዓት እስከ ንውሰድ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዛ ባህሪ እዚኣ “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት” ይብል። (ምሳሌ 16:18) ቅዱሳት ጽሑፋት “ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ: ንርእሱ ይጥብር አሎ” እውን ይብለና። (ገላትያ 6:3) እወ: ትዕቢት ጐዳኢትን ጠባሪትን እያ። “ትዕቢትን ትምክሕትን” ምስ እንጸልእ ጥበበኛታት ኢና እንኸውን።​—⁠ምሳሌ 8:13

ሃዋርያት የሱስ ትዕቢትን ትምክሕትን ነይርዎም ድዩ፧ እንተ ወሓደ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ መኖም ከም ዝበልጽ ንሓድሕዶም ተኸራኺሮም እዮም። (ማርቆስ 9:33-37) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ያእቆብን ዮሃንስን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዪ ስልጣን ክረኽቡ ሓተቱ። (ማርቆስ 10:35-45) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነዛ ባህሪ እዚኣ ንኸወግድዋ ኽሕግዞም ደለየ። ስለዚ: ፋስጋ እናበልዑ ኸለዉ: ተንሲኡ ዓለባ ተዓጥቀ እሞ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓጽብ ጀመረ። በዚ ኸምዚ ነቲ ኽምህሮም ዝደለየ ትምህርቲ ብንጹር እዩ ኣመሓላሊፉሎም። “ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ: ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ: . . . ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ” ድማ በሎም። (ዮሃንስ 13:14) ትዕቢት በታ ኣንጻራ ዝዀነት ትሕትና ኽትትካእ ኣለዋ።

ትዕቢት ግን ብቐሊሉ እትሰዓር ኣይኰነትን። ጸኒሑ በታ ምሸት እቲኣ የሱስ ነቲ ዝኸሓዶ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድሕሪ ምብራሩ: ኣብ መንጎ እቶም 11 ሃዋርያት ብርቱዕ ክርክር ኰነ። እንታይ እዩ ግን ኣከራኺርዎም፧ ካባታቶም መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዝርአ እዮም ዝካትዑ ነይሮም! የሱስ ግን ኣብ ክንዲ ዝገንሖም: ንኻልኦት ምግልጋል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብትዕግስቲ ኣጕልሓሎም። “ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም: እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሀሉ። ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፤ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ: እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን” ድማ በሎም። ብዛዕባ እቲ ዝሰርዓሎም ኣብነት ንምዝኽኻር ከኣ “ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ” በሎም።​—⁠ሉቃስ 22:24-27

እቶም ሃዋርያት ነዚ ተገንዚቦምዎዶ፧ ካብ መርትዖታት ከም እንርእዮ ነዚ ኸም እተገንዘብዎ ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ሃዋርያ ጴጥሮስ “መወዳእታኡ ኸኣ: ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም: እትዳናገጹ: ሕውነት እተፍቅሩ: ለዋሃት: ትሑታት ኩኑ” በለ። (1 ጴጥሮስ 3:8) ንሕናውን ንትዕቢት ብትሕትና ኽንስዕራ ኣሎና። ዝና: ስልጣን: ወይ ቦታ ንምርካብ ሃነፍነፍ ክንብል ኣይግባእን። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ይብለና። (ያእቆብ 4:6) ብተመሳሳሊ ጥንቲ እተጻሕፈ ጥበብ ዘለዎ ምሳሌ “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ” ይብል።​—⁠ምሳሌ 22:4

ንጽልኢ ብኸመይ ኢኻ እትስዕራ፧

ካልእ ኣብ ዓለም ሰፊና ዘላ ባህሪ ጽልኢ እያ። ጽልኢ ብፍርሂ: ብድንቍርና: ብሕማቕ ዓይኒ ምርኣይ: ብጭቈና: ብምጕዳል ፍትሒ: ብሃገራውነት: ብቐቢላውነት: ወይ ብዓሌታውነት ትቈሳቈስ ብዘየገድስ ኣብ ኵሉ ቦታ እትንጸባረቕ ዘላ ባህሪ እያ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-4) ጽልኢ ብግዜ የሱስ እውን ኣስፋሕፊሓ ነይራ። ተገውቲ ወይ ግብሪ ዝእክቡ ሰባት ካብ ሕብረተሰብ ኣይሁድ እተገለሉን ጽሉኣትን እዮም ነይሮም። ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን ነበሩ። (ዮሃንስ 4:9) ኣህዛብ ወይ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት እውን ብኣይሁድ ይፍንፈኑ እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: እቲ የሱስ ዘቘሞ ኣምልኾ ንዅሎም ህዝብታት ዝሓቘፈ እዩ ክኸውን ነይርዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ገላትያ 3:28) ስለዚ ንደቀ መዛሙርቱ ሓደ ሓድሽ ነገር ብለውሃት መሃሮም።

የሱስ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ስለ ዝበለ: እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸንጸባርቕዋ ነበሮም። (ዮሃንስ 13:34, 35) እዚ ትእዛዝ እዚ ‘ንብጻይካ ከም ርእስኻ’ ካብ ምፍቃር ንላዕሊ ስለ ዘመልክት ሓድሽ እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 19:18) ብኸመይ ግን እዩ እዚ ዝግበር፧ የሱስ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” ብምባል ነዚ ንጹር ገበሮ። (ዮሃንስ 15:12, 13) ምእንቲ ሓድሕዶምን ምእንቲ ኻልኦትን ህይወቶም ንኽውፍዩ ድሉዋት ክዀኑ ነበሮም።

ዘይፍጹማት ሰባት ንጽልኢ ኻብ ህይወቶም ከወግድዋ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ በታ ጥቕሚ ርእሲ እትስውእ ፍቕሪ ብምትካእ እዮም ከምዚ ኽገብሩ ዝኽእሉ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ እተፈላለየ ዓሌትን ባህልን ዘለዎምን በበይኑ ዓይነት ሃይማኖታትን ፖለቲካን ዝስዕቡ ዝነበሩን ቅኑዓት ውልቀ⁠-​ሰባት ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። ኣብዚ ግዜ እዚ ጽልኢ ዘይብሎም ስሙራት ማሕበረሰብ ኰይኖም ኣለዉ። እዚኣቶም ድማ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። ነቲ “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር: ትፈልጡ ኢኹም” ዝብል ሃዋርያ ዮሃንስ ዝጸሓፎ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎ እዮም። (1 ዮሃንስ 3:15) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ዝዀነ ይኹን ውግእ ኣይሳተፉን እዮም: ኣብ ርእሲ እዚውን ንሓድሕዶም ንኽፋቐሩ ዝከኣሎም ኵሉ እዮም ዝገብሩ።

ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎምን ዝጸልኡናን ሰባት ደኣ እሞ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ኽህልወና ዘለዎ፧ የሱስ ኣብ ዕንጸይቲ ተሰቒሉ ኸሎ: ምእንቲ እቶም ሰቐልቱ “ኣቦይ: ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ: ሕደገሎም” ኢሉ ጸለየ። (ሉቃስ 23:34) ብጽልኢ ዝዓወሩ ሰብኡት ንእስጢፋኖስ እቲ ወደ መዝሙር ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ኸለዉ: እተን ናይ መወዳእታ ቓላቱ “ጐይታይ: እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎም” ዝብላ ነበራ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:60) የሱስን እስጢፋኖስን ነቶም ጸላእቶም እውን ከይተረፈ ጽቡቖም እዮም ዝምነዩ ነይሮም። ኣብ ልቦም ጽልኢ ኣይነበረን። መጽሓፍ ቅዱስ “ንዅሉ ሰብ . . . ሰናይ ንግበር” ብምባል ይምዕደና።​—⁠ገላትያ 6:10

‘ንዘለኣለም ዝነብር ሓጋዚ’

የሱስ ምስቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ተኣኪቡ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ብኣካል ምሳታቶም ከም ዘይህሉ ገለጸሎም። (ዮሃንስ 14:28፣ 16:28) እንተዀነ ግን “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ: ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ [“ሓጋዚ:” NW ] ኺህበኩም እዩ” ብምባል ኣረጋገጸሎም። (ዮሃንስ 14:16) እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ሓጋዚ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነቶም ሃዋርያት ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዓሚቝ ነገራት ክምህሮምን ነቲ የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝመሃሮም ነገራት ከዘክሮምን ነበሮ።​—⁠ዮሃንስ 14:26

ኣብዚ ግዜናኸ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ እዩ። እቶም ትንቢታት እተነበዩን መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉን ሰባት “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም” እዮም ገይሮምዎ። (2 ጴጥሮስ 1:20, 21፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ እነጽንዖን ነቲ ኻብኡ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎን: ፍልጠት: ጥበብ: ምርዳእ: ምስትውዓል: ምምዝዛን: ከምኡውን ናይ ምሕሳብ ክእለት ነጥሪ። ነዚ ምስ እንረክብከ ነቲ ኻብዛ እከይ ዝመልኣ ዓለም ዝወርደና ጸቕጢ ንምጽዋሩ ድሉዋት ደይኰንናን እንኸውን፧

መንፈስ ቅዱስ ብኻልእ መገዲ እውን ይሕግዘና እዩ። ነቶም ብእኡ ዝምርሑ ኣምላኽ ዝፈትዎ ባህርያት ንኸንጸባርቑ ዘኽእሎም ጠቓምን ሓያልን ጽልዋ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል እዩ” ይብለና። ነቲ ኸም እኒ ርኽሰት: ባእሲ: ቅንኢ: ቍጥዓ ዝኣመሰለ ባህርያት ንኸነወግድ እዚ ፍረ መንፈስ እዚ ደይኰነን ዘድልየና፧​—⁠ገላትያ 5:19-23

ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ምስ እንውከል ንዘጋጥመና ዝዀነ ይኹን ጸገም ወይ ጭንቂ ንምስጋር ዘኽእለና “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኽንረክብ ንኽእል ኢና። (2 ቈረንቶስ 4:7) መንፈስ ቅዱስ ፈተናታት እኳ እንተ ዘየወገደልና: ንኽንጻወሮ ኸም ዝሕግዘና ግን ኣየጠራጥርን እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:13) ሃዋርያ ጳውሎስ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” በለ። (ፊልጲ 4:13) ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊ ይህበና እዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስወሉ ዘሎና! እዚ ድማ ነቶም ‘ንየሱስ ዘፍቅርዎን ትእዛዛቱ ዝሕልዉን’ ጥራይ እዩ ዝወሃብ።​—⁠ዮሃንስ 14:15

“ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ”

የሱስ ኣብታ ኸም ሰብ መጠን ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት ንሃዋርያቱ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ: ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 14:21) “ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ” ብምባል ድማ ተማሕጸኖም። (ዮሃንስ 15:9) ኣብ ፍቕሪ ኣቦን ወድን ምጽናዕ: ምስቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓጥእ ዝንባለታትን ምስታ እከይ ዝመልኣ ዓለምን ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ብኸመይ ክጠቕመና ይኽእል፧

ሕማቕ ዝንባለታት ንምቍጽጻር ዘኽእለና ሓያል ድራኸ እንተ ዘይሃልዩና ኽንቈጻጸሮ ንኽእልዶ፧ ምስ የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ጽቡቕ ርክብ ንኽህልወና ኻብ ምብሃግ ዝበልጽ ድራኸ ኽህልወናኸ ይኽእልዶ፧ ሓደ ኽጕብዝ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ንዝነበሮ ብዕሉግ ኣነባብራ ክቕይር ኣበርቲዑ ዝጸዓረ ኤርኔስቶ a ዝበሃል ሰብኣይ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ንኣምላኽ ከሐጕሶ ደለኹ: ንሱ ንኣነባብራይ ከም ዘይፈትዎ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃርኩ። ስለዚ: ክቕየር ማለት ብስርዓታት ኣምላኽ ክቕየድ ወሰንኩ። ምስቲ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ኣእምሮይ ዝመጽእ ክፉእ ሓሳባት ክቃለስ ነይሩኒ። እንተዀነ ግን: ነቲ ቓልሲ ብዓወት ንኽዋጽኣሉ ቈሪጸ ነበርኩ: ኣምላኽ ንኽሕግዘኒ ኸኣ ከየባተኽኩ እጽሊ ነበርኩ። ክሳዕ ሕጂ ነብሰይ ኣሲረ ዝመላለስ እኳ እንተ ዀንኩ: ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ ግን ንመብዛሕትኡ ጸገማተይ ኣወጊደዮ ነበርኩ።”

ምስ ዓለም ዘሎና ቓልሲ ብዝምልከት የሱስ ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ደርቢ ቕድሚ ምውጽኡ ምእንቲ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣቦኡ ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” (ዮሃንስ 17:15, 16) ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ቃላት ኰን እዩ! የሆዋ ነቶም ዘፍቅሮም ይሕልዎም: ካብ ዓለም ክሳዕ ዘይኰኑ ኸኣ የበራትዖም እዩ።

‘እመን’

ትእዛዛት የሱስ ምኽባር ምስታ እከይ ዝመልኣ ዓለምን ምስቲ ሓጥእ ዝንባለታትናን ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ዕዉታት ከም ዝገብረና ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ዓወት እዚ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ: ንዓለም ኰነ ነቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ከወግዶ ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር: ኣኺሉና ካን ተስፋ ዘይብልና ኣይኰንናን።

መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ይብለና። (1 ዮሃንስ 2:17) የሱስ ‘ብእኡ ንዝኣምን ዅሉ’ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኸድሕን ኢሉ ህይወቱ በጃ ሂቡ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) እምበኣር ብዛዕባ ፍቓድን ዕላማታትን ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠት ክዓቢ ኸሎ “ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ” ዝብል የሱስ ዝሃቦ ማዕዳ ኣርዚንና ንርኣዮ።​—⁠ዮሃንስ 14:1

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስሙ ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሃዋርያቱ “ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ” ኢሉ ተማሕጸኖም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ሓጢኣትን ዘስዕቦ ጕድኣትን ሓራ እንዀነሉ እዋን ርሑቕ ኣይኰነን