ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድኽነት ዝጠፍኣሉ እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧

ድኽነት ዝጠፍኣሉ እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧

ድኽነት ዝጠፍኣሉ እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧

እቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ጥበበኛ ሰሎሞን “እንሆ ኸኣ: ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ: ኣጆኹም: ዚብሎምውን ኣይነበሮምን: ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ: ኣጆኹም: ዚብሎም ከኣ ኣይነበሮምን” በለ። (መክብብ 4:1) ብዘይ​ጥርጥር ዝበዝሑ ኻብቶም ግፉዓት ኢሉ ዝጠቐሶም ድኻታት እውን እዮም ነይሮም።

ድኽነት ብመጠን ገንዘብ ጥራይ ኣይልካዕን እዩ። ብመሰረት እቲ ናይ ዓለም ባንክ ብሰነ 2002 ዘውጽኦ ጸብጻብ “ብ1998 ኣብ መላእ ዓለም 1.2 ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ብትሕቲ 1 ዶላር ኣመሪካ ንመዓልቲ ይናበሩ ምንባሮም ተገሚቱ . . . 2.8 ቢልዮን ከኣ ብትሕቲ 2 ዶላር ኣመሪካ ይናበሩ ነይሮም።” እዚ ኣሃዝ እዚ ኻብቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ግምት ዝትሕት እኳ እንተዀነ: “ንሓሳረ መከራ ደቅሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ግን ገና ብዙሕ እዩ ዘሎ።”

ድኽነት ዝጠፍኣሉ እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧ የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ “ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉ” በሎም። (ዮሃንስ 12:8) ከምዚ ኽብል ከሎ ግን ድኽነትን እቲ መሪር ሳዕቤናቱን ንሓዋሩ ክቕጽል እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብስጋ ሃብታማት ክዀኑ እኳ እንተ ዘይተመባጽዓሎም: ንድኻታት ኣኺልዎም ተስፋ የብሎምን ኢልና ግን ኽንድምድም የብልናን።

ደቅሰብ ዝገብርዎ ጻዕርታትን ድኽነት ንምጥፋእ ዝኣተዉዎ መብጽዓታትን ከንቱ ዀይኑ እኳ እንተ ተረፈ: እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ድሕሪ ሓጺር እዋን ስኡን ሰብ ከም ዘይህሉ የረጋግጸልና እዩ። አረ: የሱስ እኳ ‘ንድኻታት ብስራት’ እዩ ሰቢኹ። (ሉቃስ 4:18) እዚ ብስራት እዚ ድኽነት ክጠፍእ ምዃኑ ዝገልጽ መብጽዓ እውን ዘጠቓልል እዩ። እዚ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ጽድቂ ኸም ዝሰፍን ምስ ገበረት ክፍጸም እዩ።

እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ለውጢ ዀን እዩ ክኸውን! እቲ ሰማያዊ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ “ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ።” ኣምላኽ “ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ” እዩ።​—⁠መዝሙር 72:13, 14

ሚክያስ 4:4 ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኸምዚ ትብል:- “ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።” መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ንደቅ​ሰብ ዘሳቕዮም ነገራት: ዋላ እውን ንሕማምን ሞትን ከተወግዶ እያ። እወ: ኣምላኽ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 25:8

እዚ መብጽዓታት እዚ ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ዘጽሓፎ ስለ ዝዀነ: ክትተኣማመነሉ ትኽእል ኢኻ። እምበኣር ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ትውክልቲ ዝግበሮ ምዃኑ ዝሕብር መርትዖታት ንምንታይ ዘይትምርምር፧

[ምንጪ ስእሊ]

FAO photo/M. Marzot