ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ለውሃት—ኣገዳሲት ባህሪ ክርስትያናት

ለውሃት—ኣገዳሲት ባህሪ ክርስትያናት

ለውሃት​—⁠ኣገዳሲት ባህሪ ክርስትያናት

“ለውሃት . . . ልበሱ።”​—⁠ቈሎሴ 3:12

1. ለውሃት እተደንቕ ባህሪ ዝገብራ እንታይ እዩ፧

 ሓደ ሰብ ለዋህ ምስ ዝኸውን: ባህ ኢሉካ ኢኻ ምስኡ ግዜ እተሕልፍ። ይኹን እምበር: እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ልዙብ መልሓስ . . . ኣዕጽምቲ ይሰብር” በለ። (ምሳሌ 25:15) እምበኣር ለውሃት ንባህ ዘብል ባህርያትን ብርታዐን ዘጣመረት እተደንቕ ባህሪ እያ።

2, 3. ኣብ መንጎ ለውሃትን መንፈስ ቅዱስን እንታይ ምትሕሓዝ እዩ ዘሎ: ኣብዛ ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ኽንመሃር፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ንለውሃት ኣብቲ ኣብ ገላትያ 5:22, 23 (ትርጕም 1990 ) ዝርከብ “ፍረ መንፈስ” ጠቒስዋ ኣሎ። እታ ኣብ ቍጽሪ 23 “ለውሃት” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ኣብ ናይ 1956 ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ “ህድኣት” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። እዛ ቃል እዚኣ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ግሪኽ ደጋዊ ልእመት ወይ ትሕትና ዘይኰነስ ውሽጣዊ ለውሃትን ሕያውነትን​—⁠ማለት ሓደ ሰብ ዘርእዮ ጠባይ ዘይኰነስ ኵነታት ኣእምሮኡን ልቡን​—⁠ስለ እተንጸባርቕ: ኣብ ዝበዝሕ ቋንቋታት ምሉእ ብምሉእ ዝውክላ ቓል ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ።

3 ትርጕምን ኣገዳስነትን ናይ ለውሃት ብዝያዳ ምእንቲ ኽርድኣና: ኣርባዕተ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነታት ንመርምር። (ሮሜ 15:4) ከምዚ ብምግባርና ኸኣ እዛ ባህሪ እዚኣ እንታይ ምዃና ጥራይ ዘይኰነስ: ብኸመይ ከም እነጥርያን ኣብ ኵሉ ተግባራትና ብኸመይ ከም እነንጸባርቓን ክንመሃር ኢና።

“ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ”

4. የሆዋ ንለውሃት ኣኽቢሩ ኸም ዝርእያ ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 ለውሃት ሓንቲ ኻብተን ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነት: ምስቲ ዘደንቕ ባህርያት ኣምላኽ ኣጸቢቓ እትተኣሳሰር ኰይና ኢና እንረኽባ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ለዋህን ህዱእን መንፈስ” “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር” ከም ዝዀነ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 3:4) እወ: ለውሃት ሓንቲ ኻብተን የሆዋ ዘንጸባርቐን ባህርያት እያ: ስለዚ ኸኣ ኣኽቢሩ እዩ ዝርእያ። እዚ ጥራይ ንበይኑ ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ለውሃት ንኸማዕብሉ እኹል ምኽንያት እዩ ዝዀኖም። እቲ ዅሉ ዝኽእልን ኣብ ኣድማስ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎን ኣምላኽ ለውሃት ዘንጸባርቕ ግን ብኸመይ እዩ፧

5. የሆዋ ለዋህ ብምዃኑ እንታይ ተስፋ እዩ ኽህልወና ዝኸኣለ፧

5 እቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር: ኣዳምን ሄዋንን: ኣምላኽ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ከይበልዑ ዝሃቦም ንጹር ትእዛዝ ክጥሕሱ ኸለዉ ደይ መደይ ኢሎም እዮም ገይሮምዎ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) እዚ ዀነ ኢሎም ዝፈጸምዎ ዘይምእዛዝ ንዖኦም ኰነ ንዘርኦም ሓጢኣትን ሞትን ካብ ኣምላኽ ምፍላይን ኣስዓበሎም። (ሮሜ 5:12) የሆዋ ነዚ ፍርዲ እዚ ንምፍጻም እኹል ምኽንያት እኳ እንተ ነበሮ: ንደቅ​ሰብ ግን ክዕረዩ ዘይክእሉን ድሕነት ክረኽቡ ዘይበቕዑን ኢሉ ብኡንብኡ ኣይደርበዮምን። (መዝሙር 130:3) ኣብ ክንድኡስ ብጸጋኡን ብምሕረቱን ማለት ለውሃት ብምንጽብራቑ: ሓጥኣን ደቅሰብ ክቐርብዎ ሞገሱ ድማ ክረኽቡ ዝኽእሉሉ መገዲ ኣዳለወ። እወ: ብውህበት በጅነታዊ መስዋእቲ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ: ናብቲ ኽብ ዝበለ ዝፋኑ ብዘይ​ ፍርሃት ንኽንቀርብ ምድላው ገበረ።​—⁠ሮሜ 6:23፣ እብራውያን 4:14-16፣ 1 ዮሃንስ 4:9, 10, 18

6. ኣምላኽ ንቃየል ኣብ እተዛረቦ ዘረባ ለውሃቱ እተንጸባረቐት ብኸመይ እያ፧

6 ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ: እቶም ቃየልን ኣቤልን ዝበሃሉ ደቂ ኣዳም መስዋእቲ ከቕርቡ ኸለዉ ለውሃት የሆዋ ተራእዩ እዩ። የሆዋ ዅነታት ልቦም ብምርኣይ ነቲ ቃየል ዘቕረቦ መስዋእቲ ኽነጽጎ ኸሎ: ናብ ኣቤልን መስዋእቱን ግን “ባህ ኢልዎ ረአየ።” ኣምላኽ ነቲ እሙን ኣቤልን ንመስዋእቱን ብጽቡቕ ዓይኒ ብምርኣዩ: ቃየል ሕማቕ ሓሳብ ሓደሮ። መጽሓፍ ቅዱስ “ቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየ: ገጹ ድማ ጸለመ” ይብል። የሆዋ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ገበረ፧ በቲ ናይ ቃየል ሕማቕ ኣረኣእያ ተቘጢዑ ድዩ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ: ንቃየል ኣዝዩ እተቘጥዓሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብለውሃት ሓተቶ። ብተወሳኺውን: ቃየል ‘ገጹ ንኽበርህ’ (ትርጕም 1990 ) እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ እውን ከይተረፈ ገለጸሉ። (ዘፍጥረት 4:3-7) ብሓቂ እምበኣር የሆዋ ንለውሃት ምሉእ ብምሉእ እዩ ዘንጸባርቓ።​—⁠ዘጸኣት 34:6

ለውሃት ንሰባት ትስሕብ: ዕረፍቲ ድማ ተምጽእ

7, 8. (ሀ) ንለውሃት የሆዋ ኽንርድኦ ዝሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ማቴዎስ 11:27-29 ዘሎ ቓላት ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እንታይ እዩ ዝገልጸልና፧

7 ሓደ ኻብቲ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያት የሆዋ ክንርድኣሉ እንኽእል መገዲ: ንህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ክርስቶስ ብምጽናዕ እዩ። (ዮሃንስ 1:18፣ 14:6-9) የሱስ ኣብ ካልኣይ ዓመት ናይቲ ዝገብሮ ዝነበረ ስብከት ኣብ ምድሪ ገሊላ ኸሎ: ኣብ ኰራዚን: ቤተ⁠-​ሳይዳ: ቅፍርናሆም: ከምኡውን ኣብ ከባቢአን ብዙሕ ተኣምራት ገይሩ እዩ። እንተዀነ ግን: ዝበዝሑ ኻብቶም ህዝቢ ዕቡያትን ዘይግዱሳትን እዮም ነይሮም: ብእኡ ድማ ኣይኣመኑን። የሱስ እንታይ ገበረ፧ እምነት ዘይብሎም ምዃኖም ዘስዕበሎም ሳዕቤናት ብዕቱብ የዘኻኽሮም እኳ እንተ ነበረ: ነቶም ኣብ ዘሕዝን መንፈሳዊ ዅነታት ዝነበሩ ኣምሃረትስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ድኻታት ወይ ተራ ሰባት ግን ይድንግጸሎም ነበረ።​—⁠ማቴዎስ 9:35, 36፣ 11:20-24

8 እቲ የሱስ ቀጺሉ ዝገበሮ ነገራት ‘ነቦ ኸም ዝፈልጦን’ ከም ዝመሰሎን እዩ ዘርኢ። ነቶም ተራ ሰባት “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት . . . እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ብምባል ልባዊ ጻውዒት ኣቕረበሎም። እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ውጹዓትን ጭቁናትን ክሳዕ ክንደይ ኰን እየን ምጽንናዕን ዕረፍትን ኣምጺአናሎም ክዀና ዘለወን! አረ ሕጂውን ንዓና ይስሕባና እየን። ብሓቂ ለውሃት እንተ ለቢስና: ካብቶም ‘እቲ ወዲ [ብዛዕባ ኣቦኡ] ኽገልጸሎም ዝፈቱ’ ሰባት ክንከውን ኢና።​—⁠ማቴዎስ 11:27-29

9. ምስ ለውሃት እትተሓሓዝ ባህሪ እንታይ እያ: የሱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ሰናይ ኣብነት ዝዀነናኸ ብኸመይ እዩ፧

9 ለውሃት ምስ ‘ትሑት ልቢ’ ኣጸቢቓ ትተኣሳሰር እያ። ትዕቢት ግን ናብ ኵርዓት ስለ እትመርሕ: ንኻልኦት ብጭከና ከምኡውን ስምዒቶም ኣብ ግምት ብዘየእቱ መገዲ ንኽትሕዝ ክትድርኸካ ትኽእል እያ። (ምሳሌ 16:18, 19) የሱስ ኣብ ብምሉኡ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ትሕትና ኣንጸባሪቑ እዩ። ቅድሚ ሞቱ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ናብ የሩሳሌም ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ምስ ኣተወን ከም ኣቀባብላ ንጉስ ገይሮም ምስ ተቐበልዎን እውን ከይተረፈ: ካብ ገዛእቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣጸቢቑ ዝፍለ ነበረ። ነቲ “እንሆ ንጉስኪ: ለዋህ: ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ” ዝብል መሲሓዊ ትንቢት ዘካርያስ እውን ፈጺምዎ እዩ። (ማቴዎስ 21:5፣ ዘካርያስ 9:9) እቲ እሙን ነብዪ ዳንኤል የሆዋ ንወዱ ግዝኣት ክህቦ ኸሎ ዘመልክት ራእይ ረኣየ። ኣቐዲሙ ኣብ ዝረኣዮ ትንቢት ግን የሱስ “ኻብ ሰብ ዚንእስ” ወይ ዝትሕት ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ብሓቂ እምበኣር ለውሃትን ትሕትናን ኢድን ጓንትን እየን።​—⁠ዳንኤል 4:17፣ 7:13, 14

10. ክርስትያናዊ ለውሃት ድኽመት ዘይኰነት ስለምንታይ እያ፧

10 እታ ብየሆዋን የሱስን እትንጸባረቕ ባህ እተብል ለውሃት ናባታቶም ንኽንቀርብ ትሕግዘና እያ። (ያእቆብ 4:8) ልክዕ እዩ: ለውሃት ድኽመት ኣይኰነትን። እቲ ዅሉ ዝኽእል የሆዋ ኣምላኽ ኣዝዩ ብርቱዕን ሓያልን እዩ። ኣብቶም ረሲኣን ቍጥዓኡ ይነድድ እዩ። (ኢሳይያስ 30:27፣ 40:26) የሱስ እውን ብተመሳሳሊ ሰይጣን ድያብሎስ ክፍትኖ ኸሎ እውን ከይተረፈ ጽኑዕ ኣቕዋም ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ዝገብርዎ ዝነበሩ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኸም ዘይረኣየ ዀይኑ ኽሓልፎ ኣይደለየን። (ማቴዎስ 4:1-11፣ 21:12, 13፣ ዮሃንስ 2:13-17) ደቀ መዛሙርቱ ኽጋገዩ ኸለዉ ግን ብለውሃት ይእርሞም ነበረ: ድኻሞም እውን ብትዕግስቲ ጾረ። (ማቴዎስ 20:20-28) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ንለውሃት “ብድሕሪ ልእመት ከም ኣቻዮ ዝምብርትዑ ሓይሊ ኣሎ” ኢሉ ኽገልጻ ሓቁ እዩ። እምበኣር ነታ ክርስቶስ ዘንጸባረቓ ለውሃት ንሕናውን ነንጸባርቃ።

ካብቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኣዝዩ ለዋህ ዝነበረ ሰብ

11, 12. ንኣተዓባብያ ሙሴ ኣብ ግምት ብምእታው ለውሃቱ ሓለፍ ዝበለት ዝገብራ እንታይ እዩ፧

11 ሕጂ እንርእዮ ሳልሳይ ኣብነት ሙሴ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል [“ለዋህ:” NW እግረ⁠-​ጽሑፍ] ነበረ” ይብለና። (ዘሁልቍ 12:3) ነዚ ቓላት እዚ ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ እዩ ኣጽሒፍዎ። ሙሴ ዝነበሮ ዘደንቕ ልእመት ንመምርሒ የሆዋ ኸም ዝቕበል ገበሮ።

12 ኣተዓባብያ ሙሴ ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። ጥልመትን ቅትለትን ሰፊኑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን የሆዋ ነዚ ወዲ እሙናት እብራውያን ብህይወት ከም ዝቕጽል ገበሮ። ሙሴ ብንእሽቶኡ ምስታ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣጸቢቓ ዝመሃረቶ ኣዲኡ ነበረ። ጸኒሑ ናብ ኣዝዮም እተፈልዩ ሰባት ዘለዉዎ ቤት ተወስደ። እቲ ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ክርስትያን ሰማእታት ዝዀነ እስጢፋኖስ: “ሙሴ ድማ ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ: ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ” ኢሉ ብዛዕባኡ ኣዘንተወ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:22) እቶም ሓላቑ ባሮት ፈርኦን ኣብ ኣሕዋቱ ዝፍጽምዎ ግፍዒ ምስ ረኣየ እምነቱ ተጋህደት። ሙሴ: ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እብራዊ ኽወቕዖ ርእዩ ዘርዩ ስለ ዝቐተሎ: ካብ ግብጺ ናብ ሚድያን ክሃድም ተገደደ።​—⁠ዘጸኣት 1:15, 16፣ 2:1-15፣ እብራውያን 11:24, 25

13. ሙሴ ኣብ ሚድያን 40 ዓመት ምቕማጡ እንታይ ጽልዋ እዩ ገይሩሉ፧

13 ሙሴ ወዲ 40 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ በረኻ ርእሱ ኽኢሉ ኽነብር ነበሮ። ኣብ ሚድያን ምስ በጽሐ ሸውዓተ ኣዋልድ ራጉኤል ተጓነፋኦ: ንሱ ድማ ነተን ብዙሓት መጓሰ ኣቦአን ዝኸውን ማይ ክቐድሓ ሓገዘን። እተን ኣዋልድ ናብ ቤተን ምስ ተመልሳ ንኣቦአን ራጉኤል “ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ” ካብቶም ዘሸገርወን ጓሶት ከም ዘናገፈን እናተሓጐሳ ገለጻሉ። ድሕርዚ ራጉኤል ንሙሴ ምስ ስድራ​ቤቱ ክቕመጥ ሓተቶ። ሙሴ በቲ ዘጋጠሞ ጸበባ ኣይተማረረን: ኣብቲ ሓድሽ ከባቢ ምስ ዝነበረ ኣነባብራ ንኽወሃሃድ እውን ኣይዓገቶን። ፍቓድ የሆዋ ንኽገብር ዝነበሮ ባህጊ ኣይሃሰሰን። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ 40 ዓመታት ነታ መለለይቱ ዝዀነት ባህሪ ኣማዕበላን ኣመሓየሻን። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ነባጊዕ ራጉኤል ይጓሲ ነበረ: ንጺጶራ ድማ ተመርዓዋ: ኣወዳት ወሊዱ ኸኣ ኣዕበየ። እወ: ሙሴ ኻብቲ ዘጋጠሞ ጸበባ ለዋህ ምዃን ተማህረ።​—⁠ዘጸኣት 2:16-22፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:29, 30

14. ሙሴ መራሒ እስራኤላውያን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ለውሃት ዘንጸባረቐሉ ኣጋጣሚ ግለጽ።

14 የሆዋ ንሙሴ መራሒ ህዝቢ እስራኤል ገይሩ ምስ ሸሞ: ለውሃቱ ብንጹር ትንጸባረቕ ነበረት። ሓደ እዋን ሓደ ጐበዝ ኤልዳድን ሜዳድን ኣብ ሰፈር ይንበዩ ኸም ዘለዉ ንሙሴ ነገሮ። የሆዋ ንሙሴ ምእንቲ ኽሕግዙ ኢሉ ኣብቶም 70 ዓበይቲ መንፈሱ ኸፍስስ ከሎ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብኡ ኣይነበሩን። እያሱ “ጐይታይ ሙሴ: ከልክሎም” በሎ። ሙሴ ግን ብለውሃት “ንስኻዶ ስለይ ቀኒእካ ኢኻ፧ እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም እንተ ዜንብር: ኵሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከኣ ነብያት እንተ ዚዀኑ መን ምሀበ” ኢሉ መለሰሉ። (ዘሁልቍ 11:26-29) ኣብዚ ዅነታት እዚ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ኸም ዝቃለል ዝገብረቶ ለውሃቱ እያ።

15. ሙሴ ዘይፍጹም እኳ እንተ ነበረ: ኣብነቱ ኽንስዕብ ዝግብኣና ግን ስለምንታይ ኢና፧

15 ሓደ እዋን ግን ሙሴ ለውሃት ኣየንጸባረቐን። ኣብታ ኣብ ጥቓ ቃዴስ እትርከብ መሪባ ነቲ ገባር ተኣምራት ዝዀነ የሆዋ ኽብሪ ኣይሃበን። (ዘሁልቍ 20:​1, 9-13) ሙሴ ዘይፍጹም እኳ እንተ ነበረ: እታ ነቕ ዘይትብል እምነቱ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ደጊፋቶ እያ: እታ እተደንቕ ለውሃቱ ድማ ሕጂውን ንዓና ትስሕበና እያ።​—⁠እብራውያን 11:23-28

ጭከናን ለውሃትን ክነጻጸራ ኸለዋ

16, 17. ካብ ዛንታ ናባልን ኣቢጋይልን እንታይ መጠንቀቕታ ኢና እንረክብ፧

16 ድሕሪ ሞት እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሳሙኤል ነዊሕ ከይጸንሐ ዳዊት ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እተፈጸመ ሓደ መጠንቀቕታ ዝዀነና ዛንታ ንረክብ ኢና። እቲ ዛንታ ብዛዕባ ናባልን ኣቢጋይል ሰበይቱን እዩ። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሰባት ዓብዪ ፍልልይ ነበረ። ኣቢጋይል “ኣስተውዓሊት” ነበረት ሰብኣያ ግን “ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ ነበረ።” እቶም ንመጓሰኡ ኻብ ሰረቕቲ ዝሓለዉሉ ዳዊትን ሰቡን እኽለ⁠-​ማይ ክህቦም ንዘቕረቡሉ ሕቶ ሕማቕ መልሲ ብምምላስ ነጸጎ። ዳዊትን ሰቡን በዚ ስለ እተቘጥዑ ሰይፎም ዓጢቖም ንናባል ከጥፍእዎ ተበገሱ።​—⁠1 ሳሙኤል 25:2-13

17 ኣቢጋይል እቲ እተፈጸመ ነገራት ምስ ፈለጠት: ቀልጢፋ እንጌራን ወይንን ስጋን ጐጎ ዘቢብን ጐጎ በለስን ሒዛ ንዳዊት ክትረኽቦ ወጸት። “ኣታ ጐይታይ: እዚ ኣበሳ እዚ ኣባይ ይኹን: በጃኻ: ገረድካ ኣብ እዝንኻ ትዛረብ: ዘረባ ገረድካውን ስማዕ” ኢላ ድማ ለመነቶ። ኣቢጋይል ብልኡም ቃል ስለ ዝለመነቶ ልቢ ዳዊት ለስለሰ። ዳዊት ዘረባ ኣቢጋይል ምስ ሰምዐ “እቲ ኽፉእ ከይገብረኪ ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ህያው እዩ። . . . ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን: ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው: ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ” በላ። (1 ሳሙኤል 25:18, 24, 32, 33) ናባል ዝነበሮ ናይ ጭካነ ባህሪ መወዳእታኡ ናብ ሞት መርሖ። እቲ ጽቡቕ ባህርያት ኣቢጋይል ኣማስያኡ ሰበይቲ ዳዊት ብምዃን ሓጐስ ከም እትረክብ ገበራ። እቲ ለውሃታ ንዅሎም እቶም ሕጂ ንየሆዋ ዘገልግሉ ዘለዉ ኣብነት ዝኸውን እዩ።​—⁠1 ሳሙኤል 25:36-42

ለውሃት ስዓብ

18, 19. (ሀ) ለውሃት ክንለብስ ከሎና እንታይ ለውጥታት እዩ ንጹር ዝኸውን፧ (ለ) ገዛእ ርእስና ብዝግባእ ንኽንምርምር ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ እዩ፧

18 እምበኣር ለውሃት ናይ ግድን ከነንጸባርቓ ዘሎና ባህሪ እያ። እዛ ባህሪ እዚኣ ልዙብ ምዃን ማለት ጥራይ ኣይኰነትን: የግዳስ ንኻልኦት ዕረፍቲ እተምጽእ እትምስጥ ባህሪ እያ። ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥና ተሪር ዘረባ ንዛረብን ሕያውነት ዘይብሉ ተግባር ንገብርን ኔርና ንኸውን: ቃል ኣምላኽ ምስ ተምሃርና ግን ተቐይርናን ብዝያዳ ባህ ዘብል ባህሪ ኣጥሪናን ምስ ካልኦት እንቃዶ ዄንናን ኢና። ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ልበሱ” ክብሎም ከሎ ብዛዕባ እዚ ለውጢ እዚ እዩ ዝዛረቦም ነይሩ። (ቈሎሴ 3:12) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ለውጢ እዚ ኻብ ከም ነብሪ: ኣንበሳ: ድቢ: ተመን ዝኣመሰሉ ሕሱማት ኣራዊት ናብ ከም ዕየት: ማሕስእ: ምራኽ: ላም ዝኣመሰላ ሰላማውያን እንስሳ ዘቤት ምስ ምቕያር ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ኢሳይያስ 11:6-9፣ 65:25) እዚ ናይ ባህርያት ለውጢ እዚ ኣዝዩ ዘደንቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ተዓዘብቲ እውን ከይተረፉ የስተንክሩ እዮም። ንሕና ግን ሓንቲ ኻብተን ፍረ መንፈስ ለውሃት ብምዃና: ነቲ እንገብሮ ለውጢ ሳላ መንፈስ ኣምላኽ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።

19 ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ሓንሳእ እቲ ዝድለ ለውጢ ጌርና ህይወትና ንየሆዋ ምስ ወፈና: ለዋሃት ንምዃን ጻዕሪ ኽንገብር ኣየድልየናን እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ከመይሲ ሓድሽ ክዳን እውን እንተዀነ ጽሩይን ጽፉፍን ኰይኑ ንክቕጽል ብቐጻሊ ኽንክን የድልዮ እዩ። ቃል ኣምላኽ ምምርማርን ብዛዕባቲ ኣብኡ ዝርከብ ኣብነታት ምስትንታንን ንገዛእ ርእስና ኸም ብሓድሽ ሓደ ዕላማ ሒዝና ንኽንምርምራ ይሕግዘና። እቲ ኸም መስትያት ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ብዛዕባኻ እንታይ እዩ ዝገልጽ፧​—⁠ያእቆብ 1:23-25

20. ለውሃት ብምንጽብራቕ ዝመጸ ኣሳልጦ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 ባህርያት ሰባት እተፈላለየ እዩ። ገሊኣቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ካልኦት ብዝያዳ ለውሃት ከንጸባርቑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር: ኵሎም ክርስትያናት ፍረ መንፈስ ኣምላኽ: እንተላይ ለውሃት ከማዕብሉ ኣለዎም። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብፍቕራዊ መገዲ “ደድሕሪ ጽድቂ: ኣምልኾ: እምነት: ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት [ለውሃት] ስዐብ” ኢሉ መዓዶ። (1 ጢሞቴዎስ 6:11) እታ ኣብዚ “ስዐብ” ተባሂላ ዘላ ቓል ጻዕሪ ኸም ዘድሊ እያ እተመልክት። ሓደ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ቓል እዚኣ በቲ ባህርያት ንኽትመላለስ ‘ቈራጽነት ግበር’ ብምባል ተርጒምዋ ኣሎ። (ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ ብጀይ. ቢ. ፊሊፕስ) ብዛዕባ እቶም ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከቡ ሰናይ ኣብነታት ዝዀኑና ሰባት ንኸተስተንትን ጻዕሪ እንተ ጌርካ: ኣብ ኣእምሮኻ ክቕረጹ እዮም። ክቐርጹኻን ክመርሑኻን እዮም።​—⁠ያእቆብ 1:21

21. (ሀ) ለውሃት ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

21 ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ እነርእዮ ጠባይ: ክሳዕ ክንደይ ለውሃት ከም እነንጸባርቕ የርእየና። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ” በለ። (ያእቆብ 3:13) ነዛ ክርስትያናዊት ባህሪ እዚኣ ኣብ ቤትና: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና: ከምኡውን ኣብ ጉባኤና ኸነንጸባርቓ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ጠቓሚ መምርሒ ኽትህበና እያ።

ድግማ

• ካብዞም ዝስዕቡ ብዛዕባ ለውሃት እንታይ ተማሂርካ፧

• ካብ የሆዋ

• ካብ የሱስ

• ካብ ሙሴ

• ካብ ኣቢጋይል

• ለውሃት ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንመስዋእቲ ኣቤል እተቐበሎ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ለውሃትን ትሕትናን ኢድን ጓንትን ምዃነን ኣርኣየ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሙሴ ለውሃት ብምንጽብራቕ ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉልና