ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ” ኣርኢ

“ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ” ኣርኢ

“ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ” ኣርኢ

“ልኡማት: ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።” —⁠ቲቶስ 3:1, 2

1. ለውሃት ምንጽብራቕ ኵሉ ግዜ ቀሊል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ: ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 11:1) ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምሉኦም ነዚ ማዕዳ እዚ ኽስዕቡ ይጽዕሩ እዮም። ልክዕ እዩ: ካብ ቀዳሞት ወለድና ምስቲ ክርስቶስ ዝገደፎ ኣብነት ዘይቃዶ ናይ ስስዐ ባህግታትን ጠባያትን ስለ ዝወረስና: እዚ ቐሊል ኣይኰነን። (ሮሜ 3:23፣ 7:21-25) ይኹን እምበር: ኵላትና ጻዕሪ እንተ ጌርና ለውሃት ከነንጸባርቕ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ቘራጽነት ጥራይ ምትእምማን ኣኻሊ ኣይኰነን። እንታይ ካልእ ነገራት ደኣ እዩ እሞ ዘድሊ፧

2. “ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ” ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2 እታ ኣምላኽ ዘንጸባርቓ ዓይነት ለውሃት ክፍሊ ፍረ መንፈስ እያ። ነቲ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽዓዪ ብዝፈቐድናሉ መጠን: ፍሪኡ እናነጸረ ይኸይድ። ሽዑ ኸኣ ኢና “ለውሃት ዘበለ ” ንዅሉ ሰብ ከነርኢ እንኽእል። (ቲቶስ 3:2 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እምበኣር: ኣብነት የሱስ ብኸመይ ከም እነንጸባርቕን ነቶም ምሳና ርክብ ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ‘ዕረፍቲ ኸም ዝረኽቡ’ ኽንገብር ከም እንኽእልን እስከ ንመርምር።​—⁠ማቴዎስ 11:29፣ ገላትያ 5:22, 23

ኣብ ስድራ​ቤት

3. እንታይ ኣብ ስድራ​ቤታት ዘሎ ዅነታት እዩ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ዘንጸባርቕ፧

3 ሓደ ኻብቲ ለውሃት ክንጸባረቐሉ ዘድሊ መዳይ ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤት እዩ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ስድራ​ቤት ዝፍጸም ዓመጻ ኻብቲ ሓደጋ ተሽከርከርትን ሕማም ዓሶን ብድምር ዘስዕቦ ዝገድድ ኣብ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ጕድኣት ከም ዘለዎ ገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ: ርብዒ ኻብቲ ዝቐርብ ጥርዓን ብሰንኪ ኣብ ቤት ዝፍጸም ዓመጻ እዩ። ስምዒቶም ብ“ታዕታዕን ጸርፍን” ዝገልጹ ሰባት ንኣባላት ፖሊስ ብተደጋጋሚ የጋጥምዎም እዮም። ካብዚ ዝገደደ ኸኣ ገሊኣቶም ሰብ ሓዳር “መሪር” ዘረባ ንሓዳሮም ጽልዋ ኽገብረሉ ፈቒዶም እዮም። እዚ ዅሉ ነጸብራቕ “መንፈስ ዓለም” ስለ ዝዀነ ኣብ ክርስትያን ስድራ​ቤታት ቦታ ኽህልዎ ኣይግባእን።​—⁠ኤፌሶን 4:31፣ 1 ቈረንቶስ 2:12

4. ለውሃት ኣብ ስድራ​ቤት እንታይ ጽልዋ ኽህልዋ ይኽእል፧

4 ዓለማዊ ዝንባለታት ንምቅዋሙ: መንፈስ ኣምላኽ የድልየና። “ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ: ኣብኡ ሓርነት አሎ።” (2 ቈረንቶስ 3:17) ፍቕሪ: ሕያውነት: ምግታእ ርእሲ: ከምኡውን ዓቕሊ ንሓድነት ናይ ዘይፍጹማት ሰብኡትን ኣንስትን የደልድል እዩ። (ኤፌሶን 5:33) ለውሃት ነቲ ሃዋሁ ኸም ዝፈኵስ ትገብር: ነቲ ኣብ ብዙሓት ስድራ​ቤታት ሰፊኑ ዘሎ ቘየቛን ክትዕን ከኣ ባህ ብዘብል ባህርያት ከም ዝትካእ ትገብር። እቲ ሓደ ሰብ ዝዛረቦ ቓላት ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ: ነቲ ቓላቱ ሒዝዎ ዘሎ መንፈስ ዘመሓላልፎ ግን ኣገላልጽኡ እዩ። ሻቕሎትናን ጭንቀትናን ብለውሃት ምስ እንገልጽ ንዝነበረ ወጥሪ የፋዅሶ እዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ: ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል” በለ።​—⁠ምሳሌ 15:1

5. ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ለውሃት ክትሕግዝ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

5 ብፍላይ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ለውሃት ኣድላዪት እያ። ብሕያውነት ምስ እትስነ ኸኣ ነቶም ንየሆዋ ዘይተቐበሉ ዘበሉ ኻብ መገዶም ንኽምለሱ ትሕግዞም። ጴጥሮስ ንክርስትያናት ኣንስቲ ኸምዚ ኢሉ መዓደን:- “ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ: ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ: በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ​ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ: ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም። ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር: እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን: ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን: ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን።”​—⁠1 ጴጥሮስ 3:1-4

6. ለውሃት ምንጽብራቕ ነቲ ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ዘሎ ማእሰር ዘደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

6 ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ዘሎ ርክብ ክሕርፍፍ ይኽእል እዩ: ብፍላይ ሓዲኦም ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ምስ እትጐድል ከኣ እዚ ብዝያዳ ይጐልሕ። ይኹን እምበር: ኣብ ኵለን ክርስትያን ስድራ​ቤታት ለውሃት ክትርአ ኣለዋ። ጳውሎስ ነቦታት “ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ኢሉ መዓዶም። (ኤፌሶን 6:4) ኣብ ስድራ​ቤት ለውሃት ምስ እትሰፍን: ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ዘሎ ማእሰር ይድልድል። ሓሙሽተ ውሉዳት ኣብ ዘለዉዋ ቤት ዝዓበየ ዲን ብዛዕባ ኣቦኡ ዘለዎ ተዘክሮ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣቦይ ለዋህ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝጐበዝኩሉ እዋን እውን ከይተረፈ ምስኡ ተቛይቘ ኣይፈልጥን። ዋላ እውን ክሓርቕ ከሎ ወትሩ ኣዝዩ ለዋህ እዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ኻብ ክፍለይ ከይወጽእ ይእዝዘኒ ወይ ገለ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ሓለፋታት ይኽልክለኒ እኳ እንተ ነበረ: ተኸራኺርና ግን ኣይንፈልጥን ኢና። ኣቦና ጥራይ ዘይኰነስ ዓርክና እውን እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ከነጕህዮ ኣይንደልን ኢና ኔርና።” እወ: ለውሃት ነቲ ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ዘሎ ማእሰር ተደልድሎ እያ።

ኣብ ኣገልግሎት

7, 8. ኣብ ኣገልግሎትና ለውሃት ምንጽብራቕ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ካልእ ለውሃት እተድልየሉ መዳይ ከኣ ኣብ ኣገልግሎትና እዩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ክንነግር ከሎና: እተፈላለየ ባህሪ ዘለዎም ሰባት እዮም ዘጋጥሙና። ገሊኣቶም ነቲ እነብጽሓሎም ናይ ተስፋ መልእኽቲ ተሓጒሶም ይሰምዕዎ። ገሊኣቶም ከኣ ብእተፈላለየ ምኽንያታት ኣይቅበሉናን እዮም። ከምዚ ኸጋጥመና ኸሎ ኸኣ እዩ ነቲ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ንኽንከውን እተዋህበና መዝነት ኣብ ምፍጻም ለውሃት ብዙሕ እትሕግዘና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:5

8 ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንክርስቶስ ብልብኹም ከም ጐይታ ቐድስዎ። ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ንዚሓተኩም ዘበለ ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ ዅሉ ሳዕ ድልዋት ኩኑ። ግናኸ ብለውሃትን ብኽብርን ግበርዎ።” (1 ጴጥሮስ 3:15 ትርጕም 1990 ) ንክርስቶስ ከም ኣብነትና ጌርና ስለ እንስዕቦ: ነቶም ሕማቕ ምላሽ ዝምልሱልና ኽንምስክር ከሎና ብለውሃትን ብኽብርን ኢና እንዛረቦም። ከምዚ ምግባር መብዛሕትኡ ግዜ ዘደንቕ ፍረ የፍሪ።

9, 10. ኣብ ኣገልግሎት ለውሃት ምንጽብራቕ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ዝገልጽ ተመክሮ ኣዘንቱ።

9 ሓደ እዋን ኣብ እንዳ ኪት ሓደ ሰብ ምስ ኳሕኵሐ: በዓልቲ ቤቱ ነቲ ማዕጾ ኸፈተቶ። ኪት ግን ኣብ ውሽጢ ገዛ ነበረ። ሰበይቲ ኪት እቲ ማዕጾኦም ዝኳሕኵሐ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ምስ ፈለጠት: ቍጥዕ ኢላ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንደቅኹም ኣይትርሕርሑሎምን ኢኹም ኢላ ነቐፈቶ። እቲ ሓው ግን ከይተቘጥዐ ህድእ ኢሉ “ብዛዕባና ኸምዚ ዝስምዓኪ ምዃኑ የሕዝነኒ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ከም ዝኣምኑዶ ኸርእየኪ፧” በላ። ኪት ነቲ ዘረባ ይሰምዖ ስለ ዝነበረ: ናብቲ ማዕጾ ብምኻድ ነቲ ዝርርብ መዕጸዊ ገበረሉ።

10 ጸኒሖም ግን እቶም ሰብ ሓዳር ነቲ ኽበጽሖም ዝመጸ ሰብ ብኣኽብሮት ስለ ዘየዘራረብዎ ተጣዕሱ። እቲ ለውሃቱ ልቦም ተንከፎም። እቲ ዘገረሞም ከኣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እቲ ሓው ክበጽሖም መጸ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኪትን በዓልቲ ቤቱን ነቲ ዝኣምነሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ክገልጸሎም ዕድል ሃብዎ። ጸኒሖም “ኣብቲ ዝቐጸለ ኽልተ ዓመት: ነቲ ኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነግሩና ዝነበሩ ንሰምዕ ነበርና” በሉ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ተሰማምዑ: ኣማስያኡ ኸኣ ክልቲኦም ንየሆዋ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ኣብ ማይ ብምጥማቕ ኣርኣዩ። እቲ ፈለማ ናብ እንዳ ኪትን በዓልቲ ቤቱን ዝኸደ ናይ የሆዋ ምስክር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ፍረ ዀን እዩ ኣፍርዩ! እዚ ሓው እዚ ድሕሪ ገለ ዓመታት ነቶም ብመንፈስ ሓዉን ሓብቱን ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ረኸቦም። ለውሃት ብምንጽብራቑ ፍረ ረኸበ።

11. ለውሃት ንሓደ ሰብ ክርስትያናዊት ሓቂ ንክቕበል መገዲ ኽጸርገሉ ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ሃሮልድ እቲ ወተሃደር ኰይኑ ዘሕልፎ ተመክሮ ከም ዝምረርን ህላወ ኣምላኽ ከም ዝጠራጠርን ገይርዎ ነይሩ። ሓደ ዝሰኸረ መራሕ ማኪና ብዝፈጠሮ ሓደጋ ማኪና ሰንኪሉ ምስ ተረፈ ኸኣ እቲ ሽግራቱ ተጋደደ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤቱ ኽምስክሩሉ ምስ መጹ: ካልኣይ ግዜ ከይመጽዎ ኣትሪሩ ተዛረቦም። ሓደ መዓልቲ ግን ሓደ ቢል ዝበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ቤት ሃሮልድ ሓንቲ ገዛ ዘሊልካ እትርከብ ቤት ክበጽሕ ደለየ። ብጌጋ ግን እንዳ ሃሮልድ ኳሕኵሐ። ሃሮልድ ምርኵስ ተመርኲሱ ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈቶ: ቢል ናብቲ ኣብ ጥቕኡ ዝርከብ ቤት ከም ዝመጸ ብምግላጽ ብኡንብኡ ይቕረታ ሓተቶ። ድሕርዚ ሃሮልድ እንታይ ገበረ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ክሃንጹ ኸለዉ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብ ተለቪዥን ርእዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ብሓድነት ክሰርሑ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ብምድናቑ: ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮ ኣረኣእያ ተቐየረ። በቲ ቢል ዝሓተቶ ይቕረታን በቲ ባህ ዘብል ለውሃቱን ስለ እተሳሕበ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክመጽዎ ኸለዉ ኽሰምዖም ወሰነ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ጀመረ: ዕቤት ገበረ: እተጠመቐ ኣገልጋሊ የሆዋ ድማ ዀነ።

ኣብ ጉባኤ

12. ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ዓለማዊ ባህርያት እዮም ክጻረሩ ዘለዎም፧

12 ለውሃት ዘድልየሉ ኻልእ መዳይ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ሕብረተሰብ ግጭት ኵሉ ግዜ ዘጋጥም ነገር እዩ። ኣብቶም ንህይወት ብስጋዊ ዓይኒ ዝርእይዋ ሰባት ክትዕ: መጐተ: ምጕንፋጥ ልሙድ እዩ። ሓድሓደ ግዜ እዚ ኣብ ዓለም ዝርአ ባህርያት ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይልሕዅ እሞ ክትዕን ቈየቛን ይንጸባረቕ። ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከጋጥም ከሎ ይሓዝኑ እዮም። ይኹን እምበር: ንየሆዋን ነሕዋቶምን ዘለዎም ፍቕሪ ነቶም እተጋገዩ ናብ ቅኑዕ መገዲ ንኽምለሱ ኽሕግዝዎም ይድርኾም እዩ።​—⁠ገላትያ 5:25, 26

13, 14. ‘ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት ምግናሕ’ እንታይ ፍረ ኸፍሪ ይኽእል፧

13 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ጳውሎስን ብጻዩ ጢሞቴዎስን ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ኻብ ዝነበሩ ገለ ሰባት ጸገማት ኣጋጢምዎም ነበረ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ካብቶም ብኣቓሑ “ውርደት” ዝምሰሉ ሰባት ክርሕቕ ኣጠንቀቖ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ: መሃሪ: ዕጉስ ኪኸውን እምበር: ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ። . . . [የግዳስ] ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት [ይገንሖም]” በሎ። ዘሕርቕ ኵነታት እናኣጋጠመና ለውሃት እንተ ኣርኢና: እቶም እተፈልየ ሓሳብ ዘለዎም እውን ከይተረፉ ነቲ ነቐፋኦም ምልስ ኢሎም ንኽምርምሩ ይድረኹ እዮም። ከምቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ኸኣ የሆዋ ‘ንሓቂ ምእንቲ ኽፈልጥዋ ኢሉ: ንስሓ ይህቦም።’ (2 ጢሞቴዎስ 2:20, 21, 24, 25) ኣብዚ ጳውሎስ ንለውሃት ምስ ህድኣት ከም ዘተሓሓዛ ኣስተብህል።

14 ጳውሎስ ነቲ ዝሰበኾ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ነበረ። ምስቶም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ “ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት” ብዛዕባ ዝነበሮ ርክብ ብእተተሓሓዘ ነሕዋት ከምዚ ኢሉ ተማሕጸኖም:- “ኣነ ምሳኻትኩም ከሎኹ: ኣብ ገጽን ያኢ ዝትሑት: ምስ ረሐቕኩ ግና ኣባኻትኩም ዝተባዕ: ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብዓቕሊ ክርስቶስን ብለውሃቱን እምዕደኩም አሎኹ።” (2 ቈረንቶስ 10:1፣ 2 ቈረንቶስ 11:5) ጳውሎስ ብሓቂ ንክርስቶስ መሲልዎ እዩ። ነቶም ኣሕዋት ዘቕረቦ ምሕጽንታ “ብለውሃት” ክርስቶስ ምዃኑ ኸነስተውዕለሉ ይግባእ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ናይ ትዕቢትን ናይ ጭቈናን ኣረኣእያ ኣየንጸባረቐን። እቲ ለበዋኡ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝርከቡ ተቐባሊ ልቢ ዝነበሮም ሰባት ከም ዝተንከፎም ኣየጠራጥርን እዩ። ነቲ ሓርፊፉ ዝነበረ ርክብ ብምዕራይ ኣብታ ጉባኤ ሰላምን ሓድነትን ከም ዝሰፍን ገበረ። እዝስ ኵላትና ኽንቀድሖ ዘሎና ኣብነትዶ ኸይኰነ፧ ብፍላይ ሽማግለታት ኣብ ኵሉ ተግባራቶም ንክርስቶስን ጳውሎስን ክመስልዎም ኣለዎም።

15. ተግሳጽ ክትህብ ከሎኻ ለውሃት እተድሊ ስለምንታይ እያ፧

15 ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት: ሓንቲ ጉባኤ ሰላማን ሓድነታን ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተወ ጥራይ ኣይኰነን ክዕየየሉ ዝግባእ። ርክባት ቅድሚ ምሕርፋፉ ነሕዋት ብፍቕሪ መምርሒ ኽወሃቦም የድሊ። ጳውሎስ “ኣሕዋተየ: ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ: ነዚ ኸምዚ ዝበለ: . . . ኣቕንዕዎ” ኢሉ ተማሕጸነ። ብኸመይ ግን እዮም ከቕንዕዎ፧ ጳውሎስ “ብናይ ለውሃት መንፈስ ኣርምዎ። ንስኻትኩምውን ንገዛእ ርእስኹም ከይትፍተኑ ተጠንቀቑ” (ትርጕም 1990 ) በለ። (ገላትያ 6:1) ወትሩ “ብናይ ለውሃት መንፈስ” ምምልላስ ቀሊል ኣይኰነን: ከመይሲ ኵሎም ክርስትያናት: እንተላይ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም እውን ከይተረፉ: ብሓጥእ ዝንባለታት ይጽለዉ እዮም። ይኹን እምበር: እቲ ዝበደለ ዝወሃቦ እርማት ክቕበል ዝኽእል ብለውሃት ምስ ዝቐርበሉ እዩ።

16, 17. ሰባት ንዝወሃቦም ተግሳጽ ንክቕበልዎ ምስ ዘዕጠጥዩ እውን ንምሕጋዞም እንታይ እያ እተድሊ፧

16 ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ግሪኽ እታ “ኣቕንዕዎ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል ንእተሰብረ ኣዕጽምቲ ትኽ ምባል እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። እዚ ኸኣ ብርቱዕ ቃንዛ ኣለዎ። እቲ ሓኪም ግን እዚ መስርሕ እዚ ኽግበር ዘድለየሉ ምኽንያት ብኣወንታዊ መገዲ ብምዝራብ የነጽረልካ። እቲ ህዱእ ዅነታቱ ኸኣ የጸናንዓካ። እቲ ኣቐዲሙ እተዛረበካ ሒደት ቓላት ነቲ ቓንዛ የዝሕሎ። ብተመሳሳሊ መንፈሳዊ ምቕናዕ እውን ዘሳቒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ለውሃት ግን ነቲ ተግሳጽ ተቐባልነት ከም ዝህልዎ ትገብር: በዚ ኸምዚ ጽቡቕ ርክብ ይምስረት: ነቲ በዳሊ ኻብ ጌጋኡ ንኽምለስ ከኣ መገዲ ትጸርግ። ሓደ ሰብ ኣብ ፈለማ ተግሳጽ ምስ ዘይቅበል እውን በቲ ኣብቲ ኽሕግዞ ዝጽዕር ሰብ ዝርእዮ ለውሃት ተደሪኹ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ኽስዕቦ ይኽእል እዩ።​—⁠ምሳሌ 25:15

17 ካልኦት መገዶም ከቕንዑ ኽትሕግዞም ከሎኻ: መብዛሕትኡ እዋን እቲ እትህቦ ተግሳጽ ከም ነቐፋ ዀይኑ ይውሰድ ይኸውን። ሓደ ጸሓፊ “ንኻልኦት ክንገንሕ ከሎና ተሪር ቃላት ናይ ምጥቃም ዝንባለ ስለ ዘሎና: ትሕትና ተድልየና እያ” ብምባል ገለጸ። ክርስትያናት ክግስጹ ኸለዉ ኻብ ትሕትና ዝመነጨት ለውሃት ምስ ዘማዕብሉ: ካብዚ ሓደጋ እዚ ኽድሕኑ ይኽእሉ።

“ንዅሉ ሰብ”

18, 19. (ሀ) ክርስትያናት ምስ ሰበ⁠-​ስልጣን ዓለም ኣብ ዘለዎም ርክብ ለውሃት ከርእዩ ዝኸብዶም ስለምንታይ ክኸውን ይኽእል፧ (ለ) ክርስትያናት ነቶም ስልጣን ዘለዎም ናይ ለውሃት መንፈስ ንኸርእይዎም ዝሕግዞም እንታይ እዩ: እዚኸ እንታይ ፍረ ኸፍሪ ይኽእል፧

18 ብዙሓት ክርስትያናት ለውሃት ከርእዩ ዘጸግሞም: ምስ ዓለማውያን ሰበ⁠-​ስልጣን ኣብ ዘለዎም ርክብ እዩ። ልክዕ እዩ: ገሊኣቶም ሰበ⁠-​ሰልጣን ዝፍጽምዎ ተግባራት ግፍዐኛታትን ዘይሓልዩን ምዃኖም እዩ ዘርኢ። (መክብብ 4:1፣ 8:9) ይኹን እምበር: ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ንሱ ዝለዓለ ብዓል⁠-​ስልጣን ምዃኑን ንሰበ⁠-​ስልጣን መንግስቲ ዝግብኦም ክብሪ ኽንህቦም ከም ዘሎናን ንኸነስተውዕል ይሕግዘና። (ሮሜ 13:1, 4፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:1, 2) ገሊኣቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ብዕሊ ንኸይንምስክር እኳ እንተ ኸልከሉና: ከይተመረርና መስዋእቲ ምስጋና እነቕርበሉ ኻልእ መገድታት ኢና እነናዲ።​—⁠እብራውያን 13:15

19 ዝወረደ እኳ እንተ ወረደና: ተባኣስቲ ኣይንኸውንን ኢና። ኣብ ጽድቃዊ ስርዓታት ከይተለማመጥና ልኡማት ክንከውን ኢና እንጽዕር። በዚ ኸምዚ ኣብተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ 234 ሃገራት ዝርከቡ ኣሕዋትና ኣገልግሎቶም የካይዱ ኣለዉ። ነቲ ጳውሎስ ‘ንሓላቑን ንስልጣናትን ተገዝኡ: ንመራሕቲ ተኣዘዙ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳሎኹም ኩኑ: ንሓደ እኳ ኣይትጽረፉ: ተባኣስቲ ኣይትኹኑ: ልኡማት: ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ እተርእዩ ኹኑ’ ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ንስዕብ ኢና።​—⁠ቲቶስ 3:1, 2

20. እቶም ብለውሃት ዝመላለሱ እንታይ በረኸታት እዮም ክረኽቡ፧

20 ኵሎም እቶም ለውሃት ዘርእዩ ሰባት ብዙሕ በረኸት ክረኽቡ እዮም። የሱስ “ዓቃላት: [“ለዋሃት:” ትርጕም 1990 ] ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:5) እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስ ብለውሃት ምስ ዝመላለሱ ሓጐስ ከም ዝረኽቡን ኣብታ ንምድሪ እትገዝእ መንግስቲ ገዛእቲ ኸም ዝዀኑን ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ክፍሊ እተን “ኻልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ከኣ ብለውሃት ብምምልላስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ገነት ንኽነብሩ ብሃንቀውታ እዮም ዝጽበዩ። (ራእይ 7:9፣ ዮሃንስ 10:16፣ መዝሙር 37:11) ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ በረኸት ኰን ኢና ኽንረክብ! እምበኣር ነቲ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን “ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ: ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም አሎኹ። ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን [ተመላለሱ]” ብምባል ዝሃቦ መዘኻኸሪ ከቶ ኣይንረስዓዮ።​—⁠ኤፌሶን 4:1-2 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ድግማ

• ኣብዚ ዝስዕብ መዳያት ለውሃት ምርኣይ እንታይ በረኸታት የምጽእ፧

• ኣብ ስድራ​ቤት

• ኣብ ኣገልግሎት

• ኣብ ጉባኤ

• ነቶም ለዋሃት እንታይ መብጽዓታት እዩ ተኣትዩሎም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ብፍላይ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ለውሃት ኣድላዪት እያ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ለውሃት ኣብ መንጎ ስድራ​ቤት ንዘሎ ማእሰር ተደልድሎ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብለውሃትን ብኽብርን ምላሽ ሃብ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ተግሳጽ ዝህብ ሰብ ለውሃት ምስ ዘርኢ ነቲ እተጋገየ ሰብ ይሕግዞ