ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እቲ ኣብ መዝሙር ዳዊት ዘሎ ቍጽርታት ኣብ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈላለ ስለምንታይ እዩ፧
ንመጀመርታ ግዜ ምዕራፍን ቍጽርን ዝሓዘ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወጸ: ኣብቲ ብ1553 ብሮበርት ኢስቲን እተሓትመ ናይ ፈረንሳይኛ ትርጕም እዩ። መዝሙር ዳዊት ግን ብብዙሓት ሰባት እተቐናበረ እተፈላለየ መዝሙራት ዝሓዘት ብምዃና: ቅድሚ ነዊሕ እዋን ተኸፋፊላ ምንባራ ፍሉጥ እዩ።
ንህዝባዊ ኣምልኾ ምእንቲ ኸገልግል ኢሉ የሆዋ ፈለማ ንዳዊት መዝሙራት ክእክብ መምርሒ ሂብዎ ክኸውን ኣለዎ። (1 ዜና መዋእል 15:16-24) ጸኒሑ እቲ “ፍጡን ጸሓፊ” ዝነበረ እዝራ ንዅሉ እቲ መዝሙራት ከምዚ ናይ መወዳእታ መልክዑ ገይሩ ኸም ዝጠርነፎ እዩ ዝእመን። (እዝራ 7:6) በዚ ኸምዚ ኸኣ መዝሙር ዳዊት እተፈላለየ መዝሙራት ዝሓዘት መጽሓፍ ኰነት።
ጳውሎስ ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኣብ ኣንጾክያ (ጵሲድያ) ኣብ ዝርከብ ቤት ጸሎት ካብ መዝሙር ዳዊት ብምጥቃስ “ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፤ ንስኻ ወደይ ኢኻ: ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” ኢሉ ተዛረበ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:33) ኣብዚ ሕጂ እንጥቀመሉ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ቓላት እዚ ኣብ ካልኣይ መዝሙር ቍጽሪ 7 እዩ ዝርከብ። እንተዀነ ግን: መብዛሕትኡ ኣብ መዝሙር ዳዊት ዘሎ ቍጽርታት ኣብ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ሕደ ኣይኰነን። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ገሊኣቶም ተርጐምቲ ኣብቲ ብእብራይስጢ እተዳለወ ናይ ማሶራውያን ጽሑፍ ክምርኰሱ ኸለዉ: ገሊኣቶም ግን ኣብቲ ካብ እብራይስጢ ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እተተርጐመ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ተመርኲሶም ስለ ዝዓየዩ እዩ። ንኣብነት: እቲ ንመብዛሕትኡ ናይ ካቶሊክ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ዝዀነ ናይ ላቲን ቩልጌት ነቲ ኣብ ሰፕቱጀንት ዝርከብ ቍጽርታት እዩ ዝጥቀም: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኰነ ኻልኦት ትርጕማት ግን ነቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ እዩ ዝስዕብ።
ኣበየናይ ክፋልከ እዩ እቲ ፍልልያት ዘሎ፧ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ብጠቕላላ 150 መዝሙራት ኣለዎ። ሰፕቱጀንት ግን 9ይትን 10ይትን መዝሙር ኣብ ሓንቲ: መበል 114ን 115ን መዝሙር ድማ ኣብ ሓንቲ እዩ ዘጠቓልለን። ብዘይካዚ መበል 116ን 147ን መዝሙር ኣብ ከክልተ ይመቕለን። ጠቕላላ ብዝሒ መዝሙራት እኳ እንተ ዘይተቐየረ: ኣብ ሰፕቱጀንት ካብ 10ይቲ ኽሳዕ መበል 146 መዝሙር ካብቲ ናይ እብራይስጢ ብሓደ ይድሕር። በዚ ምኽንያት እዚ እታ ህብብቲ መበል 23 መዝሙር ኣብቲ ኸም ናይ ላቲን ቩልጌት ዓይነት ቍጽርታት ዝስዕብ ድዋይ ቨርሽን መበል 22 መዝሙር እያ፣ ከመይሲ ናይ ላቲን ቩልጌት እውን ነቲ ናይ ሰፕቱጀንት እዩ ዝስዕብ።
ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዝሙር ዘሎ ቝጽርታት እውን ካብ ሓደ ትርጕም ናብ ካልእ እተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ግን ስለምንታይ እዩ ዝኸውን፧ ምኽንያቱ: ከምቲ ማክሊንቶክ ኤንድ ስትሮንግ ሳይክሎፔድያ ዝገልጾ: ገሊኡ ትርጕማት “ከምቲ ኣይሁድ ዝገብርዎ ነቲ ልዕለ-ጽሑፍ ከም ቀዳመይቲ ቝጽሪ” ጌርካ ስለ ዝወስዶ ክኸውን ከሎ ገሊኡ ግን ከምኡ ኣይገብርን እዩ። አረ ኣብ ገሊኡስ እቲ ኣርእስቲ ወይ ልዕለ-ጽሑፍ ነዊሕ እንተ ዀይኑ: ኣብ ክልተ ቍጽርታት ይምቀል እሞ በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣብታ መዝሙር ዘሎ ቝጽርታት እናወሰኸ ይኸይድ።