ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ “ምድሪ ኣራራት” ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝድግፍ ብይን ኣመሓላለፈ

ኣብ “ምድሪ ኣራራት” ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝድግፍ ብይን ኣመሓላለፈ

ኣብ “ምድሪ ኣራራት” ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝድግፍ ብይን ኣመሓላለፈ

ሓደ ጸጕሩ ዝሸየበ ኣቦ ሰለስተ ቘልዑ ኣብ ቅድሚ ናይ ሃገሩ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቐረበ። ናጽነቱን ናጽነት ብዙሓት ኣመንቲ ብጾቱን ኣብ ሕቶ ኣትዩ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሱ ብዛዕባ እምነቱ ኸረድእ ከሎ እቲ መጋባእያ ሰምዖ። እዚ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጕዳይ ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ዓብዪ ዓወት ከም ዝዀነ ምእንቲ ኽርድኣና: ነቲ ቕድሚ እዚ ዝነበረ ምዕባለታት እስከ ንመርምር።

ኣርመንያ ብሸነኽ ምብራቕ ቱርኪ: ካብቲ ዓብዪ ኸረን ኮከሰስ ከኣ ብሸነኽ ደቡብ እትርከብ ሃገር እያ። ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዝዀኑ ህዝቢ ድማ ኣለዉዋ። ኣብ ርእሲ ኸተማ ናይታ ሃገር ዝዀነት የረቫን ኴንካ ነቲ ዘደንቕ ኽልተ ጫፍ ከረን ኣራራት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸረን እዚ ብያታ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ናይ ኖህ መርከብ ዝዓረፈትሉ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።​—⁠ዘፍጥረት 8:4 a

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1975 ኣትሒዞም ኣብ ኣርመንያ ክርስትያናዊ ንጥፈታቶም ክፍጽሙ ጸኒሖም እዮም። ብ1991 ኣርመንያ ካብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ናጽነታ ምስ ረኸበት: ንጕዳያት ሃይማኖት ዝምርምር ሃገራዊ ሽማግለ: ሃይማኖታዊ ማሕበራት ንምምዝጋብ ተመስረተ። ይኹን እምበር: እዚ ሽማግለ እዚ ንክርስትያናዊ ገለልትነት ከም ቀንዲ ምኽንያት ብምቕራብ ብተደጋጋሚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምዝጋብ ኣበዮም። ስለዚ ኸኣ ካብ 1991 ኣትሒዙ ልዕሊ 100 ዝዀኑ ኣብ ኣርመንያ ዝርከቡ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብሰንኪ እቲ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ኣቕዋም ከም ገበነኛታት ተፈሪዶምን ተኣሲሮምን እዮም።

እቲ ኣብ ጕዳያት ሃይማኖት እተመዘዘ ሃገራዊ ሽማግለ: ንሓደ ልዮቫ ማርካርያን ዝበሃል ጠበቓ ናይ ኣቶማዊ መመንጨዊ ኤለክትሪክ ዀይኑ ዝሰርሕ ትጉህ ክርስትያን ሽማግለ ብናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ምርመራ ኽግበረሉ ሕቶ ኣቕረበ። በዚ ኸምዚ ሓው ማርካርያን በታ ብግዜ ክሩሽቸፍ መንግስቲ ሶቭየት ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንኻልኦት ሃይማኖታዊ ጕጅለታትን ንኽዓግቱን ንኸጥፍእዎምን ኢላ ዝወጸት ዓንቀጽ 244 ክሲ ቐረበሉ።

ብመሰረት እዚ ሕጊ እዚ ብጕልባብ ሃይማኖታዊ ስብከት ‘ንመንእሰያት ኣብ ኣኼባታት ናይ ዘይምዝጉባት ሃይማኖት ንኽእከቡ ዘስድዕ’ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ምውዳብ ወይ ምምራሕ ገበን ጌርካ ይርአ። ‘ዜግነታዊ ግዴታኦም ምፍጻም ንኽኣብዩ ጽልዋ ዝገብር’ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ምምራሕ እውን ብተመሳሳሊ ኸም ገበን እዩ ዝውሰድ። እቲ ኣኽባር ሕጊ ኣብዚ ኽሲ ኸም መርትዖ ዘቕረቦ ነገር: ኣብቲ ሓው ማርካርያን ኣብ ከተማ መትሳሞር ዝመርሖ ኣኼባታት ቈልዑ እውን ዝርከቡ ምዃኖም እዩ። ብተወሳኺውን ሓው ማርካርያን ንመንእሰያት ኣባላት እታ ጉባኤ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንኽኣብዩ ኸም ዘገደዶም ከሰሶ።

እቲ ጕዳይ ተጀመረ

ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ኣርማቪር ዓርቢ 20 ሓምለ 2001 ነቲ ጕዳይ ክሰምዖ ጀመረ። ማንወል ሲሞንያን ድማ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ማእከላይ ዳኛ ነበረ። እዚ ኽሳዕ ወርሒ ነሓሰ ቐጸለ። ኣብቲ እተዋህበ ቓለ⁠-​ምስክር ገለ ኻብቶም ንሓው ማርካርያን ዝጐድእ ምስክርነት ዝሃቡ እቲ ኣኽባር ሕጊ ዘቕረቦም መሰኻኽር: ኣባላት ሚኒስትሪ ሃገራዊ ጸጥታ (ኬይ.ጂ.ቢ. ነበር) መስክሩ ኢሎም ዝነገርዎም ነገር ከም ዝደገሙን ኣገዲዶም ነቲ ምስክርነት ከም ዘፈረምዎምን ተኣመኑ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓንቲ ሰበይቲ ሓደ ሓላፊ ናይ ሚኒስትሪ ጸጥታ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንጻር መንግስትናን ሃይማኖትናን እዮም” ኢላ ንኽትምስክር ከም ዝኣዘዛ ተኣመነት። እታ ሰበይቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝበሃል ብቐረባ ኸም ዘይትፈልጥ: የግዳስ ዝቐርበሎም ክስታት ካብ ሃገራዊ ተለቭዥን ከም ዝሰምዐት ገለጸት።

ሓው ማርካርያን ተራኡ ምስ በጽሐ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታት ዝእከቡ ንኣሽቱ ቘልዑ ወለዶም ዘፍቀዱሎም ምዃኖም ገለጸ። ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብሕታዊ ውሳነ ምዃኑ ድማ ገለጸ። ድሕርዚ እቲ ኣኽባር ሕጊ ንእተወሰነ መዓልትታት ዝቐጸለ መስቀላይ ሕቶታት ኣቕረበሉ። ሓው ማርካርያን ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ብዛዕባ እምነቱ ብህድኣት መለሰ: እቲ ኣኽባር ሕጊ እውን ነቲ ጥቕስታት ብናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስ ይከታተሎ ነበረ።

ብ18 መስከረም 2001 እቲ ዳኛ ንማርካርያን “ገበን ከም ዝፈጸመ ዝሕብር መርትዖ ስለ ዘየለ” “ገበነኛ ኣይኰነን” ኢሉ ኣሰናበቶ። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ኣሶሽየትድ ፕረስ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ጸብጻብ ሃበ:- “ንሰባት ሃይማኖት ብምቕያርን መንእሰያት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንኸይህቡ ብምግዳድን ተኸሲሱ ዝነበረ ኣብ ኣርመንያ ናይ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መራሒ ኻብ ክሱ ሓራ ዀነ። ድሕሪ እቲ ንኽልተ ወርሒ ዝቐጸለ ጕዳይ: እቲ ቤት ፍርዲ ንልዮቫ ማርካርያን ገበነኛ ኸብሎ ዝኽእል እኹል መርትዖ ኸም ዘየለ ገሊጹ። ገበነኛ ዀይኑ እንተ ዝርከብ ንሓሙሽተ ዓመት ክእሰር ይኽእል ነይሩ። . . . ቅዋም ኣርመንያ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝፈቅድ እኳ እንተዀነ: ሓደስቲ ጕጅለታት ንኽምዝገቡ የጸግሞም እዩ: እቲ ሕጊ ኸኣ ንናይ ኣርመንያ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሃዋርያት ዝጥዕም ኰይኑ እዩ ተዳልዩ።” ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኣውሮጳ (ኦ.ኤስ.ሲ.ኢ.) ብ18 መስከረም 2001 ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ “ቤት ጽሕፈት ኦ.ኤስ.ሲ.ኢ. በቲ ብይን እኳ እንተ ተሓጐሰ: ብመሰረቱ እቲ ኽሲ ምብጋሱ ግን የጕህዮ እዩ” በለ።

እቲ ክሲ ኣየቋረጸን

ይኹን እምበር: እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ይግባይ ስለ ዝበሉ: እቲ ጕዳይ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተጓተተ። ኣብ መጀመርታ ሓው ማርካርያን ቃለ⁠-​ምስክርነቱ ዝህበሉ ግዜ ምስ ኣኸለ: ብሓደ ኻብቶም ደያኑ ፈለማ ሕቶ ቐረበሉ። ሓው ማርካርያን ክምልስ ምስ ጀመረ: እታ ኣደ መንበር ናይቶም ደያኑ ኣብ መንጎ ብምዅላፍ ተቓወመቶ። ድሕርዚ: ሓው ማርካርያን ዋላ ሓንቲ ሕቶ እውን ብግቡእ ክምልስ ኣይተፈቕደሉን። ብዘይ​ገለ ምኽንያት ነቲ እቲ ጠበቓ ዝሓተቶ ሓያሎ ሕቶታት ካብ መዝገብ ክድምሰስ ወሰነት። ኣብ እዋን እቲ መጋባእያ ነቲ ቤት ፍርዲ መሊኦምዎ ዝነበሩ ጸረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሃይማኖታውያን ጥሩፋት ንሓው ማርካርያን ዝሃሲ ቓላት ብተደጋጋሚ ተዛረቡ። ብድሕርዚ እተፈላለየ ናይ ሓሶትን እተጠውየን ጸብጻባት ኣብ ተለቭዥን ተፈነወ። ንኣብነት: ሓው ማርካርያን ገበኑ ኸም ዝኣመነ ጌርካ ጸብጻብ ተዋሂቡ እዩ።

እቲ ጕዳይ ኣብ ፍርቂ ኣቢሉ ምስ በጽሐ እታ ኣደ መንበር ናይቶም ሰለስተ ደያኑ: ካብ ሃገራዊ ሽማግለ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ናብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ እተላእከ ንሓው ማርካርያን ስጕምቲ ኽወስዱሉ ዝጠልብ ደብዳበ ብምንባባ ንተዓዘብቲ ኣሰንበዶም። ኣርመንያ ኣባል ዋዕላ ኣውሮጳ ኽትከውን ኣብ ዘመልከተቶ ደብዳበ: “ኵለን ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ወይ ሃይማኖታት: ብፍላይ ከኣ እተን ‘ሓደስቲ’ ዝበሃላ ብዘይ​ ኣፈላላይ ኣምልኾአን ክፍጽማ ዕቝባ ኽትኰነን” ሓላፍነት ከም ዘለዋ ስለ ዝኣመነትሉ: እዚ ተግባር እዚ ነቶም ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝነበሩ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ኣሰምበዶም።

ኣብቲ ዝቕጽል ሰሙናት እቲ ወጥሪ እናገደደ ከደ። ተጻረርቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ፍርዲ ዀነ ኣብ ወጻኢ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከጥቅዑ ጀመሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንስቲ ኣብ በራቒቶአን ተወቕዓ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጥቃዕቲ ወሪድዎ ሕነ ምፍዳይ ምስ ኣበየ: ሕቖኡ ተሃርመ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሆስፒታል ኣተወ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ነቲ ጕዳይ ዝምልከት ሓድሽ ማእከላይ ዳኛ ተመዘዘ። ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝርከቡ ሰማዕቲ ነቲ ጠበቓ ኸፈራርሁ ጻዕርታት እኳ እንተ ገበሩ: እዚ ሓድሽ ኣቦ መንበር ነቲ ዅነታት ተቘጻጸሮ: አረ ሓደ እዋን እሞ ኸኣ ሓንቲ ነቲ ጠበቓ ዘጕባዕብዓትሉ ሰበይቲ ኻብቲ ቤት ፍርዲ ኸባርርዋ ንፖሊስ ኣዘዘ።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣርመንያ

ኣብ መወዳእታ ብ7 መጋቢት 2002 እቲ ይግባይ ዝሰምዐ ቤት ፍርዲ ብይን ኣመሓላለፈ። እቲ ዘገርም ከኣ ቀቅድሚ እቲ ብይን ዝግለጸላ መዓልቲ: እቲ ሃገራዊ ሽማግለ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ፈረሰ። እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ግን ነቲ ጕዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር ይግባይ በሉ። እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጕዳይ እንደገና ብምምርማር “ገበነኛ ምዃኑ ንኽብይነሎም” ድማ ሓተቱ።

መሀር ኻቻትርያን ዝበሃል ላዕለዋይ ዳኛ ዝመርሖም ሽዱሽተ ኣባላት ዘለዉዎ ደያኑ ብ19 ሚያዝያ 2002 ሰዓት 11:00 ቅ.ቐ. ኣኼባ ገበሩ። ሓደ ኻብቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብቲ መኽፈቲ ዝርርቡ እተን ኣቐዲመን ዝነበራ ኽልተ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ ንሓው ማርካርያን ገበነኛ ምዃኑ ብይን ብዘይምትሕልላፈን ዘለዎ መረረ ገለጸ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ኣርባዕተ ደያኑ ነቲ ኣኽባር ሕጊ ኣብ መንጎ ብምዅላፍ ሕቶታት ኣቕረቡሉ። እቲ ኣኽባር ሕጊ ነቲ ኣብ ዓንቀጽ 244 ናይ ገበነኛ ሕጊ ዘይተጠቕሰ ዕዮ ስብከትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሃይማኖት ዘይምዝጉባት ምዃኖምን ምስቲ ናይ ሓው ማርካርያን ጕዳይ ብሓንሳእ ብምቕራብ ነቲ መጋባእያ ብኣሉታ ኽጸልዎ ብምፍታኑ ብሓደ ዳኛ ተገሰጸ። እቲ ዳኛ ቐጺሉ እቲ ኣኽባር ሕጊ ዝፈጸሞ ተግባር “ብናይ ገበን ጕዳይ ጌርካ እተፈጸመ መስጐጕቲ” ብምባል ገለጾ። ካልእ ዳኛ ኸኣ እተፈላለየ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣውሮጳ ዝቐረበ ጕዳያት ብምጥቃስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናይ ኣውሮጳ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ዕቝባ እተገብረሎም “ፍሉጣት ሃይማኖት” ምዃኖም ገለጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ኾፍ ኢሉ ዝነበረ ሓደ ቐሺ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ ሃገር ይኸፋፍልዋ ምንባሮም ዓው ኢሉ ተዛረበ። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ትም ንኽብል ኣዘዞ።

ድሕርዚ እቶም ደያኑ ነቲ ምስቶም ሰማዕቲ ኾፍ ኢሉ ዝነበረ ልዮቫ ማርካርያን ጸውዕዎ: እዚ ኸኣ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘይተለምደ ነገር እዩ። ሓው ማርካርያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተፈላለየ ጕዳያት ብዛዕባ ዘለዎም ኣቕዋም ጽቡቕ ምስክርነት ሃበ። (ማርቆስ 13:9) እቶም ደያኑ ንሕጽር ዝበለ ግዜ ድሕሪ ምምኽኻሮም: ብሓደ ድምጺ “ገበነኛ ኣይኰነን” ኢሎም በየኑ። ሓው ማርካርያን እፎይ በለ። ኣብቲ ብጽሑፍ እተዋህበ ብይን እቲ ቤት ፍርዲ ኸምዚ በለ:- “እዚ ንጥፈት [ናይ ልዮቫ ማርካርያን] ብመሰረት እዚ ዘሎ ሕጊ ገበን ኣይኰነን: እዚ ዓይነት ክሲ ኸኣ ምስ ዓንቀጽ 23 ቅዋም ኣርመንያ ከምኡውን ምስ ዓንቀጽ 9 ውዕል ኣውሮጳ ዝጻረር እዩ።”

እቲ ብይን ዘምጽኦ ጽልዋ

እቲ ኽሲ እንተ ዝዕወት ነይሩ: ኣብ መላእ ኣርመንያ ንዝርከቡ ኻልኦት ሽማግለታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምኽሳስ መገዲ ምጸረገ ነይሩ። እቲ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ንጹር ብይን ግን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕትታት ደው ከብሎ ተስፋ ንገብር። እቲ ኽሲ እንተ ዝዕወት ነይሩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽምዝገቡ ዘቕርብዎ ሕቶ ንምንጻግ ሰበብ ምዀነ። እቲ ዘሐጕስ ግን እዚ ቤት ፍርዲ ነዚ ሰበብ እዚ ኣወጊድዎ እዩ።

ነቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ልዕሊ 7,000 ዝዀኑ መሰኻኽር የሆዋ ሕጋውያን ኰይኖም ክምዝገቡ ድዮም ኣይምዝገቡን ግዜ ዝምልሶ ጕዳይ እዩ። እዚ ኽሳዕ ዝኸውን ግን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ “ምድሪ ኣራራት” ይስስን ኣሎ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣርመናውያን ንሃገሮም ምስ ከረን ኣራራት ዘተሓሕዝዋ። ብግዜ ጥንቲ ኣርመንያ ነዚ ኣኽራን እውን ዝሓቘፈት ዓባይ መንግስቲ እያ ነይራ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ኢሳይያስ 37:38 እቲ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ነቲ “ምድሪ ኣራራት” ዝብል መግለጺ “ኣርመንያ” ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸረን ኣራራት ኣብ ቱርኪ: ጥቓ እቲ ምብራቓዊ ዶብ እዩ ዝርከብ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ልዮቫ ማርካርያን ኣብ ቤት ፍርዲ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ሓው ማርካርያንን ስድራ​ቤቱን