ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዘበርከትክዎ እጃም
ታሪኽ ህይወት
ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዘበርከትክዎ እጃም
ሮበርት ኒዝበት ዘዘንተዎ
ናይ ስዋዚላንድ ንጉስ ዳግማዊ ሶብሁዛ ንዓይን ንጆርጅ ሓወይን ናብ መንበሪኡ መርሓባ ኢሉ ተቐበለና። እዚ ዝዀነ ብ1936 እኳ እንተ ነበረ: ክሳዕ ሕጂ ግን ነቲ ዝገበርናዮ ዝርርብ ብንጹር እዝክሮ እየ። ምስዚ ንጉስ እዚ ነዊሕ ምይይጥ ክገብር ዝኸኣልኩ ኣብቲ ሰፊሕ ዕዮ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንነዊሕ እዋን እጃመይ ከበርክት ብምጽንሐይ እዩ። ሕጂ ኣብ 95 ዕድመይ ብዛዕባቲ ኣብቲ ዕዮ ዘበርከትክዎ እጃም ጽቡቕ ተዘክሮታት እዩ ዘሎኒ: በዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ኣብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ዘይረ እየ።
ዛንታይ ሓደ ዶብሰን ዝስሙ ሸያጥ ቈጽሊ ሻሂ ነቶም ኣብ ኢደንበራ: ስኮትላንድ: ዝነበሩ ወለደይ ብ1925 ምብጻሕ ካብ ዝገብረሎም ዝነበረ እዋን ኣትሒዙ እዩ ዝጅምር። ኣብቲ ግዜ እቲ ገና ኰተቴ እየ ነይረ: ፋርማሰኛ ንክኸውን ድማ እመሃር ነበርኩ። ብዕድመ ንእሽቶ እኳ እንተ ነበርኩ: እቲ ኻብ 1914-18 እተገብረ ውግእ ዓለም ኣብ ስድራቤታትን ኣብ ሃይማኖትን ዘምጽኦ ዓብዪ ለውጥታት የተሓሳስበኒ ነበረ። ሚ/ር ዶብሶን ሓደ እዋን ክበጽሓና ኸሎ ዘ ዲቫይን ፕላን ኦቭ ዘ ኤጅስ ዘርእስታ መጽሓፍ ሃበና። እታ መጽሓፍ ንፈጣሪ መስተውዓልን ንጹር “መደብ” ዘለዎን ገይራ ብምግላጻ: ብኡንብኡ እዩ ተዋሒጡለይ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኽ ከምልኽ ከኣ ባህጊ ሓደረኒ።
ኣነን ኣደይን ኣብ ኣኼባታት ናይቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሃሉ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንእከብ ጀመርና። ኣብ መስከረም 1926 ኣነን ኣደይን ኣብቲ ኣብ ግላስኮ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ማይ ብምጥሓል ንየሆዋ ህይወትና ኸም ዝወፈና ኣርኣና። ነፍሲ ወከፍ ናይ ጥምቀት ሕጹይ ነዊሕ ካባ ተዋህቦ: እዚ ካባ እዚ ኣብ ከፈፉ ምስ ዓንካር-ዓንካሪቶ ዝኣስር ገመድ ዘለዎ
እዩ ነይሩ: ኣብ ርእሲ እቲ መሐምበሲ ኽዳን ዝልበስ ድማ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ዝኸውን ግቡእ ኣከዳድና: እዚ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዝውሰድ ነይሩ።ኣብቲ እዋን እቲ ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ዝነበረና ምርዳእ ክንጽር የድሊ ነበረ። ዳርጋ ብምሉኦም ኣባላት ጉባኤና ልደት የብዕሉ ነበሩ። ኣብ ኣገልግሎት ዝሳተፉ ዝነበሩ ኣዝዮም ሒደት ነበሩ። ገሊኣቶም ሽማግለታት እውን ከይተረፉ ኣብ ሰንበት ጽሑፋት ምዕዳል: ንሕጊ ሰንበት ከም ምጥሓስ ገይሮም ስለ እተረድእዎ ይጻረርዎ ነበሩ። ብ1925 ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ዓንቀጻት ግን ነቲ “ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ” ዝብል ኣብ ማርቆስ 13:10 ዝርከብን ካልእ ነዚ ዝመስልን ጥቕስታት ዝያዳ ኸተኵረሉ ጀመረ።
እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ግን ብኸመይ እዩ ዝፍጸም፧ ኣብ ፈለማ ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብኽ ኣብ ዝፈተንኩሉ እዋን ነቶም ዝረኽቦም ዝነበርኩ ሰባት ማራኺ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ እሸይጥ ከም ዘለኹ እነግሮም እሞ በገና ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከኣ አርእዮም ነበርኩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዓሰርተ ኣገደስቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እትገልጽ ኰይና ምስ ዓሰርተ ገመድ ናይ በገና ኸኣ ተመሳስሎ ነበረት። ጸኒሑ ግን መእተዊ ዝሓዘ ሓጺር መልእኽቲ ዝርከቦ ምስክርነት ዝሓዘ ካርድ ተዋህበና። ኣርባዕተ ደቒቕን ፈረቓን ዝወስድ ብተንቀሳቓሲ ፎኖግራፍ ጌርና እነስምዖ ዝነበርና ዝርርባት እውን መጸ። እተን መጀመርታ እተሰርሓ ፎኖግራፍ ኣዝየን ከበድቲ እየን ነይረን: ድሒረን ዝወጻ ሞደል ግን ፈኰስቲ ነበራ: አረ ገሊኣተንሲ ንትኹል ጌርካ እውን ክዓያ ዝኽእላ እየን ነይረን።
ካብ 1925 ክሳዕ 1930ታት መምስ ኵነታቱ ዝሰማማዕ ብዝበልናዮ መገዲ ምስክርነት ንህብ ነበርና። ድሕሪኡ ኣብ መጀመርታ 1940ታት ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣብ ኵሉ ጉባኤታት ተኣታተወ። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንበዓል ቤት ብቐጥታ ብምዝርራብ ከነቕርበሉ ተማሃርና። ንግዱሳት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብሩ ምሕጋዞም ዘለዎ ጥቕሚ እውን ፈለጥና። ብኻልእ ኣበሃህላ ነዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ሀ’ ኢልና ዝጀመርናሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ሓው ራዘርፎርድ ዝሃበኒ ምትብባዕ
ኣብዚ ትምህርታዊ ዕዮ ዝያዳ ተሳትፎ ንኽገብር ካብ ዝነበረኒ ባህጊ ተላዒለ ብ1931 ፓይነር ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንክኸውን ተመዝገብኩ። ድሕሪ እቲ ኣብ ለንደን እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ብኡንብኡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክጅምር ተነግረኒ። ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ግን እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ዕዮ ሓላፍነት ዝነበሮ ሓው ራዘርፎርድ ከዘራርበኒ ደለየ። ፓይነር ናብ ኣፍሪቃ ንምስዳድ መደብ ገይሩ ነበረ። ንዓይ ድማ “ናብኡ ንኽትከይድ ፍቓደኛ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። እዚ ቝሩብ እኳ እንተ ኣስደመመኒ: ትብዕ ኢለ ግን “ሕራይ: ክኸይድ እየ” በልኩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ቐንዲ ሸቶና ብእተኻእለ መጠን ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምዕዳል እዩ ነይሩ: እዚ ማለት ከኣ ወትሩ ኽንንቀሳቐስ ነበረና። ልክዕ ከምቶም ሓላፍነት ዝነበሮም መብዛሕትኦም ኣሕዋት ከይተመርዓኹ ክቕጽል ድማ ምትብባዕ ተዋህበኒ። ዞባይ ካብታ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ እትርከብ ኬፕ ታውን ኣትሒዙ ነተን ብወገን ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘለዋ ደሴታት እውን ብምጥቕላል ብምብራቓዊ ሸነኽ ናይታ ኣህጉር ዝዝርጋሕ ነበረ። ናብቲ ምዕራባዊ ሸነኽ ናይቲ ዞባይ ንምብጻሕ ካብቲ ዘቃጽል ሑጻ ዝመልኦ ምድረ-በዳ ካላሃሪ ኣትሒዘ ኽሳዕ እቲ ምንጪ ናይ ፈለግ ኒል ዝዀነ ቐላይ ቪክቶርያ ክጐዓዝ ነበረኒ። ኣነን መገላግልተይን ካብተን ኣብዚ ሰፊሕ ቦታ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሓንቲአን ወይ ኣብ ክልተ ሰለስተ ሃገራት ንሽዱሽተ ወርሒ ኽንጸንሕ ነበረና።
መንፈሳዊ ሃብቲ ዝሓዘ ኽልተ ሚእቲ ካርቶናት
ኣብ ኬፕ ታውን ምስ በጻሕኩ: ንምብራቕ ኣፍሪቃ እተመደበ 200 ካርቶናት ዝኸውን ጽሑፋት ረኣኹ። እቲ ጽሑፋት በርባዕተ ቛንቋታት ኣውሮጳን በርባዕተ ቛንቋታት እስያን እተሓትመ ነበረ: ዋላ ሓደ ኻብኡ ግን ብቛንቋታት ኣፍሪቃ ኣይተሓትመን። እዚ ዅሉ ጽሑፋት ኣነ ቕድሚ ምምጽአይ ኣብኡ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ምስ ሓተትኩ: ነቶም ፍራንክ ስሚዝን ግረይ ስሚዝን ዝበሃሉ ኣቐድም ኣቢሎም ናብ ኬንያ ኽሰብኩ ዝኸዱ ኽልተ ፓይነራት ተባሂሉ እተላእከ ምዃኑ ተነግረኒ። እንተዀነ ግን ኣብ ኬንያ ምስ በጽሑ ብኡንብኡ ዓሶ ሓዘቶም: እቲ ዘሕዝን ከኣ ፍራንክ ሞተ።
እዚ ወረ እዚ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ኣርዚነ ንኽሓስብ እኳ እንተ ገበረኒ: ካብ ኣቕዋመይ ግን ፈልከት ኣይበልኩን። ኣነን እቲ ዴቪድ ኖርማን ዝበሃል መገላግልተይን ካብ ኬፕ ታውን ብመርከብ ጌርና ናብታ 5,000 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቓ እትርከብ ታንዛንያ እትበሃል መጀመርታ እተመደብኩላ ሃገር ኸድና። ኣብ ሞምባሳ: ኬንያ: ዝርከብ ሓደ ወኪል ጕዕዞ ነቲ ጽሑፋትና ብምቕማጥ ናብቲ ኽስደደልና እንሓቶ ቦታታት እተወሰነ ካርቶናት ይሰደልና ነበረ። ፈለማ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ማለት ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዝርከብ ድኳናትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ንምስክር ነበርና። ገለ ኻብቲ ጽሑፋትና 9 ዓይነት መጻሕፍትን 11 ዓይነት ንኣሽቱ መጻሕፍትን ዝሓዘ ነበረ: እተፈላለየ ሕብርታት ስለ ዝነበሮ ኸኣ ቀስተ-ደመና ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ።
ድሕርዚ ናብታ ኻብ ምብራቓዊ ገማግም 30 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ደሴት ዛንዚባር ክንከይድ መደብና። ንብዙሕ ዘመናት ዛንዚባር ማእከል ንግዲ ባርያ ነበረት: ብናይ ቅንፍር ሰደድ እውን ፍልጥቲ እያ: አረ ኣብቲ ኸተማስ ኣብ ዝኸድካ ኼድካ ቅንፍር እዩ ዝጨንወካ። እታ ኸተማ ብዘይ ንድፊ ስለ እተሰርሐት ናብ ዝደለናዮ ንምብጻሕ የጸግመና ነበረ። እቲ ጐደናታት ጥውይውይ ዝበለ ስለ ዝዀነ ብቐሊሉ ኣንፈትና ንስሕት ነበርና። እቲ ዝነበርናዮ ሆቴል ምቹእ እኳ እንተ ነበረ: ዓይነት ማዕጹኡን ርጕዲ ናይቲ መንደቑን ግን ቤት ማእሰርቲ እዩ ዝመስል ነይሩ። እንተዀነ ግን ኣብኡ ጽቡቕ ፍረ ረኸብና: ኣዕራብን ህንዳውያንን ካልኦት ሰባትን ጽሑፋትና ምውሳዶም እውን ኣሐጐሰና።
ባቡራትን መራኽብን ማካይንን
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኽትጐዓዝ ቀሊል ኣይነበረን። ንኣብነት: ሓደ እዋን ካብ ሞምባሳ ናብ ከበሳታት ኬንያ ኽንጐዓዝ ከሎና: እታ ተሰቒልናላ ዝነበርና ባቡር ብሰንኪ ዕስለ ኣንበጣ ደው ክትብል ተገደደት። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣንበጣ ኣብቲ መሬትን ኣብቲ መገዲ ባቡርን ለም ኢሎም ስለ ዝነበሩ: ነቲ መንኰርኰር ናይታ ባቡር ሸታሕታሕ ኣበሎ። እቲ ዝነበረ እንኮ ኣማራጺ ቀቅድሚ እታ ባቡር ብውዑይ ማይ ጌርካ ነቲ መገዲ ባቡር እናሓጸብካ ምኻድ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ንእተወሰነ መገዲ ድሕሪ ምኻድ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ዝነበሮ ቦታ ሓለፍናዮ። እታ ባቡር ናብቲ ዝበረኸ ቦታታት ክትድይብ ምስ ጀመረት እሞ ነቲ ዝሑል ኣየር ናይ ከበሳታት ምስ ረኸብና እፎይ ኢና ኢልና።
ናብተን ኣብ ገማግም ዝርከባ ኸተማታት ብባቡርን መርከብን ክንከይድ ንኽእል እኳ እንተ ነበርና: ናብ ገጠራት ንምብጻሕ ግን ማኪና የድልየና ነበረ። ጆርጅ ሓወይ ምሳይ ሓቢሩ ኸገልግል ምስ ጀመረ ሓንቲ ዓባይ ማኪና ኽንዕድግ ከኣልና። እታ ማኪና ድማ ዓራውቲ: ክሽነ: መኽዘን: ከምኡውን ጣንጡ ዘየሕልፍ መሳዅቲ ነበራ። ኣብ ናሕሳ ድማ መጕልሒ ድምጺ ገጠምናላ። ነዛ ማኪና እዚኣ ምስ ሓዝና: ቀትሪ ቀትሪ ካብ ቤት ናብ ቤት ክንምስክርን ንሰባት ናብቲ ምሸት ኣብ ናይ ዕዳጋ ቦታታት እነስምዖ ዝርርባት ክመጹ ኽንዕድሞምን ከኣልና። ሓደ ኻብቲ በቲ መጕልሒ ድምጺ ብብዝሒ እነስምዖም ዝነበርና ዝርርብ “ሲኦል ብሓቂዶ ዘቃጽል እዩ፧” ዝብል ነበረ። ሓደ እዋን በታ “ተንቃሳቓሲት ቤትና” ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኬንያ ተጓዓዝና: እዚ ኸኣ 3,000 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ጕዕዞ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እተፈላለየ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ብቛንቋታት ኣፍሪቃ ስለ
ዝወጸ እቶም ኣፍሪቃውያን ድማ ተሓጒሶም ይወስድዎ ብምንባሮም ብዙሕ ተሓጐስና።ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዕዞታት ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣራዊት ምርኣይና ባህ እዩ ዝብለና ነይሩ። ልክዕ እዩ: ምእንቲ ድሕንነትና ኽንብል ምሸት ካብታ ማኪናና ኣይንወጽእን ነበርና: እንተዀነ ግን እተፈላለዩ ፍጥረታት የሆዋ ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ቦታኦም ምርኣይ እምነትና ኣደልዲሉልና እዩ።
ምጽራር ተጀመረ
ካብ ኣራዊት ንጥንቀቕ እኳ እንተ ነበርና: እተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣንን ገሊኣቶም ቍጡዓት መራሕቲ ሃይማኖትን ነቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብጋህዲ ኽጻረርዎ ምስ ጀመሩ ዘጋጠመና ዅነታት ግን ዝያዳ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ሓደ ኻብቲ ዘጋጠመና ዓብዪ ሽግራት: ሓደ ንገዛእ ርእሱ ምዋና ለሳ ማለት “ወዲ ኣምላኽ” ኢሉ ዝጽውዕ ሃይማኖታዊ ጥሩፍን ኪታዋላ ማለት “ግምቢ ዘብዐኛ” ተባሂሎም ዝፍለጡ ሰዓብቱን ዘምጽእዎ ሰበብ እዩ ነይሩ። ቀቅድሚ ናብቲ ዓዲ ምኻድና እዚ ሰብ እዚ ንብዙሓት ኣፍሪቃውያን ከጠምቖም ኢሉ ኣጥሓሎም። በዚ ድማ ተኣስረ: ጸኒሑ ኸኣ ተሓንቀ። ደሓር ምስቲ ማሕነቕቲ ዝፈጸመ ሰብኣይ ተራኸብኩ እሞ እቲ እተሓንቀ ሰብኣይ ምስ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ምንም ርክብ ከም ዘይነበሮ ገለጽኩሉ።
እቶም ሃብቲ ኽድልቡ ኢሎም ጥራይ ዝመጹ ኣውሮጳውያን እውን ነቲ እንገብሮ ትምህርታዊ ዕዮ ኣይፈትዉዎን ነበሩ። ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓደ መኽዘን “ጸዓዱ ኣብዛ ሃገር ክጸንሑ እንተ ዀይኖም: ኣፍሪቃውያን ጕልበቶም ይምዝመዝ ከም ዘሎ ክፈልጡ የብሎምን” በለኒ። ሓደ ሓላፊ ናይ ሓደ ኩባንያ መዐደኒ ወርቂ ኸኣ በዚ ምኽንያት እዚ ኻብ ቤት ጽሕፈቱ ሰጐጐኒ። ተቘጢዑ ስለ ዝነበረ ኽሳዕ ጽርግያ ተኸታቲሉ ኣውጽአኒ።
መንግስቲ ሮደዥያ (ሕጂ ዚምባብወ) ብኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሃይማኖታውያን ተጻረርትን ነጋዶን ብዙሕ ስለ እተጸልወ: ካብታ ሃገር ክንወጽእ ኣዘዘና። ነዚ ውሳነ እዚ ይግባይ ምስ በልና: ንኣፍሪቃውያን እንተ ዘይሰቢኽና ኣብታ ሃገር ክንጸንሕ ተፈቕደልና። ሓደ በዓል ስልጣን ምኽንያት ናይዚ ኽገልጽና ኸሎ: ጽሑፋትና “ንኣእምሮ ኣፍሪቃውያን ዝኸውን ኣይኰነን” በለና። ኣብ ካልኦት ሃገራት ግን ንኣፍሪቃውያን ከይንሰብከሎም ኣይተኣገድናን: አረ ገሊኣቶምሲ ብሓጐስ እውን እዮም ተቐቢሎሙና። ሓንቲ ኻብዘን ሃገራት እዚኣተን ስዋዚላንድ እያ።
ንጉስ ስዋዚላንድ ጽቡቕ ኣቀባብላ ገበረልና
ስዋዚላንድ 17,364 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ዝስፍሓታ ኣብ ውሽጢ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ብርእሳ እትመሓደር ሃገር እያ። ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኢና ኸኣ ነቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ክኢላ ተዛራቢ ዝነበረ ንጉስ ዳግማዊ ሶብሁዛ ዝረኸብናዮ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪጣንያ ስለ እተማህረ: ቋንቋ እንግሊዝኛ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ኣለባብስኡ ተራ ኣለባብሳ ብምንባሩ ድማ ብዙሕ ኣይከበደናን።
ምስኡ ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣብታ ኣምላኽ ንቕኑዓት ደቅሰብ ዘዳልዋ ምድራዊት ገነት ዘተኰረ ነበረ። እዚ ጕዳይ እዚ ብዙሕ እኳ እንተ ዘየገደሶ: ምስኡ ዝተሓሓዝ ጕዳያት ግን ከም ዘገድሶ ገለጸልና። እቲ ንጉስ መነባብሮ ድኻታትን ዘይተማህሩን ከመሓይሽ ይጽዕር ነበረ። ነቲ እቶም ትምህርቲ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ንሰባት ኣባላት ቤተ-ክርስትያኖም ኣብ ምግባር ዘተኰሩ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሚስዮናውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ኣይፈትዎን ነበረ። ይኹን እምበር: ፓይነራትና ንዝዓይዎ ዕዮ
ይፈልጦ: ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይ ክፍሊት ወይ ድማ ካልእ ክማላእ ዘለዎ ነገራት ከይጠለብና ኽንምህር ፍቓደኛታት ምዃንና ኸኣ ይንእዶ ነበረ።ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣስፋሕፍሐ ኸደ
ብ1943 ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንሚስዮናውያን ስልጠና ንምሃብ ተመስረተ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣብ ምዕዳል ጥራይ ኣብ ክንዲ እነተኵር ንዅሎም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ክንከታተል ከም ዝግባእ ኣትኵሮ ተገብረሉ። ብ1950 ኣነን ጆርጅን ኣብቲ መበል 16 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ተጸዋዕና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እየ ምስ ጂን ሃይድ ንመጀመርታ ግዜ እተራኸብኩ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ንፍዕቲ ኣውስትራልያዊት እያ: ድሕሪ ምረቓ ኸኣ ኣብ ጃፓን ሚስዮናዊት ኰይና ኸተገልግል ተመደበት። ኣብቲ ግዜ እቲ ንጽል ምዃን ይተባባዕ ብምንባሩ: ርክብና ብዙሕ ኣይቀጸለን።
ካብ ጊልዓድ ምስ ተመረቕና ኣነን ጆርጅን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ማውሪሽየስ እትበሃል ደሴት ተመደብና። ምስቶም ደቂ እቲ ዓዲ ተዓራረኽና: ቋንቍኦም ፈለጥና: መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ድማ ንሕግዞም ነበርና። ጸኒሑ ዊልያም ዝበሃል ምንኣሰይ ሓወይን ምዩርየል እትበሃል በዓልቲ ቤቱን እውን ካብ ጊልዓድ ተመረቑ። ንሳቶም ከኣ ናብቲ ኣቐዲመ ዘገልግለላ ዝነበርኩ ኬንያ ተመደቡ።
ሸሞንተ ዓመታት በሪረን ሓለፋ: ድሕሪኡ ኣብቲ ብ1958 ኣብ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ እንደገና ምስ ጂን ሃይድ ተራኸብና። ርክብና እንደገና ጀመረ: ብድሕሪኡ ኸኣ ተሓጸኹዋ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካብ ማውሪሽየስ ናብ ጃፓን ተቐየርኩ: ብ1959 ከኣ ተመርዓኽዋ። ድሕርዚ ኣብታ ሽዑ ሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ጥራይ ዝነበረታ ሂሮሽማ ኣዝዩ ዘሐጕስ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ጀመርና። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብታ ኸተማ 36 ጉባኤታት ኣለዋ።
ሳዮናራ ጃፓን
ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ንኽልቴና ዘጋጠመና ናይ ጥዕና ጸገማት ነቲ ከም ሚስዮናውያን እንፍጽሞ ኣገልግሎት ኣጸጋሚ ገበሮ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ካብ ጃፓን ለቒቕና ናብታ ዓዲ ጂን ዝዀነት ኣውስትራልያ ክንከይድ ኣድላዪ ዀነ። ካብ ሂሮሽማ እተፋነናላ መዓልቲ ኣዚና ኢና ሓዚንና። ኣብቲ መደበር ባቡር ንዅሎም ፍቑራት ፈተውትና ሳዮናራ ማለት ደሓን ኩኑ በልናዮም።
ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ኢና እንነብር ዘሎና: ኣብታ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ እትርከብ ጉባኤ ኣርሚዴል ከኣ ዓቕምና ብዝፈቕደልና ንየሆዋ ነገልግሎ ኣሎና። ዳርጋ ን80 ዓመታት እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ክብርቲ ሓቂ ንብዙሓት ሰባት ከካፍል ምኽኣለይስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ኣምጺኡለይ! ነቲ ዘደንቕ ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣገዳሲ መንፈሳዊ ፍጻመታትን ብዓይነይ ርእየ እየ። ዋላ ሓደ ሰብ ወይ ጕጅለ ሰባት ብሳልኦም እዚ ፍረ እዚ ኸም እተረኽበ ኽዛረቡ ኣይክእሉን እዮም። ብሓቂ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ “እዚ ኻብ [የሆዋ] ኰነ: ነዒንትናውን ግሩም እዩ።”—መዝሙር 118:23
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ጆርጅ ሓወይን እታ መንበሪትና ዝነበረት ማኪናናን
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ቀላይ ቪክቶርያ እተሰኣልክዎ
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ብ1938 ኣብ ስዋዚላንድ ህዝባዊ ዝርርብ ዝሰምዑ ተማሃሮ ኻልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
ብ1959 ምስ ጂን ኣብ እተመርዓናሉ እዋንን ሕጅን