ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት—የሆዋ ንግብርኹም ኣይርስዖን እዩ!

መንእሰያት—የሆዋ ንግብርኹም ኣይርስዖን እዩ!

መንእሰያት​—⁠የሆዋ ንግብርኹም ኣይርስዖን እዩ!

“ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።”​—⁠እብራውያን 6:10

1. የሆዋ ንኣገልግሎትካ ኣኽቢሩ ኸም ዝርእዮ መጽሓፍ እብራውያንን ሚልክያስን ብኸመይ ይገልጻኦ፧

 ንፈታዊኻ ሰናይ ነገር ጌርካሉስ ከየመስገነካ ኣጽቂጡዶ ይፈልጥ፧ ልግስናኻ ዕሽሽ ክበሃል ከሎ: ካብኡ ሓሊፉውን ክርሳዕ ከሎ ብዙሕ ከጕህየካ ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ኸነገልግሎ ኸሎና ግን ከምዚ ኣየጋጥመናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ይብለና። (እብራውያን 6:10) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ነቲ ዝገበርካዮ ነገርን ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ እትገብሮ ዘሎኻን ምርሳዕ: ከም ግፍዒ ወይ ከም ሓጢኣት ገይሩ እዩ ዝርእዮ። ኣየ ኸመይ ዝበለ መማሰዊ ኣምላኽ ኰን እዩ!​—⁠ሚልክያስ 3:10

2. ንየሆዋ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ዝገብሮ እንታይ እዩ፧

2 ነዚ መማሰዊ ኣምላኽ እዚ ንኸተምልኾን ንኸተገልግሎን ፍሉይ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልካ ኣሎ። ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሽዱሽተ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣመንቲ ብጾትካ ጥራይ ስለ ዘለዉ: እዚ ረኺብካዮ ዘሎኻ ፍሉይ መሰል ብሓቂ ብዙሓት ዝረኽብዎ ኣይኰነን። ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ብስራት ትሰምዕን ትቕበሎን ምህላውካ ጥራይ የሆዋ ብዛዕባኻ ኸም ዝግደስ ዘርኢ መርትዖ እዩ። ከመይሲ የሱስ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 6:44) እወ: ሰባት ካብ መስዋእቲ ክርስቶስ ምእንቲ ኽጥቀሙ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብ እውን ይሕግዝ እዩ።

ነቲ ዓብዪ መሰልካ ምምሳው

3. ደቂ ቆራሕ ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝረኸብዎ ፍሉይ መሰል ዘለዎም ሞሳ ብኸመይ ገለጽዎ፧

3 ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ ከም ዘጽናዕናዮ: ንልቢ የሆዋ ናይ ምሕጓስ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺብካ ኣሎኻ። (ምሳሌ 27:11) ነዚ ዕሽሽ ክትብሎ የብልካን። ደቂ ቆራሕ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ብመንፈስ ተደሪኾም ዝጸሓፍወን መዝሙራት: ንየሆዋ ንምግልጋል ዝረኸብዎ ፍሉይ መሰል ከምዚ ብምባል ገለጽዎ:- “ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ: ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።”​—⁠መዝሙር 84:10

4. (ሀ) ገሊኣቶም ንኣምልኾ የሆዋ ኸም ቀያዲ ገይሮም ንኽርእይዎ ዝገብሮም እንታይ ክኸውን ይኽእል፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ ዝገብርዎ ነገር ክዕዘብን ዓስቢ ኽህቦምን ከም ዝህንጠ ብኸመይ ኣርኣየ፧

4 ብዛዕባቲ ንሰማያዊ ኣቦኻ ንምግልጋል ዘሎካ ፍሉይ መሰል ከምኡ ድዩ ዝስምዓካ፧ ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ሓድሓደ ግዜ እቲ ንየሆዋ እትህቦ ኣምልኾ ንናጽነትካ ዝቕይድ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ብመሰረት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመላለስ ብእተወሰነ ደረጃ ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ከም ዝሓትት ዝከሓድ ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታኡ ግን የሆዋ ኽትገብሮ ዝሓተካ ዅሉ ንጥቕምኻ እዩ። (መዝሙር 1:1-3) ኣብ ርእሲ እዚ: የሆዋ ንጻዕርታትካ ይርእዮ: ንተኣማንነትካ ዘለዎ ሞሳ ድማ ይገልጸልካ እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ የሆዋ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ጸሓፈ። (እብራውያን 11:6) የሆዋ ኸምዚ ንምግባር ኣጋጣሚታት የናዲ እዩ። ሓደ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ጻድቕ ነብዪ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” በለ።​—⁠2 ዜና መዋእል 16:9

5. (ሀ) ሓደ ኻብቲ ልብኻ ፈጺሙ ናብ የሆዋ ኸም እተጸግዐ ኸተርእየሉ እትኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ንኻልኦት ብዛዕባ እምነትካ ምዝራብ ኣጸጋሚ ክመስል ዝኽእል ስለምንታይ እዩ፧

5 ሓደ ኻብቲ ልብኻ ፈጺሙ ናብ የሆዋ ኸም ዝጽጋዕ እተርእየሉ መገዲ ብዛዕብኡ ንኻልኦት ምዝራብ እዩ። ንገሊኣቶም መማህርትኻ ብዛዕባ እምነትካ ንኽትነግሮም ኣጋጣሚ ረኺብካዶ ትፈልጥ፧ ኣብ መጀመርታ: ከምዚ ምግባር ዘፍርህ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ‘መስሓቒ እንተ ገበሩኒኸ፧’ ‘ሃይማኖተይ ስግንጢር ከም ዝዀነ ገይሮም እንተ ረኣይዎኸ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። የሱስ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰምዑ ኵላቶም ሰባት ከም ዘይኰኑ ኣፍልጦ ሂቡሉ ነይሩ። (ዮሃንስ 15:20) እዚ ግን ወትሩ ሰባት ዘላግጹልካን ዘይቅበሉኻን ኴንካ ኽትነብር ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ብዙሓት መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኸር ሰማዒት እዝኒ ረኺቦም: ኣብ እምነቶም ብምጽንዖም ከኣ ካብ መዛኑኦም ዝያዳ ኣኽብሮት ረኺቦም እዮም።

“የሆዋ ኽሕግዘካ እዩ”

6, 7. (ሀ) ሓንቲ ጓል 17 ዓመት ንደቂ ኽፍላ ኽትምስክረለን ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧ (ለ) ካብ ተመክሮ ጀኒፈር እንታይ ተማሂርካ፧

6 እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ንምንጋር ትብዓት ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ሰባት ብዛዕባ ሃይማኖትካ ኽሓቱኻ ኸለዉ ትኽ ኢልካ ብንጹር ንምምላስ ንምንታይ ዘይትውስን፧ ሓንቲ ጀኒፈር እትበሃል ጓል 17 ዓመት ዘጋጠማ ተመክሮ እሞ ንርአ:- “ኣብ ቤት ትምህርተይ ኣብ እዋን ምሳሕ እዩ ነይሩ። እተን ኣብ ጥቓይ ኮፍ ኢለን ዝነበራ ኣዋልድ ብዛዕባ ሃይማኖት ይመያየጣ ነበራ: ሓንቲ ኻብተን ኣዋልድ ከኣ ሃይማኖተይ እንታይ ምዃኑ ሓተተትኒ።” ጀኒፈር መልሲ ንምሃብ ፈሪሃዶ፧ “እንተ ነጊረየን እንታይ ከም ዝብላኒ ስለ ዘይፈለጥኩ እወ ፈሪሀ ነይረ” ብምባል ተኣመነት። እሞ ደኣ እንታይ ገበረት፧ ኣስዕብ ኣቢላ “ነተን ኣዋልድ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ነገርክወን። ፈለማ ዝደንጸወን ይመስላ ነበራ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስግንጢር ከም ዝዀኑ ገይረን ይሓስባ ምንባረን ፍሉጥ እዩ። እዚ ኸኣ ሕቶታት ንኽሓታኒ ደረኸን: ነቲ ዝነበረን ግጉይ ምርዳእ ንኸወግዳ ድማ ሓገዝኩወን። ኣብ ካልእ መዓልቲ እውን ከይተረፈ: ገለ ኻብአን ኣብ እተፈላለየ ግዝያት ሕቶታት ሓቲተናኒ እየን” በለት።

7 ጀኒፈር ብዛዕባ እምነታ ንኽትዛረብ ዝነበራ ኣጋጣሚ ምጥቃማ ኣጣዒስዋዶ፧ ኣይፋልን! ብዛዕባዚ ኣመልኪታ “እዋን ምሳሕ ምስ ሓለፈ ከምኡ ምግባረይ ኣሐጒሱኒ እዩ። ሕጂ እዘን ኣዋልድ እዚኣተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ እንታዎት ምዃኖም ዝሓሸ ምርዳእ እዩ ዘለወን” በለት። ቀጺላ ኸምዚ ብምባል ቀሊል ምኽሪ ሃበት:- “ንደቂ ኽፍልኻ ወይ መምህራንካ ምምስካር ዘጸግመካ እንተ ዀይኑ: ሓጺር ጸሎት ግበር እሞ የሆዋ ኽሕግዘካ እዩ። ምስክርነት ንኽትህብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ብጽቡቕ ብምጥቃምካ ክትሕጐስ ኢኻ።”​—⁠1 ጴጥሮስ 3:15

8. (ሀ) ነህምያ ዘይተጸበዮ ዅነታት ምስ ኣጋጠሞ ጸሎት ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ቤት ትምህርትኻ ብልብኻ ሓጺር ጸሎት ከተቕርበሉ ዘድልየካ እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎ፧

8 ጀኒፈር ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ንኽትምስክር ኣጋጣሚ ምስ ዝኽፈተልካ ‘ሓጺር ጸሎት ምግባር’ ከም ዘድሊ ሓሳብ ምሃባ ኣስተብህል። እቲ ኣሰላፊ ናይቲ ፋርሳዊ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ዝነበረ ነህምያ እውን ዘይተጸበዮ ነገር ምስ ኣጋጠሞ ኸምኡ እዩ ገይሩ። ነህምያ ብዛዕባ እቲ ኣይሁድ ዝነበርዎ ሕማቕ ኵነታትን መካበብያን ደጌታትን የሩሳሌም ፈሪሱ ምንባሩን ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ጐሃየ። እቲ ንጉስ: ነህምያ ጕህዩ ኸም ዘሎ ኣስተውዓለ: ንምንታይ ምዃኑ ድማ ሓተቶ። ነህምያ ቕድሚ ምምላሱ ኣምላኽ ንኽመርሖ ሓጺር ጸሎት ገበረ። ድሕርዚ ናብ የሩሳሌም ንኽምለስን ነታ ኸተማ ንምህናጽን ፍቓድ ንኽወሃቦ ተቢዑ ሓተተ። ኣርታሕሻስታ ኸኣ ፍቓድ ሃቦ። (ነህምያ 2:1-8) ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል፧ ብዛዕባ እምነትካ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ኽትረክብ ከሎኻ ትፈርህ እንተደኣ ዄንካ: ብልብኻ ምጽላይ ኣይትረስዕ። ጴጥሮስ “[የሆዋ] ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” በለ።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:7፣ መዝሙር 55:22

‘ምላሽ ንምሃብ ድሉው’

9. ሓንቲ ልያ እትበሃል ጓል 13 ዓመት: 23 ቅዳሓት ናይታ መንእሰያት ዝሓትዎ ዘርእስታ መጽሓፍ ክትዕድል ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

9 ካልእ ተመክሮ ድማ ንርአ። ሓንቲ ልያ እትበሃል ጓል 13 ዓመት ኣብ እዋን ምሳሕ ኣብ ቤት ትምህርታ ነታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን a ዘርእስታ መጽሓፍ ተንብብ ነበረት። ድሕርዚ ብዛዕባ ዘጋጠማ ነገር ድማ “ካልኦት ተማሃሮ ይዕዘቡኒ ነበሩ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ብዙሓት ብድሕረይ ዕጕጕ ኢሎም ነታ መጽሓፍ ክርእዩዋ ጀመሩ። እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ምንታይ ምዃና ኸኣ ክሓቱኒ ጀመሩ” ብምባል ገለጸት። በታ መዓልቲ እቲኣ: ኣርባዕተ ኣዋልድ ቅዳሕ ናይታ መጽሓፍ ክትህበን ሓተታኣ። ነዊሕ ከይጸንሓ እዘን ኣዋልድ እዚኣተን ንኻልኦት ከርእያ ጀመራ: ንሳቶም እውን ቅዳሕ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ደለዩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ልያ 23 ቅዳሓት ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ንመማህርታን ንመሓዙታን ኣበርከተት። ካልኦት ተማሃሮ ብዛዕባ እታ እተንብባ ዝነበረት መጽሓፍ ክሓትኣ ኸለዋ ልያ መልሲ ንኽትህብ ዘይፈርሀትዶ ይመስለካ፧ ኣይፋልን! ባዕላ እኳ “ፈለማ: ፈሪሀ ነይረ። እንተዀነ ግን: ጸለኹ: የሆዋ ምሳይ ምዃኑ ድማ ፈለጥኩ” በለት።

10, 11. ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ንሓደ ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ብዛዕባ የሆዋ ንኽፈልጥ ክትሕግዞ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ: ንሱኸ እንታይ ለውጥታት እዩ ዝገበረ፧

10 ንልያ ዘጋጠማ ተመክሮ: ነታ ተማሪኻ ናብ ሶርያ ዝኸደት ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ዘጋጠማ ዅነታት ኣዘኻኺሩካ ይኸውን። እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ዝነበረ ንእማን ለምጻም ነበረ። ምናልባት እዛ ንእሽቶ ጓል ብዛዕባ እምነታ ንኽትዛረብ ኣጋጣሚ ዝኸፈተላ: በዓልቲ ቤቱ ንንእማን ብዘበገሰቶ ዘረባ ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ ንእሽቶ ጓል ከኣ “ጐይታይሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዚህሉ: ሽዑ ኻብ ለምጹ መሕወዮ ነይሩ” በለታ።​—⁠2 ነገስት 5:1-3

11 ከም ውጽኢት ናይቲ እታ ንእሽቶ ጓል ዘርኣየቶ ትብዓት: ንእማን “ብጀካ ኣብ እስራኤል ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣምላኽ ከም ዜልቦ” ፈለጠ። ‘ድሕሪ ደጊም ንእግዚኣብሄር እምበር: ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከየቕርብ’ ከኣ ወሰነ። (2 ነገስት 5:15, 17) የሆዋ ነቲ እታ ንእሽቶ ጓል ዘርኣየቶ ትብዓት ብሓቂ ባሪኽዎ እዩ። ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ መንእሰያት እውን ብተመሳሳሊ ኽባርኾም ይኽእል እዩ: ክባርኾም እውን እዩ። ልያ እውን ተባሪኻ እያ። ጸኒሖም ገለ ኻብቶም መማህርታ እታ መንእሰያት ዝሓትዎ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ባህርያቶም ለውጢ ንምግባር ከም ዝሓገዘቶም ነገርዋ። ብዛዕባዚ ልያ “ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ንኽፈልጡን ህይወቶም ንክቕይሩን እሕግዝ ከም ዘለኹ ስለ ዝፈለጥኩ ተሓጐስኩ” በለት።

12. ብዛዕባ እምነትካ ምላሽ ንምሃብ ሓይሊ ኽትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

12 ምስ ናይ ጀኒፈርን ልያን ዝመሳሰል ተመክሮ ኽህልወካ ይኽእል እዩ። ነቲ ጴጥሮስ “ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ: ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ስዓብ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧ ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ “ብዅሉ ትብዓት” ምእንቲ ኽሰብኩ ኢሎም ናብ የሆዋ ዝጸለዩ ክርስትያናት ዝገበርዎ ግበር። (ግብሪ ሃዋርያት 4:29) ድሕሪኡ ተቢዕካ ንኻልኦት ብዛዕባ እምነትካ ንገሮም። ምናልባት ዘደንቕ ፍረ ተፍሪ ትኸውን። ብዘይ​ካዚ ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕሶ ኢኻ።

ቪድዮታትን ፍሉይ ፕሮጀክትታትን

13. ገሊኣቶም መንእሰያት ነየናይ ኣጋጣሚታት ተጠቒሞም እዮም ምስክርነት ዝሃቡ፧ (ኣብ ገጽ 20ን 21ን ዘሎ ሳጹናት ርአ።)

13 ብዙሓት መንእሰያት ብቪድዮ ገይሮም ንደቂ ኽፍሎም ወይ ንመምህራኖም ብዛዕባ እምነቶም ገሊጾምሎም እዮም። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ገሊኣቶም ነቲ ብቤት ትምህርቶም እተዋህቦም ፕሮጀክት ንየሆዋ ንምውዳስ ተጠቒሞሙሉ እዮም። ንኣብነት: ክልተ ደቂ 15 ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዛዕባ ታሪኽ ዓለም ኣብ ቤት ትምህርቶም ክመሃሩ ኸለዉ ብዛዕባ ሓንቲ ሃይማኖት መሪጾም ክጽሕፉ ፕሮጀክት ተዋህቦም። ክልቲኦም ብሓባር ኰይኖም ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ​—⁠ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ ብምምርኳስ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸሓፉ። b ሓሙሽተ ደቒቕ ዝወስድ ዝርርብ እውን ከቕርቡ ነበሮም። ዝርርቦም ድሕሪ ምውድኦም ግን እቲ መምህሮምን እቶም ተማሃሮን ብዙሕ ሕቶታት ስለ ዝነበሮም ንተወሳኺ 20 ደቒቕ ኣብቲ መድረኽ ጸንሑ። ድሕርዚ ንሓያሎ ሰሙናት እውን ደቂ ኽፍሎም ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕቶታት ይሓትዎም ነበሩ።

14, 15. (ሀ) ንሰብ ምፍራህ መፈንጠራ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እምነትካ ንኻልኦት ምንጋር ከሰክፈካ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

14 እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ተመክሮ ኸም ዝሕብረና: ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ንኻልኦት ብዛዕባ እምነትካ ምንጋር ብዙሕ በረኸታት ከምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ፍርሂ ሰብ ካብዚ ፍሉይ መሰልን ካብቲ ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ንኽፈልጡ ኻብ ምሕጋዝ ዝርከብ ሓጐስን ንኽዓግተካ ኣይተፍቅደሉ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ: ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር” ይብል።​—⁠ምሳሌ 29:25

15 ከም ክርስትያን መንእሰይ መጠን ንመዛኑኻ ብሓቂ ዘድልዮም ነገር ረኺብካ ከም ዘሎኻ ኣይትረስዕ። እዚ ኸኣ ሕጂ ዘሎካ ዝበለጸ ዓይነት ህይወትን ኣብ መጻኢ እትረኽቦ ዘለኣለማዊ ህይወትን እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:8) ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ ኣብታ ሰባት ብሓፈሻ ተገዳስነት ዘይብሎም ወይ ኣብ ዓለማዊ ነገራት ጥራይ ዘተኰሩላ ሃገር እትበሃል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እንተ ወሓደ ፍርቂ ኻብቶም መጽናዕቲ እተገብረሎም መንእሰያት ንሃይማኖት ኣርዚኖም እዮም ዝርእይዎ: ሓደ ሲሶ ዝዀኑ ኸኣ ሃይማኖቶም ኣብ ህይወቶም “ልዕሊ ዅሉ ጽልዋ” ኸም ዝገብረሎም ገሊጾም። እዚ ዅነታት ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ እዩ። ስለዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ እትረኽቦም መዛኑኻ ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እትነግሮም ነገራት ተሓጒሶም ክሰምዑኻ ይኽእሉ ይዀኑ።

ከም መንእሰይ መጠን ንየሆዋ ቕረቦ

16. ንየሆዋ ንምሕጓስ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ካብ ምንጋር ሓሊፉ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

16 ልክዕ እዩ: ልቢ የሆዋ ንምሕጓስ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ምንጋር ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዕካ ኽትመላለስ እውን ኣሎካ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 5:3) ናብ የሆዋ እንተ ቐሪብካ: ነዚ ሓቂ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧

17. ንየሆዋ ብኸመይ ክትቀርቦ ትኽእል፧

17 ግዜ ወሲድካ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኣንብብ። ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ብዝፈለጥካ መጠን: ንኽትእዘዞን ብዛዕብኡ ንኻልኦት ንኽትዛረብን ብዝያዳ እዩ ዝቐለካ። የሱስ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ: እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ” በለ። (ሉቃስ 6:45) ስለዚ ንልብኻ ብጽቡቕ ነገራት ምልኣዮ። ኣብዚ መዳይ እዚ ንምንታይ ሸቶታት ዘይተውጽእ፧ ምናልባት ኣብዛ እትመጽእ ሰሙን ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት እትገብሮ ምድላው ከተመሓይሾ ትኽእል ኢኻ። ድሕርዚ ሓጺርን ልባውን ሓሳባት ብምሃብ ንኽትሳተፍ ሸቶ ከተውጽእ ትኽእል። ልክዕ እዩ: ነቲ እተመሃርካዮ ምግባሩ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።​—⁠ፊልጲ 4:9

18. ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠመካ: ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትተኣማመን እትኽእል፧

18 እቲ ኻብ የሆዋ እትረኽቦ በረኸት ነባሪ እዩ: አረ ዘለኣለማዊ እውን እዩ። ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃንካ ሓድሓደ ግዜ ብእተወሰነ ደረጃ ምጽራር ወይ ላግጺ ኸም ዘጋጥመካ ዝከሓድ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ሙሴ እሞ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ “ናብቲ ዓስቢ ጠመተ” ይብለና። (እብራውያን 11:24-26) ንስኻውን ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ንኽትፈልጥን ብዛዕብኡ ንኽትነግርን ዝገበርካዮ ጻዕርታት ዓስብኻ ከም ዝህበካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ‘ግብርኻን ንስሙ ዝገበርካዮ ፍቕርኻን ከቶ ኣይክርስዖን’ እዩ።​—⁠እብራውያን 6:10

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

ትዝክሮዶ፧

• የሆዋ ንኣገልግሎትካ ኣኽቢሩ ኸም ዝርእዮ ርግጸኛ እትኸውን ስለምንታይ ኢኻ፧

• ገሊኣቶም መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቶም ብኸመይ እዮም ምስክርነት ዝህቡ፧

• ንደቂ ኽፍልኻ ንኽትምስክረሎም ብርታዐ ኽትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

• ንየሆዋ ብኸመይ ክትቀርቦ ትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ቈልዑ እውን ከይተረፉ ንየሆዋ ይውድስዎ!

ቈልዑ እውን እንተዀኑ ኣብ ቤት ትምህርቶም ምስክርነት ይህቡ እዮም። ብዛዕባዚ ዝምልከት ነዚ ዝስዕብ ተመክሮታት ርአ።

እታ ጓል 10 ዓመት ኣምበር ሓምሻይ ክፍሊ እያ እትመሃር። ሓደ ግዜ ኣብ ክፍላ ስርዓት ናዚ ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኣይሁድ ዘውረዶ ግፍዒ ይንበብ ነበረ። ንሳ ድማ ነታ ፐርፕል ትርያንግልስ ዘርእስታ ቪድዮ ንመምህራ ኸተምጽኣላ ወሰነት። እታ መምህር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ናዚ መስጐጕቲ ኸም ዝወረዶም ምስ ፈለጠት ተደነቐት። ነታ ቪድዮ ድማ ንምልእቲ ኽፍሊ ኣርኣየታ።

ኣለክሳ ጓል ሸሞንተ ዓመት ከላ ኣብ በዓል ልደት ንምንታይ ከም ዘይትሳተፍ ንኽፍላ ደብዳበ ጸሓፈት። መምህራ በዚ ኣዝያ ስለ እተደነቐት ንኣለክሳ ነታ ደብዳበ ኣብ ክፍላን ኣብ ክልተ ኻልኦት ክፍልታትን ዓው ኢላ ኸም እተንብባ ገበረት! ኣለክሳ ኣብ መደምደምታ “ነቶም ካብ ናተይ እተፈልየ እምነት ዘለዎም ሰባት ከኽብር ተማሂረ እየ: ንስኻትኩም እውን በዓል ልደት ንኸየብዕል ዝገበርክዎ ውሳነ ስለ ዘኽበርኩምለይ አመስግነኩም” በለት።

ኤሪክ ቀዳማይ ክፍሊ ምስ ጀመረ ነዊሕ ከይጸንሐ: ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ሒዙ ናብ ትምህርቱ ኸደ እሞ ንደቂ ኽፍሉ ኸርእዮም ፍቓድ ሓተተ። እታ መምህሩ “ንደቂ ኽፍልኻ ሓደ ኻብቲ ዛንታታት ንምንታይ ዘይተንብበሎም፧” ብምባል ሓሳብ ሃበቶ። ኤሪክ ከምኡ ገበረ። ድሕርዚ: ቅዳሕ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝደልዩ ዘበሉ ኣእዳዎም ሓፍ ከብሉ ሓተተ። ንመምህሩ እውን ሓዊስካ ዓሰርተ ሸሞንተ ሰብ ኣእዳዎም ሓፍ ኣበሉ! ኣብዚ እዋን እዚ ኤሪክ ፍሉይ ናይ ምስክርነት ዞባ ኸም ዘለዎ እዩ ዝስምዖ።

ጓል ትሽዓተ ዓመት ዊትኒ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ ኤንድ ኤጁኬሽን ዘርእስታ ብሮሹር ተማስወላ እያ። c ከምዚ ድማ በለት:- “ኣብ ዓዓመት ኣደይ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ንመምህራነይ ትህቦም ነበረት: ሎም ዘበን ግን ባዕለይ እየ ሂበዮም። ሳላ እዛ ብሮሹር እዚኣ ኸኣ: መምህረይ ‘ናይታ ሰሙን ብልጽቲ ተማሃሪት’ ብምባል ሸሊማትኒ።”

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

c ኵሉ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ጽሑፋት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ እዩ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ገሊኣቶም ብዛዕባ እምነቶም ንምንጋር እተጠቕሙሉ መገድታት

ገሊኣቶም ጸብጻብ ወይ ፕሮጀክት ከቕርቡ ምስ ተሓተቱ: ምስክርነት ንኽህቡ ዘኽእሎም ኣርእስቲ መረጹ

ብዙሓት መንእሰያት ንመምህሮም ምስቲ ኣብ ክፍሎም ዝመያየጡሉ ዘለዉ ነገር ዝተሓሓዝ ቪድዮ ወይ ጽሑፍ ሂቦም

ገሊኣቶም መንእሰያት ኣብ እዋን ዕረፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ከንብቡ ኸለዉ: ካልኦት መንእሰያት መጺኦም ይሓትዎም

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ተመክሮ ዘለዎም ነቶም መንእሰያት ዘበሉ ንየሆዋ ንኸገልግልዎ ኸሰልጥንዎም ይኽእሉ እዮም