ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

ካብ ስድራ​ቤት ሻፋን እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧

ሻፋን ብግዜ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ: ቀዳሕን ጸሓፍን ኰይኑ የገልግል ነበረ። ኣብ መንግስቲ ጽልዋ ዝነበሮ ሰብ ብምንባሩ: ነቲ እቲ ንጉስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ቦታኡ ንምምላስ ዝገበሮ ወፈራ ይድግፎ ነበረ። ክልተ ኻብ ደቂ ሻፋን ኣብ ጐድኒ ነብዪ ኤርምያስ ቈሙ። ካልእ ወዱን ክልተ ደቂ ደቁን ከኣ ነቲ ዝነበሮም ስልጣን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብዝጠቅም መገዲ ተጠቐሙሉ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ጥሪትና ዀነ ኣብ ካልኦት ዘሎና ጽልዋ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ከነውዕሎ ኣሎና።​—⁠15/12 ገጽ 19-22

ኢረን ሆኽስቴንባኽ ንዝነበራ ስንክልና ተጻዊራ ንየሆዋ ኸተገልግል ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

እዛ ሓብቲ እዚኣ ጓል ሸውዓተ ዓመት ከላ ጸመመት። ይኹን እምበር: ምስ ካልኦት ብኸመይ ከም እትረዳዳእ ተማህረት: ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ነዘርላንድስ ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት ምብጻሕ ዝገብር ሰብኣያ (ገያሺ ተዓዛቢ እዩ) ተሰንዮ ኣላ።​—⁠1/1 ገጽ 23-6

ኣብቲ “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባታት እንታይ ክልተ ንመጽናዕቲ ዝሕግዛ መጻሕፍቲ እየን ወጺአን፧

ኣብ መላእ ምድሪ ዝርከቡ ክርስትያናት ነታ ሓደስቲ ሰባት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ምስ ወድኡ ኸጽንዕዋ ኢላ እተዳለወት ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ብምርካቦም ተሓጒሶም እዮም። እታ ኻልአይቲ መጽሓፍ ከኣ ንየሆዋ ቕረቦ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዀይና ኣብ ባህርያትን ተግባራትን የሆዋ እተተኵር እያ። ባህርያቱ ኣብ ምንጽብራቕ ዝመጸ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ድማ ትሕብር።​—⁠15/1 ገጽ 23-4

እቲ ኣብ ምሳሌ 12:5 ዝርከብ “ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ” ዝብል እንታይ ትርጕም ዝሓዘ እዩ፧

ጥዑያት ሰባት ጥዑይን ፍትሓውን ቅኑዕን ሓሳባት እዮም ዝሓስቡ። ጻድቃን በታ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘላቶም ፍቕሪ ስለ ዝድረኹ ጽቡቕ ነገር እዮም ዝሕልኑ።​—⁠15/1 ገጽ 30

ሓደ ሰብ ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኽህልዎ ዝሕግዞ እንታይ እዩ፧

ፍቕሪ ስራሕ ካብ ቍልዕነት ኣትሒዝካ ኽትመሃሮ ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ ንትህኪት ንየው ኢልና ንፉዓት ሰራሕተኛታት ክንከውን እዩ ዝምሕጸነና። (ምሳሌ 20:4) ኣብ ርእሲ እዚውን ክርስትያናት ንስራሕ ቀዳማይ ቦታ ንኸይህብዎ የተባብዖም እዩ። ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ኣብ ህይወትና ቀዳምነት ክወሃቦ ኸም ዝግባእ ኣፍልጦ ኽንህበሉ ይግባእ። (1 ቈረንቶስ 7:29-31) ብዘይ​ካዚውን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣምላኽ ከም ዘይሓድጎም ይተኣማመኑ እዮም።​—⁠1/2 ገጽ 4-6

መሰውኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ እተጠቕሰ ኣበይ እዩ፧

ኣብቲ ኖህ ካብ ማይ ኣይሂ ምስ ደሓነ ብዛዕባ ዝሰርሖ መሰውኢ ዝገልጽ ኣብ ዘፍጥረት 8:20 ዘሎ ጸብጻብ እዩ ዝርከብ። ይኹን እምበር: ቃየልን ኣቤልን እውን መስዋእትታቶም ኣብ ዘቕረብሉ እዋን መሰውኢታት ሃኒጾም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘፍጥረት 4:3, 4)​—⁠15/2 ገጽ 28

ገሊኣቶም ክርስትያናት ንናይ ኵነታት ለውጢ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

ገሊኣቶም ነቲ ንኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ንኽረኽቡ ዘኽእሎም ኣብ ስርሖም እተፈጥረ ለውጢ ተጠቒሞሙሉ ወይ ባዕላቶም ኣብ ናብራኦም ምትዕርራይ ገይሮም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ስድራ​ቤት ዝነበሮም ሓላፍነታት ምስ ነከየ፣ ንኣብነት: ደቆም ዓብዮም ሓዳሮም ምስ ወጹ: ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘሕልፍዎ ግዜ ወሲኾምሉ: ዝያዳ ሓላፍነት ከኣ ተቐቢሎም።​—⁠1/3 ገጽ 19-22

ንዮናስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ከም ኣብነት ወሲድና ምስ እንርእዮም: ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ጌርና ንኽንርእዮም ዝሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ዮናስን ጴጥሮስን ኣብ ኣተሓሳስባኦም ጌጋታት ነይርዎም: ኣብ እምነቶምን ተኣዛዝነቶምን ፈተና ኸጋጥሞም ከሎ ኸኣ ኵላትና እንፈልጦ ጌጋታት ፈጺሞም እዮም። የሆዋ ግን ነቲ ሰናይ ባህርያቶም ስለ ዝረኣየ: ኣብ ዕዮኡ ይጥቀመሎም ነበረ። ካልኦት ሰባት ከሕርቑና ወይ ከጕህዩና ኸለዉ: ኣብቲ ኣቐዲምና እንፈትዎ ዝነበርና ሰናይ ባህርያቶምን ኣብቲ የሆዋ ዝርእዮ ጽቡቕ ጐድንታቶምን ከነተኵር ንኽእል ኢና።​—⁠15/3 ገጽ 16-19

እቲ ኣብ መዝሙር ዳዊት ዘሎ ቍጽርታት ኣብ እተፋላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈላለ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋ እብራይስጢ እተዳለወ ጽሑፍን ኣብቲ ናብ ቋንቋ ግሪኽ እተተርጐመ ሰፕቱጀንትን እተፈላለየ ቍጽርታት እዩ ተዋሂቡዎ ዘሎ። ጸኒሑ እተተርጐመ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ከከም እቲ ዝስዕቦ ኣገባብ​—⁠ከምቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ወይ ከም ሰፕቱጀንት​—⁠እተፈላለየ ቍጽርታት ይህልዎ።​—⁠1/4 ገጽ 31