ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንተራ ሰባት ይሓልየሎም

የሆዋ ንተራ ሰባት ይሓልየሎም

የሆዋ ንተራ ሰባት ይሓልየሎም

ኣምላኽ ንኽግደሰልካ ሓለፍ ዝበልካ ወይ ብሉጽ ሰብ ክትከውን የድልየካ ድዩ፧ መበል 16 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ኣብርሃም ሊንከን: “ጐይታ ንተራ ሰባት እዩ ዝሓሪ። ስለዚ ኸኣ እዩ ብዙሓት ተራ ሰባት ዝፈጠረ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። ብዙሓት ሰባት ፍልይ ዝበለ ነገር ዘይብሎም ተራ ሰባት ከም ዝዀኑ እዩ ዝስምዖም። ተራ ኽበሃል ከሎ “ብሽመት ለጠቕ ዝበለ፣ ሓፋሽ፣ ብዙሕ ዘይተማህረ ወይ ዘይፈልጥ” ዝብል ትርጕም ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ንስኻ ምስ ከመይ ዝበሉ ሰባት ኢኻ ኽትቀራረብ እትደሊ፧ ካብ ምስ ዕቡያትን ተረርትን ኵሩዓትን ሰባት ምቅርራብ: ምስ ልባዊ ሓልዮት ዘርእዩ: ምቕሉላት: ትሑታት: ከምኡውን ምስ ዘይጀሃሩን ሰባት ክትቀራረብዶ ኣይምመረጽካን፧

ኣብዛ እንነብራ ዘለና ዓለም ምድህሃልን ላግጽን ልሙድ ስለ ዝዀነ: ገሊኣቶም ሰባት ኣምላኽ ብብሕቲ ኸም ዝግደሰሎም ንምእማን የጸግሞም እዩ። ሓደ ኣንባቢ እዛ መጽሔት እዚኣ: ነዚ ብዝምልከት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ፍቕሪ ኣብ ዘይንጸባረቓ ቤት እየ ዓብየ። የቋናጽቡንን ይሕጭጩለይን መስሓቕ ይገብሩንን ነበሩ። ስለዚ: ገና ኻብ ንእስነተይ ዋጋ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ክሳዕ ሕጂ እውን ጕድኣት ከጋጥመኒ ኸሎ ካብ ቀደም ዝጸንሐ በሰላ ስለ ዘሎኒ እድቈስ እየ።” እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ንተራ ሰባት ብብሕቲ ይግደሰሎም እዩ ንኽንብል ዘኽእለና ምኽንያታት ኣሎ።

ኣምላኽ ንተራ ሰባት ዘለዎ ተገዳስነት

ንጉስ ዳዊት “እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ: ምስጋና ይግብኦ: ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 145:3) ይኹን እምበር: እዚ ንየሆዋ ብፍቕርን ብድንጋጽን ንኽሓልየልና ኣይዓግቶን እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ንኣብነት: እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” በለ።​—⁠መዝሙር 34:18

ኣምላኽ እቲ ኸም ኣካላዊ ጽባቐ: ዝና: ወይ ሃብቲ ዝኣመሰለ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣቓልቦ ዝስሕብ ነገራት ኣየገድሶን እዩ። ኣብቲ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ነቶም ድኻታትን ዘኽታማትን መበለታትን ጓኖትን ዘለዎ ድንጋጽ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ነቶም ሓደ እዋን ግፍዒ ዝወርዶም ዝነበረ እስራኤላውያን “ንስደተኛ ኣይትዐምጾ ወይ ኣይትጽቀጦ። ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም። እንተ ገፋዕካዮም: እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ: ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ” በሎም። (ዘጸኣት 22:21-24) ነብዪ ኢሳይያስ እውን ኣምላኽ ንሽጉራት ከም ዝሓልየሎም ክገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ነድሪ እቶም ጨካናት ከምቲ ንመንደቕ ዚወቅዕ ሃጽፊ እዩ እሞ: ንስኻ ዕርዲ ንድኻ: ንሽጉር ኣብ ጸበባኡ መጸግዒ: ካብ ሃጽፊ መዕቀሊ: ካብ ሃሩር መጽለሊ ዀንካ።”​—⁠ኢሳይያስ 25:4

እቲ ‘ቕርጺ ባህሪ’ ኣምላኽ እተባህለ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ንተራ ሰባት ልባዊ ተገዳስነት ብምርኣይ ዝመጸ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብነት ኰኖም። (እብራውያን 1:3) ሓደ ግዜ ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።”​—⁠ማቴዎስ 9:36

የሱስ ሃዋርያቱ ክዀኑ ዝመረጾም ሰባት ከኣ “ዘይተማህሩ ጭዋታት [ወይ ተራ ሰባት]” እዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13) ድሕሪ ሞት የሱስ እቶም ሰዓብቱ ንዅሎም ሰባት ቃል ኣምላኽ ክሰምዑ ጻውዒት ከቕርቡ ጀመሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ዘይአምን ወይስ ዘይምሁር” ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽመጽእን ኣማኒ ክኸውንን ከም ዝኽእል ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 14:24, 25) ኣምላኽ ነቶም ብዓለም ዝነኣዱ ኣገልገልቱ ክዀኑ ኣብ ክንዲ ዝመርጽ: ንተራ ሰባት እዩ መሪጹ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባዚ ኸምዚ በለ:- “ኣሕዋተየ: ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት: ብዙሓት ስልጡናት: ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን። ኣምላኽ ግና: ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ: ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ: ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከአ: ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ። ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን: ኣምላኽ ነቲ: ኣነ ገለ እየ: ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር: ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 1:26-29

ኣብዚ ግዜናውን ኣምላኽ ይግደሰልና እዩ። “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ኣምላኽ ኣዝዩ ዘፍቅረና ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ንወዱ ናብ ምድሪ ልኢኹ በጃና ንኽመውት ካብ ኣፍቀደ: ዘይንፍቀር ወይ ዋጋ ዘይብልና ዀይኑ ንኽስምዓና ምንም ምኽንያት የብልናን። (ዮሃንስ 3:16) የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ: ነቶም ኣብ ግምት ዘይኣትዉ ዝበሃሉ መንፈሳውያን ኣሕዋቱ እውን ከይተረፉ ዝገብርዎ ነገር ንዕኡ ብብሕቱ ኸም ዝገበርዎ ገይሩ ኸም ዝርእዮ ገለጸ። “እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኸኣ በለ። (ማቴዎስ 25:40) ዓለም ብኸመይ ከም እትርእየና ብዘየገድስ: ንሓቂ እንተ ኣፍቂርና: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍሉያት ኢና።

ሓደ ፍራንሲስኮ a ዝበሃል ኣቦ ዘይብሉ ብራዚላዊ ወዲ: ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ምስ ኣማዕበለ ኸምዚ እዩ ተሰሚዕዎ። “ንየሆዋን ንማሕበሩን ምፍላጠይ ነቲ ዝነበረኒ ኣብ ርእሰይ ናይ ዘይምትእምማንን ናይ ሕፍረትን ስምዒት ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ብብሕቲ ኸም ዝግደሰልና ፈሊጠ” ብምባል ድማ ገለጸ። ፍራንሲስኮ ንየሆዋ ከም ናይ ሓቂ ኣቦ ገይሩ እዩ ዝርእዮ።

ንመንእሰያት ዘለዎ ሓልዮት

የሆዋ ንመንእሰያት ብደረጃ ጕጅለ ጥራይ ዘይኰነስ ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብ እውን ብሓቂ ይግደሰሎም እዩ። ልክዕ እዩ: መንእሰያት ንኹን ዓበይቲ ብዛዕባ ርእስና ኻብቲ ግቡእ ንላዕሊ ኽንሓስብ ኣይንደልን ኢና። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ኽጥቀመሉ ዝኽእል ክእለትን ባህርን ይህልወና ይኸውን። የሆዋ ንኽእለትና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሎ እንታይ ስልጠና ኸም ዘድልየና ይፈልጥ እዩ። ንኣብነት: ኣብ 1 ሳሙኤል ምዕራፍ 16 ዘሎ ጸብጻብ እሞ ርአ። የሆዋ ነቲ ዝነኣሰ ወዲ እሴይ ዝነበረ ዳዊት ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ክኸውን ክመርጾ ኸሎ: ሳሙኤል ግን ኻልኦት ሰባት ካብኡ ዝሓሹ ዀይኑ ተሰምዖ። ስለዚ የሆዋ ንሳሙኤል ከምዚ ብምባል ገለጸሉ:- “ኣነ [ነቲ ዓብዪ ሓው ዳዊት] ንዒቐዮ እየ እሞ: ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን: ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።”​—⁠1 ሳሙኤል 16:7

ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት: የሆዋ ብሓቂ ኸም ዝግደሰሎም ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉዶ፧ ንሓንቲ ኣና እትበሃል ብራዚላዊት መንእሰይ ኣጋጢምዋ ዝነበረ እስከ ንርአ። ልክዕ ከም ካልኦት መንእሰያት: ብልሽውናን ምጕዳል ፍትሕን የበሳጭዋ ነበረ። ድሕርዚ ኣቦኣ ንዓኣን ንኣሓታን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክወስደን ጀመረ። እናሓደረ ነቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ እትመሃሮ ዝነበረት ነገር ክትፈትዎ ጀመረት። መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ከተንብብ: ናብ የሆዋ ኣምላኽ ድማ ክትጽሊ ጀመረት። በብቝሩብ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ መስረተት። ከምዚ ብምባል ድማ ትገልጽ:- “ብሽክለታ ተወጢሐ ናብታ ኣብ ጥቓ ገዛና እትርከብ ባህ ዘብል ዕራርቦ ጸሓይ ዝርእየላ ኵድዅዶ ምኻድ እፈቱ ነይረ። ንየሆዋ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅሮ ኽገልጸሉ ስለ ዝደለኹ: ስለቲ ዝገበረለይ ሕያውነትን ልግስን ብጸሎት ኣመስገንክዎ። ንየሆዋ ኣምላኽን ዕላማታቱን ምፍላጠይ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ቅሳነትን ንኽረክብ ኣኽኢሉኒ እዩ።” ንስኻኸ ነቲ የሆዋ ዘርኣየካ ሓልዮት ግዜ ወሲድካ ኸተስተንትነሉ ትፍትን ዲኻ፧

ኣተዓባብያና ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ንኸይንገብር ዕንቅፋት ክዀነና ኸም ዝኽእል ዝከሓድ ኣይኰነን። ንኣብነት: ንሊድያ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ኣጸቢቑ ዘጨነቓ ጕዳይ ንኣቦኣ ኽትነግሮ ምስ ፈተነት: “እዚ ሃጠው ቀጠው እዩ” ብምባል ንዘረባኣ ዕሽሽ በሎ። ኣቦኣ ነቲ ሽግር ክትርስዖ ኸም ዝደለያ እኳ እንተ ተገንዘበት: ብዛዕባዚ ግን ከምዚ በለት:- “መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዐይ ነቲ ዝደልዮ ዅሉ ንኽረክብ ኣኽኢሉኒ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ እውን ጠቒሙኒ እዩ። የሆዋ ዝስሕብ ባህርያት ስለ ዘለዎ ናይ ማሕርሮ ፈታውየይ ከም ዝኸውን ገበርክዎ። ሕጂ ዅሉ ስምዒታተይን ውሽጣዊ ፍርሀይን ከፍስሰሉ ዝኽእል ፈቃርን ዝርዳእን ኣቦ ኣሎኒ። እቲ ኣብ ኣድማስ ካብ ዘለዉ ዅሉ ንላዕሊ ልዑል ዝዀነ ኣካል ከም ዝሰምዓኒ ተኣማሚነ ንሰዓታት ክዛረቦ እኽእል እየ።” ከም ፊልጲ 4:6, 7 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ከኣ ነቲ የሆዋ ዘርእዮ ሓልዮት ንኸተስተውዕሎ ሓገዛ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።”

ዘድልየካ ነገር ንኽትረክብ ሓገዝ ምርካብ

የሆዋ ንኣገልገልቱ ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብ: ንዓለምለኻዊት ማሕበሩ ድማ ብሓፈሻ ኸም ዝሓሊ የርኢ እዩ። ንሕናውን ግዜ ወሲድና ንሰማያዊ ኣቦና ብምዝራብ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ኣፍኲስና ኽንርእዮ የብልናን። ዳዊት ወትሩ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ተጠንቂቑ እዩ ዝሕዞ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ: ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ” በለ።​—⁠መዝሙር 25:4, 5

ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ምምስራት ዝብልዎ ሓሳብ ንዓኻ ሓድሽ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዘጋጥመካ ዘሎ ጸገማት ብዘየገድስ: እቲ ልዑል ምስ ፍቓዱ ብምስምማዕ ክሕግዘካ ኸም ዝኽእል ፈጺምካ ኣይትጠራጠር። (1 ዮሃንስ 5:14, 15) ስለዚ: ኣብ ጸሎትካ ንዅነታትካን ድሌትካን ብንጹር ዘርዚርካ ኽትጠቅስ ጽዓር።

ዘድልየና ነገራት ምፍላጥ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብቲ ንጉስ ሰሎሞን እታ ቤተ መቕደስ ክትምረቕ ከላ ዘቕረቦ ጸሎት ጐሊሑ ኣሎ:- “ጥሜት ኣብ ሃገር እንተ ዀነ: ፌራ እንተ ዀነ: ዋግ ወይ ሃጒ: ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ መጸ: ጸላኢኦም ኣብ ሃገር ከተማታቶም እንተ ኸበቦም: ወይ ዝዀነ መዓት ወይ ዝዀነ ሕማም እንተ መጸ: ዝዀነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል: ነፍሲ ወከፍ ቍስሉን ቃንዛኡን እተፈለጦ: ዚጽልዮ ዅሉ ጸሎትን ኵሉ ምህልላን . . . ሽዑ ንስኻ ካብ ሰማይ: . . . ስማዕ: ይቕረ ኸኣ በል: . . . ከከም መገዱ ሀቦ።” (2 ዜና መዋእል 6:28-30) እወ: ንስኻ ባዕልኻ ጥራይ ኢኻ ‘ቍስልኻን ቃንዛኻን ክትፈልጥ እትኽእል።’ ስለዚ እምበኣር ነቲ ናይ ሓቂ ድሌትካን ባህግኻን ምግላጹ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ እንተ ጌርካ: “ልብኻ ዚደልዮ ንሱ [የሆዋ] ኺህበካ እዩ።”​—⁠መዝሙር 37:4

ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኣደልድሎ

የሆዋ: ተራ ሰባት ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ክምስርቱ ኸለዉ የሐጕሶ እዩ። ቃሉውን “ኣቦ ድማ እዀነኩም: ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም: ይብል እቲ ዅሉ ዚከአሎ ጐይታ” ብምባል ነዚ የረጋግጸልና። (2 ቈረንቶስ 6:18) ብሓቂ የሆዋን ወዱን ኣሳልጦ ከምኡውን ዘለኣለማዊ ህይወት ክንረክብ እዮም ዝደልዩና። የሆዋ ነቲ ኣብ ስድራ​ቤት: ኣብ ስራሕ: ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎና ሓላፍነት ክንፍጽም ከሎና ኽሕግዘና ዝደሊ ምዃኑ ምፍላጥናስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን እዩ!

ይኹን እምበር: ንዅላትና ጸገማት የጋጥመና እዩ። ጥዕና ምስኣን: ናይ ስድራ​ቤት ጸገማት: ትሑት ኣታዊ: ወይ ካልእ ጸገማት ከሳቕየና ይኽእል እዩ። ፈተና ኸጋጥመና ኸሎ እንታይ ከም እንገብር ኣይንፈልጥን ንኸውን። እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸቕጥታት እንተ ብቐጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ ኻብቲ እቲ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መገዲ ዝዋጋእ ዘሎ እኩይ ከሳሲ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ ዝመጽእ። እንተዀነ ግን: ንዓና ኣጸቢቑ ዝርድኣናን ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብና ሒዝና ንኽንቅጽል ዝሕግዘናን ኣካል ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ሰማያት ኣብ ልዑል ቦታ ተቐሚጡ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝብል ነንብብ:- “ደጊም ብዘይ​ ሓጢኣትሲ: ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር: ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ: ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት: የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና: ምእማንና ነጽንዕ። ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል: ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ: ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።”​—⁠እብራውያን 4:15, 16

ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ውሩያት ወይ ሃብታማት ክንከውን ከም ዘየድልየና ምፍላጥናስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን እዩ! ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት እውን ከይተረፈ: ከምቲ “ኣነስ ሽጉርን መስኪንን እየ: እግዚኣብሄር ግና ይሐልየለይ አሎ። ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ” ኢሉ ዝጸለየ ጸሓፍ መዝሙር ኩን። (መዝሙር 31:9-14፣ 40:17) የሆዋ ንትሑታትን ተራ ሰባትን ከም ዘፍቅሮም ኣይትጠራጠር። እወ: ‘ንሱ ይሓልየልና እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትና ኣብኡ ኸነውድቖ ንኽእል ኢና።’​—⁠1 ጴጥሮስ 5:7

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

መብዛሕትኦም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘይተማህሩን ተራ ሰባትን ነበሩ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ድልድልቲ እምነት ክትህልዎም እዮም ዝጽዕሩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ምርኡያት ሰባት ክንከውን ኣየድልየናን