ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕራዊ ሕያውነት ክሳዕ ክንደይ እያ ኣገዳሲት፧

ፍቕራዊ ሕያውነት ክሳዕ ክንደይ እያ ኣገዳሲት፧

ፍቕራዊ ሕያውነት ክሳዕ ክንደይ እያ ኣገዳሲት፧

መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰብ ርሕራሔ [“ፍቕራዊ ሕያውነቱ:” NW ] እዩ ጌጹ” ይብለና። (ምሳሌ 19:22) እወ: ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዝግበር ሕያውነት ብሓቂ ዝፍቶ እዩ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ፍቕራዊ ሕያውነት” ተባሂላ ዘላ ቓል ግን ኣብ ኣቐዲሙ እተመስረተ ርክብ ተመርኲስካ እተርእዮ ሕያውነት እተመልክት እያ። ንኣብነት: እቲ ፍቕራዊ ሕያውነት እተርእዮ ሰብ ኣቐዲሙ ሕያውነት ገይሩልካ ነይሩ ይኸውን። ስለዚ: እዛ ቓል ምስ ተኣማንነት እውን ትተሓሓዝ እያ።

ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ነዛ ባህሪ እዚኣ ኣየማዕበላን። ኣሞኡን እቲ ዮያዳ ዝበሃል ሰብኣይ ኣሞኡን ብዙሕ ጽቡቕ እዮም ገይሮምሉ። ዮኣስ ገና ዓመት ከይመልኦ ኸሎ: እታ እክይቲ ዓባዩ ንገዛእ ርእሳ ንግስቲ ገበረት: ንዅሎም እቶም ነቲ ዝፋን ክወርሱ ዝኽእሉ ኣሕዋት ዮኣስ ድማ ቀተለት። ንዮኣስ ግን ኣሞኡን ሰብኣያን ተጠንቂቖም ስለ ዝሓብእዎ ኣይቀተለቶን። ቃል ኣምላኽ እውን መሃርዎ። ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነ ሰብኣይ ኣሞኡ ሊቀ ኻህናት ብምዃኑ ንዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ነታ እክይቲ ንግስቲ ኸም እትቕተልን ዮኣስ ከም ዝነግስን ገበረ።​—⁠2 ዜና መዋእል 22:10–​23:15

እቲ ቘልዓ ዝነበረ ንጉስ ዮኣስ: ሰብኣይ ኣሞኡ ኽሳዕ ዝመውት ብጽቡቕ ገዝአ: ድሕሪኡ ግን ጣኦታት ከምልኽ ጀመረ። ኣምላኽ ድማ ንኸጠንቅቖ ኢሉ ንዘካርያስ ወዲ ዮያዳ ለኣኸሉ። ዮኣስ ንዘካርያስ ብዳርባ እምኒ ኸም ዝቕተል ገበሮ። ነቶም ብዙሕ ጽቡቕ ዝገበሩሉ ስድራ​ቤትሲ እዚ እከይ ብምፍዳዩ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ጥልመት ኰን እዩ ፈጺሙ!​—⁠2 ዜና መዋእል 24:17-21

መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንጉስ ዮኣስ ነቲ ዮያዳ ኣቦ ዘካርያስ ዝገበረሉ ምሕረት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ኣይዘከሮን: ነቲ ወዱ ደኣ ቐተሎ’ ይብለና። ዘካርያስ ክመውት ከሎ “ነዝስ እግዚኣብሄር ይርአዮ ይድለዮውን” በለ። ከምቲ እተዛረቦ ኸኣ ዮኣስ ከቢድ ሕማም ሓመመ: ብገላዉኡ ኸኣ ተቐትለ።​—⁠2 ዜና መዋእል 24:17-25

ነቲ “ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ: . . . ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስ . . . ክትረክብ ኢኻ” ዝብል ማዕዳ ዝስዕቡ ዘበሉ: ከምቲ ንንጉስ ዮኣስ ዝወረዶ ጥፍኣት ዘይኰነስ ብዙሕ በረኸት እዮም ዝረኽቡ።​—⁠ምሳሌ 3:3, 4