ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅድስና ደም ንምሕላው ዝወሃብ ሓገዝ

ቅድስና ደም ንምሕላው ዝወሃብ ሓገዝ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

ቅድስና ደም ንምሕላው ዝወሃብ ሓገዝ

ኣብ መላእ ምድሪ ዝርከቡ ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ ቅድስና ደም ብዝተሓሓዝ ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት የርእዩ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ንክርስትያን ኣሕዋት ሓገዝ ይህቦም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45-47) ነዚ ብዝምልከት ኣብ ፊሊፒንስ እተረኽበ ፍረ እስከ ንርአ።

ኣብ ፊሊፒንስ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ሃበ:- “ብ1990 ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቤትኤል ዝመጹ ተወከልቲ ኣብ ፊሊፒንስ ሰሚናር ክህቡ ምዃኖም ተነግረና። ኣብ እስያ ካብ ዝርከባ እተፈላለያ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት: እንተላይ ካብ ኮርያን ታይዋንን ሆንግ ኮንግን ኣሕዋት ክመጹ ተዓደሙ። ዕላማ ናይቲ ሰሚናር ኣብ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ናይ ሆስፒታል ሓበሬታ ኣገልግሎት ዝህብ ንምቛምን ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተታት ንምድላውን እዩ ነይሩ። ኣብ ፊሊፒንስ እዚ ኮሚተታት እዚ ፈለማ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኸተማታት እዩ ተመስሪቱ ነይሩ።” ኣባላት እዚ ኮሚተ ነቲ ክርስትያናት ብዛዕባ ደም ዘለዎም ኣቕዋም ብምድጋፍ ዝተሓባበሩ ሓካይም ንምርካብ እዮም ጻዕሪ ዝገብሩ። ኣሕዋት ምስ ደም ዝተሓሓዝ ጸገማት ከጋጥሞም ከሎ እውን ይድግፍዎም እዮም።

ረመኽዮ ኣብ ባጊዮ ኣባል ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ኰይኑ ኸገልግል ተመርጸ። እናሓደረ ሓካይም እዚ ኣገልግሎት እዚ ዘለዎ ጥቕሚ ኸስተብህሉሉ ጀመሩ። ሓደ እዋን ብዙሓት ሓካይም ምስቶም ኣባላት እቲ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ኣኼባ ገይሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ነቶም ደም ምውሳድ ዝኣብዩ ዝሓመሙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ከም ዝሕክምዎም ሕቶ ኽሓቱ ጀመሩ። ረመኽዮ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠሞ ንኽገልጽ ከሎ “እቶም ሓካይም ሕቶታት ክሓቱ ጀመሩ: እንተዀነ ግን እቲ ሕቶታት ተክኒካዊ ስለ ዝነበረ ኣብ መዋጥር ኣተኹ” በለ። ነዚ ጸገም እዚ ኣብ ምፍታሕ የሆዋ ንኽሕግዞ ጸለየ። ድሕርዚ “ሓደ ሕቶ ኽሓትት ከሎ: ካልኦት ሓካይም ኢዶም ሓፍ የብሉ እሞ ንተመሳሳሊ ሽግር ብኸመይ ከም ዝፈትሕዎ ይገልጹ ነበሩ” ብምባል ዘጋጠሞ ሓበረ። እቲ ሕቶን መልስን ንኽልተ ሰዓት ስለ ዝቐጸለ: ረመኽዮ እዚ ሓገዝ እዚ ብምርካቡ ተሓጐሰ።

ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር 77 ኣሕዋት ኣባላት ዝሓቘፋ 21 ኮሚተታት ኣለዋ። ዳኒኢሎ ዝበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ሓኪም: “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕሙማት ብሓንቲ እትሓልየሎም ማሕበር ከም ዝድገፉ ሓካይም ይፈልጡ እዮም” በለ። ሓደ ሓኪም ንሓደ ሓው ብዘይ​ ደም መጥባሕቲ ንኽገብረሉ ኣስጊእዎ ነበረ። ይኹን እምበር: እቲ ሓው ካብ ኣቕዋሙ ፈልከት ኣይበለን። እቲ መጥባሕቲ ተገብረ: ዕዉት ድማ ነበረ። ኣብ ፊሊፒንስ ዘሎ ናይ ሆስፒታል ሓበሬታ ኣገልግሎት ዝህብ ብዛዕባዚ ኸምዚ ዝብል ጸብጻብ ሃበ:- “እቲ ሓኪም እቲ ሓው ብኸመይ ከም ዝሓወየ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ተደነቐ። ‘ከምዚ ዝረኣኽዎ እንተ ዀይኑ እሞ: ዝዀነ ይኹን ኣባልኩም ብዘይ​ደም ከምዚ ዓይነት መጥባሕቲ ኽግበረሉ እንተ ደልዩ: ተሓጒሰ ኽገብረሉ እየ’ ኸኣ በለ።”