ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ እትገብሮ የሆዋ የስተብህለሉዶ፧

ነቲ እትገብሮ የሆዋ የስተብህለሉዶ፧

ነቲ እትገብሮ የሆዋ የስተብህለሉዶ፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ እንታይ ኢልካ ምመለስካያ፧ ብዙሓት ሰባት ‘ኣምላኽ ንኸም እኒ ሙሴ: ጊዴዎን: ዳዊት ዝኣመሰሉ ሰባት ዝገበርዎ ነገራት ከም ዘስተብሃለሉ እኣምን እየ: ኣነ ዝገብሮ ነገራት ግን ዘገድሶ ዀይኑ ኣይስምዓንን። ከማታቶም ኣይኰንኩን’ ይብሉ ይዀኑ።

ልክዕ እዩ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዜ ዝነበሩ ገለ እሙናት ሰባት ዘደንቕ ነገራት ገይሮም እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ‘ንመንግስትታት ሰዓሩ: ኣፍ ኣናብስ ዓጸዉ: ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ: ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሐኑ።’ (እብራውያን 11:33, 34) ገሊኣቶም ግን እምነቶም ዘርኣዩሉ መገዲ ኽሳዕ ክንድቲ ዘደንቕ እኳ እንተ ዘይኰነ: ኣምላኽ ግን ነቲ ብእምነት ዝገበርዎ ተግባር ከም ዘስተብሃለሉ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና። ንኣብነት: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዝርከቡ ሓደ ጓሳ: ሓደ ነብዪ: ከምኡውን ሓንቲ መበለት ዝገደፉልና ኣብነታት እስከ ንርአ።

ሓደ ጓሳ መስዋእቲ ኣቕረበ

ብዛዕባ እቲ ኻልኣይ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበረ ኣቤል እንታይ እዩ ትዝ ዝብለካ፧ ኣማውታ ሰማእታት ከም ዝሞተ ትዝክር ትኸውን: እዚ ንዅላትና ከጋጥመና እንጽበዮ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንኣቤል መጀመርታ ኸስተብህለሉ ዝኸኣለ ብኻልእ ምኽንያት እዩ ነይሩ።

ሓደ መዓልቲ ኣቤል ካብተን መጓሰኡ ዝበለጸ መሪጹ ንኣምላኽ መስዋእቲ ኣቕረበሉ። እቲ መስዋእቲ ኣብዚ ግዜና ኽንርእዮ ኸሎና ንእሽቶ ክኸውን ይኽእል እዩ: የሆዋ ግን ነዚ ተዓዚብዎን ሞገሱ ገሊጹሉን እዩ። እቲ ነገር ግን በዚ ኣየብቅዐን። ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ዓመታት ጸኒሑ: የሆዋ ንሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ንኽጽሕፍ ብመንፈሱ ደረኾ። ድሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ ዓመታት ኣምላኽ ነታ ንእሽቶ መስዋእቲ ኣይረስዓን!​—⁠እብራውያን 6:10፣ 11:4

ኣቤል እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ከቕርብ ከም ዝግባእ ዝወሰነ ብኸመይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ ኣይነግረናን እዩ: እንተዀነ ግን ነቲ ጕዳይ ሓሲቡሉ ክኸውን ኣለዎ። ጓሳ እዩ ነይሩ: ስለዚ ኻብ መጓሰኡ መስዋእቲ ምቕራቡ ኣየገርምን እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ዝበለጸ ማለት “ስብሔን” ከም ዘምጽአ ኣስተብህለሉ። (ዘፍጥረት 4:4) የሆዋ ኣብ ገነት ኤድን ነቲ ተመን እተዛረቦ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” ንዝብል ቃላት እውን ኣስተንቲንሉ ክኸውን ኣለዎ። (ዘፍጥረት 3:15፣ ራእይ 12:9) መንነት እታ “ሰበይትን” እቲ “ዘርኣን” እኳ እንተ ዘይተረድኦ: ‘ምንካስ ሸዀና’ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ግን ምፍሳስ ደም ከም ዘጠቓልል ኣስተውዒሉ ክኸውን ኣለዎ። ካብ ህያውን ዘስተንፍስን ፍጡር ዝኸብር ነገር ከም ዘየለ ብርግጽ ተረዲኡ ነይሩ። በዚ ዀነ በቲ: እቲ ዘቕረቦ መስዋእቲ ብሓቂ ግቡእ እዩ ነይሩ።

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ልክዕ ከም ኣቤል ንኣምላኽ መስዋእትታት የቕርቡ እዮም። እንተዀነ ግን: ካብ መጓሰኦም በዅራት ዘይኰነስ: “መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ [ንስም ኣምላኽ] ዚእመና ፍረ ኸናፍር” እዮም ዘቕርቡ። (እብራውያን 13:15) እምነትና ንኻልኦት ከነካፍሎም ከለና: ከናፍርና ንእምነትና እዩ ዝገልጽ።

መስዋእትኻ ብሉጽ ንክኸውን ከተመሓይሾ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ነቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ዘድልዮም ነገራት ሕሰብ። እንታይ እዩ ዘሻቕሎም፧ እንታይከ እዩ ዘገድሶም፧ ኣየናይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ እዩ ዝስሕቦም፧ ክትምስክር ከለኻ: ክእለትካ ንምምሕያሽ ወትሩ ሕሰብ። ብዛዕባ የሆዋ ኽትዛረብ ከሎኻ ኸኣ እምንቶኻ ብዘንጸባርቕ መገዲ ኻብ ልቢ ተዛረብ። መስዋእትኻ ናይ ሓቂ “መስዋእቲ ምስጋና” ግበሮ።

ሓደ ነብዪ ንዘይሰምዑ ሰባት ሰበኸሎም

ሕጂ ብዛዕባ ነብዪ ሄኖክ ንርአ። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ንበይኑ ይምስክር ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ልክዕ ከም ሄኖክ ካብ ስድራ​ቤትካ ንበይንኻ ንየሆዋ ብተኣማንነት እተገልግል ዲኻ፧ ኣብ ስራሕካ ወይ ኣብ ክፍልኻ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እትስዕብ በይንኻ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ: ብድሆታት የጋጥመካ ይኸውን። ፈተውትኻ: ኣዝማድካ: መማህርትኻ: ወይ መሳርሕትኻ ንሕጊ ኣምላኽ ክትጥሕስ ይደፋፍኡኻ ይዀኑ። “ማንም ኣይርእየካን እዩ: ንሕናውን ኣይንነግረልካን ኢና” ይብሉ ይዀኑ። ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ እትገብሮ ነገራት ስለ ዘይግደስ: ብዛዕባ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጭናቕ ዕሽነት ምዃኑ ደጋጊሞም ክነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። በተሓሳስባኻን ተግባራትካን ከምኦም ብዘይ​ምዃንካ ስለ ዝሓርቁ: ንኸዳኽሙኻ ዝከኣሎም ኵሉ እዮም ዝገብሩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ኸቢድ ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተዀነ: ክትጻወሮ ዘይከኣል ግን ኣይኰነን። ብዛዕባ እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ዝነበረ ሄኖክ እሞ ሕሰብ። (ይሁዳ 14) ሄኖክ ኣብ እተወልደሉ ግዜ ዝበዝሑ ሰባት ሕልናኦም ደንዚዙ ነበረ። ዘረባኦም ጽዩፍ: ተግባሮም ከኣ “እኩይ” ነበረ። (ይሁዳ 15) ልክዕ ከምቶም ሕጂ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ዝገብርዎ ዘለዉ እዮም ዝፍጽሙ ነይሮም።

ሄኖክ ነዚ ብኸመይ ተዋጽኣሉ፧ መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ንዓና የገድሰና እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምድሪ ንየሆዋ ዘምልኽ ሰብ ንሱ ጥራይ እኳ እንተ ነበረ: በይኑ ግን ኣይነበረን። ሄኖክ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ።​—⁠ዘፍጥረት 5:22

ንኣምላኽ ምሕጓስ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ይህቦ ነበረ። ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ክበሃል ከሎ ጽፉፍ ስነ⁠-​ምግ​ባራዊ ናብራ ምንባር ማለት ጥራይ ከም ዘይኰነ ይርዳእ ነይሩ። የሆዋ ንኽሰብኽ እውን ይጽበዮ ነይሩ እዩ። (ይሁዳ 14, 15) እቶም ሰባት ዝገብርዎ እኩይ ግብሪ ዕሽሽ ተባሂሉ ኸም ዘይሕለፍ መጠንቀቕታ ኽወሃቦም ነበሮ። ሄኖክ ንልዕሊ 300 ዓመት ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ: እዚ ድማ ካብ ናትና ኣጸቢቑ ዝዛይድ እዩ። ክሳዕ ዕለተ ሞቱ: ምስ ኣምላኽ ካብ ምምልላስ ኣየቋረጸን።​—⁠ዘፍጥረት 5:23, 24

ንሕናውን ከም ሄኖክ ክንሰብኽ መዝነት ተዋሂቡና እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብ ርእሲ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እንገብሮ ምስክርነት: ንኣዝማድናን መሳርሕትናን መማህርትናን ብስራት ክንነግሮም ንጽዕር ኢና። ሓድሓደ ግዜ ግን ንምምስካር ትብዓት ይጐድለና ይኸውን። ንስኻኸ እዚ ጸገም እዚዶ ኣሎካ፧ ኣጆኻ: ተስፋ ኣይትቝረጽ። ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምሰሎም: ኣምላኽ ትብዓት ክህበካ ኸኣ ጸሊ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:29) ምስ ኣምላኽ ክሳዕ እተመላለስካ: በይንኻ ኣይኰንካን።

ሓንቲ መበለት መግቢ ኣዳለወት

ሓንቲ ስማ ዘይተጠቕሰት መበለት መግቢ ብምድላዋ ጥራይ ክልተ ሳዕ በረኸት ከም ዝረኸበት እሞ ሕስብ ኣብሎ! እስራኤላዊት ኣይኰነትን ነይራ: ኣብ ዓስራይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ሰራጵታ እትበሃል ከተማ ኸኣ ትነብር ነበረት። ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ድርቅን ጥሜትን ኽውዳእ ቀሪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እታ መበለት ዝነበራ መግቢ ዳርጋ ይውዳእ እዩ ነይሩ። ብዘይ​ካ ሒደት ሓርጭን ንዕኡ ዝኸውን ዘይትን: ንዓኣ ዀነ ንወዳ ኻልእ ኣይነበራን።

ኣብቲ ግዜ እቲ ሓደ ዘይትፈልጦ ጋሻ መጻ። እዚ ሰብ እዚ እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ኤልያስ እዩ: ካብተን ዝርካበን መግቢ እታ መበለት ክምቀል ድማ ሓተተ። ይትረፍዶ ነዚ ጋሻስ ንዓኣን ንወዳን እኳ ዝተርፍ ኣይነበራን። ኤልያስ ግን ካብቲ መግባ እንተ ኣካፊላቶ: ንሳን ወዳን ከም ዘይጠምዩ የሆዋ ቓል ከም ዝኣተወ ኣረጋገጸላ። ኣምላኽ እስራኤል ‘ንዓይ ንጓና መበለት የስተብህለለይ እዩ’ ኢላ ንኽትሓስብ እምነት የድልያ ነበረ። እንተዀነ ግን: ንኤልያስ ኣመነቶ: የሆዋ ድማ ዓስባ ሃባ። “ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብኤልያስ እተዛረቦ: እቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ: እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን።” እታ ሰበይትን ወዳን ክሳዕ እቲ ድርቂ ዘኽትም ዕለታዊ እንጌራኦም ይረኽቡ ነበሩ።​—⁠1 ነገስት 17:8-16

እታ መበለት ግን ካልእ በረኸት እውን ረኺባ እያ። እዚ ተኣምር እዚ ድሕሪ ምፍጻሙ እተወሰነ እዋን ጸኒሑ ወዳ ሓሚሙ ሞተ። ኤልያስ ካብ ድንጋጽ ተላዒሉ: የሆዋ ነቲ ቘልዓ ኸተንስኦ ለመኖ። (1 ነገስት 17:17-24) ቅድሚኡ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተኣምር ተገይሩ ኣይፈልጥን ነበረ። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ እተፈጸመ ትንሳኤ ዝሕብር ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ የለን! የሆዋ ነዛ ጓና መበለት እዚኣ እንደገና ምሕረት ይገብረላ ደዀን ይኸውን፧ እወ: ገይሩላ እዩ። የሆዋ ንኤልያስ ሓይሊ ብምሃብ ነቲ ቘልዓ እንደገና ህያው ገበሮ። ጸኒሑ የሱስ ብዛዕባ እዛ ሓለፋታት ዝረኸበት ሰበይቲ ኸምዚ ብምባል ተዛረበ:- “ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን: ኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና [ተላእከ]።”​—⁠ሉቃስ 4:25, 26

ኣብዚ ግዜና ኣብተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕባላ ሃገራት እውን ከይተረፈ ዘይርጉእ ቍጠባዊ ሃዋሁ እዩ ዘሎ። ገሊኣተን ዓበይቲ ትካላት ንሓያሎ ዓመታት እሙናት ዝነበሩ ሰራሕተኛታተን ካብ ስራሕ ኣሰናቢተንኦም እየን። ሓደ ክርስትያን ካብ ስርሑ ኸይወጽእ ብምስጋእ ንሓያሎ ሰዓታት ንኽዓዪ ይድረኽ ይኸውን። ከምዚ ምስ ዝገብር: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኽካፈል: ኣብ ኣገልግሎት ንኽሳተፍ: ወይ ንስድራ​ቤቱ ብስምዒታውን መንፈሳውን መገዲ ዘድልዮም ንኸማልኣሎም እኹል ግዜ ኸይህልዎ ይኽእል። እንተዀነ ግን: ዝገበረ ገይሩ ኣብ ስርሑ ክቕጽል ዘለዎ ዀይኑ ይስምዖ ይኸውን።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቝጠባዊ ጸገማት ዘሎ ክርስትያን ክጭነቕ ሓቁ እዩ። ኣብዚ ግዜና ስራሕ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። መብዛሕትና ክንህብትም ዘይኰነስ ልክዕ ከምታ ኣብ ሰራጵታ እትነብር ዝነበረት መበለት ናይ ዕለት እንጌራና ንምርካብ ኢና እንጽዕር። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣምላኽ ባዕሉ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ከም ዝበለ የዘኻኽረና። ስለዚ: ኣፍ ልብና ነፊሕና “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ: ኣይክፈርህን እየ: ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ኽንብል ንኽእል ኢና። (እብራውያን 13:5, 6) ጳውሎስ ኣብዚ መብጽዓ እዚ ምሉእ ትውክልቲ ነበሮ: የሆዋ እውን ኵሉ ሳዕ ይሓልየሉ ነበረ። ንሕናውን እንተ ዘይሓዲግናዮ ኽሓልየልና እዩ።

ከም እኒ ሙሴ: ጊዴዎን: ዳዊት ዝኣመሰሉ መንፈሳውያን ሰባት ዝገበርዎ ነገራት ክንገብር ዘይንኽእል ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን: እንተዀነ ግን ኣስኣሰር እምነቶም ክንስዕብ ንኽእል ኢና። ነቲ ኣቤል: ሄኖክ: ከምኡውን እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ዝገበርዎ ንእምነቶም ዘርኢ ንኣሽቱ ተግባራት ክንዝክር ንኽእል ኢና። የሆዋ ዅሉ እቲ ብእምነት ዝግበር ተግባራት: ነቲ ንኣሽቱ እውን ከይተረፈ የስተብህለሉ እዩ። ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ተማሃራይ ካብ መዘናኡ ሓሽሽ ምቕባል ክኣቢ ኸሎ: ሓደ ክርስትያን ሰራሕተኛ ኣብ ስርሑ ዝቐርበሉ ብዕሉግ ሕቶ ኽነጽግ ከሎ: ወይ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ናይ የሆዋ ምስክር ሓይሉ ዝደኸመን ጥዕና ዘይብሉን እኳ እንተዀነ ብተኣማንነት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክካፈል ከሎ የሆዋ ይርእዮ: ይሕጐስ ድማ!​—⁠ምሳሌ 27:11

ካልኦት ዝገብርዎ ተስተብህለሉዶ፧

እወ: የሆዋ ንእንገብሮ የስተብህለሉ እዩ። ስለዚ: ሰዓብቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን: ካልኦት ንዝገብርዎ ጻዕርታት ንምስትብሃል ንቑሓት ክንከውን ይግባእ። (ኤፌሶን 5:1) እምበኣር: ኣመንቲ ብጾትካ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኽመጹ: ኣብ ኣገልግሎት ንኽሳተፉ: መዓልታዊ ንጥፈታቶም እውን ንኽፍጽሙ ዝሰግርዎ ብድሆታት ንምንታይ ዘይተስተብህለሉ፧

ድሕሪኡ ንጻዕርታቶም ከም እተማስወሉ ግለጸሎም። ንጻዕርታቶም ምስትብሃልካ ኸሐጕሶም እዩ: የሆዋ እውን ኸም ዘስተብህለሉ ድማ መረጋገጺ ክዀኖም ይኽእል።