ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ካበይ ክርከብ ይከኣል፧

ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ካበይ ክርከብ ይከኣል፧

ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ካበይ ክርከብ ይከኣል፧

“ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: . . . ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።” —⁠2 ቈረንቶስ 1:3, 4

1. ሰባት ብሓቂ ምጽንናዕ ከም ዝደልዩ ኽገብሮም ዝኽእል እንታይ ኵነታት ኣሎ፧

 ዘማስን ሕማም ንሓደ ሰብ ህይወቱ ፈጺሙ ኸም እተበላሸወ ዀይኑ ኸም ዝስምዖ ይገብሮ ይኸውን። ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ህቦብላ: ከምኡውን ድርቂ ብዙሓት ሰባት ይደኽዩ እዮም። ብሰንኪ ውግእ ኣባላት ስድራ​ቤት ክሞቱ: ኣባይቲ ኽዓኑ: ወይ ሰባት ንብረቶም ጠንጢኖም ክስደዱ ይግደዱ። ምጕዳል ፍትሒ ኸኣ ደቅሰብ እፎይታ ኽረኽቡ ደልዮም ኣቤት ዝብሉሉ ቦታ ኸም ዘየለ ዀይኑ ኸም ዝስምዖም ክገብር ይኽእል። እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳረ መከራ ዘጋጥሞም ሰባት ብሓቂ ምጽንናዕ የድልዮም እዩ። ነዚ ግን ካበይ እዮም ክረኽቡ ዝኽእሉ፧

2. እቲ የሆዋ ዝህቦ ምጽንናዕ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

2 ገሊኣቶም ውልቀ⁠-​ሰባትን ማሕበራትን ምጽንናዕ ክህቡ ይጽዕሩ እዮም። ብሕያውነት ዝዝረብ ቃላት ሞሳ ይግብኦ እዩ። ረድኤት ንምሃብ ዝግበር ጻዕርታት ንሓጺር እዋን ሽግር ሰባት ይፈትሕ እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ጥራይ እዩ ንዅሉ ዝወረደ ጕድኣት ከሕውዮን ከምዚ ዓይነት መከራ ደጊም ንኸየጋጥም ዘድሊ ሓገዝ ክገብርን ዝኽእል። ብዛዕባኡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን: ይባረኽ: በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ: ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከአለናስ: ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።” (2 ቈረንቶስ 1:3, 4) የሆዋ ብኸመይ እዩ ዘጸናንዓና፧

ነቲ ጸገማት ካብ ሱሩ ምፍታሑ

3. ኣምላኽ ዝህቦ ምጽንናዕ ንጸገማት ደቅሰብ ካብ ሱሩ ዝፈትሖ ብኸመይ እዩ፧

3 ኵሎም ደቅሰብ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ዘይፍጽምና ወሪሶም እዮም: እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ናብ ሞት ዝመርሕ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ኣስዓበ። (ሮሜ 5:12) ሰይጣን ድያብሎስ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ብምዃኑ ድማ እቲ ዅነታት መሊሱ እዩ ተጋዲዱ። (ዮሃንስ 12:31፣ 1 ዮሃንስ 5:19) የሆዋ ግን በቲ ንደቅ​ሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ዘሕዝን ኵነታት ዝስምዖ ሓዘን ገሊጹ ጥራይ ስቕ ኣይበለን። ምእንቲ ኽንድሕን ኢሉ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ክኸውን ለኣኾ: ኣብ ወዱ እንተ ኣሚንና ኸኣ ካብቲ ሓጢኣት ኣዳም ዘምጽኦ ሳዕቤናት ሓራ ኽንከውን ከም እንኽእል ነገረና። (ዮሃንስ 3:16፣ 1 ዮሃንስ 4:10) እቲ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን እተዋህቦ የሱስ ክርስቶስ: ንሰይጣንን ንብምሉኡ እቲ እኩይ ኣገባቡን ከም ዘጥፍኦ እውን ኣምላኽ ኣቐዲሙ ነጊሩና እዩ።​—⁠ማቴዎስ 28:18፣ 1 ዮሃንስ 3:8፣ ራእይ 6:2፣ 20:10

4. (ሀ) የሆዋ ኣብቲ ራህዋ ኸም እንረክብ ዝኣተወልና መብጽዓታት ዘሎና እምንቶ ንኸነደልድል እንታይ እዩ ሂቡና፧ (ለ) የሆዋ ራህዋ መዓስ ከም ዝመጽእ ንኸነስተውዕል ዝሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

4 ኣምላኽ ኣብ መብጽዓታቱ ዘሎና እምንቶ ምእንቲ ኸነደልድል ኢሉ ዝበሎ ዅሉ ኸም ዝፍጸም ዘርኢ እኹል መርትዖ ሂቡና ኣሎ። (እያሱ 23:​14) ብዓይኒ ሰባት ክርአ ኸሎ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ሽግራት ከጋጥም ከሎ ንኣገልገልቱ ንምድሓን ዝገበሮ ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምዝገብ ገይሩ። (ዘጸኣት 14:​4-31፣ 2 ነገስት 18:​13–19:37) የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንደቅ​ሰብ ካብ ‘ኵሉ ድናሰ’ ንምሕዋይን ምዉታት ንምትንሳእን ዘለዎ ዕላማ ገሊጹ። (ማቴዎስ 9:35፣ 11:3-6) እዚ ዅሉ ግን መዓስ እዩ ኽፍጸም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ኣረጊት ኣገባብ ኣብቂዑ ኣምላኽ ዘዳለዎ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ምስ መጸ ኸም ዝፍጸም እዩ ዝገልጸልና። እቲ የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ዝሃቦ መግለጺ ነዚ ግዜና ዝምልከት እዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:3-14፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ነቶም ኣብ ጭንቂ ዘለዉ ሰባት ዝኸውን ምጽንናዕ

5. የሆዋ ንጥንታዎት እስራኤላውያን ከጸናንዖም ከሎ: ኣብ ምንታይ ከም ዘተኵሩ እዩ ዝገበሮም፧

5 ካብቲ የሆዋ ንጥንታዎት እስራኤላውያን ዝገበረሎም ነገራት: ኣብ ግዜ ጭንቆም ብኸመይ ከም ዘጸናንዖም ንመሃር ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ኣዘኻኸሮም። እዚ ኸኣ ኣብ መብጽዓታቱ ንዘለዎም እምንቶ ኣደልደሎ። ብነብያቱ ኣቢሉ ድማ ኣብ መንጎ እቲ ናይ ሓቂ ህያው ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቶም ንርእሶም ኰነ ንኣምለኽቶም ክረድኡ ዘይከኣሎም ጣኦታትን ዘሎ ንጹር ፍልልይ ገለጸ። (ኢሳይያስ 41:10፣ 46:1፣ ኤርምያስ 10:2-15) የሆዋ ንኢሳይያስ “ንህዝበይ ኣጸናንዑ: ኣጸናንዑ” ኢሉ ኽነግሮ ኸሎ: ንሱ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን ዕቤቱ ንምጕላሕ መብርሂታትን ብዛዕባ ፍጥረቱ ዝሕብር መግለጽን ንኽጥቀም ደረኾ።​—⁠ኢሳይያስ 40:1-31

6. ሓድሓደ ግዜ የሆዋ መዓስ ከም ዘድሕን ንምግላጽ እንታይ ሓበሬታታት እዩ ዝህብ፧

6 ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት የሆዋ ህዝቡ ዝድሕኑሉ እዋን​—⁠ኣብ ቀረባ ይኹን ርሑቕ⁠—​ብንጹር ብምግላጽ ኣጸናኒዑ እዩ። ካብ ግብጺ ሓራ ዝወጹሉ ግዜ ምስ ቀረበ: ነቶም እተጨቈኑ እስራኤላውያን “ናብ ልዕሊ ፈርኦንን ናብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ መዓት ከምጽእ እየ። ድሕርቲ ኻብዚ ኽትወጹ ኺሐድገኩም እዩ” በሎም። (ዘጸኣት 11:1) ብግዜ ዮሳፋጥ ሰለስተ ሃገራት ሓቢረን ንይሁዳ ምስ ወረራኣ: የሆዋ ‘ንጽብሒቱ’ ኽዋግኣሎም ምዃኑ ገለጸ። (2 ዜና መዋእል 20:1-4, 14-17) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ነቲ ኻብ ባቢሎን ሓራ ዝወጹሉ እዋን ኢሳይያስ ዳርጋ 200 ዓመት ኣቐዲሙ እዩ መዝጊብዎ: ኤርምያስ እውን ቅድሚ ሓደ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ተወሳኺ ዝርዝር ጸሓፈ። እቲ ሓራ ዝወጹሉ እዋን እናቐረበ ምስ ከደ: እዚ ትንቢታት እዚ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣተባቢዕዎም ክኸውን ኣለዎ!​—⁠ኢሳይያስ 44:26–45:3፣ ኤርምያስ 25:11-14

7. ኣብቲ ብዛዕባ ድሕነት ዝገልጽ መብጽዓታት መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ እዩ ዝጥቀስ: እዚኸ ንእሙናት ዘበሉ እስራኤላውያን ብኸመይ ጸለዎም፧

7 እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዘጸናንዖም ዝነበረ መብጽዓታት መብዛሕትኡ እዋን ብዛዕባ እቲ መሲህ መግለጺ ኸም ዘለዎ ኽስትብሃለሉ ይግባእ። (ኢሳይያስ 53:1-12) እቶም እሙናት ህዝቢ ኣምላኽ ሓያሎ ፈተናታት ከጋጥሞም ከሎ: እዚ ትንቢታት እዚ ተስፋ ዀይንዎም እዩ። ኣብ ሉቃስ 2:25 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “እንሆ ድማ: ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሀል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ: ንኣምላኽ ዚፈርህ: ምጽንናዕ [ምምጻእ እቲ መሲህ] እስራኤልውን ዚጽበ ነበረ: መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ።” ስምኦን ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ብዛዕባ እቲ መሲህ ዝገልጽ ትንቢታት ይፈልጦ ነበረ: ዝነበሮ ትጽቢት ከኣ ንህይወቱ ጸለዎ። እዚ ፍጻሜኡ ብኸመይ ኸም ዝረክብ ኣይተረድኦን ነይሩ: እቲ ብትንቢት እተነግረ ድሕነት ክፍጸም ከሎ ኽሳዕ ዝርኢ ድማ ብህይወት ኣይጸንሐን: እንተዀነ ግን ነቲ “ምድሓን” ኣምላኽ ዝኸውን ምስ ፈለጦ ኣዝዩ ተሓጐሰ።​—⁠ሉቃስ 2:30

ብክርስቶስ ኣቢሉ እተዋህበ ምጽንናዕ

8. እቲ የሱስ ዝሃቦ ሓገዝ ካብቲ ብዙሓት ዝደልይዎ ዝነበሩ እተፈልየ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ ክርስቶስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኽፍጽም ከሎ: ኵሉ ሳዕ ነቲ እቶም ሰባት የድልየና እዩ ኢሎም ዝሓሰብዎ ነገራት ኣይኰነን ዝፍጽም ነይሩ። ገሊኣቶም ካብቲ ዝጸልእዎ ኣርዑት ሮሜ ሓራ ዘውጽኦም መሲህ እዮም ደልዮም። የሱስ ግን ሰውራ ንምልዕዓል ደገፉ ኣይሃበን: የግዳስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር . . . ሀቡ” ደኣ በሎም። (ማቴዎስ 22:21) ዕላማ ኣምላኽ ንሰባት ካብቲ ዝገዝኦም ፖለቲካዊ ስርዓት ሓራ ካብ ምውጻእ ዝዓቢ ነገራት ዘጠቓልል እዩ። እቶም ህዝቢ ንየሱስ ንጉስ ክገብርዎ ደለዩ: ንሱ ግን “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ምዃኑ ገለጸ። (ማቴዎስ 20:​28፣ ዮሃንስ 6:15) ንጉስ ዝዀነሉ ግዜ ገና ኣይበጽሐን ነይሩ: ስልጣኑ እውን ካብ የሆዋ ደኣ እምበር ለውጢ ኻብ ዝደልዩ ጭፍራ ዝመጽእ ኣይኰነን።

9. (ሀ) የሱስ ዝእውጆ ዝነበረ ዘጸናንዕ መልእኽቲ እንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ እቲ መልእኽቲ ምስቲ ንሰባት ዘጋጥሞም ኵነታት ከም ዝተሓሓዝ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ሐ) የሱስ ብዝፈጸሞ ኣገልግሎት እንታይ መሰረት እዩ ዘንበረ፧

9 እቲ የሱስ ዝሃቦም ምጽንናዕ ኣብቲ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ዝርከብ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝኸደ ኸይዱ ነዚ መልእኽቲ እዚ እዩ ዝእውጅ ነይሩ። (ሉቃስ 4:43) መሲሓዊ ገዛኢ ምስ ኰነ ንሰባት እንታይ ከም ዝገብረሎም መርኣያ ብምሃብ: እቲ መልእኽቱ ምስቲ ንደቅ​ሰብ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዘጋጥሞም ጸገማት ዘለዎ ምትሕሓዝ ኣጕልሐ። ንዕዉራት ኣዒንቶም ብምኽፋት: ንዓባሳት ከም ዝዛረቡ ብምግባር (ማቴዎስ 12:22፣ ማርቆስ 10:51, 52): ንዝለመሱ ብምሕዋይ (ማርቆስ 2:3-12): ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ካብ ዘፈንፍን ሕማሞም ብምሕዋይ (ሉቃስ 5:12, 13): ከምኡውን ንኻልኦት ካብ ሕዱር ሕማሞም ብምፍዋስ (ማርቆስ 5:25-29) ንብዙሓት ዝሳቐዩ ዝነበሩ ብህይወት ንኽነብሩ ምቹእ ኵነታት ፈጠረሎም። ንውሉዳት ካብ ሞት ብምትንሳእ ነቶም ኣብ ሓዘን ዝነበሩ ኣባላት ስድራ​ቤቶም ዓብዪ እፎይታ ኣምጸኣሎም። (ሉቃስ 7:11-15፣ 8:49-56) ንብርቱዕ ማዕበላት ክቈጻጸርን ንብዙሓት ሰባት ዝኣኽሎም መግቢ ኽህቦምን ከም ዝኽእል ኣርኣየ። (ማርቆስ 4:37-41፣ 8:2-9) ኣብ ርእሲ እዚውን ሰባት ንዘጋጥሞም ጸገማት ክኢሎሞ ንኽነብሩን ኣብቲ እቲ መሲህ ብጽድቂ ዝገዝኣሉ እዋን ተስፋ ንኽገብሩን ዘኽእል ስርዓታት ሂብዎም። በዚ ኸምዚ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኽፍጽም ከሎ: ነቶም ብእምነት ዝሰምዕዎ ሰባት ኣጸናኒዕዎም ጥራይ ዘይኰነስ: ብድሕሪኡ ንኣሽሓት ዓመታት ንሰባት መተባብዒ ዝኸውን መሰረት እውን ኣንቢሩ እዩ።

10. ሳላ መስዋእቲ የሱስ እንታይ ኢና ኽንረክብ ክኢልና፧

10 የሱስ ሰብኣዊ ህይወቱ መስዋእቲ ኽትከውን ድሕሪ ምሃቡን ሰማያዊ ህይወት ሒዙ ድሕሪ ምትንሳኡን 60 ዓመት ጸኒሑ: ሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቱም ደቀየ: ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ: እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ: ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ጻድቕ: እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ: ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር: ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።” (1 ዮሃንስ 2:1, 2) እቲ ፍጹም ሰብኣዊ መስዋእቲ የሱስ ዘምጽኦ ረብሓታት ዓብዪ ምጽንናዕ ይዀነና እዩ። ከመይሲ ሓጢኣትና ኽሕደገልና: ንጹህ ሕልና ኸነጥሪ: ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ክንምስርት: ከምኡውን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኽህልወና ኸም ዝኽእል ንፈልጥ ኢና።​—⁠ዮሃንስ 14:6፣ ሮሜ 6:23፣ እብራውያን 9:24-28፣ 1 ጴጥሮስ 3:21

እቲ መጸናንዒ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ

11. የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ብዛዕባ ምጽንናዕ ዝምልከት እንታይ ተወሳኺ ምድላው ከም እተገብረ እዩ ገሊጹ፧

11 የሱስ ቀቅድሚ እታ መስዋእታዊ ሞቱ ዝሞተላ ምሸት ኣብ ዝነበረት እዋን ምስ ሃዋርያቱ ኸሎ: እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ንምጽንናዖም ዝገበሮ ኻልእ ምድላው ጠቐሰ። “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ: ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ” በለ። “እቲ . . . መጸናንዒ: መንፈስ ቅዱስ: ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም: ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” ብምባል ድማ ኣረጋገጸሎም። (ዮሃንስ 14:16, 17, 26) ብሓቂ መንፈስ ቅዱስ ዘጸናንዖም ግን ብኸመይ እዩ፧

12. መንፈስ ቅዱስ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ መዘኻኸሪ ዀይኑ ብምሕጋዝ ንብዙሓት ምጽንናዕ ዝዀኖም ብኸመይ እዩ፧

12 እቶም ሃዋርያት ካብ የሱስ ብዙሕ ትምህርቲ ረኺቦም ነይሮም። ነቲ ሽዑ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ፈጺሞም ዘይርስዕዎ እኳ እንተ ነበሩ: ነቲ ዝበሎ ግን ብትኽክል ምዘከርዎዶ፧ ናይ ምዝካር ክእለቶም ፍጹም ብዘይ​ምዃኑ ኣገዳሲ ትምህርትታት ኣይምረስዑንዶ፧ የሱስ እቲ መንፈስ ቅዱስ ‘ነቲ ዝነገሮም ዘበለ ኸዘክሮም’ ምዃኑ ኣረጋጊጽሎም ነበረ። ስለዚ: የሱስ ድሕሪ ሙማቱ ኣስታት ሸሞንተ ዓመት ጸኒሑ: ማቴዎስ ነቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ሓያሎ ምስላታት: ከምኡውን ብዛዕባ ምልክት ህላወኡ ዝገልጽ ዝርዝር ነጥብታት ዝርከቦ ናይ መጀመርታ ወንጌል ክጽሕፍ ከኣለ። ድሕርዚ ሃዋርያ ዮሃንስ ልዕሊ 50 ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ: ብዛዕባ እተን የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፈን ናይ መወዳእታ ሒደት መዓልትታት ደቂቕ ዝርዝራት እውን ከይተረፈ ኽጽሕፍ ከኣለ። እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ኣብዚ ግዜና እውን ኣዝዩ ዘተባብዕ እዩ።

13. መንፈስ ቅዱስ ንቐዳሞት ክርስትያናት ከም መምህር ዝዀኖም ብኸመይ እዩ፧

13 መንፈስ ቅዱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ የዘኻኽሮም ጥራይ ዘይኰነስ: ይምህሮምን ንዕላማ ኣምላኽ ብዝያዳ ንኽርድእዎ ይመርሖምን ነበረ። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኸሎ: ብንጹር ዘይተረድኦም ነገራት ነጊርዎም ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ግን ዮሃንስ: ጴጥሮስ: ያእቆብ: ይሁዳ: ከምኡውን ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ብዛዕባ እቲ ንዕላማ ኣምላኽ ዝምልከት እተገብረ ተወሳኺ ምዕባለታት ዝገልጽ ጽሑፋት ጸሓፉ። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ከም መምህር ኰይኑ ብምግልጋል: ብኣምላኽ ይምርሑ ኸም ዝነበሩ መረጋገጺ ዀኖም።

14. መንፈስ ቅዱስ ንህዝቢ የሆዋ ዝሓገዞም በየናይ መገድታት እዩ፧

14 እቲ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ተኣምራት ንኽገብሩ ሓይሊ ብምሃቡ እውን ኣምላኽ ሞገሱ ኻብ ስጋውያን እስራኤል ናብ ክርስትያናዊት ማሕበር ከም ዘመሓላለፎ ንጹር ገበሮ። (እብራውያን 2:4) ኣብ ውልቀ⁠-​ሰባት ዝርአ ፍረ መንፈስ እውን ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ መን ምዃኖም ኣብ ምልላይ ኣገዳሲ ረቛሒ ዀነ። (ዮሃንስ 13:35፣ ገላትያ 5:22-24) ኣብ ርእሲ እዚ እቲ መንፈስ ንኣባላት እታ ማሕበር ተባዓትን ዘይፈርሁን መሰኻኽር ንክዀኑ ኣበራትዖም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 4:31

ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ እተዋህበ ሓገዝ

15. (ሀ) ኣብ ዝሓለፈ እዋንን ኣብዚ ግዜናን ንክርስትያናት እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) እቶም ምትብባዕ ዝህቡ ዝነበሩ ሓድሓደ ግዜ ዘተባብዖም ዘድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

15 ኵሎም እቶም ንየሆዋ ውፉያትን እሙናትን ዝዀኑ: እንተ በዚ እንተ በቲ መስጐጕቲ ይወርዶም እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ይኹን እምበር: ንብዙሓት ክርስትያናት ኣዝዩ ኸቢድ ጸቕጢ ወሪድዎም እዩ። ኣብዚ ግዜና ገሊኣቶም ብመናዓብቲ ተቐጥቂጦም: ኣብ መዳጐኒ ደምበታትን ኣብ ኣብያተ⁠-​ማእሰርትን ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበታትን ከኣ ኢሰብኣዊ ብዝዀነ መገዲ ተዳጒኖም። ገለ መንግስታት ዀነ ኢለን መስጐጕቲ ኣውሪደን ወይ ሕጊ ንዘየኽብሩ ጕጅለታት ድላዮም ክገብሩ ኣፍቂደን። ብዘይ​ካዚ ክርስትያናት ከቢድ ናይ ጥዕና ወይ ናይ ስድራ​ቤት ጸገም ኣጋጢምዎም። እቶም ንኣመንቲ ብጾቶም ዘጋጥሞም ጸገማት ክሕግዙ ኢሎም ኣብዝን ኣብትን ዝጓየዩ ብሱላት ክርስትያናት እውን ጸቕጥታት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እቲ ምትብባዕ ዝህብ ዝነበረ: ዘተባብዖ ኽደሊ ይኽእል እዩ።

16. ዳዊት ከቢድ ጸቕጢ ኽወርዶ ኸሎ: ብኸመይ ሓገዝ ረኸበ፧

16 ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ክቐትሎ ደልዩ ኽሃድኖ ኸሎ: ዳዊት ናብ ረዳኢኡ “ዎ ኣምላኽ: ጸሎተይ ስማዕ” ብምባል ለመነ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እኔኹ” በለ። (መዝሙር 54:2, 4፣ 57:1) ዳዊት ሓገዝ ረኺቡዶ፧ እወ: ረኺቡ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: የሆዋ ብነብዪ ጋድን ብኣብያታር እቲ ኻህንን ኣቢሉ መምርሒ ሃቦ: ብዮናታን ወዲ ሳኦል ኣቢሉ እውን ኣተባብዖ። (1 ሳሙኤል 22:1, 5፣ 23:9-13, 16-18) ሳኦል ካብ ምስጓጉ ምእንቲ ኽምለስ እውን ፍልስጥኤማውያን ነታ ሃገር ክወርዋ የሆዋ ፈቐደሎም።​—⁠1 ሳሙኤል 23:27, 28

17. የሱስ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ጸቕጢ ኻብ መን እዩ ሓገዝ ዝለመነ፧

17 የሱስ ክርስቶስ እውን መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ምስ ቀረበ: ከቢድ ጸቕጢ ወሪድዎ እዩ። ተግባራቱ ንስም ሰማያዊ ኣቦኡ ከም ዝትንክፍን ንመጻኢ ደቅሰብ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእልን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። “ጻዕረ ሞት ሒዝዎ” ኸሎ እውን ከይተረፈ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ንየሱስ እቲ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ዘድልዮ ዝነበረ ሓገዝ ከም ዝረክብ ገበረ።​—⁠ሉቃስ 22:41-44

18. ኣምላኽ ነቶም ከቢድ መስጐጕቲ ዝወርዶም ዝነበረ ቐዳሞት ክርስትያናት እንታይ ምጽንናዕ እዩ ዝሃቦም፧

18 እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ድሕሪ ምምስራታ ዘጋጠማ መስጐጕቲ ኣዝዩ ኸቢድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ብጀካ ሃዋርያት ኵሎም ክርስትያናት ካብ የሩሳሌም ፋሕ ኢሎም ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንሰብኡትን ኣንስትን እናሰሓቡ ኻብ ኣባይቶም የውጽእዎም ነበሩ። ኣምላኽ ግን እንታይ ምጽንናዕ እዩ ዝሃቦም፧ “ዚሐይሽን ዚነብርን ገንዘብ” ማለት ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ዘይሓልፍ ውርሲ ኸም ዘለዎም ኣብ ቃሉ ብምርግጋጽ ኣጸናንዖም። (እብራውያን 10:34፣ ኤፌሶን 1:18-20) ስብከቶም ምስ ቀጸሉ: መንፈስ ኣምላኽ ምሳታቶም ምዃኑ ረኣዩ: እቲ ተመክሮኦም ድማ ንኽሕጐሱ ተወሳኺ ምኽንያት ኰኖም።​—⁠ማቴዎስ 5:11, 12፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:1-40

19. ጳውሎስ ከቢድ መስጐጕቲ እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝህቦ ምጽንናዕ ግን ከመይ ተሰምዖ፧

19 ጸኒሑ እቲ ቐንዲ ሰጓጒ ዝነበረ ሳውል (ጳውሎስ): ክርስትያን ብምዃኑ ንሱውን ኣደዳ መስጐጕቲ ዀነ። ኣብ ደሴት ቆጵሮስ ከሎ ኣብ ኣገልግሎቱ ብኽፍኣትን ተንኰልን ዕንቅፋት ክዀኖ ዝፍትን ጠንቋሊ ኣጋጠሞ። ኣብ ገላትያ ብዳርባ እምኒ ፈጽፈጽዎ: ዝሞተ መሲልዎም ድማ ሓዲጎምዎ ኸዱ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:8-10፣ 14:19) ኣብ መቄዶንያ ብሽመል ዘበጥዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:22, 23) ድሕሪ እቲ ኣብ ኤፌሶን ዘጋጠሞ ናዕቢ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ ‘ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ: ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸበደና። ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ’ ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 1:8, 9) እንተዀነ ግን: ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ነተን ኣብ ቍጽሪ 2 ተጠቒሰን ዘለዋ ዘጸናንዓ ቓላት እውን ጽሒፉ እዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 1:3, 4

20. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንመሃር፧

20 ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽንናዕ ኣብ ምሃብ ብኸመይ ክትካፈል ትኽእል፧ ብሰንኪ እቲ ምስ ህዝቦም ዘጋጥሞም መዓት ወይ ብሰንኪ እቲ ንበይኖም ዝወርዶም ጸበባ ሓዘን ዝስምዖም ብዙሓት ሰባት ምጽንናዕ የድልዮም እዩ። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ: ኣብ ክልቲኡ መዳይ ብኸመይ ንኻልኦት ከም እነጸናንዕ ክንመሃር ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• እቲ ኣምላኽ ዝህበና ምጽንናዕ ካብቲ ኻልኦት ዝህቡና ዝዓቢ ስለምንታይ እዩ፧

• ብክርስቶስ ኣቢሉ እንታይ ምጽንናዕ እዩ ተዋሂቡና፧

• መንፈስ ቅዱስ መጸናንዒ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

• ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ጸቕጢ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣምላኽ ዝሃቦም ምጽንናዕ ዘርኢ ኣብነታት ጥቐስ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንህዝቡ ብምድሓን ከም ዘጸናንዖም መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሰባት ብምምሃር: ብምሕዋይ: ከምኡውን ንምዉታት ብምትንሳእ ኣጸናንዐ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ካብ ላዕሊ ሓገዝ ተዋህቦ