ንሕዙናት ኣጸናንዓዮም
ንሕዙናት ኣጸናንዓዮም
‘ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ: እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ።’—ኢሳይያስ 61:1, 2
1, 2. ንመን ኢና ከነጸናንዕ ዘሎና: ስለምንታይከ፧
እቲ ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ እተባህለ የሆዋ: ካልኦት ክጸቦም ከሎ ኽንሓልየሎም ይምህረና እዩ። ‘ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ከነተባብዖም:’ ነቶም ሕዙናት ከኣ ከነጸናንዖም ይምህረና። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንኣመንቲ ብጾትና ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ንህቦም ኢና። ነቶም ኣባላት ማሕበርና ዘይኰኑ: እንተላይ ነቶም ንዓና ፍቕሪ ኸም ዘለዎም ፈጺሞም ዘየርኣዩ ሰባት እውን ፍቕርና ነርእዮም ኢና።—ማቴዎስ 5:43-48፣ ገላትያ 6:10
2 የሱስ ክርስቶስ ነቲ “ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ: መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን: . . . ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ:” ዝብል ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ መዝነት ኣንቢቡ ኣብኡ ኸም ዝውዕል ገለጸ። (ኢሳይያስ 61:1, 2፣ ሉቃስ 4:16-19) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት እዚ መዝነት እዚ ንዖኦም እውን ከም ዝምልከት ካብ ዝፈልጡ ነዊሕ ገይሮም እዮም: እቶም “ኻልኦት ኣባጊዕ” ድማ ኣብዚ ዕዮ እዚ ተሓጒሶም እዮም ዝድግፍዎም።—ዮሃንስ 10:16
3. ሰባት “ኣምላኽ መከራ ኽወርድ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧” ኢሎም ምስ ዝሓቱ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
3 ሓደ ዕንወት ምስ ዝወርድ እሞ ሰባት በዚ ምስ ዝሓዝኑ: መብዛሕትኡ ግዜ “ኣምላኽ መከራ ኽወርድ ዘፍቅድ ስለምንታይ እዩ፧” ኢሎም ይሓቱ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶ እዚ ብንጹር ይምልሶ እዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዘይፈልጥ ሰብ ነቲ መልሲ ምሉእ ብምሉእ ንኽርድኦ ግዜ የድልዮ ይኸውን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዝሓትምዎ ጽሑፋት ሓገዝ ክርከብ ይከኣል እዩ። a እንተዀነ ግን: ገሊኣቶም ኢሳይያስ 61:1, 2 ኣምላኽ ንደቅሰብ ምጽንናዕ ንኽረኽቡ ዘለዎ ባህጊ ስለ እትገልጽ: ሰባት ነዛ ጥቕስን ካልእ ጥቕስታትን ምንባቦም ጥራይ ኣጸናኒዕዎም እዩ።
4. ኣብ ፖላንድ እትርከብ ናይ የሆዋ ምስከር ንሓንቲ እተጨነቐት ተማሃሪት ብኸመይ ሓገዘታ: እዚ ተመክሮ እዚ ንኻልኦት ዝሕግዝከ ብኸመይ እዩ፧
4 መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ምጽንናዕ የድልዮም እዩ። ኣብ ፖላንድ እትነብር ጭንቀት ዝነበራ ጐርዞ ንሓንቲ መሓዛኣ ምኽሪ ሓተተታ። እታ መሓዛኣ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀነት: ብሕያውነት ሕቶታት ብምሕታት በዚ ዝስዕብ እተፈላለየ ሕቶታትን ጥርጣረታትን ከም እተጨነቐት ፈለጠት። “ብዙሕ እከይ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ሰባት መከራ ዝወርዶም ስለምንታይ እዩ፧ እታ ዝለመሰት ሓብተይ በዚ ሕማም እዚ እትሳቐ ዘላ ስለምንታይ እያ፧ ልበይ ዝሓምም ዘለኹ ስለምንታይ እየ፧ ቤተ-ክርስትያንና ኣምላኽ ከምዚ ክኸውን ከም ዝደሊ ትምህረና። ከምዚ እንተ ዀይኑ ግን ኣብኡ ምእማን ከቋርጽ እየ” ድማ ትብል ነበረት። እታ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ የሆዋ ብልባ ጸለየት እሞ “ብዛዕባዚ ስለ ዝሓተትክኒ ተሓጒሰ እየ። ክሕግዘኪ ኸኣ ክጽዕር እየ” በለታ። ንእሽቶ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንሳውን ከምዚ ዝኣመሰለ ምጥርጣራት ከም ዝነበራን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝሓገዝዋን ኣዘንተወትላ። ከምዚ ድማ በለታ:- “ኣምላኽ ንሰባት ከም ዘየሳቕዮም ፈለጥኩ። የፍቅሮም ስለ ዝዀነ ጽቡቖም እዩ ዝደሊ: ኣብ ምድሪ ድማ ዓብዪ ለውጢ ኸምጽእ እዩ። ሕማም: እርጋን: ከምኡውን ሞት ኣይክህሉን እዩ: እዙዛት ደቅሰብ ከኣ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም።” ነታ ጓል ኣብ ራእይ 21:3, 4፣ እዮብ 33:25፣ ኢሳይያስ 35:5-7 ከምኡውን 65:21-25 ዝርከብ ጥቕስታት ኣርኣየታ። ነዊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር: እታ ጓል ኣብ ገጻ እፎይታ እናተነበ “ሕጂ ብህይወት ዝነብረሉ ዕላማ ፈሊጠዮ። ካልእ መዓልቲ መጺአዶ ኽበጽሓኪ፧” ኢላ ተዛረበት። ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ድማ ቈጸራ ገበራ።
በቲ ኣምላኽ ዝህቦ ምጽንናዕ
5. ድንጋጽና ኽንገልጽ ከሎና: ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ክንህብ እንኽእል ካበይ ኢና፧
5 ንሰባት ከነጸናንዕ ከሎና: ድንጋጽ ዘንጸባርቕ ቃላት ምዝራብ ኣድላዪ እዩ። ነቲ ሕዙን ብቓልና ዀነ ብቓና ድምጽና ብዛዕባ ዅነታቱ ኣጸቢቕና ኸም እንሓሊ መልእኽቲ ኸነመሓላልፈሉ ንጽዕር ኢና። እዚ ግን ባዶ ቓላት ጥራይ ክኸውን የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና” እዩ ዝብል። (ሮሜ 15:4 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ግቡእ ግዜኡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናን ብዛዕባ እቲ ነዚ ዘሎ ጸገማት እትፈትሓሉ መገዲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብልን ክንገልጽ ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ እዚ ንምንታይ ከም ዝፍጸም እንተኣማመነሉ ተስፋ ኸም ዝዀነ ኸነረድእ ንኽእል። በዚ ኸምዚ ንሰባት ነጸናንዕ።
6. ሰባት ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ምጽንናዕ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽጥቀሙ: እንታይ ንኽርድኡ ኢና ኽንሕግዞም ዘሎና፧
6 ሓደ ሰብ ካብቲ ዝወሃቦ ምጽንናዕ ምሉእ ብምሉእ ንኽጥቀም: ፈለማ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ባህርያቱን ዝኣተዎ መብጽዓታት ክሳዕ ክንደይ ዘተኣማምን ምዃኑን ኽፈልጥ የድልዮ። ንሓደ ንየሆዋ ዘየምልኽ ሰብ ክንሕግዝ ከሎና: ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት እንተ ገለጽናሉ ጽቡቕ እዩ:- (1) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምጽንናዕ ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ መኒጩ፣ (2) የሆዋ ኵሉ ዝኽእል: ፈጣሪ ሰማይን ምድርን: ናይ ፍቕሪ ኣምላኽን በዓል ብዙሕ ሕያውነትን ሓቅን እዩ፣ (3) ካብ ቃል ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ብምርካብ ንኣምላኽ እንተ ቐሪብናዮ: ነቲ ዅነታት ንኽንጻወሮ ብርታዐ ንረክብ ኢና: ከምኡውን (4) መጽሓፍ ቅዱስ ንእተፈላለየ ውልቀ-ሰባት ዘጋጥሞም ፈተናታት ዝምልከት ጥቕስታት ዝሓዘ እዩ።
7. (ሀ) እቲ ኣምላኽ ዝህቦ ምጽንናዕ ‘ብክርስቶስ ከም ዝዓዝዝ’ ምጕላሑ ንምንታይ ክሕግዝ ይኽእል፧ (ለ) ንሓደ ሕማቕ ነገራት ዝገብር ዝነበረ ሰብ ብኸመይ ከተተባብዖ ትኽእል፧
7 ገሊኣቶም ንዝሓዘኑ ሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ 2 ቈረንቶስ 1:3-7 ብምንባብ ብመንፈስ ኣተባቢዖምዎም እዮም። ከምኡ ኽገብሩ ኸለዉ ነቲ “ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ” ዝብል መግለጺ የጕልሕዎ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተኵረሉ ዝግባእ ምንጪ ምጽንናዕ ምዃኑ ንኸስተውዕል ክትሕግዞ ትኽእል። ምናልባት ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ተወሳኺ ምይይጥ ንምግባር እውን መሰረት ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ዘጋጥሞ ጸገማት ብሰንኪ ዝገበሮ ሕማቕ ነገራት ምዃኑ እንተ ተሰሚዕዎ: ነቲ ሰብ ከይኰነንና እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:1, 2 ከምኡውን መዝሙር 103:11-14 ዝርከብ ከም ዘጸናንዖ ኽንነግሮ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ በቲ ኣምላኽ ዝህቦ ምጽንናዕ ኣቢልና ንኻልኦት ነጸናንዖም።
ንግፉዓት ወይ ብቝጠባዊ ጸገማት ንእተሸገሩ
8, 9. ንግፉዓት ብኸመይ ምጽንናዕ ክወሃቦም ይኽእል፧
8 ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ግፍዒ ይወርዶም ማለት ኣብ ከባቢኦም ብዘጋጥም ገበን ኰነ ብሰንኪ ውግእ ብዘጋጥም ዓመጻ ይሳቐዩ እዮም። ነዚኣቶም ብኸመይ ከነጸናንዖም ንኽእል፧
9 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዘረባ ዀነ ብተግባር ንሓደ ጕጅለ ወይ ንኻልእ ንኸይድግፉ ይጥንቀቑ እዮም። (ዮሃንስ 17:16) እንተዀነ ግን: ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም እዚ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ንሓዋሩ ኸም ዘይቅጽል ክሕብሩ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ብዛዕባ እቶም ግፍዒ ዝፈትዉ ኸመይ ከም ዝስምዖ ንምግላጽ መዝሙር 11:5 ከንብቡሎም: ወይ ከኣ ኣብኡ ኽንውከል ደኣ እምበር ሕነ ኸይንፈዲ ዝሃበና መተባብዒ ንምሕባር መዝሙር 37:1-4 ከርእይዎም ይኽእሉ እዮም። ኣብ መዝሙር 72:12-14 ዝርከባ ቓላት እውን እቲ ሕጂ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ዝገዝእ ዘሎ ዝዓበየ ሰሎሞን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ብዛዕባ እቶም ዝግፍዑ ንጹሃት ሰባት ከመይ ከም ዝስምዖ ይሕብራና እየን።
10. ንዓመታት ኣብ ውግእ ዘለዎ ከባቢ ትነብር እንተ ኣለኻ: እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕስታት ብኸመይ ከጸናንዓካ ይኽእል፧
10 ገሊኣቶም ሰባት እተፈላለዩ ጕጅለታት ንሓድሕዶም ኣብ ዝዋግኡሉ ኸባቢ ስለ ዝነብሩ ብዙሕ ግጭታት ርእዮም እዮም። ውግእን ስዒብዎ ዝመጽእ ጸገማትን ናትና ኢሎም ተቐቢሎምዎ እዮም። እንኮ ተስፋኦም ናብ ካልእ ሃገር ተሰዲዶም ብምኻድ ምናልባት ዝሓሸ ናብራ እንተ መስረቱ እዩ። መብዛሕትኦም ግን ካብ ዓዶም ክወጹ ኣይክእሉን እዮም: ብዙሓት ከኣ ናብ ካልእ ዓዲ ኽስደዱ ኽብሉ ሞይቶም እዮም። እቶም ናብ ካልእ ዓዲ ዝኸዱ እውን ገለ ጸገማት ብኻልእ ጸገማት ምቕያር ኰይኑ እዮም ዝረኽብዎ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ስደት ዘይኰነስ ኣብቲ ዝያዳ መሰረት ዘለዎ ነገር ተስፋ ምእንቲ ኽገብሩ መዝሙር 146:3-6 ክትሕግዞም ትኽእል እያ። ኣብ ማቴዎስ 24:3, 7, 14 ወይ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ዝርከብ ትንቢት ከኣ ኣስፊሖም ንኽርእዩን ነዚ ጸገማት እዚ ዘሕልፉ ዘለዉ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኣረጊት ኣገባብ ንነብር ስለ ዘሎና ምዃኑን ከስተውዕሉ ኽሕግዞም ይኽእል። ከም መዝሙር 46:1-3, 8, 9 ከምኡውን ኢሳይያስ 2:2-4 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ኣብ መጻኢ ሰላም ከም ዝኸውን ናይ ሓቂ ተስፋ ኸም ዘሎ ንኸስተውዕሉ ክሕግዞም ይኽእል ይኸውን።
11. ንሓንቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትነብር ሰበይቲ እንታይ ጥቕስታት እዩ ኣጸናኒዕዋ: ስለምንታይከ፧
11 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ቐጻሊ ውግእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ሓንቲ ሰበይቲ ጠያይት ከም ዝናም እናዘነመ ኻብ ገዝኣ ሃዲማ ኣምለጠት። ህይወታ ፍርሂ: ሓዘን: ከምኡውን ጓሂ ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ጸኒሓ ምስ ስድራቤታ ኣብ ካልእ ሃገር ክትነብር ከላ: ነፍሰ-ጾር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን በዓል ቤታ ነቲ ናይ መርዓኦም ወረቐት ምስክር ኣቃጸሎ እሞ ንዓኣን ንወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዝነበረ ወዶምን ኣባሪሩ ቐሺ ክኸውን ወሰነ። ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ፊልጲ 4:6, 7ን መዝሙር 55:22ን ተነበላ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ድማ ተበርከተላ። ካብዚ ድማ ምጽንናዕ ረኸበት: ዕላማ ህይወት ከኣ ተረድአት።
12. (ሀ) ቅዱሳት ጽሑፋት ነቶም ብቝጠባ እተደቝሱ እንታይ ምጽንናዕ እዩ ዝህብ፧ (ለ) ኣብ እስያ እትርከብ ናይ የሆዋ ምስክር ንዓሚላ ኽትሕግዛ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧
12 ቍጠባዊ ውድቀት ንህይወት ሚልዮናት ሰባት ኣበላሽዩ እዩ። ሓድሓደ ግዜ: እዚ ብሰንኪ ውግእን ስዒቡ ዝመጽእ ሳዕቤናትን እዩ ዝለዓል። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ መንግስታት ዘውጽእኦ ዘይጥዑይ ሕግታትን እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ዘለዎም ስስዐን ዝፍጽምዎ ምጥፍፋእን ተደማሚሩ ንዅሉ እቲ ሰባት ዘዋህለልዎ ገንዘብ ከም ዝጠፍእ ይገብሮ: ሰባት ንብረቶም ንኽስእኑ ድማ የገድዶም። ገሊኣቶም ከኣ ብዙሕ ንብረት የብሎምን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣምላኽ ነቶም ኣብኡ ዝውከሉ ራህዋ ኸም ዘምጽኣሎምን ሰባት ብስርሖም ዝሕጐሱላ ጽድቂ ዝመልኣ ዓለም ክትመጽእ ምዃና ውሕስነት ከም ዝኣተወልናን ምፍላጦም የጸናንዖም እዩ። (መዝሙር 146:6, 7፣ ኢሳይያስ 65:17, 21-23፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ኣብ እስያ እትነብር ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር: ሓንቲ ዓሚላ ቝጠባዊ ዅነታት ከም ዘጨነቓ ክትዛረብ ምስ ሰምዓታ: እቲ ዘጋጥም ዘሎ ነገራት ክፍሊ ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝፍጸም ዘሎ ምልክት ምዃኑ ገለጸትላ። በቲ ኣብ ማቴዎስ 24:3-14ን መዝሙር 37:9-11ን ዘሎ ሓሳባት ድሕሪ ምምይያጠን ከኣ እታ ሰበይቲ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ተሰማምዐት።
13. (ሀ) ሰባት ብናይ ሓሶት መብጽዓታት ተስፋ ምስ ዝቘርጹ: ከመይ ጌርና ኢና ብመጽሓፍ ቅዱስ ክንሕግዞም እንኽእል፧ (ለ) ገሊኣቶም ሰባት እቲ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ኣምላኽ ከም ዘየለ እዩ ዘመልክት እንተ ኢሎም: ብኸመይ ከተረድኦም ትኽእል፧
13 ሰባት ንነዊሕ ዓመታት ጸገማት ምስ ኣሕለፉ ወይ ብናይ ሓሶት መብጽዓታት ተስፋ ምስ ቈረጹ: ከምቶም “ካብ ጸበባ ነፍሶም” እተላዕለ ዘይሰምዑ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘጸኣት 6:9) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዘሎ ጸገማት ንኽንጻወሮን ብዙሓት ዝወድቁሉ ዕንቅፋታት ንኽንሰግሮን ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ዝገልጽ ነጥብታት ምጕላሕ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል። (1 ጢሞቴዎስ 4:8ለ) ገሊኣቶም ነቲ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሕማቕ ኵነታት ኣምላኽ ከም ዘየለ ወይ ብዛዕባኦም ከም ዘይግደስ መርትዖ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣምላኽ ሓገዝ ከም ዝህብ የግዳስ ብዙሓት ሰባት ከም ዘይቅበልዎ ብጥቕስታት ከተረድኦም ትኽእል ኢኻ።—ኢሳይያስ 48:17, 18
ህቦብላን ምንቅጥቃጥ ምድርን ንዘጋጠሞም
14, 15. ሓደ ዓብዪ ዕንወት ንሓያሎ ሰባት ምስ ኣሰምበዶም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓልዮቶም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
14 ህቦብላ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ባርዕ: ወይ ነታጒ ዕንወት ከምጽእ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓዘን ይሰፍን። ነቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ንምጽንናዕ ግን እንታይ ክግበር ይከኣል፧
15 ሰባት ዝሓልየሎም ከም ዘሎ ኽፈልጡ ይደልዩ እዮም። ኣብ ሓንቲ ሃገር ግብረ-ሽበራውያን መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ: ብዙሓት ሰባት ኣዝዮም ሰምበዱ። ሓያሎ ኻባታቶም ኣባላት ስድራቤቶም: ኣለይቶም: ፈተውቶም: ስርሖም: ወይ እቲ ዝስምዖም ዝነበረ ናይ ድሕንነት ስምዒት ሰኣኑ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ሰባት ብምብጻሕ በቲ ዘጋጠመ ጕድኣት እተሰምዖም ሓዘን ገሊጾምን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጸናንዕ ቃላት ኣካፊሎምዎምን እዮም። ነዚ ድማ ብዙሓት ኣዝዮም ኣማስዮምሉ እዮም።
16. ኣብ ኤል ሳልቫዶር ባህርያዊ ዕንወት ምስ ኣጋጠመ: ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎተን ዕዉታት ክዀና ዝኸኣላ ስለምንታይ እየን፧
16 ኣብ ኤል ሳልቫዶር ብ2001 ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጠመ እሞ ደድሕሪኡ ስዒቡ ኻብ ጎቦ ሃደሽደሽ ኢሉ ዝመጸ ሓመድን ደናጕላን ንህይወት ብዙሓት ኣጥፍአ። ኣብቲ ግዜ እቲ 25 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክርን ክልተ ኣሓት ሕጽይቱን ሞቱ። እታ ኣደን እታ ሕጽይቱን ብኡንብኡ ኣብ ኣገልግሎት ትሑዛት ኰና። ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ነቶም ዝሞቱ ኸም ዝወሰዶም ወይ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ይነግርወን ነበሩ። ንሳተን ግን ምሳሌ 10:22 ብምጥቃስ ኣምላኽ ስቓይ ከጋጥመና ኸም ዘይደሊ ገለጻሎም። ሞት ብሰንኪ ሓጢኣት ከም ዝመጸ እምበር ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ንምሕባር ድማ ሮሜ 5:12 ኣንበባሎም። ብተወሳኺውን ነቲ ኣብ መዝሙር 34:18፣ መዝሙር 37:29፣ ኢሳይያስ 25:8፣ ከምኡውን ራእይ 21:3, 4 ዝርከብ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ኣርኣያኦም። ክልቲአን ኣባላት ስድራቤተን ስለ ዝሞትወን ብዙሓት ሰባት ጽን ኢሎም ሰምዕወን: ሓያሎ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረሎም።
17. ዕንወት ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክንህብ ንኽእል፧
17 ዕንወት ከጋጥም ከሎ: ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮ ሰብ የጋጥመካ ይኸውን። እዚ ኸኣ ንሓኪም ምጽዋዕ: ነቲ ሰብ ናብ ክሊኒክ ምውሳድ: ወይ መግብን መጽለልን ንኽትህቦ ዝከኣለካ ምግባር ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል። ብ1998 ኣብ ኢጣልያ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕንወት ምስ ኣጋጠመ: ሓደ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: “ጠቓሚ ዝዀነ ሓገዝ እዮም ዘበርክቱ: ሃይማኖት እቶም ግዳያት ብዘየገድስ ከኣ ደገፎም ይህቡ” ኢሉ ገለጸ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት እቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ከጋጥም ምዃኑ ብትንቢት እተነግረ ነገራት ብዙሕ መከራ ኣምጺኡ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸባቢታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝትኰረሉ ይገብሩ: መንግስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ናይ ሓቂ ድሕንነት ከተምጽእ ምዃና መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃበና መረጋገጺ ብምግላጽ ድማ የተባብዑ።—ምሳሌ 1:33፣ ሚክያስ 4:4
ኣባል ስድራቤቶም ንዝሞቶም
18-20. ኣባል ስድራቤቶም ንዝሞቶም ሰባት ንምጽንናዕ እንታይ ክትብሎም ወይ ክትገብረሎም ትኽእል፧
18 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘፍቅርዎ ሰብ ስለ ዝሞቶም ይሓዝኑ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ከሎኻ ወይ ኣብ ካልእ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ኸጓንፉኻ ይኽእሉ እዮም። ነዚኣቶም ንምጽንናዕ እንታይ ክትብል ወይ ክትገብር ትኽእል፧
19 እቲ ሰብ ኣብ ከቢድ ሓዘን ድዩ ዘሎ፧ እቲ ቤት ብሓዘንተኛታት መሊኡ ድዩ ዘሎ፧ ክትብሎ እትደሊ ብዙሕ ነገራት ይህሉ ይኸውን: እንተዀነ ግን ኣብዚ ምስትውዓል የድሊ። (መክብብ 3:1, 7) ምናልባት በቲ ዅነታት ከም ዝሓዘንካ ገሊጽካ ምስቲ ኣጋጣሚ ዝኸይድ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ (ብሮሹር: መጽሔት: ወይ ትራክት) ሓዲግካ ትኸይድ እሞ: ካብኡ ድሕሪ ገለ መዓልትታት ተወሳኺ ሓገዝ እንተ ኣድልዩ ንኽትድግፎም እንደገና ኽትበጽሖም ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል። ምቹእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተባብዕ ሓሳባት ኣካፍሎም። እዚ ንኽሃድኡን ንኽጸናንዑን ክሕግዞም እዩ። (ምሳሌ 16:24፣ 25:11) ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ነቲ ምዉት ከተተንስኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ንግጉይ ኣረኣእያታት መርትዖ እተቕርበሉ እዋን እኳ እንተ ዘይኰነ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት እንታይ ከም ዝብል ግን ከተካፍሎም ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 146:4፣ መክብብ 9:5, 10፣ ህዝቅኤል 18:4) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝህቦ ተስፋ ምሳታቶም ብሓባር ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምግላጽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝገልጽ ዛንታ ኽትገልጸሎም ትኽእል ኢኻ። (ሉቃስ 8:49-56፣ ዮሃንስ 11:39-44) ኣብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ዝሃበና ፈቃር ኣምላኽ ዘለዎ ባህርያት ከም ዘተኵሩ ድማ ግበር። (እዮብ 14:14, 15፣ ዮሃንስ 3:16) እዚ ትምህርትታት እዚ ንዓኻ ብኸመይ ከም ዝጠቐመካን ኣብኡ ስለምንታይ ከም እትተኣማመንን ግለጸሎም።
20 ንሓዘንተኛ ናብ ሰሙናዊ ኣኼባ ምዕዳሙ: ንኻልኦት ብሓቂ ምስ ዘፍቅሩን ንሓድሕዶም ብኸመይ ከም ዝተሃናነጹ ምስ ዝፈልጡን ሰባት ንኽላለ ኽሕግዞ ይኽእል። ኣብ ሽወደን እትነብር ሰበይቲ ኣብ ምሉእ ህይወታ እተናድዮ ዝነበረት ነገር: እዚ ዀይኑ እያ ረኺባቶ።—ዮሃንስ 13:35፣ 1 ተሰሎንቄ 5:11
21, 22. (ሀ) ንሰባት ምእንቲ ኸነጸናንዕ: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘድሊ፧ (ለ) ንሓደ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ብኸመይ ከተጸናንዖ ትኽእል፧
21 ሓደ ሰብ ኣብ ሓዘን ከም ዘሎ እንተ ፈሊጥካ: ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ እንታይ ከም እትብሎ ወይ ከም እትገብር ኣጸጊሙካዶ ይፈልጥ፧ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምጽንናዕ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ “ኣብ ጐድንኻ ንክኸውን ጻውዒት ምቕራብ” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። እምበኣር ናይ ሓቂ መጸናንዒ ምዃን: ኣብ ጐድኒ እቲ ሓዘንተኛ ንምቛም ድሉው ምዃን ዘመልክት እዩ።—ምሳሌ 17:17
22 እቲ ምጽንናዕ ዘድልዮ ሰብ ድሮ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞትን በጅነትን ትንሳኤን ዝብሎ ዝፈልጥ እንተ ዀይኑኸ፧ ከም ናቱ ዓይነት እምነት ዘለዎ ሰብ ክበጽሖ ምምጽኡ ጥራይ የጸናንዖ እዩ። ክዛረበካ እንተ ደልዩ: ጽን ኢልካ ስምዓዮ። ናይ ግድን ክትዛረብ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ጥቕሲ እንተ ተነቢቡ: እዚ ንኽልቴኹም ዘተባብዕ ኣምላኽ ዝሃቦ መግለጺ ጌርካ ኸም እትርእዮ ሓብር። ክልቴኹም ብዛዕባቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝሃቦ መብጽዓታት ዘሎኩም ድልዱል እምነት ግለጽ። ኣምላኽ ዘርእያ ዓይነት ድንጋጽ ብምንጽብራቕን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ክቡር ሓቅታት ብምክፋልን ንስኻውን ነቶም ሓዘንተኛታት ካብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ የሆዋ ምጽንናዕን ምብርታዕን ንኽረኽቡ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።—2 ቈረንቶስ 1:3
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ምዕራፍ 8፣ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ገጽ 393-400, 427-31፣ ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ (እንግሊዝኛ) ምዕራፍ 10፣ ከምኡውን ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ርአ።
እንታይ ሓሳብ ትህብ፧
• ብዙሓት ሰባት ዕንወታት ከጋጥም ከሎ ንመን እዮም ተሓታቲ ዝገብርዎ: ነዚኣቶምከ ብኸመይ ንሕግዞም፧
• ካልኦት ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ምጽንናዕ ምሉእ ብምሉእ ንኽጥቀሙ ምእንቲ ኽንሕግዞም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
• ኣብ ከባቢኻ ንዝርከቡ ብዙሓት ሰባት እንታይ እዩ ሓዘን ዘምጽኣሎም: ብኸመይከ ኸተጸናንዖም ትኽእል፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ግዜ ጸበባ ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ዝሓዘ መልእኽቲ ምክፋል
[ምንጪ ስእሊ]
Refugee camp: UN PHOTO 186811/J. Isaac
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ፈታዊኻ ኣብ ጐድንኻ ምህላዉ ጥራይ ኣዝዩ ዘጸናንዕ ክኸውን ይኽእል