ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“የሆዋ ኣበይ ኣሎ” ኢልካ ትሓትትዶ፧

“የሆዋ ኣበይ ኣሎ” ኢልካ ትሓትትዶ፧

“የሆዋ ኣበይ ኣሎ” ኢልካ ትሓትትዶ፧

‘ንሳቶም ካባይ ረሓቑ: እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ፧ ኣይበሉን።’—⁠ኤርምያስ 2:5, 6

1. ሰባት “ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ” ኢሎም ክሓቱ ኸለዉ: ኣብ ኣእምሮኦም እንታይ ክህሉ ይኽእል፧

 “ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ፧” ብዙሓት ሰባት ነዛ ሕቶ እዚኣ ይሓቱ እዮም። ገሊኣቶም ብዛዕባ ፈጣሪ መሰረታዊ ነገር ማለት ኣበይ ከም ዝነብር ክፈልጡ ጥራይ እዮም ዝደልዩ። ገሊኣቶም ከኣ ዓብዪ ዕንወት ምስ ኣጋጠመ ወይ ብዙሕ ጸገም ምስ ኣጓነፎም: ኣምላኽ ጣልቃ ዘይኣተወሉ ምኽንያት ክርድኦም ስለ ዘይከኣለ እዮም ነዛ ሕቶ እዚኣ ሓቲቶም። ገሊኣቶም ግን ህላወ ኣምላኽ ስለ ዘይኣምኑ: ነዛ ሕቶ እዚኣ ፈጺሞም ኣይሓቱን እዮም።​—⁠መዝሙር 10:4

2. ንኣምላኽ ኣብ ምድላይ ኣሳልጦ ዝረኸቡ መን እዮም፧

2 ብዙሓት ሰባት ነቲ ንህላወ ኣምላኽ ዘረጋግጽ ኣዝዩ ብዙሕ መርትዖታት ይቕበልዎ እዮም። (መዝሙር 19:1፣ 104:24) ገሊኣቶም ሃይማኖት ስለ ዘለዎም ጥራይ ይዓግቡ። እንተዀነ ግን: ኣብ ኵለን ሃገራት ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ንሓቂ ሓያል ፍቕሪ ስለ ዘለዎም: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክደልይዎ ተለዓዒሎም እዮም። ንሱውን “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ብምዃኑ: ጻዕርታቶም ከንቱ ኣይኰነን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:26-28

3. (ሀ) ኣምላኽ ዝነብረሉ ስፍራ ኣበይ እዩ፧ (ለ) እታ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ” እትብል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እትርከብ ሕቶ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧

3 ሓደ ሰብ ንየሆዋ ናይ ብሓቂ ምስ ረኸቦ: ‘ኣምላኽ መንፈስ ምዃኑ:’ ብዓይኒ ደቅሰብ እውን ከም ዘይርአ ይፈልጥ እዩ። (ዮሃንስ 4:24) የሱስ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ “እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ” ብምባል እዩ ተዛሪቡሉ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ልክዕ ከምቲ ብዓይንና እንርእዮ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝበለ: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝነብረሉ ስፍራ እውን ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ልዑል ከም ዝዀነ እዩ ዘመልክት። (ማቴዎስ 12:50 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ኢሳይያስ 63:15) ንኣምላኽ ብዓይንና ኽንርእዮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ንኽንፈልጦን ብዛዕባ ዕላማታቱ ንኽንመሃርን ግን መገዲ ኸፊቱልና እዩ። (ዘጸኣት 33:20፣ 34:6, 7) ትርጕም ህይወት ክፈልጡ ዝደልዩ ቅኑዓት ሰባት ንዝሓትዎ ሕቶ ይምልሰሎም እዩ። ንህይወትና ኣብ ዝትንክፍ ጕዳያት እንታይ ኣቕዋም ከም ዘለዎ ማለት ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ከም ዝርእዮን ባህግታትና ምስ ዕላማኡ ዝሰማማዕ እንተ ዀይኑን ንኽንፈልጥ ዘኽእለና ዘተኣማምን መሰረት ይነግረና። ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ክንሓቶን መልሲ ንምርካብ ኣበርቲዕና ክንጽዕርን ይደልየና። የሆዋ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ ንጥንታዎት እስራኤላውያን ከምዚ ብዘይ​ምግባሮም ወቐሶም። ስም ኣምላኽ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ: “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ኣይሓተቱን። (ኤርምያስ 2:6 NW ) ንዕላማ የሆዋ ኸም ቀንዲ ጕዳዮም ገይሮም ኣይኰኑን ዝርእይዎ ነይሮም። ንመምርሒታቱ ኣየናድዩን እዮም ነይሮም። ንስኻኸ ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ውሳነ ኽትገብር ክትደሊ ኸሎኻ: “የሆዋ ኣበይ ኣሎ” ኢልካ ትሓትትዶ፧

እቶም ካብ ኣምላኽ መምርሒ ደልዮም ዝሓተቱ

4. ካብቲ ዳዊት ንየሆዋ ብምጥያቕ ዝመጸ ዝገደፎ ሰናይ ኣብነት ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

4 ዳዊት ወዲ እሴይ ገና መንእሰይ ከሎ እዩ ኣብ የሆዋ ድልዱል እምነት ዘሕደረ። የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ዳዊት ብብሕቱ እውን ካብ የሆዋ ዕቝባ ረኺቡ እዩ። ‘ንስም እግዚኣብሄር’ ካብ ዘለዎ እምነትን ፍቕርን ተደሪኹ: ነቲ ኽሳዕ ኣፍንጫኡ ተዓጢቑ ዝነበረ ጎልያድ ዝበሃል ገዚፍ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። (1 ሳሙኤል 17:26, 34-51) እዚ ግን ብኽእለቱ ኸም ዝተኣማመን ኣይገበሮን። ‘ድላየይ እኳ እንተ ገበርኩ: የሆዋ ኽባርኸኒ እዩ’ ኢሉ ኣይሓሰበን። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት: ውሳነታት ክገብር ከሎ ንየሆዋ ይጥይቖ ነበረ። (1 ሳሙኤል 23:2፣ 30:8፣ 2 ሳሙኤል 2:1፣ 5:19) ከምዚ ኢሉ እውን ይጽሊ ነበረ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ: ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ።” (መዝሙር 25:4, 5) ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽንስዕቦ ዘሎና ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ገዲፉልና!

5, 6. ዮሳፋጥ ኣብ እተፈላለየ እዋን ንየሆዋ ዝደለዮ ብኸመይ እዩ፧

5 ብዘመን እቲ ኻብ ዳዊት ሓምሻይ ንጉስ ዝነበረ ዮሳፋጥ: ሰለስተ ህዝብታት ሓቢሮም ንይሁዳ ኽወግእዋ መጹ። ዮሳፋጥ ብህጹጽ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም ስለ ዘጋጠሞ ንየሆዋ “ኪደልዮ ገጹ መለሰ።” (2 ዜና መዋእል 20:1-3) ዮሳፋጥ ንየሆዋ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣይኰነን ንመጀመርታኡ ዝደልዮ ነይሩ። ኣቐዲሙ እውን ነቲ ኣብታ ኸሓዲት ዝነበረት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ዘስፋሕፍሐ ኣምልኾ በዓል ነጺጉ ብመገድታት የሆዋ ተመላለሰ። (2 ዜና መዋእል 17:3, 4) እዚ ኣጸጋሚ ዅነታት ምስ ኣጋጠሞ: ንየሆዋ ‘ዝደለዮ’ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧

6 እቲ ዮሳፋጥ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝጸለዮ ጸሎት: የሆዋ ዅሉ ዝኽእል ምዃኑ ኸም ዝዘከረ ይሕብረና። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኻልኦት ህዝብታት ካብ መሬቶም ሰጒጉ ንእስራኤላውያን ከም ዝወርስዎ ብምግባር ዝገለጾ ዕላማኡ ኣዕሚቑ ሓሰበ። ካብ የሆዋ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ድማ ኣፍልጦ ሃበ። (2 ዜና መዋእል 20:6-12) የሆዋ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ተረኺቡሉዶ፧ እወ። ያሓዚኤል ብዝበሃል ሌዋዊ ኣቢሉ ንጹር መምርሒታት ሃቦ: ንጽብሒቱ ኸኣ ህዝቡ ዓወት ከም ዝረኽቡ ገበረ። (2 ዜና መዋእል 20:14-28) ንስኻውን መምርሒ ደሊኻ ናብ የሆዋ ገጽካ ኽትመልስ ከሎኻ የሆዋ ኸም ዝርከበልካ ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧

7. ኣምላኽ ናይ መን ጸሎት እዩ ዝሰምዕ፧

7 ኣብ የሆዋ ኣድልዎ የልቦን። ኵሎም ኣህዛብ ብጸሎት ክደልይዎ ጻውዒት ኣቕሪብሎም ኣሎ። (መዝሙር 65:2፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ንልቢ እቶም ዝልምንዎ ይፈልጦ እዩ። ጸሎት ጻድቃን ከም ዝሰምዕ ኣረጋጊጹልና እዩ። (ምሳሌ 15:29) ነቶም ኣቐድም ኣቢሎም ኣብኡ ተገዳስነት ዘይነበሮም: ሕጂ ግን ብትሕትና መምርሒኡ ዝደልይዎ ሰባት እውን ይርከበሎም እዩ። (ኢሳይያስ 65:1) ንጸሎት እቶም ሕጉ ዝጠሓሱ ግን ከኣ ብትሕትና እተነስሑ እውን ከይተረፈ ይሰምዖ እዩ። (መዝሙር 32:5, 6፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20) እንተዀነ ግን: ልቢ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ዘይግዛእ ምስ ዝኸውን: ጸሎቱ ኸንቱ ይኸውን። (ማርቆስ 7:6, 7) ነዚ ብዝምልከት እዚ ዝስዕብ ኣብነታት ንርአ።

ጸልዮም: መልሲ ግን ኣይረኸቡን

8. ጸሎት ንጉስ ሳኦል ብየሆዋ ተቐባልነት ዘይነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

8 ነብዪ ሳሙኤል ንንጉስ ሳኦል ብሰንኪ ዘይምእዛዙ ብኣምላኽ ከም እተነጽገ ምስ ነገሮ: ሳኦል ንየሆዋ ሰገደሉ። (1 ሳሙኤል 15:30, 31) እንተዀነ ግን: እዚ ንርኣዩለይ ጥራይ እዩ ነይሩ። ሳኦል ብህዝቡ ንክኽበር ደኣ እምበር: ንየሆዋ ኽእዘዝ ደልዩ ኣይኰነን ከምዚ ዝገበረ። ጸኒሑ: ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ክወሩዋ ምስ ጀመሩ: ሳኦል ንማለቱ ንየሆዋ ጠየቖ። ይኹን እምበር: መልሲ ምስ ሰኣነ: የሆዋ ንሓተታ መናፍስቲ ኸም ዝዅንኖ እናፈለጠ ብጠንቋሊት ገይሩ ንመናፍስቲ ሓተተ። (ዘዳግም 18:10-12፣ 1 ሳሙኤል 28:6, 7) ቀዳማይ ዜና መዋእል 10:14 “ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን” ብምባል ነቲ ጕዳይ ኣጠቓልል ኣቢላ ትገልጾ። ስለምንታይ እዩ ኣይጠየቐን እተባህለ፧ ምኽንያቱ ሳኦል ብእምነት ኣይኰነን ዝጽሊ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ከም ዘይጸለየ እዩ ዝቝጸር።

9. ጼድቅያስ ንየሆዋ ዘቕረቦ ልመና እንታይ ጸገማት ነበሮ፧

9 ብተመሳሳሊ: መንግስቲ ይሁዳ እትጠፍኣሉ ግዜ እናቐረበ ምስ ከደ: ብዙሕ ጸሎት ይቐርብ: ንነብያት የሆዋ እውን ሕቶታት ይቐርበሎም ነበረ። ይኹን እምበር: እቶም ህዝቢ ንኣምልኾ ጣኦት ምስቲ ንኣምሰሉ ዘርእይዎ ዝነበሩ ፍርሃት ኣምላኽ ይሓዋውስዎ ነበሩ። (ጸፎንያስ 1:4-6) ካብ ክሳድ ንላዕሊ ንኣምላኽ እኳ እንተ ሓተቱ: ፍቓዱ ንምግባር ግን ልቦም ኣየግዝኡን። ንጉስ ጼድቅያስ ንኤርምያስ ንየሆዋ ኽሓተሉ ለመኖ። እዚ ቕድሚ ምዃኑ የሆዋ እንታይ ከም ዝገብር ነቲ ንጉስ ነጊርዎ ነይሩ። እቲ ንጉስ እምነት ስለ ዘይነበሮን ንሰባት ስለ ዝፈርሀን ግን ንቓል የሆዋ ኣይሰምዐን: የሆዋ ኸኣ እቲ ንጉስ ዝደለዮ ዓይነት ካልእ መልሲ ኣይሃቦን።​—⁠ኤርምያስ 21:1-12፣ 38:14-19

10. ዮሃናን መምርሒ የሆዋ ዝደለየሉ መገዲ እንታይ ጌጋ ነበሮ: ካብ ጌጋኡኸ እንታይ ንመሃር፧

10 የሩሳሌም ምስ ዓነወትን ሰራዊት ባቢሎን ንምሩኻት ኣይሁድ ሒዞም ምስ ከዱን: ዮሃናን ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝተረፉ ሒደት ኣይሁድ ናብ ግብጺ ሒዝዎም ክኸይድ ተበገሰ። ነዚ ብዝምልከት ብሓባር መደብ ኣውጽኡ: ቅድሚ ምንቃሎም ግን ኤርምያስ ምእንታኦም ንየሆዋ ኽልምንን መምርሒ ኽደልን ሓተትዎ። ይኹን እምበር: ነቲ ዝደልይዎ መልሲ ኸይረኸቡ ምስ ተረፉ: ብድርቅና ኸምቲ ዝመደብዎ ገበሩ። (ኤርምያስ 41:16–43:7) ገጽ የሆዋ ኽትደሊ ኸሎኻ ምእንቲ ኽርከበልካ: ካብዚ ዛንታ እዚ ገለ ትምህርቲ ረኺብካዶ፧

‘ብቐጻሊ መርምር’

11. ኤፌሶን 5:10 ኣብ ግብሪ ኸነውዕላ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ናይ ሓቂ ኣምልኾ ክበሃል ከሎ ህይወትካ ወፊኻ ብማይ ምጥማቕ: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምክፋል: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ እውን ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ኢና እንህቦ። መዓልታዊ ኻብ ኣምልኾና ኸውጽኣና ዝኽእል ስዉር ኰነ ግሁድ ጸቕጥታት ይወርደና እዩ። ነዚ ግን ብኸመይ ኢና እንጻወሮ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ክጽሕፍ ከሎ: ‘ንጐይታ ዘሐጕሶ [“ብቐጻሊ:” NW ] መርምሩ’ ኢሉ ተማሕጸኖም። (ኤፌሶን 5:10) ከምዚ ምግባር ዘለዎ ረብሓ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተራእዩ እዩ።

12. ዳዊት ነቲ ታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ከግዕዞ ምስ ፈተነ የሆዋ በዚ ዘይተሓጐሰ ስለምንታይ እዩ፧

12 እቲ ታቦት ኪዳን ናብ እስራኤል ምስ ተመልሰ እሞ ኣብ ቂርያት⁠-​የዓሪም ሓያሎ ዓመታት ምስ ተቐመጠ: ንጉስ ዳዊት ናብ የሩሳሌም ከምጽኦ ሓሰበ። ምስ ሓላቑ ህዝቢ ተማኸረ እሞ ‘ንኣታቶም ጽቡቕ መሲሉዎም እንተ ዀይኑ: እዚ ኸኣ ኻብ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ’ ነቲ ታቦት ከግዕዝዎ ተዛረቦም። እንተዀነ ግን: ፍቓድ የሆዋ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣይሓተተን። ከምኡ እንተ ዝገብር ነይሩ: ነቲ ታቦት ኣብ ሰረገላ ኣይመወጥሖን ነይሩ። የግዳስ ከምቲ ኣምላኽ ብንጹር ዝኣዘዞ ኣብ መንኵብ እቶም ሌዋውያን ዝዀኑ ደቂ ቃሃት ምተጾረ ነይሩ። ዳዊት ንየሆዋ ብተደጋጋሚ ዝሓትት እኳ እንተ ነበረ: ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ግን በቲ ግቡእ መገዲ ኣይሓተተን። እዚ ድማ ከቢድ ጕድኣት ኣስዓበ። ዳዊት ጸኒሑ “ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸኣ ስለ ዘይደሌናዮ: እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ምስባር ኣባና ገበረ” ብምባል ጌጋኡ ተኣመነ።​—⁠1 ዜና መዋእል 13:1-3፣ 15:11-13፣ ዘሁልቍ 4:4-6, 15፣ 7:1-9

13. ኣብቲ እቲ ታቦት ክግዕዝ ከሎ እተዘመረ መዝሙር: እንታይ መዘኻኸሪ እዩ ዝርከብ፧

13 ኣብ መወዳእታ እቲ ታቦት ብሌዋውያን ካብ ቤት ዖቤድ⁠-​ኤዶም ናብ የሩሳሌም ምስ ገዓዘ: ዳዊት ሓደ መዝሙር ዘመረ። እቲ መዝሙር እዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ መዘኻኸሪ ይርከቦ:- “ንእግዚኣብሄርን ስልጣኑን ድለዩ: ገጹ ዅሉጊዜ ድለዩ። ነቲ ዝገበሮ ተኣምራቱን: ንትእምርትታቱን ፍርድታት ኣፉን ዘክሩ።”​—⁠1 ዜና መዋእል 16:11, 12

14. ካብቲ ሰሎሞን ዝገደፈልና ሰናይ ኣብነትን ካብቲ ብግዜ እርግናኡ ዝፈጸሞ ጌጋን እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

14 ዳዊት ቅድሚ ሙማቱ ንሰሎሞን ወዱ “[ንየሆዋ] እንተ ደሌኻዮስ: ኪርከበልካ እዩ” ብምባል መዓዶ። (1 ዜና መዋእል 28:9) ሰሎሞን ኣብ ዝፋን ምስ ተቐመጠ: ናብታ ድንኳን ምርኻብ ዝነበረላ ጊብዖን ከደ: ኣብኡ ድማ ንየሆዋ ሰውአ። ኣብኡውን የሆዋ “እንታይ ከም ዝህበካ ለምን” በሎ። ብመሰረት እቲ ሰሎሞን ዝሓተቶ ድማ ንእስራኤል ምእንቲ ኽፈርድ ብዙሕ ጥበብን ፍልጠትን ተዋህቦ: ኣብ ርእሲ እዚውን ሃብትን ክብረትን ተወሰኾ። (2 ዜና መዋእል 1:3-12) ሰሎሞን በቲ የሆዋ ንዳዊት ዝሃቦ ንድፊ ገይሩ እተደንቕ ቤተ መቕደስ ሃነጸ። ንሓዳሩ ብዝምልከት ግን ንየሆዋ ኣይደለዮን። ሰሎሞን ንየሆዋ ዘየምልኻ ኣንስቲ ኣእተወ። ብግዜ እርግናኡ ኸኣ ንልቡ ኻብ የሆዋ ኣዘንበላኦ። (1 ነገስት 11:1-10) ምርኡያት: ጥበበኛታት: ወይ ፈላጣት ንምሰል ብዘየገድስ: ‘ንጐይታ ዘሐጕሶ ብቐጻሊ ኽንምርምር’ ኣሎና!

15. ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ንይሁዳ ኽወግኣ ምስ ደየበ: የሆዋ ንይሁዳ ምእንቲ ኸድሕና ኣሳ ብምትእምማን ክጽሊ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

15 እዚ ኣድላዪ ምዃኑ በቲ ንሰሎሞን ወዲ ወዱ ዝዀነ ንጉስ ኣሳ ዝገበሮ ነገር ተረጋጊጹ እዩ። ኣሳ ንጉስ ካብ ዝኸውን 11 ዓመት ጸኒሑ: ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ሓደ ሚልዮን ሰራዊት ሒዙ ንይሁዳ ኽወርር መጸ። የሆዋ ንይሁዳ የድሕናዶ ዀን ይኸውን፧ ኣስታት 500 ዓመታት ኣቐዲሙ የሆዋ ንህዝቡ እንተ ሰሚዖምዎን ትእዛዛቱ እንተ ሓልዮምን እንታይ ክግበረሎም ክጽበዩ ኸም ዝኽእሉ: እዚ እንተ ዘይገይሮም ግን እንታይ ከም ዘጋጥሞም ብንጹር ገሊጽሎም ነበረ። (ዘዳግም 28:1, 7, 15, 25) ኣሳ ኣብ መጀመርታ ንግስናኡ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዝውዕል መሰውኢታትን ኣዕኑድን ካብ ግዝኣቱ ኣጥፊኡ ነይሩ። ነቶም ህዝቢ ‘ንየሆዋ ኽደልይዎ’ ኣዘዞም። ጥፍኣት ምስ መጾ ኣይኰነን ነዚ ገይሩ። ስለዚ ኣብ የሆዋ እምነት ብምግባር: ደገፉ ንኽህቦም ክጽሊ ኸኣለ። እዝኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ ህዝቢ ይሁዳ ዘደንቕ ዓወት ረኸቡ።​—⁠2 ዜና መዋእል 14:2-12

16, 17. (ሀ) ኣሳ ስዒሩ ምስ ተመልሰ እውን የሆዋ እንታይ መዘኻኸሪ እዩ ዝሃቦ፧ (ለ) ኣሳ ዕሽነት ምስ ገበረ: እንታይ ሓገዝ ተዋህቦ: ንሱ ግን እንታይ ገበረ፧ (ሐ) ካብቲ ኣሳ ዝገበሮ እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧

16 ይኹን እምበር: ኣሳ ስዒሩ ምስ ተመልሰ: የሆዋ ንዓዛርያ ልኢኹ ኸምዚ በሎ:- “ኣታ ኣሳን ብዘሎኹም ይሁዳን ብንያምን: ስምዑኒ: ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ትዀኑስ: ንሱ ምሳኻትኩም እዩ: እንተ ደሌኹምዎ ድማ: ይርከበልኩም እዩ: ንስኻትኩም እንተ ሐደግኩምዎ ግና: ንሱ ኸኣ ኪሐድገኩም እዩ።” (2 ዜና መዋእል 15:2) ኣሳ ቕንኣቱ ስለ እተሓደሰ: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዘስፋሕፍሕ ገበረ። ድሕሪ 24 ዓመት ግን ውግእ ምስ ኣጋጠሞ: ንየሆዋ ኣይደለዮን። ቃል ኣምላኽ ኣይመርመረን: ሰራዊት ኢትዮጵያ ንይሁዳ ምስ ወረራ የሆዋ ዝገበረሎም ነገራት እውን ኣይዘከሮን። የግዳስ ብዕሽነት ምስ ሶርያ ኪዳን ተኣታተወ።​—⁠2 ዜና መዋእል 16:1-6

17 በዚ ምኽንያት እዚ የሆዋ ንኣሳ ንምግሳጽ ንሃናኒ እቲ ረኣዪ ለኣኾ። ኣብቲ ግዜ እቲውን እንተዀነ: የሆዋ ዘለዎ ኣረኣእያ ምስ ተገልጸሉ: ኣሳ ኻብዚ ኽጥቀም ይኽእል ነይሩ። ንሱ ግን በዚ ተናደደ: ንሃናኒ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። (2 ዜና መዋእል 16:7-10) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ተግባር ኰን እዩ! ንሕናኸ ንየሆዋ ኽንደልዮ ድሕሪ ምጽናሕ: ዝህበና ተግሳጽ ምስማዕ ንኣቢ ዲና፧ ብኣና ዝጭነቑ ሓለይቲ ሽማግለታት በዛ ዓለም ስለ እተጠላለፍና መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም ምስ ዝግስጹና: “ንጐይታ ዜሐጕሶ” እንታይ ምዃኑ ንኽንፈልጥ ካብ ፍቕሪ ብምብጋስ ዝወሃበና ሓገዝ ነማስወሉ ዲና፧

“የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ ምሕታት ኣይትረስዕ

18. ካብቲ ኤሊሁ ንእዮብ እተዛረቦ ቓላት ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

18 እቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ዘለዎ እውን ከይተረፈ: ጸቕጢ ኽወርዶ ኸሎ መገዱ ኽስሕት ይኽእል እዩ። እዮብ ብዘስገድግድ ሕማም ምስ ተወቕዐ: ደቁን ንብረቱን ምስ ሰኣነ: ከምኡውን ብጾቱ ብሓሶት ምስ ነቐፍዎ: ኵሉ ሓሳቡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ኣተኰረ። ኤሊሁ ግን “ኣምላኽከ ኣበይ እዩ ዘሎ፧ ዚብል የልቦን” ብምባል ኣዘኻኸሮ። (እዮብ 35:​10) እዮብ ኣቓልቦኡ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ዘለዎ ኣረኣእያን ከም ዘተኵር ክገብር ነበሮ። ነቲ እተዋህቦ መዘኻኸሪ ብትሕትና ተቐበለ። እቲ ንሱ ዝገደፈልና ኣብነት ከኣ ንዓና ተመሳሳሊ ነገር ንኽንገብር ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

19. ህዝቢ እስራኤል ዝበዝሕ እዋን እንታይ ጕድለት እዩ ዝነበሮም፧

19 ህዝቢ እስራኤል: ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገበረሎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እንተዀነ ግን: ኣብ ህይወቶም ጸገማት ከጋጥሞም ከሎ: ወትሩ ነዚ ይርስዕዎ ነበሩ። (ኤርምያስ 2:5, 6, 8) ውሳነ ኽገብሩ ኸለዉ: “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኣብ ክንዲ ዝብሉ ባህ ዝበሎም እዮም ዝገብሩ ነይሮም።​—⁠ኢሳይያስ 5:11, 12

ወትሩ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢልካ ሕተት

20, 21. (ሀ) ኣብዚ ግዜና መምርሒ የሆዋ ብምድላይ ዝመጸ መንፈስ ኤልሳእ ዘርእዩ ዘለዉ መን እዮም፧ (ለ) ኣስኣሰር እምነቶም ብምስዓብ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 ኤልያስ ኣገልግሎቱ ምስ ወድአ: እቲ ኣገልጋሊኡ ዝነበረ ኤልሳእ ነቲ ባርኖሱ ወሲዱ ኣብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሐ: ነቲ ማይ ወቒዑ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስከ: ንሱ ኣበይ ኣሎ፧” በለ። (2 ነገስት 2:14) የሆዋ ኣብ ኤልሳእ እውን መንፈሱ ኸም ዘሎ መርትዖ ብምሃብ መልሲ ሃበ። ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

21 ኣብዚ ግዜና ምስዚ ዝመሳሰል ነገራት ኣጋጢሙ እዩ። ኣብቲ ዕዮ ስብከት መሪሕነት ዝነበሮም ቅቡኣት ክርስትያናት ምድራዊ ህይወቶም ምስ ኣብቅዐ: እቶም ድሕሪኦም ሓላፍነት እተቐበሉ ሰባት ቅዱሳት ጽሑፋት መርሚሮምን የሆዋ መምርሒ ኽህቦም ጸልዮምን እዮም። “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ካብ ምሕታት ዓዲ ኣይወዓሉን። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ የሆዋ ንህዝቡ ይመርሖምን ንጥፈታቶም ይባርኾን ኣሎ። ንሕናኸ ኣስኣሰር እምነቶም ንስዕብ ዲና፧ (እብራውያን 13:7) ንስዕብ እንተደኣ ዄንና: ምስ ማሕበር የሆዋ ጠቢቕና ኽንመላለስ: ንዝወሃበና መምርሒ ኽንስዕብ: ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስ ዝዕየ ዘሎ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ክንሳተፍ ኢና።​—⁠ዘካርያስ 8:23

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ካብ ምንታይ ዕላማ ተበጊስና ኢና “የሆዋ ኣበይ ኣሎ” ኢልና ኽንሓትት ዘሎና፧

• ሎሚ ነታ “የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧” እትብል ሕቶ ኻበይ መልሲ ኽንረኽበላ ንኽእል፧

• ገሊኣቶም ሰባት ኣምላኽ መምርሒ ንኽህቦም ዝጸለይዎ ጸሎት መልሲ ዘይረኸበ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣየናይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነታት እዩ ‘ንጐይታ ዘሐጕሶ ወትሩ ኽንምርምር’ ከም ዘሎና ዘጕልሕ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ንጉስ ዮሳፋጥ ንየሆዋ ዝደለዮ ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሳኦል ንመናፍስቲ ዝሓተተ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

‘የሆዋ ኣበይ ከም ዘሎ’ ንምርግጋጽ ጸልይ: ኣጽንዕ: ከምኡውን ኣስተንትን