ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕማቕ ናብራኡ ብብሩህ ተስፋ ቅድሚ ምልዋጡን ድሕሪኡን

ሕማቕ ናብራኡ ብብሩህ ተስፋ ቅድሚ ምልዋጡን ድሕሪኡን

“ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ”

ሕማቕ ናብራኡ ብብሩህ ተስፋ ቅድሚ ምልዋጡን ድሕሪኡን

“ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: . . . ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” (እብራውያን 4:12) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባቲ መልእኽቲ ኣምላኽ ውሽጥና ንምትንካፍ ዘለዎ ሓይሊ ኽገልጽ ከሎ: ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በለ። ቃል ኣምላኽ ንልቢ ሰባት ክትንክፍ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ንጹር ኰይኑ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሕማቕ ጽልዋ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ክርስትያናት ግን ሓድሽ ሰብነት ለቢሶም እዮም።​—⁠ሮሜ 1:28, 29፣ ቈሎሴ 3:8-10

ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዝርከብ ቃል ኣምላኽ ንህይወት ሰባት ናይ ምቕያር ሓይሉ ሕጂውን ብንጹር ይርአ ኣሎ። ንኣብነት: ተመክሮ ናይ ሓደ ሪኻርት ዝበሃል ነዊሕ ጉልቡት ሰብኣይ እስከ ንርአ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣዝዩ ሓራቕ ብምንባሩ ብዘይ​ጠቅም ነገር ይበኣስ ነበረ። ናብራ ህይወቱ ብዓመጻ ዝመልአ ነበረ። ኣባል ጕጅለ ተጓሰጥቲ እውን ነበረ። ጽዑቕ ልምምድ ብምግባር ከኣ ናይ ወስትፈልያ: ጀርመን: ሻምፕዮን መኸተ⁠-​ጕስጢ ከቢድ ሚዛን ዀነ። መስተ የብዝሕ ነበረ: ብተደጋጋሚ ኸኣ ኣብ ታዕታዕ ይኣቱ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ባእሲ ተላዕለ እሞ ሓደ ሰብ ተቐትለ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ክእሰር ቍሩብ ተሪፍዎ ነበረ።

ሓዳሩኸ ኸመይ ነበረ፧ ሪኻርት ባዕሉ ኽምልስ ከሎ “ኣነን ሃይከን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማርና: በብርእስና ኢና ንምራሕ ኔርና። ሃይከ መብዛሕትኡ ግዜኣ ምስ መሓዙታ ኸተሕልፎ ኸላ: ኣነ ድማ ብኸም መኸተ⁠-​ጕስጢ: ኣብ ባሕሪ ሸተት ምባል: ከምኡውን ብውሽጠ ውሽጢ ባሕሪ ምሕንባስ ዝኣመሰለ መዘናግዒ ግዜይ አሕልፍ ነበርኩ።”

ሪኻርትን ሃይከን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ምስ ጀመሩ እሞ ሪኻርት ምስቲ ልዑል ስርዓታት ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዑ ንምንባር ክገብሮ ዘለዎ ለውጥታት ምስ ፈለጠ: ክገብሮ ዝኽእል ኰይኑ ኣይተሰምዖን። ይኹን እምበር: ንየሆዋ ብዝያዳ ኽፈልጦ ምስ ጀመረ: ንዕኡ ንምሕጓስ ሓያል ባህጊ ሓደሮ። ኣምላኽ ነቶም ዓመጻ ዝፈትዉ ወይ ነቶም ብዓመጻ ዝዘናግዑ ኸም ዝጸልኦም ፈለጠ። ‘ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ነፍሲ [የሆዋ] ኸም እትጸልኦም’ ፈለጠ።​—⁠መዝሙር 11:5

ብዘይ​ካዚ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ንሪኻርትን ንሃይከን ማረኾም። ክልቲኦም ኣብ ገነት ክነብሩ ደለዩ! (ኢሳይያስ 65:21-23) እቲ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ዝብል ጻውዒት ንሪኻርት ልቡ ተንከፎ። (ያእቆብ 4:8) ነቲ “ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ: መገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ። እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ: ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ማዕዳ ምስዓብ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ረኣየ።​—⁠ምሳሌ 3:31, 32

መገድታቱ ንምዕራይ ሓያል ባህጊ እኳ እንተ ነበሮ: ብሓይሉ ነዚ ኽገብሮ ኸም ዘይክእል ግን ተገንዘበ። ብጸሎት ኣቢሉ ኻብ ኣምላኽ ሓገዝ ክሓትት ከም ዘለዎ ኣስተውዓለ። በዚ ኸምዚ ምስቲ የሱስ “ናብ ፈተና ኸይትአትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ አሎ: ስጋ ግና ድኹም እዩ” ብምባል ንሃዋርያቱ እተዛረቦም ቃላት ዝሰማማዕ ስጕምቲ ወሰደ።​—⁠ማቴዎስ 26:41

ኣምላኽ ንዓመጻን ቍጥዓን ብኸመይ ከም ዝርእዮ ምስ ፈለጠ: መኸተ⁠-​ጕስጢ ኣምላኽ ዝጸልኦ ዓይነት ስፖርት ምዃኑ ርግጸኛ ዀነ። ካብ የሆዋ ብዝረኸቦ ሓገዝን ካብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህርዎ ዝነበሩ ሰባት ብእተዋህቦ ምትብባዕን: ነቲ ዓመጻ ዝመልኦ ናብራኡ ኽገድፎ ኸኣለ። መኸተ⁠-​ጕስጥን ታዕታዕን ገዲፉ: ናብራ ስድራ​ቤቱ ንምምሕያሽ ወሰነ። ሪኻርት “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብምፍላጠይ: ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባረይ ህድእ ኢለ ንኽሓስብ ሓገዘኒ” በለ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ኻብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽማግለ ብምዃን ብለውሃት የገልግል ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ኣብዚ እዋን እዚ ምስ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ዘሎኒ ርክብ ኣብ ፍቕርን ምክብባርን እተመርኰሰ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ስድራ​ቤትና ንሓድሕድና ንቀራረብ ኢና” በለ።

ገሊኣቶም ግጉይ ሓበሬታ እተዋህቦም ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ​ቤታት ይበታትኑ ኢሎም ይኸስዎም እዮም። ይኹን እምበር: ከም ናይ ሪኻርት ዝኣመሰለ ተመክሮ ዘለዎም ሰባት ነዚ ኽሲ እዚ ሓሶት ምዃኑ መርትዖ ይዀኑ እዮም። ብርግጽ እምበኣር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንሓዳር የደልድሎን ነቶም ሕማቕ ናብራ ዝነበሮም ብሩህ ተስፋ ይህቦምን እዩ።​—⁠ኤርምያስ 29:11

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብዛዕባ ገነታዊት ምድሪ ዝረኸብክዎ ተስፋ ንኽልወጥ ድራኸ ኣሕዲሩለይ”

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

ዝዓዪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወት ሰባት ሓያል ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብቲ ዓመጽቲ ንዝነበሩ ውልቀ ሰባት ዝሓገዞም ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እንሆ:-

“ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ: ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ።” (ምሳሌ 16:32) ቍጥዓኻ ዘይምግታእ ብርታዐ ዘይኰነስ ድኽመት እዩ።

“ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ።” (ምሳሌ 19:11) ንሓደ ጕዳይ ብምስትውዓልን ብምርዳእን ምስ እንሕዞ: ላዕለ⁠-​ላዕሊ ጥራይ ስለ ዘይንርኢ: ጐንጺ ኣይፍጠርን ከምኡውን ኣይንቝጣዕን።

‘መገዱ ምእንቲ ኸይትምሃር: ምስ ተቘጣዒ ሰብ ኣይትመሓዞ።’ (ምሳሌ 22:24, 25) ክርስትያናት ምስቶም ብቐሊሉ ዝቝጥዑ ሰባት ኣይቀራረቡን እዮም።