ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናይ 1 ሚያዝያ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 11 ቍጽሪ 7: እቶም ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ሓደስቲ ኣመንቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ብማይ ክጥመቑ ኸለዉ ብብሕቶም “ብክርስቶስ ኣቢሎም ንኣምላኽ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ” የርእዩ ምንባሮም ክትገልጽ ከላ: ኣቐዲምካ ግን ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 36 ከ.ኣ.ዘ. እተጠምቁ ኣይሁድ ብብሕቶም ህይወቶም ክውፍዩ ኸም ዘየድሊ ጌርካ ዝውሰድ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ‘ቃሉ ኣጸቢቖም እንተ ሰሚዖምን ኪዳኑ እንተ ሓልዮምን’ ቅዱስ ህዝቢ ክዀኑ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም መለሱ።​—⁠ዘጸኣት 19:3-8፣ 24:1-8

እስራኤላውያን ንሕጊ መሴ ኽሕልዉ ብምስምምዖም ገዛእ ርእሶም ንኣምላኽ ወፈዩ። ቀጺሉ ዝመጸ ወለዶታት ኣይሁድ ኣብ መንጎ እዚ ናይዚ ንኣምላኽ እተወፈየ ህዝቢ ይውለድ ነበረ። ይኹን እምበር: እቶም ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝዀኑ ኣይሁድ ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዞም ዝፈጸምዎ ጥምቀት: ንገዛእ ርእሶም ከም ኣባል ናይቲ እተወፈየ ህዝቢ ገይሮም ከም ዘቕረቡ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ እዩ ዘጠቓልል ነይሩ። ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ብዝመስረትዎ ሓድሽ ርክብ ገይሮም ንየሆዋ ኣምላኽ ርእሶም ከም ዝወፈዩ እዩ ዘመልክት። ብኸመይ፧

ኣብቶም ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ደርቢ ተኣኪቦም ዝነበሩ 120 ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምውራዱ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ተንሲኡ ነቶም ነቲ ዝዀነ ነገር ክርእዩ እተኣከቡ ሓያሎ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ክሰብከሎም ጀመረ። ሰፊሕ ምስክርነት ድሕሪ ምሃብ: ነቶም ሕልናኦም ዝወግኦም ሰባት: “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ” በሎም። እቲ ጴጥሮስ ዝሃቦም ምሕጽንታ ሰሚዖም “ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:1-41

እዞም ንምሕጽንታ ጴጥሮስ ሰሚዖም እተጠምቁ ኣይሁድ ድሮ ኣባላት ናይቲ እተወፈየ ህዝቢ ደይኰኑን ነይሮም፧ ንኣምላኽ እተወፈዩ ብምንባሮም ፍሉይ ርክብ ደይኰነን ነይርዎም፧ ኣይፋልን። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ኣምላኽ ነቲ ሕጊ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሓቖ’ ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ቈሎሴ 2:14) የሆዋ ኣምላኽ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ብሞት ክርስቶስ ኣቢሉ ነቲ ሕጊ ኣርሓቖ: እዚ ኸኣ ንእስራኤላውያን ንዕኡ እተወፈዩ ንክዀኑ መሰረት ዝዀኖም ነገር እዩ ነይሩ። እዞም ንወዲ ኣምላኽ ዘይተቐበሉ ህዝቢ: ኣምላኽ ባዕሉ ነጸጎም። እቶም ‘ብስጋ እስራኤላውያን’ ድሕሪ ደጊም ንኣምላኽ እተወፈና ኢና ኽብሉ ኣይከኣሉን።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:18፣ ማቴዎስ 21:43

ሕጊ ኺዳን ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ፈሪሱ እዩ: ኣምላኽ ንኣይሁድ ዘርኣዮም ፍሉይ ሞገስን ተገዳስነትን ግን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣየብቅዐን። a ክሳዕ እቲ ጴጥሮስ ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኢጣልያዊ ቆርኔሌዎስን ንስድራ​ቤቱን ካልኦት ኣህዛብን ዝሰበኸሉ እዋን ማለት ክሳዕ 36 ከ.ኣ.ዘ. ቀጸለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:​1-48) እዚ ሞገስ እዚ ዝረኸቡ ስለምንታይ እዮም፧

ዳንኤል 9:27 “[እቲ መሲህ] ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪአቱ እዩ” ትብል። እቲ ኻብቲ የሱስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. እተጠምቀሉን መሲህ ኰይኑ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉን ግዜ ኣትሒዙ ንሸውዓተ ዓመት ወይ “ንሓደ ሰሙን” ዝጸንሐ ኺዳን: እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን እዩ። ሓደ ሰብ ኣብዚ ኺዳን እዚ ንኽኣቱ: ካብ ዘርኢ እቲ እብራዊ ኣብርሃም ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። እዚ በይናዊ ወይ ብሓደ ወገን ጥራይ ዝቘመ ኺዳን ንሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ንየሆዋ እተወፈየ ኣይገብሮን እዩ። ስለዚ: እቶም ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እተጠምቁ ኣይሁድ ኣመንቲ: ብስጋ ኣይሁድ ብምዃኖም ፍሉይ ቈላሕታ ዝግበረሎም እኳ እንተ ነበሩ: እቲ ሕጊ ኺዳን ስለ ዘልገሰ ግን ንኣምላኽ እተወፈና ኢና ንኽብሉ መሰረት ኣይነበሮምን። ብብሕቲ ህይወቶም ንኣምላኽ ክውፍዩ የድልዮም ነበረ።

እቶም ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እተጠምቁ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ብሕታዊ ወፈያ ኽገብሩ ኣድላዪ ዝዀነሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሰማዕቱ ንኽንስሑን ብስም የሱስ ንኽጥመቑን ተማሕጺንዎም ነበረ። ከምዚ ንምግባር መገዲ ዓለም ሓዲጎም ንየሱስ ከም ጐይታ: መሲህ: ሊቀ ኻህናት: ከምኡውን ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ኣምላኽ ከም እተቀመጠ ገይሮም ኣፍልጦ ኽህቡ ነይርዎም። ምእንቲ ኽድሕኑ ብክርስቶስ የሱስ ኣቢሎም ንስም የሆዋ ኣምላኽ ክጽውዑ የድልዮም: እዚ ድማ ኣብ ክርስቶስ ምእማንን ከም መራሒ መጠን ኣፍልጦ ምሃቡን ዘጠቓልል ነበረ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ምስ ኣምላኽ ርክብ ዝምስረተሉን ሕድገት ሓጢኣት ዝርከበሉን መገዲ ተቐየረ። እቶም ኣመንቲ ኣይሁድ ብደረጃ ውልቀ⁠-​ሰብ ነዚ ሓድሽ ምድላው እዚ ክቕበልዎ ነበሮም። ብኸመይ እዮም ግን ዝቕበልዎ፧ ንኣምላኽ ህይወቶም ብምውፋይን ኣብ ቅድሚ ሰባት ብስም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማይ ብምጥሓልን ነዚ ኽገብሩ ይኽእሉ። ብማይ ምጥማቕ ንኣምላኽ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ዘርኢ ነበረ: እዚ ኸኣ ብየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ሓድሽ ርክብ ከም ዝመስረቱ የርኢ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:21, 33-36፣ 3:19-23

[እግረ-ጽሑፍ]

a የሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገን ዋጋ እታ ዝሰውኣ ህይወቱ ንየሆዋ ኣምላኽ ምስ ኣቕረበን: ናይ ሕጊ ሙሴ ኺዳን ፈረሰ: ነቲ “ሓድሽ ኪዳን” ከኣ መሰረት ተነብረ።​—⁠ኤርምያስ 31:31-34