ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝገብ ኖህ ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ ድዩ፧

መዝገብ ኖህ ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ ድዩ፧

መዝገብ ኖህ ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ ድዩ፧

የሱስ ብዛዕባ ምልክት ህላወኡን መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዝን ክገልጽ ከሎ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:3, 37) በዚ ኸምዚ የሱስ ኣብዚ ግዜና ዘጋጥም ዘሎ ነገራት ምስቲ ብግዜ ኖህ እተፈጸመ ዅነታት ከም ዝመሳሰል ብንጹር ሓበረ። ብዛዕባቲ ብግዜ ኖህ እተፈጸመ ነገራት ዝገልጽ ትውክልቲ ዝግበሮን ቅኑዕን ጸብጻብ ብዙሕ ክጠቕመና ይኽእል እዩ።

ኖህ ዝጸሓፎ መዝገብ ክሳዕ ክንድዚ ኣኽቢርካ ዝርአ መዝገብ ድዩ፧ ናይ ሓቂ ታሪኻዊ ሰነድ ከብሎ ዝኽእል ነገር ኣለዎዶ፧ ማይ ኣይሂ መዓስ ከም ዝመጸ ኽንፈልጥ ንኽእልዶ፧

ማይ ኣይሂ መዓስ እዩ መጺኡ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ ንድሕሪት ክንጽብጸበሉ እንኽእል መስርዕ ፍጻመታት ዝሓዘ ሓበሬታ ኣለዎ። ኣብ ዘፍጥረት 5:1-29 ካብቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ኖህ እተወልደሉ ግዜ ዝሕብር መስመር ወለዶ ንረክብ ኢና። ማይ ኣይሂ “ኣብ መበል ሹድሽተ ሚእቲ ዓመቱ ንዕድመ ኖህ” ጀመረ።​—⁠ዘፍጥረት 7:11

ማይ ኣይሂ መዓስ ከም ዝጀመረ ንምፍላጥ: ካብ ሓንቲ ፍልጥቲ ዕለት ክንብገስ የድልየና። እዚ ኸኣ ብዓለማዊ ታሪኽ ተቐባልነት ዘለዋ: ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ፍጻመ ኸኣ እትተሓሓዝ ዕለት ክንረክብ ኣሎና ማለት እዩ። ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዝና ኽንጽብጽብን ብመሰረት እዚ ሕጂ ዝዝውተር ዘሎ ኣቈጻጽራ ጎርጎርዮስ ማይ ኣይሂ ዝመጸሉ ዕለት ክንፈልጥን ንኽእል ኢና።

እታ ፋርሳዊ ንጉስ ቂሮስ ንባቢሎን ዝገልበጠላ ዕለት ማለት 539 ቅ.ኣ.ዘ. ከም መበገሲ ኽንጥቀመላ እንኽእል ሓንቲ ፍልጥቲ ዕለት እያ። ገለ ኻብቲ ብዛዕባ እዛ ዕለት እዚኣ ዝሕብር መርትዖታት ጽላታት ባቢሎናውያን ከምኡውን ሰነዳት ዲያዶረስን ኣፍሪኬነስን ዩሲቤስን ቶለሚን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ብምኽንያት እቲ ቂሮስ ዝኣወጆ ኣዋጅ: ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ናብ ዓዶም ተመልሱ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እዚ መወዳእታ ናይቲ ኻብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ዝጀመረ ን70 ዓመት ዝጸንሐ ምብዳም ይሁዳ እዩ። ካብዚ ተበጊስና መሳፍንትን ነገስታትን ዝነገሱሉ እዋን ብምጽብጻብ: እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዝወጹላ ዓመት 1513 ቅ.ኣ.ዘ. ምንባሩ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ካብዚ እውን ንድሕሪት 430 ዓመት ምስ እንጽብጽብ ኣብቲ ንኣብርሃም ኪዳን እተኣተወሉ ዓመት ማለት 1943 ቅ.ኣ.ዘ. ንበጽሕ። ቀጺልና ታራ: ናሆር: ሴሩግ: ረጉ: ፌሌግ: ዔበር: ሸላሕ: ከምኡውን እቲ “ክልተ ዓመት ድሕሪ ማይ ኣይሂ” እተወልደ ኣርፋክሳድ ብህይወት ዝጸንሑሉን እተወልዱሉ ዕለትን ክንጽብጽብ ኣሎና። (ዘፍጥረት 11:10-32) በዚ ኸምዚ ማይ ኣይሂ ብ2370 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝጀመረ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። a

ማይ ኣይሂ ጀመረ

ብግዜ ኖህ ብዛዕባ ዘጋጠመ ፍጻመታት ቅድሚ ምምርማርና: ካብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 7 ቍጽሪ 11 ክሳዕ ምዕራፍ 8 ቍጽሪ 4 ከተንብብ ትደሊ ትኸውን። ኣብኡ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ኸምዚ ዝብል ነንብብ:- “ኣብ መበል ሹድሽተ ሚእቲ ዓመቱ ንዕድመ ኖህ [2370 ቅ.ኣ.ዘ.]: ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ: ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ: በታ መዓልቲ እቲኣ ናይቲ ዓበይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያት ተቐደ: መሳዅቲ ሰማይ ድማ ተኸፍተ።”​—⁠ዘፍጥረት 7:11

ኖህ ንሓንቲ ዓመት ነፍሲ ወከፈን ሰሰላሳ መዓልትታት ኣብ ዝሓዛ 12 ኣዋርሕ እዩ ኸፋፊልዋ። ብግዜ ጥንቲ እታ ናይ መጀመርታ ወርሒ ኣብ መፋርቕ እታ ብኣቈጻጽራ ጎርጎርዮስ መስከረም እትበሃል ወርሒ እያ እትጅምር። እቲ ማይ ኣይሂ “ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ: ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ” እዩ ኽዘንም ጀሚሩ: ኣብ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን 2370 ቅ.ኣ.ዘ. ን40 መዓልትን ን40 ለይትን ከኣ ቐጸለ።

ብዛዕባቲ ማይ ኣይሂ ኸምዚ ዝብል ሓበሬታ እውን ንረክብ ኢና:- “እቲ ማይ ድማ ኽሳዕ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ምድሪ በርትዔ። . . . እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናተመልሰ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኸኣ እቲ ማይ ጐደለ። ብሳብዐይቲ ወርሒ: ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ: እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዐረፈት።” (ዘፍጥረት 7:24-8:4) ስለዚ: ኻብቲ እቲ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ዝበርትዓሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ኽጐድለሉ ዝጀመረ ግዜ 150 መዓልቲ ማለት ሓሙሽተ ወርሒ እዩ። ስለዚ እታ መርከብ ኣብ ከረን ኣራራት ዝዓረፈት ኣብ ሚያዝያ ናይ 2369 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ።

ሕጂ ዘፍጥረት 8:5-17 እሞ ኣንብብ። ርእሲ እቲ ኣኽራን “ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ [ሰነ]: ካብታ ወርሒ ድማ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ” ማለት ዳርጋ ኽልተ ወርሕን ፈረቓን (73 መዓልቲ) ጸኒሑ እዩ ተቐልቂሉ። (ዘፍጥረት 8:5) b ድሕርዚ ሰለስተ ወርሒ (90 መዓልቲ) ጸኒሑ​—⁠“ኣብ መበል ሹድሽተ ሚእትን ሓደን ዓመቱ ንኖህ: ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ: ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ” ወይ ኣብ ፍርቂ መስከረም ናይ 2369 ቅ.ኣ.ዘ​—⁠ኖህ ናሕሲ መርከብ ቀልዐ። ኣብቲ ግዜ እቲ “ምድሪ ነቒጻ” ምንባራ ኽርኢ ኸኣለ። (ዘፍጥረት 8:13) ድሕሪ ሓደ ወርሕን 27 መዓልትን (57 መዓልቲ): “ኣብ ካልአይቲ ወርሒ: ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ [ኣብ ፍርቂ ሕዳር ናይ 2369 ቅ.ኣ.ዘ.] እታ ምድሪ ነቐጸት።” ኣብቲ ግዜ እቲ ኖህን ስድራ​ቤቱን ካብታ መርከብ ናብቲ ንቑጽ ምድሪ ወጹ። ስለዚ ኖህን ስድራ​ቤቱን ኣብታ መርከብ ሓደ ዓመትን ዓሰርተ መዓልትን (370 መዓልቲ) ኣሕለፉ።​—⁠ዘፍጥረት 8:14

እዚ ንፍጻመታት: ዝርዝራት: ከምኡውን ንግዜ ዝጠቅስ ቅኑዕ ጸብጻብ እንታይ እዩ ዘረጋግጸልና፧ እቲ ንመጽሓፍ ዘፍጥረት ካብቲ እተዋህቦ ጸብጻባት ጽሒፍዋ ክኸውን ዘለዎ እብራዊ ነብዪ ሙሴ ጽውጽዋይ ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ታሪኽ ከም ዝጸሓፈ እዩ ዝሕብረና። ስለዚ እቲ ማይ ኣይሂ ንዓና ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ እንታይ ኣረኣእያ ነበሮም፧

ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዝርከብ ጸብጻብ: ንኖህ ወይ ንማይ ኣይሂ ዝጠቅስ ሓበሬታ ኣብ ካልእ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብብዝሒ ይርከብ እዩ። ንኣብነት:-

(1) እቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ዝነበረ እዝራ ንኖህን ሰለስተ ደቁን (ሴም: ካም: ያፌት) ኣብቲ መስመር ወለዶ እስራኤል ጠቒስዎም ኣሎ።​—⁠1 ዜና መዋእል 1:4-17

(2) እቲ ሓኪምን ጸሓፍ ወንጌልን ዝነበረ ሉቃስ ብዛዕባ መስመር ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ክሕብር ከሎ ንኖህ ጠቐሶ።​—⁠ሉቃስ 3:36

(3) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኣመንቲ ብጾቱ ኽጽሕፈሎም ከሎ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ኻብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ጠቐሰ።​—⁠2 ጴጥሮስ 2:5፣ 3:5, 6

(4) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኖህ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ብምስራሕ ዘርኣዮ ዓብዪ እምነት ገለጸ።​—⁠እብራውያን 11:7

እዞም ብመንፈስ እተመርሑ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ዝርከብ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዝገልጽ ዛንታ ኸም እተቐበልዎ ዘጠራጥር ነገር ኣሎ ድዩ፧ ብዘይ​ጥርጥር ከም ናይ ሓቂ ፍጻመ ገይሮም እዮም ወሲዶምዎ።

የሱስን ማይ ኣይሂን

የሱስ ክርስቶስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ብህይወት ይነብር ነይሩ እዩ። (ምሳሌ 8:30, 31) ማይ ኣይሂ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ነበረ። ስለዚ ናይ ዓይኒ ምስክር ከም ምዃኑ መጠን ብዛዕባቲ ብግዜ ኖህ ዝመጸ ማይ ኣይሂ ዝዓበየ ቕዱስ ጽሑፋዊ መረጋገጺ ኽህበና ይኽእል እዩ። ብዛዕባዚ የሱስ ከምዚ በለ:- “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”​—⁠ማቴዎስ 24:37-39

የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ንኸጠንቅቐና ኢሉ ጽውጽዋይ ከም ኣብነት ምተጠቕመዶ፧ ኣይፋልን! ኣምላኽ ንእኩያት እንታይ ከም ዝገብሮም ዘርኢ ናይ ሓቂ ዛንታ ኸም እተጠቕመ ርግጸኛታት ኢና። እወ: ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ህይወት ጠፊኡ እዩ: ኖህን ስድራ​ቤቱን ካብቲ ማይ ኣይሂ ምድሓኖም ምፍላጥና ግን ከጸናንዓና ይኽእል እዩ።

“ዘመን ኖህ” ነዞም ሕጂ ኣብ “ምጽኣት ወዲ ሰብ” ወይ የሱስ ክርስቶስ እንነብር ብዙሕ እዩ ዘገድሰና። ነቲ ኖህ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዝመዝገቦ ዝርዝር ዛንታ ኸነንብብ ከሎና: ናይ ሓቂ ታሪኻዊ ሰነድ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ጸብጻብ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ብምዃኑ ድማ ንዓና ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ኖህን ደቁን ኣንስቶምን ኣብቲ ኣምላኽ ንምድሓን እተጠቕመሉ መገዲ እምነት ዘሕደሩ: ንሕናውን ሎሚ ብመሰረት እቲ ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ዘሎና እምነት ኣብ ትሕቲ ዕቝባ የሆዋ ኽንኣቱ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 20:28) ብዘይ​ካዚ: ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት ክጠፍኡ ኸለዉ ኖህን ስድራ​ቤቱን ግን ዝደሓኑ: ንሕናውን ካብዚ እኩይ ኣገባብ ንኽንድሕን ተስፋ ኣሎና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባቲ ማይ ኣይሂ ዝመጸሉ ዕለት ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ): 1ይ ጥራዝ: ገጽ 458-60 ርአ።

b ኣብታ ኬል⁠-​ደሊትሽ ኮመንታሪ ኦን ዘ ኦልድ ተስታመንት እትበሃል መጽሓፍ ኣብ 1ይ ጥራዝ: ገጽ 148 “ምናልባት እታ መርከብ ምስ ዓረፈት 73 መዓልቲ ጸኒሑ: እቲ ርእሲ ኣኽራን ማለት እታ መርከብ ኣብ ዝነበረትሉ ኸባቢ ዝነበረ ጫፍ ናይቲ በረኽቲ ቦታታት ኣርመንያ ክርአ ጀሚሩ ይኸውን” በለት።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

ክሳዕ ክንድኡ ነዊሕ ዕድመ ድዩ ነይርዎም፧

ጽሓፍ ቅዱስ “ኵሉ ዕድመ ኖህ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ” ይብለና። (ዘፍጥረት 9:29) እቲ ኣባሓጎ ኖህ ዝነበረ ማቱሳላ 969 ዓመት ብህይወት ጸንሐ። እዚ ድማ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተመዝገበ ዝነውሐ ዕድመ እዩ። ገምጋም ዕድመ ናይቲ ኻብ ኖህ ክሳዕ ኣዳም ዝጸንሐ ዓሰርተ ወለዶ 850 ዓመት እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 5:5-31) ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ክሳዕ ክንድኡ ነዊሕ ዕድመ ድዩ ነይርዎም፧

ፈለማ ኣምላኽ ወድሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብር እዩ ዕላማ ነይርዎ። እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ: ኣዳም: ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዙ ንሓዋሩ ኽነብር እዩ ተፈጢሩ። (ዘፍጥረት 2:15-17) ኣዳም ግን ትእዛዝ ብምጥሓሱ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣጥፍአ። ኣብ ምድሪ 930 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ: ቀስ ኢሉ ኣሪጉ ናብታ እተፈጥረላ ምድሪ ተመልሰ። (ዘፍጥረት 3:19፣ 5:5) እዚ ቐዳማይ ሰብኣይ ንዅሎም ዘርኡ ሓጢኣትን ሞትን ኣውረሶም።​—⁠ሮሜ 5:12

እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ናብቲ ኣዳም ዝነበሮ ፍጽምና ዝቐረቡ ብምንባሮም: ካብቶም ድሕሪኦም እተወልዱ ሰባት ዝነውሐ ዕድመ ነበሮም። ስለዚ: ቅድሚ ማይ ኣይሂ ናይ ዝነበሩ ሰባት ዕድመ ናብ ሽሕ ዓመት ዝቐርብ ነበረ: ድሕሪ ማይ ኣይሂ ግን እዚ ኣመና ነከየ። ንኣብነት: ኣብርሃም 175 ዓመት ጥራይ ነበረ። (ዘፍጥረት 25:7) እቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም ድሕሪ ሙማቱ ድሕሪ 400 ዓመት: ነብዪ ሙሴ “መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት: እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ: . . . ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 90:10) ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዅነታት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 6, 7 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]

ካብቲ ቂሮስ ንኣይሁድ ካብ ምርኮ ኽምለሱ ዘፍቀደሉ ግዜ ኣትሒዙ ንድሕሪት ናብቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ኽንጽብጽብ ከለና

537 ቂሮስ ዘውጽኦ ኣዋጅ c

539 ቂሮስ ንባቢሎን ዝገምጠለላ ግዜ

68 ዓመት

607 ን70 ዓመት ዝጸንሐ ምብዳም ይሁዳ ጀመረ

መራሕቲ: መሳፍንቲ: ከምኡውን ነገስታት እስራኤል ዝገዝኡሉ 906 ዓመት

1513 እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ዝወጽኡሉ እዋን

430 ዓመት ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ግብጽን ከነኣንን ዝጸንሑሉ 430 ዓመት (ዘጸኣት 12:40, 41)

1943 ምስ ኣብርሃም እተገብረ ኺዳን

205 ዓመት

2148 ታራ እተወልደሉ ግዜ

222 ዓመት

2370 ማይ ኣይሂ ዝጀመረሉ እዋን

[እግረ-ጽሑፍ]

c ኣይሁድ ካብ ምርኮ ሓራ ኽወጹ ዝገልጽ ኣዋጅ “ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ” እዩ ወጺኡ: እዚ ድማ ብ538 ቅ.ኣ.ዘ. ወይ ኣብ መጀመርታ 537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ክኸውን ኣለዎ