ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቴሽን—ንእምነቱ ዝጣበቕ ድዩ ነይሩ ወይስ መናፍቕ፧

ቴሽን—ንእምነቱ ዝጣበቕ ድዩ ነይሩ ወይስ መናፍቕ፧

ቴሽን​—⁠ንእምነቱ ዝጣበቕ ድዩ ነይሩ ወይስ መናፍቕ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ: ንሽማግለታት ጉባኤ ኤፌሶን ኣኪቡ ኸምዚ በሎም:- “ኣነ ምስ ኣግለስኩ: ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚአትዉኹም: እፈልጥ አሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30

ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ: ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ብዙሕ ለውጥታት ዘጋጠመሉን ብዛዕባ ክሕደት ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት እተፈጸመሉን እዋን ኰነ። ግኖስቲስዝም ዝበሃል ሃይማኖታውን ፍልስፍናውን ምንቅስቓስ ኣስፋሕፊሑ ብምንባሩ ንእምነት ገሊኣቶም ኣመንቲ ይብክል ነበረ። ሰዓብቲ እዚ እምነት እዚ መንፈሳዊ ነገራት ሰናይ ክኸውን ከሎ ኵሉ ስጋዊ ነገራት ግን እከይ ምዃኑ ይኣምኑ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ሓዳር ምግባር ወይ ምውላድ ሰይጣን ዘመነጮ ጌርካ ስለ ዝቝጸር ኣይቅበልዎን ነበሩ። ገሊኣቶም ከኣ እቲ ምስ መንፈስ እተተሓሓዘ ነገር ጥራይ ሰናይ ስለ ዝዀነ: ሓደ ሰብ ንኣካሉ ዝገበረ እንተ ገበሮ ኣየገድስን እዩ ዝብል እምነት ሓዙ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያታት ፈጺሞም ርእሶም ንኽድርብዩ ወይ ስጋዊ ህርፋን ንኽህልዎም ስለ ዝድርኾም ሕሉፍ ዓይነት ኣነባብራ ኣስዓበ። ሓደ ግኖስቲክ ድሕነት ክርከብ ዝከኣል ገዛእ ርእስኻ ብምፍላጥ ጥራይ እዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ቦታ ኣይህቦን ነበረ።

እቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ነቲ ግኖስቲስዝም ዘምጽኦ ሓደጋ ብኸመይ ምላሽ ሃቡሉ፧ ገሊኣቶም ምሁራት ሰባት ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ክጻረርዎ ኸለዉ: ገሊኣቶም ግን ብእኡ ተጸልዉ። ንኣብነት: ኢሪኒየስ ዕድሚኡ ምሉእ ነቲ ናይ መናፍቓን ትምህርትታት ይጻረሮ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ትሕቲ ፖሊካርፕ ዝበሃል ብግዜ ሃዋርያት ዝነበረ ሰብ እዩ ተማሂሩ። ፖሊካርፕ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያትን ጠቢቕካ ኽሰዓብ ከም ዘለዎ እዩ ዝምሕጸን ነይሩ። ፍሎሪኑስ ዝበሃል ፈታው ኢሪኒየስ እውን ኣብ ትሕቲ ፖሊካርፕ እኳ እንተ ተማሃረ: ቀስ ብቐስ ናብ ትምህርቲ እቲ ቫለንቲነስ ዝበሃል ውሩይ መራሒ ግኖስቲክ ዘምበለ። እቲ ግዜ እቲ ብሓቂ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ እዩ ነይሩ።

ቴሽን ዝበሃል ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ውሩይ ጸሓፊ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ሃዋሁ የነጽረልና እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ግን እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ ክርስትያን እየ ኽብል ዝኸኣለኸ ብኸመይ እዩ፧ እቶም መናፍቓን ግኖስቲክ ጽልዋዶ ኣሕዲሮምሉ እዮም፧ እዞም ሕጂ ዘለዉ ሓቂ ዝደልዩ ሰባት ካብቲ ዘደንጹ መልስታቱን ኣብነቱን ጠቓሚ ትምህርቲ ኽረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

“እተወሰነ ጽሑፋት ጓኖት” ምርካብ

ቴሽን መበቈሉ ኻብ ሶርያ እዩ። ብዙሕ ዝጐዓዝን ዘንብብን ብምንባሩ ብዛዕባ እቲ ብግዜኡ ዝነበረ ባህሊ ግሪኽን ሮማን ሰፊሕ ፍልጠት ክህልዎ ኸኣለ። ናብ ሮማ ዝርርብ ክህብ እዩ ኸይዱ። ኣብታ ኸተማ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ግን ኣቓልቦኡ ብክርስትና ተሳሕበ። ምስ ጀስቲን ማርቲር ክቀራረብ ጀመረ: ምናልባት እውን ተማሃራዩ ዀይኑ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምስቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ብዛዕባ ዝገበሮ ዝርርብ ክገልጽ ከሎ “ንሓቂ ብኸመይ ክረኽባ ኸም ዝኽእል ሓሰብኩ” በለ። ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ኣንበበ ብዛዕባ እተሰምዖ ስምዒት ክገልጽ ከሎ ኸኣ ኸምዚ በለ:- “ኣዝዩ ጥንታዊ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ምስ ኣረኣእያ ግሪኻውያን ዘይወዳደር: ኣዝዩ ብሉጽ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ድማ ከምቲ ናታቶም ጌጋታት ዘይብሉ እተወሰነ ጽሑፋት ጓኖት ረኸብኩ፣ በቲ ተራ ቛንቋኡ: ቅንዕና ጸሓፍቱ: ብዛዕባ መጻኢ ዘጋጥም ፍጻመታት እተገልጸ ነገራት: ብሉጽ ስርዓታቱ: ከምኡውን በቲ ናይ ኣድማስ መንግስቲ ኣብ ሓደ ኣካል ዘተኰረት ምዃና ዝሕብር መግለጺ ኣብቲ ጽሑፋት እምነት ንኸሕድር ተደረኽኩ።”

ቴሽን: እቶም መዛንኡ ነቲ ብግዜኡ ዝነበረ ክርስትና ንኽምርምሩ ከምኡውን ምስቲ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ናይ ዘይኣምኑ ሰባት እተሓላለኸ እምነት ክነጻጸር ኸሎ ክሳዕ ክንደይ ቀሊልን ንጹርን ምዃኑ ንኽዕዘቡ ኻብ ምዕዳም ዓዲ ኣይወዓለን። ካብ ጽሑፋቱ እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧

ጽሑፋቱ እንታይ እዩ ዝሕብር፧

ካብ ጽሑፋቱ ኸም እንርእዮ: ቴሽን ንእምነቱ ዝጣበቕ ሰብ ምንባሩ እዩ ዝሕብረና። ንናይ ኣረማውያን ፍልስፍና ኣትሪሩ ይጻረሮ ነበረ። ኣብታ ኣድረስ ቱ ዘ ግሪክስ ዘርእስታ ጽሕፍቱ: ኣረማውነት ዋጋ ኸም ዘይብሉ: እቲ ንሱ ዝፈልጦ ክርስትና ግን ክሳዕ ክንደይ ርትዓዊ ምዃኑ ኣጕልሐ። ነቲ ግሪኻውያን ዝስዕብዎ መገድታት ዘለዎ ጽልኢ ንምግላጽ እተጠቕመሉ ኣጸሓሕፋ ዘናሕሲ ኣይነበረን። ንኣብነት: ብዛዕባቲ ሄራክለይቱስ ዝበሃል ፈላስፋ ኽጽሕፍ ከሎ: “ንዕሽነት እዚ ሰብኣይ ዘቃልዖ ኣማውታኡ እዩ፣ ከመይሲ ብዛዕባ መድሃኒትን ፍልስፍናን መጽናዕቲ ኽገብር ከሎ: ብድሮፕሲ [ኣብ ገለ ክፍልታት ኣካላት ምልኣት ማይ ዘስዕብ ሕማም] ስለ እተጠቕዐ: ብዒባ ላም ገይሩ ሰብነቱ ለቕለቐ: እቲ ዒባ ምስ ነቐጸ ኸኣ ንብምሉኡ ኣካላቱ ስለ ዝዀምተሮ ቈራረጾ: በዚ ድማ ሞተ” በለ።

ቴሽን ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ሓደ ኣምላኽ እዩ ዝብል ሓያል እምነት ነበሮ። (እብራውያን 3:4) ኣብታ ኣድረስ ቱ ዘ ግሪክስ ዘርእስታ ጽሕፍቱ ኣምላኽ “መንፈስ” ከም ዝዀነ ገለጸ: ብዘይ​ካዚውን “ንሱ ጥራይ እዩ መጀመርታ ዘይብሉ: ንኻልእ ኵሉ ነገራት መጀመርታ ዝገበረሉ ድማ ንሱ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 4:24፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:17) ምስልታት ንኣምልኾ ምጥቃም ዘይቅቡል ምዃኑ ኽገልጽ ከሎ ኸኣ “ንዕንጸይትን እምንን ከመይ ገይረ እየ ኣማልኽተይ ክብሎም ዝኽእል፧” በለ። (1 ቈረንቶስ 10:14) ብተወሳኺውን: ቃል ናብ ህላወ ዝመጸ በዅሪ ፍጥረት ናይ ሰማያዊ ኣቦና ምዃኑ: ድሕሪኡ ነዚ ግኡዝ ኣድማስ ኣብ ምፍጣር ከም ዘገልገለ ይኣምን ነበረ። (ዮሃንስ 1:1-3፣ ቈሎሴ 1:13-17) ብዛዕባ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ዝህሉ ትንሳኤ ድማ “ድሕሪ መወዳእታ ናይ ኵሉ ነገራት ትንሳኤ ናይ ስጋ ኸም ዝህሉ ንኣምን ኢና” በለ። ስለምንታይ ከም እንመውት ክገልጽ ከሎ ኸኣ “ክንመውት ኣይኰንናን ተፈጢርና: ብሰንኪ ጕድለትና ግን ንመውት። ዝደለናዮ ናይ ምምራጽ ክእለትና እዩ ጐዲኡና፣ ሓራ ዝነበርና ሰባት ባሮት ኴንና፣ ብሰንኪ ሓጢኣት ከኣ ተሼጥና እነና” ኢሉ ጸሓፈ።

ብዛዕባ ነፍሲ ዝሃቦ መግለጺ ግን ዘደናግር እዩ። “ኣቱም ግሪኻውያን: ነፍሲ ብገዛእ ርእሳ ዘይትመውት ዘይኰነትስ መዋቲት እያ። ይኹን እምበር: ከይትመውት እውን ትኽእል እያ። ንሓቂ እንተ ዘይፈሊጣ ትመውት: ምስቲ ስጋ ድማ ትጠፍእ: ኣብ መወዳእታ ዓለም ግን ምስ ስጋ ትትንስእ እሞ ንዘለኣለም ሞይታ ኽትተርፍ ትቕጻዕ” በለ። ስለዚ ቴሽን ብዛዕባዚ ዝጸሓፎ ነገር ንጹር ኣይኰነን። ንእተወሰነ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እናሰዓበ ኽነሱ እቶም መዛንኡ ንኽሕጐሱሉ ኢሉ ንገለ ኻብቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ብናይ ኣረማውያን ፍልስፍናታት በሪዝዎ ደዀን ይኸውን፧

ሓንቲ ኻብተን ቴሽን ዝጸሓፈን ውሩያት ጽሑፋት ዲያተሳረን: ኦር ሃርመኒ ኦቭ ዘ ፎር ጎስፕልስ ዝብል ኣርእስቲ ኣለዋ። ነተን ኣብ ሶርያ ዝነበራ ጉባኤታት ንፈለማ ግዜ ብቛንቋ እቲ ዓዲ ወንጌላት ዘዳለወለን ቴሽን እዩ ነይሩ። እዚ ነቲ ኣርባዕተ ወንጌላት ኣብ ሓደ ዛንታ ብምጥቕላል ዘቕረቦ ጽሑፉ ኣኽቢርካ እዩ ዝርአ ነይሩ። ቤተ⁠-​ክርስትያን ሶርያ ኸኣ ትጥቀመሉ ነበረት።

ክርስትያን ድዩ ነይሩ ወይስ መናፍቕ፧

ንጽሑፋት ቴሽን ተጠንቂቕና ምስ እንምርምሮ: ቅዱሳት ጽሑፋት ዝፈልጥን ነቲ ትምህርትታት ዓብዪ ኣኽብሮት ዝነበሮን ምንባሩ ንጹር እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሕደረሉ ጽልዋ ኽገልጽ ከሎ: “ሃብታም ክኸውን ኣይህንጠን፣ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ኣይቅበልን፣ ንምንዝርና እጽየፎ፣ ነቲ ዘይረዊ ፍቕሪ ሃብቲ ኽብል ባሕረኛ ንክኸውን ኣይድረኽን፣ . . . ካብቲ ዝና ናይ ምርካብ ክቱር ህርፋን ሓራ እየ . . . ሕጉሳት ኰኑ ነዳያት ብዘየገድስ ሓንቲ ጸሓይ እያ ንዅሎም እተብርሃሎም: ሓደ ሞት ከኣ ንዅሎም የርክቦም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጽላለ ብምውጋድ ንዓለም ብዝምልከት ምዉት ኩን። ንእንታይነት ኣምላኽ ብምርዳእን ናይ ቀደም ባህርያትካ ብምውጋድን ከኣ ንኣምላኽ ብዝምልከት ህያው ኩን” ኢሉ መዓደ።​—⁠ማቴዎስ 5:45፣ 1 ቈረንቶስ 6:18፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:10

ይኹን እምበር: ቴሽን ኣብቲ ኦን ፐርፈክሽን ኣኮርዲን ቱ ዘ ዶክትሪን ኦቭ ዘ ሴቭየር ዘርእስታ ጽሕፍቱ: ንመውስቦ: ድያብሎስ ኸም ዝመስረቶ ገይሩ ጽሒፉ ኣሎ። ውልቀ⁠-​ሰባት ብምምርዓው ስጋኦም ነቲ ዝጠፍእ ዓለም የግዝእዎ ኸም ዘለዉ ብምግላጽ: ንመርዓ ኣበርቲዑ እዩ ዀኒንዎ።

ድሕሪ ሞት ጀስቲን ማርቲር ብ166 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ቴሽን ኢንክራቲተስ ዝበሃሉ ጕጅለ መነንቲ መስሪቱ ወይ ምሳታቶም ሓቢሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣባላት እዚ ጕጅለ ንገዛእ ርእስኻ ኣጸቢቕካ ምግታእን ንስጋኻ ምቍጽጻርን ዓብዪ ቦታ እዮም ዝህብዎ። ካብ ወይኒ: መርዓ: ወይ ጥሪት ንርእሶም ብምሕራም ከኣ ይምንኑ።

ካብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ

ቴሽን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ዝረሓቐ ስለምንታይ እዩ፧ ‘ዝርስዕ ሰማዒ’ ስለ ዝዀነ ድዩ፧ (ያእቆብ 1:23-25) ንጽውጽዋያት ስቕ ኢሉ ብምስምዑ ብፍልስፍና ሰባት ተማሪኹዶ ዀን ይኸውን፧ (ቈሎሴ 2:8፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:7) እቲ ዝፈጸሞ ጌጋታት ኣዝዩ ዓብዪ ብምንባሩ: ንእተወሰነ እዋን ኣእምሮኡ ስሒቱ ነይሩዶ ዀን ይኸውን፧

ምኽንያት ናይዚ ብዘየገድስ: እቲ ቴሽን ዝጸሓፎ ጽሑፋት ብዛዕባቲ ብግዜኡ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ሃዋሁ የነጽረልና። ዓለማዊ ፍልስፍና ዝገብሮ ጽልዋ ኽሳዕ ክንደይ ጐዳኢ ክኸውን ከም ዝኽእል የርእየና። እምበኣር: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ “ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን” ክንርሕቕ ዝሃበና መጠንቀቕታ ኣብ ልብና ነሕድሮ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:20