ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱ ክቕመጥ እዩ

ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱ ክቕመጥ እዩ

ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱ ክቕመጥ እዩ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ እዋን ሃሩር እተጽልለሉ ቦታ ምርካብ ብርቂ እዩ። ዝዀነ ይኹን ካብ ጸሓይ ዘጽልለካ ኦም እንተ ረኺብካ: ብፍላይ ከኣ ኣብ ጥቓ ገዛኻ ዝበቘለ ኦም እንተ ዀይኑ ባህ እዩ ዝብለካ። ኦም በለስ a ሰፋሕቲ ኣቝ​ጽልትን ዝሰፍሐ ቦታ ዝሽፍን ጨናፍርን ስለ ዘለዎ: ካብቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ዝርከብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኦም ብዝ​ሓይሽ ከጽልል ይኽእል።

ሓንቲ ፕላንትስ ኦቭ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ: “ጽላል [ናይ ኦም በለስ] ካብ ድንኳን ዝበለጸን ዝዘሓለን እዩ ዝበሃል” በለት። ኦም በለስ ብግዜ ጥንታዊት እስራኤል ኣብ ደረት ግራት ወይኒ ይበቍል ብምንባሩ: ነቶም ዓየይቲ ንኸ​ዕርፉ ዝምችእ እዩ ነይሩ።

መዓልቲ ድሂሩ ድሕሪ ምውዓል ኣብ ኣጋ ምሸት: ኣባላት ስድራ​ቤት ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ኮፍ ኢሎም ባህ ዘብል ዕላል ምዕላል ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: እዚ ኦም እዚ መኣዛ ዘለዎ ብዙሕ ፍረ የፍሪ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ካብ ግዜ ሰሎሞን ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ምቕማጥ ንሰላምን ብልጽግናን ጽጋብን የመልክት ነበረ።​—⁠1 ነገስት 4:​24, 25

ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ ነብዪ ሙሴ እውን ነታ ምድሪ ተስፋ ‘ምድሪ በለስ’ ኢሉ ገሊጽዋ ነይሩ። (ዘዳግም 8:8) እቶም ዓሰርተ ኽልተ ሰለይቲ በለስን ካልእ ፍረታትን ናብ ሰፈር እስራኤላውያን ሒዞም ብምምጻእ እታ ምድሪ ፍርያም ምዃና መርትዖ ኣቕረቡ። (ዘሁልቍ 13:​21-​23) ኣብ መበል 19 ዘመን: ናብዚ ቦታታት እዚ ኸይዱ ዝነበረ ገያሺ: ኦም በለስ ሓደ ኻብቲ ብብዝሒ ዝርከብ ኣእዋም ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር ቅዱሳት ጽሑፋት ንበለስን ኦም በለስን ብተደጋጋሚ እንተ ጠቐሶ ኣየገርምን እዩ!

ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ምህርቲ ዝህብ ኦም

ኦም በለስ ኣብ መብዛሕትኡ ዓይነት ሓመድ ክበቍል ዝኽእል ኰይኑ እቲ ሰፊሕ ሰራውሩ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሓጋይ ማእከላይ ምብራቕ ንኽጻወር የኽእሎ። እዚ ኦም እዚ ኣብ ወርሒ ሰነ ቐዳማይ ፍረኡ ስለ ዝህብን ቀንዲ ምህርቱ ኻብ ነሓሰ ኣትሒዙ ስለ ዝፈርን ፍልይ ዝበለ ባህሪ ኣለዎ። (ኢሳይያስ 28:4 ትርጕም 1990 ) እስራኤላውያን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ቐዳማይ ፍረኡ ኸም ዘለዎ ኽበልዕዎ ኸለዉ: ነቲ ድሒሮም ዝረኽብዎ ምህርቲ ግን ኣንቂጾም ንዓመት ምሉእ ይጥቀሙሉ። ዝነቐጸ በለስ ብምጭፍላቕ ሓድሓደ ግዜውን ለውዚ ብምውሳኽ ጐጎ ይሰርሕዎ ነበሩ። እዚ ጐጎ በለስ እዚ ንምትሓዙ ምቹእን ዓንጋልን ምቁርን እዩ ነይሩ።

እታ መስተውዓሊት ዝነበረት ኣቢጋይል ንዳዊት 200 ጐጎ በለስ ክትህቦ ኸላ: ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናሃደመ ንዝነብር ሰብ ዝምችእ ከም ዝዀነ ገይራ ምሕሳባ ኣየጠራጥርን እዩ። (1 ሳሙኤል 25:18, 27) ጐጎ በለስ ንመድሃኒት እውን የገልግል ነበረ። ንጉስ ህዝቅያስ ነቲ ክቐትሎ ዝኽእል ዝነበረ ቝስሊ ንምሕዋይ ጐጎ በለስ እኳ እንተ ገበረሉ: እቲ ቐንዲ ዝሓወየሉ ምኽንያት ግን ብሓይሊ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። b​—⁠2 ነገስት 20:4-7

ብግዜ ጥንቲ ዝነቐጸ በለስ ኣብ ኵሉ ኸባቢ መዲተራነያን ኣኽቢርካ እዩ ዝርአ ነይሩ። ካቶ ዝበሃል በዓል ስልጣን ንላዕለዋይ ባይቶ ሮማ ንበለስ ኣብቲ ባይቶ ሒዙ ብምምጻእ ምስ ካርቴጅ ንሳልሳይ ግዜ ንኽዋግኡ ንምእማን ተጠቕመሉ። ካብቲ ናብ ሮማ ዝመጽእ ዝነበረ ዝነቐጸ በለስ: እቲ ኻብ ንእሽቶ እስያ ዝመጽእ ዝነበረ እቲ ዝበለጸ ዓይነት እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ብቛንቋ ላቲን ካሪካ ስም ናይ ዝነቐጸ በለስ ኰነ። እዚ ቦታ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ቱርኪ እዩ ዝርከብ: ክሳዕ ሕጂውን ብሉጽ ዝነቅጽ በለስ ይፈርየሉ ኣሎ።

እስራኤላውያን ሓረስቶት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግራት ወይኖም ኦም በለስ ዝተኽሉ እኳ እንተ ነበሩ: ነቲ ዘይፈሪ ኦም ግን ይቘርጽዎ ነበሩ። ጽቡቕ ሓመድ ብብዝሒ ስለ ዘይርከብ: ዘይፈሪ ኦም ነቲ ሓመድ ከባኽኖ ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ። ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ ዘይትፈሪ ኦም በለስ ዝሃቦ ምስላ: እቲ ሓረስታይ ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ “እንሆ: ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ: ኣይረኸብኩላን: ቍረጻ: ስለምንታይከ ንምድሪ ተባላሹ አላ፧” በሎ። (ሉቃስ 13:6, 7) ብግዜ የሱስ ፍረ ዝፈሪ ዓይነት ኦም ቀረጽ ይኽፈሎ ስለ ዝነበረ: ክትፈሪ ዝግብኣ ኽነሳ ዘይተፍሪ ኦም ክሳራ እያ እትኸውን።

በለስ ኣብ መግቢ እስራኤላውያን ዓብዪ ኣገዳስነት ነይርዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ሒደት ምህርቲ በለስ ጥራይ ምስ ዝርከብ​—⁠እዚውን ምናልባት ብሰንኪ ፍርዲ የሆዋ እዩ ዝኸውን​—⁠ዓብዪ ጕድኣት እዩ ዘስዕብ። (ሆሴእ 2:12፣ ኣሞጽ 4:9) ነብዪ ኣንባቆም ነዚ ብዝምልከት ከምዚ በለ:- “ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን: ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህሉን: ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም: ግርሁ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ: . . . ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል: ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ።”​—⁠ኣንባቆም 3:17, 18

ተምሳል ናይቲ እምነት ዘይብሉ ህዝቢ

ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንበለስ ወይ ንኦም በለስ ብምሳልያዊ መገዲ ይጥቀመሉ እዩ። ንኣብነት: ኤርምያስ ነቶም እሙናት ምሩኻት ይሁዳ ምስ መሶብ ምሉእ ጽቡቕ በለስ ማለት ምስቲ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ፍረኡ ኸም ዘለዎ ዝብላዕ ኣብ ቀዳማይ ፍረ ዝርከብ በለስ ኣመሳሰሎም። ነቶም ዘይእሙናት ምሩኻት ግን ክብላዕ ምስ ዘይክእል የግዳስ ክጐሓፍ ምስ ዘለዎ ሕማቕ በለስ ኣመሳሰሎም።​—⁠ኤርምያስ 24:2, 5, 8, 10

የሱስ ብዛዕባ እታ ፍረ ዘይተፍሪ ኦም በለስ ኣብ ዝሃቦ ምስላ: ኣምላኽ ንኣይሁድ ክሳዕ ክንደይ ከም እተዓገሶም ኣርኣየ። ከምቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ: ብዛዕባ ሓደ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ዝነበረቶ ሰብኣይ ተዛረበ። እታ ኦም ንሰለስተ ዓመት ፍረ ኣየፍረየትን: እቲ ዋና ኸኣ ክቘርጻ መዲቡ ነበረ። እቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ግን “ጐይታይ: ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ: ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ: እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ። ንዓመታ እንተ ፈረየት: ጽቡቕ: እንተ ዘይኰነስ: ሽዑ ትቘርጻ” ኢሉ መለሰሉ።​—⁠ሉቃስ 13:8, 9

የሱስ ነዛ ምስላ እዚኣ ኽምስል ከሎ: ካብ ኣይሁድ ዝኣምኑ ሰባት ንምርካብ እናጸዓረ ድሮ ንሰለስተ ዓመት ሰቢኹ ነይሩ። ነታ ምሳልያዊት ኦም በለስ​—⁠ማለት ህዝቢ ኣይሁድ​—⁠ፍረ ኸተፍሪ ኣጋጣሚ ንምሃብ ከኣ ‘ብምድኳዕ’ ዝያዳ ጻዕሪ ገበረ። ቀቅድሚ እታ ዝሞተላ ሰሙን ግን እቶም ህዝቢ ብሓፈሻ ነቲ መሲህ ከም ዝነጸግዎ ንጹር ኰነ።​—⁠ማቴዎስ 23:37, 38

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን የሱስ ነቲ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት እቲ ህዝቢ ንምምልካት ንኦም በለስ ተጠቒሙ ነይሩ። ካብታ ዝሞተላ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣቐዲሙ: ካብ ቢታንያ ናብ የሩሳሌም እናተጓዕዘ ኸሎ: ቈጻል ኦም በለስ ረኣየ: እንተዀነ ግን ፍረ ኣይነበራን። እቲ ቐዳማይ ፍረ በለስ ምስቲ ኣቝጽልቲ ብሓንሳእ ስለ ዝወጽእ​—⁠አረ ሓድሓደ ግዜ እውን ቅድሚ እቲ ኣቝጽልቲ ስለ ዝወጽእ​—⁠እታ ኦም ኣብቲ ግዜቲ ፍረ ዘይምውጻኣ ብላሽ ምዃና እዩ ዘርኢ።​—⁠ማርቆስ 11:13, 14 c

ከምታ ጥዕይቲ እትመስል ዝነበረት ግን ከኣ ዘይተፍሪ ኦም በለስ: ኣይሁድ ብሓፈሻ ብደጊኦም ጥዑያት እዮም ዝመስሉ ነይሮም። እንተዀነ ግን: ንኣምላኽ ዘሐጕስ ፍረ ኣየፍረዩን: ኣማስያኡ ድማ ንወዲ የሆዋ ኣይተቐበልዎን። የሱስ ነታ ዘይተፍሪ ኦም በለስ ረገማ: ንጽብሒቱ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝነቐጸት ኣስተውዓሉ። እታ ዝነቐጸት ኦም: ኣምላኽ ነቶም እተመርጹ ህዝቢ ኣይሁድ ከም ዝነጽጎም እያ እተመልክት።​—⁠ማርቆስ 11:20, 21

“ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ”

የሱስ ንኦም በለስ ብዛዕባ ኣብ ስልጣን ምህላዉ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንምምሃር እውን ተጠቒሙላ እዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ: ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ: ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም: ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ።” (ማቴዎስ 24:32, 33) እቲ ብሩህ ቀጠልያ ዝሕብሩ ኣቝጽልቲ ኦም በለስ ብንጹር ዝርአን ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ዘየደናግር ምልክት ዝህብን እዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24: ማርቆስ ምዕራፍ 13: ከምኡውን ሉቃስ ምዕራፍ 21 ዝርከብ የሱስ እተዛረቦ ዓበይቲ ትንቢታት: ኣብ ሰማያዊ መንግስቱ ስልጣን ሒዙ ኸም ዘሎ ንጹር መርትዖ እዩ ዝዀነና።​—⁠ሉቃስ 21:29-31

ኣብዚ ኣብ ታሪኽ ወሳኒ እዋን ንነብር ስለ ዘለና: ካብ ኦም በለስ ክንመሃር ከም እንደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። ከምኡ እንተደኣ ጌርናን ብመንፈስ እንተደኣ ነቒሕናን: ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል እጹብ መብጽዓ ናይ ምርካብ ተስፋ ኽህልወና እዩ:- “ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”​—⁠ሚክያስ 4:4

[ምንጪ ስእሊ]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኦም በለስ ክንብል ከለና: ነቲ እሾዅ ዘለዎ ምስ ቈልቋል ዝዛመድ ዓይነት ተኽሊ ዘይኰነስ: ነቲ ፍረኡን ቈጽሉን ንሳግላ ዝመስል ንእስ ዝበለ ኦም ኢና እነመልክት ዘለና።

b ኣብ መፋርቕ መበል 19 ዘመን ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት ገይሹ ዝነበረ ብዛዕባ እንስሳታትን ኣትክልትን መጽናዕቲ ዝገብር ኤች. ቢ. ትሪስትራም: እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ሽዑውን እንተዀነ ቝስሊ ንምሕካም በለስ ከም ዝጥቀሙ ተዓዘበ።

c እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ጥቓ እታ ቤት⁠-​ፋጌ እትበሃል ቍሸት እዩ ተፈጺሙ። ስም እዛ ቝሸት “ቤት ቀዳማይ ፍረ በለስ” ዝብል ትርጕም ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ኸባቢ ጽቡቕ ምህርቲ ቐዳማይ ፍረ በለስ ይፈሪ ምንባሩ ዝሕብር ክኸውን ይኽእል።