ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ዘለኣለም ህይወት ሕረ

ናይ ዘለኣለም ህይወት ሕረ

ናይ ዘለኣለም ህይወት ሕረ

ብዙሓት ሰባት ከምዚ ሕጂ ዘሎ ብዙሕ ምርጫታት ኣጋጢምዎም ኣይፈልጥን። ንኣብነት: እንኽደኖ ኽዳን: እንበልዖ መግቢ: እንሰርሓሉ ቦታ: ከምኡውን መንበሪና ኽንመርጽ ኣሎና። ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ዓለም: እትምርዓዋ ሰበይቲ ወይ እትምርዓዎ ሰብኣይ ምምራጽ ልሙድ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንዅሎም ደቅሰብ ክፉት ዝዀነ: ካብ ኵሉ ነገራት ዝበልጽ ምርጫ ይጠቕሰልና።

መጽሓፍ ቅዱስ “ጽድቂ ናብ ህይወት ይመርሕ: ንኽፉእ ዚስዕብ ግና ሞት የዳሉ” ይብል። (ምሳሌ 11:19) የሱስ ክርስቶስ እውን “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።​—⁠ዮሃንስ 17:3

እወ: ፈጣሪና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክመርሕ ዝኽእል መገዲ ንኽንመርጽ ዕድል ሂቡና ኣሎ! ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ግን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ መገዲ ጽድቂ ህይወት አላ” እዩ ዝብለና። (ምሳሌ 12:28) ካብቶም ኣብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘለዉ ጻድቃን ክንከውን ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ምስ ፍቓድን ትእዛዛትን ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብምምልላስ ኢና ነዚ ኽንገብሮ እንኽእል። (ማቴዎስ 7:13, 14) እምበኣር: ቅኑዕ ውሳነ ንግበር እሞ እቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኢና።​—⁠ሮሜ 6:23