ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ መንፈስ ዝብሎ ዘሎ ስማዕ!

እቲ መንፈስ ዝብሎ ዘሎ ስማዕ!

እቲ መንፈስ ዝብሎ ዘሎ ስማዕ!

“እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።”​—⁠ራእይ 3:22

1, 2. ኣብቲ የሱስ ነተን ኣብ ራእይ እተጠቕሳ ሸውዓተ ጉባኤታት ዝለኣኾ መልእኽቲ እንታይ ማዕዳ እዩ ተደጋጊሙ ዝርከብ፧

 ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ተመሪሑ ነተን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተጠቒሰን ዘለዋ ሸውዓተ ጉባኤታት ዝለኣኾ መልእኽቲ ከቕልቡሉ ኣለዎም። እቲ ናብ ነፍሲ ወከፍ እዘን ጉባኤታት እተላእከ መልእኽቲ “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ” ዝብል ማዕዳ ዝሓዘ እዩ።​—⁠ራእይ 2:7, 11, 17, 29፣ 3:6, 13, 22

2 የሱስ ንመላእኽቲ ወይ ንሽማግለታት ኤፌሶን: ስሚርና: ከምኡውን ጴርጋሞስ ዝለኣኾ መልእኽቲ ርኢና ኢና። ነተን ኣርባዕተ ኻልኦት ጉባኤታት ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ኻብ ዝለኣኾ መልእኽቲኸ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

ናብ መልኣኽ ትያቲራ

3. ትያቲራ ኣበይ እያ ተደኲና ነይራ: ብፍላይ ፍልጥቲ ዝነበረትከ ብምንታይ ፍርያት እያ፧

3 “ወዲ ኣምላኽ” ንጉባኤ ትያቲራ ናእዳን መግናሕትን እዩ ሂብዋ። (ራእይ 2:18-29 ኣንብብ።) ትያቲራ (ሕጂ ኣኪሳር) ኣብ ደረት እቲ ኣብ ምዕራባዊ ንእሽቶ እስያ ዝርከብ ናብ ርባ ገዲዝ (ጥንቲ ሄርመስ) ዝጽምበር ገባሪ ፈለግ እያ ተደኲና ነይራ። እዛ ኸተማ እዚኣ ብእተፈላለየ ኢደ⁠-​ጥበብ ውርይቲ ነበረት። ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ሕብሪ ዝሰርሑ ኽኢላታት ካብ ሱር ማደር ዝበሃል ተኽሊ ድሙቕ ቀይሕ ሕብሪ ወይ ጁኽ የፍርዩ ነበሩ። ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ከተማ ፊልጲ ኽበጽሕ ከሎ ክርስትያን ኰይና እተጠምቀት ልድያ: “ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራ: ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ” ነበረት።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 16:12-15

4. ትያቲራ ብምንታይ እያ ተናኢዳ፧

4 የሱስ ንጉባኤ ትያቲራ ስለቲ ጽቡቕ ግብራን ፍቕራን እምነታን ትዕግስታን ኣገልግሎታን ነኣዳ። አረ እቲ ‘ግብራ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይበዝሕ’ ነበረ። ስለዚ ብዝገበርናዮ ነገራት ዋላ እውን ጽቡቕ ስም እንተ ሃለወና: ወትሩ ብስነ⁠-​ምግባር ከመይ ምዃንና ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ኣሎና።

5-7. (ሀ) እታ “ኢዛቤል” እተባህለት ሰበይቲ መን እያ: እቲ ዝነበራ ጽልዋኸ እንታይ እዩ ኽግበር ዝነበሮ፧ (ለ) ኣብቲ ክርስቶስ ንጉባኤ ትያቲራ ዝለኣኾ መልእኽቲ ፍርሃት ኣምላኽ ንዘለወን ኣንስቲ እንታይ ንኽገብራ እዩ ዝሕግዘን፧

5 ጉባኤ ትያቲራ ንኣምልኾ ጣኦት: ናይ ሓሶት ትምህርቲ: ከምኡውን ጾታዊ ርኽሰት ዕሽሽ ትብሎ ነበረት። ኣብ ማእከሎም “ኢዛቤል” ነበረት: ከምዚ ኽበሃል ከሎ ምናልባት ከምቲ ናይታ ንዓሰርተ ነገድ እስራኤል እትገዝእ ዝነበረት እክይቲ ንግስቲ ኢዛቤል ዝኣመሰለ ባህሪ ዘለወን ጕጅለ ኣንስቲ ነይረን ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ምሁራት እታ ‘ነብዪት’ ትያቲራ ንክርስትያናት ነቶም ናይ ጕጅለ ነጋዶ ኣማልኽቲ ኸምልኹን ኣብ እዋን በዓላት ንጣኦታት መግቢ ኽስውኡን ከተስድዖም ከም ዝፈተነት ሓሳብ ይህቡ። ንርእሳ ነብዪት እትገብር ዝዀነት ትኹን ሰበይቲ: ኣብዛ ሕጂ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኻልኦት ክትቈጻጸር የብላን!

6 ክርስቶስ ‘ንኢዛቤል ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ: ነቶም ምስኣ ዝዝምዉ ኸኣ: ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑ: ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም’ ተዳልዩ ነበረ። ተዓዘብቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ትምህርትን ጽልዋን ፈጺሞም ሸለል ክብሉ የብሎምን: ዋላ ሓደ ክርስትያን እውን ነቲ እከይ ዝዀነ “መዓሙቝ ሰይጣን” ክፈልጦ ኢሉ መንፈሳውን ስጋውን ምንዝር ክፍጽም ወይ ጣኦት ከምልኽ የብሉን። ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ እንተ ሰሚዕናዮ: ‘ነቲ ዘሎና ኣጽኒዕና ኽንሕዞ ኢና:’ ሓጢኣት እውን ኣይክዕብልለናን እዩ። ካብ ሞት ዝተንስኡ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ምድሪ ኸለዉ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ተግባራትን ባህግታትን ሸቶታትን ስለ ዝነጸጉ: ‘ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ክስልጥኑን’ ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ክሕምሽሽዎምን እዮም። ኣብዚ ግዜና ዘለዋ ጉባኤታት ምሳልያዊ ኸዋኽብቲ እዮም ዘለዉወን: እቶም ቅቡኣት ከኣ ተንሲኦም ናብ ሰማይ ምስ ከዱ “እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ” ማለት እቲ መርዓዊ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ክወሃቦም እዩ።​—⁠ራእይ 22:16

7 ጉባኤ ትያቲራ ነቲ እታ ኸሓዲት ሰበይቲ እትገብሮ ሕማቕ ጽልዋ ዕሽሽ ከይትብሎ እዩ መጠንቀቕታ ተዋሂብዋ። እቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ተመሪሑ ነታ ጉባኤ ዝለኣኾ መልእኽቲ: ነተን ሕጂ ዘለዋ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበን ቦታ ሓልየን ንኽመላለሳ ይሕግዘን። ኣብ ልዕሊ ሰብኡት ስልጣን ክህልወን ኣይጽዕራን ወይ ነሕዋት መንፈሳዊ ዀነ ስጋዊ ምንዝር ንኽፍጽሙ ኣየስድዓዖምን እየን። (1 ጢሞቴዎስ 2:12) ኣብ ክንድኡስ ብሰናይ ግብረንን ንውዳሰ ኣምላኽ ብዝገብርኦ ኣገልግሎትን ሰናይ ኣብነት እየን ዝዀና። (መዝሙር 68:​11፣ 1 ጴጥሮስ 3:1-6) ሓንቲ ጉባኤ ነቲ ዘለዋ ኣጽኒዓ እንተ ሒዛቶ: ማለት ነቲ ንጹህ ሰረተ⁠-​እምነት: ኣካይዳ: ከምኡውን ንኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ኣኽቢራ እንተ ርእያቶ: ክርስቶስ ንኽፈርዳ ዘይኰነስ ንኽባርኻ እዩ ዝመጽእ።

ናብ መልኣኽ ሳርዴስ

8. (ሀ) ሳርዴስ ኣበይ እያ እትርከብ ነይራ: ብዛዕባ እታ ኸተማኸ እንታይ ነገራት ኢና እንፈልጥ፧ (ለ) ጉባኤ ሳርዴስ ሓገዝ ዘድለያ ስለምንታይ እዩ፧

8 ጉባኤ ሳርዴስ ብመንፈሳዊ ምዉትቲ ብምንባራ ቕልጡፍ ሓገዝ የድልያ ነበረ። (ራእይ 3:1-6 ኣንብብ።) ሳርዴስ ካብ ትያቲራ ብሸነኽ ደቡብ 50 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቓ እተደኰነት ብልጽግቲ ኸተማ ነበረት። ንግዲ: ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ስቡሕ መሬት: ከምኡውን ፍርያት እቲ ብጸምሪ ዝስራሕ ክዳውንትን ምንጻፋትን ነታ ሓደ እዋን 50,000 ዝዀኑ ተቐማጦ ዝነበርዋ ኸተማ ሃብታም ገይርዋ ነበረ። ብመሰረት ጆሰፈስ እቲ ጸሓፍ ታሪኽ: እዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ሓያሎ ኣባላት ዘለዉዎ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ነበርዋ። ኣብቲ ናይታ ኸተማ ዑና: ቤት ጸሎት ኣይሁድን ቤተ መቕደስ ናይታ ኣምላኽ ሰብ ኤፌሶን ዝነበረት ኣርጤምስን ይርከብ።

9. ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ንማለቱ ኢልካ ዝግበር ኰይኑ እንተልዩ: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

9 ክርስቶስ ንመልኣኽ ጉባኤ ሳርዴስ “ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ: ህያው ተብሂልካ ትስመ አሎኻ: ግናኸ ምዉት ኢኻ” በሎ። ብመንፈስ ንቑሓት እናተባሃልና ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ድቁሳት እንተ ዄንና እሞ ኣገልግሎትና ንማለቱ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ብመንፈስ ‘ክንመውት ኢልና’ እንተሎና እንታይ ኢና እንገብር፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ከመይ ጌርና ኸም እተቐበልናን ከም ዝሰማዕናን ክንዝክርን’ ነቲ ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት እንገብሮ ጻዕሪ ኸነበራብሮን ኣሎና። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምሉእ ልብና ኽንሳተፍ ክንጅምር ይግብኣና። (እብራውያን 10:24, 25) ክርስቶስ ንጉባኤ ሳርዴስ “እንተ ዘይነቓሕካ ግና: ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ: በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ” ብምባል ኣጠንቀቓ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ንዓናኸ ዝዓዪ ድዩ፧ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንሕናውን ጸብጻብ ክንህብ ኢና።

10. ኣብ ከም ናይ ሳርዴስ ዝኣመሰለ ዅነታት እውን ከይተረፈ ገሊኣቶም ክርስትያናት ከመይ ክዀኑ ይኽእሉ፧

10 ኣብ ከም ናይ ሳርዴስ ዝኣመሰለ ዅነታት እውን ከይተረፈ: ‘ክዳውንቶም ዘይጸየቑን ብቑዓት ብምዃኖም ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምስ ክርስቶስ ክመላለሱ ዝኽእሉን’ ሒደት ሰባት ክርከቡ ይኽእሉ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጹሃትን ናይዛ ዓለም ስነ⁠-​ምግባራዊ ዀነ ሃይማኖታዊ ርኽሰት ዘይተንከፎምን ብምዃኖም ክርስትያናዊ መንነቶም ኣየጥፍኡን። (ያእቆብ 1:27) ስለዚ: የሱስ ‘ንስሞም ካብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እዩ: ኣብ ቅድሚ ኣቦኡን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ክእመኖም እዩ።’ እቶም ክፍሊ እታ መርዓት ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት ምስ ክርስቶስ ክመላለሱ ብቑዓት ስለ ዝዀኑ: ንጽድቂ ቅዱሳን ኣምላኽ ዘመልክት ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክኽደኑ እዮም። (ራእይ 19:8) እቲ ኣብ ሰማይ ዝወሃቦም ዘደንቕ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ንዓለም ንኽስዕርዋ የተባብዖም እዩ። እቶም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ እውን በረኸት ክረኽቡ እዮም። ስም ናይዚኣቶም እውን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ይጸሓፍ እዩ።

11. ብመንፈስ ትኽስ ንብል እንተደኣ ሃሊና: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

11 ዋላ ሓደ ኻባና ኸምቲ ናይ ጉባኤ ሳርዴስ ኣብ ዝኣመሰለ ዘሕዝን መንፈሳዊ ዅነታት ክጥሕል ዝደሊ የለን። ብመንፈስ ትኽስ ንብል ከም ዘሎና እንተ ኣስተውዒልና ግን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ንጥቕምና ኢልና ቐልጢፍና ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ንኣብነት: ኣምላኽ ዘይፈትዎ መገድታት ይስሕበና: ካብ ኣኼባ ነብኵር: ወይ ንኣገልግሎትና ኣርዚንና ዘይንርእዮ ንኸውን። ናብ የሆዋ ተጊህና ብምጽላይ ካብኡ ሓገዝ ንድለ። (ፊልጲ 4:6, 7, 13) መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ንቕዱሳት ጽሑፋት ኰነ እቲ ‘እሙን መጋቢ’ ንዘውጽኦ ጽሑፋት ምጽናዕ ንመንፈሳዊ ምንቕቓሕ ኣበርክቶ ይገብር። (ሉቃስ 12:42-44) ድሕሪኡ ኸምቶም ኣብ ሳርዴስ ዝርከቡ ሞገስ ክርስቶስ ዝረኸቡ ሰባት ንኸውን: ንኣመንቲ ብጾትና እውን ምትብባዕ ንዀኖም።

ናብ መልኣኽ ፊላደልፍያ

12. ኣብ ጥንታዊት ፊላደልፍያ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ዅነታት ብኸመይ ትገልጾ፧

12 የሱስ ንጉባኤ ፊላደልፍያ ንኢድዋ እዩ። (ራእይ 3:7-13 ኣንብብ።) ፊላደልፍያ (ሕጂ ኣላስሒር) ኣብ ምዕራባዊ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ማእከል ናይቲ ወይኒ ዘፍሪ ኸባቢ እያ ነይራ። አረ እቲ ዲያናይሰስ ዝበሃል ናይ ወይኒ ኣምላኽ ቀንዲ ኣምላኽ እታ ኸተማ እዩ ነይሩ። ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበሩ ኣይሁድ ነቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ነቲ ሕጊ ሙሴ ንኸይገድፍዎ ወይ ናብኡ ንኽምለሱ ኸእምንዎም እኳ እንተ ፈተኑ ኣይሰለጦምን።

13. ክርስቶስ ነቲ “መርሖ ዳዊት” ብኸመይ ተጠቕመሉ፧

13 ክርስቶስ “መርሖ ዳዊት” ኣለዎ: ስለዚ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን ምምሕዳር ቤት እምነትን ተሸይሙ ኣሎ። (ኢሳይያስ 22:22፣ ሉቃስ 1:32) የሱስ ነዚ መርሖ እዚ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ፊላደልፍያን ካልእ ቦታታትን ዝነበሩ ክርስትያናት ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዝምልከት ኣጋጣሚታትን መዝነታትን ንምሃብ እዩ ተጠቒሙሉ። ካብ 1919 ኣትሒዙ ነቲ ‘እሙን ባርያ’ ናብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝመርሕ ተጻረርቲ ኽዓጽዉዎ ዘይክእሉ ‘ዓብዪ ደገ’ ኸፊቱሉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 16:9፣ ቈሎሴ 4:2-4) ልክዕ እዩ: እቶም “ማሕበር ሰይጣን” ዝዀኑ ብመንፈስ እስራኤላውያን ብዘይ​ምዃኖም: እቲ ናብ መሰላት መንግስቲ ኣምላኽ ዝመርሕ ደገ ኣይተኸፍተሎምን።

14. (ሀ) የሱስ ንጉባኤ ፊላደልፍያ እንታይ መብጽዓ እዩ ኣትዩላ፧ (ለ) ኣብ “ሰዓት ፈተና” ካብ ምውዳቕ ክንሕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 የሱስ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ፊላደልፍያ ዝነበሩ ክርስትያናት “ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ: ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ” ኢሉ መብጽዓ ኣተወሎም። ስብከት ከምቲ የሱስ ዘርኣዮ ዓይነት ትዕግስቲ ወይ ጽንዓት ዝሓትት እዩ። የሱስ ብጸላእቱ ኣይተሰነፈን: የግዳስ ፍቓድ ኣቦኡ ይገብር ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ናብ ዘይሓልፍ ሰማያዊ ህይወት ተንስአ። ንየሆዋ ንምምላኽ ዝገበርናዮ ውሳነ ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናዮን ብስራት ብምስባኽ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደገፍና እንተ ሂብናን: ኣብቲ ሕጂ ዘጋጥመና “ሰዓት ፈተና” ንኸይንወድቕ ክንሕሎ ኢና። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝያድ ጻዕሪ ብምግባር ነቲ ኻብ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ‘ኣጽኒዕና ኽንሕዞ’ ኢና። ከምዚ ምግባር: ነቶም ቅቡኣት ዘበሉ ብዋጋ ዘይሽነን ሰማያዊ ኣኽሊል ከውህቦም ከሎ ነቶም እሙናት ብጾቶም ከኣ ዘለኣለማዊ ምድራዊ ህይወት የውህቦም።

15. እቶም ‘ኣብታ መቕደስ ኣምላኽ ኣዕኑድ’ ዝዀኑ እንታይ ከማልኡ እዮም ዘለዎም፧

15 ክርስቶስ ወሲኹ “ነቲ ዚስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ኽገብሮ እየ: . . . ስም ኣምላኸይን ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን: ናይታ ኻብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም: ነቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ” በለ። ቅቡኣት ተዓዘብቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ደገፎም ክህቡ ይግባእ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽን መንፈሳዊ ንጽህናኦም ብምሕላውን ብቑዓት ኣባላት እታ “ሓዳስ የሩሳሌም” ኰይኖም ክርከቡ ኣለዎም። ኣብቲ ግርማዊ ሰማያዊ ቤተ መቕደስ ኣዕኑድ ክዀኑ: ሰማያውያን ዜጋታት ከም ምዃኖም መጠን ስም ከተማ ኣምላኽ ክጸሓፈሎም: ከምኡውን ከም መርዓት መጠን ስም ክርስቶስ ክወሃቦም እንተ ዀይኑ: ነዚ ኣቐዲሙ እተገልጸ ኸማልኡ ኣለዎም። ብዘይ​ካዚ: ‘እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ እትሰምዕ’ እዝኒ ኽትህልዎም ከም ዘለዋ እውን ክርሳዕ የብሉን።

ናብ መልኣኽ ሎዲቅያ

16. ብዛዕባ ሎዲቅያ እንታይ እዩ ዝፍለጥ፧

16 ክርስቶስ ነቲ ጉባኤ ሎዲቅያ ዝነበራ ናይ ሸለልትነት ባህሪ ነቐፎ። (ራእይ 3:14-22 ኣንብብ።) ሎዲቅያ ኻብ ኤፌሶን ብሸነኽ ምብራቕ 150 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ ኣብ መራኽቦ መስመራት ንግዲ ናይቲ ፍርያም ሽንጭሮ ፈለግ ለይኩስ እትርከብ ብምንባራ: ብዙሕ ፍርያት እተፍርን ብዙሕ ገንዘብ ዝንቀሳቐሰላን ማእከል እያ ነይራ። በቲ ኣብቲ ኸባቢ ኻብ ዝርከብ ጸሊም ጸምሪ ዝስራሕ ኽዳን ከኣ ውርይቲ ነበረት። ውሩይ ናይ ሕክምና ቤት ትምህርቲ ስለ ዝነበራ እውን ኵሕሊ ፍርግያ ዝበሃል ናይ ዓይኒ መድሃኒት ተፍሪ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እቲ ኣምላኽ መድሃኒት ዝበሃል ኣስክለፒየስ ሓደ ኻብቶም ቀንዲ ኣማልኽቲ እታ ኸተማ እዩ ነይሩ። ሎዲቅያ ብዙሓት ኣይሁድ ነይሮምዋ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም: ገለ ኻባታቶም እውን ሃብታማት ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም።

17. ሰብ ሎዲቅያ ስለምንታይ እዮም ተወቒሶም፧

17 የሱስ በቲ “መልኣኽ” እታ ጉባኤ ኣቢሉ ንጉባኤ ሎዲቅያ “እቲ ኣሜን: እሙን ሓቀኛ ምስክር: መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” ከም ምዃኑ መጠን ብስልጣን ተዛረባ። (ቈሎሴ 1:13-16) ሰብ ሎዲቅያ ብመንፈሳዊ “ዝሑል ወይስ ምዉቕ” ብዘይ​ምዃኖም ተወቕሱ። ልብጥ ዝበሉ ብምንባሮም: ክርስቶስ ካብ ኣፉ ጡፍ ክብሎም ምዃኑ ገለጸ። ነዚ ንኽርድእዎ ኣጸጋሚ ኣይነበረን። ኣብታ ኣብ ጥቓኦም እትርከብ ከተማ ሂራጶሊስ ውዑይ ማይ ነበረ: ኣብ ቈሎሴ ኸኣ ዝሑል ማይ ነበረ። እቲ ማይ ናብ ሎዲቅያ ብትቦ ኣቢሉ ነዊሕ ተጓዒዙ ይመጽእ ብምንባሩ ግን ኣብታ ኸተማ ኽበጽሕ ከሎ ልብጥ ዝበለ እዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ማይ ንእተወሰነ ርሕቐት ብመትረብ ይጐዓዝ ነበረ። ኣብ ጥቓ ኸተማ ሎዲቅያ ምስ በጽሐ ግን ብትቦ ይጐዓዝ ነበረ።

18, 19. ሕጂ ዘለዉ ክርስትያናት ከምቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ክሕገዙ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

18 ሎሚውን ከምቲ ሰብ ሎዲቅያ ዝነበሮም ዓይነት መንፈስ ዘለዎም ውልቀ⁠-​ሰባት ወይ ብዋዒዖም ዘነቓቕሑ ኣይኰኑ ወይ ብዛሕሎም ዘረስርሱ ኣይኰኑ ሓዲግ መዲግ እዮም። ልብጥ ዝበሉ ብምዃኖም ጡፍ ክበሃሉ እዮም! የሱስ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት: “ኣምባሳደራት ክርስቶስ” ብምዃን ኣፈኛኡ ክዀኑ ኣይደልን እዩ። (2 ቈረንቶስ 5:20 ትርጕም 1990 ) እንተ ዘይተነሲሖም: ከም ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዘለዎም መሰል ከጥፍኡ እዮም። ሰብ ሎዲቅያ ምድራዊ ሃብቲ እዮም ዝደልዩ ነይሮም: ‘ሕሱራትን ዘደንግጹን ነዳያትን ዕዉራትን ዕሩቓትን ምዃኖም ግን ኣይፈለጡን።’ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኸማታቶም ዝኣመሰሉ ሰባት መንፈሳዊ ድኽነቶምን ዑረቶምን ዕርቃኖምን ንምእላይ: ካብ ክርስቶስ “ዝጸረየ ወርቂ” ናይ እተፈተነት እምነት: “ጻዕዳ ኽዳውንቲ” ጽድቂ: ከምኡውን ንመንፈሳዊ ዓይኖም ዘብርሃሎም “ኵሕሊ” ኽዕድጉ የድልዮም። ክርስትያን ተዓዘብቲ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ንኸስተውዑሉ: ብእኡ ኣቢሎም ከኣ “ብእምነት ኪህብትሙ” ተሓጒሶም እዮም ዝሕግዝዎም። (ያእቆብ 2:5፣ ማቴዎስ 5:3) ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ መንፈሳዊ “ኵሕሊ” ንኽጥቀሙሉ ማለት ንትምህርቲ: ማዕዳ: ኣብነት: ከምኡውን ንኣተሓሳስባ የሱስ ንክቕበሉን ምስኡ ተሰማሚዖም ንኽመላለሱን ክሕግዝዎም ኣለዎም። እዚ ን“ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን” ፈውሱ እዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 2:15-17

19 የሱስ ነቶም ዝፈትዎም ኵሎም ይገንሖምን ይግስጾምን እዩ። ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ተዓዘብቲ እውን ብለውሃት ከምኡ ኽገብሩ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28, 29) ሰብ ሎዲቅያ ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ኣነባብራኦምን ለውጢ ብምግባር ‘ክቐንኡን ክንስሑን’ የድልዮም ነበረ። ገሌና ንቕዱስ ኣገልግሎት ኣብ ህይወትና ዝወሓደ ኣገዳስነት ከም ዝህልዎ ጌርናዮዶ ኢና፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኢ ኸነናድየሉ ዘሎና ምኽንያት ምእንቲ ኽረኣየና: ‘ካብ የሱስ ኵሕሊ ንዓድግ።’​—⁠ማቴዎስ 6:33

20, 21. ኣብዚ ግዜና የሱስ ‘ኳሕኳሕ ከብል’ ከሎ ሰሚዖም ዝኸፍትዎ መን እዮም: እንታይ ተስፋኸ እዩ ዘለዎም፧

20 ክርስቶስ “እንሆ: ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ: ናብኡ ኽአቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ: ንሱውን ምሳይ” በለ። ብዙሕ ግዜ የሱስ ኣብ መኣዲ ኣብ እተቐመጠሉ እዋን መንፈሳዊ ትምህርቲ ይምህር ነበረ። (ሉቃስ 5:29-39፣ 7:36-50፣ 14:1-24) ሕጂ ኸኣ ንማዕጾ እተን ከም ሎዲቅያ ዝኣመሰላ ጉባኤታት ይዅሕኵሕ ኣሎ። ኣባላተን ነቲ ምኵሕኳሑ ሰሚዖም: ንዑኡ ዘለዎም ፍቕሪ የጐሃህሩ: መርሓባ ኢሎም ይቕበልዎ: ከምኡውን ክምህሮም ይፈቕዱሉዶ ዀን ይዀኑ፧ ከምኡ እንተ ገይሮም: ክርስቶስ ምሳታቶም ክድረር እዩ: ብመንፈስ ድማ ብዙሕ ክጥቀሙ እዮም።

21 ኣብዚ ግዜና “ኻልኦት ኣባጊዕ” ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንክርስቶስ ናብ ቤቶም ክኣቱ ይፈቕዱሉ ኣለዉ: ከምዚ ብምግባሮም ድማ ዘለኣለማዊ በረኸት ክረኽቡ እዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 25:34-40, 46) ክርስቶስ ‘ከምቲ ንሱውን ዝሰዓረ እሞ ምስ ኣቦኡ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ:’ ንነፍሲ ወከፍ ዝሰዓረ ቕቡእ እውን ‘ኣብ ዝፋኑ ምስኡ ክቕመጥ ክህቦ እዩ።’ እወ: ነቶም ዝስዕሩ ቕቡኣት ኣብ ሰማይ ምስኡ ኣብ የማን ኣቦኡ ኣብ ዝፋን ናይ ምቕማጥ ዓብዪ ዓስቢ ተመባጺዕሎም ኣሎ። እቶም ዝስዕሩ ኻልኦት ኣባጊዕ ከኣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ኣብ ምድሪ ዘደንቕ ቦታ ኽህልዎም ብሃንቀውታ እዮም ዝጽበዩ።

ንዅላትና ዝኸውን ትምህርቲ

22, 23. (ሀ) ኵላቶም ክርስትያናት ካብቲ የሱስ ነተን ሸውዓተ ጉባኤታት ዝበሎ ቓላት ብኸመይ ክጥቀሙ ይኽእሉ፧ (ለ) ውሳነናኸ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧

22 ኵሎም ክርስትያናት ካብቲ የሱስ ነተን ሸውዓተ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ጉባኤታት ዝለኣኾ መልእኽቲ ብዙሕ ክጥቀሙ ኸም ዝኽእሉ ኣየጠራጥርን እዩ። ንኣብነት: ፈቃራት ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ ንሱ ዝሃቦ ግቡእ ናእዳ ምስ ዘስተብህሉሉ: ነቶም ብመንፈሳዊ ጽቡቕ ዝስጕሙ ውልቀ⁠-​ሰባትን ነተን ብመንፈስ ሓያላት ዝዀና ጉባኤታትን ክንእዱ ይድረኹ። ኣብቲ ድኽመት እተረኽበሉ ጐድኒ ኸኣ ንኣመንቲ ብጾቶም ቅዱስ ጽሑፋዊ መድሃኒት ክጥቀሙ ይሕግዝዎም። ኵላትና ነቲ ክርስቶስ ነተን ሸውዓተ ጉባኤታት ዝሃበን እተፈላለየ ማዕዳ ኸይተደናጐና ብጸሎት ኣብ ግብሪ ኽሳዕ ዘውዓልናዮ: ካብኡ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። a

23 እዚ ዳሕሮት መዓልትታት ቀሲንና እንነብረሉ: ስጋዊ ነገራት እንድልበሉ: ወይ ንማለቱ ጥራይ ንኣምላኽ ኣገልግሎት እነቕረበሉ እዋን ኣይኰነን። እምበኣር: ኵለን ጉባኤታት ከምቲ የሱስ ኣብ ቦታአን ዘቘመን ቀወምቲ ቐንዴል ኰይነን ወትሩ ደሚቐን ይብርሃ። ከም እሙናት ክርስትያናት መጠን ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ ንኸነቕልብን እቲ መንፈስ ዝብለና ነገር ንኽንሰምዕን ንወስን። ከምኡ እንተ ጌርና: ንኽብሪ የሆዋ እነብርህ ከም ምዃና መጠን ነባሪ ሓጐስ ክንረክብ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ራእይ 2:1–3:22 ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ራእይ —⁠እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ካብ ምዕራፍ 7 ክሳዕ 13 እውን ተገሊጹ ኣሎ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• “ኢዛቤል” መን እያ ነይራ: ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ኣስኣሰራ ዘይስዕባኸ ስለምንታይ እየን፧

• ኣብ ጉባኤ ሳርዴስ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ነይሩ: ከምቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ንኸይንኸውንከ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

• የሱስ ንጉባኤ ፊላደልፍያ እንታይ መብጽዓታት እዩ ኣትዩላ: እዝኸ ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ብኸመይ ይምልከቶም፧

• ሰብ ሎዲቅያ ስለምንታይ እዮም ተወቒሶም: ነቶም ቀናኣት ክርስትያናት ግን እንታይ ተስፋ እዩ ተዋሂብዎም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

እቲ እኩይ መገድታት “ኢዛቤል” ክውገድ ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሰዓብቱ ናብ መሰላት መንግስቲ ኣምላኽ ዝመርሖም ‘ዓብዪ ደገ’ ኣዳልዩሎም ኣሎ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ንየሱስ ትቕበሎን ትሰምዖን ዲኻ፧