ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስቶስ ነተን ጉባኤታት ይዛረበን

ክርስቶስ ነተን ጉባኤታት ይዛረበን

ክርስቶስ ነተን ጉባኤታት ይዛረበን

“እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሐዘ . . . ከምዚ ይብል አሎ።”​—⁠ራእይ 2:1

1, 2. የሱስ ናብተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት ዝለኣኾ መልእኽትታት ከገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

 እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ። እታ ብቕቡኣት ሰዓብቱ ዝቘመት ጉባኤ ብዘይ​ መንቅብ ምእንቲ ኽትከውን: ንርእስነቱ ንምንኣድን ንምእራምን ይጥቀመሉ እዩ። (ኤፌሶን 5:21-27) እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 2ን 3ን ዝርከብ የሱስ ነተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት ዝለኣኾ ሓያልን ፍቕራውን መልእኽቲ ነዚ ኣብነት ይዀነና እዩ።

2 ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ የሱስ ናብተን ሸውዓተ ጉባኤታት ዝለኣኾ መልእኽቲ ቕድሚ ምስምዑ: “ብመዓልቲ ጐይታ” ብዛዕባ ዝፍጸም ነገራት ራእይ ረኣየ። (ራእይ 1:10) እታ “መዓልቲ” እቲኣ መሲሓዊት መንግስቲ ብ1914 ኣብ ሰማይ ምስ ቈመት እያ ጀሚራ። እቲ የሱስ ነተን ጉባኤታት ዝለኣኾ መልእኽቲ እምበኣር ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝሃቦ ምትብባዕን ማዕዳን ነዚ ኽፉእ ግዜ ንኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

3. እቲ ዮሃንስ ብራእይ ዝረኣዮ “ኸዋኽብቲ:” “መላእኽቲ:” ከምኡውን “ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ” ንምንታይ እዩ ዘመልክት፧

3 ዮሃንስ ነቲ “ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ: ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን [ወይ ጉባኤታት] ዚመላለስ” የሱስ ክርስቶስ ረኣዮ። እቶም “ኸዋኽብቲ:” “መላእኽቲ እተን ሾብዓተ ማሕበራት [ጉባኤታት]” እዮም። (ራእይ 1:20፣ 2:1) መላእኽቲ ሓድሓደ ግዜ ብኸዋኽብቲ ይምሰሉ እዮም: ክርስቶስ ግን ንመንፈሳውያን ፍጡራት መልእኽቲ ንምጽሓፍ ብሰባት ክጥቀም ኣይመድለዮን። ስለዚ: እዞም “ኸዋኽብቲ” እዚኣቶም ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ተዓዘብቲ ወይ ኣካል ሽማግለታት እዮም ዘመልክቱ። እታ “መላእኽቲ” እትብል ቃል ምስቲ ኸም ልኡኻት መጠን ዝፍጽምዎ ዕዮ እያ እትተሓሓዝ። ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰፍሐት: ‘እቲ እሙን መጋቢ’ ኻብተን “ኻልኦት ኣባጊዕ” እውን ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ተዓዘብቲ ክዀኑ መዘዘ።​—⁠ሉቃስ 12:42-44፣ ዮሃንስ 10:16

4. ሽማግለታት ናብቲ ክርስቶስ ነተን ጉባኤታት ዝበለን ብምቕላብ ብኸመይ ክጥቀሙ ይኽእሉ፧

4 እቶም “ኸዋኽብቲ” ኣብ የማናይ ኢድ የሱስ ማለት ኣብ ትሕቲ ስልጣኑን ቍጽጽሩን ሞገሱን ዕቍባኡን እዮም ዝርከቡ። ስለዚ ንዕኡ እዮም ጸብጻብ ዝህቡ። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሽማግለታት ነቲ ናብተን ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእከ ቓላት የሱስ ብምቕላብ: ተመሳሳሊ ዅነታት ምስ ዘጋጥሞም ብኸመይ ከም ዝፈትሕዎ ኽርድኡ ይኽእሉ። ኵሎም ክርስትያናት ንወዲ ኣምላኽ ክሰምዕዎ ይግባእ። (ማርቆስ 9:7) ስለዚ: ክርስቶስ ነተን ጉባኤታት ክዛረበን ከሎ ብምቕላብ: እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

ናብ መልኣኽ ኤፌሶን

5. ኤፌሶን እንታይ ዓይነት ከተማ ነበረት፧

5 የሱስ ንጉባኤ ኤፌሶን ንኢድዋን ገሲጽዋን እዩ። (ራእይ 2:1-7 ኣንብብ።) እቲ ዓብዪ ቤተ መቕደስ ናይታ ኣርጤምስ እትበሃል ኣንስተይቲ ኣምላኽ: ኣብዛ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ንእሽቶ እስያ እትርከብ ብንግዲ ዝበልጸገትን ሃይማኖታዊ ማእከልን ዝዀነት ከተማ ይርከብ ነበረ። ኤፌሶን ብርኽሰት: ብናይ ሓሶት ሃይማኖት: ከምኡውን ብጥንቈላ ዝመልአት እኳ እንተ ነበረት: ኣምላኽ ግን ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስን ካልኦትን ኣብታ ኸተማ ዝገበርዎ ስብከት ባረኾ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 19

6. ሎሚ ዘለዉ እሙናት ክርስትያናት ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰብ ኤፌሶን ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

6 ክርስቶስ ንጉባኤ ኤፌሶን ከምዚ ብምባል ነኣዳ:- “ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን: ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከአልካን: ነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ: ተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን: እፈልጥ አሎኹ።” ኣብዚ ግዜና ዝርከባ ጉባኤታት ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ እውን ብሰናይ ግብርን ጻዕርን ትዕግስትን ዝመጸ ጽቡቕ ስም ኣለወን። ነቶም ከም ሃዋርያት ክረኣዩ ዝደልዩ ናይ ሓሶት ኣሕዋት: ስቕ ኢለን ኣይርእያኦምን እየን። (2 ቈረንቶስ 11:13, 26) ሎሚ ዘለዉ እሙናት ክርስትያናት ልክዕ ከምቶም ሰብ ኤፌሶን ነቶም ‘እኩያት ሰባት ክጾርዎም ኣይክእሉን’ እዮም። ስለዚ እምበኣር ንጽህና ኣምልኾ የሆዋ ምእንቲ ኽዕቅቡን ጉባኤታት ከይበላሸዋ ምእንቲ ኽከላኸሉለንን: ምስ ዘይንስሑ ኸሓድቲ ኣይሓብሩን እዮም።​—⁠ገላትያ 2:4, 5፣ 2 ዮሃንስ 8-11

7, 8. ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን እንታይ ከቢድ ጕድለታት እዩ ነይሩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ክንፈትሖ ንኽእል፧

7 ይኹን እምበር: ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ከቢድ ጕድለት ነይርዎም። የሱስ “ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ” በለ። ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነታ ንየሆዋ ዝነበረቶም ቀዳመይቲ ፍቕሪ እንደገና ሃልሃል ከብልዋ የድልዮም ነበረ። (ማርቆስ 12:28-30፣ ኤፌሶን 2:4፣ 5:1, 2) ንሕናውን ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርና ኸይንሓድጋ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (3 ዮሃንስ 3) ሃብቲ ወይ ተድላ ምድላይ ኣብ ህይወትና ዓብላሊ ምስ ዝኸውንከ፧ (1 ጢሞቴዎስ 4:8፣ 6:9, 10) ከምኡ እንተ ኣጋጢሙና: እዚ ዝንባለና እዚ ብሓያል ፍቕሪ የሆዋ ከምኡውን በቲ ንሱን ወዱን ንዝገበሩልና ነገር ዘሎና ሞሳ ምእንቲ ኽትካእ: ኣምላኽ ንኽሕግዘና ልባዊ ጸሎት ከነቕርብ ኣሎና።​—⁠1 ዮሃንስ 4:10, 16

8 ክርስቶስ ንሰብ ኤፌሶን “ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ: ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ” ኢሉ ተማሕጸኖም። ከምኡ እንተ ዘይገይሮምከ እንታይ እዮም ክዀኑ፧ የሱስ “እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ: . . . ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ” በሎም። ኵለን እተን ኣባጊዕ እታ ቐዳመይቲ ፍቕረን እንተ ኣጥፊአን: እታ ብ“ቐዋሚ ቐንዴል” ተመሲላ ዘላ ጉባኤ ኣይትህሉን ማለት እዩ። ስለዚ እምበኣር ቀናኣት ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ጉባኤና ብመንፈሳዊ ወትሩ ንኸተብርህ ኣበርቲዕና ንዕየ።​—⁠ማቴዎስ 5:14-16

9. ኣንቆራ ምፍላይ ብኸመይ ክርአ ኣለዎ፧

9 ሰብ ኤፌሶን ‘ግብሪ ኒቆላውያን ዝጸልኡ’ ምዃኖም ዝነኣድ እዩ። ብዛዕባ መበቈል: ትምህርቲ: ከምኡውን ልምዲ ናይዞም ኒቆላውያን ተባሂሎም ዘለዉ ኣንቈራ: እቲ ኣብ ራእይ ተጻሒፉ ዘሎ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ እንፈልጦ ነገር የለን። ይኹን እምበር: የሱስ ስለ ዝዀነኖም: ልክዕ ከምቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ንሕናውን ንኣንቆራታት ክንጸልኦም ኣሎና።​—⁠ማቴዎስ 23:10

10. እቶም እቲ መንፈስ ንዝብሎ ዝሰምዑ እንታይ ክረኽቡ እዮም፧

10 ቀጺሉ ክርስቶስ “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ” በለ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብመንፈስ ኣምላኽ እዩ ዝዛረብ ነይሩ። (ኢሳይያስ 61:1፣ ሉቃስ 4:16-21) ስለዚ: ሕጂ ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ ብመንፈስ ቅዱስ ዝዛረበና ነገር ተጠንቂቕና ኽንሰምዖ ኣሎና። የሱስ በዚ መንፈስ ተመሪሑ “ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ” ኢሉ ተመባጽዐ። እዚ ነቶም እቲ መንፈስ ንዝብሎ ነገራት ዝሰምዑ ቕቡኣት ኣብታ ሰማያዊት “ገነት ኣምላኽ” ወይ ኣብቲ የሆዋ ዝርከበሉ ቦታ ዘይሓልፍ ህይወት ከም ዝረኽቡ ኸመልክት ከሎ፣ እቶም እቲ መንፈስ ንዝብሎ ነገራት ዝሰምዑ “ብዙሓት ሰብ” ወይ ዓብዪ ጭፍራ ኸኣ ኣብቲ ኻብ “ርባ ማይ ህይወት” ዝሰትዩሉን ካብተን ኣብ ደረት እቲ ርባ ዘለዋ ‘ኣቝጽልቲ እተን ኣእዋም’ ዝፍወሱሉን ምድራዊ ገነት ከም ዝኣትዉ ዘመልክት እዩ።​—⁠ራእይ 7:9፣ 22:1, 2፣ ሉቃስ 23:43

11. ንሕና ዀንና ኻልኦት እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንኽትዓቢ ብውልቅና ብኸመይ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል፧

11 ሰብ ኤፌሶን እታ ቐዳመይቲ ፍቕሮም ሓዲጎም እዮም። ኣብዚ ግዜና ኣብ ጉባኤታት ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ዘጋጥም እንታይ ምገበርና፧ ብዛዕባቲ ፍቕራዊ መገድታት የሆዋ ብምዝራብ ንሕና ዀንና ኻልኦት ንዕኡ ፍቕሪ ንኸነማዕብል በብውልቅና ንጽዓር። ነታ ኣምላኽ ፍቑር ወዱ በጃ ክኸውን ብምሃብ ዘርኣየና ፍቕሪ ዘሎና ሞሳ ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:8) ምስቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከሎ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ክንህብ ከለናን ክፍሊ ኸነቕርብ ከለናን ፍቕሪ ኣምላኽ ክንገልጻ ንኽእል ኢና። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ስሙ ብምውዳስ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል። (መዝሙር 145:10-13) እወ: ዘረባናን ተግባራትናን ነታ ናይ ጉባኤና ቐዳመይቲ ፍቕሪ እንደገና ሃልሃል ከም እትብል ንምግባር ብዙሕ ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል።

ናብ መልኣኽ ስሚርና

12. ታሪኽ ብዛዕባ ስሚርናን ሃይማኖታዊ ልምድታታን እንታይ እዩ ዝገልጸልና፧

12 “እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን: ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን” ክርስቶስ: ንጉባኤ ስሚርና ነኣዳ። (ራእይ 2:8-11 ኣንብብ።) ስሚርና (ሕጂ ኣብ ቱርኪ እትርከብ ከተማ ኢዝሚር) ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ንእሽቶ እስያ እያ ተሃኒጻ ነይራ። እዛ ኸተማ እዚኣ ግሪኻውያን ዝነብሩላ ዝነበረት እያ: ብ580 ቅ.ኣ.ዘ. ግን ልድያውያን ደምሰስዋ። ደድሕሪ ኣሌክሳንደር ዓብዪ ዝነገሱ ነገስታት: ንስሚርና ኣብ ሓድሽ ቦታ ሃነጽዋ። ሓንቲ ኻብተን ኣብ እስያ እትርከብ ናይ ሮማ ግዝኣት ከኣ ኰነት: ብንግዲ ዝበልጸገትን ብዘደንቕ ህንጻታታ እትፍለጥን ከተማ ድማ ነበረት። ናይ ቄሳር ጢበርዮስ ቤተ መቕደስ ስለ ዝነበራ ማእከል ናይ ሃጸይ ኣምልኾ ነበረት። እቶም ኣምለኽቲ ቍንጣሮ ዕጣን ኣብ ሓዊ ብምንስናስ “ቄሳር ጐይታ እዩ” ኽብሉ ነበሮም። ንክርስትያናት ግን ‘ጐይታኦም የሱስ ብምዃኑ’ ነዚ ትእዛዝ ኣየኽብሩን ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ መስጐጕቲ ወረዶም።​—⁠ሮሜ 10:9

13. ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ብስጋ ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ: ብምንታይ እዮም ግን ሃብታማት ዝነበሩ፧

13 ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ርእሲ እቲ ዝወርዶም ዝነበረ ጸበባ: ድኽነት እውን ነይርዎም እዩ። እዚ ኸኣ ምናልባት ኣብቲ ናይ ሃጸይ ኣምልኾ ብዘይ​ምስታፎም ዝወረዶም ቍጠባዊ እገዳ ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ናጻ ኣይኰኑን። (ራእይ 13:16, 17) ከምቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ብስጋ ድኻታት እኳ እንተዀኑ: ብመንፈስ ግን ሃብታማት እዮም: እቲ ቐንዲ ዘገድስ ነገር ከኣ እዚ እዩ!​—⁠ምሳሌ 10:22፣ 3 ዮሃንስ 2

14, 15. ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ራእይ 2:10 እንታይ ምጽንናዕ እዮም ክረኽቡ ዝኽእሉ፧

14 ዝበዝሑ ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ኣይሁድ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይርከብ ስርዓታቶም ዝስዕቡ: ንወዲ ኣምላኽ ዘይተቐበሉ: ከምኡውን ነቶም መንፈሳዊ ውልድነት ዝረኸቡ ሰዓብቲ ዝጻረፉ ብምንባሮም: “ማሕበር ሰይጣን” እዮም ነይሮም። (ሮሜ 2:28, 29) ቅቡኣት ክርስትያናት ግን ካብቲ ክርስቶስ ስዒቡ እተዛረቦ ቓላት ብዙሕ ምጽንናዕ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም! “እንሆ: ምእንቲ ኽትፍተኑስ: ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ: ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ: ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።”​—⁠ራእይ 2:10

15 የሱስ ምእንቲ ሉዓላውነት የሆዋ ንሙማት ኣይፈርሀን። (ፊልጲ 2:5-8) ኣብዚ ግዜና ሰይጣን ነቶም ቅቡኣት ተረፍ ይዋግኦም እኳ እንተሎ: እቲ ኸም ጕጅለ መጠን ዘጋጥሞም መከራ ማለት መስጐጕቲ: ማእሰርቲ ወይ ሞት ኣየፍርሆምን እዩ። (ራእይ 12:17) ንዓለም ክስዕርዋ እዮም። ነቶም ካብ ሞት ዝትንስኡ ቅቡኣት ከምቲ ኣረማውያን ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ውድድራት ዝወሃብ ብዝጽምሉ ዕንባባታት ዝስራሕ ኣኽሊል ዘይኰነስ: ክርስቶስ “ኣኽሊል ህይወት” ማለት ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ክህቦም ምዃኑ እዩ ተመባጺዕሎም። ኣየ ኸመይ ዝበለ ክቡር ውህበት ኰን እዩ!

16. ጉባኤና ኸምታ ጥንቲ ኣብ ስሚርና ዝነበረት ጉባኤ እንተ ዀይና: ኣትኵሮና ኣብ ምንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧

16 ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ: ጉባ​ኤና ኸምታ ጥንቲ ኣብ ስሚርና ዝነበረት ጉባኤ እንተ ዀይና: እንታይ ክንገብር እዩ ዝግብኣና፧ ንኣመንቲ ብጾትና እቲ ኣምላኽ መስጐጕቲ ኽህሉ ዘፍቀደሉ ቐንዲ ምኽንያት ነቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላውነት ብዝምልከት እተላዕለ ጕዳይ መዕለቢ ምእንቲ ኽረክብ ኢሉ ምዃኑ ንኸተኵሩሉ ንሓግዞም። ነፍሲ ወከፍ ንጽህናኡ ዝሕሉ ናይ የሆዋ ምስክር ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ የረጋግጽ: ወድሰብ መስጐጕቲ እናወረዶ እውን ኣምላኽ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ገዛኢ ክኸውን መሰል ዘለዎ ምዃኑ ኽድግፍ ከም ዝኽእል የርኢ። (ምሳሌ 27:11) ክርስትያናት ብጾትና ነቲ ዝወርዶም መስጐጕቲ ንኽጻወሩ ነተባብዓዮም እሞ ‘ብቕድስናን ብጽድቅን ብዅሉ ዕለቶም’ ወይ ንዘለኣለም ‘ብዘይ​ ፍርሃት ንየሆዋ ከምልኽዎ’ እዮም።​—⁠ሉቃስ 1:68, 69, 74, 75

ናብ መልኣኽ ጴርጋሞስ

17, 18. ጴርጋሞስ ማእከል ናይ ምንታይ ኣምልኾ እያ ነይራ: ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣምልኾ ጣኦት ምስታፍ ምእባይከ እንታይ ከስዕብ ይኽእል ነይሩ፧

17 ጉባኤ ጴርጋሞስ ተናኢዳን ተገሲጻን እያ። (ራእይ 2:12-17 ኣንብብ።) ጴርጋሞስ ካብ ስሚርና ብሸነኽ ሰሜን 80 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቓ እትርከብ ዝነበረት ከተማ ኰይና: ኣብ ናይ ኣረማውያን ሃይማኖት ዝጠሓለት እያ ነይራ። ሰብኣ⁠-​ሰገል ከለዳውያን (ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ) ካብ ባቢሎን ሃዲሞም ናብኣ መጺኦም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሕሙማት ሰባት ናብታ ኣብ ጴርጋሞስ እትርከብ ቤተ መቕደስ ናይቲ ኣስክሊፕየስ ዝበሃል ናይ ምፍዋስን መድሃኒትን ናይ ሓሶት ኣምላኽ ይውሕዙ ነበሩ። እዛ ኸተማ እዚኣ ንኣምልኾ ቄሳር ኣውጉስጦስ እተወፈየ ቤተ መቕደስ ስለ ዝነበራ: “ኣብ ጥንታዊ ሃጸያዊ ግዝኣት ቀንዲ ማእከል ኣምልኾ ሃጸይ” ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ።​—⁠ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ: 1959: መበል 17 ጥራዝ: ገጽ 507

18 ኣብ ጴርጋሞስ ንዘዩስ እተወፈየ መሰውኢ ነበረ። ብዘይ​ካዚ እታ ኸተማ ማእከል ናይቲ ድያብሎስ ዘመነጮ ንሰብ ዝወሃብ ኣምልኾ ነበረት። እምበኣር እታ ጉባኤ ኣብቲ “ናይ ሰይጣን ዝፋን” ዝርከቦ ኸም ዘላ ጌርካ ምጥቃሱ ዘገርም ኣይኰነን! ንሉዓላውነት የሆዋ ዝድግፍ ሰብ ንሃጸይ ምምላኽ ምእባዩ ሞት ከስዕበሉ ይኽእል ነይሩ። ሕጂውን ዓለም ብድያብሎስ እያ ተታሒዛ ዘላ: ሃገራዊ ኣርማታት ከኣ ይምለኽ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 5:19) ካብ ቀዳማይ ዘመን ክሳዕ ሕጂ: ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት ልክዕ ከምቲ የሱስ ‘ኣብ ማእከልኩም ዝቐተልዎ እሙን ምስክረይ ኣንቲጳስ’ ኢሉ ዝጸውዖ ሰብ ሰማእታት ኰይኖም እዮም። የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ ብርግጽ ይዝክርዎም እዮም።​—⁠1 ዮሃንስ 5:21

19. በላዓም እንታይ ገበረ: ኵሎም ክርስትያናትከ ኻብ ምንታይ እዮም ክጥንቀቑ ዘለዎም፧

19 ክርስቶስ ብዛዕባ “ምህሮ በላዓም” እውን ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ በላዓም ዝበሃል ናይ ሓሶት ነብዪ ንስጋዊ ረብሓኡ ሰሲዑ ንእስራኤላውያን ክረግሞም ፈተነ። ኣምላኽ ንመርገሙ ናብ ምርቓ ምስ ቀየሮ ግን ምስ ባላቕ ንጉስ ሞኣብ ብምትሕብባር ንብዙሓት እስራኤላውያን ኣብ ኣምልኾ ጣኦትን ጾታዊ ርኽሰትን ከም ዝወድቁ ገበረ። ክርስትያን ሽማግለታት ከምቲ ንተግባር በላዓም እተጻረረ ፊንሃስ ንጽድቂ ቐናኣት ክዀኑ ኣለዎም። (ዘሁልቍ 22:​1–25:15፣ 2 ጴጥሮስ 2:​15, 16፣ ይሁዳ 11) ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰኑስ ኵሎም ክርስትያናት ካብቲ ናብ ጉባኤ ስሉዅ ኢሉ ዝኣቱ ኣምልኾ ጣኦትን ጾታዊ ርኽሰትን ክጥንቀቑ ኣለዎም።​—⁠ይሁዳ 3, 4

20. ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ነቲ ኸሓድቲ ዘለዎም ኣረኣእያ ቦታ ዝህቦ እንተ ዀይኑ: እንታይ ክገብር ኣለዎ፧

20 ኣብ ጉባኤ ጴርጋሞስ “ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ” ስለ ዝነበሩ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ እያ ነይራ። ስለዚ ክርስቶስ ነታ ጉባኤ “ተነሳሕ: እንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጸካ: ብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ” በላ። ኣንቈራ ዝፈልዩ ሰባት ንክርስትያናት ብመንፈስ ክጐድእዎም እዮም ዝደልዩ: እቶም ምፍልላይን ዝርግርግን ከምጽኡ ዝቘረጹ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይክወርሱን እዮም። (ሮሜ 16:17, 18፣ 1 ቈረንቶስ 1:10፣ ገላትያ 5:19-21) ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ነቲ ኸሓድቲ ዝብልዎ ኽሓስበሉን ክዝርግሖን እንተ ጀሚሩ: ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኽዝክሮ ኣለዎ! ካብ ጥፍኣት ምእንቲ ኽድሕን: ክንሳሕን ካብ ሽማግለታት ጉባኤ መንፈሳዊ ሓገዝ ክረክብን ኣለዎ። (ያእቆብ 5:13-18) የሱስ ፍርዱ ንምፍጻም ቀልጢፉ ስለ ዝመጽእ: ከምዚ ዝኣመሰለ ውልቀ⁠-​ሰብ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ኽወስድ ኣለዎ።

21, 22. ካብቲ “ስዉር ማና” ዝበልዑ መን እዮም: እዚኸ ንምንታይ እዩ ዘመልክት፧

21 እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን በቲ ዝመጽእ ዘሎ ፍርዲ ኣይፈርሁን እዮም። ኵሎም እቶም ነቲ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ተመሪሑ ዝሃቦ ማዕዳ ዝስዕቡ ዘበሉ በረኸት እዮም ዝረኸቡ። ንኣብነት: እቶም ንዓለም ዝስዕሩ ቕቡኣት ካብቲ “ስዉር ማና” ኽበልዑን “ሓድሽ ስም” ዝሓዘ “ጻዕዳ እምኒ” ኽወሃቡን እዮም።

22 ኣምላኽ ኣብቲ እስራኤላውያን ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ዝገበርዎ ጕዕዞ ቐለቦም ክዀኖም ማና ሃቦም። ገለ ኻብቲ “እንጌራ” እቲ ኣብ ፍዮ ወርቂ ገይሮም ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ኪዳን ኣእትዮምዎ ነበሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ማና ኣብታ ንህላወ የሆዋ ዘመልክት ተኣምራዊ ብርሃን ዝርከባ ቕድስተ ቕዱሳን ተሓቢኡ ወይ ተሰዊሩ ነበረ። (ዘጸኣት 16:14, 15, 23, 26, 33፣ 26:34፣ እብራውያን 9:3, 4) ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ማና እቲ ኽበልዖ ኣይተፈቕደሉን። እቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ምስ ተንስኡ ግን ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ “ስዉር ማና” ኽበልዑ ወይ ዘይሓልፍ ህይወት ክወሃቦም እዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:53-57

23. እቲ “ጻዕዳ እምኒ” ከምኡውን እቲ “ሓድሽ ስም” ንምንታይ እዩ ዘመልክት፧

23 ኣብ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ ሮሜ ጸሊም እምኒ ንምዅናን ከመልክት ከሎ: ጻዕዳ እምኒ ግን ናጻ ንምልቃቕ የመልክት ነበረ። የሱስ ነቶም ዝሰዓሩ ቕቡኣት ክርስትያናት “ጻዕዳ እምኒ” ምሃቡ ንጹሃትን ጽሩያትን ገይሩ ኸም ዝረኣዮም የመልክት። ሮማውያን ንጻዕዳ እምኒ ኣብ ኣገዳሲ ኣጋጣሚታት ከም መእተዊ ፍቓድ ወይ ቲከት ይጥቀሙሉ ስለ ዝነበሩ እውን: እቲ “ጻዕዳ እምኒ” እቶም ቅቡኣት ናብቲ ኣብ ሰማይ ዝግበር መርዓ እቲ ገንሸል ክኣትዉ ኸም እተፈቕደሎም ከመልክት ይኽእል እዩ። (ራእይ 19:7-9) እቲ “ሓድሽ ስም” ንየሱስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ መዋርስቱ ብምዃን ምስኡ ናይ ምሕባር ክብሪ ዘመልክት እዩ። እዚ ዅሉ ነቶም ቅቡኣትን ነቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝሓብርዎም ኣብ ምድራዊ ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ ተስፋ ዘለዎምን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዘተባብዖም!

24. ንኸሓድቲ ብዝምልከት እንታይ ኣቕዋም ክንሕዝ ኣሎና፧

24 ጉባኤ ጴርጋሞስ ብሰንኪ ኸሓድቲ ኣብ ሓደጋ ምንባራ ኽንርስዕ የብልናን። ተመሳሳሊ ዅነታት ንመንፈሳዊ ድሕንነት ጉባኤና ዘስግእ እንተ ዀይኑ: ንኽሕደት ፈጺምና ነርሕቆ: ብሓቂ ኸኣ ንመላለስ። (ዮሃንስ 8:32, 44፣ 3 ዮሃንስ 4) ናይ ሓሶት መምህራን ወይ ናብ ክሕደት ዝዘበሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ንምልእቲ ጉባኤ ኸበላሽዉ ስለ ዝኽእሉ: በቲ ኽፍኣት ዝመልኦ ናይ ምእማን ክእለቶም ንሓቂ ኸም ዘይንእዘዝ ምእንቲ ኸይገብሩና ንኽሕደት ጸኒዕና ኽንጻረሮ ኣሎና።​—⁠ገላትያ 5:7-12፣ 2 ዮሃንስ 8-11

25. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክርስቶስ ናብ ኣየኖት ጉባኤታት ዝለኣኾ መልእኽቲ ኢና ኽንርኢ፧

25 እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ሕጂ ኽንምርምሮ ዝጸናሕና ንሰለስተ ካብተን ሸውዓተ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝርከባ ጉባኤታት ዝሃቦ ናእዳን ማዕዳን ብዛዕባ ዅነታትና ብዙሕ ከም እንመራመር ዝገብር እዩ! ይኹን እምበር: ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሐ ነተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ጉባኤታት እውን ተዛሪብወን እዩ። እዚ ናብ ትያቲራ: ሳርዴስ: ፊላደልፍያ: ከምኡውን ሎዲቅያ እተላእከ መልእኽቲ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኽንርእዮ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ናብቲ ክርስቶስ ንጉባኤታት ዝብለን ዘሎ ኸነቕልብ ዝግብኣና ስለምንታይ እዩ፧

• ነታ ጉባኤና ዝነበረታ ቐዳመይቲ ፍቕሪ እንደገና ሃልሃል ከም እትብል ንምግባር ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧

• እቶም ኣብ ጥንታዊት ስሚርና ዝነበሩ ብስጋ ድኻታት ክርስትያናት ሃብታማት ከም ዝዀኑ ጌርካ እተገልጹ ስለምንታይ እዮም፧

• ካብቲ ጉባኤ ጴርጋሞስ ዝነበረትሉ ዅነታት ብምብጋስ ንናይ ከሓድቲ ሓሳባት ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሪኽ

ንእሽቶ እስያ

ኤፌሶን

ስሚርና

ጴርጋሞስ

ትያቲራ

ሳርዴስ

ፊላደልፍያ

ሎዲቅያ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እቶም “ዓብዪ ጭፍራ” ኣብ ምድራዊ ገነት ክነብሩ እዮም

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

መስጐጕቲ ዘሕለፉ ክርስትያናት ንዓለም ዝሰዓሩ እዮም