ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽናዕ እሞ ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ክትዕወት ኢኻ

ጽናዕ እሞ ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ክትዕወት ኢኻ

ጽናዕ እሞ ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ክትዕወት ኢኻ

ብርቱዕ ማዕበል ኣብ ዘለዎ ባሕሪ ኽትጐዓዝ እንተ ዄንካ: እንታይ ዓይነት መጓዓዝያ ባሕሪ ምመረጽካ፧ ሓንቲ ንእሽቶ ጃልባዶ ወይስ ሓንቲ ድልድልቲ መርከብ፧ ብርቱዕ ማዕበላት ክትጻወር ስለ እትኽእል ንመርከብ ከም እትመርጽ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ንሕናውን ኣብዚ ሓያል ማዕበላትን ሓደገኛ ዅነታትን ዘለዎ ኣገባብ ብዙሕ ብድሆታት የጋጥመና እዩ። ንኣብነት: መንእሰያት ሓድሓደ ግዜ በዚ ኣብዛ ዓለም ዝርእይዎ ዘደናግር ሓሳባትን ዝንባለታትን ዝገብርዎ ይጨንቆም እዩ። ገሊኣቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ መገዲ ክርስትና ጕዕዞ ዝጀመሩ ውልቀ⁠-​ሰባት እተወሰነ ምጥርጣራት ክህልዎም ይኽእል። ንነዊሕ ዓመታት ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዘገልገሉ ጽኑዓት ክርስትያናት እውን ከይተረፉ እቲ ትጽቢታቶም ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይተፈጸመ ፈተና የሕልፉ ይህልዉ ይዀኑ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ሓድሽ ኣይኰነን። ከም እኒ ሙሴን እዮብን ዳዊትን ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ድኻም እተሰምዖም እዋን ነይሩ እዩ። (ዘሁልቍ 11:14, 15፣ እዮብ 3:1-4፣ መዝሙር 55:4) ይኹን እምበር: ኣብ ምሉእ ህይወቶም ጸኒዖም ንየሆዋ ውፉያት ብምዃኖም እዮም ዝፍለጡ። እቲ ሰናይ ኣብነቶም ንሕናውን ንኽንጸንዕ የተባብዓና: እንተዀነ ግን ሰይጣን ካብቲ ንዘለኣለም ህይወት እንገብሮ ቅድድም ከውጽኣና እዩ ዝደሊ። (ሉቃስ 22:31) እሞ ደኣ ከመይ ጌርና ኢና ‘ብእምነት ክንጸንዕ’ እንኽእል፧ (1 ጴጥሮስ 5:9) ኣመንቲ ብጾትና ንኽጸንዑኸ ብኸመይ ከነተባብዖም ንኽእል፧

የሆዋ ጽኑዓት ክንከውን ይደልየና

ንየሆዋ እሙናት እንተደኣ ዄንና: ፈልከት ዘይንብል ኴንና ንኽንቅጽል ወትሩ ኽሕግዘና እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዙሕ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣጋጢምዎ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ይገብር ብምንባሩ ግን “[የሆዋ] ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት . . . ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽኣኒ: ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቝሙ: ንስጕምተይ ኣጽንዖ” ክብል ከኣለ።​—⁠መዝሙር 40:2

የሆዋ ነታ ‘ህይወት ዘለኣለም ምእንቲ ኽንሕዛ’ “ጽቡቕ ገድሊ እምነት” ንኽንጋደል የበርትዓና። (1 ጢሞቴዎስ 6:12) ኣብ መንፈሳዊ ቕልስና ጽኑዓት ንኽንከውንን ንኽንዕወትን እውን መገዲ የዳሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንብጾቱ ክርስትያናት ‘ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን ክብርትዑ’ ከምኡውን ‘ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ክኽእሉ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ክለብሱ’ ተማሕጸኖም። (ኤፌሶን 6:10-17) እንተዀነ ግን: ንኽይንጸንዕ ዝገብረና እንታይ እዩ፧ ነዚ ኻብ ኣቕዋምና ኸነቓንቐና ዝፍትን ሓደገኛ ዅነታትከ ብኸመይ ክንጻወሮ ንኽእል፧

ካብ ኣቕዋምካ ኸልግሰካ ንዝፍትን ረቛሒታት ተጠንቀቐሉ

እቲ እንገብሮ ውሳነ ንክርስትያናዊ ኣቕዋምና እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ክጸልዎ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። መንእሰያት ብዛዕባ ኣብ ህይወቶም ዝስዕብዎ ሞያ: ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ: ብዛዕባ ሓዳር: ከምኡውን ብዛዕባ ኻልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ውሳነታት ክገብሩ የድልዮም እዩ። ዓበይቲ ድማ ናብ ካልእ ዓዲ ብዛዕባ ምግዓዝ ወይ ተወሳኺ ስራሕ ብዛዕባ ምስራሕ ዝምልከት ውሳነታት ክገብሩ የድልዮም ይኸውን። ንኣጠቓቕማ ግዜናን ብዙሕ ካልእ ነገራትን ዝምልከት እውን መዓልታዊ ውሳነታት ንገብር ኢና። ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ካብ ኣቕዋምና ፈልከት ንኸይንብል ኣበርክቶ ዝገብር ጥበባዊ ውሳነታት ንኽንገብር ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ እዩ፧ ሓንቲ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለት ክርስትያን “ውሳነ ኽገብር ከለኹ: ንየሆዋ ኽሕግዘኒ እሓቶ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ: ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት: ካብ ሽማግለታት: ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተመስረተ ጽሑፋት ዝወሃብ ምኽሪ ምቕባልን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ኣገዳሲ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን” በለት።

ውሳነ ኽንገብር ከለና: ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ንርእስና እንተ ሓተትና ሰናይ እዩ:- ‘ድሕሪ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ዓመት እዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘለኹ ውሳነ ኸሐጕሰኒ ድዩ ኸጣዕሰኒ፧ እዚ ውሳነታተይ ብመንፈሳዊ ኻብ ኣቕዋመይ ፈልከት ንኸይብል: እኳ ደኣስ ብመንፈስ ንኽዓቢ ኣበርክቶ ዝገብር ምዃኑ ኸረጋግጽ እጽዕር ድየ፧’​—⁠ፊልጲ 3:16

ገሊኣቶም እተጠምቁ ውልቀ⁠-​ሰባት ብፈተናታት ብምውዳቖም ወይ ሕጊ ኣምላኽ ክጥሕሱሉ ኣብ ዝኽእሉ ኵነታት ብምብጽሖም ርጉእ ህይወት ከም ዘይህልዎም ኰይኖም እዮም። ገለ ኻብቶም ሓጢኣት ድሕሪ ምግባሮም ስለ ዘይተነስሑ ኻብ ጉባኤ እተወገዱ ሰባት ብዙሕ ጽዒሮም ድሕሪ ምምላሶም እውን ብተመሳሳሊ ኣበሳ ነዊሕ ከይጸንሑ እንደገና ተወጊዶም። ‘ንኽፍኣት ንኽፍንፍንዎን ኣብ ሰናይ ንኽለግቡን’ ኣምላኽ ክሕግዞም ብዘይ​ምጽላዮምዶ ዀን ይኸውን እዚ ኣጋጢምዎም፧ (ሮሜ 12:9፣ መዝሙር 97:10) ኵላትና ‘ነእጋርና ትኽ ዝበለ መገዲ ኽንገብር’ የድልየና። (እብራውያን 12:13) እምበኣር ብመንፈሳዊ ድልዱላት ኴንና ንኽንቅጽል ዘኽእለና ገለ ነጥብታት ንርአ።

ብክርስትያናዊ ንጥፈታት ኣቢልካ ጽናዕ

ሓደ ኻብቲ ኣብ ቅድድም ህይወት ሓደ ዓይነት ኣሰጓጕማ ሒዝና ኽንቅጽለሉ እንኽእል መገዲ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ተሳትፎ ምግባር እዩ። እወ: ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ንኣልባብናን ኣእምሮናን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ከምኡውን ኣብቲ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘተኵር ንምግባር ካብ ዝሕግዘና ነገራት ሓደ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ “ፍቁራት ኣሕዋተየ: ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይትናቓነቑ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ” ብምባል ተላበዎም። (1 ቈረንቶስ 15:58) ‘ጽኑዕ’ ክበሃል ከሎ ‘ካብ ቦታኡ ዘይነቓነቕ’ ማለት ክኸውን ከሎ: ‘ዘይነቓነቕ’ ክበሃል ከሎ ድማ ‘ካብ መልህቑ ኽፍታሕ ዘይደሊ’ ዝብል ትርጕም እውን ዝሓዘ እዩ። ስለዚ: ኣብ ኣገልግሎት ትሑዛት ምዃንና ኣብ ክርስትያናዊ ናብራና ጽኑዓት ንኽንከውን ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል። ካልኦት ሰባት ንየሆዋ ኽፈልጡ ምሕጋዞም ንህይወትና ትርጕም ዘለዎ ይገብሮ: ሓጐስ ከኣ የምጽኣልና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎትን ኣብ ካልእ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትን ዘሕለፈት ፓውሊን እትበሃል ክርስትያን “ንኻልኦት ክምስክር ከለኹ: ሓቂ ምሳይ ከም ዘላ ስለ ዘረጋግጸለይ: ኣገልግሎት ዕቝባ እዩ” በለት። ንኣምልኾ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ: ተጊህካ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር: ከምኡውን ኣብ ካልእ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ኣዘውቲርካ ምስታፍ ምስዚ ናይዛ ሓብቲ ዝመሳሰል ስምዒት ንኽህልወካ የኽእል።

በቲ ፍቕሪ ዝመልኦ ሕውነት ጽናዕ

ክፍሊ ናይቲ ዓለምለኻዊ ማሕበር ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምዃን: ጸኒዕና ንኽንቅጽል ሓያል ጽልዋ ኽገብር ይኽእል እዩ። ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፈቃራት ኣሕዋት ምቅርራብ ከመይ ዝበለ ዓብዪ በረኸት ኰን እዩ! (1 ጴጥሮስ 2:17) ንሕናውን ንኣመንቲ ብጾትና ዘይነቓነቑ ንክዀኑ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።

በዚ ዝመጸ እቲ ቕኑዕ ዝነበረ እዮብ ዝገበሮ ተግባራት እስከ ንርአ። እቲ ናይ ሓሶት መጸናንዒ ዝነበረ ኤሊፋዝ እውን ከይተረፈ “ዘረባኻ ነቶም ሰንከልከል ዚብሉ ኣቕንዖም: ንዝደኸማ ኣብራኽውን ኣጽናዕካየን” ብምባል ኣፍልጦ ሂቡሉ እዩ። (እዮብ 4:4) ኣብዚ መዳይ እዚ ኸመይ ኢና፧ ነፍሲ ወከፍና ነቶም ብመንፈስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ንኽጸንዑ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ኣሎና። ኣብቲ ምስኦም ዘለና ርክብ “ነተን ዝሰነፋ ኣእዳው ኣበርትዑ: ነተን ወለል ዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ” ዝብላ ቓላት ክንዓየለን ኣሎና። (ኢሳይያስ 35:3) ስለዚ: ምስ ኣሕዋትካ ኣብ እተራኸብካሉ ዘበለ: ንሓደ ወይ ክልተ ክርስትያናት ብጾትካ ምብርታዕን ምትብባዕን ንምንታይ ሸቶኻ ዘይትገብሮ፧ (እብራውያን 10:24, 25) ንየሆዋ ንምሕጓስ ንዝገብርዎ ቀጻሊ ጻዕርታት ምስ እትንእዶ ወይ ምስ እተማስወሉ: ኣብቲ ቕድድም ህይወት ኽዕወቱ ተስፋ ብምግባር ንኽጸንዑ ኽሕግዞም ይኽእል እዩ።

ክርስትያን ሽማግለታት ንሓደስቲ ብምትብባዕ ኣቕሊልካ ዘይርአ ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉ እዮም። ጠቓሚ ሓሳባትን ጽቡቕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳን ብምሃብ ከምኡውን ምስቶም ሓደስቲ ሓቢሮም ብምግልጋል ነዚ ኽገብሩ ይኽእሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ወትሩ ንኻልኦት ዘተባብዓሉ ኣጋጣሚታት የናዲ ነበረ። ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት ብመንፈስ ምእንቲ ኸጸናንዖም ኢሉ: ክርእዮም ይናፍቕ ነበረ። (ሮሜ 1:11) ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ዘፍቅሮም ኣሕዋቱን ኣሓቱን ‘ሓጐሱን ኣኽሊሉን’ ከም ዝዀኑ ገይሩ ይርእዮም ነበረ: “ከምዚ ዄንኩም ብጐይታ ጽንዑ” ኢሉ ድማ ተማሕጸኖም። (ፊልጲ 4:1) እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ጸገማት ምስ ሰምዐ ኸኣ ‘በቲ ጸበባ ሓደ እኳ ሰንከልከል ምእንቲ ኸይብል: ኸጽንዖምን ከህድኦምን’ ኢሉ ንጢሞቴዎስ ለኣኸሎም።​—⁠1 ተሰሎንቄ 3:1-3

ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ነቲ ብጾቶም ኣምለኽቲ ብተኣማንነት ዝገብርዎ ጻዕርታት ኣማስዮምሉ እዮም። (ቈሎሴ 2:5፣ 1 ተሰሎንቄ 3:7, 8፣ 2 ጴጥሮስ 1:12) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብ ድኽመት ኣሕዋትና ዘይኰነስ: ኣብ ሰናይ ባህርያቶም ከምኡውን ኣብቲ ጸኒዖም ንምቕጻልን ንየሆዋ ክብሪ ንምምጻእን ኣብ ዝገብርዎ ቓልሲ ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ነተኵር።

ጌጋታት እንኣሪ ወይ ነቐፍቲ እንተ ዄንና: ከይተፈለጠና ንገሊኣቶም ኣብ እምነት ንኽጸንዑ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀኖም ኢና እንገብር። ኣሕዋትና ኣብዚ ኣገባብ እዚ “ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ምዃኖም ክንርስዕ የብልናን። (ማቴዎስ 9:36) ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ምጽንናዕን ዕረፍትን ክረኽቡ እንተ ተጸበዩ እምበኣር ሓቆም እዮም። ስለዚ: ኵላትና ንኣመንቲ ብጾትና ንምህናጽን ጸኒዖም ንኽቕጽሉ ንምሕጋዝን ዝከኣለና ዅሉ ንግበር።

ካልኦት ሰባት ሓሓሊፎም ንጽንዓትና ዘዳኽም ነገር ይገብሩ ይዀኑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ሕማቕ ዘረባ ወይ ሕያውነት ዝጐደሎ ተግባር ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ከዳኽሞ ነፍቅደሉ ዲና፧ ኣይፋልን: ዋላ ሓደ እኳ ኻብ ጽንዓትና ፈልከት ከብለና ኣይነፍቅደሉ!​—⁠2 ጴጥሮስ 3:17

መብጽዓታት ኣምላኽ የጽንዓና

የሆዋ ብዛዕባቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ዝህሉ ዘደንቕ ኵነታት ዝኣተዎ መብጽዓ: ጽኑዓት ኴንና ንኽንቅጽል ዘኽእለና ተስፋ ይህበና። (እብራውያን 6:19) የሆዋ ወትሩ መብጽዓታቱ ኸም ዝፍጽም ዘሎና እምነት ከኣ ‘ንኽንነቅሕን ኣብ እምነት ንኽንጸንዕን’ ይድርኸና። (1 ቈረንቶስ 16:13፣ እብራውያን 3:6) መብጽዓታት ኣምላኽ ዝደንጐየ መሲሉ እንተ ተራእየና: እምነትና ትፍተን ትኸውን። ስለዚ እምበኣር ብናይ ሓሶት ትምህርትታት ከይንስሕትን ካብ ተስፋና ንኸይንዘብልን ክንጥንቀቕ ኣሎና።​—⁠ቈሎሴ 1:23፣ እብራውያን 13:9

እስራኤላውያን ኣብ መብጽዓታት የሆዋ እምነት ብዘይ​ምግባሮም ኣብ በረኻ ምህላቖም: ንዓና መጠንቀቕታ ክዀነና ኣለዎ። (መዝሙር 78:37) ከምኦም ኣብ ክንዲ ምዃን: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣምላኽ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት እናኣገልገልና ንጽናዕ። ሓደ ብዙሕ ተመክሮ ዘለዎ ሽማግለ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ንጽብሒቱ ኸም እትመጽእ ገይረ እናሓሰብኩ እየ ዝመላለስ” በለ።

እወ: እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ! ናብ ኣምላኽ ክሳዕ ዝቐረብና ግን ዘፍርህ ነገር የብልናን። ንጽድቃዊ ስርዓታቱ ጠቢቕና እንተ ስዒብናን ጽኑዓት እንተ ዄንናን: ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ዕዉታት ክንከውን ንኽእል ኢና!​—⁠ምሳሌ 11:19፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:12, 17-19

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ብጾትካ ጽኑዓት ንክዀኑ ዝከኣለካ ሓገዝዶ ትህቦም ኣለኻ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

The Complete Encyclopedia of Illustration/J. G. Heck