ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ኣመና ንዝሓመመ ወይ ንዝኣረገ እንስሳ ምቕታል ጌጋ ድዩ፧
ብዙሓት ሰባት በብዓይነቱ እንስሳ ይፈትዉ: ኣብ ቤቶም ምሓዝ ድማ ባህ ይብሎም። ገሊኣቶም ዝለመዱ እንስሳታት ንፉዓት ብጾት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: ኣኽላባት እዙዛትን ንጐይተቶም ዝፈትዉን ብምዃኖም ፍሉጣት እዮም። ስለዚ: ሰባት ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እንስሳታት ብፍላይ ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ምሳታቶም ንዝነበረ እንስሳ ምፍታዎም ዘገርም ኣይኰነን።
ይኹን እምበር: ዕድመ መብዛሕትኦም ናይ ገዛ እንስሳታት ነዊሕ ኣይኰነን። ኣኽላባት ከከም ዓይነቶም ካብ 10 ክሳዕ 15 ዓመት ክነብሩ ኸለዉ: ዕድመ ደማሙ እውን ካብዚ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኰነን። እንስሳታት ኣብ ዝኣርጉሉ እዋን ስለ ዝሓሙን ዝስንክሉን: ነቶም ብንኣሽቱኦም ክዘሉ ኸለዉ ዝፈልጥዎም ዋናታቶም እዚ የጕህዮም እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘለዉ እንስሳታት ብምቕታል ካብ ስቓዮም ምግልጋል ጌጋ ድዩ፧
ክርስትያናት ኣብ ኣተሓሕዛ እንስሳታት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ክመላለሱ እዮም ዝደልዩ። ቃል ኣምላኽ “ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ” ስለ ዝብል: ንእንስሳታት ብጭካነ ምሓዝ ብርግጽ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ኣይኰነን። (ምሳሌ 12:10) ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ኣምላኽ ንእንስሳታት ማዕረ ሰባት ይርእዮም ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ ንሰባት ክፈጥር ከሎ: ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ እንስሳታትን ንጹር ፍልልይ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ። ንኣብነት: ንደቅሰብ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ክህቦም ከሎ: ንእንስሳታት ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ፈጺሙ ኣይሃቦምን። (ሮሜ 6:23፣ 2 ጴጥሮስ 2:12) ፈጣሪ ብምዃኑ ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን ክህሉ ብዛዕባ ዘለዎ ርክብ ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎ።
ዘፍጥረት 1:28 እዚ ርክብ እዚ እንታይ ምዃኑ ትገልጸልና። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰባት “ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” በሎም። ብተመሳሳሊውን መዝሙር 8:6-8 ኣምላኽ ንሰብ ብዛዕባ ዝፈጠረሉ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ “ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ: ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ: ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓን: ንእንስሳታት በረኻውን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን” ትብል።
ሰባት ንእንስሳታት ብዝግባእ ክጥቀሙሎምን ክቐትልዎምን ከም ዝኽእሉ ኣምላኽ ንጹር ገይርዎ እዩ። ንኣብነት: ቈርበቶም ንኽዳን ከገልግል ይኽእል። ድሕሪ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ልዕሊ እቲ ልሙዕ ብቝሊ ምድሪ: ስጋ እንስሳታት እውን ክበልዑ ፈቐደሎም።—ዘፍጥረት 3:21፣ 4:4፣ 9:3
እዚ ግን ንኽትዘናጋዕ ኢልካ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ምቕታል ዘፍቅድ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘፍጥረት 10:9 ንኒምሮድ “ጅግና ሃዳኒ” ነበረ ብምባል ይገልጾ። እንተዀነ ግን: እታ ጥቕሲ እቲኣ “ንየሆዋ ብምጽራር” (NW ) እውን ትብል እያ።
ስለዚ: ሰብ ንእንስሳታት ዝመልኮም እኳ እንተዀነ: ንስልጣኑ ግን ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ስርዓታት ብምስምማዕ ደኣ እምበር ብዘይግቡእ ክጥቀመሉ የብሉን። እዚ ኸኣ ንሓደ ኣዝዩ ዝኣረገ: ዝቘሰለ: ወይ ዘይሓዊ ሕማም ንዘለዎ እንስሳ ክሳቐ ዘይምሕዳጉ እውን ከጠቓልል ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ሓደ ክርስትያን እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ እንስሳ ንኽሓዊ ተስፋ ስለ ዘይብሉ ኽሳቐ ዘይምሕዳጉ ዝሓሸ ምዃኑ እንተ ወሲኑ: ክቐትሎ ይኽእል እዩ።