ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ!

መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ!

ታሪኽ ህይወት

መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ!

ረጅንልድ ዎልዎርክ ዘዘንተዎ

“ምስቲ ሚስዮናውያን ኴንና ንየሆዋ ብምሉእ ግዜና ኣብ ዘገልገልናሉ እዋን ዝረኸብናዮ ሓጐስ ዝወዳደር ነገር ኣብዛ ዓለም የለን!” ብዓልቲ ቤተይ ኣብ ግንቦት 1994 ድሕሪ ሙማታ: እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብቲ ወረቓቕታ ረኸብክዎ።

ነዘን ኣይሪን ዝጸሓፈተን ቃላት ክሓስበለን ከለኹ: ኣብ ፔሩ ሚስዮናውያን ኴንና ዘሕለፍናየን 37 ባህ ዘብላ ዓመታት እየን ትዝ ዝብላኒ። ኣብ ታሕሳስ 1942 ካብ እተመርዓናሉ ግዜ ኣትሒዙ: ብሓቂ ተደጋጊፍና ኢና ንነብር ኔርና። እምበኣር ዛንታይ ካብዚ እንተ ጀመርኩ ግቡእ ይመስለኒ።

ኣይሪን ኣብ ሊቨርፑል: ዓዲ እንግሊዝ: ኣብ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ​ቤት እያ ዓብያ። ክልተ ኣሓት ክህልዋኣ ኸለዋ: ኣቦኣ ድማ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ሞተ። ድሕርዚ ኣዲኣ ዊንተን ፍሬዘር ዝበሃል ሰብኣይ ተመርዓወት: ሲድኒ ዝበሃል ወዲ ድማ ወለዱ። ቀቅድሚ ካልኣይ ውግእ ዓለም: እታ ስድራ​ቤት ናብ ባንጎር: ሰሜን ዌልስ: ገዓዘት እሞ ኣብኡ ኸኣ ኣይሪን ብ1939 ተጠምቀት። ሲድኒ ብድሕሪኣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ተጠምቀ: ንሱን ኣይሪንን ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ዌልስ ኣብ ዝርከብ ካብ ባንጎር ክሳዕ ካርናርቨን ኣብ ዘሎ ኸባቢ: እንተላይ ኣብ ደሴት ኣንግለሲ ፓይነራት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኰይኖም ኣገልገሉ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ሊቨርፑል ብደቡባዊ ምብራቕ 20 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቓ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ራንኮርን ከምዚ ሕጂ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዝበሃል ዘሎ ዀይነ አገልግል ነበርኩ። ናይ ወረዳ ኣኼባ ኣብ ዝገበርናሉ እዋን ኣይሪን ምስታ ኣብ ራንኮርን እትነብር ዝነበረት ቬራ እትበሃል ብዓልቲ ሓዳር ሓብታ ዓሪፋ ስለ ዝነበረት: እተገልግለሉ ዞባ ኽህባ ሓተተትኒ። ኣብቲ ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሓትሉ እዋን ኣነን ኣይሪንን ጽቡቕ ንረዳዳእ ነበርና: ድሕርዚ እውን ኣብ ባንጎር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብተደጋጋሚ እበጽሓ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ኽትምርዓወኒ ሓቲተያ ሕራይ ምስ በለተኒ: ናይ ብሓቂ እየ ተሓጒሰ!

ሰንበት መዓልቲ ናብ ቤተይ ምስ ተመለስኩ: ብኡንብኡ ንመርዓና መደባት ከውጽእ ጀመርኩ: እንተዀነ ግን ሰሉስ ሓንቲ ተሌግራም መጸትኒ። “እዛ ተሌግራም እዚኣ እትጐድኣካ ብምዃና ኣይትሓዘለይ። መርዓና ሰሪዘዮ እየ። ደብዳበ ክልእኸልካ እየ” ትብል ነበረት። በዚ ሰምበድኩ። እንታይ ደኣ ዀን ረኺብዋ፧

ኣይሪን ዝለኣኸታ ደብደበ ንጽብሒቱ በጽሓትኒ። ምስ ሂልዳ ፓጀት ኣብ ሆርስፎርተዝ: ዮርክሻየር: ፓይነር ኰይና ኸተገልግል ምዃና ሓበረትኒ። a ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዘድልዩሉ ቦታ ኸይዳ ንምግልጋል ፍቓደኛ ምዃና ተሰማሚዓ ነይራ። “እዚ ንዓይ ልክዕ ንየሆዋ መብጽዓ ኸም ምእታው እዩ ነይሩ: ንዓኻ ቕድሚ ምፍላጠይ ንዕኡ ቓል ስለ ዝኣተኹሉ ድማ: መብጽዓይ ክፍጽም ኣሎኒ” ኢላ ጸሓፈትለይ። በዚ እኳ እንተ ሓዘንኩ: ቃላ ንምፍጻም ዘለዋ ቘራጽነት ኣዝየ ስለ ዘድነቕክዎ ብተሌግራም “ኪዲ: ኣነ ኸኣ ክጽበየኪ እየ” ኢለ መለስኩላ።

ኣይሪን ኣብ ዮርክሻየር ከላ: ሕልናኣ ኸም ዘየፍቅደላ ብምግላጽ ንውግእ ብዘይ​ምድጋፋ ንሰለስተ ወርሒ ኽትእሰር ተፈርዳ። ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ግን ኣብ ታሕሳስ 1942 ተመርዓና።

ብግዜ ንእስነተይ

ብ1919 ኣደይ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስተን ተኸታታሊ ጥራዛት ዓደገት። b ከምቲ ኣቦይ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝበሎ መጽሓፍ ዝበሃል ኣንቢባ ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ነበረት: ነዘን ጥራዛት እዚኣተን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣረኣኣየት ተጠንቂቓ ኸተጽንዐን ቈሪጻ ነበረት። ከምቲ ዝዓለመቶ ገበረት: ብ1920 ከኣ ተጠምቀት።

ኣቦይ ተሪር ስለ ዘይነበረ ነደይ ዝደለየቶ ኽትገብር ኣይከልከላን። ስለዚ ድማ ንኣርባዕቴና ደቃ: ማለት ግወንን ኣይቪን ንዝበሃላ ኣሓተይን ንዓይን ኣሌክ ንዝበሃል ሓወይን: ብመገዲ ሓቂ ኸተዕብየና ፈቐደላ። ኣብቲ ግዜ እቲ ስታንሊ ሮጀርስን ካልኦት ኣብ ሊቨርፑል ዝነበሩ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣስተምህሮ ንኽህቡና ናብታ ኣብ ራንኮርን ዝቘመት ሓዳስ ጉባኤ ይመጹ ነበሩ። ስድራ​ቤትና ድማ ምስታ ጉባኤ ሓቢራ ብመንፈስ በልጸገት።

ግወን ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ እናኸደት ትመሃር ነበረት: ንሳን ኣደይን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዓ ምስ ጀመራ ግን ኣቋረጸቶ። እቲ ቐሺ ናብቲ ትምህርቲ ስለምንታይ ከም ዘይትመጽእ ንኽፈልጥ ክበጽሓና ምስ መጸ: ክምልሶ ዘይክእል ብዙሕ ሕቶታት ኣጋጠሞ። ግወን ብዛዕባ ትርጕም ኣቡነ⁠-​ዘበሰማያት ሓተተቶ: ንሳ ባዕላ ድማ ገለጸትሉ! ኣብ መወዳእታ 1 ቈረንቶስ 10:21 ብምጥቃስ: ‘ካብ ክልተ መኣዲ ክትምቀል’ ከም ዘይትደሊ ንጹር ገበረትሉ። እቲ ቐሺ ኻብ ገዛና ኽወጽእ ከሎ: ንግወን ከም ዝጽልየላን ሕቶታታ ኽምልሰላ ተመሊሱ ኸም ዝመጽእን ተዛረበ: ድሕሪኡ ግን ገዛና ረጊጽዋ ኣይፈልጥን። ግወን ምስ ተጠምቀት ነዊሕ ከይጸንሐት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰነት።

ኣብ ጉባኤና ንንኣሽቱ ዝግበር ዝነበረ ቘላሕታ ዝነኣድ እዩ ነይሩ። ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ: ሓደ ኻብ ካልእ ጉባኤ ዝመጸ ሽማግለ ዝርርብ ክህብ ትዝ ይብለኒ። እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ: ናባይ መጺኡ ኣዘራረበኒ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዛዕባ ኣብርሃምን ንወዱ ይስሃቅ ብኸመይ ክስውኦ ኸም ዝፈተነን ከም ዘንበብኩ ገለጽኩሉ። ንሱ ድማ “ኣብቲ መድረኽ ደይብካ: ብዛዕባኡ ንገረኒ” በለኒ። ሽዑ ኣብቲ መድረኽ ደው ኢለ ንመጀመርታይ “ህዝባዊ ዝርርብ” ክህብ ከለኹ ብሓጐስ ፍንጭሕ በልኩ!

ብ1931 ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰንኩ ተጠመቕኩ: በታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ኣደይ ሞተት: ኣነውን ትምህርተይ ኣቋሪጸ ምስ ሰብ ሞያ ኤለክትሪክ ተጸጊዐ ኽሰርሕ ጀመርኩ። ብ1936 ኣብ ዲስኮታት እተቐድሐ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርባት ንህዝቢ እነስምዓሉ ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ: ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኸኣ ንዓይን ንሓወይን ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ኽንሳተፍ ኣተባብዐትና። ስለዚ ኣነን ኣሌክን ብሽክለታን ብጐድና እትጠብቕ ነቲ ፎኖግራፍ እትስከም ዓረብያን ንምዕዳግ ናብ ሊቨርፑል ከድና። ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኽ እታ ዓረብያ ንላዕሊ ኽልተ ሜትሮ ዝቝመቱ ዘንጊ ብምግጣም ኣብ ላዕሊ ነቲ መጕልሒ ድምጺ ተኸልናዮ። እቲ ነዚ ዝሰርሓልና ብዓል ሞያ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገር ሰሪሑ ኸም ዘይፈልጥ እኳ እንተ ገለጸልና: እታ ኣቕሓ ግን ጽቡቕ ኣገልገለትና! እታ ሓብቲ ንዝሃበትና ምትብባዕን ነቲ እተዋህበና ፍሉይ መሰልን ነማስወሉ ብምንባርና ድማ ንዞባና ብቕንኣት ሸፈንና።

ካልኣይ ውግእ ዓለም​—⁠እዋን ፈተና

ውግእ የንጸላልወሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ኣነን ስታንሊ ሮጀርስን “እታ ሓቃ ትውጻእ” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ብ11 መስከረም 1938 ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ ሮያል ኣልበርት ከም ዝግበር ምልክታ ንነግር ነበርና። ጸኒሑ ድማ እቲ ሽዑ ዝቐረበ ዝርርብ ብመልክዕ ጽሑፍ ምስ ተዳለወ: ምስታ ንዓመታኡ እተሓትመት ፋሺዝም ኦር ፍሪደም ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብሓባር ኣብ ምዕዳል እጃመይ ኣበርከትኩ። ክልቲአን ጽሑፋት ነቲ ናይ ጀርመን መራሒ ዝነበረ ሂትለር ዝነበሮ ውልቀ⁠-​ምልካዊ ህርፋን ዘቃልዓ ነበራ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቶም ተቐማጦ ራንኮርን ብስብከተይ ውሩይ ኰንኩ: በዚ ድማ የኽብሩኒ ነበሩ። እወ: ኣብ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ንጡፍ ብምንባረይ ንዳሕራዩ ጠቒሙኒ እዩ።

እታ ዝሰርሓላ ዝነበርኩ ትካል ንሓደ ኣብ ደረት እቲ ኸተማ ዝርከብ ሓድሽ ፋብሪካ ኤለክትሪክ መስመር ንምዝርጋሕ ውዕል ተፈራረመት። እቲ ፋብሪካ ኣጽዋር ውግእ ዘፍሪ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ: ኣብኡ ኽስርሕ ከም ዘይክእል ንኣስራሕተይ ንጹር ገበርኩሎም። እቶም ኣስራሕተይ በዚ እኳ እንተ ዘይተሓጐሱ: ሓለቓይ ስለ እተኸላኸለለይ ግን ካልእ ስራሕ ተዋህበኒ። ጸኒሐ ሓትኖኡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና ፈለጥኩ።

ሓደ መሳርሕተይ እውን “ረጅ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕዮ ስለ እተጸመድካ: ከምዚ ኽትገብር ኢና ንጽበየካ ኔርና” ምስ በለኒ ብዙሕ ተተባባዕኩ። ይኹን እምበር: ብዙሓት መሳርሕተይ ከጥቅዑኒ ይደልዩ ብምንባሮም ጥንቁቕ ክኸውን ነይሩኒ።

ሕልናይ ከም ዘየፍቅደለይ ብምግላጽ ንኽምዝገብ ዘቕረብክዎ ሕቶ: ካብቲ ዝነበርክዎ ስራሕ እንተ ዘይወጺአ ጥራይ ከም ዝፍቀደለይ ብምጥቃስ ኣብ ሰነ 1940 ኣብ ሊቨርፑል ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ተቐባልነት ረኸበ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ክርስትያናዊ ኣገልግሎተይ ክቕጽል ከኣልኩ።

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት

እቲ ውግእ ምስ ኣኽተመ: ስርሐይ ገዲፈ ምስ ኣይሪን ሓቢረ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ክኸውን ወሰንኩ። ብ1946 ሓንቲ 5 ሜትሮ ዝምንዋሓ መንበሪና ዀይና እተገልግል ተጐታቲት ሰራሕኩ: ንዓመታኡ ድማ ናብታ ኣብ ግላስተርሻየር እትርከብ ኣልቨስተን እትበሃል ቍሸት ክንግዕዝ ጻውዒት ቀረበልና። ድሕሪኡ ድማ ኣብታ ጥንታዊት ከተማ ሳይረንሰስተር ከምኡውን ኣብ ባዝ እትበሃል ከተማ ፓይነራት ኴንና ኣገልገልና። ብ1951 ገያሺ ተዓዛቢ ብምዃን ኣብ ደቡብ ዌልስ ንዝርከባ ጉባኤታት ክበጽሐን ጻውዒት ቀረበለይ: ድሕርዚ ኽልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ግን ጕዕዞ ናብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኰነ።

እቲ መበል 21 ክፍሊ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ ግዝኣት ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ደቡብ ላንሲን ኣብ ዝበሃል ቦታ ተኻየደ: ኣብቲ ብ1953 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ እተገብረ “ሕብረተሰብ ሓዳስ ዓለም” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ ኸኣ ተመረቕና። ኣነን ኣይሪንን ክሳዕ እታ እተመረቕናላ ዕለት ኣበይ ከም እንምደብ ኣይፈለጥናን። ናብ ፔሩ ኸም እተመደብና ምስ ፈለጥና ግን ኣዚና ተሓጐስና። ከመይሲ: እቲ ንኣይሪን በደ ሓዋ ዝዀነ ሲድኒ ፍሬዘርን ብዓልቲ ቤቱ ማርጋሬትን ካብ መበል 19 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ካብ ዝምረቑ ኣትሒዞም ኣብ ሊማ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት የገልግሉ ነበሩ።

ቪዛ ኽውቅዓልና እናተጸበና ኸሎና: ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዝርከብ ቤትኤል ንሓጺር እዋን ኣገልገልና: ነዊሕ ከይጸናሕና ግን ናብ ሊማ ኸድና። ካብቲ ሚስዮናውያን ኴንና ዘገልገልናሉ ዓሰርተ ቦታታት ፈለማ ኣብታ ብሸነኽ ምብራቕ ሊማ እትርከብ ቀንዲ ወደብ ፔሩ ዝዀነት ካያኦ ኢና ተመዲብና። መባእታዊ ቋንቋ ስጳኛ እኳ እንተ ተመሃርና: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣነ ዀንኩ ኣይሪን በቲ ቛንቋ እቲ ኽንዘራረብ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና። ብኸመይ ደኣ ኢና ኣገልግሎትና ኽንፍጽም፧

ኣብ ስብከት ዘጓነፈና ጸገማትን ዝረኸብናዮ ረብሓታትን

ኣብ ጊልዓድ ከሎና ኣደ ንውላዳ ቛንቋ ኸም ዘይትምህሮ: የግዳስ እቲ ቘልዓ ኣዲኡ ኽትዛረብ ከላ ኸም ዝመሃር ተነጊሩና ነይሩ። ስለዚ ድማ “ብኡብኡ ኽትሰብኩ ጀምሩ: ነቲ ቛንቋ ኸኣ ካብቲ ህዝቢ ተምሃርዎ። እቲ ህዝቢ ኽሕግዘኩም እዩ” ዝብል ማዕዳ ተዋህበና። ኣብቲ ዓዲ ኻብ ዝኣቱ ኽልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን ገና ሓድሽ ቋንቋ ምዝራብ እንታይ ጸገማት ከም ዘለዎ ክርዳእ ምስ ጀመርኩ: ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ጉባኤ ካያኦ ዀይነ ኸገልግል ከም እተመዘዝኩ ምስ ፈለጥኩ እተሰምዓኒ እሞ ገምትዎ! ንሲድኒ ፍሬዘር ከዘራርቦ ፈተንኩ: እንተዀነ ግን ካብቲ ኣብ ጊልዓድ እተዋህበና ማዕዳ እተፈልየ ነገር ኣይሃበንን። ምስታ ጉባኤን ምስቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባትን ክሕወስ መዓደኒ። ስለዚ ማዕዳኡ ኽስዕብ ቈረጽኩ።

ሓደ ቐዳም ንግሆ: ንሓደ ጸራቢ ኣብ ቤት ዕዮኡ ኽዓዪ ኸሎ ረኸብክዎ። ንሱ ድማ “ስርሐይ ከቋርጽ ስለ ዘይክእል: ኮፍ ኢልካ ኸተዘራርበኒ ትኽእል ኢኻ” በለኒ። ኣነውን ሓደ ነገር እንተ ገይሩለይ ነዚ ኽገብር ፍቓደኛ ምዃነይ ገለጽኩሉ። “ክጋገ ኸለኹ: በጃኻ ኣርመኒ። በዚ ኣይቅየመካን እየ” በልክዎ። እዚ ኣስሓቖ: ከምኡ ንምግባር ድማ ተሰማምዐ። ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ እበጽሖ ነበርኩ: እዚ ኸኣ ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረኒ ነቲ ሓድሽ ቋንቋ ኽመልኮ ሓጋዚ ዀይኑ ረኸብክዎ።

በጋጣሚ ኣብታ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናላ ኢካ እትበሃል ካልአይቲ ኸተማ: ምስ ካልእ ጸራቢ ተራኸብኩ: ምስቲ ኣብ ካያኦ ዝነበረ ጸራቢ እንገብሮ ዝነበርና ድማ ገለጽኩሉ። ንሱውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኽሕግዘኒ ፍቓደኛ ዀነ: በዚ ኸምዚ ንቛንቋ ስጳኛ ምሉእ ብምሉእ ንኽመልኮ ሰለስተ ዓመት እኳ እንተ ወሰደለይ: ክእለተይ ግን ብቕልጡፍ እናተመሓየሸ ኸደ። እዚ ኻልኣይ ጸራቢ ወትሩ ብስራሕ ትሑዝ እዩ ነይሩ: ኣነ ድማ ጥቕስታት ኣንቢበ ትርጕሙ ብምግላጽ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ እሕግዞ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ኽበጽሖ ምስ ከድኩ: ኣብ ሊማ ሓድሽ ስራሕ ስለ ዝረኸበ ኸም ዝለቐቐ እቲ ኣስራሒኡ ነገረኒ። ጸኒሑ ኣነን ኣይሪንን ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምክፋል ናብ ሊማ ምስ ከድና: ምስቲ ሰብኣይ እንደገና ተራኸብና። ምስቶም ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምርኻብ መጽናዕቱ ኸም ዝቐጸለን ንሱን ኵሎም ኣባላት ስድራ​ቤቱን ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ዝዀኑን ምስ ፈለጥኩ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ!

ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዘይተመርዓዉ ግን ከኣ እተጠምቁ ሰብኣይን ሰበይትን ረኸብና። ብዛዕባዚ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሃቦ ስርዓታት ምስ ገለጽናሎም: ከም እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ብቑዓት ምእንቲ ክዀኑ ሓዳሮም ሕጋዊ ንምግባር ቈረጹ። ስለዚ: መርዓኦም ንምምዝጋብ ናብ ምምሕዳር ከተማ ኽወስዶም ወሰንኩ። እንተዀነ ግን ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዘይተመዝገቡ ኣርባዕተ ውሉዳት ስለ ዝነበርዎም ሽግር ተፈጥረ። ከመይሲ ንሳቶም እውን ብመሰረት ናይቲ ዓዲ ሕጊ ኽምዝገቡ ነበሮም። እቲ ኸንቲባ እንታይ ስጕምቲ ኸም ዝወስድ ክንሓስብ ጀመርና። ንሱ ግን “እዞም ጥዑያት ሰባት ማለት እዞም ፈተውትኹም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መርዓኹም ሕጋዊ ንምግባር ቈሪጾም ብምምጻኦም: ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ገዲፈ ንዅሎም ደቅኹም ብዘይ​ ክፍሊት ክምዝግቦም እየ” በለ። እቶም ኣባላት እታ ስድራ​ቤት ድኻታት ብምንባሮም ዝዀነ ይኹን ክፍሊት ስለ ዝኸብዶም: ነዚ ብዙሕ ኢና ኣማሲውናሉ!

ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመጸ ኣልበርት ዲ. ሽሮደር: ኣብ ክንየዋይ ሸነኽ ሊማ ሓድሽ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ክኽፈት ሓሳብ ሃበ። ስለዚ: ኣነን ኣይሪንን: ፍራንሰስ ጉድን ኤሊዛቤት ጉድን ዝበሃላ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጻ ኽልተ ኣሓት: ከምኡውን ካብ ካናዳ ዝመጹ ሰብኣይን ሰበይትን ናብ ሳን ቦርሃ ገዓዝና። ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰለስተ ዓመት ሓንቲ ጽቡቕ ዕቤት እትገብር ጉባኤ ቘመት።

ኣብታ ኣብ ማእከላይ ከበሳታት እትርከብ ልዕሊ 3,000 ሜትሮ ዝምብራኻ ዋንኪዮ እትበሃል ከተማ ኸኣ 80 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዝርከብዋ ጉባኤ ኣገልጊልና ኢና። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኣብታ ሃገር ካብ እተሰርሐ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ነታ ኻልአይቲ ኣብ ምህናጽ ተኻፈልኩ። ነቲ ዝዓደግናዮ መሬት ዋናታቱ ምዃንና ንምርግጋጽ ሰለስተ ሳዕ ናብ ቤት ፍርዲ ኽንከይድ ስለ ዝነበረና: ሕጋዊ ተወካሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ ንኸገልግል ተመዘዝኩ። እዚ ዕዮ እዝን እቶም ሽዑ ዝነበሩ እሙናት ሚስዮናውያን ዝፈጸምዎ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ሰፊሕ ዕዮን: ነቲ ሕጂ ኣብ ፔሩ እንርእዮ ዘለና ዘደንቕ ወሰኽ ድልዱል መሰረት ኰይንዎ እዩ። ካብቲ ብ1953 ዝነበሩ 283 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጂ ልዕሊ 83,000 በጺሖም ኣለዉ።

ዘሕዝን ምፍልላይ

ምስቶም ምሳና ዝነብሩ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ጽቡቕ ምሕዝነት እዩ ነይሩና: ኣነውን ብዙሕ ግዜ ተዓዛቢ ኣባይቲ ሚስዮናውያን ኰይነ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኺበ እየ። ሰኑይ ሰኑይ ንግሆ ብዛዕባቲ ኣብቲ ሰሙን እንገብሮ ንጥፈታትን ዕዮ ገዛ ንምምዳብን ተኣኪብና ንዘራረብ ነበርና። እቲ ቐንዲ መዝነትና ስብከት ምዃኑ ዅልና ንግንዘቦ ስለ ዝነበርና: ነዚ ንምፍጻም ከኣ ብስኒት ንዓዪ ነበርና። ኣብዚ ኣባይትና እዚ ጕሉሕ ዘይምርድዳእ ኣጓኒፉ ዘይፈልጥ ምዃኑ የሐጕሰኒ እዩ።

ንመወዳእታ ግዜ ኣብቲ ብረኛ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ሊማ ዝርከብ ቦታ ኢና ተመዲብና። ኣባላት እታ 70 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበርዋ ፍቕሪ ዝሰፈና ጉባኤ ነዊሕ ከይጸንሐ ወሰኽ ብምግባር ልዕሊ 100 ዀኑ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ፓሎሚንያ ካልእ ጉባኤ ቘመት። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እያ ኣይሪን ዝሓመመት። ፈለማ ነቲ እተዛረበቶ ነገራት ክትርስዖ ኸም ዝጀመረት ከስተብህል ጀመርኩ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ናብ ቤትና ብኸመይ ከም እትምለስ ክጠፍኣ ጀመረ። ጽቡቕ ሕክምና እኳ እንተ ተገብረላ: ሕማማ እናገደደ ኸደ።

እቲ ዘሕዝን ከኣ ብ1990 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ሒዘያ ኽምለስ ነበረኒ: ኣብኡ ድማ ኣይቪ ሓብተይ መርሓባ ኢላ ኣብ ቤታ ተቐበለትና። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣይሪን ኣብ 81 ዓመታ ሞተት። ኣነውን ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብታ ዝዓበኹላ ኸተማ ዝርከባ ሰለስተ ጉባኤታት ሽማግለን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋልን ብምዃን ኣገልግሎተይ ቀጸልኩ። ሓሓሊፈ ነታ ኣብ ማንቸስተር እትርከብ ጕጅለ ቛንቋ ስጳኛ ንምትብባዕ ናብኡ እጐዓዝ እየ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት ንሰባት ኣብ በቤቶም እናኸድኩ ሓሙሽተ ደቒቕ ዝወስድ ዝርርብ ብፎኖግራፍ ኣብ ዘስምዓሉ ዝነበርኩ እዋን ዝጀመረ ዘሐጕስ ተመክሮ ኣጋጢሙኒ። ሓንቲ ብድሕሪ ኣዲኣ ደው ኢላ ንመልእኽትና ዝሰምዐት ተምሃሪት ኣጸቢቐ እየ ዝዝክራ።

እዛ ጓል እዚኣ ድሕሪ ግዜ ናብ ካናዳ ገዓዘት: ሓንቲ ኽሳዕ ሕጂ ኣብ ራንኮርን እትነብር ዘላ ኣብዚ እዋን እዚውን ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት መሓዛኣ ምስኣ ደብዳበ ትጸሓሓፍ ነበረት። እታ ናብ ካናዳ ዝገዓዘት ድማ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝመጽኣኣ እሞ ነቲ ኣብቲ ሓሙሽተ ደቒቕ ዝወስድ ዝርርብ ዝሰምዓቶ ዘዘኻኽራ ነገር ከም እተዛረባኣ ደብዳበ ጸሓፈት። እታ ሓቂ ምዃና ስለ ዝፈለጠት: ኣብዚ ግዜ እዚ ህይወታ ዝወፈየት ኣገልጋሊ የሆዋ ዀይና ኣላ: ነቲ ቕድሚ 60 ዓመት ናብ ቤት እንዳ ኣዴኣ ዝመጸ መንእሰይ ምስጋናኣ ኽግለጸላ ድማ ሓተተት። ብሓቂ እምበኣር ዘርኢ ሓቂ ብኸመይ ሱር ሰዲዱ ኸም ዝበቍል ፈጺምና ኣይንፈልጦን ኢና።​—⁠መክብብ 11:6

እወ: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ ዘደንቕ ህይወት ብዙሕ እየ ዘማስወሉ። ብ1931 ህይወተይ ካብ ዝውፊ ኣትሒዘ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዓብዪ ኣኼባ ኣምሊጡኒ ኣይፈልጥን። ኣነን ኣይሪንን ውሉዳት እኳ እንተ ዘይብልና: ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ውሉዳት ምርካብና የሐጕሰኒ እዩ። ኵላቶም ከኣ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። ከምቲ ፍቕርቲ በዓልቲ ቤተይ ዝበለቶ: ብርግጽ ኣገልግሎትና መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ ኣምጺኡልና እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a “ኣሰር ወለደይ እስዕብ” ዘርእስቱ ታሪኽ ህይወት ሂልዳ ፓጀት ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-24 ወጺኡ ኣሎ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣደይ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን እተሳእለቶ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ላዕሊ:- ኣነን ኣይሪንን ኣብ ቅድሚ እታ ተጐታቲት ቤትና

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጸጋም:- ብ1940 ሂልዳ ፓጀት: ኣነ: ኣይሪን: ጆይስ ሮውሊ ኣብ ሊድስ: ዓዲ እንግሊዝ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ብ1952 ኣብ ካርዲፍ: ዌልስ: ብዛዕባ ዝግበር ህዝባዊ ዝርርብ ምልክታ እናነገርኩ