ረድኤት ምሃብ ናበይ ገጹ የምርሕ ኣሎ፧
ረድኤት ምሃብ ናበይ ገጹ የምርሕ ኣሎ፧
ብ11 መስከረም 2001 ኣብ ኒው ዮርክን ዋሽንግተን ዲ.ሲ.ን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዱ: ነቶም ግዳያት ብህዝቢ እተገብረሎም ሓገዝ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ ነይሩ። ትካላት ግብረ-ሰናይ በቲ ንስድራቤት እቶም ግዳያት ንምሕጋዝ ተባሂሉ እተዋህበን 2.7 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ተጥለቕለቓ። ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት በቲ ዘጋጠመ ዕንወት ስለ ዝሓዘኑ: ክሕግዙ ደለዩ።
ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ሰባት እተን ውሩያት ትካላት ግብረ-ሰናይ ነቲ ዝእከብ ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓላ ኸም ዘየውዕላኦ ምስ ሰምዑ: እቲ ዝነበሮም ውዕዉዕ ስምዒት ሃሰሰ። ሓንቲ ዓባይ ትካል ግብረ-ሰናይ ካብቲ ዝኣከበቶ 546 ሚልዮን ዶላር ዳርጋ ፍርቁ ዝኸውን ንኻልእ ዕላማ ኸተውዕሎ ኸም ዝሓሰበት ምስ ተፈልጠ: ሓያሎ ሰባት ተቘጥዑ። ሽሕኳ እታ ትካል ጸኒሓ ነቲ ውሳነ እንተ ቐየረቶን ይቕረታ እውን እንተ ሓተተትን: ሓንቲ ሪፖርተር ከም ዝበለቶ ግን “ነቐፍቲ ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ” ናብቲ ቕድሚ እቲ መጥቃዕቲ ምውራዱ ዝነበሮም “እምነት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ: ግዜኡ ኸም ዝሓለፎን ከም ዘይከኣልን” ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። ንስኻኸ ኣብ ትካላት ግብረ-ሰናይ ዝነበረካ ምትእምማን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጠፊኡ ድዩ፧
ዝጠቕማ ድየን ዘባኽና፧
ንትካላት ግብረ-ሰናይ ምልጋስ ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ይነኣድ እዩ። እንተዀነ ግን: ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎ። ቅድሚ 200 ዓመት: ሳሙኤል ጆንሰን ዝበሃል እንግሊዛዊ ደራሲ “ረድኤት ክትህብ ከለኻ ዘይኰነስ: ነቶም ዝዓዩ ጻማ ጻዕሮም ክትህቦም ከለኻ ኢኻ ሰናይ ከም ዝገበርካ ብዝያዳ ርግጸኛ እትኸውን” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብዚ ግዜናውን ገሊኣቶም ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኣለዎም: ትካላት ግብረ-ሰናይ ነቲ ዝወሃበን ወፈያታት ኣብ ዘይመዓላኡ ምውዓለን ወይ ብግቡእ ዘይምቍጽጻረን ዝገልጽ ጸብጻባት ከኣ ነቲ ህዝቢ ኣብአን ኣሕዲሩዎ ዝነበረ እምነት መሊሱ እዩ ዘዳኽሞ። ንኣብነት: ክልተ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘጋጠመ ኣብነታት እስከ ንርአ።
ሓደ ሓላፊ ናይ ሓንቲ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ እትርከብ ሃይማኖታዊ ትካል ግብረ-ሰናይ: ነቲ መልክዑ ንምጽብባቕ ዝገበሮ መጥባሕቲ ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት ኣብ ኣብያተ-መግቢ ኣብ ሰሰሙን 500 ዶላር ኣመሪካ ዝኸውን ዘጥፍኦ ዝነበረ ገንዘብ ትካሉ ኽትከፍለሉ ምስ ሓተተ ኻብ ስርሑ ተባረረ። ኣዳለውቲ ናይ ሓንቲ ኣብ ብሪጣንያ እትርከብ ብተለቭዥን ረድኤት እትእክብ ትካል ካብቲ ኣብ ሩማንያ ሓድሽ መዕበዪ ዘኽታማት ክህነጽ ተባሂሉ እተወፈየ 6.5 ሚልዮን ፖውንድ (10 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝኸውን):
12 ብጽፉፍ ዘይተሰርሐ ኣባይቲ ጥራይ ከም እተሃንጸ: በማእታት ኣሽሓት ዝቝጸር ከኣ ኣብ ዝኣተዎ ኸይተፈልጠ ኸም ዝጠፍአ ምስ ተቓልዐ ሓፊሮም እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ጸብጻባት ንገሊኣቶም ለገስቲ ኽንደይ ከም ዝውፍዩን ንመን ከም ዝህቡን ጥንቁቓት ከም ዝዀኑ ይገብሮም ኣሎ።ምሃብዶ ወይስ ኢድካ ምእካብ፧
ንኻልኦት ዘሎና ሓልዮትን ድንጋጽን ብሰንኪ ሒደት ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ዝገበርዎ ምጥፍፋእ ተዓቢጡ ኽተርፍ ግን ዘሕዝን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ: . . . ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ” ይብል። (ያእቆብ 1:27) እወ: ንድኻታትን ንጽጉማትን ምሕላይ ኣገዳሲ ኽፍሊ ክርስትና እዩ።
ይኹን እምበር: ‘ንትካላት ግብረ-ሰናይ ወፈያ ክህብዶ ወይስ ንውልቀ-ሰባት ብብሕቲ ኽህብ፧ ኣምላኽከ ብኸመይ ክህብ እዩ ዝጽበየኒ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።