ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ሰሎሞን እኳ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣይተኸድነን’

‘ሰሎሞን እኳ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣይተኸድነን’

‘ሰሎሞን እኳ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣይተኸድነን’

ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ከምዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ዕምባባታት መሮር ኣብ ደረት መገድታት ይርከብ እዩ። እዚ ዕምባባታት እዚ ኮስሞስ ዝበሃል ኰይኑ መበቈሉ ካብ ትሮፒካዊ ቦታታት ኣመሪካ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምልኩዕ ዕምባባታት ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትምህርቲ ኸዘኻኽረና ይኽእል ይኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ መብዛሕትኦም ሰማዕቱ ድኻታት ብምንባሮም ብዛዕባ እቲ ብስጋ ዘድልዮም ነገራት ማለት ብዛዕባ መግብን ክዳንን ይጭነቑ ነበሩ።

የሱስ ድማ “ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፤ ኣይደኽሙ: ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ: እብለኩም አሎኹ” በሎም።​—⁠ማቴዎስ 6:28, 29

እቲ የሱስ እተዛረበሉ ዕንባባ መሮር ኣየናይ ዓይነት ምዃኑ እተፈላለየ ሓሳባት ይወሃብ እዩ። የሱስ ግን ኣስዕብ ኣቢሉ “ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ: ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ: ኣቱም ጕዱላት እምነት: ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧” ብምባል ኣብ ፈቐዶኡ ምስ ዝርከብ ሳዕሪ መሮር እዩ ኣተሓሒዝዎ።​—⁠ማቴዎስ 6:30

ኮስሞስ መበቈሉ ኻብ እስራኤል እኳ እንተ ዘይኰነ: ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትምህርቲ ግን ዘረድእ እዩ። ብማዕዶ ዀነ ቕርብ ኢልካ ምስ እትርእዮ: ብሓቂ ጽቡቕ ብምዃኑ ብዙሓት ሰኣልቲ የተኵሩሉ እዮም። ብሓቂ እምበኣር የሱስ “ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ” ኢሉ ኽዛረብ ከሎ ኣየጋነነን።

እዚኸ ንዓና እንታይ ትምህርቲ እዩ ዝህበና፧ እቶም ንኣምላኽ ዘገልግልዎ ኣብ ጽንኩር እዋን እውን እንተዀነ: ዘድልዮም መሰረታዊ ነገራት ንኸማልኡ ኸም ዝሕግዞም ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ “መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ: እዚ ዅሉ [ከም መግብን ክዳንን ዝኣመሰለ ዘድሊ ነገራት] ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ” በለ። (ሉቃስ 12:31) እወ: ናይ ብሓቂ ኽንጥቀም እንኽእል: መንግስቲ ኣምላኽ ምስ እንደሊ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናን ንደቅ​ሰብ እንታይ ከም እትገብረሎምን ግን ትፈልጥ ዲኻ፧ መልሲ ናይዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።