ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን”

“ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን”

“ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን”

“ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን . . . እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻትኩም እዩ።”—⁠2 ዜና መዋእል 20:17

1. ግብረ⁠-​ሽበራ ኣብ ሰባት እንታይ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ: ሰባት ነዚ ምፍራሆም ከገርም ዘይብሉኸ ስለምንታይ እዩ፧

 ግብረ⁠-​ሽበራ! እዛ ቓል እዚኣ ምጥቃሳ ጥራይ ተፍርሃካ ትኸውን። ከም ራዕዲ: ሓዘን: ሕርቃን ዝኣመሰለ እተሓዋወሰ ስምዒታት ተበግስ እያ። ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሓያሎ ዓመታት ንደቅ​ሰብ ከየናውጾም ብዙሓት ሰባት ዝፈርህዎ ነገር እትገልጽ ድማ እያ። ገሊኣተን ሃገራት ንሓያሎ ዓመታት ንእተፈላለየ ዓይነት ግብረ⁠-​ሽበራ እኳ እንተ ተቓለሳ: ብዙሕ ዓወት ብዘይ​ምርካበን ነዚ ፍርሂ እዚ መሰረት ኰይንዎ ኣሎ።

2. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ግብረ⁠-​ሽበራ ኸመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኣለዎም: እዚኸ እንታይ ናብ ዝብል ሕቶታት እዩ ዝመርሓና፧

2 ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ተስፋ ንኸነሕድር ዘኽእለና ምኽንያት ኣሎና። ኣብ 234 ሃገራትን ዞባታትን ብንጥፈት ዝሰብኩ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘደንቕ ብሩህ ተስፋ እዩ ዘለዎም። ግብረ⁠-​ሽበራ ኣይጠፍእን እዩ ዝብል ፍርሂ ዘይኰነስ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዝጠፍእ ይተኣማመኑ እዮም። እዚ ብሩህ ተስፋኦም ብሓቂዶ ጋህዲ ክኸውን ዝኽእል እዩ፧ ነዛ ዓለም እዚኣ ነዚ ጸገም እዚ ኸወግደላ ዝኽእል መን እዩ: እዚኸ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም፧ እተፈላለየ ዓይነት ዓመጻ ንዅላትና ተንኪፉና ክኸውን ስለ ዝኽእል: መሰረት ናይዚ ብሩህ ተስፋ እዚ ምምርማሩ ጠቓሚ እዩ።

3. እንታይ ዘፍርህ ነገራት እዩ ኣብ ከባቢና ዘሎ: ብዛዕባ ግዜናኸ እንታይ እዩ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፧

3 ኣብዚ ግዜና ሰባት ብእተፈላለየ ምኽንያታት ይፈርሁን ይሽበሩን እዮም። ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ እርጋን ገዛእ ርእሶም ክናብዩ ዘይክእሉ: ብሰንኪ ዘይሓዊ ሕማም እናማሰኑ ዝኸዱ ዘለዉ: ከምኡውን ንስድራ​ቤቶም ዘድሊ ነገራት ንምምላእ ብዙሕ ዝጽዕሩ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እሞ ሕስብ ኣብል። ህይወት ንባዕላ እውን ክትተኣማመነላ እትኽእል ነገር ኣይኰነትን! ብሓደጋ ወይ ዕንወት ሃንደበታዊ ሞት የጋጥም እሞ ዅሉ ነገር ብሓንሳእ ክንስእኖ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርህን ጭንቀትን ከምኡውን ፈቐዶኡ ዘጋጥም ብሕታዊ ግጭታትን ዘሕርቕ ነገራትን: ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝገለጾ ግዜ ንነብር ከም ዘሎና የርኢ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም . . . ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ [ክዀኑ እዮም]።”​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:1-3

4. ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:1-3 ዘጨንቕ ኵነታት እትገልጽ እኳ እንተዀነት: እንታይ ተስፋ ግን እያ ሒዛ ዘላ፧

4 እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ዘጨንቕ ኵነታት እትገልጽ እኳ እንተዀነት: ተስፋ ኸም ዘሎ ግን ትሕብር እያ። እዚ ጽንኩር እዋን “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ናይቲ ሰይጣን ዘመሓድሮ እኩይ ኣገባብ ከም ዝህሉ ኣስተብህል። እዚ ኸኣ ዝርህወሉ እዋን ቀሪቡ ኸም ዘሎን እዚ እኩይ ኣገባብ ድሕሪ ሓጺር እዋን በታ የሱስ ንሰዓብቱ ኽጽልዩላ ዝነገሮም ፍጽምቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክትካእ ምዃኑን ዘመልክት እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እታ መንግስቲ እቲኣ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዘቘማ መንግስቲ ዀይና “ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ” እያ: የግዳስ ከምቲ ነብዪ ዳንኤል ዝበሎ “ንዅለን እዘን [ሰብኣውያን] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”​—⁠ዳንኤል 2:44

ክርስትያናዊ ገለልትነትን ግብረ⁠-​ሽበራን

5. ሃገራት ንግብረ⁠-​ሽበራ እንታይ ስጕምቲ ኽወስዳ እየን ወሲነን፧

5 ንሓያሎ ዓመታት ግብረ⁠-​ሽበራ በሽሓት ዝቝጸር ህይወት ሰባት ኣጥፊኡ እዩ። ብ11 መስከረም 2001 ኣብ ከተማታት ኒው ዮርክን ዋሽንግተን ዲ.ሲ.ን መጥቃዕቲ ምስ ወረደ ግን ኣቓልቦ ዓለም ተሳሕበ። ግብረ⁠-​ሽበራ ዓለምለኻዊ ብምዃኑ ነቲ ዘለዎ ስፍሓት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ንኸጥፍኣኦ ቀልጢፈን ሕብረት ገበራ። ንኣብነት: ብ4 ታሕሳስ 2001 ገሊኡ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝሓበሮ “ኣብ ኣውሮጳ: ሰሜን ኣመሪካ: ከምኡውን ኣብ ማእከላይ እስያ ናይ ዝርከባ 55 ሃገራት ሚኒስተራት ወጻኢ” ጻዕርታቶም ንምትሕብባር ዘኽእል “መደብ ብምሉእ ድምጺ ተቐቢሎምዎ።” ሓደ ናይ ሕ.መ.ኣ. ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ነዚ ተግባር እዚ ንግብረ⁠-​ሽበራ ኣብ ምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ “ሓድሽ ሓይሊ” ዝሃበ ምዃኑ ንኢድዎ። ብሃንደበት: በማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብቲ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ መጋዚን “መጀመርታ ናይ ነዊሕ ውግእ” ኢላ ዝጸውዓቶ ቕልውላው ኣተዉ። እዚ ጻዕርታት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኣሳልጦ ኸም ዝረክብ ብሕጂ ዝርአ እኳ እንተዀነ: ሳዕቤን ናይዚ ምስ ግብረ⁠-​ሽበራ ዝግበር ውግእ ግን ኣብ ብዙሓት ሰባት ፍርህን ጭንቀትን ኣሕዲሩ ኣሎ። እቶም ኣብ የሆዋ ዝውከሉ ግን በዚ ኣይፈርሁን እዮም።

6. (ሀ) ሓድሓደ ግዜ ገሊኣቶም ሰባት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ናይ ገለልትነት ኣቕዋም ምቕባል ዘጸግሞም ስለምንታይ ክኸውን ይኽእል፧ (ለ) ንፖለቲካዊ ጕዳያት ብዝምልከት የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲግሎም፧

6 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፖለቲካዊ ገለልትነቶም ፍሉጣት እዮም። ብዙሓት ሰባት ኣብ እዋን ሰላም ነዚ ኣቕዋም እዚ ዝቕበልዎ እኳ እንተዀኑ: ፍሉይ ኵነታት ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ግን ክቕበልዎ የጸግሞም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ውግእ ብዘስዕቦ ፍርህን ምጥርጣርን ሓያል ሃገራውነት ይለዓዓል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ገሊኣቶም ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ብዅሉ ተቐባልነት ዘለዎ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ስለምንታይ ከም ዘይድግፍ ምርዳእ ይኣብዮም። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ነቲ የሱስ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ብምባል ዝሃቦም ትእዛዝ ክእዘዙ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:14-16፣ 18:36፣ ያእቆብ 4:4) እዚ ኸኣ ካብ ፖለቲካዊ ዀነ ማሕበራዊ ጕዳያት ገለልትነትካ ምሕላው ዝሓትት እዩ። የሱስ ባዕሉ ኣብነት ገዲፉ ኣሎ። ፍጹም ጥበቡን ዘደንቕ ክእለቱን ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ሰብኣዊ ጕዳያት ዝነኣድ ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብ ፖለቲካ ኣይኣተወን። ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎቱ ገዛኢ መንግስትታት ዓለም ንክኸውን ሰይጣን ዘቐረበሉ ዕድመ ነጸጎ። ጸኒሑ እውን ፖለቲካዊ ስልጣን ንኽሕዝ ዘቕረቡሉ ሕቶ ከም ዘይቅበሎ ብንጹር ኣርኣየ።​—⁠ማቴዎስ 4:8-10፣ ዮሃንስ 6:14, 15

7, 8. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ምዃኖም ከመይ ጌርካ እዩ ኽውሰድ ዘይብሉ፧ (ለ) ሮሜ 13:1, 2 ንመንግስታት ዝጻረር ዝዀነ ይኹን ተግባር ንኸይንገብር እትእዝዘና ብኸመይ እያ፧

7 እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወስድዎ ናይ ገለልትነት ኣቕዋም ንዓመጻ ኸም ምድጋፍ ወይ ዕሽሽ ከም ምባል ጌርካ ኽውሰድ የብሉን። ኣገልገልቲ ናይቲ “ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን” ስለ ዝዀኑ: ንዓመጻ ምድጋፍ ወይ ዕሽሽ ምባል ምስ እምነቶም ዝጻረር እዩ። (2 ቈረንቶስ 13:11) የሆዋ ብዛዕባ ዓመጻ ኸመይ ከም ዝስምዖ ተማሂሮም እዮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ: ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 11:5) የሱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” ኸም ዝበሎ እውን ይፈልጡ እዮም።​—⁠ማቴዎስ 26:52

8 ናይ ሓሶት ክርስትያናት “ሰይፊ” ኸም ዘልዓሉ ታሪኽ ዝምስክሮ እኳ እንተዀነ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ከምዚ ኣይገበሩን። ኣብ ኵሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ኢዶም ኣየእትዉን እዮም። የግዳስ ነቲ ኣብ ሮሜ 13:1, 2 ዝርከብ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ትእዛዝ ይሕልዉ:- “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን: እቶም ዘለዉ ስልጣናት [ናይ መንግስቲ መራሕቲ] ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ: ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ: ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም።”

9. ክርስትያናት ንግብረ⁠-​ሽበራ ዝጻረርዎ በየናይ ክልተ መገድታት እዩ፧

9 ግብረ⁠-​ሽበራ እኩይ ተግባር ስለ ዝዀነ ግን ክርስትያናት ንምጽራሩ ገለዶ ኽገብሩ ኣይግብኦምን፧ እወ: ክገብሩ ኣለዎም: ይገብሩ ኸኣ እዮም ዘለዉ። ብቐዳምነት: ኣብ ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ኣይሳተፉን። ካልኣይ: ነቲ ሰባት እንተ ስዒቦምዎ ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ ዘወግድ ክርስትያናዊ ስርዓታት ንኻልኦት ይምህሩ። a ዓሚ እኳ ንሰባት ክርስትያናዊ መገዲ ኣብ ምምሃር 1,202,381,302 ሰዓት ኣሕሊፎም። እዚ ግዜ እዚ ባኺኑ ኣይኰነን ተሪፉ: ከመይሲ 265,469 ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ብምጥማቖም ንዓመጻ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይቅበልዎ ኣርእዮም እዮም።

10. ዓመጻ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኽጠፍእ ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 ኣብ ርእሲ እዚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ እኩይ ተግባራት ከወግድዎ ኸም ዘይክእሉ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ኸኣ እዮም ኣብቲ ነዚ ኸወግዶ ዝኽእል የሆዋ ኣምላኽ ዝውከሉ። (መዝሙር 83:18 NW ) ደቅሰብ ብቕንዕና ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ: ንዓመጻ ኸወግድዎ ኣይክእሉን እዮም። ሓደ ኻብቶም ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፈ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝበሃል ዘለናሉ እዋን “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13) ነዚ ኣብ ግምት ምስ እነእትዎ: ሰባት እከይ ንምጥፋእ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዓወት ክረክብ ዘይመስል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን የሆዋ ንዓመጻ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዘጥፍኦ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።​—⁠መዝሙር 37:1, 2, 9-11፣ ምሳሌ 24:19, 20፣ ኢሳይያስ 60:18

ድሕሪ ሓጺር እዋን ብዝወርድ መጥቃዕቲ ድምብርጽ ዘይብሎም

11. የሆዋ ዓመጻ ንምጥፋእ ክሳዕ ሕጂ እንታይ ስጕምቲ ወሲዱ ኣሎ፧

11 ኣምላኽ ሰላም: ዓመጻ ስለ ዝጸልእ: ነቲ ምንጪ እዚ ዓመጻ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ንምጥፋእ ተበግሶ ዝወሰደሉ ምኽንያት ክርድኣና ይኽእል እዩ። ድሮኳ ብሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ​—⁠በቲ ሓድሽ እተሸመ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ​—⁠ኣቢሉ ንሰይጣን ስዒርዎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ኸምዚ ይገልጾ:- “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከአ: ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ: ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።”​—⁠ራእይ 12:7-9

12, 13. (ሀ) 1914 ኣገዳሲት ዓመት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ትንቢት ህዝቅኤል ብዛዕባ እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝድግፉ እንታይ እያ እትንበ፧

12 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መስርዕ ፍጻመታትን ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታትን ን1914 እቲ ውግእ ኣብ ሰማይ እተገብረላ ዓመት ምዃና እዩ ዘመልክት። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ዅነታት ዓለም እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ራእይ 12:12 እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ “ስለዚ: ኣቱም ሰማያት: ኣባታቶም እትነብሩውን ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ትብል።

13 ቍጥዓ ድያብሎስ ብቐዳምነት ኣብቶም ንኣምላኽ ዘምልኹ ቅቡኣትን “ኻልኦት ኣባጊዕ” ዝበሃሉ ብጾቶምን እንተ ኣተኰረ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን። (ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 12:17) ድሕሪ ሓጺር እዋን ድያብሎስ ኣብ ልዕሊ እቶም ነታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ዝድግፉ ሰባት ከቢድ መጥቃዕቲ ምስ ፈነወ: እዚ ምጽራር እዚ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኽበጽሕ እዩ። እዚ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ኢልካ ዝፍኖ መጥቃዕቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 38 “ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ” ዝፍንዎ መጥቃዕቲ ተባሂሉ ኣሎ።

14. ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ዕቍባ እዮም ረኺቦም ነይሮም: እዚኸ ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ድዩ፧

14 ሰይጣን ካብ ሰማይ ካብ ዝድርበ ኣትሒዙ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ እኳ እንተ ኣውረደ: ከምቲ ኣብ ራእይ 12:15, 16 ብምሳልያዊ መገዲ ተገሊጹ ዘሎ ግን ሓድሓደ ግዜ ፖለቲካውያን ብዝገብርዎ ጻዕርታት ዕቝባ ኽረኽቡ ኽኢሎም እዮም። ብኣንጻሩ ግን: ኣብቲ ሰይጣን ዝፍንዎ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ: ዋላ ሓደ ሰብ ነቶም ኣብ የሆዋ ዝውከሉ ሰባት ከዕቍብ ከም ዘይፍትን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። እዚ ንክርስትያናት ከፍርሆም ወይ ከሸብሮም ኣለዎዶ፧ ኣይፋልን!

15, 16. (ሀ) የሆዋ ነቶም ብዘመን ዮሳፋጥ ዝነበሩ ህዝቡ እተዛረቦም ዘተባብዕ ቓላት: ነዞም ሕጂ ዘለዉ ክርስትያናት እንታይ ተስፋ እዩ ዝህቦም፧ (ለ) ዮሳፋጥን እቶም ህዝብን ነዞም ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ኣብነት እዮም ገዲፎምሎም፧

15 ኣምላኽ ከምቲ ብዘመን ንጉስ ዮሳፋጥ ንዝነበሩ ህዝቡ ዝደገፎም: ነዞም ሕጂ ዘለዉ እውን ደገፉ ኽህቦም እዩ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝዀነ ኸምዚ ዝብል ነንብብ:- “ኣቱም ሰብ ኵላ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን: ንስኻ ንጉስ ዮሳፋጥውን: ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለኩም አሎ: እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር: ናታትኩም ኣይኰነን እሞ: ኣብ ቅድሚ እዚ ዓብዪ ጭፍራ እዚ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን። . . . ኣቱም ይሁዳን የሩሳሌምን: ንስኻትኩምሲ ኣብዚ ኣይክትዋግኡን ኢኹም: ንቕድሚት ኣቢልኩም ደኣ ደው በሉ እሞ: እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርአዩ: ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን ከኣ። ጽባሕ ናብ ቅድሚኦም ውጹ። እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻትኩም እዩ።”​—⁠2 ዜና መዋእል 20:15-17

16 ሰብ ይሁዳ ኽዋግኡ ኸም ዘየድልዮም መረጋገጺ ተዋሂብዎም ነይሩ። ብተመሳሳሊውን ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ጎግ ማጎግ መጥቃዕቲ ምስ ወረዶም: ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ኣጽዋር ኣይክጥቀሙን እዮም። ኣብ ክንድኡስ: ‘ደው ክብሉን ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳታቶም ከም ዘሎ’ ኽርእዩን እዮም። ደው ምባል ክበሃል ከሎ ኢድካን እግርኻን ኣኪብካ ኮፍ ምባል ዘመልክት ኣይኰነን: ብዘመነ ዮሳፋጥ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ከምኡ ኣይገበሩን። ቀጺልና ኸምዚ ዝብል ነንብብ:- “ሽዑ ዮሳፋጥ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም በለ: ብዘለዉ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩን ከኣ ንእግዚኣብሄር ኪሰግዱሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብገጾም ተደፍኡ። . . . ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ኸኣ: ንእግዚኣብሄር ዚዝምሩን ቅዱሳት ኣልባስ ለቢሶም ድማ ቀቅድሚ ሰራዊት ኪወጹ ኸለዉ: ዜመስግንዎን ሰባት ኣቘመ: ንሳቶም ከኣ ከምዚ ኺብሉ እዮም: ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ: ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።” (2 ዜና መዋእል 20:18-21) እወ: ጸላኢ ኣብ ዘጥቅዓሉ እዋን እውን ከይተረፈ: እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ይውድስዎ ነበሩ። እዚ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጎግ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍነወሎም እዋን ክስዕብዎ ዘለዎም ኣብነት ዘርኢ እዩ።

17, 18. (ሀ) ሕጂ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ጎግ ዝፍንዎ መጥቃዕቲ እንታይ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንክርስትያን መንእሰያት እንታይ መዘኻኸሪታት እዩ ተዋሂብዎም፧

17 ክሳዕ ሽዑ ኣብ ዘሎ ግዜ ግን​—⁠ዋላ እውን ጎግ መጥቃዕቱ ድሕሪ ምጅማሩ ኸይተረፈ​—⁠ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመንግስቲ ኣምላኽ ምድጋፍ ኣይከቋርጹን እዮም። ምስተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኻብ 94,600 ዝበዝሓ ጉባኤታት ብምሕባር ምብርታዕን ዕቝባን ክረኽቡ እዮም። (ኢሳይያስ 26:20) ብሓቂ እምበኣር ሕጂ ንየሆዋ ብትብዓት ዝውድሱሉ እዋን እዩ! እወ: መጥቃዕቲ ጎግ ምቕራቡ ብፍርሂ ንድሕሪት ከም ዝምለሱ ኣይገብሮምን እዩ። መሕልፎ እኳ ደኣ ብዝከኣሎም መጠን መስዋእቲ ምስጋናኦም ንኸዛይዱ እዩ ዘለዓዕሎም።​—⁠መዝሙር 146:2

18 ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ በሽሓት ዝቝጸሩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ መንእሰያት: ነዚ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዚ ብዝግባእ የንጸባርቕዎ ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናብራ ኻብ ካልእ ዝበለጸ ምዃኑ ንምጕላሕ ኣብ ናይ 2002 ኣውራጃዊ ኣኼባታት መንእሰያት​—⁠ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም እተውዕልዋ፧ ዘርእስታ ትራክት ወጸት። ብዕድመ ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ክርስትያናት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ እዋናዊ መዘኻኸሪታት የማስዉሉ እዮም።​—⁠መዝሙር 119:14, 24, 99, 119, 129, 146 NW

19, 20. (ሀ) ክርስትያናት ክፈርሁን ክሽበሩን ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ እያ ኽትምህረና፧

19 ኵነታት ዓለም ሕማቕ እኳ እንተዀነ: ክርስትያናት ግን ክፈርሁን ክሽበሩን የብሎምን። መንግስቲ የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ ዓመጻ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከተጥፍኦ ምዃና ይፈልጡ እዮም። እቶም ብዓመጻ ዝሞቱ ብትንሳኤ እንደገና ህያዋን ክዀኑ ምዃኖም ምፍላጦም ከኣ የጸናንዖም እዩ። ትንሳኤ ንገሊኣቶም ብዛዕባ የሆዋ ንኽመሃሩ ንፈለማ ግዜ ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ከሎ: ንገሊኣቶም ግን ብተወፋይነት ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ንክቕጽሉ እዩ ዘኽእሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 24:15

20 ከም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መጠን ክርስትያናዊ ገለልትነትና ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ንርድኦ ኢና: ከምኡ ንምግባር ድማ ቈሪጽና ኣለና። ‘ደው ኢልና ምድሓን እግዚኣብሄር’ ንምርኣይ ዘሎና ዘደንቕ ተስፋ ኣጽኒዕና ኽንሕዞ ንደሊ ኢና። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነቲ ንፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኸነስተውዕሎ ዝሕግዘና ኣብዚ ግዜና ዘጋጥም ዘሎ ነገራት ብምግላጽ ንእምነትና ኸተደልድሎ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዓመጻ ዝመላለሱ ዝነበሩ እሞ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዀኑ ኢሎም ኣኻይዳኦም ብዛዕባ ዝቐየሩ ኣብነታት እንተደኣ ደሊኻ: ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ጥሪ 1996 ገጽ 5፣ ናይ 1 ነሓሰ 1998 ገጽ 5፣ ናይ 15 ታሕሳስ 1999 ገጽ 9-13፣ ናይ 1 ጥሪ 2000 ገጽ 5 ርአ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ብሩህ ተስፋ ዘይብሎም ስለምንታይ እዩ፧

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧

• የሆዋ ንዓመጻ ኻብ ምንጩ ንምጥፋእ ድሮ እንታይ ስጕምቲ ወሲዱ ኣሎ፧

• መጥቃዕቲ ጎግ ኸፍርሃና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንክርስትያናት ገለልተኛታት ንክዀኑ ጽቡቕ ኣብነት ሓደገሎም

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

በሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብምዃን ተሓጒሶም የገልግሉ ኣለዉ

[ምንጪ ስእሊ]

UN PHOTO 186226/M. Grafman