ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ይኣኽለኒ ምባል ተምሃር

ይኣኽለኒ ምባል ተምሃር

ይኣኽለኒ ምባል ተምሃር

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ እተተባብዕ መልእኽቱ “ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ . . . ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን: ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ” በለ።​—⁠ፊልጲ 4:11, 12

ጳውሎስ ይኣኽለኒ ምባል ክመሃር ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ምኽባር ናብራን ቍጠባዊ ዘይምርግጋእን ኣብ ግምት ብምእታው:ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣምላኽ ኣብ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ምእንቲ ኸተኵሩ: ይኣኽለኒ ምባል ክመሃሩ ኣለዎም።

ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቱ እዚኣ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝፈጸሞ ነገራት ኣሳልጦ ኸም ዝረኸበ ገለጸ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንሓደ ኻልእ ብስጋ ዚእመነሉ ዘለዎ እንተ መሰሎ: ኣነ ግዳ ዝበለጸ አሎኒ። ኣነ ብሳምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ: ካብ ዓሌት እስራኤል: ካብ ነገድ ብንያም: እብራዊ ኻብ እብራውያን: ብሕጊ ፈሪሳዊ: ብቕንኣት ሰጓጕ ማሕበር: ብጽድቂ ሕጊውን መንቅብ ዜብለይ እየ።” (ፊልጲ 3:4-6) ጳውሎስ ቀናእ ኣይሁዳዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ካብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሊቃውንቲ ኻህናት መዝነትን ደገፍን ተዋሂብዎ ነበረ። እዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ስርዓት ኣይሁድ ፓለቲካዊ ዀነ ሃይማኖታዊ ስልጣንን ዝናን ከምኡውን ሃብቲ ኸምጽኣሉ ትጽቢት ክገብር ይኽእል ነይሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 26:10, 12

ጳውሎስ ቀናእ ክርስትያን ኣገልጋሊ ምስ ኰነ ግን ዓብዪ ለውጥታት ገበረ። ስለቲ ብስራት ኢሉ: ነቲ ብዙሕ ረብሓ ኸምጽኣሉ ዝኽእል ዝነበረ ሞያን ንዅሉ እቲ ኣቐዲሙ ኣገዳሲ ገይሩ ዝርእዮ ዝነበረ ነገራትን ጠንጠኖ። (ፊልጲ 3:7, 8) ድሕርዚ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ ገዛእ ርእሱ ዝኣሊ ዝነበረ፧ ኣገልጋሊ ብምንባሩ ደሞዝ ይቕበልዶ ነይሩ እዩ፧ ዘድልዮ ነገራትከ ብኸመይ ይማልኣሉ ነበረ፧

ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ኣይክፈሎን እዩ ነይሩ። ነቶም ዘገልግሎም ዝነበረ ሰባት ጾር ምእንቲ ኸይኰኖም: ኣብ ቈረንቶስ ከሎ ምስ ኣኪላስን ጵርስኪላን ድንኳን ይሰፊ ነበረ: ንርእሱ ዘድልዮ ንምምላእ ከኣ ካልእ ነገራት እውን ይዓዪ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:1-3፣ 1 ተሰሎንቄ 2:9፣ 2 ተሰሎንቄ 3:8-10) ጳውሎስ ሰለስተ ሰፊሕ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ገይሩ እዩ: ነተን ሓገዝ ዘድልየን ጉባኤታት ንምድጋፍ እውን ብዙሕ ግዜ ይገይሽ ነበረ። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ትሑዝ ብምንባሩ ግን ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ኣይነበሮን። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣሕዋት ነቲ ዘድልዮ የማልኡሉ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ ግን ብሰንኪ ኣጸጋሚ ዅነታት ዘድልዮ ነገራት ይጐድሎ ነበረ። (2 ቈረንቶስ 11:27፣ ፊልጲ 4:15-18) ኰይኑ ግን: ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ነገራት ኣማሪሩ ኣይፈልጥን: ካልኦት ንዘጥረይዎ ንብረት እውን ኣይተመነየን። ንጥቕሚ ክርስትያናት ብጾቱ ብፍታው ተሓጒሱ ይዓዪ ነበረ። አረ ነተን “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዝብላ ፍሉጣት ቃላት የሱስ ዝጠቐሰን እውን ንሱ እዩ ነይሩ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን እዩ ዝዀነና!​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:33-35

ትርጕም ይኣኽለኒ ምባል

ጳውሎስ ሓጐስን ዕግበትን ንኽረክብ ዘኽኣሎ ኣገዳሲ ረቛሒ ይኣኽለኒ ይብል ምንባሩ እዩ። ይኣኽለኒ ምባል ክበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት እዩ፧ ብሓጺሩ ብመሰረታዊ ነገራት ዕጉብ ምዃን ክበሃል ይከኣል እዩ። ብዛዕባዚ ጳውሎስ ነቲ መገላግልቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ከምዚ በሎ:- “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፤ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከአለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና።”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:6-8

ኣብዚ ጳውሎስ ይኣኽለኒ ምባል ምስ ኣምልኾ ኸም ዘተሓሓዞ ኣስተብህል። ናይ ሓቂ ሓጐስ ካብ ኣምልኾ ማለት ነቲ ንኣምላኽ እነቕረቦ ኣገልግሎት ቀዳምነት ካብ ምሃብ ደኣ እምበር ካብ ስጋዊ ጥሪት ወይ ሃብቲ ኸም ዘይመጽእ ይፈልጥ ነበረ። “ቀለብናን ክዳንናን” ኣምልኾና ንምክያድ ጥራይ እዩ ዕላማኡ። ስለዚ ንጳውሎስ ይኣኽለኒ ምባል ክበሃል ከሎ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኣብ የሆዋ ምውካል ዝብል ትርጕም ነበሮ።

ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ነዚ ብዘይ​ምፍላጦም ወይ ዕሽሽ ብምባሎም ይጭነቑን ሓጐስ ይስእኑን ኣለዉ። ይኣኽለኒ ምባል ኣብ ክንዲ ዝመሃሩ: ኣብ ገንዘብ ወይ ገንዘብ ክዕድጎ ኣብ ዝኽእል ነገራት ይውከሉ። ረክላማትን መራኸቢ ብዙሓንን ነቲ ሓድሽን ክቡርን ፍርያት ቀልጢፎም እንተ ዘይዓዲጎም: ሓጐስ ከም ዘይረኽቡ ዀይኑ ኸም ዝስምዖም እዩ ዝገብር ዘሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ደድሕሪ ገንዘብን ስጋዊ ጥሪትን ይጐዩ። ሓጐስን ዕግበትን ኣብ ክንዲ ዝረኽቡ “ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ።”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10

ይኣኽለኒ ምባል እተማህሩ ሰባት

ኣብዚ ግዜና ግን ብሓቂዶ ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ሒዝካ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ክርከብ ይከኣል እዩ፧ እወ: ይከኣል እዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከምኡ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ። በታ ዘላቶም ስጋዊ ጥሪት ተሓጒሶም ምንባር ተማሂሮም እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባርን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ንምምሃርን ህይወቶም ወፍዮም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።

ንኣብነት: ብዛዕባ እቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽሰብኩ ኢሎም ስልጠና ምስ ተዋህቦም ብፍታዎም ናብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ሚስዮናውያን ኰይኖም እተላእኩ እሞ ሕሰብ። (ማቴዎስ 24:14) መብዛሕትኡ ግዜ እተን ዘገልግሉለን ሃገራት ከም ዓዶም ዝማዕበላ ኣይኰናን። ንኣብነት: ብ1947 ሚስዮናውያን ናብ ሓንቲ ኣብ እስያ እትርከብ ሃገር ኣብ ዝኸዱሉ እዋን: ውግእ ዝገደፎ በሰላ ገና ኣይሃሰሰን ነይሩ: ዝበዝሕ ኣባይቲ ድማ ኤለክትሪክ ኣይነበሮን። ኣብ ብዙሓት ሚስዮናውያን እተላእኩለን ሃገራት ክዳውንቲ ብመሕጸቢ ማሽን ዘይኰነስ ብኢድ ወይ ኣብ ጥቓ ርባ ኣብ ዝርከብ ከውሒ ይሕጸብ ነበረ። እንተዀነ ግን: ንሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኽምህሩ ስለ ዝኸዱ: ምስቲ ዅነታት ብምውህሃድ ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ተኻፈሉ።

ገሊኣቶም ክርስትያናት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣትዮም ወይ ናብቲ እቲ ብስራት ዘይበጽሖ ቦታታት ግዒዞም እዮም። ንልዕሊ 50 ዓመት ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት መክሲኮ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ ዘገልገለ ኣዱልፎ ከምዚ ይብል:- “ኣነን በዓልቲ ቤተይን: ከም ሃዋርያ ጳውሎስ: ምስቲ ኸባቢና ተወሃሂድና ምንባር ለሚድና ኢና። ንኣብነት: ሓንቲ ኻብተን ምብጻሕ እንገብረለን ዝነበርና ጉባኤታት ካብ ከተማ ወይ ካብ ዕዳጋ ኣዝያ ርሕቕቲ እያ ነይራ። መኣዲ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን እቶም ኣሕዋትና ሓንቲ ቶርቲላ [ክንዲ ጭልቓ እትኸውን እንጌራ] ምስ ሒደት ስብሒ ሓሰማን ጨውን በሊዖም: ሓንቲ ኩባያ ቡን ከኣ ሰትዮም ይዓግቡ ነበሩ። ካብዚ ንላዕሊ ኽረኽቡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም: ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ቶርቲላ ጥራይ እዮም ዝረኽቡ ነይሮም። ስለዚ: ከምቶም ኣሕዋትና ዄንና ምንባር ለመድና። ንየሆዋ ብምሉእ ግዜይ ኣብ ዘገልገልኩሉ 54 ዓመታት ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ተመክሮታት ኣሕሊፈ እየ።”

ፍሎረንቲኖ እውን ንሱን ስድራ​ቤቱን ኣጸጋሚ ዅነታት ብኸመይ ከም ዝለመዱ ተዘክሮ ኣለዎ። ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዛዕባ ዘለዎ ተዘክሮ ኸኣ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣቦይ ሃብታም ነጋዳይ እዩ ነይሩ። ሰፊሕ መሬት ከኣ ነበሮ። ኣብቲ ድኳንና ዝነበረ ባንኮ ኽሳዕ ሕጂ እዩ ትዝ ዝብለኒ። ዳርጋ 50 ሰንቲ ሜተር ዝምግፍሑን 20 ሰንቲ ሜተር ዝምዕማቝን ተመዛዚ ኸኣ ነይሩና: እዚ ተመዛዚ እዚ ኣርባዕተ ኽፋላት ነይርዎ። ኣብኡ ድማ እቲ ኣብ መዓልቲ ዝሸጥናዮ ገንዘብ ነቐምጦ ነበርና። ምሸት ምሸት እቲ ተመዛዚ ብሰናቲምን ኣቕራሽን ይመልእ ነበረ።

“ብሃንደበት ግን ቍጠባዊ ጸገማት ኣጋጠመና: ርኹባት ዝነበርና ድማ ብሓንሳእ ስኡናት ኰንና። ብዘይ​ካ ገዛና ዅሉ ንብረትና ሰኣንና። ኣብ ርእሲ እዚ: ሓወይ ሓደጋ ኣጋጠሞ እሞ ኣእጋሩ ለመሰ። ኵሉ ነገራት ተቐያየረ። ንእተወሰነ እዋን ፍረታትን ስጋን እሸይጥ ነበርኩ። ጡጥን ወይንን ኣልፋልፋን ከፍሪ: ኣብ ናይ መስኖ ሕርሻ ድማ ክሰርሕ ጀመርኩ። ገሊኣቶም ሰባት ኣብ ዘይኣትዎ ዘይብሉ ይብሉኒ ነበሩ። ኣደይ ነታ ብዙሓት ዘይረኸብዋ መንፈሳዊ ሃብቲ ዝዀነት ሓቂ ኸም ዘላትና ብምጥቃስ ተጸናንዓና ነበረት። ስለዚ: ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን እፈልጥ እየ። ክሳዕ ሕጂ ንየሆዋ ን25 ዓመት ዝኸውን ብምሉእ ግዜይ ስለ ዘገልገልክዎ: እቲ ዝበለጸ ህይወት ማለት ንየሆዋ ብምሉእ ግዜኻ ምግልጋል ከም ዝመረጽኩ ምፍላጠይ የሐጕሰኒ እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ” ብምባል ብንጹር ይነግረና። በዚ ምኽንያት እዚ “እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ: እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥርዩ ይኹኑ። . . . እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ” ብምባል ይምሕጸነና።​—⁠1 ቈረንቶስ 7:29-31

ሕጂ እምበኣር ንኣነባብራኻ እትምርምረሉ እዋን እዩ። ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት እንተ ዘይብልካ: በዚ ቕር ዝብለካ ወይ እውን እተማርርን እትቐንእን ከይትኸውን ተጠንቀቕ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ዘጥረኻ እኳ እንተ ኣጥረኻ: ገንዘብ ባርያኡ ምእንቲ ኸይገብረካ ኣብ ህይወትካ ግቡእ ቦታኡ ኸም ዝሕዝ ግበሮ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ድማ “በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ” ፈጺምካ ኣይትተኣመን። ከምኡ እንተደኣ ጌርካ: ንስኻውን ይኣኽለኒ ምባል ተማሂረ ኽትብል ትኽእል ኢኻ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:17-19

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ንኻልኦት ጾር ምእንቲ ኸይከውን ኢሉ ብኢዱ ይዓዪ ነበረ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

በሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ናብራኦም “ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል” ብምስዓቦም ሓጐስ ይረኽቡ ኣለዉ