ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደው በሉ እሞ: እቲ ምድሓን የሆዋ ርኣዩ!

ደው በሉ እሞ: እቲ ምድሓን የሆዋ ርኣዩ!

ደው በሉ እሞ: እቲ ምድሓን የሆዋ ርኣዩ!

“ንቕድሚት ኣቢልኩም [“ቦታኹም ኂዝኩም: ” ትርጕም 1990 ] ደኣ ደው በሉ እሞ: እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርአዩ።” —⁠2 ዜና መዋእል 20:17

1, 2. እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ‘ኣብ ሃገር ማጎግ ዘሎ ጎግ’ ዝፍንዎ መጥቃዕቲ: ካብ ዓለምለኻዊ ግብረ⁠-​ሽበራ ዝኸፍአ ሳዕቤን ዝህልዎ ስለምንታይ እዩ፧

 ግብረ⁠-​ሽበራ ብገሊኣቶም ሰባት ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዓለም: ኣረ ኣብ ልዕሊ ስልጣነ እውን ዝወርድ መጥቃዕቲ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስግእ መጥቃዕቲ ዕቱብ ኣቓልቦ እንተ ተዋህቦ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ማሕበረሰብ ዓለም ብዙሕ ዘየተኰረሉ ወይ ፈጺሙ እውን ቈላሕታ ዘይገበረሉ ኻልእ ዝኸፍአ ሳዕቤን ዝህልዎ መጥቃዕቲ ይመጽእ ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧

2 እዚ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 38 ዝገልጾ ‘ኣብ ሃገር ማጎግ ዘሎ ጎግ’ ዝፍንዎ መጥቃዕቲ እዩ። እዚ መጥቃዕቲ እዚ ኻብ ዓለምለኻዊ ግብረ⁠-​ሽበራ ንላዕሊ ዝኸፍአ ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ምግላጽሲ ምግናን ድዩ፧ ኣይኰነን: ከመይሲ ጎግ ካብ ሰብኣውያን መንግስትታት ንዝበልጽ እዩ ዘጥቅዕ። ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ መጥቃዕቱ ኽፍኑ! ይኹን እምበር: ፈጣሪ ከምቶም ኣብ ስርዓቶም መጥቃዕቲ ኽወርዶም ከሎ ምሉእ ብምሉእ ክምክትዎ ዘይክእሉ ሰባት ዘይኰነስ: ነቲ ጎግ ዝፍንዎ ሓያል መጥቃዕቲ ንምፍሻል እኹል ዓቕሚ ኣለዎ።

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝፍኖ መጥቃዕቲ

3. ገዛእቲ ዓለም ካብ 1914 ኣትሒዞም እንታይ ክገብሩ እዩ ጻውዒት ዝቐርበሎም ዘሎ: እንታይ ምላሽከ እዮም ዝሃቡ፧

3 ኣብ መንጎ እቲ ሕጂ ኣምላኽ ሸይምዎ ዘሎ ንጉስን ኣብ መንጎ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብን ዘሎ ግጭት ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ዝቘመትሉ ግዜ ኣትሒዙ ዝጸንሐ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰብኣውያን መራሕቲ ነቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ገዛኢ ንኽግዝኡ ተነጊርዎም ነይሩ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ብትንቢት ተገሊጹ ዝነበረ ኣበዩ:- “ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ: መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም: ንመቓውሖም ንስበሮ: ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ: ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ።” (መዝሙር 2:1-3) መንግስቲ ኣምላኽ ንኸይትገዝኦም ዝገብርዎ ምጽራር: ጎግ ማጎግ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍንወሉ እዋን ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኽበጽሕ እዩ።

4, 5. ደቅሰብ ነታ ዘይትርአ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ኽፍንዉላ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

4 ደቅሰብ ምስ ዘይትርአ ሰማያዊት መንግስቲ ብኸመይ ክዋግኡ ኸም ዝኽእሉ ይገርመና ይኸውን። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ እዛ መንግስቲ እዚኣ ‘ኻብ ምድሪ ብእተዓደጉ ሚእትን ኣርባዓን ኣርባዕተን ሽሕን በቲ ገንሸል’ ተባሂሉ ዘሎ ክርስቶስ የሱስን ዝቘመት እያ። (ራእይ 14:1, 3፣ ዮሃንስ 1:29) ሰማያዊት ስለ ዝዀነት ድማ እዛ ሓዳስ መንግስቲ እዚኣ ‘ሓድሽ ሰማያት’ ክትበሃል ከላ: እቶም ምድራውያን ተገዛእታ ኸኣ ‘ሓድሽ ምድሪ’ ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 65:17፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ካብቶም ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ዝገዝኡ 144,000 መብዛሕትኦም ምድራዊ ህይወቶም ብተኣማንነት ፈጺሞም እዮም። ስለዚ ኣብ ሰማይ ሓድሽ ዕዮ ንኽወሃቦም ብቑዓት ምዃኖም ኣርእዮም እዮም።

5 ናይቶም 144,000 ሒደት ተረፍ ግን ሕጂውን ኣብ ምድሪ ኣለዉ። ካብቶም ካብ 15,000,000 ዝበዝሑ ብ2002 ኣብ ድራር ጐይታ እተኣከቡ ሰባት: 8,760 ጥራይ እዮም ንሰማያዊ ዕዮ ኸም እተመርጹ ተስፋኦም ዝገለጹ። ነቶም ዝተረፉ ኣባላት እታ መንግስቲ ኸጥቅዕ ዝፍትን ዝዀነ ይኹን ኣካል: ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ መጥቃዕቲ ዝፍኑ።​—⁠ራእይ 12:17

እቲ ንጉስ ምሉእ ብምሉእ ይስዕር

6. የሆዋን ክርስቶስን ንህዝቢ ኣምላኽ ምጽራር ብኸመይ እዮም ዝርእይዎ፧

6 የሆዋ ነቶም ነዛ ቘይማ ዘላ መንግስቱ ዝጻረሩ እንታይ ምላሽ ከም ዝህቦም ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ብትንቢት ተገሊጹ ኣሎ:- “እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም: ጐይታ የላግጸሎም። ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦም: ብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም: ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ: ይብል።” (መዝሙር 2:4-6) ክርስቶስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋ ዀይኑ “ኪስዕር” ዝወጸሉ እዋን ኣኺሉ እዩ። (ራእይ 6:2) የሆዋ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ስዕረት ዝካየደሉ እዋን ኣብ ህዝቡ ዝወርድ ምጽራር ብኸመይ ይርእዮ፧ ልክዕ ንዕኡን ነቲ ዝሸሞ ንጉሱን ምጽራር ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዝርእዮ። የሆዋ “እቲ ንኣኻትኩም ዚትንኪ፥ መርዓት ዓይነይ እዩ ዚትንኪ” በለ። (ዘካርያስ 2:8 ትርጕም 1990 ) የሱስ እውን ሰባት ንቕቡኣት ኣሕዋቱ ዝገብሩሎም ወይ ዘይገብሩሎም ነገራት ንዕኡ ከም ዝገበሩሉ ወይ ከም ዘይገበሩሉ ገይሩ ኸም ዝርእዮ ኣትሪሩ ተዛረበ።​—⁠ማቴዎስ 25:40, 45

7. ጎግ ኣብቶም ኣብ ራእይ 7:9 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” ዝንድር ስለምንታይ እዩ፧

7 ልክዕ እዩ: ጎግ ኣብቶም ንቕቡኣት ተረፍ ብንጥፈት ዝድግፉ ሰባት እውን ክንድር እዩ። እዞም ኣባላት እቲ ኣምላኽ ዘቝሞ “ሓድሽ ምድሪ” ክዀኑ ትጽቢት ዝግበረሎም እዚኣቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” እተኣከቡ “ብዙሓት ሰብ” ወይ ዓብዪ ጭፍራ እዮም። (ራእይ 7:9) “ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም: . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም” ከም ዘለዉ ዀይኖም ተገሊጾም ኣለዉ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ተቐባልነት ዘለዎ ኣቕዋም ኣለዎም። “ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም” ምሓዞም ከኣ የሆዋ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃቦም ዘርኢ እዩ: ግዝኣቱ ኸኣ በቲ “ገንሸል ኣምላኽ” እተባህለ ባዕሉ ዝሸሞ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ይግለጽ።​—⁠ዮሃንስ 1:29, 36

8. መጥቃዕቲ ጎግ ንክርስቶስ እንታይ ንኽገብር እዩ ከለዓዕሎ: ውጽኢቱኸ እንታይ ክኸውን እዩ፧

8 እቲ ጎግ ዝፍንዎ መጥቃዕቲ ነቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ ስጕምቲ ኽወስድን ውግእ ኣርማጌዶን ክዋጋእን ከለዓዕሎ እዩ። (ራእይ 16:14, 16) እቶም ንሉዓላውነት የሆዋ ኣፍልጦ ምሃብ ዝኣብዩ ኽጠፍኡ እዮም። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ብምዃኖም ጸበባ ዘሕለፉ ነባሪ ራህዋ ኽረኽቡ እዮም። ብዛዕባዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ: እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢቡኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ: ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘለዉን ጸበባ ኺፈዲ: ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ: ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።”​—⁠2 ተሰሎንቄ 1:5-8

9, 10. (ሀ) የሆዋ ንኣይሁድ ኣብቲ ዘይድፈር ጸላኢኦም ዓወት ዝሃቦም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሕጂውን ክርስትያናት እንታይ ካብ ምግባር እዮም ከቋርጹ ዘይብሎም፧

9 ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ብኣርማጌዶን ዝዛዘም ብርቱዕ ጸበባ: ክርስቶስ ምስ ኵሉ እከይ ክዋጋእ እዩ። እንተዀነ ግን: ልክዕ ከምቲ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ህዝቢ እታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳ ኽዋግኡ ዘየድለዮም: ሰዓብቲ ክርስቶስ ክዋግኡ ኣይከድልዮምን እዩ። ብግዜ ጥንቲ እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ ነይሩ: ህዝቡ ድማ ከም ዝዕወቱ ገበረ። ብዛዕባዚ እቲ ጽሑፍ ኸምዚ ይብል:- “ነቶም ናብ ይሁዳ ኢሎም ዝመጹ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ነቶም ኣብ ከረን ሰዒርን እግዚኣብሄር ድቡቓት ኣምጽኣሎም እሞ: ተሳዕሩ። እቶም ደቂ ዓሞንን ሞኣብንሲ ነቶም ኣብ ከረን ሰዒር ዚነብሩ ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን ተንስኡ: ነቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ምስ ወድእዎም ድማ: ንሓድሕዶም ኪጣፋፍኡ ተሓጋገዙ። ይሁዳ ድማ ናብቲ ናይ በረኻ ግምቢ ዘብዔኛ ምስ መጹ: ገጾም ናብቲ ጭፍራ ኣበሉ: እንሆ ድማ: ሓደ እኳ ኸይመለቘ ናብ ምድሪ ዝወደቑ ሬሳታት ኰኑ።”​—⁠2 ዜና መዋእል 20:22-24

10 ልክዕ ከምቲ የሆዋ “ኣይክትዋግኡን ኢኹም” ብምባል እተነበዮ እዩ ተፈጺሙ። (2 ዜና መዋእል 20:17) እዚ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ “ኪስዕር” ከሎ ክርስትያናት ክስዕብዎ ዘለዎም ኣብነት እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ንእከይ ብስጋዊ ኣጽዋር ዘይኰነስ ብመንፈሳዊ ኣጽዋር እዮም ዝዋግእዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ገይሮም ካብ ምስዓር’ ኣየቋርጹን።​—⁠ሮሜ 6:13፣ 12:17-21፣ 13:12፣ 2 ቈረንቶስ 10:3-5

ንመጥቃዕቲ ጎግ ዝመርሖ መን እዩ፧

11. (ሀ) ጎግ መጥቃዕትታቱ ንምፍናው እንታይ ወኪላት እዩ ኽጥቀም፧ (ለ) ብመንፈስ ንቑሕ ምዃን እንታይ ዘጠቓልል እዩ፧

11 ጎግ ማጎግ ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን ድያብሎስ ካብ 1914 ኣትሒዙ ዘለወሉ ሕሱር ኵነታት እዩ ዘመልክት። መንፈሳዊ ፍጡር ብምዃኑ ብቐጥታ መጥቃዕቲ ኸውርድ ስለ ዘይክእል: ተግባራቱ ንምፍጻም ሰብኣውያን ወኪላት ክጥቀም እዩ። እዞም ሰብኣውያን ወኪላት እዚኣቶም እንታዎት እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝር ነገራት ዘይነግረና እኳ እንተዀነ: እንታዎት ምዃኖም ንኸነለሊ ዘኽእለና ሓድሓደ መሐበሪታት ግን ሂቡና ኣሎ። ኣብ ዓለም ዝህሉ ዅነታት እናተዓዘብና ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመኡ ኽረክብ ክንርኢ ኸሎና: በብቝሩብ ክንጽረልና እዩ። ህዝቢ የሆዋ ብግምት ክዛረቡ ዘይደልዩ እኳ እንተዀኑ: ነቲ ምስ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተሓሓዝ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ምዕባለታት ብምክትታል ብመንፈስ ንቑሓት ኰይኖም እዮም ዝጸንሑ።

12, 13. ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዝወርድ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ እንታይ ተነበየ፧

12 ነብዪ ዳንኤል ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዝወርድ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ብዝያዳ የነጽረልና:- “[እቲ ንጉስ ሰሜን] ንብዙሓት ኬጥፍእን ኬጽንትን ኢሉ: ብዓብዪ ነድሪ ኺወጽእ እዩ። ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ኽብርቲ ቅድስቲ ደብርን ድንኳናት ኣዳራሹ ኺተክል እዩ።”​—⁠ዳንኤል 11:44, 45

13 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን እቲ “ባሕሪ” ተባሂሉ ዘሎ ንዓብዪ ባሕሪ ወይ ባሕሪ መዲተራነያን እዩ ዘመልክት ነይሩ: እታ ‘ቕድስቲ ደብሪ’ ኸኣ እታ የሆዋ “ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ” ብምባል እተዛረበላ ጽዮን እያ። (መዝሙር 2:6፣ እያሱ 1:4) ስለዚ: ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ እቲ “ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ኽብርቲ ቅድስቲ ደብርን” ዘሎ ቦታ: ነቲ ቕቡኣት ክርስትያናት ብመንፈስ ዝበልጸጉሉ ዅነታት እዩ ዘመልክት። ድሕሪ ደጊም ምስቶም ብባሕሪ ዝምሰሉ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ደቅሰብ ኣይኰኑን: የግዳስ ምስ ክርስቶስ የሱስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ንኽገዝኡ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ። እምበኣር ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስቶም እሙናት ብጾቶም ዝዀኑ ዓብዪ ጭፍራ: ከምቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ተገሊጹ ዘሎ ዕላማ ናይቲ ንጉስ ሰሜን ዝፍንዎ ሓያል መጥቃዕቲ ክዀኑ ምዃኖም ንጹር እዩ።​—⁠ኢሳይያስ 57:20፣ እብራውያን 12:22፣ ራእይ 14:1

ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ክገብሩ እዮም፧

14. ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ምስ ወረዶም እንታይ ሰለስተ ነገራት እዮም ክገብሩ፧

14 ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ምስ ወረዶም እንታይ እዮም ክገብሩ ዘለዎም፧ ኣብዚውን እቶም ብዘመን ዮሳፋጥ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ዝገበርዎ ነገራት ኣብነት ይዀነና እዩ። እቶም ዜጋታት ሰለስተ ነገራት ክገብሩ እዩ ተነጊርዎም። እዚ ድማ (1) ቦታኦም ክሕዙ: (2) ደው ክብሉ: (3) ምድሓን የሆዋ ኽርእዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ምስዚ ቓላት እዚ ብምስምማዕ እንታይ እዮም ክገብሩ፧​—⁠2 ዜና መዋእል 20:17

15. ህዝቢ የሆዋ ቦታኦም ክሕዙ ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

15 ቦታኹም ሓዙ:- ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ኣቕዋሞም ፈልከት ከይበሉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ብምድጋፍ ቦታኦም ክሕዙ እዮም። ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ካብ ምሕላው እውን ኣይከቋርጹን እዮም። ኣብቲ ብተኣማንነት ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት የሆዋ ‘ጽኑዓት: ዘይነቓነቑ’ ክዀኑን ንየሆዋ ስለቲ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ምምስጋን ክቕጽሉን እዮም። (1 ቈረንቶስ 15:58፣ መዝሙር 118:28, 29) ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ዝመጽእ ጸቕጢ: ካብዚ ኣምላኽ ስምረቱ ዝገለጸሉ ቦታኦም ኣይከነቓንቖምን እዩ።

16. ኣገልገልቲ የሆዋ ብኸመይ እዮም ደው ዝብሉ፧

16 ደው በሉ:- ኣገልገልቲ ኣምላኽ ገዛእ ርእሶም ከድሕኑ ኣይክፍትኑን እዮም: የግዳስ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ኽገብሩ እዮም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዝፍጠር ዕግርግር ንኣገልገልቱ ኸድሕኖም ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ: ከምኡ ኸም ዝገብር ድማ ተመባጺዑ ኣሎ። (ኢሳይያስ 43:10, 11፣ 54:15፣ ድጕዓ ኤርምያስ 3:26) ኣብ የሆዋ ምውካል ክበሃል ከሎ ኣብቲ ዕላማኡ ንምፍጻም ንሓያሎ ዓመታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዝርአ መትረብ እምንቶ ምግባር እውን የጠቓልል። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብቲ ግዜ እቲ ብዝያዳ ኣብቶም የሆዋን ንሱ ዝመዘዞ ንጉስን ዝሸምዎም ኣመንቲ ብጾቶም ክተኣማመኑ እዮም። እዞም እሙናት ሰብኡት እዚኣቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ክመርሕዎ እዮም። ንመሪሕነቶም ዘይምእዛዝ ከኣ ከቢድ ጕድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:45-47፣ እብራውያን 13:7, 17

17. እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምድሓን የሆዋ ዝርእዩ ስለምንታይ እዮም፧

17 ምድሓን የሆዋ ርኣዩ:- እቶም ክርስትያናዊ ንጽህናኦም ዝሕልዉን ኣብ ምድሓን የሆዋ ዝውከሉን ኵሎም ድሕነት ክረኽቡ እዮም። ከመይሲ: ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዓቕሞም ብዝፈቕደሎም ኵሉ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ኸም ዝበጽሐት ክእውጁ እዮም። ኵሉ ፍጥረት እውን የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑን ኣብ ምድሪ እሙናት ኣገልገልቲ ኸም ዘለዉዎን ክፈልጥ ኣለዎ። ድሕሪ ደጊም ብዛዕባ ሉዓላውነት የሆዋ ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ክርክር ክለዓል ኣይከድልን እዩ።​—⁠ህዝቅኤል 33:33፣ 36:23

18, 19. (ሀ) ኣብ ዘጸኣት ምዕራፍ 15 እትርከብ ናይ ዓወት መዝሙር ንስምዒት እቶም ካብ መጥቃዕቲ ጎግ ዝድሕኑ እትገልጽ ብኸመይ እያ፧ (ለ) ህዝቢ ኣምላኽ ሕጂ እንታይ ክገብሩ እዩ ዝግባእ፧

18 ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንቐይሕ ባሕሪ ምስ ሰገሩ ዝዘመሩ: ህዝቢ ኣምላኽ ከኣ ናይ ዓወት መዝሙር ንምዝማር እናተሃንጠዩ ብሓድሽ ሓይሊ ናብ ሓዳስ ዓለም ክኣትዉ እዮም። ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ዕቝባ ንዘለኣለም ስለ ዘማስዉሉ: ብውልቂ ዀነ ብሓባር ነዚ ዝስዕብ ጥንታዊ ቓላት ከቃልሑ እዮም:- ‘ንሱ ኣዝዩ ኽብ ኢሉ እዩ እሞ: ንየሆዋ እዝምር ኣሎኹ። የሆዋ ተዋጋኢ እዩ: ስሙ የሆዋ እዩ። ጐይታይ የማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶ። ብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡኻ ጨፍለቕካዮም: ቍጥዓኻ ሰደድካ: ከም ሓሰር በልዓቶም። ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካ። ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮም። ዎ የሆዋ: ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታ: ጐይታይ: ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ: ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተኽሎምን። የሆዋ ንወርትግ: ንዘለኣለም ይነግስ።’​—⁠ዘጸኣት 15:1-19

19 ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብንጹር ይርአ ስለ ዘሎ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንዕኡ ዘለዎም ተወፋይነት ዘርእዩሉን ከም ዘለኣለማዊ ንጉሶም መጠን ንኸገልግልዎ ዝገበርዎ ቈራጽነት ዘሐድሱሉን እዋን እዩ።​—⁠1 ዜና መዋእል 29:11-13

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• መጥቃዕቲ ጎግ ኣብቶም ቅቡኣትን ኣብቶም ካልኦት ኣባጊዕን ዘተኰረ ስለምንታይ እዩ፧

• ህዝቢ ኣምላኽ ቦታኦም ዝሕዙ ብኸመይ እዮም፧

• ደው በሉ ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• ህዝቢ ኣምላኽ ምድሓን የሆዋ ዝርእዩ ብኸመይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንዮሳፋጥን ህዝቡን ከይተዋግኡ ዓወት ሃቦም

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ቅቡኣትን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን ብሓባር ንሉዓላውነት የሆዋ ይድግፉ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን: ህዝቢ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ናይ ዓወት መዝሙር ክዝምሩ እዮም