ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣሌክሳንደር ሻድሻይ ሮማ ፈጺማ ዘይትርስዖ ጳጳስ

ኣሌክሳንደር ሻድሻይ ሮማ ፈጺማ ዘይትርስዖ ጳጳስ

ኣሌክሳንደር ሻድሻይ ሮማ ፈጺማ ዘይትርስዖ ጳጳስ

“ብዓይኒ ካቶሊክ ንጳጳስ ኣሌክሳንደር ሻድሻይ ንምዅናን ዝኣክል ቃላት የለን።” (ገሺኽተ ዴር ፓፐስተ ዛይት ዴም ኣውስጋንግ ደስ ሚተልኣልተረስ [ኣብ መወዳእታ ማእከላይ ዘመን ናይ ዝነበሩ ጳጳሳት ታሪኽ]) “ብሕታዊ ህይወቱ ፈጺምካ ምኽኒት ከተቕርበሉ እትኽእል ኣይኰነን። . . . እዚ መንበረ⁠-​ጵጵስና እዚ ንቤተ⁠-​ክርስትያን ክብሪ ዘምጽእ ከም ዘይኰነ ኽንእመነሉ ኣሎና። እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ምስቲ ስድራ​ቤት ቦርጃ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ነገራት ዝመሳሰል ተግባራት ዝፍጽሙ እኳ እንተ ነበሩ: እቲ ናይዞም ስድራ​ቤት ዓመጻ ግን ኣዝዩ የስካሕክሖም ነበረ። ጽልዋ ናይዚ ኸኣ ድሕሪ ኣርባዕተ ዘመን እውን ኣይሃሰሰን።”​—⁠ሌግሊዝ ኤ ላ ረናሳንስ (1449-1517 ) (ቤተ⁠-​ክርስትያንን ተሃድሶን)

ኣብ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣኽቢርካ ዝርአ ታሪኻዊ ጽሑፋት: ብዛዕባ ሓደ ጳጳስን ስድራ​ቤቱን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ቃላት እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም ክሳዕ ክንድዚ እተነቕፉ እንታይ እዮም ገይሮም፧ ካብ ጥቅምቲ 2002 ክሳዕ ለካቲት 2003 ኣብ ሮማ ዝቐረበ ኢ ቦርጃ​—⁠ላርተ ደል ፖትሬረ (ስድራ​ቤት ቦርጃ​—⁠ናይ ስልጣን ብልሓት) ዘርእስቱ ምርኢት: ጵጵስና ብሓፈሻ: ብፍላይ ከኣ ሮድሪጆ ቦርጃ ወይ ኣሌክሳንደር ሻድሻይ (1492-1503 ጳጳስ) ዝነበሮ ዓብላሊ ስልጣን ዘጕልሕ ነበረ።

ስልጣን ዝረኸበሉ መገዲ

ሮድሪጆ ቦርጃ ብ1431 ኣብታ ኣብ መንግስቲ ኣራጎን ሕጂ ኣብ ስጳኛ እትርከብ ሃቲቫ: ካብ ምርኡያት ስድራ​ቤት እዩ ተወሊዱ። እቲ ኣቡን ቫለንሽያ ዝነበረ ኣልፎንሶ ዲ ቦርጃ ዝበሃል ኣኮኡ: ሮድሪጆ ዝወስዶ ዓይነት ትምህርቲ ይከታተሎ ነበረ: ገና ኰተቴ ኸሎ ኸኣ ኣታዊ ዝረኽበሉ ክህነታዊ ስልጣን ሃቦ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰነ: ኣብ ጽላል እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ካርዲናል መዓርግ በጺሑ ዝነበረ ኣልፎንሶ: ናብ ኢጣልያ ብምኻድ ሕጊ ተማህረ። ኣልፎንሶ: ጳጳስ ካሊስተስ ሳልሳይ ምስ ኰነ: ንሮድሪጆን ንኻልእ ዘመዱን ካርዲናል ገይሩ ሸሞም። ፔሬ ልዊስ ቦርጃ ድማ ንእተፈላለያ ኸተማታት ከመሓድር ሹመት ተዋህቦ። ነዊሕ ከይጸንሐ ሮድሪጆ ምክትል ቻንስለር ናይታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኰይኑ ተሾመ: ኣብ ትሕቲ እተፈላለዩ ጳጳሳት ኣብዚ ስልጣን እዚ ብምጽንሑ ብዙሕ ኣታዊ ዝርከቦ ናይ ክህነት ስልጣን ክረክብ: እዚ ዘይበሃል ሃብቲ ኽድልብ: ንስልጣኑ ኸም ድላዩ ኽጥቀመሉ: ከምኡውን ልክዕ ከም ሓደ መስፍን ጣዕሚ ዘለዎ ናብራ ኽነብር ከኣለ።

ሮድሪጆ ብልሂ: ክኢላ ተዛራባይ: ንስነ⁠-​ጥበብ ዝድግፍ: ከምኡውን ዕላማኡ ንምውቃዕ ክእለት ዘለዎ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ምስ ብዙሓት ኣንስቲ ይዝሙ ብምንባሩ: ካብታ ዕድሚኡ ምሉእ ውሽማኡ ዝነበረት ሰበይቲ ኣርባዕተ ውሉዳት: ካብ ካልኦት ኣንስቲ ኸኣ ካልኦት ውሉዳት ወለደ። “ብኣዝዩ ብዕሉግ” ተግባራት ናይ ምዝንጋዕን “ቀይዲ ዘይብሉ ደስታ” ናይ ምፍታውን ዝንባለ ስለ ዝነበሮ ጳጳስ ፒዮስ ዳግማይ ብወግዒ እኳ እንተ ገንሖ: ሮድሪጆ ግን ኣነባብራኡ ኣየዐረየን።

ጳጳስ ኢኖሰንት ሻምናይ ብ1492 ምስ ሞተ: እቶም ካርዲናላት ዝትክኦ ጳጳስ ክመርጹ ኣኼባ ገበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሮድሪጆ ቦርጃ ግሩም ህያባትን ጥቕምታትን ብምቕራብ ካብቶም ካርዲናላት እኹል ድምጺ ብምርካብ ጳጳስ ኣሌክሳንደር ሻድሻይ ኰነ። ነቶም ካርዲናላት እንታይ እዩ ኸፊልዎም፧ ናይ ክህነት ስልጣን: ኣብያተ⁠-​መንግስቲ: ግምብታት: ከተማታት: ገዳማት: ከምኡውን ናይ ኣቡን ስልጣን እዩ ዓስቦም ሂብዎም። ስለዚ ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ቤተ⁠-​ክርስትያን ነቲ ኣሌክሳንደር ሻድሻይ ጳጳስ ዝነበረሉ ዘመን “ናይ ሮማ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሕማቕ ስምን ዘሕፍር ተግባርን ዘጥረየትሉ እዋን” ኢሉ ዝጸውዓሉ ምኽንያት ክርድኣና ይኽእል እዩ።

ካብ ዓለማውያን መሳፍንቲ ዘይሓይሽ

ኣሌክሳንደር ሻድሻይ ከም ርእሲ ቤተ⁠-​ክርስትያን መጠን ብዝነበሮ መንፈሳዊ ስልጣን ነቲ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣመሪካ እተረኽበ ሓድሽ ግዝኣት ኣብ መንጎ ስጳኛን ፖርቱጋልን ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ኣደቀሶ። ነተን ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ ዝርከባ ብጳጳስ ዝመሓደራ ግዝኣታት ንምግዛእ ዘኽእሎ ዓለማዊ ስልጣን ነበሮ: ንመንግስቱ ድማ ልክዕ ከምተን ብግዜ ተሃድሶ ዝነበራ ሉዓላውያን ሃገራት ገይሩ የመሓድራ ነበረ። ኣሌክሳንደር ሻድሻይ ጳጳስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ከምቶም ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝነበሩ ጳጳሳት ብላዕ: ዘመደይ ዘመድካ ዝሰፈነሉ: ከምኡውን ቅትለት ከም ዝነበረ ዝጥርጠረሉ እዋን ነበረ።

ኣብቲ ዕግርግር ዝመልኦ እዋን ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብ ኢጣልያ ግዝኣት ንምርካብ ይነሓንሑ ነይሮም: እቲ ጳጳስ እውን ኣብዚ ይሳተፍ ነበረ። እቲ ፖለቲካዊ መናውራታቱ ዀነ ዝምስርቶን ዘፍርሶን ዝነበረ ኺዳን: ጽልዋኡ ንምዝያድ: ንደቁ ኽብ ንምባል: ከምኡውን ንስድራ​ቤት ቦርጃ ኻብ ካልኦት ንላዕሊ ኽብ ንምባል ተሓሊኑ እዩ ዝግበር ነይሩ። ህዋን ዝበሃል ወዱ ንዘመድ ንጉስ ካስቲለ ምስ ተመርዓዋ መስፍን ናይቲ ኣብ ስጳኛ ዝርከብ ጋንዲያ ዝበሃል ቦታ ዀነ። ጆፍረ ዝበሃል ካልእ ወዱ ኸኣ ንጓል ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኔፕልስ ተመርዓዋ።

እዚ ጳጳስ እዚ ምስ ፈረንሳ ዘለዎ ርክብ ንምድልዳል ኪዳን ክገብር ምስ ደለየ: ነታ ሉክረትስያ እትበሃል ጓል 13 ዓመት ጓሉ ንሓደ ምርኡይ ኣርጎናዊ ንኸመርዕዋ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣፍሪሱ: ንዘመድ ሓደ መስፍን ሚላን ሃባ። እቲ መርዓ ብፖለቲካዊ መዳይ ዝህቦ ጥቕሚ ምስ ኣብቅዐ: ብዘይ​ረብሕ ምኽንያት እቲ ሓዳር ፈረሰ: ሉክረትስያ ድማ ንሓደ ኣልፎንሶ ብዓል ኣርጎን ዝበሃል ኣባል ናይ ሓደ ተጻባኢ ስርወ⁠-​ንግስነት ሰበይቱ ኽትኰኖ ተዋህበት። ኣብቲ ግዜቲ: እቲ ህሩፍን ጨካንን ዝነበረ ቼዛር ቦርጃ ዝበሃል ሓዋ ምስ ናይ ፈረንሳ ንጉስ ልዊስ መበል 12 ኪዳን ስለ እተኣታተወ: ሓብቱ ንኣርጎናዊ ብምምርዓዋ ኣሕፈሮ። እንታይ መፍትሒኸ ተጠቕመ፧ ሓደ ምንጪ ኸም ዝሕብሮ: እቲ መስኪናይ ዝነበረ ሰብኣያ ኣልፎንሶ “በርባዕተ ክቐትልዎ ዝፈተኑ ሰባት ኣብ መሳልል ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ቈሰለ። ካብዚ ቝስሉ እናሓወየ ኸሎ ኸኣ ብጊልያ ቼዛር ተሓንቀ።” እቲ ጳጳስ ሓድሽ ስትራተጅያዊ ኺዳን ስለ ዝደለየ: ነታ ኣብቲ ግዜ እቲ ጓል 21 ዓመት ዝዀነት ሉክረትስያ ጓሉ ንሳልሳይ ግዜ ኣመርዓዋ: ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ ንወዲ ሓደ ሓያል መስፍን ፌራራ እዩ ሂብዋ።

ቼዛር ዝፍጽሞ ዝነበረ ነገራት “ቀይዲ በተኽን ምፍሳስ ደም ዝበዝሖን ታሪኽ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ወዲ 17 ዓመት ከሎ ኣቦኡ ካርዲናል ገይሩ እኳ እንተ ሸሞ: በሊሕ: ህሩፍ: ከምኡውን ብልሹው ብምንባሩ ካብ ኣብ ጕዳያት ቤተ⁠-​ክርስትያን: ኣብ ውግእ ይነፍዕ ነበረ። ነቲ ናይ ክህነት ስልጣኑ ባዕሉ ድሕሪ ምሕዳጉ: ንሓንቲ ፈረንሳዊት ልዕልቲ ተመርዓዋ: በዚ ኸምዚ ኸኣ መስፍን ፋለንቲኖይስ ኰነ። ድሕሪኡ ብሓገዝ ወተሃደራት ፈረንሳ ንሰሜናዊ ኢጣልያ ንምቍጽጻር ከተማታት ናይ ምኽባብን ናይ ምቕታልን ወፈራ ጀመረ።

ቼዛር ዕላማኡ ንምውቃዕ ዘድልዮ ናይ ሰራዊት ፈረንሳ ደገፍ ምእንቲ ኸይስእን: እቲ ጳጳስ ነቲ ናይ ፈረንሳ ንጉስ ልዊስ መበል 12 ንሰበይቱ ብዘይ​ግባእ ፈቲሑ ንኣን ብዓልቲ ብሪታኒ ብምምርዓው ግዝኣታ ኣብ ትሕቲ መንግስቱ ኸእትዎ ፈቐደሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ከምቲ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ዝበሎ እዚ ጳጳስ እዚ “ንሓደ ኣባል ስድራ​ቤቱ ዓለማዊ ረብሓ ንኽረክብ ኢሉ: ንኽብረት ቤተ⁠-​ክርስትያንን ስርዓታታን ሰውኦ።”

ብዛዕባ እቲ ቐይዲ በተኽ ተግባራት ጳጳስ እተዋህበ ነቐፌታ

እቲ ቐይዲ በተኽ ተግባራት ስድራ​ቤት ቦርጃ ጸላእቲ ኣፍረየሎም: ኣደዳ ነቐፌታ ድማ ገበሮም። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጳጳስ ንነቐፍቲ ግዲ ዘይገብረሎም እኳ እንተ ነበረ: ንሓደ ጊሮላሞ ሳቮናሮላ ዝበሃል ግን ዕሽሽ ክብሎ ኣይከኣለን። እዚ ሰብኣይ እዚ ፈላሲ ማሕበር ዶመኒካውያን: ሓያል ሰባኺ: ከምኡውን ናይ ፍሎረንስ ፖለቲካዊ መራሒ ነበረ። ነቶም ኣብ መጋባእያ እቲ ጳጳስ እተቐመጡ ሰባት ዘለዎም ሕማቕ ኣመል: ነቲ ጳጳስን ንፖለቲካኡን ኰነኖ: ካብ ስልጣኑ ኽእለን ክህነታዊ ተሃድሶ ኽግበርን ድማ ጻውዒት ገበረ። ሳቮናሮላ “መራሕቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን . . . ለይቲ ናብ ውሽማታትኩም ትኸዱ: ንግሆ ኸኣ ትቘርቡ” ኢሉ ጨደረ። ጸኒሑ እውን “[እዞም መራሕቲ] ገጾም ገጽ ኣመንዝራ ክኸውን ከሎ: ዝናኦም ከኣ ንቤተ⁠-​ክርስትያን ዝሃሲ እዩ። እብለኩም ኣለኹ: እዚኣቶም ክርስትያናዊ እምነት የብሎምን” በለ።

እቲ ጳጳስ ኣፍ ሳቮናሮላ ንምዕባስ ናይ ካርዲናል ሹመት እኳ እንተ ኣቕረበሉ: ንሱ ግን ኣይተቐበሎን። ሳቮናሮላ እንተ በቲ ነቲ ጳጳስ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ምጽራር እንተ ብስብከቱ: ተወገዘ: ተኣስረ: ንኽናዘዝ ተባሂሉ ብዙሕ ስቓይ ወረዶ: ተሓንቀ: ሬሳኡ ኸኣ ብሓዊ ተቓጸለ።

ኣርዚንካ ኽርአ ዘለዎ ሕቶታት

እዚ ታሪኻዊ ፍጻመታት እዚ ኣገዳሲ ሕቶታት የላዕል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሻጥር ዝመልኦ ኣካይዳ ናይ ሓደ ጳጳስ ብኸመይ ክግለጽ ይከኣል፧ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብኸመይ እዮም ዝገልጽዎ፧ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እተፈላለየ መጐተ ይቐርብ እዩ።

ብዙሓት ኣሌክሳንደር ሻድሻይ ነቲ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ክግምገም ከም ዘለዎ ይኣምኑ እዮም። እቲ ኣብ ፖለቲካን ኣብ ጕዳያት ቤተ⁠-​ክርስትያንን ዝነበሮ ምንቅስቓስ ሰላም ንምዕቃብ: ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ግዝኣታት ሚዛን ንምሕላው: ምስቶም ንጳጳስ ዝድግፉ ዘሎ ማእሰር ንምድልዳል: ከምኡውን ቱርካውያን ዘስግኡ ብምንባሮም ነገስታት ህዝበ⁠-​ክርስትና ሓድነት ከም ዝህልዎም ንምግባር ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ተገሊጹ።

ኣነባብራኡ ደኣኸ እንታይ እዩ ዝበሃሎ፧ ሓደ ምሁር ከምዚ በለ:- “ቤተ⁠-​ክርስትያን ወትሩ ኽፉኣት ክርስትያናትን ዘይረብሑ ኻህናትን ምስ ሃለዉዋ እያ። ዋላ ሓደ ሰብ በዚ ምእንቲ ኸይስምብድ ክርስቶስ ብዛዕባ እዚ ተነብዩ እዩ፣ ልክዕ ከምቲ ንሱ ባዕሉ ንይሁዳ ኣብ መንጎ እቶም ሃዋርያት ክጸንሕ ዕሽሽ ዝበሎ: ነታ ቤተ⁠-​ክርስትያኑ እውን ምስ ስርናይን ክርዳድን ዝበቝላ ግራት ወይ ምስ ጽቡቕን ክፉእን ዓሳ ዝሓዘት መርበብ ኣመሳሲልዋ ኣሎ።” a

እዚ ምሁር እዚ ቀጺሉውን ከምዚ በለ:- “ከምቲ ኣብ ሓደ ባህ ዘየብል ነገር እተለገበ ኽቡር እምኒ ዋግኡ ዘይንኪ: ሓጢኣት ናይ ሓደ ኻህን እውን . . . ነቲ ንሱ ዝምህሮ ሰረተ⁠-​ትምህርቲ ብሕማቕ ከም ዝርአ ኣይገብሮን እዩ። . . . እተን ዝዕድላ ኣእዳው ጽሩያት ይኹና ኣይኹና ብዘየገድስ ወርቂ ኵሉ ሳዕ ወርቂ እዩ።” ሓደ ናይ ካቶሊክ ጸሓፍ ታሪኽ ንኣሌክሳንደር ሻድሻይ ብዝምልከት ቅኑዓት ምእመናን ካቶሊክ ክስዕብዎ ዝግባእ ስርዓት: እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ዝብልኹም ግበሩ: ከምቲ ግብሮም ግና ኣይትግበሩ’ ብምባል ብዛዕባ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝሃቦም ማዕዳ ምዃኑ እዩ ዝማጐት። (ማቴዎስ 23:2, 3) ከም ሓቂ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ይወሓጠልካ ድዩ፧

ናይ ሓቂ ክርስትና ከምኡ ድዩ፧

የሱስ ነቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ መለለዪ ዝኸውን ቀሊል መምርሒ እዩ ሂቡ:- “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዅዶ ወይኒ ይቕንጠብ: ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ: እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ: ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።”​—⁠ማቴዎስ 7:16-18, 20

ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ የሱስ ዝመስረቶ: ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ኸኣ ኣብነት ዝዀኑሉ ስርዓታት ናይ ሓቂ ክርስትና ኣማሊኦምዶ እዮም: ሕጂ ዘለዉኸ ነዚ የማልኡዶ ኣለዉ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ኽልተ ነጥብታት እስከ ንርአ​—⁠ቀዳማይ ኣብ ፖለቲካ ኢድ ምእታው: ካልኣይ ከኣ ኣነባብራ።

የሱስ ዓለማዊ መስፍን ኣይነበረን። የግዳስ ትሑት ናብራ ይነብር ነበረ: ባዕሉ እኳ “ርእሱ ዜጸግዓሉ” ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ እዩ። መንግስቱ “ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን:” ደቀ መዛሙርቱ እውን “ከምቲ [ንሱ] ኻብ ዓለም [ዘይኰነ:] ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” ስለዚ ድማ የሱስ ኣብቲ ብግዜኡ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዱ ምእታው ኣበየ።​—⁠ማቴዎስ 8:20፣ ዮሃንስ 6:15፣ 17:16፣ 18:36

ይኹን እምበር: ንሓያሎ ዘመናት ሃይማኖታት ስልጣንን ሃብትን ንኽረኽባ ኢለን ንተራ ሰባት ዝጐድእ እኳ እንተዀነ: ምስ ፖለቲካውያን መራሕቲ ይሓብራዶ ኸይኰና፧ እቶም ካህናት ከገልግልዎም ዝግባእ ብዙሓት ተራ ሰባት ደኽዮም ከለዉ: ካህናት ምቹእ ናብራ ደይኰነን ዝነብሩ፧

እቲ ንየሱስ በደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ “ኣትን ዘመውቲ: ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” በለ። (ያእቆብ 4:4) ስለምንታይ እዩ እዚ “ንኣምላኽ ጽልኢ” ዝዀነ፧ ቀዳማይ ዮሃንስ 5:19 “ብዘላ ዓለም . . . በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ትገልጸልና።

ብዛዕባ ስነ⁠-​ምግባር ኣሌክሳንደር ሻድሻይ: ሓደ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነባብራኡ ብዕሉግ እዩ ነይሩ። ሕንኪ ዀነ ቕንዕና: እምነት ኰነ ሃይማኖት ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ብዘይ​ረዊ ስስዐ: ክቱር ህርፋን: ዘሰቅቕ ጭካነ: ከምኡውን ነቶም ብዙሓት ደቁ ዕቤት ንኽረኽቡ ብዝነበሮ ሓያል ባህጊ እተዋሕጠ እዩ ነይሩ።” ልክዕ እዩ: ካብቶም ስልጣን ዝነበሮም ካህናት: ቦርጃ ጥራይ ኣይኰነን ከምዚ ዝኣመሰለ ናብራ ዝነበሮ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካይዳ እንታይ ይብለና፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት “ኣይትስሓቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ . . . ዘመውቲ: . . . ወይ ስሱዓት: . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ኢሉ ድማ መልሲ ሃበ።​—⁠1 ቈረንቶስ 6:9, 10

ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ ስድራ​ቤት ቦርጃ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሮማ እተገብረ ምርኢት ሒዝዎ እተበገሰ ዕላማ “ነዞም ዓበይቲ ሰባት እዚኣቶም ነቲ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ምርኣዮም . . . ንኽንርድኣሎም ደኣ እምበር ካብ ገበኖም ናጻ ንኽንገብሮም ወይ ንኽንኵንኖም ኣይኰነን” ዝብል ነበረ። በጻሕቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም መደምደምታ ኽበጽሑ እዩ ዕድል ተዋሂብዎም። ንስኻኸ ኣብ ምንታይ መደምደምታ በጺሕካ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባዚ ምስላታት እዚ ቕኑዕ መግለጺ እንተደኣ ደሊኻ: ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ለካቲት 1995 (እንግሊዝኛ) ገጽ 5-6 ከምኡውን ናይ 15 ሰነ 1992 ገጽ 9-17 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሮድሪጆ ቦርጃ: ጳጳስ ኣሌክሳንደር ሻድሻይ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣቦኣ ንሉክረትስያ ቦርጃ: ንጓሉ ስልጣኑ ንምስፍሕፋሕ ተጠቕመላ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ቼዛር ቦርጃ ህሩፍን ብልሹውን ነበረ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ንጊሮላሞ ሳቮናሮላ ስቕ ከብልዎ ስለ ዘይከኣሉ: ንማሕነቕቲ ተፈርዶ: ሬሳኡ ድማ ተቓጸለ