ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኮርያ ንሓደ ፍልይ ዝበለ ጕጅለ ቛንቋ ምግልጋል

ኣብ ኮርያ ንሓደ ፍልይ ዝበለ ጕጅለ ቛንቋ ምግልጋል

ኣብ ኮርያ ንሓደ ፍልይ ዝበለ ጕጅለ ቛንቋ ምግልጋል

ኣዝዩ ውዕዉዕ ስምዒት ዘለዎም ግን ከኣ ድምጺ ዘየውስኡ ተኣከብቲ: ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ክረምቲ 1997 ዝገበርዎ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብ ኮርያ ንጽሙማንን ናይ ምስማዕ ጸገም ንዘለዎምን ከምዚ ዓይነት ኣውራጃዊ ኣኼባ ኽግበር ንመጀመርታ ግዜ እዩ። ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ 1,174 በጺሑ ነይሩ። ብምሉኡ እቲ ፕሮግራም ማለት ዝርርባት: ቃለ⁠-​መጠይቓት: ኰነ ድራማ ብናይ ኮርያ ምልክት ቋንቋ እዩ ቐሪቡ: ልክዕ ከምቲ ኣብ ሲነማ ዝግበር ድማ ኣብ ዓብዪ እተዘርግሐ ጨርቂ እዚ ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ ይርአ ነበረ። እዚ ሓያሎ ወለንተኛታት ንብዙሕ ዓመታት ናይ ዝገበርዎ ጻዕሪ ፍረ እዩ ነይሩ።

ኣብታ ምድራዊት ገነት ‘ኣእዛን ጸማማት ጋህ ዝብለሉ’ እዋን ክመጽእ እዩ። (ኢሳይያስ 35:5) ኣብ ገነት ንምንባር ግን ኵሉ ሰብ እንተላይ ጽሙማን ፈለማ ናብ መንፈሳዊ ገነት ማለት ናብቲ ብሩኻት ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዉዎ መንፈሳዊ ብልጽግና ኽኣትዉ ኣለዎም። ብየሆዋ እናተማህሩ ህይወቶም ወፍዮም እተጠምቁ መሰኻኽር ክዀኑ ኣለዎም።​—⁠ሚክያስ 4:1-4

ካብ ንእሽቶ ምብጋስ

ብ1960ታት ንጽሙማን ብእተወሰነ ደረጃ እኳ እንተ ተሰብከሎም: ገለ ኻባታቶም ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሴኦል ርእሲ ኸተማ ኮርያ ዝገብርዎ ኣኼባታት ክካፈሉ ዝጀመሩ ግን ብ1970ታት እዩ ነይሩ። ሓደ ብቕልጡፍ ክጽሕፍ ዝኽእል ክርስትያን ሓው ነቲ ኣብ ዝርርባት ዝቐርብ ቀንዲ ነጥብታትን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ጥቕስታትን ኣብ ሰሌዳ ይጽሕፈሎም ነበረ።

ብ1971 ኣብ ከተማ ታይጆን ሓደ ዝጸመመ ውሉድ ዘለዎ ናይ የሆዋ ምስክር: ንወዱን ነዕሩኽ ወዱን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክነግሮም ጀመረ። ካብዛ ጕጅለ እዚኣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤታት ዓንዲ ሕቖ ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ቐናኣት ክርስትያናት ፈረዩ።​—⁠ዘካርያስ 4:10

መንእሰያት ፈትዮም ይመጹ

ጽሙማን ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ብምፍላጥ ኣብታ ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ኽጐዓዙ እንተ ዀይኖም: ካልኦት ወለንተኛታት ብዙሕ ጻዕሪ ኽገብሩ ነይርዎም። (ዮሃንስ 17:3) ኣብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ: እተወሰኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምልክት ቋንቋ ተማህሩ: ዘሐጕስ ተመክሮታት ብምርካብ ድማ ተባሪኾም እዮም።

ሓደ ፓርክ ኢን⁠-​ሰን ዝበሃል ወዲ 15 ዓመት መንእሰይ: ምልክት ቋንቋ ንኽመሃር ሸቶ ኣውጽአ። ነዚ ንምግባር ኣብ ሓደ 20 ጽሙማን ዝሰርሑሉ ፋብሪካ ኽዓዪ ጀመረ። ንሸሞንተ ኣዋርሕ ነቲ ቛንቋኦምን ነተሓሳስባኦምን ምእንቲ ኽለምዶ ምሳታቶም ሰርሐ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተገዳስነት ምስ ዘለዎም ጕጅለ ጽሙማን ሓቢሩ ዘገልግል ስርዓታዊ ፓይነር ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ። እታ ጕጅለ ቕልጡፍ ዕቤት ገበረት: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ልዕሊ 35 ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ሰንበት ዝግበር ኣኼባታት ክእከቡ ጀመሩ።​—⁠መዝሙር 110:3

ድሕሪኡ: ኣብ ሴኦል ንመጀመርታ ግዜ ብናይ ምልክት ቋንቋ ጥራይ ኣኼባታት ክግበር ተጀመረ። ሓው ፓርክ ኢን⁠-​ሰን ኣብዚ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዞባ ፍሉይ ፓይነር ኰይኑ ኸገልግል ጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንምልክት ቋንቋ ኣጸቢቑ መሊኽዎ ነበረ። ኣብ ገሊኡ ኣዋርሕ 28 ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ ነበረ: እዚኣቶም እውን ጽሙማን ነበሩ። መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ዕቤት ብምግባር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ብወለንታ እተገብረ ጻዕሪ: ኣብ ጥቅምቲ 1976 40 ኣስፋሕቲ ከምኡውን 2 ስርዓታውያን ፓይነራት ዝርከብዋ ፈላሚት ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤ ኣብ ሴኦል ቆመት። እዚ ኣብ ካልእ ከተማታት ኮርያ ጻዕርታት ንኽግበር ኣለዓዓለ። ብዙሓት ጽሙማን ነቲ ብስራት ይሃርፍዎን ነዚ ዘብጽሓሎም ሰብ ይደልዩን ነበሩ።

ንጽሙማን ምግልጋል

ጽሙማን ብኸመይ ከም ዝርከቡ ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። መብዛሕትኦም ብሰበ⁠-​ሰብ እዮም ዝርከቡ ነይሮም። ወነንቲ እቲ ሩዝ ዝሽየጠሉ ድኳናት ምስ ተሓትቱ ስምን ኣድራሻን ናይ ጽሙማን ሃቡ። ገሊኣቶም ሰበ⁠-​ስልጣን መንግስቲውን ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ሓጊዞም እዮም። እቲ ጽሙማን ዝነብሩሉ ዞባ ብትግሃት ምሽፋኑ ኣዝዩ ዕዉት ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ኣርባዕተ ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤታት ተመስረታ። ሓያሎ ክርስትያን መንእሰያት ምልክት ቋንቋ ንኽመሃሩ ምትብባዕ ተዋህቦም።

ምልክት ቋንቋ ዝፈልጡ ፍሉያት ፓይነራት ምስተን ጉባኤታት ሓቢሮም ንኸገልግሉ በቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመደቡ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ካብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ እተመረቑ ኣሕዋት: ናብተን ጉባኤታት ተመደቡ እሞ ብመንፈሳዊ ኣበራትዕወን።

እንተዀነ ግን: ክስገር ዘለዎ ዕንቅፋታት ኣሎ። ኣብቲ ዞባ እቲ ምግልጋል ማለት ንናይ ጽሙማን ኣተሓሳስባን ማሕበራዊ ርክባትን ምርዳእ ዝሓትት እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ግልጺ እዮም። እዚ ሓድሓደ ግዜ ንሰባት ከሰምብዶምን ዘይምርድዳእ ክፈጥርን ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽሙማን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕዎም ከለዉ: ቋንቋኦም ብዝግባእ ንኽመልክዎ ኽሕግዝዎምን ናይ ንባብን መጽናዕትን መደባቶም ንኸስፍሕዎ ኸተባብዕዎምን ዘድልየሉ እዋን እውን ኣሎ።

ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ካልኦት ዘይርድኡሎም ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ኣብ ናይ መንግስቲ ኣብያተ⁠-​ጽሕፈትን ኣብ ማእከላት ክንክን ጥዕናን ንምርድዳእ የጸግሞም: ክዕድጉን ክሸጡን ከለዉ እውን ከይተረፈ ዓብዪ ሽግር የጋጥሞም። ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት ዝካፈሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍቕራዊ ሓገዞም ስለ ዘርኣይዎም ግን እቶም ጽሙማን ናይ ብሓቂ ሕውነት እንታይ ምዃኑ ጥዒሞምዎ እዮም።​—⁠ዮሃንስ 13:34, 35

ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ፍረ የፍሪ

ኣብታ ኣብ ደቡብ እትርከብ ፑሳን እትበሃል ዓባይ ወደብ ኮርያ: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ክልተ ጽሙማን ተራኸበ እሞ ኣብ ቍራጽ ወረቐት “ገነት ንፈቱ ኢና። ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝነግር ጥቕስታት ክንፈልጥ ንደሊ ኢና” ኢሎም ጸሓፉሉ። እቲ ሓው ኣድራሽኦም ድሕሪ ምውሳድ: ንኽበጽሖም ቈጸራ ብምግባር ተፈላለየ። ክበጽሖም ምስ ከደ: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰምዑ ዝደልዩ ጽሙማን ነታ ኽፍሊ መሊኦምዋ ጸንሑ። እዚ ድማ ምልክት ቋንቋ ንኽመሃር ኣለዓዓሎ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ፑሳን ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤ ቘመት።

ኣብታ ጉባኤ እቲኣ ዝእከብ ሓው: ክልተ ጽሙማን ንሓድሕዶም ብምልክት ቋንቋ ኽዘራረቡ ረኣየ እሞ ቐረቦም። ካብ ሃይማኖታዊ ኣኼባ ኸም ዝመጹ ምስ ነገርዎ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክመጹ ዓደሞም። ኣብቲ ኣኼባ መጹ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመሩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሑ: ምስ 20 ካልኦት ጽሙማን ፈተውቶም ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተኣከቡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ገሊኣቶም ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም ኣለዉ። ክልተ ድማ ናይ ጉባኤ ሽማግለታትን ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤን ኰይኖም ኣብ ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤታት የገልግሉ ኣለዉ።

ቈራጽነት ዓስቢ ረኸበ

ገሊኣቶም ጽሙማን ካብ ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤ ኣዝዮም ርሒቖም ስለ ዝነብሩ: መንፈሳዊ መግቢ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጻሊ ንምምጋቦም ብርቱዕ ጻዕርን ቈራጽነትን ዝሓትት እዩ። ንኣብነት: ሓደ ወዲ 31 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ገማግም ሓንቲ ደሴት ዓሳ እናገፈፈ እዩ ዝናበር ነይሩ። ነዚ ሰብኣይ እዚ ሓደ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርክብ ዝነበሮ ንእሽቶ ሓዉ ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ነገሮ። እዚ ኽሰምዕ ዘይክእል ገፋፍ ዓሳ መንፈሳዊ ጽምኡ ንምርዋይ: በታ ጃልባኡ ገይሩ ናብታ ኻብቲ ዝነብረሉ 16 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ኮርያ እትርከብ ከተማ ቶንግያንግ ኸደ። ከምዚ ዝገበረ ምስ ሓደ ኣብ ከተማ ማሳን ኣብ እትርከብ ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤ ዘገልግል ፍሉይ ፓይነር ንምርኻብ እዩ። እዚ ፍሉይ ፓይነር እዚ ሰኑይ ሰኑይ 65 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ተጓዒዙ ነዚ ጽሙም ገፋፍ ዓሳ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዖ ነበረ።

እዚ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብ ከተማ ማሳን ኣብ ዝግበር ኣኼባ ንምክፋል: ብጃልባ 16 ኪሎ ሜተር ይጐዓዝ እሞ ድሕሪኡ ብኣውቶቡስ 65 ኪሎ ሜተር ይጐዓዝ ነበረ። እዚ ቘራጽነቱ ግን ዓስቢ ረኸበ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ናይ ምልክት ቋንቋ ምምሕያሽ ገበረ: ተወሳኺ ፊደላት ኮርያ ተማህረ: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ምስ የሆዋ ርክብ ንምምስራት ዘኽእሎ እንኮ መገዲ ፈለጠ። ኣብ ኣኼባታት ምክፋልን ስርዓታዊ ዀይኑ ምምስካርን ዘለዎ ኣገዳስነት ስለ እተገንዘበ: ናብቲ ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤ ዘላቶ ኸባቢ ገዓዘ። እዚ ቐሊል ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። ነቲ ኣብ ወርሒ 3,800 ዶላር ኣመሪካ እቶት ዝረኽበሉ ዝነበረ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ዕዮኡ ኽገድፎ ነበሮ: እንተዀነ ግን ቈራጽነት ስለ ዝገበረ ዓስቢ ረኸበ። ኣብ ሓቂ ዕቤት ድሕሪ ምግባር ከኣ ተጠምቀ: ሕጂ ምስ ስድራ​ቤቱ ንየሆዋ የገልግል ኣሎ።

ንጽሙማን ምትርጓም

መብዛሕትኡ ግዜ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቓል እዩ ዝመሓላለፍ። ይኹን እምበር: ነቲ መልእኽቲ ቓል ኣምላኽ ከም ዘለዎ ንምትሕልላፍ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትምህርቲ ብዝያዳ ነባሪ ብዝዀነ መልክዕ ምስፋሩ ኣድላዪ ነበረ። ስለዚ: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ተመክሮ ብዝነበሮም ሽማግለታት መጻሕፍትን ደብዳበታትን ይጸሓፍ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:22-31፣ ኤፌሶን 3:4፣ ቈሎሴ 1:2፣ 4:16) ኣብዚ ግዜና ብመጻሕፍትን ካልእ ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ኣኽል⁠-​ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ ይቐርብ ኣሎ። እዚ በማእታት ናብ ዝቝጸር ቋንቋታት: እንተላይ ናብ ናይ ምልክት ቋንቋ ኽትርጐም ጸኒሑ እዩ። ናብ ናይ ኮርያ ምልክት ቋንቋ ንምትርጓም: እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ትርጕም ናይ ምልክት ቋንቋ ኣቚሙ እዩ። እቲ ኽፍሊ ቪድዮ ኸኣ ናይ ምልክት ቋንቋ ቪድዮታት የዳሉ ኣሎ። እዚ ዅሉ ድማ ነቶም ኣብ ኮርያ ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት ዘለዉ ጽሙማን ኣወጅቲ እቲ ብስራትን ነቶም ተገዳስነት ዘለዎምን መንፈሳዊ መግቢ ይዀኖም።

ሓያሎ ክርስትያናት ነቲ ናይ ምልክት ቋንቋ ኣጸቢቖም እኳ እንተ መለኽዎ: ቪድዮታት ኣብ ምስራሕ እውን እንተ ሓገዙ: መብዛሕትኡ ግዜ ብሉጻት ተርጐምቲ ዝዀኑ ግን ደቂ ጽሙማን እዮም። ከመይሲ: ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም እዮም ምልክት ቋንቋ ዝፈልጡ። ዝገብርዎ ምልክታት ትኽክል ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ነቲ መልእኽቲ ብኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣብ ገጾም ብዘርእይዎ መግለጺታትን ገይሮም ካብ ልቢ ዝመነጨ ስለ ዝገብርዎ: ልቢ ሰባት ይትንክፉ።

ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ: ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኮርያ ኣውራጃዊ ኣኼባታትን ካልእ ዓበይቲ ኣኼባታትን ብናይ ምልክት ቋንቋ ብስሩዕ ይግበር ኣሎ። ነዚ ንምክያድ ብዙሕ ዕዮን ወጻእን ጻዕርን ዝሓትት እዩ። ይኹን እምበር: እቶም ኣብኡ ዝእከቡ ነዚ ምድላው እዚ የማስዉሉ እዮም። እዚ ኣኼባታት ድሕሪ ምዝዛሙ ሓያሎ ነቲ ባህ ዘብል ዕላል ክቕጽልዎ ስለ ዝደልዩ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ይጸንሑ: ነቲ ዝቐረበሎም ጽቡቕ መንፈሳዊ መግቢ ድማ ይመያየጡሉ። ኣብዚ ፍሉይ ጕጅለ ቛንቋ ምግልጋል ናይ ገዛእ ርእሱ ጸገማት ከም ዘለዎ ዘይከሓድ እኳ እንተዀነ: እቲ ዝርከብ መንፈሳዊ በረኸት ግን ካብቲ ዝግበር ጻዕሪ ዝዛይድ እዩ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኮርያ እተዳለወ ናይ ምልክት ቋንቋ ቪድዮታት:- “ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧፣ ” “ንመንፈሳዊ ውርሻና ሞሳ ምርኣይ” “ንግዜና ዝኸውን ኣብነታዊ መጠንቀቕታ፣” “ንስልጣን የሆዋ ኣኽብሩ”

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ታሕቲ ከመ⁠-​ሰዓት:- ናይ ምልክት ቋንቋ ቪድዮ ኣብ ኮርያ ኽዳሎ ኸሎ፣ ንቲኦክራሲያዊ ቓላት ምልክታት ምድላው፣ ጕጅለ ተርጐምቲ ናይ ምልክት ቋንቋ፣ ቪድዮ ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ነቲ ብምልክት ቋንቋ ዝዛረብ ሓገዝ ክግበረሉ ኸሎ