ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እተለምደ ነገር ጥራይ ድዩ ወይስ ጉቦ፧

እተለምደ ነገር ጥራይ ድዩ ወይስ ጉቦ፧

እተለምደ ነገር ጥራይ ድዩ ወይስ ጉቦ፧

ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝርከብ ገሊኡ ኮለጃት: ተማሃሮ ኣብ ፈተና ጽቡቕ ነጥቢ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም ንመምህራኖም ህያብ ንምሃብ ገንዘብ የዋጽኡ እዮም። ካታርዝሂና እትበሃል ሓንቲ ክርስትያን መንእሰይ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ መቐራቕሮ ኣተወት። “ገንዘብ ከዋጽእዶ ኽኣቢ፧” ኢላ ኽትሓስብ ጀመረት። እቶም መማህርታ “እዚ እኮ ልሙድ እዩ። በዚ ኸይትጕድኢ ዘፍርህ ነገር የብልክን: እንተዀነ ግን በዚ ብዙሕ ኢኺ ኽትጥቀሚ: ስለዚ ስለምንታይ ኢኺ እትጠራጠሪ ዘለኺ፧” በልዋ።

ካታርዝሂና “ኣብ ቀዳማይ ዓመት ገንዘብ ኣዋጺአ ነይረ” ብምባል ተኣመነት። ቀጺላውን “ከምዚ ብምግባረይ ጉቦ ኣብ ምሃብ ከም እተሳተፍኩ ጸኒሐ እየ ተገንዚበዮ: እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዅንኖ እዩ” በለት። የሆዋ ጉቦ ወይ መማለዲ ምቕባል ኣትሪሩ ኸም ዝዅንኖ ዝሕብር ጥቕስታት ዘከረት። (ዘዳግም 10:17፣ 16:19፣ 2 ዜና መዋእል 19:7) ኣስዕብ ኣቢላ “ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ብቐሊሉ ኢደይ ክህብ ከም ዝኽእል ተረዳእኩ። ኣጸቢቐ ሓሰብኩሉ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ ኣብዚ ልሙድ ተግባር እዚ ኣይተሳተፍኩን” በለት። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ገሊኣቶም ተማሃሮ ዋላ እኳ እንተ ኣላገጹላ: ንገለ ኻብኣቶም ግን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ እምነታ ነዚ ኽትገብር ስለ ዘየፍቅደላ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ “ህያብ” ንምሃብ ዝግበር ውጽኢት ከም ዘይትሳተፍ ገለጸትሎም።

ገሊኣቶም ተማሃሮ ንካታርዝሂና በቃቕን ስጊንጥርን ከም ዝዀነት ተዛረቡ። ንሳውን “ክሳዕ ሕጂ ምስ ገሊኣቶም ኣይሰማማዕን እየ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ብዙሓት ኣረኣእያይ ዘኽብሩለይ ብምዃኖም የሐጕሰኒ እዩ” በለት። ካታርዝሂና ኣብ መዓልታዊ ናብራኣ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እትስዕብ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና ኣብ ኵሉ ተፈልጠት።