ካብ ኣዕዋፍ እንረኽቦ ትምህርቲ
ካብ ኣዕዋፍ እንረኽቦ ትምህርቲ
“ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር: ኣይዘርኣ: ኣይዐጽዳ: ኣብ ማዕከነንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧” (ማቴዎስ 6:26) የሱስ ክርስቶስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኣብ ዝርከብ ከረን ዝሃቦ ፍሉጥ ስብከቱ እዩ ተዛሪብወን። ሰዓብቱ ጥራይ ኣይኰኑን ዝሰምዕዎ ነይሮም። ኣብ መጻኢ ደቀ መዛሙርቱ ክዀኑ ዝኽእሉ ብዙሓት ሰብ እዮም ኣብኡ ነይሮም። መብዛሕትኦም የሱስ ንሕሙማቶም ከሕውየሎም ሒዞምሉ ዝመጹ ድኻታት ሰባት እዮም ነይሮም።—ማቴዎስ 4:23–5:2፣ ሉቃስ 6:17-20
የሱስ ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ ድሕሪ ምሕዋይ: ኣብቲ ብዝያዳ ዘገድስ ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ኣተኰረ። ሓደ ኻብቲ ዝሃቦም ትምህርቲ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ይርከቦ።
ኣዕዋፍ ሰማይ ካብ ዝፍጠራ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ። ገሊኣተን ሓሳኹ: ገሊኣተን ከኣ ፍረታትን ኣዝርእትን ይምገባ። ኣምላኽ ንኸምዚኣተን ዝኣመሰላ ኣዕዋፍ ዝኣክል መግቢ እንተ ኣዳልዩ: ነቶም ዘገልግልዎ ሰባት ዕለታዊ እንጌራኦም ንኽረኽቡ ኽሕግዞም ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኰነን። ምናልባት ንመግቦም መዐደጊ ዝኸውን ገንዘብ ምእንቲ ኽህልዎም ስራሕ ንኽረኽቡ ይሕግዞም ይኸውን። ወይ ከኣ መግቢ ዝዀኖም ንኸብቍሉ ኣሳልጦ ይህቦም ይኸውን። ኣብ ግዜ ጸገም ከኣ ኣምላኽ ኣልባብ ጐረባብትን ፈተውትን ብምድራኽ ነታ ዘላቶም መግቢ ነቲ ስኡን ንኸማቕልዎ ከለዓዕሎም ይኽእል እዩ።
ነዕዋፍ ብምዕዛብ ብዙሕ ክንመሃሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ። ኣምላኽ ነዕዋፍ ጨቓዊተን ዘዕብያሉ ሰፈር ንምስራሕ ዘኽእል ዘደንቕ ክእለት ከም ዝህልወን ገይሩ እዩ ፈጢርወን። ንኣብነት: ክልተ እተፈላለየ ዓይነት ሰፈር ጨራሩ እስከ ንርአ። ብሸነኽ ጸጋም ስእሊ ናይ ለዃዂቶ ዝሰርሓቶ ሰፈር ኣሎ። ኣብ ከውሒ ወይ ኣብ መንደቕ እያ ሰፈራ እትሰርሕ። ናሕሲ እዚ ሰፈር ምስ ከውሒ ተጣቢቑ ጠልጠል ይብል ወይ ከምዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ኣብ ቀጽቀጽ ናሕሲ እዩ ዝስራሕ። ባይታ እዚ ሰፈር ከም ቅርጺ ኹባያ ብዝመስል ኣገባብ ብጭቃ እተለበጠ እዩ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ለዃዂቶ ጭቃ ንምእካብ ብዙሕ እዮም ዝደኽሙ: ንሰፈሮም ንምዝዛም ድማ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ይወስደሎም። ድሕሪኡ ብሳዕርን ክንቲትን ገይሮም ይረብዎ። ክልቲኣቶም ከኣ ንጨቓዊቶም ይምግቡ። ኣብ ታሕቲ ድማ ሰፈር ናይ ሓንቲ ኻልእ ዓይነት ጭሩ ይርአ ኣሎ። እዛ ጻዕራም ጭሩ እዚኣ ብሳዕሪ ወይ ብኣትክልቲ ገይራ እያ ሰፈራ እትሰርሐ። ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰፈር ሰሪሓ ኽትውድእ ትኽእል: ኣብ ውሽጢ ሓደ ወቕቲ ኸኣ ልዕሊ 30 ሰፈር ክትሰርሕ ትኽእል!
እዚ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዝህበና፧ ኣምላኽ ነዕዋፍ ሰፈረን ንምስራሕ እዚ ዅሉ ኽእለትን ዘድልየን እኹል ነገራትን ካብ ሃበን: ነቶም ዘገልግልዎ ሰባት እውን ዘድልዮም መንበሪ ኸም ዝህቦም ዘጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ነቲ ብስጋ ዘድልየና ነገራት ንኽንረክብ የሆዋ ኣምላኽ ክሕግዘና እንተ ዀይኑ ሓደ ነገር ከነማልእ ኸም ዘድልየና የሱስ ገለጸ። “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኢሉ ተመባጽዐ። (ማቴዎስ 6:33) ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ ክበሃል ከሎ እንታይ እዩ ዘጠቓልል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እቶም ነዛ መጽሔት እዚኣ ዝዕድሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዛ ሕቶ እዚኣ ተሓጒሶም ክምልሱልካ እዮም።