ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ኣብ እብራውያን 2:14: ሰይጣን “ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ” ተባሂሉ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
ብሓጺሩ ጳውሎስ: ሰይጣን ባዕሉ ወይ ብወኪላቱ ኣቢሉ ንደቅሰብ ከም ዝሞቱ ኽገብሮም ከም ዝኽእል እዩ ዘመልክት ነይሩ። ምስዚ ብምስምማዕ የሱስ ንሰይጣን “ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ” በሎ።—ዮሃንስ 8:44
ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንእብራውያን 2:14 “ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ” ወይ “ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ” ኢሉ ስለ ዝተርጐማ ምድንጋር ክፈጥር ይኽእል ይኸውን። (ናይ 1954ን ናይ 1990ን ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ) እዚ ኣተራጕማ እዚ: ሰይጣን ንዝደለዮ ክቐትል ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኸምስል ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ነገር ከምኡ ኣይኰነን። ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ: ቅድሚ ነዊሕ እዋን ንኣምለኽቲ የሆዋ ኻብ ገጽ ምድሪ ምዀስተሮም ነይሩ።—ዘፍጥረት 3:15
እተን ኣብ ገሊኡ ትርጕማት “ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን” እተባህላ: ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከኣ “ሞት ከስዕብ ዝኽእል” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃላት “ክራቶስ ቶ ታናቶ ” እየን ዝብላ። ቶ ታናቶ ዝብላ ቓላት “ሞት” ዝብል ትርጕም ዝሓዛ እየን። እታ ክራቶስ እትብል ከኣ ብመሰረቱ “ሓይሊ: ብርታዐ” ማለት እያ። ብመሰረት ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት ከኣ እዛ ቓል እዚኣ “እተወሰነ ሓይሊ ወይ ብርታዐ ኸም ዘሎ ደኣ እምበር ንኣጠቓቕማኡ ኣይትሕብርን እያ።” ስለዚ: ኣብ እብራውያን 2:14 ጳውሎስ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ሞት ምሉእ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣይኣመተን። የግዳስ: ሰይጣን ሞት ከስዕብ ክእለት ከም ዘለዎ እዩ ዝሕብር ነይሩ።
ሰይጣን ‘ሞት ንኸስዕብ ዘለዎ ክእለት’ ብኸመይ እዩ ዝጥቀመሉ፧ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ ሓደ እተፈልየ ዅነታት ነንብብ ኢና። እቲ ዛንታ እቲ ሰይጣን ብህቦብላ ገይሩ ንደቂ እዮብ ‘ከም ዝሞቱ ኸም ዝገበረ’ ይገልጸልና። እንተዀነ ግን: ሰይጣን እዚ ኽገብር ዝኸኣለ ኣምላኽ ስለ ዝፈቐደሉ ጥራይ ምዃኑ ኣስተብህል: ነዚውን ኣገዳሲ ጕዳይ ተላዒሉ ብምንባሩ እዩ ተፈቒዱሉ። (እዮብ 1:12, 18, 19) ሰይጣን ንእዮብ ክቐትሎ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ከመይሲ ኣይተፈቕደሉን። (እዮብ 2:6) እዚ ኸኣ ሰይጣን ንእሙናት ደቅሰብ ከም ዝሞቱ ዝገበረሉ እዋን እኳ እንተሎ: ቃሕ ኣብ ዝበሎ ክቐትለና ይኽእል እዩ ኢልና ኽንፈርህ ከም ዘይብልና እዩ ዘርኢ።
ሰይጣን ብሰብኣውያን ወኪላቱ ኣቢሉ እውን ገሊኣቶም ሰባት ከም ዝሞቱ ገይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ብዙሓት ክርስትያናት ምእንቲ እምነቶም ክብሉ ሞቱ። ገሊኣቶም ብቝጡዓት መናዓብቲ: ገሊኣቶም ከኣ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ወይ ብልሹዋት ደያኑ ብዘመሓላለፍዎ ትእዛዝ ብዘይግቡእ ተቐትሉ።—ራእይ 2:13
ብዘይካዚ ሰይጣን ድኻም ደቅሰብ ብምጥቃም ከም ዝሞቱ ገይሩ እዩ። ብግዜ ጥንቲ ነብዪ በላዓም እተን ሞኣባውያን ኣንስቲ ንደቂ እስራኤል ‘ንእግዚኣብሄር ከም ዝጠልምዎ’ ኽገብራኦም መኸረ። (ዘሁልቍ 31:16) እዚ ኸኣ ሞት ናይ ልዕሊ 23,000 እስራኤላውያን ኣስዓበ። (ዘሁልቍ 25:9፣ 1 ቈረንቶስ 10:8) ኣብዚ ግዜና እውን ገሊኣቶም ብተመሳሳሊ ብ“ፍሕሶ” ሰይጣን ወዲቖም: ብዕሉግ ተግባራት ወይ ካልእ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ተግባራት ድማ ፈጺሞም እዮም። (ኤፌሶን 6:11) ልክዕ እዩ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ብኡንብኡ ኣይሞቱን እዮም። እንተዀነ ግን: እቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋኦም ኣብ ሓደጋ እዩ ዝኣቱ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ሰይጣን ከም ዝሞቱ ይገብሮም።
ሰይጣን ንኽጐድኣና ዘለዎ ኽእለት ኣፍልጦ ንህበሉ እኳ እንተዀንና: እምብዛ ግን ክንፈርሆ የብልናን። ሃዋርያ ጳውሎስ ሰይጣን ሞት ከስዕብ ከም ዝኽእል ክጠቅስ ከሎ: ክርስቶስ ንሰይጣን “ምእንቲ ኺስዕር: . . . ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ” ኸም ዝሞተ እውን ገሊጹ ኣሎ። (እብራውያን 2:14, 15) እወ: የሱስ በጃ ኸፈለልና: ንዝኣምኑ ደቅሰብ ድማ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጽኦም።—2 ጢሞቴዎስ 1:10
ሰይጣን ሞት ከስዕብ ከም ዝኽእል ምፍላጥና ዘተሓሳስብ እኳ እንተዀነ: የሆዋ ግን ነቲ ሰይጣንን ወኪላቱን ዘውርዱልና ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ከዐርዮ ኸም ዝኽእል ንተኣማመን ኢና። እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ‘ንግብሪ ድያብሎስ ከም ዘፍርሶ’ የሆዋ ተመባጺዑልና ኣሎ። (1 ዮሃንስ 3:8) የሱስ ብሓይሊ የሆዋ ገይሩ ምዉታት ከተንስእ ስለ ዝዀነ ንሞት እውን ከይተረፈ ኽስዕሮ እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ንሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ምስ ኣሰሮ: ነቲ ሰይጣን ዘለዎ ሓይሊ ኽሳዕ ክንደይ ድሩት ምዃኑ ንጹር ክገብሮ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ንዘለኣለም ክጠፍእ እዩ።—ራእይ 20:1-10