ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተራ ዝነበሩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ተርጐምዎ

ተራ ዝነበሩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ተርጐምዎ

ተራ ዝነበሩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ተርጐምዎ

ብ1835 ሄንሪ ኖት ዝበሃል ነዳቓይ ዝነበረ እንግሊዛውን ጆን ዴቪስ ዝበሃል ኣብ ድኳን ዝሰርሕ ዝነበረ ዌልሳውን ሓደ ዓብዪ ፕሮጀክት ዛዘሙ። ንልዕሊ 30 ዓመት ድሕሪ ምጽዓር እዮም ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ታሂቲ ተርጒሞምዎ። እዞም ክልተ ተራ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም: እዚ ዅሉ ጻዕሮምከ እንታይ ኣፍረየ፧

“ዓብዪ ምንቕቓሕ”

ኣብ ካልኣይ መፋርቕ መበል 18 ዘመን “ዓብዪ ምንቕቓሕ” ወይ “ምንቕቓሕ” ጥራይ ተባሂሎም ዝፍለጡ ጕጅለ ፕሮተስታንት ኣብቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ኣቝሻትን መዐደንን ፋብሪካታትን ይሰብኩ ነበሩ። ዕላማኦም ንሸቃሎ እቲ መልእኽቲ ምብጻሕ እዩ ነይሩ። እዞም ሰበኽቲ እዚኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምዕዳል ብውዕዉዕ ስምዒት ይሳተፉ ነበሩ።

እቲ መስራቲ ናይዚ ምንቅስቓስ ዝዀነ ዊልያም ካሪ ዝበሃል ባብቲስት: ነታ ብ1795 እተመስረተት ማሕበር ሚስዮን ለንደን ኣብ ምቛም ኣበርክቶ ገበረ። እዚ ማሕበር እዚ ናይ ደቡብ ፓሲፊክ ቋንቋታት ተማሂሮም ኣብኡ ሚስዮናውያን ኰይኖም ከገልግሉ ፍቓደኛታት ንዝዀኑ ሰባት የሰልጥን ነበረ። ዕላማ እዞም ሚስዮናውያን እዚኣቶም ነቲ ወንጌል ብቛንቋ እቲ ዓዲ ምስባኽ እዩ ነይሩ።

እታ ኻብ እትርከብ ነዊሕ ዘይገበረት ዝነበረት ደሴት ታሂቲ: ነዞም ሚስዮናውያን እዚኣቶም ፈለማ ዘገልግሉላ ቦታ ዀነቶም። እዘን ደሴታት እዚኣተን ንኣባላት “ምንቕቓሕ” ኣረማውነት ዝሰፈነን ‘ናይ ጸልማት ቦታታት’ ብምዃነን ብዙሕ ምህርቲ ዝርከበን ቦታታት እየን ነይረን።

ተራ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ዕማም ፈጸምዎ

ነዚ ምህርቲ እዚ ንምሕፋስ: ኣስታት 30 ዝዀኑ ብሃወኽ እተመርጹን ብዝግባእ ዘይሰልጠኑን ሚስዮናውያን በታ ብማሕበር ሚስዮን ለንደን እተዓደገት ዳፍ እትበሃል መርከብ ጕዕዞ ጀመሩ። ሓደ ጸብጻብ ነዚኣቶም ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይዝርዝሮም:- “ኣርባዕተ እተቐብኡ ኣቕሽሽቲ [ብዘይ​ ግቡእ ስልጠና]: ሽዱሽተ ጸራቦ: ክልተ ሰራሕቲ ሳእኒ: ክልተ ነዳቖ: ክልተ ኣለምቲ: ክልተ ሰፈይቲ ኽዳን: ሓደ በዓል ድኳን: ሓደ ሰራሕ ኮረሻ: ሓደ ጊልያ: ሓደ ኣታኽልተኛ: ሓደ ሓኪም: ሓደ ሓጓዳይ: ሓደ ሰራሕ በርሚል: ሓደ ኣፍራዪ ጡጥ: ሓደ ሰራሕ ቆብዕ: ሓደ ሰራሕ ዓለባ: ሓደ ሰራሕ ከብሕታትን ሰደቓታትን: ሓሙሽተ ኣንስቲ: ከምኡውን ሰለስተ ቘልዑ።”

እዞም ሚስዮናውያን እዚኣቶም ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ በዅሪ ቛንቋታት ንኽፈልጥዎ ኽሕግዞም ካብ ዝኽእል ጽሑፋት ሓደ ግሪኽኛ⁠-​እንግሊዝኛ መዝገበ⁠-​ቓላት ከምኡውን ሓደ ናይ እብራይስጢ መዝገበ⁠-​ቓላትን መጽሓፍ ቅዱስን ጥራይ እዩ ነይርዎም። ኣብ ባሕሪ ኣብ ዝጸንሑሉ ሸውዓተ ወርሒ በቶም ኣቐዲሞም ዝኸዱ በጻሕቲ እተጻሕፈ ቃላት: ዝበዝሕ ድማ በቶም ኣብታ ቦውንቲ እትበሃል መርከብ ናዕቢ ዘለዓዓሉ ሰባት እተጻሕፈ ዝርዝር ናይ ታሂቲ ቓላት ሸምደዱ። ኣብ መወዳእታኡ ብ7 መጋቢት 1797 ዳፍ ኣብ ታሂቲ በጽሐት: እቶም ሚስዮናውያን ከኣ ካብታ መርከብ ወረዱ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ መብዛሕትኦም ተስፋ ስለ ዝቘረጹ ኻብታ ዓዲ ለቐቑ። ሸውዓተ ሚስዮናውያን ጥራይ ድማ ተረፉ።

ካብዞም ሸውዓተ ኸኣ ሄንሪ ኖት ዝበሃል ወዲ 23 ዓመት ነዳቓይ ነበረ። ነተን ፈለማ ዝጸሓፈን ደብዳበታቱ ምስ እንምርምር: መሰረታዊ ትምህርቲ ጥራይ ከም ዝነበሮ ኢና እንዕዘብ። ይኹን እምበር: ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ቛንቋ ታሂቲ ንምፍላጥ ተውህቦ ኸም ዘለዎ ኣርኣየ። ቅኑዕ: ህዱእ: ከምኡውን ባህ ዘብል ባህርያት ከም ዝነበሮ ጌርካ ኸኣ እዩ ተገሊጹ።

ብ1801 ኖት ንትሽዓተ ሓደስቲ ዝመጹ ሚስዮናውያን ቋንቋ ታሂቲ ኽምህሮም ተመርጸ። ካብዚኣቶም ድማ ጆን ዴቪስ ዝበሃል ወዲ 28 ዓመት ዌልሳዊ ነበረ: እዚ ሰብ እዚ ልኡም: ለጋስ: ንፉዕ ተማሃራይ: ከምኡውን ትጉህ ሰራሕተኛ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሑ እዞም ክልተ ሰብኡት እዚኣቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ታሂቲ ኽትርጕሙ ወሰኑ።

ኣጸጋሚ ዕዮ

ናብ ቋንቋ ታሂቲ ምትርጓም ግን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዕዮ እዩ ነይሩ: ከመይሲ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ቛንቋ ታሂቲ ብጽሑፍ ኣይሰፈረን ነይሩ። እቶም ሚስዮናውያን ንብምሉኡ እቲ ቛንቋ ብምስማዕ ጥራይ እዮም ክመሃርዎ ነይርዎም። መዝገበ⁠-​ቓላት ኰነ ናይ ሰዋስው መጽሓፍ እውን ኣይነበሮምን። እቲ ቛንቋ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ኣጸጋሚ ኣደማምጻ ስለ ዘለዎ: ሓያሎ ኣድመጽቲ ፊደላት ደራሪቡ ስለ ዝጥቀም (ኣብ ሓንቲ ቓል ክሳዕ ሓሙሽተ ዝበጽሕ): ከምኡውን ሒደት ተደመጽቲ ፊደላት ጥራይ ስለ ዘለዎ ነቶም ሚስዮናውያን ተስፋ ኣቝረጾም። “ዝበዝሕ ቓላት ኣድመጽቲ ፊደላት ጥራይ እዩ ዘለዎ: ነፍሲ ወከፉ ኸኣ በበይኑ ደሃይ ኣለዎ” ብምባል ድማ ኣማረሩ። “ደሃይ ናይቲ ቓላት ብልክዕ ክሰምዕዎ” ኸም ዘይከኣሉ ኸኣ ተኣመኑ። አረ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡ ዓይነት ኣደማምጻ ከም ዝሰምዑ እዮም ገሊጾም!

ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኸኣ ገሊኡ ቓላት ኣብ ቋንቋ ታሂቲ ነውሪ ብምዃኑ መተካእታ ኽርከቦ ነበሮ። ተመሳሳሊ ቓላት ምብዝሑ እውን ካልእ ሕማም ርእሲ እዩ ዀይንዎም ነይሩ። ነታ “ጸሎት” እትብል ቃል ብቛንቋ ታሂቲ 70 ስያመ ነበራ። እቲ ናይ ቋንቋ ታሂቲ ኣቃውማ ምሉእ ሓሳባት ካብ እንግሊዝኛ ኣጸቢቑ እተፈልየ ብምዃኑ እውን ካልእ ብድሆ እዩ ዀይንዎም። እዚ ዅሉ ጸገማት እናሃለወ ግን: እቶም ሚስዮናውያን በብቝሩብ ቃላት ኣከቡ: ዴቪስ ድማ 50 ዓመት ጸኒሑ ነዚ ቓላት እዚ ኣብ ሓደ 10,000 እታው ዘለዎ መዝገበ⁠-​ቓላት ኣሕተሞ።

ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ቛንቋ ኣብ ጽሑፍ ምስፋር ካልእ ዕንቅፋት ኰነ። እቶም ሚስዮናውያን በቲ ንናይ ፊደላት እንግሊዝኛ ዝወሃቦ ኣደማምጻ ገይሮም ነዚ ኽገብርዎ ፈተኑ። ይኹን እምበር: እንግሊዝኛ ንፊደላት ላቲን ዝጥቀመሉ መገዲ ንቛንቋ ታሂቲ ዝሰማማዕ ኣይኰነን። ስለዚ: ብዛዕባ ፎነቲክን ኣሰራርዓ ፊደላትን ነዊሕ ምይይጣት ይገብሩ ነበሩ። እዞም ሚስዮናውያን ኣብ ደቡብ ፓሲፊክ ንቛንቋ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሩ ናይ መጀመርታ ሰባት ብምንባሮም: መብዛሕትኡ ግዜ ሓደስቲ ፊደላት ይፈጥሩ ነበሩ። እዚ ዕዮኦም ኣብ ደቡብ ፓሲፊክ ንዝርከብ ብዙሕ ቋንቋታት ኣርኣያ ክኸውን ምዃኑ ግን ኣይፈለጡን።

ዋሕዲ መሳለጥያታት: ግን ከኣ እኹል ብልሓት

እዞም ተርጐምቲ ሒደት መወከሲ ጽሑፋት ጥራይ እዩ ነይርዎም። ማሕበር ሚስዮናውያን ለንደን ነቲ ቴክስተስ ሪሰፕተስ ከምኡውን ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ከም ቀንዲ መወከሲ ጽሑፋት ገይሮም ክጥቀሙ መምርሒ ሃቦም። ኖት ብቛንቋ እብራይስጥን ግሪኽን እተዳለወ መዝገበ⁠-​ቓላትን መጽሓፍ ቅዱሳትን ክስደደሎም ነቲ ማሕበር ሓተተ። እዚ መጻሕፍቲ እዚ ይብጽሓዮም ኣይብጽሓዮም ዝፍለጥ ነገር የለን። ዴቪድ ግን ካብ ዌልሳውያን ፈተውቱ እተወሰነ ንምሁራት ዝኸውን መጻሕፍቲ ተቐበለ። እንተ ወሓደ ሓደ ናይ ግሪኽ መዝገበ⁠-​ቓላት: ሓደ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ: ብግሪኽ እተጻሕፈ ሓድሽ ኪዳን: ከምኡውን ሰፕቱጀንት ከም ዝነበሮ ድማ ይፍለጥ።

እዚ እናተዓየ ኸሎ ግን እቲ እዞም ሚስዮናውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ ስብከት ፍረ ኣይተረኽቦን። እቶም ሚስዮናውያን ኣብ ታሂቲ ን12 ዓመት እኳ እንተ ጸንሑ: ዋላ ሓደ ኻብቶም ደቂ እቲ ዓዲ ግን ኣይተጠምቀን። ኣብ መወዳእታኡ: ብሰንኪ ዘየቋርጽ ውግእ ሓድሕድ ብዘይ​ካ ኖት ኵሎም ሚስዮናውያን ናብ ኣውስትራልያ ንኽሃድሙ ተገደዱ። ኖት ንእተወሰነ ግዜ ኣብተን ኣብ እኩባት ደሴታት ሶሳይቲ ዝርከባ ደሴታት ዊንድዎርድ ዝነብር ዝነበረ እንኮ ሚስዮናዊ ዀነ። እንተዀነ ግን: ንጉስ ፖማሪ ዳግማይ ናብታ ኣብ ቀረባ ዝነበረት ደሴት ሞሪያ ምስ ሃደመ ንሱውን ምስኡ ኽሃድም ተገደደ።

ኖት ናብ ካልእ ደሴት ምግዓዙ ግን ነቲ ዕዮ ትርጕም ደው ኣየበሎን: ዴቪስ እውን ኣብ ኣውስትራልያ ክልተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ መሊሱ ናብ ኖት መጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኖት ግሪኽን እብራይስጥን ኣጽንዐ: ነዚ ቛንቋታት እዚ ድማ መለኾ። ስለዚ: ገሊኡ ኽፍሊ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ቋንቋ ታሂቲ ኽትርጕሞ ጀመረ። እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ብቐሊሉ ኽርድኦም ዝኽእል ዛንታታት ዘለዎ መጻሕፍቲ ድማ መረጸ።

ምስ ዴቪድ ብሓባር ኰይኑ ንወንጌል ሉቃስ ተርጐማ: ኣብ መስከረም 1814 ከኣ ተዛዘመት። ኣብቲ ትርጕሙ ኣብ ታሂቲ ልሙድ ዝዀነ ቛንቋ ኽጥቀም ከሎ: ዴቪስ ከኣ ነቲ ትርጕም ቅኑዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ምስቲ በዅሪ ጽሑፍ የረኣእዮ ነበረ። ብ1817 ንጉስ ፖማሪ ዳግማይ ነታ ናይ መጀመርታ ገጽ ወንጌል ሉቃስ ባዕሉ ኽሓትማ ዝኽእል እንተ ዀይኑ ሓተተ። እቶም ሚስዮናውያን ናብ ሞሪያ ብዘምጽእዋ ንእሽቶ ብኢድ እትሰርሕ ሓታሚት ማኪና ገይሩ ኸኣ ሓተማ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ታሂቲ ንምትርጓም እተገብረ ዕዮ እቲ ቱዋሂነ ዝበሃል እሙን ወዲ ታሂቲ ዘበርከቶ ሓገዝ ከይተጠቕሰ ኽሕለፍ የብሉን። ኣብዚ ዅሉ ዓመታት ካብቶም ሚስዮናውያን ከይተፈልየ ነቲ ቛንቋ ኣድቂቖም ክፈልጥዎ ሓገዞም።

እቲ ትርጕም ተዛዘመ

ንሽዱሽተ ዓመት ተጊሆም ድሕሪ ምዕያይ ብ1819 ትርጕም ወንጌላት: ግብሪ ሃዋርያት: ከምኡውን መዝሙር ዳዊት ተዛዘመ። እቶም ሓደስቲ ዝመጹ ሚስዮናውያን እተማልእዋ ሓታሚት ማኪና ነዚ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምሕታምን ምዝርጋሕን ዕዮ ኣቀላጠፈቶ።

ድሕርዚ ጽዑቕ ናይ ትርጕምን ምእራምን ዕዮ ክካየድ ጀመረ። ኖት ን28 ዓመት ኣብ ታሂቲ ድሕሪ ምንባር ብ1825 ሓመመ: ማሕበር ሚስዮን ለንደን ከኣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለስ ፈቐደሉ። እቲ ዘሐጕስ ግን ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ምትርጓም ዳርጋ ተዛዚሙ ነበረ። ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እተጓዕዘሉን ኣብታ ዓዲ ምስ በጽሐን እቲ ዝተረፈ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ምትርጓም ቀጸለ። ብ1827 ናብ ታሂቲ ተመልሰ። ሸሞንተ ዓመት ጸኒሑ ኣብ ታሕሳስ 1835 ድማ ነቲ ናይ ምትርጓም ዕዮኡ ዛዘመ። ካብ 30 ዓመት ንዝዛይድ እዋን ኣበርቲዑ ድሕሪ ምጽዓር: ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጐሞ።

ብ1836 ኖት ነቲ ብቛንቋ ታሂቲ እተዳለወ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ለንደን ከም ዝሕተም ንምግባር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከደ። ብ8 ሰነ 1838 ነቲ ብቛንቋ ታሂቲ እተዳለወ ናይ መጀመርታ ሕታም መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ዓብዪ ሓጐስ እናተሰምዖ ኣብ ቅድሚ ንግስቲ ቪክቶርያ ቐረበ። እዚ ነዳቓይ ዝነበረ: ኣስታት 40 ዓመት ይገብር ከኣ በታ ዳፍ እትበሃል መርከብ ናብ ታሂቲ ብምግዓዝ ምስቲ ህዝቢ እተሓዋወሰ ሰብ: ነዚ ንነዊሕ እዋን ዝዓዮ ዝነበረ ዓብዪ ዕዮ ምዝዛሙ ፍሉይ ስምዒት እንተ ኣሕደረሉ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን።

ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ኖት 3,000 ቅዳሓት ናይቲ ናብ ቋንቋ ታሂቲ እተተርጐመ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመልአ 27 ሳጹናት ሒዙ ናብ ደቡብ ፓሲፊክ ተመልሰ። ኣብ ሲድኒ ኣብ ዘዕረፈሉ እዋን እንደገና ሓመመ: እንተዀነ ግን ካብተን ክቡራት ሳጹናቱ ምፍላይ ኣበየ። ምስ ሓወየ ብ1840 ኣብ ታሂቲ በጽሐ: ኣብኡ ኸኣ እቶም ተቐማጦ እታ ዓዲ ብቛንቋ ታሂቲ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ኣዝዮም ተሃንጥዮም ስለ ዘነበሩ ነቲ ዝመጸ መጻሕፍቲ ተማናጠሉሉ። ኖት ኣብ ግንቦት 1844 ኣብ 70 ዓመቱ ኣብ ታሂቲ ሞተ።

ሰፊሕ ጽልዋ

ስራሕ ኖት ግን ኣይሞተን። እቲ ትርጕሙ ኣብ ቋንቋታት ፖሊነዥያ ሰፊሕ ጽልዋ ኣለዎ። እዞም ሚስዮናውያን ንቛንቋ ታሂቲ ኣብ ጽሑፍ ብምስፋር ነቲ ቛንቋ ዓቀብዎ። ሓደ ደራሲ ኸምዚ በለ:- “ኖት ብሉጽ ሰዋስው ቋንቋ ታሂቲ እዩ ኣቚሙ። ጽሩይ ቋንቋ ታሂቲ ንምፍላጥ ወትሩ መጽሓፍ ቅዱስ ምውካስ የድሊ።” እዞም ተርጕምቲ እዚኣቶም ከይተሓለሉ ብዝገብርዎ ጻዕሪ በሽሓት ዝቝጸር ቃላት ንኸይርሳዕ ሓገዙ። ሓደ ዘመን ዝኸውን ጸኒሑ ሓደ ደራሲ “እቲ ኖት ብቛንቋ ታሂቲ ዘዳለዎ ዘደንቕ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ ቋንቋ ታሂቲ እዩ ሒዙ ዘሎ: ኵሉ ሰብ ድማ ምስዚ ይሰማማዕ እዩ” በለ።

እዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ንታሂታውያን ጠቒሙ ጥራይ ዘይኰነስ ናብቲ ኣብ ደቡብ ፓሲፊክ ዝርከብ ቋንቋታት ንምትርጓም እውን መሰረት ኣንቢሩ እዩ። ንኣብነት: ናይ ደሴታት ኩክን ሳሞዋን ተርጐምቲ ነዚ ኣርኣያ እዚ እዮም ስዒቦም። ሓደ ተርጓሚ “ነቲ ሚ/ር ኖት ዘዳለዎ ትርጕም ተጠንቂቐ ብምምርማር ነቲ እተጠቕመሉ ኣገባብ እየ ስዒበ” በለ። ካልእ ተርጓሚ ኸኣ ‘ሓንቲ ኻብተን መዝሙራት ዳዊት ናብ ቋንቋ ሳሞዋ ኽትርጕም ከሎ: ብእብራይስጥን ብእንግሊዝኛን ብቛንቋ ታሂቲን እተዳለወ መጽሓፍ መዝሙር ኣብ ቅድሚኡ ኣንቢሩ ይዓዪ ምንባሩ’ ተገሊጹ ኣሎ።

እቶም ኣብ ታሂቲ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ነቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበሩ ጕጅለ “ምንቕቓሕ” ዝገደፍዎ ኣብነት ብምስዓብ ብውዕዉዕ መንፈስ ምንባብን ምጽሓፍን መሃሩ። አረ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዝኸውን ብቛንቋ ታሂቲ እተዳለወ እንኮ መጽሓፍ: መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብ ባህሊ ታሂቲ ዓብዪ ጽልዋ ገበረ።

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ግሪኽን ብብዝሒ ዝርከብ መለኮታዊ ስም ኣብ ትርጕም ኖት እተንጸባረቐ ብሉጽ ጐድኑ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብዚ ግዜና ኣብ ታሂቲን ደሴታታን ስም የሆዋ ኣጸቢቑ ይፍለጥ እዩ። አረ ኣብ ገሊኡ ናይ ፕሮተስታንት ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት እውን ከይተረፈ ይርከብ እዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ግዜና ስም ኣምላኽ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ምስቲ ብቕንኣት ዝፍጽምዎ ዕዮ ሰብከቶምን እዩ ዝተሓሓዝ። ኣብ ስብከቶም ነቲ ብኖትን ተሓባበርቱን እተዳለወ ናይ ቋንቋ ታሂቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቖም እዮም ዝጥቀሙሉ። ነቲ ብኸም እኒ ሄንሪ ኖት ዝኣመሰሉ ተርጐምቲ እተገብረ ዕቱብ ጻዕሪ ኽንምርምር ከለና: ኣብዚ ግዜና ቓል ኣምላኽ ኵሎም ሰባት ብቐሊሉ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ምዃኖም ከነማስወሉ ኸም ዝግባእ የዘኻኽረና።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1815 እተሓትመ ብቛንቋ ታሂቲ እተዳለወ ናይ መጀመርታ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ። ስም የሆዋ ሒዙ ኣሎ

ናይቲ ብቛንቋ ታሂቲ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ተርጓሚ ሄንሪ ኖት (1774-​1844)

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Tahitian Bible: Copyright the British Library (3070.a.32); Henry Nott and letter: Collection du Musée de Tahiti et de ses Îles, Punauia, Tahiti; catechism: With permission of the London Missionary Society Papers, Alexander Turnbull Library, Wellington, New Zealand

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ብ1801 እተዳለወ ስም ኣምላኽ ዝርከቦ ናይ ቋንቋ ታሂቲን ዌልስን መምሃሪ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

With permission of the London Missionary Society Papers, Alexander Turnbull Library, Wellington, New Zealand

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣብታ ኣብ ፈረንሳይ ፖሊነዥያ እትርከብ ደሴት ዋሂኒ: ኣብ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝርከብ ስም የሆዋ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Avec la permission du Pasteur Teoroi Firipa