ናይ ሓቂ ፍቕሪ እተማዕብለሉ መገድታት
ናይ ሓቂ ፍቕሪ እተማዕብለሉ መገድታት
“ፍቕሪ መድሃኒት ህይወት እያ፣ ፍቕሪ ህይወት እያ። ”—ሊቪን ቱ ፐርፐዝ: ብጆሰፍ ጆንሰን: 1871
ደቅሰብ ንፍቕሪ ብኸመይ እዮም ዝመሃርዋ፧ ብዛዕባ ሳይኮሎጂ ፍልጠት ብምጥራይ ድዩ፧ ብዛዕባ ሰብኣዊ ርክባት ዝገልጽ መጻሕፍቲ ብምንባብ ድዩ፧ ወይስ ናይ ፍቕሪ ፊልም ብምርኣይ፧ ብዋላ ሓደ ኻብዚ እተጠቕሰ ኣይኰኑን ዝመሃርዋ። ደቅሰብ ንፍቕሪ ብቐዳምነት ኣብ ወለዶም ብዝርእይዎ ኣብነትን ስልጠናን እዮም ዝመሃርዋ። ውሉዳት ኣብ ፍቕሪ ዝሰፈኖ ሃዋሁ ወለዶም ክምግብዎም: ከዕቍብዎም: ምሳታቶም ክረዳድኡ: ከምኡውን ኣጸቢቖም ክግደሱሎም ከለዉ እንተ ርእዮም እዮም ትርጕም ፍቕሪ ዝርድኦም። ወለዶም ቅኑዕን ጌጋን ክምህርዎም ከለዉ እውን ፍቕሪ ይመሃሩ እዮም።
ናይ ሓቂ ፍቕሪ: ምፍታው ወይ ዕምቈት ዘይብላ ስምዒት ጥራይ ኣይኰነትን። እዛ ዓይነት ፍቕሪ ወትሩ ንጥቕሚ ኻልኦት እያ እትዓዪ: ዋላ እውን እቶም ዝግበረሎም ሰባት ኣብቲ ግዜ እቲ እንተ ዘየማሰዉሉ ዘይትሕለል ዓይነት እያ። ንኣብነት: መብዛሕትኡ ግዜ ውሉዳት ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ ተግሳጽ ክወሃቦም ከሎ ኣየማስዉሉን እዮም። ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ኣብ ምርኣይ ፍጹም ኣብነት ዝዀነና ፈጣሪና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ወደየ: እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ: . . . ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ: እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ” ኢሉ ጸሓፈ።—እብራውያን 12:5, 6
ኣቱም ወለዲ: ንስድራቤትኩም ፍቕሪ ኣብ ምርኣይ ንየሆዋ ብኸመይ ክትመስልዎ ትኽእሉ፧ ከም ሰብኣይን ሰበይትን መጠን ኣብ ዘለኩም ርክብ እተርእይዎ ኣብነትከ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧
ብኣብነት ጌርካ ፍቕሪ ምምሃር
ሰብኣይ እንተ ዄንካ ንሰበይትኻ ብኣኽብሮት ዲኻ ትሕዛ፧ ሰበይቲ እንተ ዄንኪኸ ንሰብኣይኪ እተፍቅርን እትድግፍን ዲኺ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ክፋቐሩን ክከባበሩን እዩ ዝነግሮም። (ኤፌሶን 5:28፣ ቲቶስ 2:4) ከምኡ ኽገብሩ ኸለዉ: ደቆም ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብግብሪ ኽትንጸባረቕ ከላ ብዓይኖም ይርእይዋ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ሓያልን ኣገዳስን ትምህርቲ ዀን እዩ ክኸውን ዝኽእል!
ወለዲ ንመዘናግዒ: ንስነ-ምግባር: ንሸቶታት: ከምኡውን ቀዳምነት ንዝወሃብ ነገራት ብዝምልከት ኣብ ስድራቤቶም ልዑል ስርዓታት ምስ ዝሰርዑ ኣብ ቤቶም ፍቕሪ ኸም ዝሰፍን እዮም ዝገብሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ስድራቤት ስርዓታት ኣብ ምስራዕ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ሓጋዚ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ: እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ ምዃኑን: ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዝኸውን ምእዳብ ከም ዝጠቅምን’ መርትዖ ይኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እወ: እቲ ኣብቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት እተጠቕሰ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን መምርሒታትን ጥራይ እውን ብብዙሓት ካብ ኵሉ ዝበለጸ ጌርካ እዩ ዝውሰድ።—ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳዕ 7
ኵላቶም ኣባላት ስድራቤት መምርሒ ኻብ ኣምላኽ እንተ ደልዮምን ንስርዓታቱ እንተ ሓልዮምን: ነፍሲ ወከፎም ቅሳነት ይስምዖም: ውሉዳት ከኣ ንወለዶም ዘፍቅሩን ዘኽብሩን ኰይኖም ንኽዓብዩ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ብኣንጻሩ ግን ተቐያያሪ: ኣበር ዘለዎ: ወይ ልሕሉሕ ስርዓታት ኣብ ዘለዋ ቤት: ውሉዳት ክቝጥዑን ክሓርቁን ዓለወኛታት ክዀኑን ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 2:21፣ ቈሎሴ 3:21
ንጽል ወለዲ ዘበሉኸ ንንኣሽቱ ደቆም ፍቕሪ ኣብ ምምሃር ሓያሎ ነገራት ይጐድሎም ድዩ፧ ይጐድሎም እዩ ኽበሃል ኣይከኣልን እዩ። ንፍዕቲ ኣደን ንፉዕ ኣቦን ብሓባር ክህሉዉኻ መተካእታ ዘይብሉ እኳ እንተዀነ: ብተመክሮ ኸም እተራእየ ግን ንጽል ወለዲ ብእተወሰነ ደረጃ ናይቲ ዝጐደለ ወላዲ ቦታ ኸማልእዎ ይኽእሉ እዮም። ንጽል ወላዲ እንተ ዄንካ: ኣብ ቤትካ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝሕሎ ኽትገብር ጽዓር። እወ: ሓንቲ ምሳሌ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ብምባል ትነግረና: እዚ ኸኣ ንሓላፍነት ወለዲ እውን ዝምልከት እዩ።—ምሳሌ 3:5, 6፣ ያእቆብ 1:5
ብዙሓት ብንጽል ወላዲ ዝዓበዩ ንፉዓት መንእሰያት ኣብተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ በሽሓት ዝቝጸራ ክርስትያናዊ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ብተኣማንነት የገልግልዎ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ንጽል ወለዲ ንውሉዳቶም ፍቕሪ ኣብ ምምሃር ዕዉታት ክዀኑ ኸም ዝኽእሉ እዩ ዘርኢ።
ኵሉ ሰብ ብኸመይ ፍቕሪ ኸማዕብል ይኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” ክዀኑ ምዃኖም ይንበ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 3) ይኹን እምበር: እቶም ፍቕሪ ኣብ ዘይብሉ ስድራቤት ዝዓበዩ እውን ከይተረፉ: ፍቕሪ ንኸማዕብሉ ኽመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧ ካብቲ ምንጪ ፍቕሪ ዝዀነን ነቶም ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዝምለሱ ዘበሉ ፍቕሩ ዘርእዮምን የሆዋ ኽመሃሩ ይኽእሉ እዮም። (1 ዮሃንስ 4:7, 8) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” በለ።—መዝሙር 27:10
የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ብእተፈላለየ መገድታት ይገልጸልና እዩ። እዚ ኸኣ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ዝህበና ኣባታዊ መምርሒ: ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዝህበና ሓገዝ: ከምኡውን ብክርስትያናዊ ሕውነት ኣቢሉ ዝህበና ደገፍ የጠቓልል። (መዝሙር 119:97-105፣ ሉቃስ 11:13፣ እብራውያን 10:24, 25) እዚ ሰለስተ ምድላዋት ንኣምላኽን ንሰባትን ዘሎካ ፍቕሪ ንኸተዕቢ ብኸመይ ከም ዝሕግዘካ እስከ ርአ።
መንፈስ ዝነፈሶ ኣባታዊ መምርሒ
ምስ ሓደ ሰብ ጥብቂ ርክብ ንኽህልወና: ነቲ ሰብ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ኣሎና። የሆዋ ድማ ብዛዕባ ርእሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግላጽ ንኽንቀርቦ ጻውዒት የቕርበልና ኣሎ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ንትምህርትታቱ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ዘምጽኣልና ረብሓታት ክንፈልጦን ኣሎና። (መዝሙር 19:7-10) ኢሳይያስ 48:17 “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ትብል። እወ: እቲ መሰሌታ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ: ብዘየድሊ ሕግታትን መምርሒታትን ናጽነትና ንክቕይዶ ኢሉ ዘይኰነስ: ንጥቕሚ ርእስና እዩ ዝምህረና።
ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ምጥራይና እውን ንሰባት ንኸነፍቅር ይሕግዘና እዩ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደቅሰብ ዘለዎ ኣረኣእያ ስለ ዝምህረናን ምስ ካልኦት ኣብ እንምስርቶ ርክብ ክንስዕቦ ዘሎና ስርዓታት ስለ ፊልጲ 1:9-11 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
ዝሕብረናን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ምስ እንረክብ: ንሰባት ፍቕሪ ንኽህልወና ድልዱል መሰረት ንረክብ። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ: እዚ እልምን አሎኹ” በለ።—ፍቕሪ “ብፍልጠት” ከመይ ገይራ ብጽቡቕ ከም እትምራሕ መረዳእታ ምእንቲ ክዀነና: ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 ዝርከብ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]” ዝብል መሰረታዊ ሓቂ ንርአ። ኣምላኽ ንሰባት ብቕንዕናኦምን ንዕኡ ብዘለዎም ፍርህን ደኣ እምበር ብዜግነቶም ወይ ብዓሌቶም ዘይመዝኖም ካብ ኰነ: ንሕናውን ንሰባት ብዘይ ኣድልዎ ደይኰንናን ክንርእዮም ዝግባእ፧—ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27፣ 1 ዮሃንስ 4:7-11, 20, 21
ፍቕሪ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እያ
ከምቲ ኣብ እዋኑ ዝወቅዕ ዝናም ፍረ ንዘፍሪ ዓይነት ኣእዋም ብዙሕ ከም ዘፍሪ ዝገብሮ: መንፈስ ኣምላኽ እውን ኣብቶም ዝቕበልዎ ውልቀ-ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ፍረ መንፈስ” ኢሉ ዝጽውዖ ባህርያት የፍሪ እዩ። (ገላትያ 5:22, 23) ካብዚ ፍረ እዚ ኸኣ እታ ቐዳመይቲ ፍቕሪ እያ። (1 ቈረንቶስ 13:13) መንፈስ ኣምላኽ ክንረክብ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ መንፈስ ክንረኽበሉ እንኽእል ኣገዳሲ መገዲ ጸሎት እዩ። መንፈስ ኣምላኽ ክወሃበና እንተ ጸሊና: ኣምላኽ መንፈሱ ኽህበና እዩ። (ሉቃስ 11:9-13) መንፈስ ቅዱስ ክወሃበካ ኸየባተኽካ ትጽሊዶ፧ ከምኡ ትገብር እንተደኣ ዀንካ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ እቲ ባህ ዘብል ፍሪኡ: እንተላይ ፍቕሪ: ኣብ ህይወትካ ኽንጸባረቕ እዩ።
ይኹን እምበር: ምስ መንፈስ ኣምላኽ ዝጻረር ካልእ መንፈስ እውን ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነዚ “መንፈስ ዓለም” ብምባል ይጽውዖ። (1 ቈረንቶስ 2:12፣ ኤፌሶን 2:2) እዚ ሕማቕ ጽልዋ እዩ ዘሕድር: ምንጩ ኸኣ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” እተባህለ ነቶም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ደቅሰብ ዝገዝኦም ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። (ዮሃንስ 12:31) ልክዕ ከምቲ ንፋስ ክመጽእ ከሎ ደሮና ዝገብር: “መንፈስ ዓለም” ከኣ ንፍቕሪ ዘበላሹ ጐዳኢ ባህግታት የለዓዕል: ንናይ ስጋ ድኽመትና ድማ የጐሃህሮ።—ገላትያ 5:19-21
ሰባት ናብቲ ኣብዛ ዓለም ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ናይ ፍቕረ-ንዋይ ኣረኣእያ: ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህሪ: ዓመጽ ዝመልኦ ዝንባለ: ከምኡውን ናብቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዘሎ መብዛሕትኡ ግዜ ቔናንን ብዕሉግን ዝዀነ ኣመለኻኽታ ምስ ዝቃልዑ እዮም እዚ እኩይ መንፈስ እዚ ኽመልኦም ዝኽእል። ነታ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸተዕብያ እንተደኣ ደሊኻ: ንመንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ኣትሪርካ ኽትጻረሮ ይግባእ። (ያእቆብ 4:7) እንተዀነ ግን: ኣብ ሓይልኻ ኣይትተኣመን: የግዳስ የሆዋ ሓገዝ ንኽህበካ ለምኖ። እቲ ኣብ ኣድማስ ዝበርትዐ ሓይሊ ዝዀነ መንፈሱ ኸኣ ከጽንዓካን ኣሳልጦ ኽህበካን እዩ።—መዝሙር 121:2
ካብ ክርስትያናዊ ሕውነት ፍቕሪ ተምሃር
ከምቲ ውሉዳት ካብ ቤቶም ፍቕሪ ዝመሃሩ: ንኣሽቱ ዀንና ዓበይቲ ዅላትና ምስ ካልኦት ክርስትያናት ብምሕባር ፍቕርና ኸነዕቢ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 13:34, 35) ሓደ ኻብቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እትፍጽሞ ኣገዳሲ ዕማም: ውልቀ-ሰባት ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዝነቓቕሑሉ’ ሃዋሁ ምፍጣር እዩ።—እብራውያን 10:24
ማቴዎስ 9:36) ምስ ዓበኻ ኣብ ፍቕሪ ተመርኲሱ ዝህልወካ ርክባት: ነቲ ኣብ ቍልዕነትካ ፍቕሪ ብዘይምርካብካ እተፈጥረ ዝበዝሕ ሕማቕ ጽልዋታት ከም ዘጥፍኦ ኻብ ተመክሮ ተራእዩ እዩ። ስለዚ እምበኣር ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ነቶም ናብ ኣኼባ ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት ካብ ልቢ ብዝመነጨ ስምዒት መርሓባ ኢሎም ክቕበልዎምስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ!
ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ብፍላይ እቶም ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ዝርከቡ “ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ሰባት የማስዉላ እዮም። (“ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ”
መጽሓፍ ቅዱስ “ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ” ይብለና። (1 ቈረንቶስ 13:8) እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ፍቕሪ ዓቃል እያ: ፍቕሪ ለዋህ እያ: ፍቕሪ ኣይትቐንእን: ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን: ኣይተስተሐፍርን: ናታ ኣይትደልን: ኣይትምረርን: ኣይትቕየምን እያ።” (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) ካብዚ ኸም እንርእዮ: እዛ ፍቕሪ እዚኣ ብሓሳብ እተፈጥረት ካብ ክዉንነት ዝረሓቐት ወይ ዕምቈት ዘይብላ ስምዒት ኣይኰነትን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: እቶም ዘንጸባርቕዋ ሰባት ኣብ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ጓህን ስቓይን ኣፍልጦ ዝህቡ ዀይኖም: እዚ ግን ንብጻዮም ዘለዎም ፍቕሪ ኸበላሽዎ ኣይፈቕዱሉን እዮም። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ብሓቂ “ማእሰር ፍጻሜ እያ።”—ቈሎሴ 3:12-14
ሓንቲ ኣብ ኮርያ እትነብር ጓል 17 ዓመት ጐርዞ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ንየሆዋ ኣምላኽ ከተገልግል ምስ ጀመረት: ስድራቤታ ነዚ ስለ ዘይተቐበልዎ ኻብ ገዛ ኽትወጽእ ነበራ። ይኹን እምበር: ኣብ ክንዲ እትሓርቕ: ኣተሓሳስባኣ ብቓልን ብመንፈስን ኣምላኽ ክቕረጽ ብምፍቃድ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸለየት። ድሕሪኡ ንስድራቤታ ብተደጋጋሚ ደብዳበ ኽትጽሕፈሎምን ኣብ ደብዳበታታ ንዖኦም ዘለዋ ፍቕሪ ኽትገልጽን ጀመረት። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋታ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ: ሕጂ ድማ ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት እዮም። ኣዲኣን ምንኣሳ ሓዋን እውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበሉ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ኣበርቲዑ ዝጻረራ ዝነበረ ኣቦኣ: ልቡ ተቐየረ። እዛ ናይ የሆዋ ምስክር እዚኣ “ኵላትና ክርስትያናት ብጾትና ተመርዓና: ስለዚ ኣብ ስድራቤትና ዅሉዅልና 23 ሰባት ብሓድነት ነምልኽ ኣሎና” ኢላ ጸሓፈት። እዝስ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ዘምጽኦ ዓወት ኰን እዩ!
ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸተማዕብልን ንኻልኦት ከምኡ ንኽገብሩ ኽትሕግዞምን ትደሊ ዲኻ፧ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ናብቲ ምንጪ ናይዛ እተደንቕ ባህሪ ዝዀነ የሆዋ ቕረብ። እወ: ቃሉ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ: መንፈስ ቅዱስ ክወሃበካ ጸሊ: ከምኡውን ወትሩ ምስ ክርስትያናት ኣሕዋት ተቐራረብ። (ኢሳይያስ 11:9፣ ማቴዎስ 5:5) ድሕሪ ሓጺር እዋን እከይ ዝበሃል ክጠፍእ ምዃኑን እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ዘንጸባርቑ ጥራይ ክተርፉ ምዃኖምን ምፍላጥሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን እዩ! ኣማን ብኣማን: ሓጐስን ህይወትን ንምርካብ እተድሊ ቐንዲ ረቛሒ ፍቕሪ እያ።—መዝሙር 37:10, 11፣ 1 ዮሃንስ 3:14
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ጸሎትን መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ንኸነማዕብል ይሕግዘና