ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኻልኦት ምግልጋል ንስቓይካ የፍኵሶ

ንኻልኦት ምግልጋል ንስቓይካ የፍኵሶ

ታሪኽ ህይወት

ንኻልኦት ምግልጋል ንስቓይካ የፍኵሶ

ሁልያን ኣርያስ ዘዘንተዎ

ብ1988 ወዲ 40 ዓመት ከለኹ: ዘተኣማምን ስራሕ ዘሎኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ናይ ሓንቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ጨንፈራት ዘለዋ ኩባንያ ዞባዊ ዳይረክተር ነበርኩ። ስለዚ ድማ ብልጽቲ ማኪና: ጽቡቕ ደሞዝ: ከምኡውን ኣብ ማእከል እታ ኣብ ስጳኛ እትርከብ ከተማ ማድሪድ ዝርከብ ብሉጽ ቤት ጽሕፈት ነበረኒ። አረ ኻብታ ዝሰርሓላ ኩባንያስ ናይታ ሃገር ዳይረክተር ክኸውን ምዃነይ ተኣሚቱለይ ነይሩ።ህይወተይ ኣጸቢቑ ክቕየር ምዃኑ ግን ኣይፈለጥኩን ነይረ።

ሓደ መዓልቲ ሓኪመይ ማልቲፕል ስክለሮሲስ ዝበሃል ዘይሓዊ ሕማም ከም ዘሎኒ ኣርድኣኒ። በዚ ኣዝየ ተደቘስኩ። ጸኒሐ: እዚ ሕማም እዚ ንሓደ ሰብ እንታይ ክገብሮ ኸም ዝኽእል ምስ ኣንበብኩ ፈራህኩ። a ኣብ ዝተረፈ ህይወተይ ወትሩ ሞት እናንጸላለወኒ ዝነብር ኰይኑ ተሰምዓኒ። ነታ ሚላግሮስ እትበሃል በዓልቲ ቤተይን ነቲ ኢስማኤል ዝበሃል ወዲ ሰለስተ ዓመት ወደይን ከመይ ገይረ እየ ዝኣልዮም፧ ንሕማመይከ ከመይ ገይረ እየ ዝጻወሮ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ንምርካብ እናኣናደኹ ኸለኹ: ካልእ ዘሰምብድ ነገር ኣጋጠመኒ።

ሓኪመይ ብዛዕባ ሕማመይ ካብ ዝነግረኒ ሓደ ወርሒ ዝኸውን ጸኒሑ: ሓለቓይ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸውዓኒ እሞ እታ ኩባንያ “ጽቡቕ ትርኢት” ዘለዎም ሰባት ከም እትደሊ ነገረኒ። በብቝሩብ ዘማስን ሕማም ዘለዎ ሰብ ከኣ: ዋላ እውን ገና ኸይገደዶ ኸሎ: ነዚ ዘማልእ ኣይኰነን። ስለዚ: ብኡንብኡ ኻብ ስርሐይ ኣሰናበተኒ። ብሃንደበት ስራሕ ዘይብለይ ኰንኩ!

ኣብ ቅድሚ ስድራ​ቤተይ ድምብርጽ ዘይበለኒ ኽመስል እኳ እንተ ጸዓርኩ: በይነይ ኰይነ ብዛዕባ ሓድሽ ኵነታተይ ክሓስብን ብዛዕባ መጻእየይ ከስተንትንን ደለኹ። ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ መንፈስ ጭንቀት ክቃለሶ ጸዓርኩ። እቲ ኣዝዩ ዝጐድኣኒ ነገር: ኣብ ኩባንያይ ብሓንሳእ ዋጋ ዘይብለይ ምዃነይ እዩ።

ካብ ድኻም ብርታዐ ምርካብ

እቲ ዘሐጕስ ግን: ኣብዚ ጽንኩር እዋን ካብ እተፈላለየ ምንጪ ብርታዐ ኽረክብ ይኽእል ነይረ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣስታት 20 ዓመት ኣቐዲመ: ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ እየ። ስለዚ: ብዛዕባ ስምዒታተይን ብዛዕባ መጻኢ ዘሎኒ ሻቕሎትን ብጸሎት ንየሆዋ ነገርክዎ። እታ ኸም ናተይ ዓይነት እምነት ዝነበራ ብዓልቲ ቤተይ ምንጪ ዘይነጽፍ ምጽንናዕ ኰነትኒ: ገሊኣቶም ዝቐርቡኒ ፈተውተይ ዘርኣዩኒ ሕያውነትን ርሕራሐን ብዋጋ ዘይሽነን ብምንባሩ ድማ ደገፍ ኰነኒ።​—⁠ምሳሌ 17:17

ንኻልኦት ዝስምዓኒ ዝነበረ ሓላፍነት እውን ሓጊዙኒ እዩ። ንወደይ ብጽቡቕ ከዕብዮ: ክምህሮ: ምስኡ ክጻወት: ከምኡውን ኣብ ዕዮ ስብከት ከሰልጥኖ ድሌት ነይሩኒ። ስለዚ ተስፋ ክቘርጽ ኣይነበረንን። ብዘይ​ካዚ: ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽማግለ ነበርኩ: ክርስትያናት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከኣ ደገፈይ የድልዮም እዩ። እቲ ስቓየይ ንእምነተይ እንተ ኣዳኺምዋ ግን እንታይ ዓይነት ኣብነት እየ ክዀኖም፧

ጥዕናይ ኰነ ቝጠባዊ ዅነታተይ ተቐየረ። እቲ ለውጢ ገሊኡ ንሕማቕ ክኸውን ከሎ ገሊኡ ግን ንጽቡቐይ እዩ ነይሩ። ሓደ እዋን ሓደ ሓኪም “ሕማም ንሰብ ይልውጦ ደኣ እምበር ኣይርምሶን እዩ” ኽብል ከሎ ሰሚዐዮ ነይረ። ኣነውን ኵሉ እቲ ዘጋጠመኒ ለውጢ ኣሉታዊ ጥራይ ዘይምዃኑ ርእየ እየ።

ቅድም ቀዳድም እቲ ‘ኣብ ስጋይ ዘሎ ግራጭ’ ንናይ ካልኦት ሰባት ጸገማት ጥዕና ብዝያዳ ንኽርድኦን ንኽድንግጸሎምን ሓገዘኒ። (2 ቈረንቶስ 12:7) ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ነቲ ኣብ ምሳሌ 3:5 “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ዝብል ቃላት ተረዳእክዎ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እዚ ዘጋጠመኒ ሓድሽ ኵነታት: ኣብ ህይወት እቲ ብሓቂ ዘገድስ ነገር እንታይ ምዃኑ: ናይ ሓቂ ሓጐስ ንኽህልወንን ዋጋ ዘሎኒ ዀይኑ ንኽስምዓንን እውን እንታይ ከም ዘድልየኒ መሃረኒ። ኣብ ማሕበር የሆዋ ብዙሕ ክዓዮ ዝኽእል ነገራት ኣሎ። ነተን የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ብምባል እተዛረበን ቃላት ናይ ሓቂ ትርጕመን ተረዳእክዎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ሓድሽ ህይወት

ሕማመይ ካብ ዝፈልጥ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝግበር ክር​ስትያን ወለንተኛታት ኣብ መንጎ ሓካይምን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕሙማትን ምትሕብባር ንኽህሉ ዝስልጥኑሉ ሰሚናር ክካፈል ጻውዒት ቀረበለይ። እቶም ወለንተኛታት ዘበልና ጸኒሕና ብሓንሳእ ብምጥርናፍ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድኣ ኮሚተታት ኰንና። እዚ ሰሚናር እዚ ንዓይ ኣብ ጽቡቕ እዋን እዩ ኣጓኒፉኒ። ካብ ዝዀነ ይኹን ንግዳዊ ስራሕ ዝያዳ ዕግበት ዘምጽኣለይ ዝሓሸ ዕዮ ረኸብኩ።

ኣብቲ ሰሚናር እተን ሓደስቲ ዝምስረታ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድኣ ኮሚተታት: ንሆስፒታላት ከም ዝበጽሓ: ንሓካይም ቃለ⁠-​መጠይቕ ከም ዝገብራሎም: ከምኡውን ንሰብ ሞያ ጥዕና ኣስተምህሮ ኸም ዝህባ ተገልጸልና። እዚ ዅሉ ዝግበር ከኣ ኣብ ክንዲ ምትህልላኽ: ምርድዳእ ንምስፋን ተባሂሉ እዩ። እዘን ኮሚተታት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ​ ደም ክሕክምዎም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሓካይም ኣብ ምርካብ ይሕግዛኦም። ልክዕ እዩ: ኣብዚ ሞያ እዚ ፍልጠት ስለ ዘይነበረኒ: ብዙሕ ናይ ሕክምና ቓላት: ስነ⁠-​ምግባር ሕክምና: ከምኡውን ኣሰራርሓ ሆስፒታላት ክመሃር ነበረኒ። እንተዀነ ግን: ድሕሪ እቲ ሰሚናር ሓድሽ ዘሐጕስ ብድሆ ዘለዎ ዕዮ ስለ ዝረኸብኩ: ካልእ ሰብ ኰይነ እየ ናብ ቤተይ ተመሊሰ።

ንሆስፒታላት ምብጻሕ​—⁠ምንጪ ዕግበት

ሕማመይ በብቝሩብ ብዘይ​ ንሕስያ የልምሰለኒ እኳ እንተ ነበረ: ኣባል እቲ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ኸም ምዃነይ መጠን ዝነበረኒ ሓላፍነት ግን እናዓበየ ኸደ። ብሰንኪ ስንክልናይ መልዕሎ ስለ እተወሰነለይ: ንሆስፒታላት ንኽበጽሕ እኹል ግዜ ረኸብኩ። ኣብዚ ምብጻሓት እዚ ሓሓሊፉ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር እኳ እንተ ኣጋጠመኒ: ካብቲ እተጸበኽዎ ንላዕሊ እናፈዀሰንን ዓስቢ እናረኸብኩሉን ከድኩ። ብብሽክለታ ስንኩላን እንቀሳቐስ እኳ እንተ ነበርኩ: እዚ ዓብዪ ዕንቅፋት ኣይኰነንን። ኣባላት እቲ ኮሚተ ዝዀኑ ብጾተይ ወትሩ ምሳይ ይኸዱ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚውን ሓካይም ብብሽክለታ ስንኩላን ምስ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ምዝርራብ ዝለመዱ እዮም: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ንኽበጽሖም ዝገበርክዎ ጻዕሪ ምስ ተዓዘቡ ብዓብዪ ኣኽብሮት ዝሰምዑኒ እዮም ዝመስሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት: በማእታት ንዝቝጸሩ ሓካይም በጺሐ እየ። ገሊኣቶም ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ክሕግዙና ድሉዋት እዮም ነይሮም። ዶ/ር ዃን ድዋርተ ዝበሃል ንሕልና ሕሙም ምኽባር ዘሐጕሶ ሓኪም መጥባሕቲ ልቢ: ብኡንብኡ ኽሕግዘና ጀመረ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኻብ እተፈላለየ ኽፍሊ ስጳኛ ንዝመጹ ልዕሊ 200 ዝዀኑ ሕሙማት ብዘይ​ ደም መጥባሕቲ ገበረሎም። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ቍጽሮም እናበዝሐ ዝኸይድ ሓካይም ብዘይ​ ደም መጥባሕቲ ኽገብሩ ጀመሩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣዘውቲርና ንበጽሖም ምንባርና እተወሰነ ጥቕሚ ነይርዎ: እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ዓውዲ ሕክምና እተገብረ ምዕባለን ብዘይ​ ደም ዝግበር መጥባሕቲ ዘምጽኦ ጽቡቕ ውጽኢትን እውን ኣሳልጦ ንኽርከብ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። የሆዋ ንጻዕርና ኸም ዝባረኾ ድማ ንኣምን ኢና።

ገሊኣቶም መጥባሕቲ ልቢ ኣብ ምግባር: ብሕልፊ ድማ ኣብ ሕጻናት ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ሓካይም ዝሃቡና ምላሽ ኣጸቢቑ ኣሐጒስኒ እዩ። ክልተ መጥባሕቲ ዝገብሩ ሓካይምን መደንዘዚ ዝወግኡ ክኢላታትን ዝርከብዋ ሓንቲ ጕጅለ ንኽልተ ዓመት በጻሕናያ። ናይ ሕክምና ጽሑፋት ዓደልናዮም: ኣብቲ ዓውዲ እቲ ኻልኦት ሓካይም እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ድማ ገለጽናሎም። እቲ ጻዕርታትና ኣብቲ ብ1999 “መጥባሕቲ ልቢ ዕሸላት” ብዝብል ኣርእስቲ እተገብረ ናይ ሕክምና ዘተ ፍረ ረኸበ። እቶም ክልተ መጥባሕቲ ዝገብሩ ሓካይም ብሓደ ኻብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጸ ናይ መጥባሕቲ ሓኪም እናተሓገዙ: ንሓደ ኣብ ኣኦርታ ሕክምና ዘድልዮ ዝነበረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ ዘለዉዎ ሕጻን ኣዝዩ ኸቢድ መጥባሕቲ ገበሩሉ። b ሓደ ኻብቶም ሓካይም ካብቲ መጥባሕቲ ዝግበሮ ኽፍሊ ወጺኡ እቲ መጥባሕቲ ብጽቡቕ ከም እተዛዘመን ሕልና እቶም ወለዲ ኸም እተሓለወን ምስ ነገረና ምስቶም ወለዲ ተሓጒሰ እየ። ኣብዚ እዋን እዚ እዞም ክልተ ሓካይም ካብ መላእ ስጳኛ ንዝመጽዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕሙማት ይሕክሙ ኣለዉ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንክርስትያናት ኣሕዋተይ ክሕግዞም ምኽኣለይ ብሓቂ እዩ ዘሐጕሰኒ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህይወቶም ከቢድ ጸገማት ኣብ ዘሕልፉሉ እዋን እዮም ምስቲ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ዝራኸቡ። መጥባሕቲ ኽግበረሎም ዘድሊ እኳ እንተዀነ: ኣብታ ኣብ ከባቢኦም እትርከብ ሆስፒታል ዘለዉ ሓካይም ብዘይ​ ደም ክሕክምዎም ፍቓደኛታት ኣይኰኑን ወይ ነቲ ሕክምና ኣይክእልዎን። ይኹን እምበር: ኣብ ማድሪድ ኣብ ኵሉ መዳይ ሕክምና ዝተሓባበሩ መጥባሕቲ ዝገብሩ ሓካይም ከም ዘለዉ ምስ ፈለጡ: እፎይ እዮም ዝብሉ። ሓደ እዋን ሓደ ሓው ኣብ ሆስፒታል ምስ ከድናዮ ጥራይ እቲ ኣብ ገጹ ዝነበረ ሻቕሎት ተቐንጢጡ ብህድኣት ክትካእ ርእየ እየ።

ደያኑን ናይ ሕክምና ስነ⁠-​ምግባርን

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣባላት እተን ምስ ሆስፒታል ዘረዳድኣ ኮሚተታት ንደያኑ እውን ምብጻሕ ገይሮምሎም እዮም። ኣብቲ እተገብረ ምብጻሕ ከኣ ነዞም ሰበ⁠-​ስልጣን እዚኣቶም ብዛዕባ ደም ዘሎና ኣቕዋምን ብዘይ​ ደም ዝግበር ናይ ሕክምና ኣማራጺታት ምህላዉን እትሕብር ፋሚሊ ኬር ኤንድ ሜዲካል ማነጅመንት ፎር ጂሆቫስ ዊትነስስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ዓደልናዮም። ኣብ ስጳኛ ዝርከቡ ደያኑ ብተደጋጋሚ እቲ ሕሙም ከይደለየ ሓካይም ኣገዲዶም ደም ክህቡ ትእዛዝ ስለ ዘመሓላልፉ እዚ ምብጻሕ እዚ ኽግበረሎም ኣድላዪ ነበረ።

ደያኑ ዕዮኦም ዘካይዱሉ ኽፍልታት ብሓቂ ዝምስጥ እዩ። ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሐይ ኣብቲ ኮሪዶር ብብሽክለታ ስንኩላን ክኣቱ ኸለኹ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ሰብ ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ ንእሽቶ ሓደጋ ኣጋጠመና: ኣነውን ካብታ ብሽክለታይ ወደቕኩ። ነቲ ዅነታት ዝረኣዩ ገሊኣቶም ደያኑን ጠበቓታትን መጺኦም ደገፉኒ: እንተዀነ ግን ሓፈርኩ።

እቶም ደያኑ ስለምንታይ ከም ዝመጻእናዮም ኣጸቢቑ እኳ እንተ ዘይተረድኦም: መብዛሕትኦም ብሕያውነት ተቐበሉና። እቲ መጀመርታ ዝኸድክዎ ዳኛ ብዛዕባ ኣቕዋምና ይሓስብ ብምንባሩ: ብሰፊሑ ኸዘራርበና ኸም ዝደሊ ገለጸልና። ኣብታ እትቕጽል ምብጻሕና: ነታ ብሽክለታይ ባዕሉ እናደፍአ ናብ ክፍሉ ኣእተወኒ: ጽን ኢሉ እውን ሰምዓኒ። ኣነን ብጾተይን ካብዚ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ዝረኸብናዮ ጽቡቕ ፍረ ነቲ ዝነበረና ፍርሂ ንኸነርሕቖ ሓገዘና: ነዊሕ ከይጸናሕና ኸኣ ካልእ ጽቡቕ ፍረታት ረኸብና።

ኣብታ ዓመት እቲኣ ንሓደ ኻልእ ዳኛ እታ ፋሚሊ ኬር ዘርእስታ ጽሕፍቲ ሃብክዎ: ንሱውን ብጽቡቕ ተቐበለኒ እሞ ከንብባ ምዃኑ ቓል ኣተወለይ። ኣብ ህጹጽ እዋን እንተ ኣድልይዎ ንኽድውለለይ ኢለ ቝጽሪ ተሌፎነይ ሃብክዎ። ክልተ ሰሙን ዝኸውን ጸኒሑ ተሌፎን ብምድዋል ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም ንሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ደም ንኽወሃባ ዘገድድ ትእዛዝ ከመሓላልፈሉ ኸም ዝሓተቶ ገለጸልና። እቲ ዳኛ: እታ ናይ የሆዋ ምስክር ደም ንኸይትወሰድ ዘለዋ ድሌት ዘማልኣላ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ክንሕግዞ ኸም ዝደሊ ነገረና። ካልእ ሆስፒታል ንምርካብ ብዙሕ ኣየጸገመናን: ኣብኡ ድማ እቶም ሓካይም ብዘይ​ደም ዕዉት መጥባሕቲ ገበሩ። እቲ ዳኛ ነቲ ውጽኢት ምስ ሰምዐ ተሓጐሰ: ኣብ መጻኢ እውን ተመሳሳሊ ፍታሕ ከም ዝጥቀም ኣረጋገጸልና።

ንሆስፒታላት ምብጻሕ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበርኩ እዋን እቶም ሓካይም ንመሰላትን ሕልናን ናይቶም ሕሙማት ኣብ ግምት ከእትዉዎ ንደልዮም ስለ ዝነበርና: ብተደጋጋሚ ናይ ሕክምና ስነ⁠-​ምግባር ብዝምልከት ሕቶ ይለዓል ነበረ። ሓንቲ ኣብ ማድሪድ እትርከብ እትተሓባበረና ሆስፒታል ብዛዕባ ናይ ሕክምና ስነ⁠-​ምግባር ዝምልከት ኮርስ ክወሃብ ከሎ ኽሳተፍ ጻውዒት ኣቕረበትለይ። እዚ ኮርስ እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ኣረኣእያና ነቶም ኣብዚ ዓውዲ እዚ እተዋፈሩ ኽኢላታት ንኽገልጸሎም ኣኽኣለኒ። ነቲ ንሓካይም ዘጋጥሞም ሓያሎ ኣጸጋሚ ውሳነታት እውን ንኽርዳእ ሓገዘኒ።

ሓደ ኻብቶም መምህራን ናይቲ ኮርስ ዝነበረ ፕሮፌሰር ድያጎ ግራስያ ንስነ⁠-​ምግባር ብዝምልከት ስጳንኛ ንዝዛረቡ ሓካይም ብሉጽ ኮርስ ብተደጋጋሚ ኣዳለወ: ንሕሙም ኣገዲድካ ደም ክወሃብ ከም ዘይግባእ ብምግላጽ ድማ ኣጽኒዑ ኽድግፈና ጀመረ። c ምስኡ ዝነበረና ቐጻሊ ርክብ ንገሊኣቶም ተወከልቲ ናይቲ ኣብ ስጳኛ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቶም ናይዚ ፕሮፌሰር ድሕረ⁠-​ምረቓ ተማሃሮ ኣቕዋምና ንኽገልጹሎም ኣኽኣሎም። ገለ ኻብቶም ተማሃሮ ድማ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ብሉጻት ሓካይም እዮም ዝቝጸሩ።

ንኽዉንነት ምቕባሉ

ልክዕ እዩ: እዚ ንኣመንቲ ብጾተይ ዝጠቅም ዕግበት ዘምጽእ ዕዮ ንዅሉ ብሕታዊ ሽግራተይ ኣይፈትሖን። ሕማመይ እናገደደ እዩ ኸይዱ። እቲ ዘሐጕስ ግን: ኣእምሮይ ክሳዕ ሕጂ ንቑሕ እዩ። ብሓገዝ እቶም ኣማሪሮም ዘይፈልጡ ብዓልቲ ቤተይን ወደይን ከኣ ክሳዕ ሕጂ ሓላፍነተይ እስከም ኣለኹ። ንሳቶም እንተ ዘይድግፉኒ: ኣይምኸኣልክዎን ነይረ። ስረይ ክለጕም ወይ ካቦት ክድርብ እውን ኣይክእልን እየ። ብፍላይ ቀዳም ቀዳም ወደይ ብሽክለታይ እናደፍአ ካብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ ከለና የሐጕሰኒ እዩ። ክሳዕ ሕጂውን ከም ናይ ጉባኤ ሽማግለ መጠን ንዘሎኒ ሓላፍነት እፍጽሞ ኣለኹ።

ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመት ዘሰምብድ ኵነታት ኣጋጢሙኒ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ስንክልናይ ንስድራ​ቤተይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጸለዎም ክርኢ ኸለኹ: ካብቲ ሕማመይ ዝገድድ ስቓይ እዩ ዘምጽኣለይ። ሽሕኳ ዘይዛረቡሉ እንተዀኑ: ከም ዝሳቐዩ እፈልጥ እየ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ሓማተይን ኣቦይን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሞቱ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ብብሽክለታ ስንኩላን ጥራይ ዝንቀሳቐስ መጻጕዕ ኰንኩ። ምሳና ዝነብር ዝነበረ ኣቦይ ቀስ ብቐስ እናማሰነ እዩ ሞይቱ። እታ እትከናኸኖ ዝነበረት ብዓልቲ ቤተይ ሚላግሮስ ኣብ መጻኢ ንዓይ እንታይ ከም ዘጋጥመኒ መርኣያ ዝረኣየት ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዋ።

ይኹን እምበር: ብኣወንታዊ ሸነኹ ኽርእዮ ኸለኹ: ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ ስድራ​ቤትና ብሓድነት ሰሚራ እያ። እታ ሓላፊ ከለኹ ዝነበረትኒ መንበር ብብሽክለታ ስንኩላን እኳ እንተ ተተክአት: ሕጂ ንኻልኦት ንምግልጋል ብዝያዳ ውፉይ ብምዃነይ ህይወተይ ተመሓይሹ እዩ። ምሃብ ንስቓይካ ከፋዅሶ ይኽእል እዩ: የሆዋ እውን ኣብቲ ሓገዝ ዘድልየና እዋን ንኸበርትዓና ዝኣተዎ መብጽዓ ይሕሉ እዩ። ሕጂ ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኽብል እኽእል እየ።​—⁠ፊልጲ 4:13

[እግረ-ጽሑፋት]

a ማልቲፕል ስክለሮሲስ ምምዝባል ማእከል ስርዓተ መትኒ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ በብቝሩብ ምስሓት ሚዛንን ምልማስ መሓውርን ዘስዕብ ኰይኑ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ናይ ምርኣይ: ምዝራብ: ወይ ናይ ምስትውዓል ክእለት እናተዳኸመ ይኸይድ።

b እዚ መጥባሕቲ እዚ ሮዝ ፕሮሲጀር ተባሂሉ ይፍለጥ።

c ናይ 15 ለካቲት 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-20 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን]

ወዱ ዝሃቦ ርእይቶ

ኣቦይ ዘለዎ ጽንዓትን ኣወንታዊ መንፈስን ንዓይ ብሉጽ ኣብነት እዩ ዀይኑኒ: ብብሽክለታኡ ገይረ እናደፋእክዎ ክኸይድ ከለኹ ኸኣ እጃመይ ከም ዘበርከትኩ እዩ ዝስምዓኒ። ቃሕ ዝበለኒ ዅሉ ኽገብር ከም ዘይክእል እፈልጥ እየ። ኣብዚ እዋን እዚ ገና ኰተቴ እየ: ምስ ዓበኹ ኸኣ ኣባል ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ዀይነ ኸገልግል እየ ዝደሊ። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መብጽዓታት እዚ ሕጂ ዘሎ ስቓይ ንግዜኡ ምዃኑን ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝገደደ ስቓይ ከም ዘለዎምን እፈልጥ እየ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን]

ብዓልቲ ቤቱ ዝሃበቶ ርእይቶ

ምስ ሓደ ማልቲፕል ስክለሮሲስ ዝበሃል ሕማም ዘለዎ ብዓል ቤት ምንባር: ንሰበይቲ ኣእምሮኣዊ: ስምዒታዊ: ዀነ ኣካላዊ ጸገማት የስዕበላ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኽገብሮ ዝውጥኖ ነገራት ሚዛናዊት ክኸውን ነበረኒ: ብዛዕባ መጻኢ ብዘይ​ጠቅም ንኸይጭነቕ ክጥንቀቕ ነበረኒ። (ማቴዎስ 6:34) ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ስቓይ ምስ ዝህልዎ እቲ ብሉጽ ባህርያቱ ጐሊሑ እዩ ዝወጽእ። ሓዳርና ኻብ ቀደም ብዝያዳ እዩ ደልዲሉ: ንየሆዋ ድማ ብዝያዳ እየ ቐሪበዮ። ታሪኽ ህይወት ናይቶም ተመሳሳሊ ዘጨንቕ ነገራት ዘጋጠሞም ሰባት እውን ብዙሕ ኣበራቲዑኒ እዩ። እቲ ሁልያን ነሕዋትና ጠቓሚ ኣገልግሎት ብምሃብ ዝረኽቦ ዕግበት ንዓይ እውን ይስምዓኒ እዩ። መዓልታዊ ሓድሽ ጸገም እንተ ተፈጥረ እውን የሆዋ ፈጺሙ ሓዲጉና ኣይፈልጥን።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ብዓልቲ ቤተይ ምንጪ ምጽንናዕ ኰነትኒ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ዶ/ር ዃን ድዋርተ ዝበሃል ሓኪም መጥባሕቲ ልቢ ክዘራረብ ከለኹ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን ወደይን ብሓባር ኣገልግሎት ምኻድ የሐጕሰና እዩ