ኣልባብ መንእሰያት ንኽትትንክፍ እተዳለወት ቪድዮ
ኣልባብ መንእሰያት ንኽትትንክፍ እተዳለወት ቪድዮ
ብዙሓት መንእሰያት ነታ መንእሰያት ዝሓትዎ—ብኸመይ እየ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከጥሪ ዝኽእል፧ a ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ምስ ረኣዩ ብዛዕባ ኣካይዳኦም ኣጸቢቖም ንኽሓስቡ ተደሪኾም እዮም። እዛ ቪድዮ እዚኣ ጥዑይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽርታት: ክርስትያን መንእሰያት ዝሃብዎ ሓሳባት: ከምኡውን ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዛንታ ዲና ተመርኲሱ እተዳለወ ልቢ ዝትንክፍ ድራማ ኣለዋ። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 34) ብዛዕባ እዛ ቪድዮ እዚኣ ካብ መክሲኮ እዚ ዝስዕብ ርእይቶ ተዋሂቡ ኣሎ።
ማርታ ኸምዚ በለት:- “እዛ ቪድዮ እዚኣ ልበይ እያ ተንኪፋትኒ። ንዓይ ተባሂላ ኸም እተዳለወት ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። መምህራነይን መማህርተይን ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ምፍላጦም ጥራይ እኹል ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ንዓታቶም ብምምስካር መንነተይ ብግብሪ ኣየርኣኹዎምን። ነቲ የሆዋ ዝህበና መምርሒታት ብምሉኡ: ብፍላይ ከኣ ከምዚ እዛ ቪድዮ ዝገበረቶ ገይሩ ውሽጥና ኽትንክፈና ኸሎ አመስግነሉ እየ።”
ህዋን ካርሎስ ድማ ከምዚ በለ:- “እዛ ቪድዮ እዚኣ ኸም እትሓስብ እያ እትገብረካ። መንእሰይ ከለኹ: እተወሰነ ጌጋ ገበርኩ: ከምቶም ኣብታ ድራማ ዝነበሩ ገሊኣቶም ገጸ-ባህርያት ዝዀንኩሉ እዋን እውን ነይሩ። ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ክልተ ገጽ ዘለዎ ናብራ እነብር ነበርኩ: ከምዚ ዓይነት ናብራ ግን ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣስተውዓልኩ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ድሕሪ ምርኣየይ: ንየሆዋ እሙን ክኸውን ቈሪጸ ኣለኹ።”
ሱለም ከኣ ከምዚ በለት:- “ነዛ ቪድዮ እዚኣ ምስ ረኣኹ: ልበይ ተለዓዓለ። መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኣቋሪጸ ነበርኩ: ናብ የሆዋ ዘቕርቦ ጸሎት እውን ብዙሕ ኣይነበረን። ነቲ ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ መንእሰያት ዝሃብዎ ሓሳባት ምስ ሰማዕኩ: ከም ብሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕን ናብ የሆዋ ንኽጽልን ተደረኽኩ።”
ኣብዚ ግዜና ንመንእሰያት ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ: ዝመርጽዎም ኣዕሩኽ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣነባብራኦም ዓብዪ ጽልዋ ይገብሩሎም እዮም። (መዝሙር 26:4፣ ምሳሌ 13:20) እታ መንእሰያት ዝሓትዎ—ብኸመይ እየ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከጥሪ ዝኽእል፧ ዘርእስታ ቪድዮ ንሓያሎ መንእሰያት ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ውሳነ ንኽገብሩ ትሕግዞም ኣላ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት